Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ተራ ናይ ወጻኢ ሓይልታት ኣብ ዲሞክራስያዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ውሻል ዶ ዕርፊ?

ተራ ናይ ወጻኢ ሓይልታት ኣብ ዲሞክራስያዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ውሻል ዶ ዕርፊ? “ሎሚ ጉምብሕ ጉምብሕ እንተዳኣ ኢልና፡ ጽባሕ በጠበጥ ኢና ክንከይድ።” ነብሰሐር ስዩም ዑ/ሚካኤል ገብረ ገብረማሪያም (ዶር.) ታሪኽ ኤርትራ ኣብ’ዚ ዝሓለፈ 130 ዓመታት: ታሪኽ ኣንጻር ዓመጽ ህዝቢ ኤርትራ

ተራ ናይ ወጻኢ ሓይልታት ኣብ ዲሞክራስያዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ውሻል ዶ ዕርፊ?

“ሎሚ ጉምብሕ ጉምብሕ እንተዳኣ ኢልና፡ ጽባሕ በጠበጥ ኢና ክንከይድ።” ነብሰሐር ስዩም ዑ/ሚካኤል

ገብረ ገብረማሪያም (ዶር.)

ታሪኽ ኤርትራ ኣብ’ዚ ዝሓለፈ 130 ዓመታት: ታሪኽ ኣንጻር ዓመጽ ህዝቢ ኤርትራ ዝገበሮ ቃልሲ ኢዩ እንተተባህለ ምግናን ኣይኮነን። ኣብ’ዚ መዋእል’ዚ ብውሕዱ ኣርባዕተ ወሎዶታት ኤርትራ ኣብ ቀጻሊ ውግእን ረጽምን ንመሰሎምን ክብሮምን ካብ ባዕዳውያን ተጻባእቲ ንምክልኻልን ኣንጻር ናይ ውሽጥ ዓመጽን ኢዮም የሕሊፎሞ። እዚ ታሪኽ’ዚ ኣብ ነብሲ-ወከፍ ኤርትራዊ ቤተ-ሰብ ህያው ታሪኽ ኢዩ። ንኣብነት ብናተይ ዕድመ ዘለና ቤተ-ሰባት እንተወሰድና፡ ኣባሓጎታትና ኣንጻር ናይ ትግራይ መሳፍንትን ኣንጻር ጣልያንን፤ ኣቦታትና ኣንጻር ጣልያንን ኣንጻር ኢትዮጵያን፤ ንሕና ኸኣ ኣንጻር ኢትዮጵያ ተዋጊእና ኣብ መጨረሻ ልዕላውነት ኤርትራ ተረጋጊጹ። ድሕሪ ናጻነት እንተኾነ’ውን ደቅና ንሉዕላውነት ኤርትራ ካብ ግዳማዊ ተጻቦኦታት ኣብ ምክልኻል ተዋጊኦም ገና’ውን እቲ ናይ ግዳም ወስታ ስለዘይቃሃመ ኣብ ምክልኻል ኣለዉ። እዚ ንወሎደታት ዝቐጸለ ቃልሲ ብመሰረቱ ንኤርትራዊ መሰልን ክብርን ንምርግጋጽን ንምክልኻልን ዝተገብረ ቃልሲ ኢዩ። ኤርትራውያን ካብ ኩሉ ዓሌትን ሃይማኖትን ብሓደ ኮይኖም ኣንጻር ዓመጽትን ጎበጥትን ዝተሰውእሉን ዝተዋድቕሉን ቃልሲ ኢዩ። በቲ ሓደ ሸነኽ  ባዕዳውያን ገዛእቲ ሓይልታት ንህዝቢ ኤርትራ ብዓሌት፡ ብወገን፡ ብሃይማኖት፡ወ.ዘ.ተ. ከፋፊሎም ከዳኽምዎን ክገዝእዎን፤ በቲ ካልእ ሸነኽ’ከኣ ህዝቢ ኤርትራ እምቢ ንመግዛእቲ፡ እምቢ ንዓመጽ፡ እምቢ ንምክፍፋል ኢሉ ሓድነቱ ኣደልዲሉ ፍትሒ ንምርግጋጽ ዝተቓልሰሉ መዋእል ኢዩ። ስለዚ ኤርትራውነት ብናይ ቡዙሓት ኤርትራዊ ወሎዶታት የዕጽምትን ደምን ዝተነድቐ ኽቡር መንነት ኢዩ። ስለዝኾነ፡ ምዕቃብ ኤርትራውነት ኣብ ዝኾነ ኩነት ኣብ “እንተን ግንን” ዘይኣቱ ክሳዳዊ-ዓላማ ናይ ኩሉ ኤርትራዊ ሓይሊ ክኾውን ይግባእ። ምስ እዚ ብዝተኣሳሰር፡ ነብሰሐር ስዩም ዑ/ሚካኤል ኣብ ማእከል ኣዲስ ኣባባ፡ ኢትዮጵያ፡ ኮይኑ “ባድመ፡ ትማሊ ኤርትራዊት፡ ሎሚ ኤርትራዊት፡ ጽባሕ ኤርትራዊት ኢያ” ዝበሎ ተባዕ መልሰ-ግብሪ ካብዚ መተከል እዚ ዝብገስ ኣብነታዊ ስጉምቲ ምዃኑ ኤርትራዊ ወሎዶ ክዝንግዖ ዘይግባእ ኢዩ።

ዓመጽን በደልን ብግዳማዊ ሓይልታት ጥራሕ ዝመጻ ግን ኣይኮናን። ናይ ውሽጢ ዓመጽትን መሰል ጎበጥትን’ውን ነይሮምን ኣለዉን። ብዓብይኡ ከኣ መስርሕ ሓርነታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ብሓደ ምልካዊ ስርዓት ተመንዚዑ ሎሚ ህዝቢ ኤርትራ ሰብኣዊ፡ ባህላዊ፡ ማሕበራዊ፡ ቁጠባዊ ከምኡውን ፖለቲካዊ መሰላቱ ተገፊፉ ኣደዳ ከርፋሕ ናብራን ዘይብሩህ መጻእን፡ ኣደዳ ማእሰርትን ስደትን ኮይኑ ኣሎ። ሎሚ ኤርትራ ናይ ህዝቢ ሂወትን ንብረትን ዝሰርቕን ዝምንዝዕን ስርዓት ተተኺሉ ዉሑዳት ጉጅለ ዝቖጻጸርዋ ሃገር ኮይና ኣላ። ኤርትራ ንህዝብን መንግስትን ክገዝእ ዝክእል ዓንደ-ሕጊ ዘይብላ ሓደ ውልቀ-መላኺ ከም ፊንትኡ (ቃሕትኡ) ዝገዝኣ ሃገር ካብ እትኾውን እኒሆ 20+ ኣመታት ተቖጺሩ። ህዝቢ ኤርትራ ካብ’ዚ መቀራቑሮ’ዚ ንምውጻእ ዝገብሮ ቃልሲ ካብ ጊዜ ናብ ጊዜ እንዳሓየለ ይኸይድ ከምዘሎ ዘጠራጥር ኣይኮነን። ይኹን’ምበር ዲሞክራስያዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ብዙሓት ውሽጣውን ግዳማውን ብዶሆታት ካኣ  ይገጥምዎ ኣለዉ።

ደምበ ተቓውሞ ኤርትራ፡ ኣብ ድሕሪ ውድቀት መላኪ ስርዓት ትትከል ኤርትራ ሓደ ናይ ሓባር ራኢን መትከልን የብሉን። ስለዝኾነ’ከኣ ኣታሃላልውኡ ፋሕ ዝበለ ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ ነንሕዱ ዝናኸስ ካብ ኣንጻር መላኺ ስርዓት ዝገብሮ ቃልሲ ኣንጻር ነንሕድኡ ዝገብሮ ቃልሲ ናይ ምትህልላኽ ይበዝሕ። ኣብዚ ዝሓለፈ ዳርጋ 2 ዓሰርተ ዓመታት ነዚ ፋሕ ዝበለ ኣታሃላልዋ ተቓውሞ ንምጥርናፍን ሓደ ዑኹኽ ዝበለ ናይ ተቓውሞ ዉዱባትን ሰልፍታትን ናይ መቃለሲ ባይታ ንምምስራት ተባሂሉ ብዙሕ ፈተነታት ዳኣ ይገበሩ’ምበር፡ ክሳብ ሕጂ ዝጻዓየ የልቦን። ስለዝኾነ፡ ደምበ ተቓውሞ  ምልኪ ኣብ ምልጋስ ይኹን ዲሞክራስያዊ ባህልን ጠባያትን ኣብ ደንበ ተቓውሞ ኣብ ምንጋስ ዘበርከቶ ተራ ዳርጋ የለን እንተተባህለ ካብ ሓቂ ዝራሓቐ ኣይኮነን። ብኣንጻሩ እዃ ዳኣ፡ ዲሞክራስያዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ንቕድሚት ከይስጉም ሓሊኾም ካብ ዝሓዝዎ ረቛሒታት ብቐዳማይ ደረጃ ዝርቛሕ እዚ ባህርን ጠባያትን ደምበ ተቓውሞ ኢዩ እንተተባህለ ምግናን ኣይኮነን። ኣብ ደንበ ተቓውሞ ኽልተ መሰረታዊ ፍልልያት ዘለዎም ኣተሓሳስባታት ኣለዉ። ኣብ መሰረታውን ክሳዳውን መትከላት ማለት ኣብ ሕቶ ሃገርነት፡ ሕቶ ዲሞክራስያ፡ ሕቶ መሰረታዊ ጸላኢ ኣብ ምልላይ፡ ኣብ ሕቶ ኣገባብ ቃልሲ፡ ብዓብይኡ ከኣ ኣብ ሕቶ ተራ ናይ ግዳም (ወጻኢ) ሓይልታት (the role of foreign forces) ኣብ ዲሞክራስያዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ዲያመትሪካዊ ኣንጻር ዝኾኑ መርገጺታት ኣለዉ። ንብነት፡ ኣብ ተራ ናይ ኢትዮጵያ እንተወሰድና፡  በሓደ ሸነኽ፡ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ስትራተጂካዊ ምሕዝነት ክንገብር ንኸእል ኢና፣ ብዘይ ናይ መንግስቲ ኢትዮጵያ ቐጥታው ምትእትታው (እንኮላይ ወታሃደራዊ) ኣብ ኤርትራ ለውጢ ከመጽእ ኣይክእልን ኢዩ፣ ወዘተኢሉ ዝኣምን፤ በቲ ካልእ ሸነኽ ካኣ ኣይፋል፡ ሃገራዊ ረብሓናን ረብሓ መንግስቲ ኢትዮጵያን ዝተፈላለዩ ስለዝኾኑ፡ ስትራተጅካዊ ምሕዝነት ክንገብር ኣይንኸልን ኢና፣ ህዝቢ ኤርትራ ተቃልሱ ዲሞክራሲ ከምጽእ ይኽእል ኢዩ፡ ናይ ወጻኢ ሓይሊ ምትእትታው ኣይነፍቕድን፣ ዝኾነ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝግበር ርክባት፡ ኣብ ምርግጋጽ ሃገራዊ ረብሓ ኤርትራ ማእከል ዝገበር ክኾውን ኣለዎ፣ ወዘተ ኢሉ ዝኣምን። እቲ ሓቂ ኣየናይ ሸነክ ኢዩ ዘሎ? ሚዛን ንምቕማጥ፡ ከም መዐቀኒ (መምዘኒ) ክንጥቀመሉ ዘለና፡ “ሃገራዊ ረብሓ” ብኸመይ ኢዩ ዝረጋግጽ ዝብል ኢዩ ክኸውን ዘለዎ ዝብል እምነት ኣለኒ። ኣንበብቲ ከ እንታይ ትብሉ? እዚ ምስ እንታይነት “ኤርትራዊ ሃገርነት” ዝተኣሳሰር ኢዩ።

ህዝቢ ኤርትራ ኣጸቢቑ ከምዝፈልጦ፡ ከምቲ ሓደ ሓደ መራሕቲ ክብልና ዝፍትኑ (ብናይ መንግስቲ ኢትዮጵያ ጽቡቕ ድሌት ኢዩ ናጽነት ተረኺብ ብዘስምዕ፡ “መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ 1991/93 ኣፍልጦ ኣይህብን ኢየ እንትዝብል ነይሩ፡ ናጽነት ኣይንተረኽበን፡ ወዘተ”፡ እዳተባህለ ዝጋማዳሕ ናይ ጥዑሳት ዘረባታት) ዘይኮነስ፡ ህዝቢ ኤርትራ ተቃልሱ ኤርትራዊ መንነትን ናጻ ሃገርን ፈጢሩ ኢዩ። ስለዚ፡ ኤርትራ ሓንቲ ልዑላዊት ሃገር (Sovereign Nation State) ኢያ፡ ምስ ኩለን ልዑላውያን ሃገራት ዓለም ካኣ ብናጻ ክትዋሳእ መሰላ ኢዩ። ዝለዚ፡ ካብ 1993 ንዳሓር፡ ኣብ ሞንጎ ኤርትራን ዝኾነት ሃገርን፡ ኢትዮጵያ ወስኽካ፡ ዝህሉ ዝምድና/ርኽባት፡ ኣብ ሞንጎ ክልተ ልዑላውያን ሃገራት ዝህሉ ዝምድና ኮይኑ፡ ኣብ ሃገራዊ ረብሓ ሰረት ዝገበሩ፡  ንዕኡ ዝገዝኡ ሕግታትን ልምድታትን ካኣ ኣለዉ። ካብ ቡዝሓት ውሕዳት ንምጥቃስ ዝኣክል፦

  • ዝኾነት ሃገር፡ ሃገራዊ ረብሓኣ (National Interest) ኣብ ምርግጋጽ ማእከል ዝገበረ ዝምድና ኢያ ትገብር።
  • ኣብ ዓለምለኻዊ ዝምድና (International Relations )፡ ቀዋሚ ሃገራዊ ረብሓ (Permanent National Interest እንተዘይኮይኑ፡ ቀዋሚ ዓርኪ (Permanent Friend) ዝባሃል ነገር የልቦን።
  • ከይብሉኒ ወይ ናይ ጽድቂ ዝባሃል ነገር የልቦን። ኩለን ሃገራት ነናይ ገዛእ ርእሰን ሃገራዊ ረብሓታት ከርጋግጻ ኢየን ዝጽዕታ። ሓንቲ ሃገር ካብቲ ትገብሮ ዝምድና እንታይን ክንደይን ትረክብ ዝውስኖ፡ ኣብቲ ዘለዋ ናይ ሓይሊ (ቁጠባዊ፣ ዲፕሎማስያዊ፣ ማሕበራዊ፣ ወዘተ) ሚዛን ኢዩ ዝምርኮስ።

ስለዚ፡ ዝኾነ ኣካል (መንግስቲ፣ ውድብ፣ ሰልፊ፣ ምንቅስቓስ፣ ዋላ’ውን ውልቀ-ዜጋ) ንሃገሩ ኣብ ዝምልከት ጉዳይ ምስ ናይ ካልእ ሃገር ኣካል (መንግስቲ፣ ውድብ፣ ሰልፊ፣ ምንቅስቓስ፣ ዋላ’ውን ውልቀ-ዜጋ) ክዝቲ ከሎ፡ ኩሉ ጊዜ እንተነት ብዘይብሉ (wihout iffs and buts) ናይ ሃገሩ ሃገራዊ ረብሓ (National Interest) ንምርግጋጽ ኢዩ ክጽዕት ዘለዎ። እዚ ዘግነታዊ ሓላፍነትን ግዴታን ኮይኑ፡ ንሃገራዊ ረብሓ የሕሊፍካ ምሃብ ይኹን፡ ንሃገራዊ ረብሓ ዝሃሲ ተግባራት ምግባር፡ ከም ክሕደት ምፍጻም (Committing Treason) ኢዩ ዝቑጸር።

ነዚ ሓቂ እዚ ኣቐዲሞም ካብ ዝተርድኡን፡ ንሃገራዊ ረብሓ ኣብ ሕምብርቲ ነቲ ሃገራዊ ረብሓ ኤርትራ ዝጓነጽ ሓይሊ ኮይኖም ብትብዓት ካብ ዝተቓኣለሱን ልሉያት ኤርትራውያን ተቓለስቲ፡ ነብሰሐር ስዩም ዑ/ሚካኤል ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ዝስራዕ ኢዩ።

ኣብ ማእከል ኣዲስ ኣባባ ኮይኑ፡ “ባድመ፡ ትማሊ ኤርትራዊት፣ ሎሚ ኤርትራዊት ጽባሕ’ውን ኤሪትራዊት ኢያ፡ ኢትዮጵያ ክትወጽእ ኣለዋ፤ ሎሚ ጉምብሕ ጉምብሕ እንተዳኣ ኢልና፡ ጽባሕ በጠበጥ ክንከይድ ኢና፤ ናይ ወጻኢ ሓይልታት (ኢትዮጵያውያን) መራሕትና ንኽመርጹልና ኣይፈቅድን፤ ወ.ዘ.ተ.” ዝበለን፡ ብትብዓት ንሃገራዊ ረብሓ ሃገሩ ዝተቓለሰን ዘቃለሰን ብሉጽ ኤርትራዊ ተቃልሳይ ጥራሕ ኢዩ ነይሩ ዘይኮነስ፡ ግዳይ ጽዩእ ኢዩ’ውን ኮይኑ። ንሱ ሓሊፉ፡ “ንሃገራው ረብሓ ኤርትራ ኣሕልፈ ኣይህብን” ዝብል መተከሉ ካኣ ከም ዓንዲ-ማእከል መትከላት ሰዲህኤ (EPDP) ኮይኑ ይቕጽል ኣሎ። ሰዲህኤ ውላድ-ኣእምሮ እዚ ባዓል ምዑት ዓምዑት ዝነበረ ኤርትራዊ ተቓላስይ ኮይኑ፡ ናይ ህልውን መጻኢ ወለዶታት ኤርትራ “ውርሻ” ኢዩ። ስለዝኾነ’ውን፡ ሰዲህኤ ባህሪ ምሳሌ (the epitome of) ናይ ሃገራውን ዲሞክራስያውን ሓይሊ ኢዩ።

ካብ እምነ-ኹርናዕ ኣተሓሳስባታት ናይዚ ሓይሊ እዙይ፡ ካብ ቡዙሓት፡ ነዞም ዝስዕቡ ምጥቃስ ይካኣል፦

  • መሰረታዊ ጻገማት ኤርትራ ምልኪ ዝመበገሲኡ ካብ ፍትሕን ሕግን ምጥፋእ (ዘይምህላው) ዝነቐለ ስለዝኾነ መፍቲሒኡ ከኣ ምልኪ ኣልጊስካ ፍትሕን ሕግን ዲሞክራስን ብሰላማውን ዲሞክራስያውን ኣገባብ ቃልሲ ምትካል ኢዩ ኢሉ ይኣምን።
  • ፍትሒን ሕግን ዲሞክራስን ኣብ ኤርትራ ንምትካል፡ መጀመሪያ ሃገረ-ኤርትራ ክትህሉ ስለዘለዋ፡ ሉዕላውነት ሃገር ምዕቓብን ምክልኻልን ከም ቀዳምይ ዕማሙ ይሰርዕ። ብዋጋ ክብርን ሉዕላውነትን ኤርትራ ዝትከል ዲሞክራሲ ክህሉ ኣይክእልን ዝብል ይኸውን።
  • ጸላእቲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ንስርዓት ህግደፍ ዝመርሑ ቑንጣሮን፡ ኣብ ደገ ይኹን ኣብ ውሽጢ ዘለዉ ጸረ-ዲሞክራስያውን ሓይልታት እምበር  እቶም ከም’ቲ ካልእ ሰፊሕ ህዝቢ ተጠሊሞም ዘለዉ ሓይልታት ምክልካል፣ ፖሊስ፣ ሲቪል ሰራሕተኛታት መንግስቲ፣ ወ.ዘ.ተ. ስለዘይኮኑ ኣንጻር እዚ’ኣቶም ዝቐንዐ ዝኾነ ጎነጻዊ ቃልሲ ፍትሓውን ሕጋውን ዲሞክራስያውን ኣይኮነን ዝብል እምነት ከኣ ይህሎዎ። ብኣንጻሩ ነዞም ሓይልታት እዚኣቶም መታን ኣብ መስርዕ ዲሞክራስያዊ ቃልሲ ተጸንቢሮም ጉቡእ ኣበርክትኦም ኽገብሩ ኣገባብ ቃልስና ሰላማውን ዲሞክራስያውን ክኸውን ከምዘሎዎ ይኣምንን ይሰርሓሉን።
  • ጸገማት ኤርትራ ብኤርትራዊ ናይ መፍትሒ ዋንነት ጥራሕ ክፍታሕ ኣለዎ። ብባዕዳውያን ተቓሚሙን ተዓሺጉን ናብ ኤርትራ ዝስደድ መፍትሒ ክህሉ ኣይክእልን ጥራሕ ዘይኮነስ ብመሰረቱ’ውን ናይ ባዕዳውያን ቀጥታዊ ይኹን ተዘዋዋሪ ኢድ ምትእትታው ናይ ሕጅን ናይ መጻእን ናይ ኤርትራ ሃገራዊ መስልን ክብርን ዝግህስ ስለዝኾነ ብትብዓት ይምክቶ።
  • ብሃገር ደረጃ ተወዲብካ ናይ ‘ህዝቢ ሓይሊ (ትርናዐ) ማዕበል’ (People Power Movement) ዝሕመረቱ ዲሞክራስያዊ ቃልሲ ምክያድ እቲ እንኮ መንገዲ ናብ ፍትሓዊትን ዲሞክራስያዊትን ኤርትራ ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ምንጻፍ ናይ ሰላማዊ ቅብብል ስልጣን ባህልን ዋሓስ ቀጻልነት ፍትሕን ዲሞክራስን፡ ምዕባለን ብልጽግናን ኣብ ኤርትራ ኢዩ። ንብዙሕነት ህዝቢ ኤርትራ ዘየንጸባርቕ ኣተሓሳስባ ይኹን ኣወዳድባ ሕቶ ፍትሕን ዲሞክራስን ኣብ ኤርትራ ክምልስ ስለዘይክእል፡ ምትብባዕ ኣብ ጸቢብ ዓንኬል ዝተደረተ ውደባ ንረብሓ ኤርትራ ከምዘይኮነ ይኣምን። ብኣንጻሩ ከም’ዚ ዓይነት ኣወዳድባ ንህዝቢ ኤርትራ ካብ ዲሞክራስያዊ ቃልሲ ኣርሕቑ ኣብ ጎድኒ ስርዓት ህግዲፍ ከምዝስለፍ ገይሩዎን ይገብሮን ኣሎ። ወ.ዘ.ተ.

Subscribe ASSENNA YouTube to get Radio Assenna shows on time:

aseye.asena@gmail.com

Review overview
6 COMMENTS
  • Eyob March 12, 2018

    ዶክተር ገብረ
    ስለቲ ንሓፋሽ ደላይ ፍትሒ ህዝብካ ክተንቅሕ ጊዜካ ሰዊእ ትገብሮ ዘለኻ ጻዕሪ የመስግነኻ። አንተኾነ ብዙሕ ጊዜ ትደጋግሞ ሕሳብ ብዛዕባ ተጻብኦ ግዳም እሞ ከኣ ኣብ ኣዝዩ ክለስ-ሓሳባዊ ትንተና ዝተሰረተ ይመስል። ኣብ ኢትዮጲያውያን ፍሉይ ዉልቓዊ ጽልኢ ዝደፍኦ ይመስል። ኤርትራ ምስ ነብሳ ጥራይ ኢያ ክትዕረቅ ዘለዋ.። ጉዳይ ዶብ ከም መዓቐኒ ሃገርውነት ኣልዕሊካ ፖለቲካዊ መኽሰብ ንምርካብ ዝግበር ፈተነ ጥንቓቀ ዝጊደሎ ሜላ ኢዩ.። ጉዳይ ናይቶ ዝምልከቶም ኣብቲ ዶባት ዘለወ ኮማት ድምጺ ከይተሰመዐ ባህ ብዝበለካ ጠለብ ምቅራብ ዝከኣል ዉድብካ ስልጣን መንግስትነት አንተጨቢቱ ጥራይ ኢዩ ። ኣብዚ ሰዓት አዚ ግን ነቲ ጠለብ ንምቕራብ ሞራላዊ ይኹን ፖልለቲካዊ ብቕዓት ኣየጥረኹማን። ገማግም ባህሕሪ ኤርትራ ኢሳያስ ንፖልቲካዊ ምንዝርናኡ መጠቕሚ ኮይኑ አንዳሃለ `ባድመ` አንዳበልካ ሰብ ኣብ መእላይ መልኪ ከየተኩርን ኣንፈት ክስሕትን ምግባር ኢዩ። ጊዜና ኣብ ካልእ አንተነውዕሎ ምተመርጸ።

  • sol March 12, 2018

    ዶቶረ
    ስዉእ ተጋዳላይ ስዩም ሻዕብያን ወያነን ኣብ ኣዕናዊ ናይ ዶብ ውግእ ምስ ኣተዉ ባድመ ነቲ ኣብ ሰማንያታት ኣብመንጎ ሻዕብያን ወያነን ዝነበረ ዘይቅዱስ ቓልኪዳን ገዝሚ ኾይና ንወያነ ዝተዋህበት ኤረትራዊት መርየት እያ ኢሉ ነሩ።
    ኣብዚ ጉዳይ ልዕላውነት ሓደ ዘይካሓድ ሓቒ ኣሎ ንሱ ኽኣ ድሕሪ ረፈራንዱም ወያነ ብዙሓት ትምከሕተኛታት ኣምሓሩ እንዳተቃወሙ ንውጽኢት ረፈራንዱም ተቀቢሎም።
    ቀንዲ ሓደጋ ናይ ልዕላውነት ኣብ ኤርትራ ማዕርነትን፣ ፍትሕን፣ ነጻነትን ስለዝቦኸረ እዩ ስርዓት ሕጊግደፍ ንልዕላውነት ሃገር ታካባኖ ናይ ምልካዊ ስርዓቱ ዕድመ መናውሒ ስለዝገብራ ቃልስና ኣብ ሃገርና ማዕርነትን፣ ፍትሕን፣ ነጻነትን ምንጋስ ክኸውን ኣለዎ።

    • k.tewolde March 12, 2018

      I agree Sol,Seyum was a rare breed,a class in his own,a protagonist,a political phenom,a treasure the nation will never recover,Badme’s issue was the last of his worries.He was a deep thinker,his people’s well being is what kept him awake all night.We got robbed.We gave away our leaders one by one and here we are drifting in a menacing vast ocean like a ship without a sail.

  • Nahon March 13, 2018

    “ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ስትራተጂካዊ ምሕዝነት ክንገብር ንኸእል ኢና፣ ብዘይ ናይ መንግስቲ ኢትዮጵያ ቐጥታው ምትእትታው (እንኮላይ ወታሃደራዊ) ኣብ ኤርትራ ለውጢ ከመጽእ ኣይክእልን ኢዩ፣ ወዘተ” ኢሉ ዝኣምን .

    ገብረ ገብረማሪያም (ዶር.)

    Dear Dr. Ghebre

    Ethiopian intervention in our internal affairs is not acceptable. There is a strong public opinion against intervention by any foreign power. Whoever invites a foreign power will eventually lose.
    That said, Ethiopia is our biggest neighbor, it’s in our interest to have good relation with them and all our neighbors based on international law of non-interference in internal affairs of each other and respect for territorial integrity.

  • Mekonen March 13, 2018

    I think it is good article. I think the problem we have in our country because of the following points:
    1) Eritrean people and Eritrean fighters were good enough to fight for freedom but were never prepared on how to lead the country after independence. I remember when EPLF entered Asmara some foreign journalist were reporting Asmara by asking people how they feel about being free. I was surprised when one young lady answered him by saying freedom is good but where are the jobs! I that time I want happy about her answer like everybody but after some time it gave me something to be watchful of the situation in our country. Now it is clear that a country that can not create economy can not keep its human resource.
    So whenever I think of the situation in our country, I always remember that young lady and admire her for being beyond most of us to see the problem a head faced by the country.
    2) I think Eritrea became independent in the time of fast globalization. So the trusted leader having no vision on how to lead the country after independence were incompetent to the new world economy and politics and thought that their ideology of the world in the 60’s was enough to lead a small and young country.
    3) As a result people that can not get job and freedom in their own live tried to sort out on how to lead their life. In the beginning, those that have the resources tried to save their life and their family by leaving the country. Later, those that are poor also tried to move out sacrificing their life to try their chances in life. As a result, the government was comfortable because there is no one inside the country asking for job or fair salary or conducive environment for work and investment. So now, everybody thinks life outside the country.

    4) Those inside the country see no point in challenging the government. And, those outside the country also face number of challenges in a foreign land and most see no point in dealing the problem of Eritrea and its people and are work day and night to save some member of their family from inside the country. Some dispora that are concerned about the country are highly divided and no clear vision.
    So the challenge to create a competent country in every aspect in this fast changing world is not going to be easy!

  • Nahon March 14, 2018

    Mekonen,
    You are a smart Higefite.
    So you are telling us the problems Eritrea is suffering from are:
    – Government could create jobs.
    – Leaders lacked experience.
    – Young people went out of the county to look for jobs.
    – Those inside the country don’t see the importance of changing the government.
    Oh my God !!
    So according to you the case is not as follows:
    – There is a fulll fledged dictatorship.
    – Threre is no constitution, hence
    – There is a complete lawlessness.
    – The country is in permanent war footing because the Junta want keep the people hostage.
    – Every year Eritrea creates new prisons, so we have the capita the highest on planet.
    – Old people, children and women make a substantial portion of prison population.
    – Young people of production age are kept either in prisons or forced labor camps.
    – Those who escape from these extermination camps die in deserts, in high seas, at the hands of people smuggling beduin networks; while the so called government takes it’s share of this business.
    Only a Higefite who has interest with the bloody Junta justifies its crimes.

Post a Reply to sol Cancel Reply