Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ተበግሶ ደለይቲ ፍትሒ ኤርትራውያን ኣብ ኮሎራዶ

ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ኣብ መላእ ዓለም፡ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ንዘውርዶ ዘሎ ግፍዒን ኢ-ሰብኣዊ ግህሰትን ንምቅላዕን ንምኹናንን፡ ሰፊሕ ብሰላማዊ ሰልፊን ንዝምልከቶ ማሕበረ-ሰብ ዓለም ጥርዓን ብምቕራብን  ብዓውታን ብጥምረትን  ይንቀሳቐስሉ ኣለዉ። ደለይቲ ፍትሒ ኤርትራውያን ኣብ ኮሎራዶ

ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ኣብ መላእ ዓለም፡ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ንዘውርዶ ዘሎ ግፍዒን ኢ-ሰብኣዊ ግህሰትን ንምቅላዕን ንምኹናንን፡ ሰፊሕ ብሰላማዊ ሰልፊን ንዝምልከቶ ማሕበረ-ሰብ ዓለም ጥርዓን ብምቕራብን  ብዓውታን ብጥምረትን  ይንቀሳቐስሉ ኣለዉ።

ደለይቲ ፍትሒ ኤርትራውያን ኣብ ኮሎራዶ ከም ኣካል ናይ`ቲ ኣብ ምሉእ ዓለም ዝነጥፍ ዘሎ ናይ ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ፡-

  1. ምስ መርማሪት ኮሚሽን እትደጋገፍ ሓይሊ ዕማም ንምቛም፣
  2. ህዝቢ፡ ነቲ ቀንዲ ጠንቂ ናይ`ዚ  ኩሉ ሕሰመ-መከራ  ኮይኑ ዘሎ ስርዓት ብህዝባዊ ቃልሲ ንምልጋስ ብሓባርን ጥምረትን ዋና  ኮይኑ ዝዕጠቐሉ ናይ ቃልሲ መርሖ ንምስልሳል፣

ንሰፊሕ ህዝባዊ ኣኼባ  ይጽውዕ።

ንኹሎም ደለይቲ ፍትሒ ነባሮ ኮሎራዶ፡ ኣብ`ዚ ኣገዳሲ ህዝባዊ ኣኼባ`ዚ ክሳተፉ ብኽብሪ እናጸዋዕና፡ ኩለን ከተማታት/ስተይትስ ሰሜን ኣሜሪካ ተመሳሳሊ ተበግሶ ክወስዳን፡ ነታ ብዞባ ሰሜን ኣሜሪካ ክትቀዉም ዘለዋ ሓይሊ ዕማም  ከነቑማን ውዓል ሕዳር ዘይባሃሎ ውራይ ጌርና ክንወስዶ  ነማሕጽን።

ዕለት ኣኼባ፡  ሕዳር (November) 29, 2015

ቦታ፡ ኣብ ኣዳራሽ ኤርትራዊ ማሕበረሰብ ኣብ ኮሎራዶ

ሰዓት፡ 4 ድሕሪ ቀትሪ።

 

ደለይቲ ፍትሒ ኤርትራውያን ኣብ ኮሎራዶ

aseye.asena@gmail.com

Review overview
2 COMMENTS
  • aa November 23, 2015

    Well Done…

  • Woldeselassie G/medhin November 24, 2015

    It is about time. If we don’t do it too day it will be to late tomorrow. On our side we are trying our best to join you. Eritrean in Arizona for justice.

POST A COMMENT