Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ተራን ምጥርናፍ መንእሰያትን መድረኻት ፖለቲካዊ ተቓውሞን ታደሰ ኪዳነ – 8ይ ክፋል

ተራን ምጥርናፍ መንእሰያትን መድረኻት ፖለቲካዊ ተቓውሞን ታደሰ ኪዳነ 8ይ ክፋል

ተራን ምጥርናፍ መንእሰያትን
መድረኻት ፖለቲካዊ ተቓውሞን
ታደሰ ኪዳነ
8ይ ክፋል 09/02/2013

ኣብ ዝሓለፈ ክፋል ጽሑፈይ፣ ብዛዕባ ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ድምበ ተቓውሞ ዝኽተሎ ዘሎ እከይ ተግባራት ብሓደ ወገን፣ ኣብ ውሽጢ ደምበ ተቓውሞ ንባዕሉ ዝረአ ጉድለታት ድማ በቲ ካልእ ገሊጸ ነይረ። ዕላማ’ቲ ጽሑፋት ድማ ነቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ በታኒ ስርዓት ንምእላይን ኣብ ቦትኡ ህዝባውን ደሞክራስያውን ስርዓት ዝትከለሉ መንገዲ ንምድላይ ኢዩ። ብዙሕ እዋን “ጎነጽ’ዶ ንጠቐም ወይስ ብሰላማዊ መንገዲ ምቅላስ?” ዝብል ክትዕ ይለዓል ኢዩ። መልሲ ናይዚ ሕቶ’ዚ ኣብ ባህርይ ናይቲ እንቃለሶ ዘለና ስርዓትን፣ ካብቲ ስርዓት ክመጻና ካብ ዝኽእል ግብረ-መልስን ዝምርኮስ ኢዩ። ባህርይ ናይቲ ስርዓት ድማ ብኣፈ-ሙዝ ብረት ዝሕሎ፣ ጸላእቱ ብማዕዶ ዝሽትት፣ ብደምን ገበንን ዝተቖማጥዐ ስርዓት ኢዩ። ብሕግን ጭብጥን ዘይኮነስ፣ ብምሽታት ጸላኢየይ ኢሉ ንዝቐዝፍ ስርዓት፣ ሰላምን ልዝብን ኢልካ ምሕሳብ ድማ ዕሽነት ኢዩ። እዚ ማለት ግን ‘ሰላማዊ መንገዲ ዕጹው ኢዩ’ ማለት ኣይኮነን። ብዛዕባ’ዚ ድሒረ ክዛረበሉ ስለዝኾንኩ ንሕጂ ግን ብዛዕባ’ቲ ‘ጎኒጽ’ ዝብል ቀዳማይ ኣማራጺ ክዛረብ።
ንሓደ ቋንቋ ብረት ጥራይ ዝፈልጥ ስርዓት፣ በቲ ዝርድኦ ቋንቋ ክትምልሰሉ ጥራይ ኢዩ ዘድሊ። ኣብ ጉዳይ ሃገርና እንተ-ተመልኪትና፣ እቲ ‘ብጎነጽ ወይ ብሓይሊ ብረት’ ዝብል ምርጫ ኣብ ክልተ ዝተመቕለ ኢዩ። እቲ ቀዳማይ ኣብ ውሽጢ’ቲ ስርዓት ዝርከቡ ሓልፍቲ፣ ብፍላይ ከኣ መራሕቲ ሰራዊት፣ ኣብ ውሽጦም ተወዳዲቦም ነቲ ስርዓት ክዓልዉዎ ከለዉ ኢዩ። ኣብዚ መዳይ’ዚ እቶም ኣብ ደገ ዘለና እነካይዶ ቃልሲ፣ ጸላዊ’ምበር ወሳኒ ኣይኮነን። ኣብ ደገ ኮንካ ንገለ መራሕቲ ሰራዊት ሓባቢልካ ወይ ወዳዲብካ ዝካየድ’ውን ኣይኮነን። ምኽንያቱ እንተፈሺሎም ህይወት ዝኸፍሉ ንሳቶም እቶም መራሕቲ ሰራዊት ስለ-ዝኾኑ። እቲ ጉዳይ ዘዋጽእን ዘየዋጽእን ዝግምግሙ ባዕላቶም፣ እንተ-ተዓዊቶም እውን ፍረ-ጻዕሮም ዝሓፍሱ (ስልጣን ክሕዙ) ዝደልዩ ንሳቶም ኢዮም። እዚ ጉዳይ’ዚ እምበኣር ካብ ምቁጽጻርና ወጻኢ፣ ብናይ ገዛኣ-ርእሱ መካኒዝም ዝካየድ ስለዝኾነ፣ ንሕና ተጸበይቲ’ምበር ተዋሳእቲ ኣይኮናን። እቲ ስራሕ ድማ ናትና ዘይኮነስ ናይቶም መራሕቲ ሰራዊት ኢዩ። እዚ ዝጽሕፎ ዘለኹ መን ይፈልጥ ብገለ ሓለፍቲ ሰራዊት ዝንበብ እንተ-ኾይኑ ግን ሓንቲ ከም መኽሪ ዝሓሰብኩዋ፣ ኣብ ተለቪዥን ዝረኣኹዋ ወስ ከብለሎም።
ሓደ ግዜ ተለቪዥን እናረአኹ፣ ሓንቲ ብዕድመ ድፍእ ዘበለት ሰበይቲ ንኣቓልቦይ ትስሕቦ። ንሳ ጀርመናዊት ኮይና ኣብ 1930ታት ኣይሁዳውያን ካብ ብዙሓት ከተማታት ጀርመን እናተኣርዩ ናብ መዳጎኒ መዓስከራት (concentration camps) እናተወስዱ ዝሃልቅሉ ዝነበሩ እዋን ኢዩ። ካብቲ ‘ኣርያን’ ተባሂሉ ዝጽዋዕ፣ ንነብሱ ‘ዝለዓልኩ ኢየ’ ዝብል ዝነበረ ዓሌት ኮይና ኣብ ታሕተዋይ ናይ ሓላፍነት ጽፍሒ ዝነበረት ይመስለኒ። ንህልቂት ናይቶም ኣይሁዳውያን ኣመልኪታ ኣብ ዝገበረቶ ተቓውሞ ክትገልጽ ከላ “እቶም መተዓቢትናን ጎረባብትናን ዝነበሩ ኣይሁዳውያን ‘ልሙዕ መሬት ናብ ዘለዎ ቦታ ኢና ንወስደኩም ዘለና’ እናተባህሉ ተተጻዒኖም ምስተወስዱ፣ ናብ መሳርሕተይን ጎረባብተይን እናከድኩ፣ ‘እዞም ንዘመናት ምሳና ዝነበሩን ምሳና ዝዓበዩን ኣይሁዳውያን፣ ናብ መዳጎኒ ቦታታት ተወሲዶም ይሃልቁ ከምዘለዉ ዘሚዐ ኣለኹ። ስለዚ ተቓውሞና ከነስምዕን ሰልፊ ክንወጽእን ኣለና” ኢላ ትጉስጉስ ከምዝነበረት ትገልጽ። ዘረባኣ ኣብ ሓያሎ ሰባት እንተላይ ኣብ ገለ ናይ ጸጥታ ትካላት ምስ በጽሐ፣ ንጽቡቓ ዝሓስቡ ሰባት ናብኣ ቀሪቦም፣ ኣፋ ክትዓጹ ይምዕዱዋ። ንሳ ግን ኣይሰምዓቶምን። እኳ’ድኣ ኣብቲ ጎስጓስ ክተሓባበርዋ ትውከሶም። ፈተውታ ድማ ነቲ ኣብ ካልእ ከባቢ፣ ኣብ ደሓን ዝኾነ ናይ ሓላፍነት ቦታ ዝነበረ በዓል-ቤታ ይሕብርዎን ክገንሓ ይምሕጸንዎን። ንሳ “ኣብቲ መጀመርያ ንበዓል-ቤተይ’ውን ኣይሰማዕኩዎን”። “ደሓር ግን ከምዚ ክብል ተዛሪቡኒ” ትብል።
“A dictator is a snake. If you hit a snake on its tail, it will turn its head and bite you. You will die soon because no one is on your side to help. Every one will be terrified. However, if you hit the snake on its head, it will die. Then you are safe. So to hit the dictator him-self is the job of the generals, not yours” (sick)…. ኢሉ ከም ዝገንሓ ትገልጽ።

ብሓጺር ኣገላልጻ “ውልቀ-መላኺ ተመን ኢዩ። ንተመን ኣብ ጭርኡ እንተ-ሃሪምካዮ፣ ርእሱ ጠውዩ ይነኽሰካ። ሰባት ኣዝዮም ስለ ዝፈርሑ ድማ ዘድሕነካ የለን። ትመዉት። ነቲ ተመን ኣብ ርእሱ እንተ-ሃሪምካዮ ግን፣ እቲ ተመን ይመውት። ንስካ ከኣ ትድሕን። ነቲ ውልቀ-መላኺ ንባዕሉ ናይ ምህራም ስራሕ ድማ ናይቶም ጀነራላት ስራሕ’ምበር ናትኪ ኣይኮነን” ኢሉኒ ኢያ ትብል ዘላ። እዛ ቅድሚ 9 ዓመት ኣቢለ ዝሰማዕኩዋ ጥቕሲ ዘምጽኣ ዘለኹ ድማ፣ ዝኾነ ካብ ውሽጢ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ዝውሰድ ተበግሶ፣ ብቐዳምነት ናብቲ ንኹሉ ወታደራውን ስለያውን መትንታት ናይቲ ስርዓት ዘወሃህድ ርእሰ-ጸይቂ ኢሰያስ ኣፈወርቂ ከነጻጽር ከም ዘለዎ ንምሕባር ኢዩ። ንሱ እንተ-ተኣልዩ ዘወሃህዶ ዝሰኣነ መሓውራት ናይቲ ስርዓት ፋሕ ክብልን ክብተንን ኢዩ። በዚ ድማ እቲ ተበግሶ ይዕወት፣ እቶም ነቲ ተበግሶ ዝወሰዱ ሰባት ድማ ይድሕኑ።

ናብቲ ‘ስርዓት ህግደፍ ብዕጥቂ ብረት ክምከት ኣለዎ’ ዝብል ካልኣይ ኣማራጺ ናይ ጎነጽ ክምለስ። እዚ በቶም ኣብ ግዳም ዘለና ዝጅምር ግን ከኣ ቀልጢፉ ንውሽጢ መሬት ኤርትራ ክሰሉኽ ዘለዎ ኢዩ። እዚ መስርሕ’ዚ ንባዕሉ ኣበይን? ብኸመይን? ዝብሉ ክልተ ሕቶታት ክምልስ ኣለዎ። ኣበይ? ዝብል ሕቶ ንቦታ ዝምልከት ክኸውን ከሎ፣ ብኸመይ? ዝብል ሕቶ ድማ ንኣገባብ ዝምልከት ኢዩ። እዚ ድማ ብንጹር ክምለስ ዘለዎ ኢዩ።

ኣበይ?
ብዙሓት ሰባት ነዚ ሕቶ’ዚ ‘ብኢትዮጵያ’ ዝብል መልሲ ዝህቡ ኮይኑ ይስመዓኒ። መልሲ ናተይ ግን ‘ኣይፋልኩምን’ ዝብል ኢዩ። እዚ ማለት ግን ህዝቢ ኢትዮጵያ፣ ብፍላይ ከኣ እቲ ጎረቤትና ዝኾነ ህዝቢ ትግራይ፣ ‘ንህዝቢ ኤርትራ ክሕግዝ ኣይደልን’ዩ’ ማለት ኣይኮነን። ወይ’ውን ከምቲ ስርዓት ህግደፍ ዝብሎ፣ እቲ ብኢህወደግ ዝምራሕ መንግስቲ ኢትዮጵያ ‘ሓያል’ ኤርትራ ስለ ተፍርሖን፣ ጽቡቕ ናይ ኤርትራ ስለ ዘይደልን’ዩ ማለት ኣይኮነን። እቲ ምኽንያት ኣብ ሰለስተ ዓንድታት ዝተሞርኮሰ ኢዩ። ማለት ወታደራዊ፣ ዲፕሎማስያውን ፖለቲካውን ጸገማት ሰለዘለዎ ኢዩ። በብሓደ ንምርኣዩ ድማ፦

ሀ. ወታደራዊ፦ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ናይ ክልቲኡ መንግስታት ሰራዊት ኣብ ምፍጣጥ ዝርከበሉን፣ ጻዕቂ ወታደራዊ ምንቅስቓስ ዝረኣየሉን ዞባ ኢዩ። ክልቲኦም መንግስታት ድማ ካብ ምቁጽጻሮም ወጻኢ፣ ዘየድሊ ወታደራዊ ረጽሚ ክፍጠር ድሌት የብሎምን። ስለዚ እቶም ኣብ መሬት ኤርትራ ዝርከቡ ብህግደፍ ዝምወሉ ተቓወምቲ ኢትዮጵያ፣ መንግስቲ ኤርትራ ዘይፈልጦ ካብ ኤርትራ ተበጊሶም ኣብ ዝኾነ ቦታ ናይ ኢትዮጵያ ስርሒታት ክፍጽሙ ዝፍቀዶም ኣይኮነን። መረብ ሰጊሮም ሓንቲ ፈንጂ ተኺሎም ክምለሱ’ውን እንተኾነ፣ ነቶም ኣብቲ ከባቢ ዝርከቡ ሓለፍቲ ሰራዊት ኤርትራ ከፍቅዱ ኣለዎም። እቶም ናይ ኤርትራ ሓለፍቲ ሰራዊት ድማ፣ ካብ ሰራዊት ኢትዮጵያ ክመጾም ካብ ዝኽእል ግብረ-መልሲ ኣጽኒዖም ጥራይ ኢዮም ከፍቅዱን ከየፍቅዱን ዝኽእሉ። ብኻልእ ኣዘራርባ፣ ዶብ ኤርትራ ሰጊሩ ኣንጻር መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝግበር ስርሒት፣ ብኣፍልጦን ድሌትን ሓለፍቲ ሰራዊት ኤርትራ’ምበር፣ ብናይ ገዛእ-ርእሱ ነጻ ውሳኔ፣ ዝኾነ ስጉምቲ ክወስድ ዝፍቀዶ ኣይኮነን።
ብተመሳሳሊ መንገዲ፣ ካብ ዶብ ኢትዮጵያ ናብ ውሽጢ ኤርትራ ኣቲኻ ዝኾነ ስርሒት ክትፍጽም ኣቐዲምካ ነቶም ኣብቲ ከባቢ ዝርከቡ ሓለፍቲ ሰራዊት ኢትዮጵያ ከተፍቅድ ኣለካ። ንሳቶም’ውን በተመሳሳሊ ካብ ሰራዊት ኤርትራ ክመጽእ ዝኽእል ግብረ-መልሲ ኣብ ግምት ኣእቲዮምን፣ ንሓለፍቲ ምክልኻል ናይታ ሃገር ኣፍሊጦምን ጥራይ ኢዮም መልሲ ዝህቡ። ምኽንያቱ ሰራዊት ናይ ሓደ ወገን ደድሕሪ’ቶም ተቓወምቲ ስዒቡ ኣብ ዶብ ምስ ተጸግዐ፣ እቲ ካልእ ሰራዊት ኣብኡ ስለ ዘሎ፣ ዘይተደልየ ግጭት ክስዕብ ክልቲኡ መንግስታት ዝደልዮ ኣይኮነን። ብሓጺሩ ካብ ኢትዮጵያ ዶብ ሰጊሩ ዝብገስ ናይ ተቓውሞ ሓይሊ፣ ብመደብን ኣፍልጦን መንግስቲ ኢትዮጵያ ጥራይ ዝንቀሳቐስ እምበር፣ ኣብ ናይ ገዛእ-ርእሱ ነጻ መጽናዕትን ተበግሶን ዝተሞከሰ ክኸውን ኣይክእልን ኢዩ። እዚ ድማ መንግስቲ ኢትዮጵያ ፈትዩ ዝድግፎ ጸሊኡ ዝኽልክሎ ዘይኮነስ፣ ሳብዕቤን ስለ ዘለዎ ኢዩ።
ብዘይካ’ዚ ዝኾነ ንእሽቶን ተቓውሞ ዘበግስ ዘሎን ጉጅለ፣ ናይቲ ኣንጻሩ ዘሎ ሰራዊት ብዝሒ ምንቅስቓስ ዘይረኣየሉ ርሑቕ ከባቢታት (remote areas) እምበር፣ ኣብ ጽዑቕ ወታደራዊ ምንቅስቓስ ዘለዎ ቦታ ክሰርሕ ዝኽእል ኣይኮነን። ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ድማ ርሑቕ ከባቢታት ወይ ሰራዊት ዘይንቀሳቐሰሉ ቦታ ኣይኮነን።

ለ. ዲፕሎማስያዊ፣ ዶባት ኤርትራን ኢትዮጵያን ብርቱዕ ደማዊ ኲናት ዝተኻየደሉን፣ ዓለም ዝፈልጦ ‘ናይ ጸጥታ ዞባ’ ምዃኑን ምዝካር የድሊ። ስለዚ ኣብዚ ከባቢ’ዚ ዘጋጥም ዝኾነ ግጭት፣ ብሕጊ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ክምርመር ግድን ኢዩ። እዚ ድማ ክልቲአን ሃገራት ክታመን ዘንበራሉ ስለ ዝኾነ፣ ተቓወምቲ ናይ ሓዲኡ ወገን ኣብቲ ቦታ ክንቀሳቐሱ ምፍቃድ ዲፕሎማስያዊ ክሳራታት ኣለዎ።
ናይዚ ቀሊል ኣብነት ንውሰድ። ህዝቢ ዓፋር ንዘበናት ዝጸንሐ ካብ ካልእ ቦታ ዝመጹ፣ ኣብ መሬቱ ናይ ዝንቀሳቐሱ ሰባት ናይ ምጭዋይ ባህሊ ኣለዎ። ኣብ ዝሓለፈ ቀረባ እዋን፣ ኣብ መሬት ዓፋር ገለ ገያሾ ጸዓዱ (ቱሪስት) ምስ ተጨውዩ፣ መንግስቲ ኢህወደግ ብቐጥታ ናብ ኤርትራ ኢዱ ኣወጣዊጡ። እቲ ቦታ ዓሰርተታት ኪሎ ሜተራት ናብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ዝኣተወ ቦታ ክንሱ፣ “ኮማንዶ ኤርትራ ኢዮም ፈጺሞሞ፣ እቶም ሰባት’ውን ናብ መሬት ኤርትራ ኢዮም ተወሲዶም” ክሳብ ምባል በጺሑ። እተን ዜጋታተን ዝተጨውዩወን ሃገራት፣ ናይ ገዛእ-ርእሰን መጽናዕቲ ስለ ዘካይዳ ግን፣ እቲ ዲፕሎማስያዊ ንትርኽ፣ ካብ ናይ ክልቲአን ሃገራት ናይ ቃላት ምምልላስ ሓሊፉ፣ ናይ ካልእ ሳልሰይቲ ሃገር ኢድ ምውጥዋጥ ኣይተራእየሉን።
ስለዚ ካብ መሬት ኢትዮጵያ ተበጊስካ ናብ ውሽጢ መሬት ኤርትራ ብምስላኽ ስርሒታት ከተካይድ፣ ስርዓት ኢትዮጵያ፣ ንወታደራዊ ድኻም ኤርትራ ኣብ ግምት ኣኣትዩ ከፍቅድ ዝኽእል’ኳ እንተኾነ፣ ኣብ ዘየድሊ ዲፕሎማስያዊ ንትርኽ ክኣቱው ግን ድሉው ኣይመስለንን። እዚ ድማ ነቲ እቲ ተቓዋሚ ጉጅለ ዝህልዎ ናይ ገዛእ-ርእሱ ናይ ምውሳን ናጽነት ኣብ ግምት ከየእተኻ ኢዩ።

ሐ. ፖለቲካዊ፣ እቲ ሳልሳይን ንብዙሓት ረቂቕ ክመስል ዝኽእል ምኽንያት ድማ ፖለቲካዊ ኢዩ። ኣብ ስርዓት ኢህወደግ እቲ ዝለዓለ ኢድ ዘለዎ ወያነ ኢዩ። ቀንዲ ናይ ሓይሊ ሰረቱ (power centre ናቱ) ድማ ትግራይ ኢዩ። ሎሚ ኣብ ትግራይ ‘ወያነ ዘይቆጻጸሮ ርሑቕ ከባቢታት ኣሎ’ ኢልካ ምዝራብ ዘድፍር ኣይኮነን። እቲ ቀደም ኣብ እዋን ስርዓት ሃይለ-ስላሴ ይኹን ስርዓት ደርግ፣ ፖሊስ ይኹን ሰራዊት ዘይደፍሮ ዝነበረ በረኻታት ኣድያቦ፣ ሸሸቢት፣ ተከዘ ወዘተ፣ ሎሚ ስሩዕ ምምሕዳርን ፖሊስን ዘለዎ፣ መንግስቲ ብደቂቕ ዝቆጻጸሮ ከባቢ ኢዩ። ሎሚ ርሑቕ ከባቢታት ዝበሃል ቦታ ክህሉ እንተ-ኾይኑ፣ ኣብ ምዕራባውን ደቡባውን ከባቢታት ኢትዮጵያ ጥራይ ኢዩ ክኸውን ዝኽእል። ኣብዚ ከባቢታት’ዚ ዝፍጠር ናይ ፖሊቲካ ሃጓፍ ንወያኔ ዘገድሶ ኣይኮነን። ብቐሊሉ ብወታደራዊ ሓይሊ ክዶቕሶ ስለ ዝክእል።
ብሓጺሩ እቲ ንኢህወደግ ዘቖመ ወያኔ፣ ኣብ ውሽጢ’ቲ ናይ ሓይሉ ሰረት (power centre) ዝኾነ ህዝቢ ትግራይ፣ ዝኾነ ናይ ፖሊቲካ ነቓዕ ክፍጠር ዘፍቅድ ኣይኮነን። ንብምልኡ’ቲ ስርዓተ-ምምሕዳር ክጸሉ ስለ ዝኽእል ድማ፣ ዝኾነ ፍሉይ ተርእዮ፣ ዋላ ጭሩ ሕብራ እንተ-ቐየረት’ውን ወያነ ክፈልጣ ኣለዎ። ብኻልእ ኣዘራርባ ኣብ ከባቢ ትግራይ፣ ካብቲ ወያኔ ዝኽተሎ ፖሊቲካዊ ስረተ-እምነት ዝተፈልየ (dissent ዝኾነ) ፖሊቲካዊ ኣጠማምታ ዘለዎ ሓይሊ ክቕልቀልን፣ ከም ፖሊቲካዊ ምርጫ ክዝረበሉን ወያኔ ዝደልዮ ኣይኮነን። እቲ ‘ወያኔ ንኤርትራ ብብሀራት ክትመቓቐል ኢዮም ዝደልዩ፣ ብብሀርን ከባብን ውድባት ክፍጠራ የተባብዑ’ ዝበሃል ኣዘራርባን ንዕኡ ዝመስል ተግባራት መንግስቲ ኢህወደግን’ውን፣ ካብ ውሽጣዊ ሃልኪ ዝብገስ እምበር፣ ‘ኣብ ኤርትራ ከምኡ ዓይነት ኣወዳድባ ኢዩ ዝሰርሕ’ ዝብል ፖሊቲካዊ እምነት ስለ ዘለዎም ኢዩ’ ዝብል ኣጠማምታ የዋህነት ኢዩ። ብሓጺሩ ናብ ውሽጣዊ ሃልኪ ዝቐንዐ ኮይኑ፣ ናይ ብሀራት ርእሰ-ምምሕዳር፣ ኣብ ኢትዮጵያ ጥራይ ዘይኮነ ‘ኣብ ምሉእ ዓለም እንተላይ ኣብ ኤርትራ ዝሰርሕ፣ ውሃ ዘበለ ስርዓተ-ምምሕዳር ኢዩ’ ንምባል ዝሃቀነ ኢዩ ዝመስል። ስለዚ ኣብ ትግራይ ብዘይካ’ቲ ወያኔ ዘሳስዮ ዘሎ ብዓሌትን ብሀርን ዝተመቓቐለ ርእሰ-ምምሕዳራት፣ ካልእ ናይ ፖሊቲካ ሰረተ-እምነት፣ ክለዓልን ክዝረበሉን ዝድለ ይኮነን።

እዚ ኣገባብ’ዚ ኣብዛ ናይ ኢህወደግ ኢትዮጵያ ጥራይ ዘይኮነ፣ ኣብታ ናይ ሃይለ-ስላሴ ኢትዮጵያ’ውን፣ ኣብቲ ናይ ሓይሊ ሰረቱ ዝነበረ ከባቢታት ሸዋ (መንዝ) ንሓይልን ዝናን ናይቲ ንግስነት ዘደልድል’ምበር፣ ንዕኡ ዘቃልል ወይ ናይ ፖሊቲካ ነቓዕ ዝፈጥር ኣተሓሳስባ ክመጽእ ዝጽወር ኣይነበረን። ከም ገለ ዝኾነ ፖለቲካዊ ነቓዕ እንተ-ተፈጢሩ ድማ ብጥንቓቐን ንኽልቲኡ ወገን ብዘርብሕ መንገዲ ኢዩ ክፍታሕ ዝድለ። እቲ ምኽንያት ቀሊል ኢዩ። እቶም ቀንድን እሙናትን ዝበሃሉ ሰበ-ስልጣን ናይ’ቲ ስርዓት ካብቲ ናይቲ መንግስቲ ‘ሰረት ናይ ሓይለይ ኢዩ’፣ ወይ ‘ናተይ ኢዩ’ ዝብሎ ከባቢ ስለ ዝምልመሉ፣ ኣብቲ ‘ተወሊድናሉ’ ዝብልዎ ከባቢ ዘየድሊ ንህዝቢ’ቲ ካባቢ ዘቖጥዕ ነገር ከይፍጠር’ሞ፣ እዚ ንባዕሉ ኣብቶም ሰበ-ስልጣን ውሽጣዊ ምፍሕፋሕን ምትህልላኽን ከስዕብ ስለ ዝኽእል ኢዩ።

ብሓጺሩ በዚ ክብ ኢሉ ዝተገልጸ ሰለስተ ምኽንያታት፣ ኣብቲ ብናይ ‘ጸጥታ ዞብ’ ዝፍለጥ ዶባት ኤርትራን ኢትዮጵያን፣ ነጻ ኮንካ፣ ናይ ገዛእ-ርእስኻ ወታደራዊ ውጥን ኣውጺእካ ክትሰርሕ ዝከኣል ኣይኮነን። ዝኾነ ‘ንህግደፍ ብብረት ክምክት ኢየ’ ኢሉ ዝብገስ ሓይሊ ድማ፣ ነዚ ኩነታት’ዚ ኣብ ግምት ከእትዎ ይግባእ። እዚ ማለት ግን ኣብ ኢትዮጵያ ኮንካ ክትወዳደብ፣ ኣኼባታትን ጉባኤታትን ከተካይድ የብልካን ማለተይ ከም ዘይኮንኩ ከብርህ እፈቱ። እቲ ኣማራጺ እምበኣር፣ ካብ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ወጻኢ ካልእ ከባቢታት ሃሰስ ምባል ኢዩ። ሓደ ካብቲ ኣማራጺታት ድማ ዶባት ኤርትራን ሱዳንን ኢዩ። ስዒቡ ‘ከምይ ገርካ ኢኻ በዚ ሸፋቱ ራሻይዳ ዝመልእዎ ዶባት ኤርትራን ሱዳንን ትንቀሳቐስ?’ ዝብል ሕቶ ክመጽእ ባህሪያዊ ኢዩ። እዚ ድማ ናብቲ “ብኸመይ?” ዝብል ካልኣይ ሕቶ ይመርሓና።

ብኸመይ?
ዶባት ኤርትራን ኢትዮጵያን ከም ሓደ ኣማራጺ ካብ ዘይተወስደ፣ ብፍላይ ኣብቲ ወታደራዊ መዳይ፣ እቲ ስዒቡ ዝመጽእ ብባሕሪ ካብ የመንን ሱዕድያን፣ ወይ ድማ ብምድሪ በቲ ምስ ሱዳን ዘዳውብ ሰሜናውን ምዕራባውን ከባቢታት ኤርትራ ኢዩ። ንሎሚ ድማ ብዛዕባ ተኽእሎታት ወታደራዊ ንጥፈታት ኣብ ዶባት ኤርትራን ሱዳንን ክዛረብ ኢየ። ብዛዕባ’ዚ ከባቢታት’ዚ ክንሓስብ ከለና፣ ኣጸቢቕና ክንድህስሶም ዝግባኣና ነጥብታት ኣለዉ። ቀንዲ ካብኣቶም ድማ እዞም ዝስዕቡ ኢዩም።

1. ናይ ረሻይዳ ጉዳይ፣ እዚ ዞባ’ዚ ጸጥታን ስለያን ስርዓት ህግደፍ ዘዋፍሮም ሸፋቱ ራሻይዳ ብጻዕቂ ዝንቀሳቐስሉ ዘለዉ ከባቢ ኢዩ። እቶም ረሻይዳ ግን ካብ ስድርኦምን ሓዳሮምን ተነጺሎም ንውልቆም ዝንቀሳቐሱ ‘ዕስለ’ ኣይኮኑን። ንሳቶም ሓዳርን ንብረትን ዝኣልዩ፣ ኣብ ስርቅን ሽፍትነትን ውዒሎም ምሸት ነናብ ኣግነቶም ዝምለሱ፣ ነቲ ኣብቲ ቦታ ተፈጢሩ ዘሎ ሃጓፍ ተጠቒሞም ዝንቀሳቐሱ ዘለዉ ምዃኖም ምርዳእ የድሊ። ስለዚ ሓደ ዝተወደበ ሓይሊ ከካብ ኣግነቶም ክለቕሞም እንተጀሚሩ፣ ወይ’ውን ኣብ ንብረቶምን ቤተ-ሰቦምን ሓደጋ ክፍጠር እንተ-ጀሚሩ፣ ንብረቶምን ሓዳሮምን ጠርኒፎም ዓዲ ክቕይሩ ወይ ድማ ኣእዳዎም ክጥርንፉን ዝተባህሉዎ ክገብሩ ክጅምሩን ኢዮም። እቲ ኣብዚ ከባቢ’ዚ ከጋጥም ዝኽእል ዝዓበየ ተጻብኦ እምበኣር ካብ ስለያ ህግደፍ ዝብገስ ኢዩ። ሽፍትነት ረሻይዳ’ውን ኣካል ናቱ ኢዩ። ህግደፍ ካብቲ ምስ ሸፋቱ ረሻይዳ ዝገብሮ ሽርክነት፣ ዝህልዎ ወታደራውን ፖሊቲካውን ረብሓ፣ ኣብ 5ይ ክፋል ጽሑፈይ ብዝርዝር ስለ ዘቕረብኩዎ፣ ኣብዚ ምድጋሙ ዘድሊ ኣይመስለንን። ህግደፍ ይኹን መጋበርያ ህግደፍ ድማ፣ እቲ ቀንዲ ክትቃለሶን ክትድምስሶን ዝተበገስካሉ ሓይሊ ስለ ዝኾነ ብዘይካ ምምካቱ ካልእ ኣማራጺ የለን። ኣብዚ መዳይ’ዚ ተሳትፎ ናይቲ ኣብቲ ከባቢ ዝነብር ህዝቢ ኣዝዩ ወሳኒ ምዃኑ ድማ ክበርህ ኣለዎ።

2. መንግስቲ ሱዳን፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ወታደራዊ ሓይሊ ሱዳን ኣብ ክልተ ግምባራት ተመቒሉ ኣሎ። ገሊኡ ኣብቲ ምስ ደቡብ ሱዳን ዘከራኽሮ ከባቢታት፣ እቲ ዝተረፈ ድማ ኣብቲ ብዳፉር ዝፍለጥ ከባቢ ዝተሓጽረ ኢዩ። መንግስቲ ሱዳን ሳልሳይ ግምባር ብዶብ ኤርትራ ክፈጥርን ብዙሕ ሰራዊት ናብቲ ቦታ ከምጽእን ኣይደልን’ዩ ጥራይ ዘይኮነ፣ ቁጠባዊ ዓቕሙ’ውን ዘፍቅደሉ ኣይኮነን። ስለዚ ኣብቲ ቦታ’ቲ ዝንቀሳቐስ ሓይሊ፣ ኣብ ወታደራዊ መዓስከራቶምን ምምሕዳራዊ ትካላቶምን ስግኣት ክሳብ ዘይፈጠረ፣ ንስርዓት ህግደፍ ከሐጉሱ ኢሎም፣ ሱዳናውያን ገዚፍ ሓይሊ ከንቀሳቕሱ ኣይኮኑን። እዚ ማለት ግን ናእሽቱ ጸገማት ክፈጥሩ ኣይክእሉን ኢዮም ማለት ኣይኮነን።ብፍላይ ድማ ኣብቲ መጀመርያ እዋን። ማዕረ’ቲ፣ እቲ ተቓዋሚ ሓይሊ ተበጊሱሉ ዘሎ ዓቢ ዕላማ ዝወዳደር ክኸውን ግን ፈጺሙ ኣይክእልን ኢዩ። እዚ ድማ ብውሕሉል ኣመራርሓ ክስገር ዝከኣል ኢዩ። ብሓቂ እውን ካብቲ ብወታደራትን ናይ ጸጥታ ትካላትን መንግስቲ ሱዳን ንላዕሊ፣ እቲ ብስለያን ጽጥታን ህግደፍ ዘጋጥም ተጻብኦ ኣዝዩ ዝተዓጻጸፈ ኢዩ። ብወታደራዊ ዓይኒ’ውን፣ ህግደፍ ኣብዚ ከባቢታት’ዚ እንተ-ተሳዕሩ፣ ኣብ ምሉእ ኤርትራ ከም ዝተሳዕረ ክውሰድ ይግባእ።

3. ኣብ ሱዳን ዝርከብ ኤርትራዊ፣ ዝኾነ ኣብ ዶብ ኤርትራን ሱዳንን ዝግበር ወታደራዊ ስራሕ ንበይኑ ተነጺሉ ዝኸይድ ኣይኮነን። እኳ’ድኣ ኣብ ውሽጢ’ቲ ኣብ ሱዳን ዝነብር ኤርትራዊ፣ ኣቐዲሙ ክግበር ዘለዎ ቅድመ-ምድላው ኣሎ። ኣብ ሱዳን ኣስታት 500,000 ዝግመት ኤርትራዊ ከምዝነብር ይዝረብ ኢዩ። ስርዓት ህግደፍ ዘዋፍሮም ውሑዳት ወይጦታት ገዲፍካ ድማ፣ ዳርጋ ኩሉ’ቲ ህዝቢ ኣብ ገገዝኡ ኮይኑ፣ ንህግደፍ ክረግም ዝሓድር ኢዩ። ነዚ ህዝቢ’ዚ ብዋህዮታትን ጉጅለታትን ብስቱር ክትውድቦ እንተ-ኺኢልካ፣ ናብ ዓቢ ደጀን ክቕየር ከም ዝኽእል ክፍለጥ ኣለዎ። እዚ ስራሕ’ዚ ብሓደ ለይቲ ዝፍጸም’ኳ ኣንተ-ዘይኮነ፣ እቲ በቲ ስርዓት ዝተበደሊ ህዝቢ፣ ህግደፍ ንምውዳቕ ኣብ ዝግበር ቃልሲ ኣይነጥፍን ኢዩ ኢልካ ምሕሳብ ዝከኣል ኣይኮነን። ነዚ ክበቅዕ ግን ብኣከያይዳኻ ክዓግብን፣ ብኣመራርሓካ ኮነ ብዘለካ ፖሊቲካዊ ንጹነት ክኣምን ኣለዎ። ኣብዚ እንተ-ተዓዊትካ ድማ፣ እቲ ትማሊ ኣብቲ ንናጽነት ዝተገብረ ቃልሲ፣ ኣብ ሕምብርቲ ኣስመራ ኮይኑ፣ እቲ ረቂቕ ስለያዊ ትካላት ሰርዓት ደርግ ከይዓጀቦ፣ ተወዲቡ ቅያ ዝሰርሐ ህዝቢ፣ ኣብ ተዛማዲ ናጽነት ዘለዎ ከተማታት ሱዳን፣ ብዝተዓጻጸፈ መንገዲ ክደግሞ ዘይክእል ኣይኮነን። ኣቲ ተቓዋሚ ጉጅለ ቀንዲ እምነቱ፣ ኣብ ህዝቢ ገይሩ እንተ-ተንቀሳቒሱ፣ ኩሊ’ቲ ኣብ ሱዳን ዝካየድ ዕድጊ ኮነ ካልእ ንጥፈታት፣ ብመንገዲ ውድባቱ ከካይዶ ጸገም ኣይክህልዎን ኢዩ።
ነቲ ሸፋቱ ረሻይዳ ዝንቀሳቐስሉ ዘለዉ፣ ኣብ ዶብ ኤርትራን ሱዳንን ዝርከብ በረኻታት በብቑሩብ ኣብ ምቁጽጻር ክኣቱ እንተ-ኪኢሉ ድማ፣ ብኸምቲ እቶም ረሻይዳ ዝገብርዎ ዘለዉ ኣገባብ፣ ካብ ዶብ ኢትዮጵያ ይኹን ካብ ካልእ ከባቢታት ዕጥቅን ስንቅን ንምምልላስ ይከኣል’ዩ ዝብል ጽኑዕ እምነት ኣሎኒ። ማዕረ-ማዕሪኡ ብውልቅን ብፈተውቲ ሃገራትን ኣብ ልዕኪ ሰበ-ስልጣን ሱዳን ዝግበር ዲፕሎማስያዊ ስራሕ’ውን ዕዙዝ ኣገዳስነት ኣለዎ። እዚ ግን ኣብቲ ፖሊቲካዊ መዳይ ኣትዩ ክዝረበሉ ይሓይሽ።

ኣብዚ ብንጹር ክበርህ ዘለዎ ነገር ግን ኣሎ። ንሱ ድማ ዕጥቃዊ ቃልሲ ምጅማር ማለት ‘ሓዊ ብሓዊ ምምላስ’ ማለት ስለ ዝኾነ፣ ኣዝዩ ጥንቁቕ መጽናዕትን ዘድሊ ቅድመ-ምድላዋትን ክግበረሉ ዘለዎ ኢዩ። እዚ ድማ ብዘይ ሓደ ብሱልን ቆራጽን ኣመራርሓን፣ ኩሉ ህዝቢ ዝቕበሎ ንጹር ፖሊቲካዊ ስትራተጅን ዝግበር ኣይኮነን። እዚ ግብራዊ ክኸውን ድማ፣ በብእዋኑ እናተገምገመ ብዝመሓየሽ ውጥን ስራሕ (plan of action) እንተ-ተሰንዩ ጥራይ ኢዩ። ከምኡ’ውን ምስቶም ተኹሲ ዝፈልጡ ንነዊሕ እዋን ኣብ ወታደራዊ ሓላፍነት ዝነበሩ፣ ሎሚ ኣብ ግዳም ዝርከቡን ምስ ስርዓት ህግደፍ ዝበተኹ ናይ ቀደም ተጋደልቲ እናተመኻኸርካ ዝግበር እምበር፣ ብኣከያይዳ ናይዚ ኣብ ደገ እንርእዮ ዘለና ቆልዓውን ዓንዳርን ኣከያይዳ ተነጻጺልካ ዝግበር ኣይኮነን።
ካልእ ኣጸቢቑ ክበርህ ዘለዎ ሕቶ’ውን ኣሎ። ብዙሓት ሰባት “ብኸምቲ ናይ ብረታዊ ተጋድሎ ኣገባብ፣ በብሓደ ከተማታት እናተቖጻጸርካ ኣስመራ ክትኣቱ፣ ብዙሕ ግዜን ሰብኣዊ ዓቕምን ስለ ዝሓትት ዘዋጽእ ኣይኮነን” ክብሉ ይስምዑ ኢዮም። እዚ ግን ሓቂ ኣይኮነን። ኣብቲ ንናጽነት ዝተገብረ ቃልሲ፣ ምንጪ ሰብኣዊ ዓቕሚ ስርዓት ደርግ፣ ካብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ኢዩ ነይሩ። ደርግ ኣብ ሓደ ኲናት ብርክት ዝበሉ ወታደራት እንተ-ኸሲሩ፣ ንጽባሒቱ ዝተዓጻጸፈ ቊጽሪ ገፊፉ ከምጽእ ጸገም ኣይነበሮን። ምንጪ ሰብኣዊ ሓይሊ ስርዓት ህግደፍ ግን ኤርትራዊ መንእሰይ ጥራይ ኢዩ። ኤርትራዊ መንእሰይ ድማ ሓንሳብ ገጹ ናብቲ ናይ ተቓውሞ ሓይሊ እንተ-ቐይሩን፣ እቶም ኣብ ሰራዊት ህግደፍ ዝርከቡ ወታደራት፣ ብውልቅን ብጉጅለን ናብቶም ተቓወምቲ እንተ-ተጸንቢሮም፣ ሰበ-ስልጣን ህግደፍ ካልእ ዘምጽእዎ ሓይሊ ስለ ዘይብሎም ጥራዮም ምስተረፉ፣ ክሃድሙ ወይ ኢዶም ክህቡን ጥራይ ኢዮም ክግደዱ። እቲ ናይ ተቓውሞ ሓይሊ ድማ ሓንሳብ ናህሪ እንተ-ደሊቡ፣ ኣብ ሓጺር እዋን ነቲ ስርዓት ክኣሊ ጸገም የብሉን። ብኸምኡ ከኣ ኢየ እቲ ኲናት ኣብቲ ረሻይዳ ዝርከብሉ ከባቢ ኢዩ ዝውዳእ ዝበልኩ።

ኣብ መደምደምታ እዚ ክብ ኢለ ዝገለጽኩዎ ሓሳብ፣ ነቶም ጎነጽ ከም ኣማራጺ ዝኣምኑ ወገናት ንኽትዕ ዘቕርቦ ዘለኹ ኢዩ። ወታደራዊ ስራሕ ብሓደ ሓያል ሲቪላዊ ፖለትካዊ መሪሕነት ዝምራሕ፣ ግን ከኣ ናይ ገዛኣ-ርእሱ ውሽጣዊ ናይ ስራሕ ናጽነት ዘለዎ እንተ-ዘይኮይኑ ናይ ባዕሉ ሽግር ሒዙ ስለ ዝመጽእ፣ ኣብ ኣተሓሕዝኡ ጥንቃቐ ዘድልዮ ኢዩ። ነዚን ነቲ ሰላማዊ ኣገባብ ዝምልከትን ድማ ኣብ ዝቕጽል ከቕርቦ ኢየ።

……….ይቕጽል

aseye.asena@gmail.com

Review overview
3 COMMENTS
  • fthawi February 10, 2013

    good idea Bro keep going on

  • Asgedom Abraham February 10, 2013

    Tadesse,

    You sound like a useful idiot. I mean a useful idiot paid by Woyane to do the dirty work.

    • nifitHi February 12, 2013

      Ato Megeldem(Asgedom)
      zikkone zitefelye hasab zelewo, wey zesenbid melEkti entetesemuu mechem, bi Weyane bi America zitelaeke tibil nay tsemam hade derfu mezmur aytikiyerin eya.
      Beliske, Eritrawi natu hasabin natu wutinin awtsuu ayseriHin zibeleka men eyu.
      Geldam.

POST A COMMENT