Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ብጓል መንገዲ ዓዲ ኣይእቶን እዩ!

ብድሕነት ኣሕላም፡ ጥፍኣት ሽሕ ምዕዳም፡ ከይኮነና። ኣብዚ ሳልስቲ፡ ኤርትራውያን ኣብ ዝዋስኡሉ Social Media ብፍላይ ድማ Paltak ን Facebookን ብዋዕዋዕታ ምውጻእ ገንዘብ ንድሕነት ጓል 8 ዓመት ግዳይ በደዊን ሲናይ፡ ኣሕላም፡ ተናዊጹ ቀንዩ ‘ሎ። እዚ ካብ ዶባት ኤርትራ (ወረ

ብድሕነት ኣሕላም፡ ጥፍኣት ሽሕ ምዕዳም፡ ከይኮነና።

ኣብዚ ሳልስቲ፡ ኤርትራውያን ኣብ ዝዋስኡሉ Social Media ብፍላይ ድማ Paltak ን Facebookን ብዋዕዋዕታ ምውጻእ ገንዘብ ንድሕነት ጓል 8 ዓመት ግዳይ በደዊን ሲናይ፡ ኣሕላም፡ ተናዊጹ ቀንዩ ‘ሎ።

እዚ ካብ ዶባት ኤርትራ (ወረ ሎምስ ካብ ውሽጢ ኤርትራ) ኣትሒዙ፡ ኣብ ልዕሊ ኣሽሓት ኤርትራውያን ዝፍጸም ዘሎ፡ ጓሃላሉ ህግደፍ፡ ራሻይዳ፡ ስስዐ ገንዘብ ሕልናኦምን ሰብኣውነቶምን ዘጥፍኣሎም ኤርትራውያን መሰጋገርቲ፡ ኣብ ዶብ ኤርትራ ዝርከቡ ወተሃደራትን ጸጥታን ሱዳን፡ ኣብ መወዳእታ ድማ ብበደዊን ሲናይ ዝተፈጸመን ዝቕጽል ዘሎን ጭውያን መሸጣን፡ ዓመጽን ግፍዕን ቅትለትን መዳርግቲ የብሉን።

እቶም ዝበዝሑ ግዳያት ናይዚ ተሰሚዑ ዘይፍለጥ፡ ኣሽንኳይ ክወርደካ ክትሰምዖ ኳ ዘይጽወር መዓት መንእሰያት ኳ እንተነበሩ፡ ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት ካብ ቃሎም ከምዝሰማዕናዮ፡ ግዳይነት ሽማግለታት ኣቦታትን ኣዴታትን፡ ትሕቲ ዕድመ ቆልዑን እናበዝሐ ይኸይድ ኣሎ።

እቲ ግፍዒ ኣብ ኩሎም ክወርድ ከሎ ዘሰንብድን ዘሰቅቕን ኳ እንተኾነ፡ ብፍላይ ኣብ ልዕሊ መዓንጣ ዘይቆጸሩ ትሕቲ ዕድመ ቆልዑ ክበጽሕ ከሎ ዝመረረ ናይ ምድንጋጽ ስምዒት ክፈጥር ባህርያዊ እዩ። ስለዚ፡ ዛንታ ናይታ ምስኪነይቲ ግዳይ ጓል 8 ዓመት ኣሕላም ክቱር ምድንጋጽ ፈጢሩ፡ ገለ ደንገጽቲ ገንዘብ ናይ ምውጻእ ተበግሶ ምውሳዶም፡ ህዝቢ ኸኣ ብተመሳሳሊ ድርኺት ገንዘብ ከዋጽኣላ ነቲ ተበግሶ ምስዓቡ ዘገርም ስምዒታዊ ግብረመልሲ ኣይኮነን። ድሌት በደዊን ሲናይን፡ እዞም ኩሎም ዝጠቐስናዮም ኣብዚ ረሳሕ ናይ ደም ገንዘብ ምኽዕባት ዕማም ዝተኣሳሰሩዎም ዘለዉ ጓሓላሉን ግን ብልክዕ እዚ ዓይነት ግብረመልሲ’ዚ እዩ። ንኤርትራውያን ኣሰኪሕካ፡ ብቕልጡፍ ኣሽሓት ዶላራት ምግሓጥ እንጀራኦም ዩ።

ኣብዚ ክርድኣና ዘለዎ፡ እዚ ሎሚ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ብራሻይዳን በደዊንን ዝካየድ ዘሎ መሸጣ፡ ካብቲ ቅድሚ ኣማኢት ዓመታት ብኤሮጳውያንን ኣመሪካውያንን ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ ገኒኑ ዝነበረ መሸጣ ገላዩ ዝተፈልየ እዩ። ንሳቶም ኣብ ሕርሻታት (plantation) ዘገልግሉዎም ኣጓብዝ እዮም ዝሓርዩ ዝነበሩ። ነዚኣቶም ግን ዕድመን ጾታን ኣየገድሶምን። እቶም ናይ ቀደም ወነንቲ ገላዩ ገንዘብ ብረሃጽ ግዳያቶም ዝደልዩዎ እንተነይሮም፡ እዞም ናይ ሎምዘበን ወንነቲ ገላዩ ብደም ግዳያቶም ቅልጡፍ ገንዘብ ምግሓጥ እዩ ዕላምኦም። ስለዚ፡ በዚ ደንጋጺ ግን ከኣ ሳዕቤናቱ ብዕምቆት ዘይተሓስበሉ ስጉምቲ፡ ኣብ መጻወድያኦም ኢና ንኣቱ ዘለና።

በደዊን ሲናይ፡ ኤርትራውያን ኣሰኪሖም ገንዘብ ንምምንጫት ኣየናይ ክፋእ ዘይገበሩ። ምስ ጓሉ ጅሆ ንዝሓዙዎ ኣቦ፡ ንትሕቲ ዕድመ ጓሉ ኣብ ቅድሚ ዓይኑ እናገደዱ ተጋሲሶማ፡ ጅሆ ንዝሓዙዋ ኣደ፡ ኣብ ማሕዩሮም ዝወለደቶ ዕሸል ኣብ ቅድሚ ዓይና ብሳንጃ ዘልዚሎሞ። ንሳቶም፡ እቲ ዘሕምመና እንተርኢናዮም፡ ኣብ ዘሕምመና ክሃርሙና ድሕር ዘይብሉ ጨካናት ፍጥረት እዮም።

ኤርትራውያን ካብ ዝኾነ ዓሌት ክቡራት ጸጋ ሽፍትነት በደዊንን ራሻይዳን ኴንናሉ ዘለና ምኽንያት፡ ሕድሕድ ናይ ምትሕልላይን ምድንጋጽን ባህሊ ስለዘለና እዩ። ምእንቲ’ዚ ግዜ’ዚ ተባሂሉ እቲ ብኣማኢት ዓመታት ዝተሃንጸ ሰናይ-ግብሪ ብክፉእ ግብሪ ክስዓር ኳ እንተዘይብሉ፡ ነዚ ናይ ምትሕልላይን ምድንጋጽን ባህሊ፡ በዞም ፈሪሃ እዝግኣቢሄር ዘይብሎም ኣራዊት ዘይምዝመዘሉ ጥበብ ኣማዕቢልና ክንዕቅቦ ክንመራመርን ክንጽዕርን ይግባእ። ልብን ርእስን ኣላዚብና፡ ርትዓዊ ስጉምታት ክንወስድ፡ ሕልናና ቐሺሹ ንሓደ ለይቲ ኣዛንዩና ዝሓደር ሓጺር ፍታሕ ዘይኮነ፡ ሕሰምና ንሓዋሩ ደው ዘብል፡ ነባርን መሰረታውን ፍታሕ እዩ ዘዋጽኣና።

በዚ ሕጂ ዘሎ ኣውያትን ዋጭዋጭታን፡ እተን ንኣሕላም ዘድልያኣ 20 ሽሕ ዶላር ተዋጺአን፡ ኣሕላም ካብ ጅሆነት በደዊን ክትድሕን ትኽእል እያ። ንጽብሓይቱ ግን፡ እዞም ዝጸናጸኑና ዘለዉ በደዊንን ራሻይዳን መሻርኽቶምን ኣተኩሮኦም ኤርትራውያን ቆልዑ እዮም ክኾኑ። ኤርትራውያን ቆልዑ ብላምፓዲና ክድለዩ እዮም። ድሕነት ሓንቲ ቆልዓ፡ ጥፍኣት ኣሽሓት ቆልዑ ዘስዕብ እንተኾይኑ ከኣ ነቲ ጸገም ነጋድዶ ኢና ዘለና።

ኣብ ውሽጢ ናይ ሓደ ቤተሰብ ውሳኔ ኣቲኻ፡ ከምዝን ከምትን ምባል ከቢድ ኳ እንተኾነ፡ ከም መትከል፡ ኣብ ሲናይ ጅሆ ንዝተታሕዘ ሰብ 30-40 ሽሕ ዶላር ምኽፋል መጠጥዒ ቢዝነስ ሸፋቱ ስለዝኾነ ቅቡል ኣይኮነን። ከምኡ ስለዝኾነ ከኣ’ዩ፡ እዚ ናይ ደም ቢዝነስ ካብ ሲናይ ሓሊፉ ኣስመራ ኣትዩ ዘሎ። ነዚ ዕዳ’ዚ ንምኽፋል፡ ኣብ ኤርትራ ክንደይ ኣባይቲ ተሽይጡ፡ ክንደይ ኣዴታት ኣብ ፈቐዶ ኣብያተ ክርስትያናት ተቐሊተን እየን። እቶም ዋጋ ኣባይቲ ዝኸፈሉ፡ ገሊኦም ብህይወቶም ውን ኣይወጹን፡ ኣብ ኣፍደገ ገዛ ኽራይ ዳስ ሓዘን ተተኺሉዎም። እቶም ሓንከስከስ እናበሉ ዝወጹ ድማ፡ በቲ ዝወረዶምን ውርደትን ዓመጽን ከምኡ ‘ውን ንስድራኦም ኣብ ድኽነት ብምውዳቖም ምስ ሕዱር ስነኣእሙሮኣዊ በሰላ ይነብሩ ‘ለዉ።

ካብ ኩሉ ዝኸፍአ፡ ኣብ ኤርትራውያን ዝስዕርር ዘሎ፡ ነቲ ዝጠቐስናዮ ናይ ምትሕልላይን ምድንጋጽን ባህሊ ዝጻረር፡ ብህይወት ሰብ ናይ ሓሶትን ስርቅን ህይወት ከተስተማቕር ምድላይ እዩ። ስለዚ፡ ግብራውነቱ ንኤርትራውያን ከቢዱና ኳ እንተሎ፡ ካብዚ መዓት ‘ዚ ንምድሓን፡ ብናይ ውሑዳት መስዋእቲ፡ ነዚ ናይ ደም ብዚነስ ንሓዋሩ ደው ምባሉ እዩ።

ምስዚ ሰብኣዊ ቅልውላው ሲናይ ብዝተኣሳሰር፡ ከም ሓጺርን ግዝያውን ፍታሕ ዝሓሸ ኣማራጺ፡ ከምቲ ዶክተር ኣልጋይነሽ ፍስሃ ጋንዲ ዝተበረቶ ቅድሚ ሎሚ ውን ብኣብነት ዝጠቐስናዮ፡ ምስ ገለ ገበርቲ ሰናይ በደውን ርክብ ፈጢርካን ተሓባቢርካን፡ ኣብ ድሕነት ኤርትራውያን ብጭቡጥ ምንጣፍ እዩ። ዶክተር ኣልጋይነሽ ምስ በደዊን ሸኽ መሓመድ ብምትሕብባር ዘድሓኑዎም ግዳያት ዛጊት ኣስታት 150 ኣቢሎም በጺሖም ኣለዉ። ንሕና ኤርትራውያን ከኣ፡ ነዚ ዝሓሰረን ኣሉታዊ ሳዕቤናት ዘይብሉን ጥበብ ኢና ከነስፍሖን ከነዕምቖን ከነማዕብሎን ዝግባእ።

ኣሕላም ከም ቆልዓ መጠን ሓለፋ ድንጋጸን ድሕነትን ይግብኣ ‘ዩ። ደንገጽቲ ምስ ስድራቤት ተኣሳሲሮም ብስቱር እንተድሓኑዋ፡ በቲ ቅድም ኢልና ዝጠቐስናዮ ምኽንያታት ኣሉታዊ ሳዕቤን ኳ እንተለዎ፡ ክንግዝቶም ኣይንኽእልን። በዚ ሕጂ ብኣዋጅ ተዋዓዊዑዎ ዘሎ መንገዲ ምቕጻሉ ግን ምሽዳን በደዊንን ራሻይዳን እዩ ዕድኡ።

ብኣንጻሩ፡ ፍርቂ ናይዚ 20 ሽሕ ዶላር፡ ነቲ ኣብ ሲናይ ካብቲ ምስጢራዊ ማሕዩር ኤርትራውያን ሒደት ሜትሮታት ርሒቑ ዘሎ ዝርከብ ገባር ሰናይ፡ ሸኽ መሓመድ፡ እንተስ ነቲ ንሱ ዝመርሖ መስጊድ ብምሕጋዝ ወይ ነቲ ካብ መዓት ዘምለጡ ኤርትራውያን ግዳያት ዘዕቁብ ዘሎ ቤቱ ብምስፋሕን ምድልዳልን እንተነተባብዖ፡ ሰናይ ግብሪ ፋይዳ ከምዘለዎ ተገንዚቡ መሊሱ ኣብ ምድሓን ዜጋታትና ኣበርቲዑ ምነጠፈ። ቅዱስ ሕልናዊ ተግባሩ፡ ኣብቲ ከባብን ኪኖኡን ምውዕውዑ ንባዕሉ ማሕበራዊ ክብሩ (Social Status) ክብ ከምዝብል ስለዝገብሮ፡ ካልኦት ዓበይቲ ዓዲ፡ ኣብ ክንዲ ነቶም ሰብ ብኻራ ሓሪዶምን ብሓዊ ኣሕሪሮምን ብሓጥያት ዝህብትሙ ዘለዉ ንምስዓብ ዝወናወኑ፡ ጽቡቕ ተግባሩ ቅዱስ ቅንኢ ሓዲሩዎም ክስዕቡዎ ምኸኣሉ። እዚ ስጉምቲ’ዚ ብዋጋ ዝሓሰረ ብሕልና ድማ እቲ ዝኸበረ እዩ። በደዊን ዘዝኣዘዙና እንተገርናሎም ግን፡ ሲናይ ኣስመራ ኣብ ክንዲ ትኸውን፡ ከምዚ ድሮ ዝደናደና ዘሎ፡ ኣስመራ ሲናይ ክትከውን እያ። እዚ ሰብ እናበላዕካ ናይ ምህብታም ባህሊ ሓንሳብ ኣብ ሃገርና እንተተሰሪቱ ኸኣ ክነቕሎ ከጸግመና እዩ።

ክሳብ ሕጂ ግን ብዛዕባ ምልክት (Symptom) ጥራይ ኢና ንዛረብ ዘለና። እቶም ቀንዲ ገበነኛታት፡ እቲ ቐንዲ ጸገም፡ እቲ ቐንዲ ፍታሕ እዞም ኣብ ላዕሊ ዝጠቐስናዮም ኣይኮኑን። እቲ ጠንቂ ስደት ኮይኑ ንኤርትራውያን ኣብ ግዳይ ስደትን፡ ንሱ ዝወለዶም ጭውያን፡ ግፍዕን፡ ውርደትን ሞትን ዘውድቐና ዘሎ፡ ስርዓት ህግደፍ ዝፈጠሮ ቅብጸትን ሕጊ ኣልቦነትን እዩ። ስርዓት ህግደፍ ካብ መሬት ኤርትራ ከይተሓከ፡ ስደት ከቋርጽ፡ ጭውያን መሸጣን ሞትን ኤርትራውያን ደው ክብል ከኣ ከቶ ዝከኣል ኣይኮነን።

ስለዚ፡ ንሕና ኤርትራውያን፡ ኣብ ክንዲ ሱር ሽግር፡ ንምልክቱ ጥራይ እናኣለና፡ ብግዝያዊ ፍታሕ ነብስኻ ቐሺሽካ ምድቃስ ክሳብ ዘይገደፍናዮ፡ ገንዘብ ብምውጻእ ሃሊኽና ክንርብርብ፡ ኣብ መወዳእታ ድማ “ባዕሉ ይፈልጥ” ካብ ምባል ኣይክንድሕንን ኢና። እቲ ሽግር ካብ ሱሩ ተማሕዩ ክሳብ ዘይተኣለየ መመሊሱ ምጭብጣቡ ኣይክተርፎን፡ ጥፍኣት ዜጋታትና ድማ ብዝኸፍአ መልክዑ ክቕጽል እዩ።

ብርግጽ፡ ራሻይዳን በደዊንን ኣራዊት እዮም፡ ጫክኦም ግን ኢሳይያስን ህግደፍን እዮም። ህዝብና ዘራይን ሓላይን ዝኾኖ መንግስቲ እንተረኺቡ፡ ራሻይዳን በደዊንን ከኣ ሓጥያት ዝፍጽሙሉ ሕዛእቲ እንተዘይረኺቦም እንታይ ሓይሊ ኣለዎም። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ለካቲት ኣብ ሸገራብ ዝርከቡ ስደተኛታት ዶ ኣብ ጥራይ ጎልጎል ብበትሪ መኪቶም ደው ኣየበሉዎምን። ሓደ ጉጅለ ጭዉያት መንእሰያት ዶ ብረቶም መዚዖም፡ መኪናኦም ዘዊሮም ናብ ቤትማእሰርቲ ኣየረከቡዎምን። ንሱ ኳ ዘተኣማምን ዘራይ ኣብ ዘይብሉ ሃገር።

ድሕሪ ህግደፍ፡ ቅድሚ በደዊንን ራሻይዳን፡ ቀንዲ ጸላእቲ ነብስና ባዕልና ኢና። ኢሳይያስ፡ ፍቕሪ ሰብን ህዝብን ዝብሃል ነገር የብሉን። ሰብ እናበለዐ፡ ብሰብ ክፍቶ ዝደሊ ነውራም መላኺ እዩ። ብተክኒክ ስቓይን ጭካነን፡ በደዊን ናይ መባእታ ተማሃሮኡ እዮም። ስርዓት ህግደፍ፡ ብፍላይ ከኣ እቲ ነኻስን ሓሳድን መራሒኡ ኢሳይያስ፡ “ኣብ እግረይ ዘይተንበርከኸ፡ ጊላነተይ ዝተሓስመ ሓዊ ይብለዓዮ፡ ገዲፉኒ ዝኸደ ሕራይ ደኣ” እናበለ ብቓንዛን ስቅያትን ኤርትራውያን ግዳያት ሲናይ ክስሕቕ ከምዝሓድር ዝጠፍኦ ኤርትራዊ የለን። እንተኾነ፡ ገለ ኣብ ኤውሮጳን ኣመሪካን ከላ፡ ካብ ኣስመራ ዝተወርወረ ኩርማጅ ከየርክበላ፡ ገለ ድማ፡ ኣብቲ ኣሽሓት ንጹሃት ኤርትራውያን ባህሪሮም ዝገደፉዎ ናይ ደም መሬት ካብ ኣመሪካን ኤውሮጳን ገይሻ ጠንቀላዕላዕ ክትብል፡ ተመሳሲላ ከተላቛምጽን  ክትብለጽን ክትጣበብ ምጭምላቓ ሕልናዊ ቕትለት እዩ። እቲ ዝኸፍአ ኸኣ፡ ዑረት ልባ ከይልለ መታን ምቅጻልን ሞትን ኣሽሓት ኤርትራውያን ኣብ ሲናይን ፈጣሪኡን ዘይኮነነት፡ ምንዳድ ብዕንጨይቲ ዝተሰርሐ ገዛ ሽወደን ከብዳ በሊዑዋ፡ “ዘይኮነንኩሞ” እናበለት ጠራዕራዕ ኢላ ክትዋራዘ ምፍታና እዩ። ዘይሓንኽስ እንካ ዘሕንኾ የብሉን።

እምብኣር ትሕቲ ጉጭ ልዕሊ ጉጭ ዘይብሉ፡ መሰረታዊ ጠንቂ ሰብኣዊ ቅልውላው ኤርትራ ስርዓት ኢሳይያስ እዩ። ንሱ ተማሕዩ ናይ ህዝቢ ሓልዮት ዘለዎ ስርዓት ከይተተኽለ ህዝቢ ኤርትራ ከቶ ቅሳነት ክረክብ ኣይኮነን። እዚ ኸኣ ሓንሳብ 30 ዶላር ናብ ማዕከን ኣሕላም ደርቢኻ ዝፍታሕ ኣይኮነን። ነብስኻን ሕልናኻን ምቕሻሽ፡ ፍርሒ፡ በለጽ፡ ምውርዛይ ገዲፍና፡ ነቲ ኣብ ቅድሜና ተገቲሩ ዘሎ ብድሆ ድሎ ብድሎ ንመክቶ። ብድሕነት ኣሕላም፡ ጥፍኣት ሽሕ ምዕዳም ኣየዋጽእን ‘ዩ። ብቐንዲ መንገዲ እምበር፡ ብጓል መንገዲ ዓዲ ኣይእቶን እዩ።

ኣማኑኤል ኢያሱ

ምልኪ ይፍረስ ሕጊ ይንገስ

15 መጋቢት 2013

aseye.asena@gmail.com

Review overview
45 COMMENTS
  • dekeabat March 18, 2013

    hmmm and Semayy,
    You both are on the same page. You both are right just misunderstanding. Every minute, every day and every night we are talking about this subject. We are having sleepless nights. We are torturing ourselves alongside with those who are being tortured. While The Mafias (Generals) with their Godfather Vampire Isias are having fun, drink, celebration and sleep well. However if we only concentrate on Vampire Isias. The other criminal Eritreans are getting away undetected. Hegdef has consulates ,liaison officers and military advisers in Sinai, aswan, across all Egypt and Sudan to give advise and training and some of them they are in western countries. The names of Eritreans who are involved in this trade have been published. Why is not Egyptian Police, UNHCR(cairo) informed of these names so they can be arrested and they can be denied asylum. These people have applied for asylum, some of them are already in western countries and doing their criminal business as usual. Why did not Eritrean Human rights Group stop these people before they resettled? Another one is still living in Cairo by the name John bought a house with blood money and living with his evil mum waiting for resettlement. My point is if you can not stop the evil ground soldiers do not try to climb the ladder to kill the leader. If we only point the finger at isias the rest barbaric actors are free to do what they want with impunity. We all know The African Hitler and his generals should be punished. Leave that aside and do the hunting of other actors.

  • Buruk Tekle March 18, 2013

    Dear Amanuel,

    Your point of view on the situation is very much objective. Thank you for the good article. We would rather hit the roots and the trunk of the issue (STOPING THE DICTATROR), rather than focusing on branch and leaves issues. We can only be successufl in reducing and eventually stopping the crisis of Eritrean refugees in Sudan, by avoiding the reason why the people is flocking to these cruel places. The reason why refugees are in Sudan is becasue there are much worse situations at home. If we successfully stop the dictator, all the reasons are gone in one day!!

  • Denbezen March 18, 2013

    Dear Readers
    all citzens of the nation or all singers in particular and all artist in general are not the supporters of the fake Eritrea governance and it is very difficult to judge all becomes Pro dictators. In Eritrea the most worst thing is the system delivered established and ongoing system. The existing wild system is not belong to any Eritrea whether from kebesa or metaht. For the sake of their own and family life they can act on any occasions and the other issue they couldn’t get any real situation of Eritreans and they may baize on the propoganda and they have not such experiecnce of media of the world.the securities starting from struggle is very tied and strong even up-to the bed of one family. this is the condition in every country in Africa. Eritrea had it been getting wise leader we can live with all African and specially with our brothers Ethiopian families without any corruptible we know each other more than any one else. Just we Eritrean living for sake of Politics but the reality is the other way round.Our leaders are in the past Tigrains and nowadays Tigrayn and on the future Tigraynes coz we are absolutly fro genuine Tigrayness
    God bless Eritrea
    Reply ↓

  • ሜካ 74 March 18, 2013

    ተዓወት ብጻይ ኣማኑኤል። እዚ እዩ መትከል ናይ ጋዜጠኛ። ብዘየገድስ ሰብ ዝብሎ ነቲ ሓቂ ምቅላሕ። ኣብ ፓልቶልክ ክበሃል ከምዝቐነየ፥ እዚ ክንሱ እቲ ሓቂ፥ ከምዚ ዓይነት ሓሳብ ንዘቕረቡ ሰባት ሑሕ ክበሃሉ ቐንዮም። ንስንፍናና ብገለ ቁሩብ ገንዘብ ክንሽፍኖ ህርዲግ ምባልና እንታይ እዩ ጣቊኡ፧ ክሳብ መዓስ ኢና ኤርትራውያን ንነገራት ብ ግርህነት እንዳሓዝና ግዳይ ግርህነትና እንዳኾንና ክንነብር፧ ንምንታይ ኢና ንነገራት ኣስፊሕና ብዕምቆት ዘይንምርምሮ፧
    ምኽንያቱ እዚ ጉዳይ ኢድ ገለ ሰብ ኣውነት ዘብሎም ኤርትራውያን ከምዘለዎ ዝተጋህደ ነገር እዩ።
    ስለዚ ክሳብ ክንደይ ኢና ርግጸኛታት፧
    ኤርትራውያን በድዊን ኣብ ማእከልና ዘይምህላዎም ፧
    ገለ ካብቶም ንምኽፋል ዝጉስጉሱ ምስዚ ጉዳይ ምትእስሳር ከምዘይሎም፧

  • Yaccob March 18, 2013

    Nice read emma. I fully support your idea. Even if they had to do it they should have done it secretly. Now that everyone knows that what has been done lacked wisdom and subsequently contributed to a long term bad impact we should make up fro the horrendous mistake by working hard to get rid of the core reason of the suffering that all Eritreans are enduring.

  • Truly,Truly i say to you March 18, 2013

    Highly respected, very precious dear brother Ahmed Saleh, thank you very much for your nice word and concern about me. I all the time appreciate you in my heart for your civilized cultivated manner and healthy nationality. Like your wish, it is also my wish brother, to meet all justice seekers each other in free democratic Eritrea God´s will.

  • abab March 18, 2013

    All Eritreans must remember the kidnapping trade is orginaly from Eritrea by HGDEF. The reason is to change Eritreans atention from fighting against hgdef in to fighting against bodowins. To fight against kidnaping, we need Sudan to stand as a government and country. But it never been and will never be. So let’s do some thing with the guys doing good job in Egypt. That will not stop but sure it will help. To fight against. HGDEF we need Eritrean people to now HGDEF is the the acter of the kidnaping trade.

  • bashy March 19, 2013

    እወ ኣማን ብኣማን መፍቲሒኡ ንሱ’ዩ። ብሓቂ ምስ ሸፋቱ ውዕልን ዕርቅን ክትገብር ዝከእል ኣይኮነን። እወ ዘይ-ስንኻ ሕጻ ቆርጥመሉ ከምዝበሃል፡ ፍጡር ንምድሓን ክትገብሮ ዘለካ
    ናይሕልና ጉዳይ’ውን ኣይኮነን። ምስ ሸፋቱ ውዕል ክትገብር ፡ መመሊሱ ክምምኦም እንዳኣሉ። ቅድም ካብ መንገዲ ኔሩ ጭውያ፡ ሕጂ ግና ካብታ ስርዓተ ሕጊ ዝተሓረማ ሃገር ስውኣት ኤርትራና ምስቶም ብሓይሊ ስልጣን ሒዞም ዘለዉ ናይ ውሽጢ ወይ ከኣ ናይ ከተማ ሸፋቱ ኢሰይያስን መሰልቱን ዘዋፍርዎ፡ ናይ ሽፍትነት ገንዘብ እናኸፈልና ዘዋጻጽእ ጉዳይ ኣይኮነን።
    ሰማዒ እንተረኸብና ኣብጽርግያ ወጺእና ኣውያትና ነስመዓሉ መንገዲ ይኹን ምስቶም ኣማኒኤል ኢያሱ ሓቢሩዎ ዘሎ መንገዲ ፡ ብመንገዲ ወ/ሮ ኣልጋነሽ ጋንዲ ጌርካ ክካየድ ዘለዎ ስርሓት ነሰላስል። እቲ ቀንድን መሰረታዊ ፍታሕ ግና ነቲ ቀዳማይ ሽፍታ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ምእላይ ካልእ ኣማራጺ’ወን ጓል-መገዲ ምኻኑ ኣይክተርፎንዩ። የርህሮ ኣምላኽ
    ኣርርርርርርርርርርርርክብ ክሳብ መዓስ ዘሓጥ-ሓጥ መንእሰይ ተላዓል።

  • emanuel April 16, 2013

    እዚ ጉዳይ እዚ ኣዝዩ ዘሕዝን እዩ ።ምስኪናይ ኤርትራዊ ዝኣልዮ ስኢኑ ኮለል ይብል ኣሎ።መን ኮን እዩ ኣብ ጎኑ ዝኸውን።ኣማኑኤል ብትገብሮ ዘሎኻ ስራሕ ድማ ሞሳ ህዝቢ ጽባሕ ንግሆ ክትረክቦ ኢኻ። እሞ ንእግረ መንገደይ ኩሉ ግዜ ብብረት ዝመጸ መንግስቲ ብብረት እዩ ዝወርድ ዝብል ጭርሖ ሒዝካ ንመንእሰይ ንምልማል ከኣ ፍሉይ ስጉምቲ እንተዝውሰድ።

  • ogbai November 26, 2014

    ሕጂውን እንታይ ገደሰኒ ዓዲ ኣየጋብር ከም ዝባሃል ደኣ ኮይኑ እምብር፡ እቲ ፍታሕ ኣብ ክንዲ ምልላይን ኩሉ ሓይልኻ ምቕናዕን፡ ኣብ ውጽኢት ናይቲ ሳዕቤናት ተጸሚድካ ምትራፍ ፍታሕ ኣይኮውንን እዩ። ህግደፍ ኣንጻሩ ደው ዘብለናሉ ምኽንያታት ከኣ ኣብ ናይ ስልጣን ኮረሻ ኩጢጥ ኢሉ ብዝኾነ መገዲ፡ ሽግር ህዝብን ሃገርን ክፈትሕስ ይትረፍ ጠንቅን ሳዕቤንን ኮይኑ ስለ ዘሎ ኢዩ። እምባኣር መብጻዓ ዝጠለመ እንትርፎ ጸለም፡ ንህዝቡ ዘይጣበቕ መንግስቲ ሪኢናን ሰሚዕናን ኣይንፈልጥን። ብበለጽ፡ ብምድሕርሓር፡ ብስቕታ፡ ተዋሒጥካ ብእንታይ ገዲሽኒ ዝዓይነቱ ብህርያት ዝሕመስ ህዝቢ፡ ሕሉፍ ሓሊፍካውን እንታይ ዘገበረ ኣያይ፡ ጸጊቦም ሃገር ዝኻሓዱ እዩም ዘብሉ ሕሉፋት ሃገራውያን ኮይኖም ዝስምዖም ዓያሹ እንዳሃለዉ። ንጥፋት ሃገር ዝዕድሙ ባሓማት ክሳብ ዘይተባርበሩ ሽግር ህዝብና ክቕጽል ናይ ግድን ምኻኑ እዩ። እቲ ፍታሕ ግን እቶም ተባራቢርና፡ ነቂሕናን ኣለና እንብልውን፡ ናይ ቀልዓለም ተቓውሞ እምበር ተወፋይነት፡ ቆራጽነት ስጉምቲ ክንወስድ ዘይምኻልና ማዕረ እቲ ነማርሮ መላኺ ስርዓትን ሳዓብቱን፡ ደገፍዩን፡ ታሪኽ ኽሓተና ምኻኑ ክንግንዘብ ይግብእ። ዋይ ኣነ ደቀይ ኣይቱሓዙለይ ዘረባ ጥርሕ ኮይነ ምትራፈይ። ኣብ 70ታት ኣትየ ክጎዪ እንተልኩስ ብርኪ ኮሪዕለይ፡ ዋይ ኣነ ዑቕባት! እንተተኮስኩ ክሳድ ዝፈሊ፡ እንተሞጎትኩ ሓቂ ዝደሊ ፍትሒ ዝደሊ፡ ፈታውን ጸላእን ቀልጢፈ ዘለሊ። ሃይ እስከ ኣጆኻ ኣያይ ኣቦይ በሉኒ፡ ተጸሊሉ ዓቢዱ ሓደራ ከይትብሉኒ፡ ጉዳይ ህዝብና ብዙሕ ኣተሓሳሲብኒ፡ ሃየ ደኣ ኣጆኻ ኣለንዳልኩም መተክእታ ንኸውንኣለና በሉኒ፡ ወረ… ድላይኩም በሉኒ እታ ሕግን ፍትሕን ኣብታ ዝፈትዋ ሃገርይ ኤርትራ ጥራሕ ኣርእዩኒ፡ ካልእ ኣይጽበን እየ ሓንቲ እትቡኒ። ብሓደ.. ሓደ.. እስከ በሉኒ ፓል ቶክ እዝኒ ኣጽሚሞምኒ፡ ከይገድፎ ተስፋን ሓቦን ሒዝኒ፡ ከይስዖ ተደጋጋሚ ኮይንኒ። We need Action please! ዘይተገብረ’ምብር ዝይተዘርበ የልቦን፡ ሓው ኣማኑኤል ኢያሱ ሸሞንተ ንስኻ ታሻዓዮም ንኤርትራና ተድልይዋ ኣለኹም መብዛሕታኣ ብትዕዝብተይ ተጣላቕያ ኢያ፡ ምስቶም ጀጋኑ ቆራጻት ደለይቲ ፍትሒ ኮንካ ግብራዊ መልሲ፡ ክትሓዊ እዛ ነብሲ፡ ንድለያ እታ ዓባይ ፈውሲ፡ ሕግን ፍትሕን ክነግሲ፡ ድቂ ኤርትራ ናብ ሃገራ ክትምለሲ፡ወላዲት ኣደውን ክትሕጎሲ። Action please! yeQenyely!

POST A COMMENT