Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ተቓውሞ

ተቓውሞ ፍሥሓየ መብራህቱ © 2003 ቁሙ - ኣቝሙ - ተቓወሙ ብቝምነገር - ንቝምነገር ንሕዝቢ ንሃገር ብዘይ ሻሕጢ - ንለውጢ ንምምሕያሽ - ንምድዕዓስ - ንምጥያስ ብድልየት - ንዕብየት - ንሕውየት ንምህሮ - ንኣእምሮ ንምዕባለ - ንዕንጋለ ኣብ ጽኑዕ መሠረት ቍሙ - ተቓወሙ ጽንዑ - ኣጽንዑ ኣጸናንዑ -

ተቓውሞ

ፍሥሓየ መብራህቱ © 2003

ቁሙ – ኣቝሙ – ተቓወሙ

ብቝምነገር – ንቝምነገር

ንሕዝቢ ንሃገር

ብዘይ ሻሕጢ – ንለውጢ

ንምምሕያሽ – ንምድዕዓስ – ንምጥያስ

ብድልየት – ንዕብየት – ንሕውየት

ንምህሮ – ንኣእምሮ

ንምዕባለ – ንዕንጋለ

ኣብ ጽኑዕ መሠረት ቍሙ – ተቓወሙ

ጽንዑ – ኣጽንዑ

ኣጸናንዑ – ተጸናንዑ

ጕየዩ – ተቐዳደሙ – ቀድሙ

ድምዑ – ኣድምዑ

ንድማዕ – ብድማዕ

ንፍዑ – ተበሃሃሉ ኣገናዕ

ንሠናይ ተሳነዩ

ብሕውነት ተዛተዩ

መትከል – ትኸሉ

ኣትክሉ – ከም ስየ ተተኸሉ

ብልብኹም ብኸብድኹም ኣይትሕመሙ –

ብመሰልኩም ተቓወሙ – ኣይትፈደዩ ቒም ብቒም

ለብዉ፡- ቅዋም ምስ ቂም – ነይቀውም

ርእይቶኹም – ተርእዮኹም

ይወዳደር – ይነጻጸር – ይነጽር

ይገለጽ – ይተሓንጸጽ – ይትሓነጽ

ዘይረብሕ – ዘይከውን – ዚጎድእ

ይመንቈስ – ይፍረስ – ይደምሰስ

ይጸሀ – ይነፈ – ይሐሐ

ክርዳድ ምርዳድ ይወገድ

ሕማቕ ጨንፈር ይጸልጸል ይቀንጸል

ይለቐም – ይቀረም – ይተኣረም

ይተሓደስ – ይበየድ – ይቀየር

ኅልናታት ይመርምር – ይቀላዕ ሕቡእ ስዉር

ብግሁድ ተቓውሞ ይገሃድ

ካብ ግንባር ክሳዕ ገባር

ይተሓሎ ጠቕሚ ኃባር

ብሓቂ ብጥብቂ

በገባብ ብመንገዲ

ንዓዲ ንትውልዲ

ቅዋም ይቑም ብግዲ

ብሕጊ ብድጊ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT