Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

,,ተመክሮይ ኣብ ህዝባዊ ግንባር“፡ ብሓው የማነ ተኽለገርግሽ፡ ኣብ ዝብል ኣርእስቲ ፖለቲካዊ ዘተ ምስ ህዝቢ ኣብ ከተማ ኮለን (Köln)።

,,ተመክሮይ ኣብ ህዝባዊ ግንባር“፡ ብሓው የማነ ተኽለገርግሽ፡ ኣብ ዝብል ኣርእስቲ ፖለቲካዊ ዘተ ምስ ህዝቢ ኣብ ከተማ ኮለን (Köln)።   ዝኸበርኩምን/ክንን ኣሕዋትን ኣሓትን ደቂ ሃገር፡ ደለይቲ ለውጢ ንደሞክራሲያዊ ስርዓት ኣብ ኤርትራ …! እምባኣር‘ከስ፡ ሽማግለ ህዝባዊ ምንቅስቃስ NRW ንቀዳም ዕለት 16.

,,ተመክሮይ ኣብ ህዝባዊ ግንባር“፡

ብሓው የማነ ተኽለገርግሽ፡ ኣብ ዝብል ኣርእስቲ

ፖለቲካዊ ዘተ ምስ ህዝቢ ኣብ ከተማ ኮለን (Köln)

 

ዝኸበርኩምን/ክንን ኣሕዋትን ኣሓትን ደቂ ሃገር፡ ደለይቲ ለውጢ ንደሞክራሲያዊ ስርዓት ኣብ ኤርትራ …! እምባኣር‘ከስ፡ ሽማግለ ህዝባዊ ምንቅስቃስ NRW ንቀዳም ዕለት 16. 09. 2017. ዓ.ም.ፈ.፡ ሰፊሕ ፖለቲካዊ ሰሚናር ኣዳልዩ ኣሎ። ሽማግለ ህዝባዊ ምንቅስቃስ NRW፡ ነዚ ፖለቲካዊ ሰሚናር ከዳሉ፣ ህዝቢ ክዕድም፣ ዘገደዶ ምኽንያት፡ ብኽቡር ሓው የማነ ተኽለገርግሽ ዝምራሕ ፖለቲካዊ ሰሚናር ንህዝቢ NRW ከአንግድ ተዳሊዩ ስለዘሎ እዩ። ሓው የማነ፡ ኣብዛ ዘለናያ ዓመት፡ 2017ዓ.ም.ፈ. „ተመክሮይ ኣብ ህዝባዊ ግንባር፡ ቀዳማይ ክፋል፡ ሳሕል ወፊርና እንታይ ኣምጺእና“ ዝብል ኣርእስቲ ዝሓዘለት መጽሓፍ ዝጻሓፈ ወዲ ሃገር ምዃኑ፡ ዳርጋ ዝበዛሕና ኣብ NRW እንቅመጥ ደቂ ሃገር፡ በጺሕናዩ ዘሎና ሓቂ እዩ። ሓው የማነ፡ ትሕዝቶ ናይዛ መጽሓፍ ን-ምብራህን፡ ዘቅረቦ ሓሳብ ኣብ ውሽጣ ን-ምክልኻልን፡ ኣብ ወርሒ 06. 2017 ኣብ ዝተፈላለየ ከተማታት ኣመሪካ ዕዶት ኣካይዱ እዩ። ንሕና ሽማግለ ህዝባዊ ምንቅስቃስ እውን፡ ንከም ባዓል የማነ ዝኣመሰሉ፡ መጽሓፍቲ ብምውጻእ፡ ኣብ ምቅላዕ ውልቀ-መላኺ ሃገርና ዝርኸቡ፡ ዛጊት፡ ከምቲ ዝበዝሔ ኤርትራዊ፡ ስርዓት ወልቀ-መላኺ ሃገርና ታኣልዩ፡ ብድሞክራሲያዊ ስርዓት ክትካእ፣ ፍትሒ ክነግስ፣ ኣብ ትሕቲ ግዝኣት ሕጊ መሰረታዊ ሰብኣ መሰላት ደቂ ሃገር ክረጋገጽ፣ ህዝቢ ኤርትራ ሰላምን ቅሳነትን ረኺቡ፣ ንዕብየትን ብልጽግናን ሃገሩ ክሰርሕ ከም ዝኽእል ክኸውን፣ ዘይሕለል ቃልሲ ዘካይድ ዘሎ ደቂ ሃገር፡ ዓድምካ ህዝቢ ምእንጋድ ሓላፍነትና ስለዝኾነ፡ እነሆ ሕጂ ንሓው የማነ ኣብዘን ኣብ ታሕቲ ተጠቂሰን ዘለዋ ኣርእስቲ ምስ ህዝቢ ክዛተ ተዳሊዩ ከምዘሎ ንሕብር።

  1. ሓፈሻዊ መግለጺ ናብራ ህዝብና ኣብ ትሕቲ ኣመራርሓን ኣታኣላልያን ስርዓት ውልቀ-መላኺ ሃገርና።
  2. ኣፈታትሓ ናይዚ ሽግር እዚ፣ ቃልሲ ኣንጻር ስርዓት ውልቀ-መላኺ፣ ከመይ ይመሰል፡ ኣለዎ …?
  3. ነዛ ኣብ ላዕሊ ተጠቂሳ ዘላ መጽሓፍ ዘንበባ ወዲ ሃገር እንተዳኣ ሃሊዩ ኮይኑ፡ እሞ ነዛ መጽሓፍ እዚኣ ምርኩስ ብምግባር፡ ክሓትት ንዝደሊ ዜጋ፡ ክቡር ሓው የማነ ተኽለገርግሽ፡ መልሲ ክህብ ፍቓደኛ ምዃኑ፡ ንሕብር።

 

ካብኡ ዝተረፈ፡ እዚ ፖለቲካዊ ሰሚናር ዝግበረሉ ማዓልት፣ ዝጅምረሉ ሳዓት፡ ዝግበረሉ ቦታ ከምዚ ዝስዕብ እዩ።

► ማዓልቲ፤ ቀዳም ዕለት 16. 09. 2017ዓ.ም.ፈ.፤

► ግዜ፤ ሳዓት 15፡00 ድሕሪ ቀትሪ ይጅምር።

► ኣድራሻ፤ Alte Feuerwache Köln

► ሽም ጽርግያ፤ Melchiorstr. 3       [(► 2. Etage)]

► D – 50670 Köln …፤ [መታሓሳሰቢ ነቶም ብ-ባቡር ትመጽኡ፤ ብ-S-Bahn እንተዃንኩም፡ ኣብ ሃንዛ-ሪንግ (Hansaring): ብቑጽሪ 15 እንተመጺእኩም ካኣ፡ ኤበርት-ፕላትስ (Ebertplatz) ትወርዱ። ኣብቲ ከባቢ ሓቲትኩም ንሰባት ክትረኽብዎ፡ ኣሸጋሪ ኣይኮነን።]

ብዳሓን ምጽኡ/ኣ።

ካብ ሽማግለ ህዝባዊ ምንቅስቃስ ንደሞክራሲያዊ ለውጢ ኣብ ኤርትራ NRW

መደበር Köln: 12. 08. 2017.

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT