Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ብጻይ ቅኑዕ! ብጴጥሮስ ተኽሉ፡(ሓላዪ)

ብጻይ ግበር ብጻይ ቅኑዕ ብጽቡቕካ ዘይቐንእ ቅንዕናኻ ቀሊዑ ዘምጽእ፡ ብጻይ ግበር መስተውዓሊ ቅኑዕ መስመርካ ዘለሊ ክምህ ዘይብል ዘይበሊ፡ ብጻይ ግበር ዘይህንጦ ብልቢ ሓሳቡ ትፈልጦ ብድሕሪኡ ቆርበት ዘይትመልጦ፡ ብጻይ ግበር ብጻይ ቅኑዕ ብተግባሩ ተርኒዑ ዘኹርዕ ዘይጠልም መብጽዓ ዘይርስዕ፡ ብጻይ ግበር ብሂወት ዝሓልፍ ተግባራዊ ብዙሕ ዘይልፍልፍ ኣርኣያኡ ብዙሓት ዘሰልፍ፡ ብጻይ ርአ ኣይተግባዕብዕ ቅኑዕ

ብጻይ ግበር ብጻይ ቅኑዕ

ብጽቡቕካ ዘይቐንእ

ቅንዕናኻ ቀሊዑ ዘምጽእ፡

ብጻይ ግበር መስተውዓሊ

ቅኑዕ መስመርካ ዘለሊ

ክምህ ዘይብል ዘይበሊ፡

ብጻይ ግበር ዘይህንጦ

ብልቢ ሓሳቡ ትፈልጦ

ብድሕሪኡ ቆርበት ዘይትመልጦ፡

ብጻይ ግበር ብጻይ ቅኑዕ

ብተግባሩ ተርኒዑ ዘኹርዕ

ዘይጠልም መብጽዓ ዘይርስዕ፡

ብጻይ ግበር ብሂወት ዝሓልፍ

ተግባራዊ ብዙሕ ዘይልፍልፍ

ኣርኣያኡ ብዙሓት ዘሰልፍ፡

ብጻይ ርአ ኣይተግባዕብዕ

ቅኑዕ መስመር ከይትትርብዕ

መስጣ’ለዎ ንጹሃት ዘንብዕ፡

ብጻይ ምዘን ከይትቓዝን

ከይትጉሂ ህዝብኻ ኣይተሕዝን

ኩሉሙሉ ህዝቢ’ሎ ዝመዝን።

08/12/2011

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT