Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ተቓውሞታት፡ ግብረ መልሲ ነቲ ንስደተኛታት ኣብ ሐደጋ ዘውድቅ ናይ ኤሮጳዊ ሕብረት ፖሊሲ

ተቓውሞታት፡  ግብረ መልሲ ነቲ ንስደተኛታት ኣብ ሐደጋ ዘውድቅ ናይ ኤሮጳዊ ሕብረት ፖሊሲ ብኤሪትራ ፎካስ  3 ጥቅምቲ 2013 እቲ ኣብ ዓለምና ዝነበረ ኣስካሕካሒ ተሪእዮ ምጥሓል ናይቶም ሕጻናት ዝርከብዎም 369 ኤሪትራውያን  ኣብ ባሕሪ መዲተራንያን እዩ።   እዚ  ክውገድ

ተቓውሞታት፡  ግብረ መልሲ ነቲ ንስደተኛታት ኣብ ሐደጋ ዘውድቅ ናይ ኤሮጳዊ ሕብረት ፖሊሲ

ብኤሪትራ ፎካስ 

3 ጥቅምቲ 2013 እቲ ኣብ ዓለምና ዝነበረ ኣስካሕካሒ ተሪእዮ ምጥሓል ናይቶም ሕጻናት ዝርከብዎም 369 ኤሪትራውያን  ኣብ ባሕሪ መዲተራንያን እዩ።   እዚ  ክውገድ ዝነበሮ ጥፍኣት ንጹሃት ሰባት  ንኣህጉራዊ ማሕበረ ሰብ ኣሰንቢዱዎን የሕዚንዎን እዩ።   ገለ ገለ ሰባት ኣብቲ ናይ  ኣዝማዶም  ናይ ሬሳ ሰናዱቅ ተደፊኦም ክበኽዩ ክትርኢ ከላኻ   ኣእሙሮኻ ይርበሽ፥ ቅሳነት ትስእን።  መንፈሳዊ መሪሕ ጳጳስ ቫቲካን ሐዘኖም ገሊጹም ፥ ጸሎቶም ሰማይ የዕሪጎም ንኹለን ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ ከምዚ ከይድገም ናይ ሂወት ኣድሕን ስረሖም ከዕብዩ ተማሕጺኖም። ብሰበቡ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤሪትራ ዘውርዶ ዘሎ  ጭቖና  ክቓልዕ ተኻኢሉ።  ብሰንክዚ   ኩነታት ኤሪትራ  ኣብ ኣህጉራዊ መራኸቢ ብዝሐንን ማእከላይ ቦታ ሒዙ ይርከብ።

ሲዒቡ  ሕቡራት መንግስታት ኣብ 2014 ኣብ ኤሪትራ  ምግሃስ መሰል ኤሪትራውያን እትምርምር  ሽማግለ ኣቔማ። ኣብ ውሽጢ ዓመት እታ መርማሪት ኮሚሽን ኩሉ ዓይነት ግፍዕታት ሰኒዳ። ብዘይ ፍርዲ ኣብ ኮንተይነራት ምእሳር፣ ምቕጥቓት- ሰብ ኣሲርካ ኣበይ ኣትዩ ከይተባህለ – ከም ዝስወር ምግባር፥ ስግረዶብ ክሃድም ዝተረኽቦ ተኺሲ ከፊትካ ምቕታል። እቲ ዝኸፋኤ ንመንእሰያት ንዘይተወሰነ ዓመታት ኣብ ሀገራዊ ኣገልግሎት ምቕራን እዩ። እዚ መጻኢ ዕድል መንእስያት ዘዕነወን ስድራቤታት ኣብ  ኩቱር ድኽነት ዘእተወን  ቀንዲ ምኽናያት ስደት ኮይኑ ይርከብ። እዚ ጸብጻባት እተን ዝተፈላለያ መሰል ወዲ ሰብ ዝጣበቃ  ሃገራውያንን ኣህጉራውያን ማሕበራት ንዓመታት ዘእውያሉ ዝነበረ ግፍዕታት እዩ።   ሎሚ  መጸውዒ ኤርትራ- ናይ ኣፍሪቃ ሰሜን ኮረያ ኮይኑ፥ህግደፍ ዘይሕከኽ ጸሊም ታርኽ  ኣመዝጊቡ ይርከብ።    እቶም ንህግደፍ ዝድግፉ  ኤሪትራውያን ናይዚ ናይ ግፍዒ ታሪኽ ተኻፈልቲ ምዃኖም ይበርሃሎም ዶ ይኸውን?  ጭቖና ኩሉ ጊዜ መወዳእታ ኣለዎ፡ ፍትሒ ምስ ተረኽበ እቶም ደገፍቲ ሕፍረት ለቢሶም ርእሶም ኣድኒኖም ክነብሩ እዮም ።

ሃገር ገዲፎም ዝስደዱ ዘለው ኤርትራውያን ዓቢ ቑጽሪ ናይቶም ኣብ ዓዲ ጣልያን ዝኣትዉን ኣብ ባሕሪ ዝጥሕሉን  ስለዝኾነ ሕብረት ኤሮጳ እዚ መወዳእታ ክግበረሉ ክደህስሱ ምስ ስርዓት ህግደፍ ክመያየጡ ጀሚሮም። ብታሕሳስ 12, 2014 መንግስቲ እንግሊዝ  ብወገና ብጀምስ ሻርፕ ፣ ዳይረክተር ናይ ወጻኢ ጉዳይን (ፎረይን ኦፊስ) ኢሚግረሽንን፡  ሮብ ጆንስ ሐላፊ ናይ ውሽጣዊ ጉዳይ (ሆም ኦፊስ)፣ ናይ  ዑቕባ ሐተትቲን ስድራቤታትን ዝቖመ  ደሊገሽን ኣብ ኣስመራ  ዘተ ኣካይዱ። መንግስቲ ኤሪትራ እቲ ቀንዲ ምኽንያት ስደት ኮይኑ ዘሎ  ዶብ ዘይብሉ ሃገራዊ  ኣገልግሎት ናብ ቀደሙ ናብ 18 ወርሒ ክመልሶ መብጸዓ ኣትዩሎም።እዚ ናይ ምምይያጥ ማዕጾ ከፋቲ ኮይኑ  ንመንግስቲ እንግሊዝ ኣብቲ ካልእ መግሃስ ወደ ሰብ ዝመልከት ጸቅጥታት  ክገብሩ ዓቢ ትጽቢት የሕዲርሎም።

ሕብረት ኤሮጳ ወሲድዎ ዘሎ ሐድሽ ፖሊሲ ሂወት ናይ ዑቅባ ሐተትቲ ኣብ ሐደጋ ዘውድቕ እዩ

ነቲ  ሕብረት ኤሮጳ ተስፋ ገይሮሙሉ ዝነበሩ ሃገራዊ ኣግልግሎት ኣብ ንቡር ናብ 18 ወርሒ ክኽወን  መንግስቲ ኤርትራ ፈጺሙ ከምዘይገብሮ ቀስ ኢሉ በሪህሎም። ዘይተወሰነ ሃገራዊ ኣግልግሎት ናብ ንቡር ምምላስ ንመንእሰያት ካብ ቑጽጽር ነጻ ስለዝገበር ስቃይ ህዝቦም ክዝትዩ ክጅምሩ እዮም። ንስርዓት ኣስመራ  እዚ ነብሰ ቅትለት ስለዝኾነ ኣይክገብሮን ከኣ እዩ።

 

እቲ ዘስደመመን ዘሰንበድን   ግን ሕብረት ኤሮጳ ኣብ ክንዲ ዓገብ ዝብሉ በንጻሩ ሂወት ስደተኛታት ኣብ ዝገደደ ሐደጋ ዘእቱ ወሳኔታት ምውሳዶም እዩ።  ንሱ ከኣ ኣብ ውሽጢ ሀገር ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዝወርድ ዘሎ ግህሰት መሰል ህዝቢ ኤሪትራ  ሸለል ኢልካ    ምስተን  ጠንቂ ስደት ዝኾና ሃገራት ፡ሱዳንን ኤሪትራን ዝርከበኤን፥ ተሐባቢርካ ነቲ ዋሕዚ ስደት ብሐይሊ ጠጠው ምባል እዩ።  እዚ  ኣብ ሱዳን  ኣብ ትሕቲ ፣ካርቱም ፕሮሰስ ፥(Khartoum Process) ዝብሃል ሐደ ስምምዕ ተበጺሑ። ናይ ሱዳን መራሒ በሽር  ነቲ ብገበን ኣንጻር ወዲ ኣዳም ዘለዎ ክሲ ተላዒሉሉ። ምስ  ምዕራባውያን ድሮ ጽቡቅ ዝምድና ፈጢሩ ።እዚ ስምምዕ እዚ መታን እተን ጭቖንቲ ሃገራት ነቲ መሳጋገሪ ዶባት ጽኑዕ ሐለዋ ክገብራሉ ተባሂሉ ዝተገብረ እዩ። ብተወሳኺ ነቶም ናይ ዶብ ወተሃደራት ስልጠናን መሳለጥያታት ክወሃቦም ከምኡ እውን ናይ ገንዘብ ሐገዝ ተሰሊዕሎም።   እዚ ነቲ ዶብ ክሰገር ከሎ ተኪስካ ቅተል ዝብል ናይ ህግደፍ ኣረመናዊ ፖሊሲ ዝያዳ የሕይሎ።  መንግስቲ ሱዳን ኤሪትራውያን እናገፈፈ ኣሲሩ ንህግደፍ ከረክቦ ጀሚሩ ።   ካባኡ ዝኸፍኤ እቶም ህዝቢ ደቡብ ሱዳን ዘሰክሑ ጀንጀዊን ዝብሃሉ ገበንኛታት ሚሊሽያ ኣዋፊሩ ኢሪትራውን ካብ ሱዳን ንሊብያ ክኸዱ ከለዎ ከቲሮም ንሱዳን ይመልስዎም –  ሱዳን ክኣ ናብ ኤረትራ ተረክቦም።

 

እዚ መሰል ስደተኛታት ኣብ ሐደጋ ኣውዲቁ ዘሎ ሰይጣናዊ ግብሪ ነቲ ጉልበት ኤሪትራውያ ኣብ ባርነት ዝልውጥ ዘሎ መንግስቲ ሂወቱ ዘናውሕ እዩ። መንእሰያት ኤርትራ ግን  መሰሎም ክሳዕ  ዘይተሐለወ ዘጋጠሞም ሐደጋ ብዘየግድስ ስደቶም ኣይከቓርጹን እዮም። እታ ሐንቲ ክገብሩዋ ዝኽእሉ  ስደተኛታት ኣብ ኤሮጳ ከይኣትዉ መታን ኣብ ዝተፈላለየ ሀገራት ከም በዓል ሩውንዳ – ኡጋንዳ ክሕጸሩ ምግባር እዩ። ድሮ ኣብ ሊብያ ኣብ ሐደ ቦታ ይእክብዎም ኣለው፥ ከማኡ እውን ኣብ ኒጀር ዓቢ ሰደተኛታት መእከቢ ማዕስከአር ገይሮም ኣለዎ። እዚ ከኣ ንመራሕቲ ዓድታት ኣፍሪቃ ግቦ  እናሃቡ ክትግብርዎ ጀሚሮም ኣለዉ። ኣብ ሪእሲኡ ምድልዳል ዕርዲ ኤሮጳ (Fortress Europe)  ንስደተኛታት ኣፍሪቃውያን ኤሮጳ ከይኣትዎ ብዝያዳ ክሰርሕሉ እዮም።

እዚ ስምምዓት ብዘይገድስ ዋሕዚ ስደታኛታ ይቅጽል ኣሎ ንኣብነት ብዕለት 16/03/207 ብ ጋዜጠኛ  ጀምስ ጀፍሪ ዝተጻሕፍት  ገጽ ንገጽ ምስ ኤሪትራውያን ናብ ኢትዮጵያ ዝውሕዙ ንመልከት።

 

IRIN፡   Face to face with the Eritrean exodus into Ethiopia

https://www.irinnews.org/feature/2017/03/16/face-face-eritrean-exodus-ethiopia

 

ኣብ ኤሪትራ ግዝኣተ ሕጊ ዘይብሉ፡  ሰሪሕካ ክትነብር ውሕስነት ዘይብሉ – ዋሕዚ ስደተኛታት ጠጠው ከነብሎ ኢልካ ምሕሳብ ንገዛእ ርእሱ ነቲ ጨቓኒ መንግስቲ ምሕያልን፡ምሕብሓብን ስቃይ ህዝቢ ኤረትራ  ምንዋሕን እዩ።

እዚ ዝተረድኤ እዩ ከኣ ካብ ጊዜ ብረታዊ ቃልሲ ጀሚሩ መሓዛ ህዝቢ  ኤሪትራ ዝኾን  ጋዜጠኛ ማርቲን ፕላውት ከምዚ ዝበለ” What the Europeans Union is doing is not only a shame; it is a political mistake of historic proportion” ሕብረት ኤውሮጳ ዝገብርዎ ዘለዉ ንደለይቲ ዑቅባ ኣብ ሐደጋ ዘውድቕ ዘሕፈር ጥራሕ ዘይኮነ ዓቢ ናይ ፖለቲካ ጌጋ ኮይኑ ኣብ መዝገብ ታሪኽ ሐደ ዓቢ ቦታ ዝሕዝ  እዩ።

 

እዚ ፖሊሲ እዚ  ንቡዙሐት ሀገራት ንካብ ኣፍሪቃ ዝመጹ ሐተትቲ ዑቕባ ከይቅበሉ የተባብዕ ኣሎ።  ን ኣብነት  ስዊዘርላንድ ነቶም ካብ ሀገራዊ ኣገልግሎት ዘምለጡ ኤሪትራውያን ብቐጥታ ዑቕባ ትህብ ዝነበረት ሕጂ ግን እዚ ምኽኒት ኣኻሊ ኣይኮነን ትብል ኣላ። ከምኡ እውን መንግስቲ እስራኤል ንኤርትራውያን ንሱዳናውያንን ምስጟግ ጀሚራ ።  ገና ኣብ ቤት ፍርዲ ይሃሉ እምበር ናይቲ መንግስቲ ውሳኔ 3 ምርጫታት እዩ። 1.  ማእሰርቲ ኣብ  እስራኤል 2. ናብ ኤሪትራ ምምላስ 3. ኣብ ሳልሳይ ሀገር ምኻድ።

 

ብዛዕባ ናይዚ ጊጋ ፖሊሲ ዝኸይድ ዘሎ ተቛ ውሞታት

 

እተን መሰል ወዲ ኣዳም ተጣበቕቲ ኣህጉራዊ ማሕበራት ከም በዓል ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል (AI) ኢንተርናሸናል ኦርጋኒዘሽን ፎር ማይግረሽን( I0M) መዲስን ሳን ፍራንተር ( MSF) ክልኦት እውን (ኣብ ታሕቲ መግለጺታት ተመልከት) – ብዝተፈላለየ መገዲ ተቛውመኤን ይገልጻ ኣለዎ።

ከምኡ እውን ባዕሎም  ፍትሐውያን እስራኤላውያን ነዚ ናይ መንግስቶም ውሳኔታት ይቓወሙ ኣለዉ።  ሃርተዝ ጋዜጣ (Haartez Editorial) ከም ዝጸሐፎ (እስራኤል ነዞም ስደተኛታት ፍቃድ መታን ሰሪሖም ክነብሩ ፍቃድ ክትህቦም ኣለዋ። ኣዚ ንዓታቶም  ጽቡቅ ነቲ ህዝቢ እስራኤል ውን ከምኡ። ዘይካሐድ እዩ   በዚ የማናዊ መንግስት ናትናየሁ ዝግበር ዘሎ  ምስጟግ  ታሪኽና ኣብ ኣፍሪቃ ይባላሾ ኣሎ ዝብሉ እስራኤላውያን እውን ኣለዉ።

ብዓቢኡ ከኣ እቶም ግዳያት ዝኾነ ኤሪትራውያን ሱዳናውያንን ኤትዮጵያውያንን ዝረከብዎም  ደጋጊሞም ሰላማዊ ሰልፊ የካይዱ ኣለዉ።  ኣብ ኤዮርሳሌም ኣብ ሮዝ ጋርደን ዝርከብ  ኣፍደገ ላዕላዋይ ፍርዲ ቤት ሰልፊ ኣካይዶም እዮም።

ካብቲ ተቓውሞታት እዞም ዝስዕቡ ክንጠቅስ

  1. Joint UNHCR and IOM statement: We call  on EU to find solution for people in need…
  1. Sigal Avivi + 972 Bog Published on January 20, 2017 wrote. “The Israeli government must not withhold information from the public about the dangers faced by Eritrean asylum seekers it is planning to deport”
  2. Doctors without Borders: MSF said “EU prevention policy puts Eritreans at risk of imprisonment, torture and death Monday, February 27, 2017 — London
  3.  EU Africa cooperation expert: Sophia Wirsching in her interview with compacts said, “This policy sacrifice peoples’ lives and fundamental values of the EU. The interview is in German.

 

  1. Last Friday, 10 March 2017, Professor Mirjam van Reisen and Professor Munyaradzi Mawere launched their new book titled Human Trafficking and Trauma in the Digital Era The Ongoing Tragedy of Trade in Refugees from Eritrea. “Sheds new light on   the thriving business of human trafficking for ransom and presents findings that suggest the involvement of the Eritrean government in the trafficking.  እዚ ነቲ ዝኸይድ ተቓውሞታተ ዓቢ ምስክራዊ ሐይሊ እዩ።

 

ኣብዚ ሐያል ምንቅስቓስ ዘድልዮ ወቅቲ   ደለይቲ ፈትሒ  ኢና ንብል ብዝተወደበ መገዲ ኣቤየት ክንብለሉ ዘለዎ ጉዳይ  ክነሱ ኣቅላቦ ከይረኸበ ይሐልፍ ኣሎ፡  ናይቶም ድምጺ ዘይብሎም ድምጺ  ኢና ዝበል  ጭሮሖ ድኣ  ኣበይ ኣቢሉ።

ብገለ ገለ ደለቲ ፍትሒ ግን ተቋውመታት ኣይተጀመርን ማለት ኣይኮነን። ሐደ ዘሕጉስን ዜና ኣብ ሆላንድ፡ ሰላማዊ ሰልፊ ነቲ መንግስቲ እስራኤል ትገብሮ ዘሎ ምስጋግ ስደተኛታት ኣፍሪቃ ዝቛወም ብዕለት 17/03/2017 ተኻይዱ ።    ኣብ ኤሪትራ ሕጻናት ብሕጽረት መግቢ ይሳቕየ ከም ዘሎ ው ዩኒሰፍ  ገሊጻቶ ከላ ገበርቲ ሰናይ  ናይ መግቦ ሐገዝ ክግበረሎም ኣይሐቱን ኣለዉ ኢለን 2  ናይ ዓዲ እንግሊዝ ማሕበራ ኣብ ጋርድያን ጋዜጣ ኣብየት ኢለን ኣለዋ ንሰን  Selam Kidane Director, Release Eritrea UK, Noel Joseph Executive director, Eritreans for Human and Democratic Rights UKRedi Aybu EHDR UK እየን።በተመሳሳሊ ኣገባብ ኣቦ መንበር ኤሪትራ ፎካስ ሃብተ ሐጎስ ኣቤት ዘበለሉ ኣብ  ደይሊ ተለግራፍ ወጺኡ  ኣሎ።

ኣብ ሀገረ እንግሊዝ ብዙሕ ክግበር ተኽእሎ ኣሎ እቲ ምስ ኤሪትራ ፎካስ (Eritrea Focus)   ሐቢሩ ዝሰርሕ (ኣብ ፓርላማ ናይ ውጹዕ ህዝቢ ኤሪትራ ደገፊ ጉጅለ (All Party Parliament Group for Eritrea (APPG).  ብብጊዜኡ ንመንግስቶም በዳሂ ዝኾነ ሕቶታን ርእይቶታን እናቕርቡ  ቀጻሊ ቃልሲ የካይዱ ኣለው ። ኣብዚ  ንፈትሒ ዝቃለሱ   ወጻእተኛታት ብዙሕ ተቛውሞ ዝግበረሉ ዘሎ ጊዜ ናይ ኤሪትረውያን ደለይቲ ፍትሒ ምንቅስቓስ ኣገዳስን ክግበር ዘለዎን  እዩ።

ከምዚ ዓይነት ተበግሶታት ንደላይቲ  ፍትሒ ዓቢ ተመክሮ ጥራሕ ዘይኮነ ንገዝእ ርእሱ ሐቢርካ ምስራሕ  ነቲ ለሚሱ ዘሎ ሐድነት የባርብሮ  እዩ።  ስራሐት ባዕሉ ስለ ዝዛረብ።  እሞ ሃየ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ንርከብ ሲቪላዊ ማሕበረ ሰብ ንኹን ፖለቲካዊ ናይ ረዲኤትን ማሕበራትን ናይ መሰል ኤሪትራውያን ዝቃላሳ ነዚ ጉዳይ ዑቱብ ኣቃልቦ ክህበኦ ኤሪትራ ፎካስ ተማሕጽን።  ነጢፋ ክትተሓባበር እውን ቃል ትኣቱ።

ተፈጸመ

ኤሪትራ ፎካስ- ብመሰል ወዲ ሰብ ዝቃለሳ ማሕበራትን – ወልቀስባት ኤሪትራውያን – ማሐዙት ህዝቢ ኤርትራ ወጻእተኛታትን ዝቖመት   ነቲ  ኣብ ኤሪትራ ዝኸይድ ምግሃስ መሰል ህዝቢ እተቃልዕ ማሕበር  እያ።

 

 

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
6 COMMENTS
  • PH March 21, 2017

    ኣብ ዘይሰምዓካ ደብሪ ምምህላል ወይ ምልማን መዳኸሚ ኢዩ።ናይ ውድብ ሕ.ሃገራት ተጣባቂ መሰል ዝከኣሎ ገይሩ እኳ ኢንተኾነ መብዛሕቴን ሃገራት ግን ጉዳይና መስሓቂ ኮይኑ ኢዩ ተሪፉ።ኢሞ፡ንስለ ምህለላ ወይ ልመና ነዞም ዝስዕቡ ደብርታት ኢስከ ንማህለል።
    1’ብዝከኣል መጠን ነቶም ስደት ከም ፍታሕ ቆጺሮም ዝስደዱ ዘለዉ ሞት ብሞቱ ኣብ በይትካ ከም ዘማዕርግ ክዓግቡ ወይ ኪኣምኑ ንለምኖም።
    2.ስርዓት ኢትዮጲያ ብፍላይ ወያነ ረብሓ አሪትራውያን ረብሑኡ ሙኻኑ ኣሚኑ ጉዳይ ዶብ ክፈትሖ።
    3.ስርዓት ህግደፍ ውግእን ወረ ውግእን ገዲፉ ተማሃራይ ክመሃር፡ሓረስታይ ክሓርስ፡ነጋዳይ ክነግድ፡መንፈሳዊ ክጽሊ ከፍቅድ፡ኣይፋሉን! መርየትና ተጎቢጡ ክሎ ዝብል እንተኾይኑ ብዝቀልጠፈ መሪየቱ ክመልስ ኣለዎ።ክብ ወይ ግብ!እታ ግብ ኣንጸላልያትና ስለዘላ።
    4.ካብዚ ንላዕሊ ፡ንደላይ ፍትሒ ኢየ ዝብል በጃኻን’ዶ መዳ ውረድ ፡ብውሕዱ ተጠርኒፍካ ተቃለስ?ምባል ኢታ ክትሰምዕ ትኽእል ደብሪ ኮይና ትስመዓኒ።ስዓርርርርርርርር።

    • k.tewolde March 22, 2017

      PH,I like your wish list,unfortunately,the Eritrean mind is not wired that way nowadays,otherwise we would have solved our dilemma a long time ago,it is not rocket science to put this little village of ours which is less than a quarter of GDP of Road Island on the right track.The anti revolutionary fervor still runs deep in the political psych of the Eritrean.Only time can purge this malignant tendency,if we have any time left.

  • petros tesfagherghis March 23, 2017

    Dear PH:(unknown name)
    Psychological warfare to undermine any action against injustice. ኣብ ዘይሰምዓካ ደብሪ ምምህላል ወይ ምልማን መዳኸሚ ኢዩ:: Act in an organised way so you can be heard.
    The protest against the EU new policy on Eritrea (African refugees) raises a more fundamental issue of whether justice seekers are living up to what they pledge. That is “to be the voice of the voiceless.” It is because the Eritreans/Africans conducted a sustainable protests that they get support from Israeli organisations who sued their Government that putting refugees in the “Holot” detention camp is illegal. The court declared it is wrong. But the right wing government of Netanyahu refused to obey the court. So in some cases it works if not for Eritreans living in the West it represents solidarity with their brothers and sisters in distress. It is a way to share their pains and sufferings with Eritreans demonstrating for protection. They would think they have people who cares for them. But hopelessness of diaspora Eritreans who live in comfort in the West has become a weapon to do nothing while there is a lot to be done.

    David Bowie: Singer 1947-2016:
    It is not politicians who will end oppression. It is the radicals, with the stink in their clothes, rebellion in their brain, and hope in their heart and direct action in their fists.
    Petros

  • petros tesfagherghis March 23, 2017

    Psychological warfare to undermine any action against injustice. ኣብ ዘይሰምዓካ ደብሪ ምምህላል ወይ ምልማን መዳኸሚ ኢዩ:: Act in an organised way so you can be heard.
    The protest against the EU new policy on Eritrea (African refugees) raises a more fundamental issue of whether justice seekers are living up to what they pledge. That is “to be the voice of the voiceless.” It is because the Eritreans/Africans conducted a sustainable protests that they get support from Israeli organisations who sued their Government that putting refugees in the “Holot” detention camp is illegal. The court declared it is wrong. But the right wing government of Netanyahu refused to obey the court. So in some cases it works if not for Eritreans living in the West it represents solidarity with their brothers and sisters in distress. It is a way to share their pains and sufferings with Eritreans demonstrating for protection. They would think they have people who cares for them. But hopelessness of diaspora Eritreans who live in comfort in the West has become a weapon to do nothing while there is a lot to be done.

    David Bowie: Singer 1947-2016:
    It is not politicians who will end oppression. It is the radicals, with the stink in their clothes, rebellion in their brain, and hope in their heart and direct action in their fists.

  • PH March 23, 2017

    Dear Petros,my comment was clear and logic .it is just Psychological plea for awarnes but not war fair .

    • petros tesfagherghis March 24, 2017

      Dear PH

      You are right. apart from the what U quoted you the rest is very good advice and message. To go to exile is not an ultimate solution..

POST A COMMENT