Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ተስፋ ዝህብ ተበግሶ ‘ሓድነት ኤርትራውያን ንፍትሒ’ ኣብ ብሪጣንያ

ብጉዳይ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝወርድ ዘሎ ጸገም ብዙሕ ተዘሪቡን ተጻሒፉን እዩ፡፡ ዋና ጠንቂ ናይዚ ጸገም’ዚ መንግስትን ህዝቢን ዝቕየደሉ ሕጊን ሓጋጊን ዘይምህላው ምዃኑ’ውን ብዙሓት ደቂ ሃገርን ናይ ደገ ተዓዘብትን ተንቲነሞ እዮም፡፡ እቲ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣዚዩ

ብጉዳይ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝወርድ ዘሎ ጸገም ብዙሕ ተዘሪቡን ተጻሒፉን እዩ፡፡ ዋና ጠንቂ ናይዚ ጸገም’ዚ መንግስትን ህዝቢን ዝቕየደሉ ሕጊን ሓጋጊን ዘይምህላው ምዃኑ’ውን ብዙሓት ደቂ ሃገርን ናይ ደገ ተዓዘብትን ተንቲነሞ እዮም፡፡ እቲ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣዚዩ መዛረቢ ኮይኑ ዘሎ፡  ዝበዝሕ ህዝቢ ኤርትራ ጸገሙን ጠንቂ ጸገሙን ፈሊጡ እንከብቅዕ ኣድማዕን ዘተኣማምንን መፍትሒ ናይዚ ሰፍ ዘይብል ሽግር ዛጊት ዘይምርካቡ እዩ። ኣድማዒን ዘተኣማምንን መፍትሒ ክበሃል እንከሎ ካልኣዊ ፍልልያትካ ኣወንዚፍካ ብሓድነት መልክዕ ምስራሕን መሰረታዊ ለውጢ ምምጻእን’ዩ፡፡ መሰረታዊ ለውጢ ክበሃል እንከሎ’ውን ብሕጊን ቅሉዕ ስርዓተ-ምሕደራን ትኸይድ ሃገር ፈጢርካ ኩሎም ዜጋታት ብማዕረ ናብራኦም ዝመርሑሉ ኩነታት ምፍጣር እዩ።

ነቲ ዝድለ መሰረታዊ ለውጢ ንምምጻእ ሓድነት ናይ ደለይቲ ፍትሒ ወሳኒ ግደ ኣለዎ። ነዚ ብምርዳእ ድማ ኣብ ዝተፈላለየ ኩርናዓት ዓለም ብስም ፍትሕን ሓድነትን ዝተበገሳ ማሕበራት ኣይተሳእናን። ተበግሶ ናይዘን ማሕበራት’ዚአን ቅዱስ ይኹን’ምበር ዝበዝሓስ ብወለንትና ግዱሳት ውልቀሰባት ተሰሪተን ናብ ህዝቢ ዝወርዳ እየን፡፡ እዘን ብላዕሊ ጀሚረን ንታሕቲ (TOP DOWN) ናይ ምኻድ ዘስምዕ ኣቃውማ ዘለወን ማሕበራት ብዙሕ ከይከዳ ዝተፈላለየ ብዶሆታት ስለዘጋጥመን ናብቲ ዝድለ ዕላማ ጌና ከይተበገሳ ይጠፍኣ ወይ ጠጠው ይብላ። ብኣጋጣሚ ንቕድሚት እንተተበጊሰን እውን እቶም ዝመስረቱወን ሰባት ዋንነት ተሰሚዑዎም ኣብ ላዕሊ ኮፍ ስለ ዝብሉ ህዝባዊ ዕላማ ሒዘን ክቕጽላ ህዝባዊ ተኣማንነት ኣይህልወንን፡፡ እቲ ዝሓሸ እምበኣር ብዕግበት ህዝቢ ዝተበገሰ ማሕበር ወይ ትካል ክምስረት እዩ፡፡ እዚ ካብ ታሕቲ ናብ ላዕሊ (BOTTOM UP) ተባሂሉ ዝፍለጥ ኣቃውማ ህዝባዊ ማሕበራት፡ ብዕግበት ህዝቢ ንጥቕሚ ህዝቢ ስለ ዝብገስ ዋንነት ህዝቢ ይህልዎ። ዋንነት ህዝቢ ምስ ዝረጋገጽ ድማ ኣፍደገ ናይ ቅሉዕን ሓላፍነታዊ ኣሰራርሓን ይኸፍት፡፡

ብቅድሚ ከባቢ ሰለስተ ዓመት ኣቢሉ ኣብ ሎንዶን ዝተሰረተ ኮሚቲ ‘ሓድነት ኤርትራውያን ንፍትሒ’ ድሕሪ ሓያል ጻዕሪን ድኻምን ነቲ ብህዝቢ ዝተዋህቦ ስራሕ ኣሳላሲሉ ጸብጻቡ ከቕርብን ናይ መጻኢ እማመ ከስምዕን ብቀዳም ዕለት 25 መጋቢት 2017 መጠነኛ ዝኾነ ብዝሒ ህዝቢ ዝተኻፈሎ ኣኼባ ኣካይዱ፡፡ ኣብቲ ኣኼባ ከምቲ ብምድግጋም ዝተገልጸ፡ ዕላማ ናይቲ ተበግሶን ህጹጽ ኣገዳስነቱን ድሕሪ ምቕራብ፡ ኣገባብ ናይቲ ቀዳምነት ዝተዋህቦ ስራሕ ዑደት ከተማታት ዓዲንግሊዝን ውጽኢቱን ብዝርዝር ተሓቢሩ፡፡ መቐየዲታት (Terms of reference) ናይቲ ዝቐውም ኮሚቲ እውን ብርዱእ ኣገባብ ንህዝቢ ተነቢቡ፤ ህዝቢ ዝጎደለ ክምልእን ክሓትትን ክላቦን ዕድል ተዋሂቡ፤ ኣብ መጨረሻ ድማ ብዕግበት ናይቲ ዝነበረ ኣኼበኛ፡ ንህዝቢ ትውክል ኮሚቲ ድሕሪ ምቛም  ኣኼባ ተዛዚሙ፡፡

እዚ ኣስታት ሰለስተ ዓመት ዝወሰደ መስርሕ ኣቃውማ ንህዝቢ ዝውክል ኮሚቲ: ብሕጂ ክማላእ ዘለዎ ሃጓፋት ገዲፍካ ህዝቢ ክዓስሎ ዝግባእ ተበግሶ እዩ፡፡ ከምቲ እቶም ክሰርሑ ዝጸንሑ ኣባላት ኮሚቲ ዝበልዎ ብምጥርጣር ካብ ምጅማር ብምትእምማን ክጅመር ዝሓሸ እዩ፡፡ ‘ህዝቢ እንተዘይ ተሓዊሱዎን ኣብ ዝድለ ዕማም ስራሓት እንተዘይተዋሲኡን ዝግበር ነገር ክንጽበ የብልናን’ እውን ኢሎም እዮም። ስለዚ ህዝቢ እቲ ባዕሉ ዝቆጻጸሮ ካብ ታሕቲ ንላዕሊ ዝሕመረቱ ጉዕዞ ሓድነት ብቕንዕናን ብሓቦን ክሕወሶ መባእታዊ ባይታ ተዋዲድሉ እነሆ፡፡ ‘ዓሻ የልቦን በበይኑ ብልሓቱ’ ከም ዝበሃል ዝነዓቕ ዓቕሚ ሰብ የለን፡፡ እቲ ሕማቕ ወግሐ ጸብሐ ኣብ እንዳሻሂ ከቢብካ ምሕማይን ንኽሰርሑ ዝደልዩ ወገናት ምጉዳምን እዩ። ጸገም ህዝቢኻ ንምቅላል ብዓቕምኻ ውፉይ ምዃን ልቦና ጥራይ ዘይኮነ ንረብሓ ገዛእ ርእስኻን ዝተሸገረ ህዝቢኻን እዩ’ሞ ዓቕምና ከነበርክት ንበገስ።

ኣብዚ ኣኼባ’ዚ ዝተዓዘብናዮ እንተሎ፡ ኣብ ርእሲ እቲ ቅሉዕን ኣካፋልን ኣበጋግሳ ‘ሓድነት’ በላሕቲ ዝመስሉ መንእሰያት ተኻፈልቲ ኣኼባ ብምንባሮም ተስፋ ዝህብ እዩ፡፡ እዚ ከምኡ ኢሉ እንከሎ ግን ምኽንያቱ ዘይተፈልጠ ትሑት ተኻፋልነት ደቀንስትዮን ወከልቲ ውድባትን ማሕበረሰባትን ነይሩ እዩ፡፡ ንኹሉ ህዝቢ ዝጽውዕ ክፉት ዕድመን ጎስጓስን ከምተኻየደ ግን ኣብ ጉዕዞ ዝሓለፈ ዓመታት ዘስተውዓልናሉ ሓቂ እዩ፡፡ ካልእ ዘተባብዕ ተርእዮ እንተ ነይሩ ምቕሉል ኣቃራርባ ናይቶም ኣብ ስራሕ ተጸሚዶም ዘለዉ ሰባትን ዝተኸተልዎ ስርዓተ ኣኼባን እዩ።

ብሓፈሻ እምበኣር እቲ ተበግሶ ተስፋ ዝህብ ኮይኑ፡ ተሪፉ ዘሎ ጥንቁቕ ስትራተጂ ሓንጺጽካ ከከም ኣድላይነቱ ናይ ስራሕ ቅደም ተኸተል ሰሪዕካ ምምራሽ እዩ።

 

ዩሱፍ መሓመድብርሃን

ሎንዶን

27 March 2017

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
2 COMMENTS
  • k.tewolde March 28, 2017

    This puts sense in the word common sense,this is what we should have been doing all along my fellow prudent and sensible Eritreans,’knock and I will open the door for you’, the Lord will never keep you out as long as you approach him with honest and open heart.Keep faith and fight the good fight and see your efforts explode with colors of millions of blooming chrysanthemums in Spring across the land that you long for. We are in season.

  • ghebreamlak March 28, 2017

    Great Tigrigna piece! The Hadennet project is gathering pace, the Komitie has dug a gold in this writer and the likes of him. Decent Eritrean patriotism seem to resurrect these days. Hopefully all Eritreans will do some soul searching and join hands with trust and confidence. Together, yes we can! Thank you brother Yusuf

POST A COMMENT