Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ብፍልስፍና ህግደፍ፡ ኣባጅጎ’ውን ተሓታቲ’ዩ

ዋና ኣማኻሪ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ የማነ ገብረኣብን ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳይ ህግደፍ ዑስማን ሳልሕን ኣብ ዝሓለፈ 2 ጥቅምቲ፡ ኣብ ከባቢ ዋሺንግቶን ዲሲ ህዝባዊ ሰሚናር ከካይዱ መደብ’ኳ እንተነበሮም፡ እቲ ሰሚናር ብሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ከምዝተከልከለ፡

ዋና ኣማኻሪ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ የማነ ገብረኣብን ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳይ ህግደፍ ዑስማን ሳልሕን ኣብ ዝሓለፈ 2 ጥቅምቲ፡ ኣብ ከባቢ ዋሺንግቶን ዲሲ ህዝባዊ ሰሚናር ከካይዱ መደብ’ኳ እንተነበሮም፡ እቲ ሰሚናር ብሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ከምዝተከልከለ፡ ሓደ ካብ መሳርሒ ስርዓት ህግደፍ ዝኾነ ብስም National Council of Eritrean Americans (NCEA)ዝፍለጥ ማሕበር ብሕርቃን መግለጺ ኣውጺኡ። እቲ መግለጺ፡ መንግስቲ ኣመሪካ ናይ ምእካብን ሓሳብካ ናይ ምግላጽን መሰል ብጥሓስ፡ ንቅዋም ኣመሪካ ዝጥሕስ ኣንጻር ኤርትራውያን ኣመሪካውያን በደል ከምዝፈጸመ ኣማሪሩ። እቲ ምስራዝ ህዝባዊ ኣኼባ ዘሕረቆም ደገፍቲ ኢሳያስ ድማ፡ ንፕረዚደንት ኡባማ ጸሊም ውልቀመላኺ መራሒ ብምባል ትሃኖም ከውጽኡ ፈቲኖም። ማሕበር ኤርትራውያን ኣመሪካውያን ወዮ ድኣ ካብ ኣፍንጭኦም ኣርሒቆም ዘይሓስቡ ኮይኖም እምበር፡ የማነ ገብረኣብን ዕስማን ሳልሕን ገበነኛታት ስለዝኾነ፡ ኣብ መሬት ዲሞክራስን ፍትሕን፡ ቀተልቲ ህዝቢ ናይ ህዝቢ ኣኼባ ከካይዱ ምኽልካሎም ጥራይ ዘይኮነ ብሰንሰለት ተኣሲሮም ኣብ ሕጊ ክቀርቡ’ዩ ዝግባእ። ማሕበር ኤርትራውያን ኣመሪካውያን ድማ፡ ትርጉም ፍትሕን ዲሞክራስን ኣይትፈልጥዎን ኢኹም ወይ ድማ ካብ ስርዓት ህግደፍ ዝወሃብኩም ጉንዖ ከይጎድለኩም ስለዝፈርሕኩምን ነብስኹም ስለዝፈትኹምን እምበር፡ ኣብ ኤርትራ ብስርዓት ህግደፍ ዝፍጸም ዘሎ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላትን ከይተዛረብኩም፡ ኣብ ኣመሪካ ብሰላምን ክብርን እናተቀመጥኩም ነቲ ብህዝቢ ዝተመርጸ ኡባማ ውልቀ መላኺ ኢልኩም ምጽራፍኩም ዘገርም’ዩ። ሕልና እንተዝህልወኩ፡ ንህዝብኹም ካብ ሕሰም ከተናግፉን ንስርዓት ህግደፍ ክትፍንፉኑን’ዩ ዝግባእ። ብስም ዲሞክራሲ መሰረት ዘይብሉ ክስን ንህግደፍ ከተሕጉሱ ወልደፍደፍ እንተኣብዚሕኩም ግን ተጠሪዝኩም ዝግበር ኣኼባ ህግደፍ ዕድል ከምዘለኩም ኣይትዘንግዑ።

እቲ ኣብ ከባቢ ዋሽንግቶም ዲሲ ብመልሓስን ርእስን ውልቀ መላኺ ኢሳያስ፡ ኣብ ኣህጉራውን ዞባውን ጉዳያት ዝሳተፍን መደረ ዘስምዕን ዕስማን ሳልሕ፡ነቲ ኣብ መበል 71 ሓፋሻዊ ዋዕላ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዘስምዖ ዘስደምም መግለጺ ንኣሜን ኢሎም ዝቅበልዎ ኤርትራውያን’ዩ ክደግመሎም መዲቡ ነይሩ። እቲ ብተግባራቱን ክድዓቱን ካብ መዛናታቱ ተሪፉ ኣጎዛ ኢሳያስ ኮይኑ ዘሎ ዕስማን፡ ኣብ ሓፈሻዊ ዋዕላ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ናይ ገለ ሃገራት ናይ ወጻኢ ፖሊስታት ንኤርትራውያን መንእሰያት ናብ ስደት ከምዘምርሑ የተሃራርፎም ኣሎ” ክብል ገሊጹ። ስርዓት ህግደፍ ነቲ ጠንቂ ኩሉ ሕሰም ህዝቢ ኤርትራ ምዃኑ ሓንቲ መዓልቲ ኣተንቢሁን ኣሚኑን ኣይፈልጥን’ዩ። ጉድለታቱ ንምሽፋን፡ ሓንሳብ ንኢትዮጵያ፡ ንመንግስቲ ኣመሪካ ጽንሕ ኢሉ ድማ ንምዕራባውያን ሃገራት ክውንጅል ዓመታት ኮይኑ’ሎ። ስርዓት ህግደፍ ካብ ናቱ ርእይቶ ፍልይ ዝበለ ሓሳብ ናይ ምቅባልን ድኽመታቱ ናይ ምእማንን ኣመልን ትብዓትን የብሉን። በብእዋኑ ናብ ስደት ዘምርሕ ዘሎን ኣብ ጎዕዞኡ ንሞትን ማእሰርትን ስቃይን ዝቃላዕ ዘሎ ኤርትራዊ ብሰንኪ ስርዓት ህግደፍ ዝኽተሎ ኣረሜናዊ ኣገዛዝኣ እምበር፡ ብስብከት ካልኦት ሃገራት ተደናጊሩ ዝፈትዋ ሃገሩን ስድራቤቱን ገዲፉ ኣብ ስደት ከርፋሕ ናብራ ከሕልፍን ክሓስርን ኮቶ ኣይመርጽን’ዩ። ንኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ዘገድሰና ቀንዲ ቁምነገር፡ ማሕበረ ሰብ ዓለም ንስርዓት ህግደፍ ከም ገበነኛ ይፍረዶ ኣይፍረዶ ኣይኮነን። ቃንዛን ሕሰምን ተዘከምቲ ንሕና ኤርትራውያን ስለዝኾና፡ ንሕና ኤርትራውያን ኢና እንታይነት ህግደፍ ብልክዕ ክንገልጽን ክንቃለሶን ኣብ ፍርዲ ከነቅርቦን ዝግባኣና።

እንተ ህግደፍ ኣብ ዝቀረባ እዋናት ብዲፕሎማሲ ንዓለም ከምዝሰዓረን ኣብ ዝሓለፈ 15 ዓመታት ኣንጻር ኤርትራ ተጠጂኡ ዝነበረ ሽርሕታት ከዝፈሸለን ጎብለልን ኮይኑ ከምዝወጸን ኣብ ማዕከናት ዜናታቱ ብዙሕ ይልፍልፍ ኣሎ። ንኣብነት ብስም ሃገራዊ ድሕነት ዝፍለጥ ብጸያፍ ትግርኛ ብጽሑፍን ስእልታትን መዓልታዊ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዘካይዶ ዘሎ ጃህራን ምስሉይነትን ብዙሕ’ዩ። “ዲጋታት ተሰሪሑ፡ ዋጋ ነዳዲ ጎዲሉ፡ ወርቂ ይሕፈስ ኣሎ፡ መዓርፎ ነፈርትን ወደብ ይህነጽ ኣሎ፡ ደሞዝ ተወሲኹ፡ ኤርትራ መስሕብ ወጻእተኛታት ኮይና…… እቲ ዝርዝር መወዳእታ የብሉን። እቲ ህግደፍ ከም ቁሪ ዝፈርሖ መሰረታዊ ጉዳያት፡ ማለት ኤርትራ ብቅዋም ክሳብ ዘይተማሓደረት፡ ብህዝቢ ዝተመርጸ ስርዓት ክሳብ ዘይሃለወ፡ መሰል ምዝራብን ሓሳብካ ብናጻ ምግላጽን ክሳብ ዘይሃለወ፡ ዜጋታት ኣብ ጉዳይ ሃገሮም ተዋሳእቲ ክሳብ ዘይኮኑን መሰል ዜጋታት ክሳብ ዘይተረጋገጸን፡ ህግደፍ ዝበለ እንተበለ ሓቅኛ እንታይነቱ ክቅየር ኣይክእልን’ዩ። ስርዓት ህግደፍ እንተኾይኑሉ ድማ፡ ንመንግስታት ካብ ምውንጃል ሓሊፉን፡ ጉድለታቱ ንምሽፋንን ንኣባጅጎ’ውን ተሓታቲ ናይ ኩሉ ገበናቱን ድኻማቱን ክገብሮ ክፍትን’ዩ።

ጽላል ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
2 COMMENTS
  • Grar October 7, 2016

    ኣብ ኣስመራ ብዙሓት ናይ ኣመሪካ ዜግነት ዘለዎም ኤርትራውያን መብዛሕትኦም ኣባልት ህግደፍ ነበር፣ ንምብጻሕ ምስ ከዱ ተኣሲሮም ክካላበቱ ምርኣይ ንቡር ወይ ኖርማል እዩ። ካብዚ ዝገደደ ኣብ ኣስመራ ናይ ኣሜሪካ ኤምባሲ ሰራሕተኛታት ስጋብ ሕጂ ኣብ ማእሰርቲ ህግደፍ ብዘይ ፍርዲ ይሳቐዩ ኣለዉ፤ ልዕሊ ሓደ ደርዘን ዝበጽሑ። መንግስቲ ኣሜሪካ ኣዳራሽ ኣብ ኣስመራ ተኻርዩ ትምህርታዊ ይኹን መዛናግዒ ንጥፈታት ከካይድ ከሎ ብኣባላት ጸጥታ ህግደፍ ክንደይ ጸገማት የጋጥምዎ፣ ኣብ ከተማ ወጻኢ ውን ምንቅስቓሱ ይድርትዎ፤ ስለዚ መንግስቲ ኣሜሪካ ንልኡኻት ስርዓት ኢሳያስ እንተኸልከልዎም እንታይ ዘገርም ኣለዎ?

  • k.tewolde October 8, 2016

    Love the title of the article Tsilal. Some of the members of the so called NCEA has been in this country well over 3 decades,they raised their kids here,enjoy the fruits of freedom and democracy they never fought for,zip through this majestic land from sea to shining sea at a click of a mouse without asking permit from zoba kebele,speak their mind at the top of their lung without fear of repercussions and they call the first black president of the USA a dictator,I would repatriate their ass back home and have their meeting there with the one they adore up close. I wouldn’t be surprised if they endorsed Trump already.And they are doing this for a few mesarif from the regime that was swindled from the poor masses,mereba’e with 2 stansa,and annual trip back home.Shame! Post is compliments of an Eritrean American with no affiliation to NCEA. FOOOOO”E! BELOM.

POST A COMMENT