Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ተራ መንእሰያት ንዲሞክራስያዊ ለውጢ

ህዝቢ ብገዛእቱ ምስ ዝጭቆን፥ ዝግፋዕ ፥ እምብለይ ብዓመጽቲ ኣይግዛእን ኢሉ ኩሉ መሰላቱ ንምውሓስ ልክዕ ቆፍኡ ከምዝተተንከፈ ንህቢ ብሓባር ከምዝለዓል ካብ ታሪኽ ዝርኤናዮን  ዘንበብናዮን ሓቂ እዩ።ነዚ ናዕቢዚ ከኣ ሰውራ ወይ ህዝባዊ ናዕቢ ኢልና ንጽውዖ። ኣብ ዓለምና ዝተኻየዱን

ህዝቢ ብገዛእቱ ምስ ዝጭቆን፥ ዝግፋዕ ፥ እምብለይ ብዓመጽቲ ኣይግዛእን ኢሉ ኩሉ መሰላቱ ንምውሓስ ልክዕ ቆፍኡ ከምዝተተንከፈ ንህቢ ብሓባር ከምዝለዓል ካብ ታሪኽ ዝርኤናዮን  ዘንበብናዮን ሓቂ እዩ።ነዚ ናዕቢዚ ከኣ ሰውራ ወይ ህዝባዊ ናዕቢ ኢልና ንጽውዖ።

ኣብ ዓለምና ዝተኻየዱን ዝካየዱ ዘለዉ ሰውራታት ምስ እንርኢ ( እንዕዘብ ) ኣበገስቱ መብዛሕትኦም መንእሰያት እዮም። ንእብነት ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ቱኒዝያ ፥ ኣብ ግብጺ ከምኡ’ ውን ኣብ ካልኦት ሃገራት ማእከላይ ምብራቕ ኣብ እተገብሩ ህዝባዊ ናዕብታት ኣበገስቱ መንእሰያት እዮም።ቀጺሉ ካልኦት ናይቲ ሕብረተ-ሰብ ወገናት ሰዓብዎ። ብሓባር ከኣ ኣብ ዓወት በጽሑ። እዚ ሓቂ’ ዚ ኣብቶም ቀዳሞት ህዝባዊ ናዕብታት ዘካየዱ ሃገራት’ ውን ተራእዩ እዩ። ንኣብነት ኣብ ፈረንሳ ፥ ሩስያ  ወዘተ ዝተኻየዱ ህዝባዊ ናዕብታት ብመንእሰያት እዮም  ዝተጀመሩን ዝተኻየዱን። ኣብ ሃገርና’ ውን ኣንጻር ባዕዳውያን ገዛእቲ ዝተጀመረ ሰውራ ጀመርቱ መንእሰያት እዮም ነይሮም። እቲ ብመንእሰያት ዝተጀመረ ሰውራ ድሕሪ 30 ዓመት መሪር ተጋድሎ ናብ ዓወት በጽሐ። እዞም ሎሚ ኣቦታት፡ ሽማግለታት እናበልና እንጽውዖም ነቲ ቀዳማይ ምዕራፍ ሃገራዊ ናጽነት ኣውሒሶም ፡ ሃገራዊ ግቡኦም ፈጺሞም ኢዮም። እቲ ካልኣይ ምዕራፍ ሃገራዊ ሓርነት ናይ ምውሓስ ናይዚ ሕጂ ዘሎ መንእሰይ ወለዶ ሓላፍነት እዩ። ኣቦታት ኣይሰርሑን ፡ ኣይመርሑን፡ ኣይተቓለሱን ፡ ኣየቃለሱን ፥ ኣየውረሱን  ተባሂሎም ዝውቀስሉን ዝሕመይሉን ከቶ የሎን።  ከም ገዳይም ተቓለስቲ፥ ከም ሓርበኛታት ምኽሮምን ተሞክርኦምን ከወፍዩ ይኽእሉ እዮም። እቲ ዝዓበየ እጃም ናይ ሓርነታዊ ቃልሲ ግን ኣብቲ እንግድዓ ናይዚ ሓድሽ ወለዶ እዩ ዘሎ። ይኹን እምበር እዚ ሕጂ ዘሎ ኤርትራዊ መንእሰይ ስለምንታይ እዩ ከምቲ ኣብ እዋን ብረታዊ ቃልሲ ብሓባር ተቓሊሱ ናጽነት ዘውሓሰ ፥ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ኣብ ዝግበር ቃልሲ ብሓባር ክቃለስ ዘይከኣለ ዝብል ሕቶ ክቐርብ ንቡር እዩ።

ኣብ እዋን ብረታዊ ቃልሲ ነቲ ብቀሊሉ ክመጽእ ዘይክእል ዝነበረ ናጽነት ንምምጻእ ካብ 60,000 ንላዕሊ ዝዀኑ ብሉጻት ደቅናን ፡ ኣሓትናን ኣሕዋትናን ወፊና ኢና። ብተወሳኺ ሙሉእ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ውሽጥን ኣብ ደገን ዝርከብ ካብኡ ዝድለ ኩሉ ንሃገራዊ ናጽነት ኣበርክቶ ጌሩ እዩ። ስለዚ ናጽነት ናቱ ዝዀነ ዋጋ ኣለዎ። ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ወይ ከኣ ንፍትሕን ሰብኣዊ መሰልን ንምርግጋጽ ካብ ሃገራዊ ነጻነት ንላዕሊ ዋጋ ከምዘለዎ ግን ምግንዛብ ከድሊ እዩ።

ኣብ እዋን ብረታዊ ቃልሲ መብዛሕትኡ መንእሰይ ብሃገራዊ ስምዒት ተደፋፊኡ ንሜዳ ክወጽእ ከሎ ሃገሩ ብባዕዳውያን ገዛእቲ ስለዝተገዝኤት ጥራይ ዘይኰነስ ፥ እቲ ኣብ ህዝቢ ዝወርድ ዝነበረ ማእሰርቲ ፡ ቅትለት፡ ግህሰት መሰል ወዲ ሰብን ካልኦት ግፍዕታትን ተደሚሮም ነቲ መንእሰይ ብሃገራዊ ስምዒትን ፡ ወንን፡ ሓቦን ተደፋፊኡ እዩ ንቃልሲ ዝወጽአ። እቲ ተጋዳላይ መንእሰይ ንሜዳ ምስ ወጸ ብዘይካ ተዂስን ወተሃደራዊ ታዕሊምን ውሱን ሃገራዊ ፕሮፓጋንዳን ፡ ካልእ ናይ ዲሞክራሲያዊ መሰላትን ዕምቆት ዘለዎ ናይ ፖለቲከዊ ትምህርቲ ኣይወሀቦን ኔሩ። ሒደት ተጋደልቲ ንቕሓት ወኒኖም ንሜዳ ዝወጽኡን ዲሞክራስያዊ ሕቶ ዘቕረቡን ይቕንጸሎ ነበሩ። እዚ ስለዝዀነ ከኣ መብዛሕትኡ መንእሰይ ( ተጋዳላይ ) ዓላምኡ ንባዕዳዊ ገዛኢ ኣወጊድካ ሃገራዊ ነጻነት ምውሓስ ጥራሕ እዩ ኔሩ። ሃገር ናጻ ምስ ወጸት ከኣ፡ ብዂረት ህዝባዊ ውደባ ስለዝነበረ ፡ ህዝባዊ ስልጣን ተጨውዩ ኣብ ትሕቲ ውሑዳት ተበለጽቲ ጉጅለ ወደቐ። እቲ ጉጅለ ከኣ ኣብ ፍጹም ምልካዊ ስርዓት ተቐየረ።

እቲ ጉጅለ ፥

  • ንመሰል ወዲ ሰብ ዝጣበቓ ሲቪካዊ ማሕበራት ንኸይቆማ ኣገደ
  • ብጀካ ሓደ ጉጅለ ህግደፍ ክልኦት ፖለቲካዊ ሰልፍታት ንኽይህልዋን ንኸይንቀሳቐሳን ብኣዋጅ ከምዝእገዳ ገበረ።
  • ግጅለ ህግደፍ ምሉእ ናይ ሃገር ሃብቲ ብምቁጽጻር ንረብሓ ሓደ ጉጅለ ጥራሕ ከምዝውዕል ገበረ።
  • ናይ ጸጥታ መሓውራቱ ኣብ ኩለን ኲርንዓት ሃገርና ብምዝርጋሕ ነቲ ህዝቢ ክቆጻጸርን ከርዕድን ጀመረ።
  • ናይ ዜና ማዕከናት ማለት ቲቪ ፡ ሬድዮ ፡ ጋዜጣን ብሒቱ ብምሓዝ ንውልቃዊ ፕረፓጋንዳ ጥራሕ ኣውዓሎም።
  • መንእሰይ ተጠርኒፉ ንመሰሉ ንኸይቃለስ መወዳእታ ኣብ ዘይብሉ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ከምዝጽመድ ገበሮ።
  • ሰብ ንመሰሉ ንኸይሓትት ናይ ምዝራብ ፥ ምጽሓፍ፥ ምእካብ፥ ምንቅስቓስ – ወዘተ ብኣዋጅ ከምዝኽልከል ገበረ።
  • እታ እንኮ ሓንቲ ዩኒቨርሲቲ መማህራን ሰብ ሞያ ፡ ህዝቢ ንኸየንቅሑ ከምትዕጾ ገበረ።
  • ተመሃሮ ካልእይ ደረጃ ንኸይንቀሳቐሱ፥ መሰል ንኸይሓቱ ናብ መዓስከር ሳዋ ከምዝዳጐኑ ገበረ።
  • ንፍትሒ ፥ ንዲሞክራስያዊ መሰላት ዜጋ ሕቶ ንዘቕርቡ ዜጋታት ከምዝእሰሩ ወይ’ ውን ከምዝስወሩ ገበረ።

ስለዚ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ዝግበር ቃልሲ ኩሉ ፡ ቀሊል ክምዘይኰነን ዓሚቚ ንቕሓት ክምዝሓትት ርዱእ እዩ። ስለዝዀነ ከኣ እዩ እዚ ናይ ሕጂ ዘሎ መንእሰይ ወለዶ ከምቲ ናይ እዋን ብረታዊ ቃልሲ ዝነበረ መንእሰይ ብቀሊሉ ሆ_ ኢሉ ክለዓል ዘይከኣለ።

ኣብ እዋን ብረታዊ ቃልሲ ጸላኢና ፍሉጥ ንጹር ባዕዳዊ ገዛኢ እዩ ኔሩ። ሕጂ ግን ወዲ ሃገር ብምዃኑ ፥ ገሊኡ ብወዲ ብሄሩ፥ ገሊኡ ብወዲ ዓዲ፥ ገሊኡ ብወዲ ሃይማነቱ  ስለዝርእዮ ኩሉ ብሓባር ኣንጻር ምልኪ ክለዓል ኣይከኣለን። እቲ ህዝባዊ ንቕሓት ግዜ ስለዝወስድ ነቲ ምልኪ ኣብ ስልጣን ክጸንሕ ዕድል ሂብዎ ኣሎ። ሕጂ ግን እቲ ህዝባዊ ንቕሓት እናወሰኸ ይመጽእ ስለዘሎ ውድቀት ስርዓት ህግደፍ ናይ ግድን ይኸውን ። ውድቀቱ ናይ ግዜ ሕቶ ጥራሕ እዩ። መንእሰይ ብሓባር ተጠርኒፉ ናይ ዲሞክራስያዊ ሕቶ ዘቕርበሉ ጊዜ ርሑቕ ኣይኰነን። ዕድመ ምልኪ’ ውን እናሓጸረ ይመጽእ ኣሎ። እዚ ዘመን ፡ ዘመነ ምልካውያን ኣይኰነን። ድምጺ ዲሞክራሲ ፡ ድምጺ ሓርነት ኣብ ኩሉ ኩርንዓት ዓለምና ይድወል ኣሎ። ኣብ ጀነቫ ዝተጀመረ ኣብ ኒው ዮርክ ኣዕለቕሊቑ ኣብ ሃገርና’ ውን ክበጽሕ ቁሩብ ኪሎ ሜተራት ጥራሕ እዩ ተሪፍዎ ዘሎ። እቲ ኣብ ሰሜን ኣፍሪቃ ዝተጀመረ ህዝባዊ ናዕቢ ኣብ የመን በጺሑስ ናብ ኤርትራ ክኣቱ ይቀላቐል ኣሎ። እንሻእላህ ኣብዚ ሒዝናዮ ዘሎና ዓመት ወይ’ውን ዓመት 2016 ዓመት ብስራት ትኸውን። ኣብዚ ሓደ ኣገዳሲ ጉዳይ ክጥቀስ ዘለዎ ግን እቲ ብ 26-6-2015 ኣብ ጀንቭ  ፥ ከምኡውን ብ 29-10-2015 ኣብ ኒውዮርክ ተኣምር ክሰርሕ ዝኸኣለ ሰላማዊ ሰልፊ እንተተወዲቡን ተጠርኒፉን ንመጻኢ ዓጋቲ ክምዘይብሉ ሓባሪ ምልእኽቲ ንኩሉ ደላይ ፍትሒ ኣመሓለሊፉ ኣሎ።  ሲቪካዊ ህዝባዊ ሰረት ዘለዎም ወደብቲ ድማ የድልይዎ።

ሃገርና ኣትያቶ ካብ ዘላ ፖለቲካዊ፥ ማህበራዊን ቁጠባውን ቅልውላው ንምንጋፍ ፡ ህዝቢ ኤርትራ ነዚ ነዊሕ ሱር ዘለዎ ሽግር  ምርዳእን ፥ ህዝቢ ኤርትራ ዝኣምነሉን መሰረታዊ ለውጢ ዝመጸሉ መንገዲ ምንዳይን ሕጂ እዋኑ እዩ። ነዚ ፍጻሜ ክዉን ንምግባር ኩሉ ደላይ ፍትሒ ክጥርነፍ ( ክውደብ )  ኣለዎ ። ብዘይ ህዝባዊ ውደባ ዝመጽእ ዓወት የለን። ብ 1974 ሃይለስላሰ ንምልጋስ ዝተገብረ ህዝባዊ ናዕቢ ኣብነት እዩ። እቲ ናዕቢ ዝተጀመረን ዝተለዓዓለን ብተመሃሮን መማህራንን ክኸውን እንከሎ ስጡም ህዝባዊ ውደባ ( ጥርናፈ ) ስለዘይነበረ እቲ ለውጢ ብቐሊሉ ብወተሃደር ተጨውዩ። ሽዑ እቲ ህዝቢ ከምዚ ክብል መረርኡ ገለጽ ፥

“  ተማሪ ባቦካው

ኣስተማሪ በጋገረው

ደርጊ ሆዬ በላው “

እዚ ማለት ፡   ተመሃራይ ብዘብኲዖ

መምህር ብዝሰንከቶ

ደርግ ሆዬ ሃንከቶ

ሕጂ’ ውን እዚ ኣብ ዲያስፖራ ዝኸይድ ዘሎ ምንቅስቓስ ኣብ ሓደ ጥርኑፍ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ክጥመር ኣለዎ። ከይተወደብካ ዝመጽእ ህዝባዊ ዓወት የለን። ለኒን ከምዝበሎ “ ውደባ ሃበኒ ነቲ ሰውራ ባዕለይ ኣለኹዎ “ ከምዝበሎ ንሕናውን ብሓቂ ብግብሪ እንተተወዲብና እቲ ዓወት ርሑቕ ኣይክኸውንን እዩ። ሃየ ንኽንዕወት ንጠርነፍ። መራኸቢ ብዙሃን ( social media ) ፈጢርካ ፍኑው ዝዀነ ምንቅስቓስ ንግዜኡ ህዝቢ ንምንቕቓሕ ይሕግዝ ይኸውን። እቲ ህዝቢ ዝኣክል ንቕሓት ረኺቡ እዩ። ይኹን እምበር ኣብዚ ከምዚ ዓይነት ፍኑው ወይ ከኣ ዘይጥርኑፍ ምንቅስቓስ ጸረ-ፍትሒ ዝዀኑ ባእታታት እናኣተዉ ይዘርግዎ ከምዘለዉ ከነስተውዕል ይግባእ። ብፍላይ ተቓወምቲ ተመሲሎም ንሕቡእ ዓላማኦም ንምትግባር ፥ ነገር ደሳውሩ ፥ ከፋፈልቲ፥ ዘረግቲ ውልቀ- ሰባት ይኹን እኩባት ንቒሕና ክንፈልጦም ይግብኣና ። ነዚ ርኡይ ጸገማትና ንምብዳህ ሰፊሕ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ምፍጣር እዩ። እቲ ውደባ ካብ ታሕቲ ናብ ላዕሊ ዝቕንዐ ፥ ህዝባዊ ዋንነት ዘረጋግጽ ፥ በብእንነብረሉ ከተማ ይኸውን። እቲ በብከተማኡ ዝተጠርነፈ ደላይ ፍትሒ ብመንገዲ ወከልቱ ጌሩ ንኹሎም ነበርቲ እታ ሃገር ዝጥርንፍ ሃገራዊ ማሕበር ምቛም። ቀጺሉ እቲ ብብሃገሩ ዝተጠርነፈ ኩሉ ደላይ ፍትሒ ብመንገዲ ወከልቱ ጌሩ ንብዙሓት ዓድታት( ሃገራት ) ዝጥርንፍ ዞባዊ ምጥርናፍ ምፍጣር። ንኣብነት ዞባ ኤውሮጳ ፥ ሰሜን ኣሜሪካ፥ ኣውስትራልያ ፥ ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቕን ።

ኣብ መወዳእታ ዓለም- ለኻዊ ( Global ) ምትእኽኻብ ኤርትራውያን ምፍጣር። እዚ ማለት ካብ ኩሉ ዞባታት ብዝመጹ ወከልቲ ኣብ ምሉእ ዓለም ንዝርከቡ ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ዝውክል ሓደ ዓቢ ባይቶ ምፍጣር። ካብቲ ባይቶ ሓንቲ ኣወሃሃዲት ሽማግለ ምቛም ። ኣባላት እታ ሽማግለ ሙሉእ ግዜኦም ድሰርሑ፡ ውፉያት፡ ፖለቲከዊ ብቕዓትን ክእለትን ዘለዎም ካብ ውልቃዊ ጠቕሚ : ረብሓ  ሃገርን ህዝብን ዘቐደሙ ምኩራት ሃገራውያን ክኾኑ ይግባእ።

እታ ኣወሃሃዲት ሽማግለ ኣጀንዳታታ ብምስራዕ ፥

  1. ብሓደ ኣፈኛ ኮንካ ካብ ህዝብኻን ፈተውትኻን ሓገዝ ምርካብ
  2. ካብ ሕቡራት ሃገራት፥ ካብ ሕብረት ኤውሮጳ ፥ ካብ ሕብረት ኣፍሪቓ ፥ካብ ሃገራት ኣዕራብ ወዘተ ንዋታዊ ሓገዝ ምሕታት።
  3. ናይ ወጻኢ ጉዳያት እትከታተል ሽማግለ ብምቛም ዲፕሎማስያዊ ስራሓትካ ብምእኩል ኣገባብ ምክንዋን።
  4. ናይ ዜና ስርሓትካ (mass media ) ምሕያልን በዚ መንገዲ ምስቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘሎ ሓፋሽ ህዝብና ርክብ ምፍጣርን ነቲ ድጉል ሓይሊ ከምዝለዓዓል ምግባርን ህዝባዊ ማዕበል ንኽፍጠር ጻዕርታትካ ምሕያል። ኣብዚ ናይ መስዋእቲ ዋጋ ክንከፍል ከምዘሎናውን ዘይምዝንጋዕ።

 

ንመድረኻዊ ምስግጋር ቀንዲ ሓለኽቲ ነገራት ኣጽኒዕካን መዚንካን ነዚ ኣቐዲሙ ዝተጠቕሰ ደለይቲ ፍትሒ ተረኦም ንምዕዛዝ ፖለቲካዊ ጥበብን ፈጠራዊ ዓቕምን ምጥራይ ይሓትት ። ዕላማ ናይዚ ፖለቲካዊ ጥበብን ፈጠራን ንተራን ዓቕምን ህዝብን ማሕበራቱን ብምዕባይ ነዚ ዘዳኽሙ ዕንቅፋታት ብቀጻሊ ብምውጋድ መስርሕ ንዲሞክራስያዊ  ለውጥን ቀጻልነቱን ምርግጋጽ።

 

ሃዬ !!! ሃገርናን ህዝብናን ንምድሓን ንጠርነፍ !!!!

 

ዓወት ንህዝቢ ኤርትራ

ዘለእለማዊ ዝኽሪ ንስዉኣትና

መምህር ኢብራሂም መሓመድ

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
2 COMMENTS
  • Berhe Tenesea December 12, 2015

    The role of the youth to be men and act like the youth of the past who flocked to the field to liberate their people,
    Today’s youth are braving the desert the unforgiving sea waves, and the economic and social hardship that awaits them where ever they go.
    In most countries the youth are the engine of change, ours however seem the engine of Ghayla and Dankera.
    It is and to hear that an armed youth or aghelghlot being abused, and slapped by his superiors on many occasions,
    Some of them you see them participate in roundups using their sticks, and few weeks later you see them brought to concentration camps from bars and thrown alongside side their victims.
    Today;s youth are very proud to obey orders even iif that means the end of their life as they know it,
    The youth imust wake up and smell the coffee.

  • delayi fthi December 14, 2015

    tsbuk hasab u memher

POST A COMMENT