Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ተስፋ ዝህብ ጅማረ ካልኣይ ክፋል

ተስፋ ዝህብ ጅማረ ካልኣይ ክፋል ብደብረ ስጡም ኣወዳድባ።    ደይ ጸገም ረኺቦም ‘ምበር ኣይ ደቅና እንድዮም፡ ንመን የሕሊፎም ከይህቡና ኣንዳበልና ንነፍስና ምዕሻው ከብቕዕ ኣለዎ። ብሰንኪ እዚ ዕሽነት ኣብ ሊዕሊ ኤርትራዊያን ዝወርድ ዘሎ ኣደራዕ፤ ግፍዕን ምጽማምን ከብቕዕ ኣለዎ። ዝተኣለመልና

ተስፋ ዝህብ ጅማረ ካልኣይ ክፋል

ብደብረ

ስጡም ኣወዳድባ።   

ደይ ጸገም ረኺቦም ‘ምበር ኣይ ደቅና እንድዮም፡ ንመን የሕሊፎም ከይህቡና ኣንዳበልና ንነፍስና ምዕሻው ከብቕዕ ኣለዎ። ብሰንኪ እዚ ዕሽነት ኣብ ሊዕሊ ኤርትራዊያን ዝወርድ ዘሎ ኣደራዕ፤ ግፍዕን ምጽማምን ከብቕዕ ኣለዎ። ዝተኣለመልና ዘይተደልየ ህድሕዳዊ ምንቛትን ምትፍናንን ገዲፍና፡ ፍልልያትና ኣወጊድና ኤርትራዊ ከም ሓደ ሰብ ንውደበሉ ንጽባሕ ዝበሃል ጉዳይ ኣይኮነን። ኣብዚ መዳይ እዚ ክንዕወት እንተኮይንና ነዚ ዝመርሑን ዝኣልዩን ዓለምለኻዊ ተመኩሮ ዘለዎም ምሁራት፡ ካብ ጸቢብ ኣተሓሳስባ ናይ ሃይማኖት፤ ዓሌት፤ ኣውራጃ፤ ወዘተ ነጻ ዝኾኑ፡ ምሁራት ኤርትራዊያን ሓላፍነት ክሽከሙ ግድን ይብል።

እቲ ኣወዳድባ ንስደትን እንግልትን ዘላቂ መፍትሒ ዘምጽእ ኮይኑ ክትለም ኣለዎ። ኩሉ ዜጋ ናብ ስደት እንተ ደኣ ሃዲሙ ተሰዲዱ ነቲ ጸገም ዝፈትሕ ኣካል ኣብ ውሽጢ ዓዲ ኣይክህሉን ‘ዩ። ስድት ጠጠው ዝብል እቲ ምንጪ ናይ ‘ቲ ሕሰም ክኣልይ ዝኽእል ኣወዳድባ ምስትትለም ‘ዩ። ስደት ጠጠው ክብል ክልተ ተኽእሎታት ኣለዋና። እቲ ሓደ ፍታሕ እቲ መንግስቲ ፖሊሲኡ እንተቀየረ ዝብል ‘ዩ።ንመንእሰያት ብሽም ሓገራዊ ኣገልግሎት ዕድመ ንእስነቶም ኣብ ፈቀዶ በረኻ ከሕልፉ ዝፈረደ ሕቡእ ፖሊሲ፡ ጉልበት ዜጋታት ብነጻ ዝመዝመዘ፡ መጻኢ መነባብሮ ተስፋ ዘጸልመተ፡ ንራዕድን ፍርህን ዝዳረገ ፖሊሲ ክቅየር ኣለዎ።  እቲ ኣወዳድብ እቲ ኣብ ሊዕሊ ኤርትራውያን ወሪዱ ዘሎ ምግፋዕ፤ ምንጻል፤ ምጉናይ፤ ምምዝማዝ፤ ምድሃል፤ ምሽቁራርን መሰረታዊ መሰል ምንፋግን ዝኣልይ ክኸውን ኣለዎ። እዚ ፖሊሲ እዚ ብሕጋዊን ሰላማዊን መንገዲ ንምቕያሩ ዘሎ ዕድል ኣዝዩ ጸቢብ ‘ዩ። እቲ ካልኣይ ኣማራጺ ነቲ መንግስቲ ካብ ሱሩ ምምሓው ‘ዩ። ኣወዳድባና ኣብ ምዕናው ወተሃደራዊ ስለያዊ መሓውራት እቲ መንግስቲን ምድኻም ቁጠባዊ ሰረታቱን ከተኩር ይግባእ። ብቁጠባዊን ምምሕደራዊ መዳይ ስሒቱ ሰባት ከም ኣቕሓ ብዘይ ፍርዲ ብኣጽናሓለይ ምእሳር ዘፍቅድ ሓለሌ ይግባይ ዘይበሃሎ ስርዓት ዝኣልይ ክኸውን ይግባእ።

እቲ ዝድለ ዘሎ ኣወዳድባ ጸጋ ሃገር ብማዕረ ምጥቃም ዘረጋግጽ፡ ውህደት ዘለዎ ሕብረተሰብ፡ ንኹሉ ክፋል ህዝቢ ብዓሌት፤ ቋንቋ፤ ሓይማኖት፤ ኣውራጃ፤ ጾታን ወዘተ ከይፈላለየ ብማዕረ እትሓቁፍ ፍትሓዊትን ዲሞክራሲያዊት ኤርትራ ምፍጣር ዘኽእለና ኣወዳድባ ‘ዩ ዘድልየና ዘሎ። ኤርትራዊ ኣብ ገዛእ ሃገሩ ተጓንዩ፡ ይትረፍ ተጠቃሚ ጸጋታቱ ክኸውን መባእታዊ መሰላቱ ‘ውን ተሓሪሙ። ዘድልየና ዘሎ ኣወዳድባ ንኹሉ እንተታት ዝዓጹ ስጡም ኣወዳድባ ‘ዩ። ወዳቢ ተደናጉዩ ‘ምበር ህዝቢ ብሓፈሻ ክነቅሕ ምጅማሩ ተስፋ ዘስንቕ ጅማረ ‘ዩ።

ዘሎ ኣወዳድባ ተቃወምቲ ውድባት፤

እስከ ዝግ ንበል’ሞ ንድሕሪት ተመሊስና ብዛዕባ እዘን ተቃወምቲ ውድባት ነስተንትን። ኤርትራ ልዕሊ ዓቕማ ዝኾና ልዕሊ 30 ተቃወምቲ ውድባት ኣብ ኣመሪካን ኤውርፓን ኢትዮጵያን ከምዘለዋ ይንገር። እዘን ኣለዋ ዝበሃላ ተቃወምቲ ውድባት ብዘለወን ሓባራዊ ኣጀንዳን ዕላማን ከምኡን ኣመለኻኽታን እንተበዝሐ ናብ ትሕቲ ሓሙሽተ ወድባት ክጥርነፋ እንተዝኽእላ ሓያላት ኮይነን ምወጻ። ቅድሚ ሕጂ ኪዳን ዝበሃል ሓያል ውዱብ ብ15 ተቃወምቲ ውድባት ኣብ ዋዕላ ኣዋሳ ኢትዮጵያ ከምዝቆመ ሰሚዕና ነርና። ሕጂ እቲ ኪዳን ዝበሃል የሎን። ሓቂ ይኹን ሓሶት ብሰለስተ ውድባት ተሓጺሩ ደስኪሉ ኣሎ ዝብል ወሬም ሰሚዕና። እቲ ምኽንያት ብጥቅሉ ክረአ ከሎ ኣብቲ ዘቀራርበን ናይ ሓባር ረቋሒ ዘይኮነስ ኣብቲ ዝፈላልየን ረቋሒ ‘የን ተሰማሚዐን ነይረን ክበሃል ይከኣል። ሃገራዊ ባይቶ ዝበሃል ሓያል ውድብ ከምዘሎ ሰሚዕናን ኣንቢብናን። ውድባዊ ኣኼባ ክገብር እዩ እንዳተባህለ ከይተደሃየ ከሲሙ። እተን ካልኦት ውድባትም ብሽም ጥራይ ተጠሚቀን ተሓጺረን ዝተረፋ ይመስላ። ብሃይማኖት፡ ብብሄር፡ ኣውራጃ ኣማእኺለን ዝተወደባ እንተህሊየን ከኣ ካብቲ ክውን ሓቂ ሪሒቀን ስለዘለዋ ሓድነት ክፈጥራ ኣይክእላን ‘የን። ፓል ቶክ፡ ምቅስቃስ ዓርቢ ዝበሃሉ ከምዘለዉ ‘ውን ንሰምዕ። ኣወዳድብአን ግን ስሚዒታዊ ይመስል።

ተቃለስቲ ውድባት ዕላማኤን ንከሰላስላ ክልተ ነገር ፈልየን ክነጽራ ይግባእ። መቃለሲ ባይታን ዝቃለሳሉ መንገድን። ውድባት ዝቃለሳሉ መንገዲ ከነጽራ ይግባእ። እቲ ምርጫ ሰላማዊ መገዲ ወይ ጎነጻዊ መንገዲ ምዃኑ ከብርሃ ኣለወን። ሰላማዊ ቃልሲ ዝሕሰብ ኣይኮነን። ህግደፍ ካልኦት ውድባት ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ንኽውደባ ኣየፍቅድን ‘ዩ። ብማዕዶ ተወዲብካ ከኣ ሰላማዊ ቃልሲ ምግባር ዝከኣል ኣይኮነን። ስለዚ እቲ ኣንኮ ምርጫ ጎነጻዊ ቃልሲ ኢዩ ክኸውን ዘለዎ።

መቃለሲ ባይታ ተቃወምቲ ውድባት ኤርትራ ኣበይ ‘ዩ ክኸውን ዘለዎ፧ ኣብ ኣመሪካ፧ ኣብ ኣውሮፓ፧ ኣብ ኣፍሪቃ ወይስ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ፧ ከቢድ ሕቶ ግን ከኣ ክምለስ ዘለዎ ‘ዩ። ብርእይቶይ እቲ ናይ ብሓቂ ናይ ቃልሲ ቦታ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ‘ዩ ክኸውን ዘለዎ። ምስቲ ዘሎ ህልው ኩነታት ግን እዚ ክኸውን ኣይክእልን ‘ዩ። ኣብ ኤውሮፓን ኣሜርካን ከኣ ኣዝዩ ተፈንቲቱ። ተፈላሊኻን ኣማዕዲኻን ጎነጻዊ ቃልሲ፡ ለውጢ ከምጽእ ዘይሕሰብዩ። እቲ ጻዕሪ ማይ ካብ ደመና ዘይብሉ ሰማይ ከም ምጽባይዩ። እዚ ካብ ኮነ እቲ ጉዳይ ንህግደፍ ካብ ስልጣኑ ንምእላይ እቲ እንኮ ኣማራጺ መቃለሲ ባይታ ተቃወምቲ ውድባት ኣብ ጎረባብቲ ሃገራት ኢትዮጵያን ሱዳንን ክኸውን ዘለዎ። መራሕቲ መንግስቲ ሱዳን ምስ መራሕቲ ህግደፍ ብዘልዎም ጥቡቅ ውልቀምልኻዊ ባህርያዊ ርክብ ሱዳን ንተቃወምቲ ውድባት ምችእቲ ኣይኮነትን። እታ ሓንቲ ኣማራጺት ኢትዮጵያ ኢያ ክትከውን ትኽእል። ብዙሓት ኤርትራዊያን ግን ነዚ ጉዳይ እዚ ኣየስተብህሉሉን ኣለዉ። ሽም ኢትዮጵያ ምጽዋዕ ምእንቲ ርእሱ ከም ገብንን ክሕደትን ሃገር ጌሮም ዝወስድዎ ኣይሰኣኑን። እቲ ጉዳይ ብዓይኒ ጽልኢ ዘይኮነስ ብዓይኒ ጥቕሚ ሃገር እዩ ክውሰድ ዘለዎ። ጥቅሚ ሃገር ንምቅዳም

ተራ ኢትዮጵያ ኣብ ቃልሲ ተቃወምቲ ውድባት ኤርትራ

ዉሑስን ዘላቂን ሰላም ካብ ውሽጣዊ ሰላም ‘ዩ ዝጅመር፡እዚ ተርእዮ እዚ ግን ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣይተዓደልዎን። ኣብ ህዝቢ ኤርትራ ወሪዱ ንዘሎ ሓሰረ መከራ፡ ስደትን እንግልትን መንግስቲ ኢትዮጵያ መዓረ መንግስቲ ህግደፍ ተሓታቲ ‘ዩ። ዓሰርተታት ኣሽሓት ከይሃልቁን ከይስደዱን ክከላኸል ይኽእል ነይሩ ‘ዩ። እቲ ሕንቅልሕንቅሊተይ ኮይንና ዘሎ እቲ ብልዝብን፡ ኣብ ቤት ፍርዲ ከድካ ክውዳእ ዝኽእል ጉዳይ ስለምንታት ናብ ውግእ ከምዘምረሐ ‘ዩ።

ሓገዝ መንግስቲ ኢትዮጵያ ናይ ምምሳል ተራ ዝጻወት ‘ዩ ዝመስል።  ብተደጋጋሚ ኣብ ኢትዮጵያ ምትእኽኻብ ግንባራት ክገብር እንተፈተነ ኣይሰለጦን። ብኣንጻሩ ነቲ ምትእኽኻብ ዝፈጠሮ ኪዳን ኣልሙሲዎ እንተበልና ካብ ሓቂ ዝረሓቀ ኣይኮነን። ስርሖም ከም ዕንኪላሎ ‘ዩ። ኪዳን ይፈጥሩ መሊሶም የፍርሱ። ኢትዮጵያ ኣብ ኤርትራ ከተኣታትውዎ ዝደልዩ ዘለዉ ፕሊሲ ከምቲ ኣብ ሃገሮም ዝትግብርዎ ዘለዉ ፖሊሲ ብብሄራት ዝተዓብለለ ምውድዳብ ‘ዩ ዝመስል። ንብሄረ ኩናማ ሕዳርብ ዓፋር ምሕጋዞም ከማን ነዚ ሓቂ ‘ዩ ዘንጸባርቕ። ድሕሪ እቲ ደማዊ ውግእ ኣይ ውግእ ኣይ ኩናት ሃዋሁ ምቅጻሉ ዓቢ ጭብጢ ‘ዩ።እዚ ይመስለኒ እቲ ጌጋ። ምኽንያት እዚ ኣወዳድባ ምስ ህልው ኩነታትን ድልየት ኤርትራውያን ዝኸይድ ኣይኮነን።

ሰበ ስልጣን ኢትዮጵያ ጉዳይ ሕንፍሽፍሽ ኤርትራ ከብቅዕ ዝደልዩ ኣይመስሉን። ሰላም ንምስፋን ድልየት እንተዝህልዎም ነቲ ተቀቢልናዮ ዝበልዎ ቤት ፍርዲ ሄግ ዝሃቦ ብይን ኣብ ባይታ መተግበርዎ ነይሮም። እቲ ናይ ዶብ ኮምሽን ዝተወሃበ ውሳነ ብሸነኽ ኢትዮጵያ እንተ ዘይፈተዉዎም ተቀቢልናዮ ካብ በሉ ኣብ ባይታ ከተግብርዎ ‘ዩ ነይርዎም። እቲ ዝሃብዎ ምኽንያትም እኹል ኣይኮነን። ዘይፈተወሉ ምኽንያት ገለ ቁሸታትት ኤርትራ ቀንጢቡ ናብ ኢትዮጵያ ከምኡ ‘ውን ገለ ናይ ኢትዮጵያ ቁሸታት ከኣ ናብ ኤርትራ ዝኣተዋ ስለዘለዋ ‘ዩ። ህዝብታት ኣብዘን ቁሸታት ዘለዉ ህዝብታት ናብ ካልእ ቦታ ክጣየሱ ምግባር ይከኣል ነይሩ ‘ዩ። መንግስቲ ህግደፍ ከኣ ፖሊሲታቱ ንኸተግብር መመኽነይታ ኣይምረኸበን ነይሩ።

ብተወሳኺ ኣብ ኤርትራ ክትግበር ዝደልይዎ ፖሊሲ ብወግዒ ኣይዛረብሉን እዮም። ንሶም መስርሕ ቃልሲ ተቃውሞ ክሳብ ኣብ ሓደ ነጥበ መቀይሮ ዝበጽሕ ዝጽበዩ ዘለዉ ይመስሉ። ኣብ ምድኻም ሓይልታት ተቓውሞና ኤርትራ እቲ ዝዓበየ እጃም ዝተጻወተ መንግስቲ ኢትዮጵያ ‘ዩ። ካብ ክውንነት ድልየትን ፖለቲካ ኤርትራ ወጻኢ ብብሄር ይኹን ቀቢላ ውድባት እንዳጨፋለቕካ ውድባት ብምፍጣር ከምዝቆማ ስለዝገበሩ፡ ሓድነተን ኣደልዲለን ንኸቃለሳ ዓንቂፎመን እዮም። ድልየት እንተነይርዎም ብድልየትን ክውንነትን ፖለቲካ ህዝቢ ኤርትራ ተቃወምቲ ኣብ ምውህሃድን ምጥርናፍን ዓቢ ተራ ክጻወቱ ይኽእሉ ነይሮም እዮም። ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ዝርከባ ተቃወምቲ ውድባት ኤርትራ ካብ ኣተሓሳስባ ብሄርን (ቀቢላ) ኣውራጃዊ ወጻኢ ሓድነት ኣብ ምፍጣርን ምሕያልን ከምኡ ‘ውን ነዚአን ውድባት ምስ ኣብ ሩሑቅ ሃገራት ኮይነን ዝቃለሳ ዘለዋ ውድባት ኣብ ምውህሃድ ሓላፍነት ክሽከሙ ግቡእ ‘ዩ ነይሩ።

ሕጂውን እንተኾነ ክንብል በለ ‘ምበር ኣይተካዕወን ከምዝበሃል መንግስቲ ኢትዮጵያ ሓላፍነቱ ክሽከም ኣለዎ።  ሓላፍነቱ ክሽከም ዘለዎ ንጥቕሚ ኤርትራዊያን ኢሉ ጥራይ ዘይኮነ ንደሕንነት ናቱ ክብልም ‘ዩ። ካብ ታሪኽ ከምንመሃሮ ጎረቤትካ እዩ ዘመድካ። ንስኻ እንዳበላዕኻ ሱቕ ኢልካ ጾሙ ክሓድር ኣይትርእዮን ኢኻ። ጎረቤትካ ዓማጺ ተበላጺ እንተኾይኑ ግን ሰላም ዝበሃል የለን። ኣብ እሾኽ ዝተጸገዐ ቁልቋል መዋእሉ ክነብዕ ይነብር ከምዝበሃል ኣብ ኤርትራ ሁከት እንዳሃለወ ኢትዮጵያ ቀሲና ክትሓድር ማለት ዘይሕሰብ ‘ዩ።  ጎሪርቤትካ ሓዊ እንዳነደደ ከመይ ጌርካ ደቂስካ ክትሓድር ትኽእል፧ ሕጂ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዘሎ ዘይርጉእ ኩነታት ንኢትዮጵያውያን ዝተሰቆሮም ይመስል። እቲ ጽቡቕ ነገር ኢትዮጵያውያን ኣብ ተቃወምቲ ውድባት ኤርትራ ዘለዎም ፖሊሲ ንኽቕይሩ ዝግደድሉ እዋን ምዃኑ ‘ዩ።

ሽርክነት መንግስቲ ህግደፍን ተቃወምቲ ውድባት መንግስቲ ኢትዮጵያን

ህግደፍ ንሕግን ህዝብን ኣፍልጦ ከይሃበ፡ ሕግን ስርዓትን ከይተኸለ፡ ንሊዕሊ ርብዒ ዘመን ብፋሉላዊ ባህሪ ናይ ሽፍታ ባህሪ ዝመርሕ ዘሎ ጃንዳ ‘ዩ። እቲ ፋሉል ባህሪ ብባህሪኡ ናይ ዓብላልነት ባህሪ ስለዘለዎ ናይ ካልኦት ሓሳብ ይኹን ርእይቶ ክቅበል ኣይክእልን ‘ዩ። ክእለት ናይ ‘ቲ ዓብላሊ ባህሪ ከኣ ጌጋ ኣብ ሊዕሊ ጌጋ ምውሳኽ ‘ዩ። እዚ ባህሪ ዝተላበሰ ሰብ ዕርቂ ዝብል ኣምር ከምሽንፈት ስለዝቆጽሮ ልዝብ ምስ ‘ዚ ባህሪ ዝኸይድ ኣይኮነን።

መራሕቲ ህግደፍ “ተወሪርና መሬትና ተጎቢጡ ‘ዩ ዘሎ” ብዝብል ምኽኒት ተቃወምቲ ኢትዮጵያ ኣብ ምስሳይን፡ ፖሊሲ ሕንፍሽፍሽ ንኸመሓድሩ ‘ዮም መሪጾም። ዜጋታት ሰሪሖም ናይ ዕለት ድራር ማእሪሮም ከይኣትዉ ዝኽልክል ዘይልሙድ ኣሰራርሓ ተኣታትዩ። ዘየሎ ስግኣታት እንዳፈጠርካ ዜጋታት ክንከላበቱ ተፈሪዱ። ሕጽረታት ከምዝህሉ ጌርካ ህዝቢ ናብ ተጸባይነት ተቀይሩ። ከም ውጺኢት ከኣ ስእነት ስራሕ ሰማይ ዓሪጉ። ዜጋታት ንስደትን እንግልትን ተቃሊዖም።

ኣብ ኤርትራ ብርክት ዝበላ ተቃወምቲ ውድባት ኢትዮጵያ ኣለዋ። ገሊአን ካብ ኢትዮጵያ ክፍለያ ዝደልያ ክኾና ከለዋ ገሊአን ከኣ ወያነ ካብ ኢትዮጵያ ክሕከኽ ኣለዎ ዝብል ናይ ሓባር ዕላማ ዘለወን ዲሞክራሲ ኣብ ኢትዮጵያ ክተኽላ ዝደልያ ’የን። እዘን ራኢየን ዲሞክራሲ ምትካል ዝብላ ስለምንታይ ‘የን ምስ መላኺ ሓቢረን ክሰርሓ መሪጸን፧ ንዝብል ሕቶ እቲ መልሲ ምናልባሽ “ናይ ጸላኢየይ ጸላኢስ ፈታዊየይ” ዝብል ድሑር ኣመለኻኽታ ‘ዩ። “ደይ ስንኻስ ሑጻ ቆርጥመሉ” ኢዩ ነገሩ። ንህዝቢ ኤርትራ ግዳይ ጌርካ መጻኢኡ ኣጸልሚትካ ዕላማኻ ከተሳልጥ ምፍታን ጭካነ ዝመልኦ ምስሉይነት ‘ዩ።  መራሒ ኣርበኞች ግንቦት 7፡ መራሕቲ መንግስቲ ኤርትራ በየናይ ስርዓት ይእመኑ ኣይእመኑ ብዝየገድስ ህዝብን መንግስቲ ኤርትራን ከይተሓለሉ ከምዝሕግዝዎም ደጋጊሙ ‘ዩ ዝገልጽ። ብዝኾነ እቲ ሓገዝ ብህዝቢ ኤርትራ ምምኽናይ ቅኑዕ ኣይኮነን። ሓሳቡ ንምግላጽ ዘይክእል ህዝቢ ኤርትራ መሬት ኤርትራ ንተቃወምቲ ውድባት ኢትዮጵያ ኣየፍቀደን። ኤርትራ ሓደ ንርእሱምበር ንህዝባ ዝውክል ባይቶ የብላን። ነገሩ ዘመነ ግርንቢጥ ማይ ንዓቀብ ‘ዩ። እቲ ጸወታ ከም ኣብ ጸምጸም በረኻ ዘሎ ወርወርታ ቀላይ (ሚራዥ) ’ዩ። እቲ መላኺም እንተኾነ ክሳብ ዝሰልጦ ‘ዩ ሕንክስ ዝብል ‘ምበር  ዝወጻሉ ጠላም ‘ዩ። ብዝኾነ ሽርክነት ተቃወምቲ ኢትዮጵያን መንግስቲ ህግደፍን ንህዝቢ ኤርትራን መንእሰያት ኢትዮጵያን ግዳይ ጌረንኦ ኣለዋ። ሃብቲ ኤርትራ ይዝረፍ መንእሰያት ኢትዮጲያ ከኣ ተተገፊፎም ንኽዕለሙ ንበረኻ ኤርትራ ይዳጎኑ ኣለዉ።

ሳልሳይ ክፋል ይቅጽል

aseye.asena@gmail.com

Review overview
4 COMMENTS
  • k.tewolde March 1, 2016

    Plenty of common sense,ample of teaching points, and possible solutions.Keep writing,may be someday soon ,we might be able to turn that mirage you mentioned into a real oasis we can all drink from.Thanks a million!

  • Nhaqi March 1, 2016

    Ehmm ketsilo tsiray eti nska tamno mesrh seb abtsimdi hlk metaw eyu netom nska tzlfom fetewti kemzelewon netom nska tamnelom nekefti kemzelewwom zengieka aleka ezi zereba degimka hsebelo kulu eritrawi agenduu akribu bzhidegeftu tegengimu wsane zhb hagerawi mtsiray kgberelu tezey kielu nska nzfeteksyi ane nzfetekwo kndgf abzeytedeleye retsimi metaw gdef aseba mesarhi hgdf dea keytkewn

  • Berhane March 7, 2016

    I think the government of Ethiopia cannot and should not engineered the movement of Eritreans. Eritreans have the right to organize and struggle against the regim according to their understing of the situation and that is what democracy by its very nature mean.What is the problem if Kunama and Afar and for that matter others organize themselves just to fulfill their historical mission. Could this be a hinderance to the overall movement against the regim? Could this mean all these opposition groups could not unify their movement at the end? Should any group waite till an Eritrean movement is created? Are you expecting the system in Eritrea be a system planted from some other external forces, like Ethiopia. Of course, if some a unifiying agenda is desgined, even if the regim comes to an end,don´t you think that Eritrea will be another Somalia? So the option will be what having another Somalia or having a regim like the one? The question is why Elitists in the country are becoming selfcentred? I think the problem is individualism; everybody wants another king in the country, no body wants and is not determined to liberate his people but to be another king in the country. As to me the opposition groups are not well aware and committed to exploite the situation in Ethiopia and arm and made fit to the situation of the regim? The issue of demarcation is an excuse to their to the impotent organisation and it is also to remain on the trap of thinking like the regim.Anyway, on this I want to write and suggest different strategies for the way out. What the opposition groups lack is committment.

    • Debre March 9, 2016

      Dear Berhane
      I agree on we Eritrean have a right to Engineer our own struggle movement against the regime. We should not expect it from others. It is our homework awaiting us to implement. However, we need also help. Here my concern is the place where we can struggle. My concern is the logistics. please read the third and fourth part. you may understand the ideas that I want to tell to the audience.
      I am waiting to read your different opinions.

POST A COMMENT