Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ተጋዳላይ ግዳይ ድዩ ወይስ ጠንቂ ናይቲ ጉዕዙይ ህግደፋዊ ፖሊሲ

ተጋዳላይ ግዳይ ድዩ ወይስ ጠንቂ ናይቲ ጉዕዙይ ህግደፋዊ ፖሊሲ   ታደሰ ኪዳነ     በርሚንግሃም             30/11/2015 2ይ ክፋል   ኣብ ዝሓለፈ ቀዳማይ ክፋል ናይ ጽሑፈይ፡ ከምዚ ክብል ኢየ ተፋንየኩም። “እቶም ግዳያት ናይ ዘይውርዙይ ዘለፋታት ኮይኖም ዘለዉ፡ ሃገራዊ መንነት ዘዕተሩ ጀጋኑ ተጋድልቲ፡ ኣብታ ብደሞም

ተጋዳላይ ግዳይ ድዩ ወይስ ጠንቂ

ናይቲ ጉዕዙይ ህግደፋዊ ፖሊሲ

  ታደሰ ኪዳነ     በርሚንግሃም             30/11/2015

2ክፋል

 

ኣብ ዝሓለፈ ቀዳማይ ክፋል ናይ ጽሑፈይ፡ ከምዚ ክብል ኢየ ተፋንየኩም። “እቶም ግዳያት ናይ ዘይውርዙይ ዘለፋታት ኮይኖም ዘለዉ፡ ሃገራዊ መንነት ዘዕተሩ ጀጋኑ ተጋድልቲ፡ ኣብታ ብደሞም ዝተረጋገጸት፡ ብግህደፍ `ቁማር` ዝተባህለት ሃገሮም፡ ነቲ ብዕጽፍጻፍ ዝዓብዮም ጸላኢ ስዒሮም ናጽነት ድሕሪ ምርግጋጾም፡ ኣብ ከመይ ዝበለ ኩነታት ይነብሩ ከም ዝነበሩን ከም ዘለዉን ውሑድ ኣብነታት ወሲደ፡ ኣሕጽር ኣቢለ ክገልጽ ኢየ።”

ነዚ ቀዳማይ ክፋል ድሕሪ ምጽሓፈይ ግን፡ ብዙሕ ክትዓት ከም ዝተላዕሉ ተዓዚበ ኣለኹ። ገለ ካብኡ “እዚ ሕጂ ንርእዮ ዘሎና ቅንጸላን ጭውያን፡ ቀደም ካብ እዋን ገድሊ ዝነበረ እንድዩ፡ ነቲ ገድሊ`ኸ ተጋደልቲ እንድዮም ተሰኪሞሞ መጺኦም. . . “ ዝብል ይርከቦ። እዚ ሕቶ`ዚ ብርግጽ መልሲ ዘድልዮ ኢዩ። ብፍላይ ነቲ ንዝተወሰኑ ቀጸላታት ናይቲ ሕ/ሰብ ኣልዒልካ ዝግበር ቅንጸላ፡ ኣመጻጽኣኡን ቀንዲ ዓላማኡን ሳዕቤኑን፡ ምስ ተመክሮ ናይ ካልኦት ሃገራት ኣዛሚድካ ምርኣይ ስለ ዘድሊ፡ ንተመክሮና ኣብ ገድልን፡ ድሕሪ ናጽነትን እናኣዛመድኩ፡ ኣብ መወዳእታ ናይ ጽሑፈይ (4ይ ክፋል) ብፍሉይ ከብርሆ ክፍትን ኢየ።

ንሎሚ ግን ናብቲ ኣቐዲመ ዘዳለኹዎ ቀንዲ ኣርእስተይ ክምለስ ኢየ።

ኩነታት ተጋደልቲ ድሕሪ ናጽነት

ኣብዚ እውን ኣብ ኩነታት ናይቶም ኣብ 1991 ዓ.ም ነቲ ብዕጽፍጻፍ ዝዓብዮም ጸላኢ ስዒሮም ኣስመራ ዝኣተዉ ተጋደልቲ ኢየ ክዛረብ። ምኽንያቱ መብዛሕትኦም እቶም ኣብ 1981 ዓ.ም ካብ ሜዳ ኤርትራ ሱዳን ዝኣተዉ ተጋደልቲ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ፡ ኣብተን ዝሰዓባ ዓሰርተ ዓመታት (1981 – 1991 ዓ.ም) ንብዙሕ ሽግራትን ተጻብኦታትን ሰጊሮም ውልቃዊ ሲቪላዊ ህይወቶም ሰሪዕም ነይሮም ኢዮም። ተጋደልቲ ህዝባዊ ግምባር ግን ኣብ 1991 ዓ.ም  (ዓመተ- ናጽነት) ብዓወት ኣስመራ ድሕሪ ምእታዎም፡ ብሓገዝ መራሕቶምን ህዝቦምን ናብ ስሩዕ ሲቢላዊ ህይወት ክሰጋገሩ ኢዮም ተጸብዮም። ካብ ህዝቢ ዝረኸብዎ ክብርን ንምሕጋዞም ዝነበረ ድሌትን`ውን ዝነኣድ ኢዩ ነይሩ። ካብ መራሕቶምን ካብቲ `ናትና ኢዩ` ኢሎም ዝሓብሓብዎ ውድብን ዝረኸብዎ ግበረ-መልሲ ግን ክቕበልዎስ ይትረፍ፡ ነቲ ኣንጻሮም ዝፍጸም ዝነበረ በደል ክኣምንዎ`ውን ኣይከኣሉን። ህግደፍ ገፋዒ ስርዓት እንተኾይኑ፡ ቀዳሞት ግዳያቱ፡ እዞም ሕጂ ዝዝንጠሉን ብዓይኒ ጽልኢ ንኽረኣዩ ዝጉስጎሰሎም ዘሎን ተጋደልቱ ኢዮም ነይሮም። ካብዚ ቀጺለ እምበኣር፡ ገለ ካብቲ ህግደፍ (ከም መጠን ቀዳማይ ጸላኢኦም) ዝተፈላለየ ምኽንያታት ፈጢሩ፡ ውሑድ ካብቲ ኣብ ልዕሊኦም ዝፈጸሞ በደል ክጠቅስ ኢየ።

 

  1. ንኣርባዕተ ዓመታት ብዘይ ገለ ክፍሊት ከም ዝሰርሑ ተገይሩ፡ –

ተጋደልቲ ንስለ ናጽነት ሃገሮምን ክብሪ ህዝቦምን ካብ ምስንካል ክሳብ ህይወት ክኸፍሉ ከለዉ፡ ሞሳን ካሕሳን ኣይሓተቱን። እቲ ዝገበርዎ ሃዋርያዊ ስራሕ ተመሊሱ ክሃስዮም ግን ኣይተጸበዩን። ኲናት ተወዲኡ ካብ መታኾሲ ጎዳጉድን ካናለታትን  ወጺኦም፡ ኣብ ማእከል`ቲ ህዝቢ ምስ ኣተዉ ግን፡ ህዝቢ ዝበልዖ ክበልዑ፡ ህዝቢ ዝሰተዮ ክሰትዩ፡ ሰብ ዝተኸድኖ ክኽደኑ ጥራይ ኢዩ ነይሩ ድሌቶም። ብኣንጻሩ “ንኣርባዕተ ዓመታት ብዘይ ክፍሊት ክትጸንሑ ኢኹም” ተባሂሎም፡ ሓመዶም ዝነግፍሉ መግዝኢ ሳምናን ንክዳኖም መቀየሪ ዝኸውን ገንዘብን ኢዮም ተኸሊኦም።  ተጋዳላይ ኣብ ቤት-ቁርሲ ኣትዩ ከብዱ ክዕንግል ኮነ ደስ ኢላቶ ሓንቲ ኩባያ ሻሂ ክሰቲ እንተደልዩ፡ ምስኡ ዝደናገጽ ዘመድ ኣብ ጥቕኡ ክጸንሕ ነይሩዎ። ደስ ዝበለቶ ስረ ወይ ካምቻ ገዚኡ ንሰቡ ክመስል እንተኾይኑ`ውን፡ ገንዘብ ዝሓዘ፡ ካብ ወጻኢ ዝመጸ ወይ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ዝጸንሐ ርህሩህ ቤተ-ሰብ ክረክብ ነይሩዎ። ካብን ናብን ክንቀሳቐስ፡ ዋላ ቤተሰቡ ክበጽሕ`ውን እንተኾነ፡ `ቲኬት ቆሪጽካ፡ ኣብ ኣውቶቡስ ወንበር ሒዝካ ከም ሰብካ ኮሪዕካ ምንቅስቓስ` ንዕኡ ዝምልከት ኣይነበረን። ትዕድልቱ ኣብ ፈቐዶ ጽርግያታት ንዝሓልፋ መካይን ኢዱ ዊጥ ኣቢሉ፡ ደንጊጾም ክማልእዎ ክልምን ነይሩዎ። ንዝዓረቑን ዝጠመዩን – ደቁን ስድራ-ቤቱን ክዕንግል እንተኾይኑ፡ ኣብ ፈቐዶ ቶሚናት ናይቲ ውድብ ክልምንን ምስቶም ቅድም መጋድልቱ ዝነበሩ፡ ሽዑ ናብ ጎይቶት ዝቅየሩ ዝነበሩ ሓለፍቲ ክመጻደቕ ኢዩ ተፈሪዱዎ። እቲ ክቡር ተጋዳላይ ከይተፈለጦ ናብ ለማናይ ተቐይሩ።

 

ናብራ ክገብር ዝተመርዓወን ጎራዙ ክጥውረንን ክኣልየንን ስለ ዘይከኣለ በብዝኸዶ ክፈትሐን ተገዲዱ። ሕጂ`ውን ከይተረድኦ ናብ ጠላም ተቐይሩ። ከም ተራ ሰብ፡ ገዛ ተኻርዩ ነብሱ ክሰርዕ ስለ ዘይከኣለ ድማ ናብ ቤተ ስቡን ኣዝማዱን ተጸጊዑ ክነብር ተራእዩ። በዚ ድማ ተጋዳላይ፡ ሓውኻ ወይ መቕርብካ ስለ ዝኾነ ጥራይ ደንጊጽካ እተዕቁቦ ጽግዕተኛ ኮይኑ። ብእኩብ ዋላ ውሑድ ይኹን ነብሱ ዘማሓድረሉ ደሞዝ ምስ ሓተተ ድማ ከብዱ ብጥሙዩ ተጋደልቲ ጸጊቦም” ተባሂሉ። ሳዕቤኑ ዘይተረደአ ምስኪን ህዝቢ ድማ ፡ ነቲ “ጸጊቦም” ዝብል ቃል ክደጋግሞ ይስማዕ ነይሩ።

 

ከምዚ ኢሉ ድማ እቲ ዕሩቕ ዝባኑን ጥራይ ጅቡኡን ዝኣተወ ጅግና፡ ናብ ዝድንገጸሉ ትሕቲ ድኻ – በተኽ ተቐይሩ። እዚ ዝተገብረሉ ምኽንያት ድማ እቲ ክብሪ ህዝቡ ክመልስ ህይወት ዝኸፍል ዝነበረ ተጋዳላይ ኣነ ምእንቲ ህዝቢ እምበር ንስለ ስልጣን ውልቀ-ሰብ ኢለ ኣይተጋደልኩን” ብምባል፡ ኣብ  ልዕሊ`ቶም ናብ መለኽትን መጸይትን ዝቕየሩ ዝነበሩ መራሕቲ ኣብያን ተቃውሞን  ምስ ዘልዕል፡ ከም ሓደ ድኻን ዝድንገጾን ፍጡር መጠን፡ ኣብ ህዝቢ ጽልዋን ተሰማዕነትን ከም ዘይህልዎ ንምግባሩ ኢዩ። ተጋዳላይ ምስ ተናዕቀ ድማ ቃልስን ንስለ ህዝብን ሃገርን ተወፋይነት ተናዒቑ ካብ ምንዓቕ ሓሊፉ ምስተዳኸመን ምስቲ ህዝቢ ማይን ዘይትን ምስኮነን ድማ፡ እቲ ብገርሁ ዝጸንሐ ህዝቢ ብምሉኡ ዝከላኸለሉን ዝጣበቐሉን ስኢኑ፡ ነብሱን ደቁን ተበታቲኑ ብጎረባብቱን ዓለምን ተናዒቑ። እቲ ንዕቀትን ሳዕቤናቱን ድማ ኣብ ተጋደልቲ ከይተሓጽረ፡ ኣብ ብምልእታ እታ ሃገርን ኣብ ብምሉኡ እቲ ህዝብን ንርእዩ ኣለና። ኤርትራዊ ተናዒቑ፡ ኮላሊቱን ናውቲ ከብዱን ንዕዳጋ ወሪዱ። ሃገር ተዋሪዳ መስሓቕ ሸራፋት ኮይና። እቲ “ሃገርና ገንዘብ የብላን!” እናተባህለ፡ ኣብ ልዕሊ ተጋደልቲ ዝተበየነ ናይ ድኽነት እገዳ ኣምበኣር፡ ልዕሊ ቁጠባ ዝኸይድ ፖለቲካዊ ዕላማ ነይሩዎ ኢዩ።

 

ነቲ ንተጋደልቲ ካብ ድኽነት ናብ በተኻት ዝቕይር መስርሕ ዝተዓዘቡ ተራን ሓለፍትን ናይቲ ውድብ፡ በብመንገዶም (ብዘይተወደበ መንገዲ) ንመሪሕነት ናይቲ ውድብ ዓገብ ክብሉ ጀሚሮም። ከም መልሰ ተግባር ናይቲ በብግዝይኡ ዝመጽኦ ዝነበረ ጥርዓናት፡ ናይ ሽዑ ዋና ጸሓፊ ናይ ሎሚ ፕረዚደንት ኣብ ቪድዮ ብዝተቐርጸ ድምጺ ንኣርባዕተ ዓመት ብዘይ ዝኾነ ክፍሊት ከገልግሉ ምዃኖም ዝገልጽ መምርሒ ብምዝርጋሕ፡ ነቲ ኣዕናዊ ፖሊሲኡ ብወግዕ ከም ዝገለጸ ኩልና እንዝክሮ ኢዩ። እቲ ኣብ 20 ግንቦት 1993 ዓ.ም ዝተገብረ፡ ቁጠባውን ፖለቲካውን ትሕዝቶ ዝነበሮ ናይ ተጋደልቲ ናዕቢ ድማ ሳዕቤን ናቱ ኢዩ።

 

  1. ተጋደልቲ ኣብ ትካላት ፎርኖን ሕርሻታት ዓሊ-ግድርን፡ –

ናይ 20 ግንቦት ናዕቢ ብዘይንሕስያ ብሓይሊ ምስ ተጨፍለቐ፡ መራሕቲ ናይቲ ውድብ፡ ብፍሉይ ኣብ ልዕሊ ተጋደልቶም ዘነጻጸረ ኲናት ኣዊጆም። ነቲ ኣብ ውዑይ ዕድመ ዝነበረ (ናይ 1990/91) ክፋል ተጋዳላይ ብውሑድ መዐሸዊ ገንዘብ ሰጒጉሞ። ነቲ “ኣብ ሲቪላዊ ዓለም ኣትዩ፡ ተወዳዲሩ ህይወቱ ክሰርዕ ኣይክእልን ኢዩ” ንዝበልዎ ድኹም ክፋሉ ኣጣይሶም፡ ነቲ ብመውጋእቲ ዝማህመነን ዝሰንከለን ክፋሉ ድማ፡ ነተን ብስም መማቕርቲ ወርሓዊ ዝወሃብኦ ዝነበራ ገንዘብ ዘሪፎም፡ ኣብ መዓስከር ማይ-ሓባር ኣኪቦም ናብ ሓውሲ እሱር ቀይሮሞ። እዞም ብጸቕጥን ምድፍፋእን ኣብቲ መዓስከር ዝተኣከቡ ስንኩላን`ውን ስቕ ኣይበሉን። ዝለዓለ ጥርዚ ናይቲ ኣብ ልዕሊ ተጋደልቲ ዝወረደ ውርደትን ሕስረትን ድማ፡ እቲ ኣብ 1994 ዓ.ም ኣብ ልዕሊ ስንኩላን ማይ-ሓባር ዝውረደ ኢሰብኣዊ ቅንጸላ ኢዩ።

ቅንጸላ ስንኩላን ማይ-ሓባር ኣብ መሪሕነት ናይቲ ውድብ ዓቢ ስንባደ ፈጢሩ ኢዩ። እዚ ናብ ቅንጸላ ዘብጽሐ – ናይ ስንኩላን ናይ መሰል ሕቶ፡ ቁጠባዊ መበገሲ ጥራይ ከም ዝነበሮ ኣምሲሎም ድማ ቁጠባዊ ውዲት ኣዳልዮሙሉ። ገለ ካብኡ ድማ ፕሮጀክት ሕርሻ ዓሊ-ግድርን ትካላት ፎርኖ ስንኩላንን ነይሩ። ነቲ ባዕሉ ጠፍጢፉ ዘቖሞ ማሕበር ስንኩላን ኲናት ተጋደልቲ ኤርትራ (ማስኲተኤ) ዝብል ማሕበር ድማ ከም ቀንዲ መሳርሒ ግህሰት መሰል ስንክላን ተጠቒሙሉ ኢዩ። ንክልቲኡ ቁጠባዊ ውዲታት ፈላሊኽ ምርእዩ ድማ ሓጋዚ እመስለኒ።

 

ሀ. ፕሮጀክት ሕርሻ ዓሊ-ግድር፡ – ብዛዕባ`ዚ ብኣሃዛት ዝተሰነየ ደቂቕ መጽናዕቲ ከም ዘድሊ ዘካትዕ ኣይኮነን። ኣብ ስደት ኮንካ፡ ንዝርዝር ሰነዳቱ ከይተወከስካ መጽናዕታዊ ጽሑፍ ንምቕራብ ዝከኣል ኣይኮነን። ከም ዕላማ ንቁጠባዊ ሕቶ ጥዩሳት ተጋደልቲ ንምምላስ ዝቀረበ ተንኮል ምዃኑ ግን ዘካትዕ ኣይኮነን። ኣቲ ፕሮጀክት ካብ ቀንዲ ምምሕዳር መንግስቲ ርሒቑ ኣብ ኣዝዩ ዓሳዊ ቦታ ምግባሩ ድማ ነቶም `ኣዕገርገርቲ` ድምጾም ናብ ዘይስማዓሉ ቦታ ንምእላዮም ዝተገብረ ስለ ዝነበረ፡ ፖሊቲካዊ ዕላማ`ውን ነይሩዎ ኢዩ። ዝዓበየ ዕላምኡ ግን ቁጠባዊ ባርነቱ ኢዩ። ንመስዋእትን ስንክልናን ተጋደልቲ ተጠቂሙ ናብ ስልጣን ዝመጸ ጉጅለ ህግደፍ፡ ሕጂ`ውን ንድኻም፡ ሕማምን ሞትን ተጋደልቲ ተጠቒሙ ኣታዊታቱ ከኻዕብት ሕፍር ኣይበለን። ገርይዎ ድማ ኢዩ።

 

እቶም ዝተፈላለየ ምኽንያት ተጠቒሙ ዘጣየሶም ተጋደልቲ፡ ኣብ ዓሊግድር ቃጽዖታት ዓዲሉ፡ ናይ ሓሶት ዋንነት ሂቡ፡ ኣብ ትሕቲ ጥቡቕ ቁጽጽር ናይ መንግስቲ ከም ዝሰርሑ ኢዩ ገይሩዎም። እቶም ገለ ትርፊ ዝረኽቡ መሲሉዎም፡ ምስ ተመነ ዕንቅርቢት እናተቃለሱ ቆጥቊጦም፡ ጽህዮምን ዓጺዶምን ኣብ ፍረ ዘብጽሕዎ ምህርቲ፡ ኣብ ቀዳማይ ደረጃ – ናይ ትራክተር፡ ናይ መድሃኒት ወዘተ ዝበሃል ዕዳ ተሰሊዑሉ። ቀጺሉ ነቶም “ዋናታት” ዝተባህሉ ተጋደልቲ፡ መንግስቲ ባዕሉ ብዝሰልዖ ዋጋ፡ ናብ መንግስቲ ጥራይ ክሸጥዎ ኣገዲዱዎም። ሕጂ`ውን እቶም ናብ ቁጠባዊ ጊላነት ከም ዝተቐየሩ ዝተረድኡ ተጋደልቲ፡ ጥራይ ኢዶም ምስ ተረፉ፡ ነቲ ዝተዓደሎም ቃጽዖታት ጠንጢኖም ፋሕ ኢሎም። ከይፈተዉ ድማ ነዛ ከብዶም ክዕንግሉ ስለ ዘይከኣሉ፡ ወዶም ጓሎም ኣብ ትሕቲ`ቶም ንሳቶም ንስለ ሃገር ኣብ ገድሊ ከለዉ፡ ገንዘብ ዝኣከቡ ሃብታማት ብዉሑድ ገንዘብ ክቑጸሩ ተገዲዶም። እተን ጀጋኑን ዋዓሩን ተጋደልቲ፡ ኣብ ምውልዋል በትሮ መካይን ተዋፊረን፡ ተዋሪደን ጥራይ ዘይኮና፡ ነዛ ከብደን ክዕንግላ ብዘይምኽኣለን፡ ነብሰን ኣብ ዘሕስር ኩነታት ክወድቃ ዝተገደዳ ከም ዝነበራ`ውን ይዝርበሉ ነይሩ ኢዩ።

 

ለ. ናይ ፈርኖ ትካላት፡ – እዚ ንስንኩላን ኲናት ተጋደልቲ ጥራይ ዝተሓዝአ፡ ብመንገዲ ማሕበር ስንኩላን ተጋደልቲ ኤርትራ (ማስኲተኤ) ዝእለ ፕሮጀክት ኢዩ። ነዚ`ውን ብሰነዳትን ኣሃዛትን ዝተሰነየ ደቒቕ መጽናዕቲ ዘድልዮ`ኳ እንተኾነ፡ ከም ዕላማ ግን ካብቲ ናይ ዓሊ-ግድር ናይ ሕርሻ ፕሮጀክት ዝፍለ ኣይኮነን። ዝፈልዮ ነገር እንተልዩ፡ ኣብ ከተማታት መብራህትን ማይን ኣብ ዘለዎ ቦታታት ዝካየድ ምኳኑ ጥራይ ኢዩ። ብዙሓት ኣብቲ ዓውደ-ውግኣት ምሳይ ዝሰንከሉ፡ ብጉጅለ መልክዕ ዋንነት ትካላት ፎርኖ ዝተዋህቦም ብጾተይ ከም ዘዕለሉኒ ግን፡ እቲ ብመንግስቲ (ብመንገዲ ማስኲተኤ) ብመልክዕ ለቓሕ “ንመስርሒ ኣባይትን መግዝኢ ፎርኖታትን መካየድን ወዲኡ” ተባሂሉ ዝተነግሮም ገንዘብ ዝተጋነነ ምንባሩ፡ እቲ ዝኸፍአ ድማ ለይትን ቀትርን ሰሪሖም ዝኸፈልዎ “ዕዳ” ልዕሊ`ቲ ዝተባህሎም ገንዘብ ክንሱ፡ በብግዜኡ ሓድሽ ስልዒታት እናመጸ፡ ካብ ቁጽጽር መንግስቲ ክወጹ ከም ዘይክኣሉ ኢዮም ዝዛረቡ። ብሓቂ`ውን ካብ ትካላት ፎርኖ ዝርከብ መኽሰብ ብዙሕ ክንሱ፡ እቶም “ወነንቲ” ዝተባህሉ ስንኩላን ተጋደልቲ፡ ካብ ዕለታዊ መግቦም ዝሓልፍ፡ ዝርአ ለውጢ ኣየምጽኡን።

 

  1. ሓላፍነት ከም መህደሚ ቁጠባዊ ድኽነትን ውርደትን፡ –

እዚ ክብ ኢልና ዝረኣናዮ ሃስያ ተጋደልቲ ብዘይካ`ቶም ንመጋበርያ ዝተሓጽዩ ውሑዳት፡ ኣብ ልዕሊ ኩሉ ተጋዳላይ (እንተላይ ዘይምእዙዛት ዝተባህሉ ላዕለዎት ሓለፍቲ) ዝተደንገገ ብይን ኢዩ። ካብኡ ናብኡ ድማ ኣብ ልዕሊ`ቶም ዝተሰናበቱን ዝሰንከሉን ተጋደልቲ ሃስያኡ ዓቢ ነይሩ። ዋላ`ቶም ብሓገዝ ቤተ-ሰቦም፡ ናይ ገዛእ ርእሶም ሓርኮትኮት ወሲኾም ናብራኦም ከጸብቑ ዝጀመሩ ጥዩሳት ተጋደልቲ፡ ብመደብ ከም ዘይሰልጦም ተጋይሩ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣጽፋር ናይቲ ዝተፋነውዎ ውድብ፡ ኣብ ዘዝኸድዎ ሓሊፉ እናጸንሐ ከሰጉሞም ኣይከኣለን። ኣነ ብቐረባ ዝፈልጦም ሰባት`ኳ፡ ዘበገስዎ ናእሽቱ ትካላት ክስጉም ስለ ዘይከኣለ፡ ተመሊሶም ኣብቲ ዝተፋነውዎ መንግስቲ ብትሑት ደሞዝ ክቑጸሩ ዝተገደዱ፡ ዝበዝሑ ከኣ ምዃን ኣብዩዎም፡ ናብ ስደት ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ሰጊሮም።

ነዚ ዝተዓዘቡ ናብ ሲቪላዊ ህይወት ተመሊሶም፡ በብዝጥዕሞም መንገዲ ህይወቶም ክመርሑ ድሌት ዝነበሮም ገና ዘይተጣየሱ ዝነበሩ ብዙሓት ተጋደልቲ፡ ምጥያስ ማለት ድኽነትን ውርደትን ምዃኑ ኣሚኖም፡ ንዝነበሮም ቦታ ክዕቅቡ ከም ዝሓሸ ኣማራጺ ተቐቢሎም፡ ኩነታት ክሳብ ዝመሓየሽ ነታ ዝተረፈት ሓጻር ዕድመኦም ድማ ምእንቲ`ቶም ዝወልዱዎም ዝነበሩ ናእሽቱ ደቆም፡ ዕረ እናጠዓሞም ስቕ መሪጾም። ንኣሰራርሓን ፖሊሲታትን ናይቲ ሓድሽ መንግስቲ እንተላይ ነቲ ናይ ሓላፍነት ኣተዓዳድላ ብልቢ ዘይቅበልዎ`ኳ እንተኾኑ፡ ካብቲ ኣብ ልዕሊ ዝተጣየሱ ብጾቶም ዝወረደ ድኽነትን ውርደትን ንምድሓን፡ ነቲ በቲ ሓድሽ መንግስቲ ዝወሃቦም ሓላፍነትን ሓድሽ ናይ ደሞዝ መሳልልን ክቕበልዎ ተገዲዶም። ኣብቲ ኣሰራርሓ ዕግበት ስለ ዘይነበሮም ድማ (ብዘይካ ኣዝዮም ውሑዳት) ንዝተዋህቦም ሓላፍነት ብግቡእ ኣይሰርሑሉን።

 

ዳርጋ ኣብ ኩለን ሚኒስትሪታት ዝነበሩ ሓለፍቲ ካብ ተሓታትነት ንምህዳም ጥራይ፡ ካብ ላዕሊ ንዝመጾም መምርሒ ኮነ፡ ብታሕቲ ንዝመጾም ጥርዓናትን ርእይቶታትን ከም ዘለዎ ነናብ ዝምልከቶ የሕልፍዎ ነይሮም። ካብቶም ምሉእ ግዜኦም ዝሰርሑ ሓለፍቲ፡ እቶም ንጉሆ ክኣትዉ ከለዉ ፈሪሞም፡ ኣብ ካፋተርያታትን ኣብያተ ሻሂ ናይቲ ዝነበርዎ ቤት ጽሕፈታት ኮፍ ኢሎም ከዕልሉ ዝውዕሉ ሓለፍቲ ዝተዓጻጸፈ ቊጽሪ ነይሩዎም። ከምዚ ኢሉ ከኣ ሓላፍነት ንምዕባለ ሃገርን ንጽቡቕ ናይ ህዝብኻን፡ በቲ ሞያ ንኽትዓቢ፡ ብልቢ እትህንጠየሉ፡ ሞያዊ ብቕዕትካ እተመስክረሉን ብምሉእ ድሌትን ድርኺትን እትሰርሓሉ ዘይኮነስ፡ ከም መህደሚ ቁጠባዊ ድኽነትን ውርደትን ጥራይ ተወሲዱ። ብሰንኩ እቲ ብዘይ እዉጅ ናይ ስራሕ ኣብያ ዝማሰነ ህግደፍ፡ ሎሚ ጭዋዳታቱን መትንታቱን ዝለመሰ፡ ምስሊ ጥራይ ዘለዎ ናብ ኣስከሬን ዝተለወጠ ስርዓት ኮይኑ ንርእዩ ኣሎና።

 

እቲ ስርዓት ነዚ ናይ ተጋደልቲ (ሓለፍቲ) ዘይዕግበትን ዘይእዉጅ ናይ ስራሕ ኣብያን ካብ ንጉሁኡ ይፈልጦን ይከታተሎን ነይሩ ኢዩ። እንተኾነ ፖሊሲኡ ኣመሓይሹ ህዝብን ተጋደልትን ዝቕበልዎ ኣሰራርሓ ከተኣታቱ ኮነ፡ ነቲ ሚኒስትሪታትን ኣብያተ ጽሕፈትን ብሓድሽ ዝሰርሕ ሓይሊ ክትክኦ ኣይደለየን። ኣብ ክንድኡ ኣቲ ቅንጣብ ፍቕሪ ሃገርን ምዕባሊኣን ዘይግድሶ ስርዓት፡ ነቲ ኩነታት ክጥቀመሉ ኢዩ መሪጹ። ነቶም ብኣሰራርሓኡን ፖሊሲታቱን ዘይዓገቡ ተጋደልቲ ኣብ ዝኾነ ናዕቢ መታን ከይኣትዉ፡ ክሳብ ኣጸቢቖም ዝደኽሙ፡ ኣብ ትሕቲ ምሉእ ቁጽጽር ክጸንሑ`ሞ፡ ብኣኡ ኣቢሉ ድማ ተጋደልቲ ኣብ ውግእ እምበር – ምምሕዳር ከም ዘይክእሉ ኣምሲልካ ብውሽጢ ውሽጢ ብምጉስጓስ፡ ካብ ህዝቢ ንምንጻሎም ተጠቂሙሉ ኢዩ። እቶም ተጋደልቲ`ውን ንዘይበቕዑዎ ወይ ዘይደልዩዎ ሓላፍነት ክነጽግዎ ኮነ፡ ብድሌቶም ካብ ዝተዋህቦም ሓላፍነት ክሰናበቱ ዝፍቀደሎም ኣይነበረን። ምናልባት እንተደለዩ ዋላ`ውን እንተሓተቱ ድማ፡ እታ ስነ-ኣእምሮኣዊ ሃስያኣ ዝዓቢ፡ናይ ምድስካል ዕድል ተጋጥሞም። እዚ ኣሰራርሓ`ዚ ንዝሓለፈ 24/25 ናይ ናጽነት ዓመታት ብኸምኡ ይኸይድ ስለ ዘሎ ድማ እነሆ ህዝብናን ሃገርናን ኣብ ሰልሚ ከም ዝረገጸት እግሪ ንጥሕልን ንጠፍእን ኣሎና።

 

  1. ሰራዊት ኣብ ውሽጢ ህዝቢ ከም ዝቕመጥ ምግባር፡

 ማዕረ`ቲ ኣብ ልዕሊ ተጋደልቲ ዝገብሮ ዝነበረ ቁጠባውን ፖለቲካውን ሽርሕታት፡ ብመደብ ካብ ህዝቢ ንምጻሎምን፡ ኣብ መንጎ ህዝብን ተጋደልትን ጽልእን ምፍሕፋሕን ንኽዓቢ`ውን ሰሪሑ ኢዩ። ኣብ ኤርትራ ኣብ እዋን መግዛእቲ ጥልያን ኮነ ግዝኣት ኢትዮጵያ፡ ወታደራት ካብ ህዝቢ ርሒቆም፡ ኣብ ውሱን መደበራት ኢዮም ዝዕስክሩ ዝነበሩ። ወታደራት ድማ ካብ ሲቪላዊ ህይወት ዝረሓቁ፡ ምስ ህዝቢ ዝራኸብሉ ግዜ ድማ ኣዝዩ ውሱን ከም ዝከውንን ይግበር ነይሩ። እቶም ካብ ንጉሁኡ ንሕማቅ ዘንቀዱ መራሕቲ ናይቲ ውድብ ግን፡ ተጋደልቲ (ወታደራት) – ዝተዓጽወ ኣባይቲ እናከፈቱ፡ ኣብ ማኣከል`ቲ ህዝቢ፡ ምስ መርዑትን ኣንስትን ተሓዋዊሶም ከም ዝነብሩ ኢዮም ዝገበሩ። እዚ ንባዕሉ ኣብ መንጎ እቲ ህዝብን ኣብ መንጎ`ቶም ኣብ ፈቐዶ ገዛውቲ ፋሕ ኢሎም ዝነብሩ ዝነበሩ ተጋደልትን (ወታደራት) ምጥምማትን ምፍሕፋሕን ከም ዝምዕብል ገይሩ። ንዝፍጸሙ ዘይግቡእ ጾታዊ ተርእዮታት፡ ጸማም እዝኒ ብምሃብ ድማ፡ ህዝቢ ኣብ ልዕሊ ተጋደልቲ ዝነበሮ ጽልኢ ንኽዓቢ ብመደብ ሰሪሖሙሉ ኢዮም። እዚ ኣገባብ`ዚ ንባዕሉ፡ ነቲ ቅድም ማይን ጸባን ኮይኑ ዝኸይድ ዝነበረ ህዝብን ተጋዳላይን፡ ቀስ እናበለ ማይን ዘይትን ከም ዝኸውን ገይሩዎ ኢዩ። ኣብዚ`ውን እቲ ቀንዲ ተሓታቲ፡ እቲ ብመደብ ነቲ ፖሊሲ ዘተኣታተወን ዘተግበረን፡ ማዕረ-ማዕረኡ ሕጊ ዘበላሸወን ስርዓት እምበር፡ እቲ ተጋዳላይ ኣይነበረን።

 

እዚ ክብ ኢለ ዝገለጽኩዎ፡ ገለ ካብ ኩነታት ተጋደልትን ሓለፍትን ህዝባዊ ግምባር ኣብ ድሕሪ ናጽነት ኢዩ። ብውሑዱ ድማ፡ ነቲ ንተጋደልቲ ከም ሓደ ቀጸላ ናይ ሕ/ሰብና ምስ ህዝቢ ከባእሶም ጥራይ ዘይኮነ፡ ብመንጽር ቁጠባ`ውን ኣጸቢቑ ክሃስዮም ብፖሊሲ ደረጃ ይሰሓሉ ምንባሩ ንምንጻር እኹል ኢዩ ዝብል እምነት ኣሎንኒ። እዞም ሎሚ ናብ ምሽምጋል ገጾም ዝኸዱ ዘለዉ ተጋደልቲ፡ ሕጂ`ኸ ህሉው ኩነታቶም እንታይ ይመስል ኣሎ ምርኣዩ`ውን ኣገዳሲ እመስለኒ። ነዚ`ውን ብሕጽር ዝበለ ኣብ 3ይ ክፋል ክገልጾ ክፍትን ኢየ።

 

. . . . ይቕጽል

 

ታደሰ ኪዳነ

በርሚንግሃም

aseye.asena@gmail.com

Review overview
32 COMMENTS
  • Berhe Tenesea December 1, 2015

    Teghadalyis the victim, and that is due to excessive trust and loyalty to the main enemy unknowingly.
    The Teghaday mostly uneducated and from peasant background was used by Iseyas and his mafia group
    If you look at the life of the war disabled it is very unimaginable and sad.
    They are fed poorly and their living condition is very bad, even you woulldn’t wish it to pigs and dogs.
    The Kangew station that was former American and Dergue residential area is with out sanitation facilities and no garbage collection or cleaning services.
    The poor heroes are living there live the of dogs with unbearable conditions according to the info and video I have from Asmara.
    Teghadelty and worst of all the war disabled are more than victims.
    I don’t understand why they have to be repaid this way for people. I think our people appreciate an abuser rather than the heroes.

    • Asgedom berhe December 2, 2015

      For most part they are victims. Victims of their ignorance. Abusers are tegadelty 100%. Abused are gebar who fed them, clothed, them, sheltered them, protected them, plus most tegadelties who are victims of their ignorance. I call them victims of their ignorance b/s they still think those in power are theirs and do not believe in people’s power. They aspire two classes should exist. Class 1 them with their abusers and class 2 gebar denbar as they call us. If their misery is to end, they should believe in equality under the constitution that they are trying hard to murder. Any thing less will extend their misery till their miserable death.

  • Nsane December 2, 2015

    Ab Sawa zgber zneberen zelon gfeitat ab deki anstyo, gifietat ab meneseyat temahoro; adliwo ab abalat hagerawi agelglot, ……. aytekeskayon aleka kbur Tadesse

  • Lilay December 2, 2015

    Thank you Tadesse. Very nice and occasional leason for the coward big mouth ones who is dreaming fictional dreames by trying to undermine Tegadelti!!!!

  • AHMED SALEH December 2, 2015

    Tadesse article speaks the voices of Teghadelti victims of betrayal.
    And most of complaints he brought we witnessed or heard ourselves
    and the truth is nobody tried to advocate publicly concerning their
    well being to show solidarity they deserved .
    Now after 24 years to look for excuses at faults doesn’t hold water
    and won’t help . The majority population which consist of educated and non educated who used to shout hail Issayas the great and loyalty with
    silence on perpetuated injustices also share the blame for accusation
    of irresponsibility .
    We need to look our reflection in a mirror to ask and answer “what we
    had done wrong ” than dependency on somebody else given accomplishment.
    Again , if we were active in political reform like present time , I
    bet it might encourage the progressive wing among TEGHADELTI to take
    care the rest .

  • Lilay December 3, 2015

    ኢሰያስ ናጽነት ከም ትመጽእ ምስ ኣረጋገጸ ድሕሪ 1988ጉዳይ ስልጣኑ ከደልድል ከሎ እቶም ጀጋኑ ተጋደልቲ ግና ነቲ ኣብ ገምገም ዝነበረ ጸላኢ ክጽድፉ ይጓየዩ ነሮም። ኮይኑ ግና ነገር ይበላሾ ምስ ረኣዩ ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት ተቛዉሞ ብግሊ ይኹን ብጉጅለ ኣርእዮም ዮም ኮይኑ ግና ፈውሲ ማሕላ ወላ ሓደ ሲቪል (ገባር) ኣይሰዓቦምን። ንምሳሌ ኣብ 2001 ብጉጅለ 15 ዝተላዕለ ተቓዉሞ ህዝቢ ብሓፈሻ፣ መንእሰያት ድማ ብፍላይ ልዕሊ 200,000 ብረት ዝዓጠቐ መንእሰይ ኣጽቂጡ ገሊኡ ዲማ ምስ ኢሰያስ ወጊኑ። እቲ ጀጃዊ ወለዶ እዚ ወርቃዊ ዕድል ኣጥፊኡ ዩ ብሰንኪ ፍርሒ። ተጋደልቲ ደኣ ሞ ሰዓቢ እንተ ስኢኖም አንታይ ኪገብሩ፧ ናይ ብሓቂ ተጋዳላይን ማለት ስለ ህዝቡ ዝተጋደለን፣ ንውቃዊ ጥቅሙ ዝተጋደለን ንፍለዮም። እቶም ን ዉልቃዊ ጥቅሞም ዝተጋደሉ ተወዲቦም መጽዮም፣ እቶም ዝበዝሑ ገርህታት ግና ዉዳበ ዝበሃል ኣይነበሮም ምኽኒያቱ እቲ ወዳቢ ኢሰያስ ስለ ዝነበረ። ኩሉ ጊዜ ድማ ብዝሒ ኣይኮነን ዝስዕር ውዱብ ዩ ዝስዕር። ስለዚ እቶም ዝተወደቡ ዉሑዳት ሰረቅቲ ስዒሮም። ሒጂ ድማ እዚ ወለዶ ተወዲቡ ነቶም ግዳይ ዝኾኑ ተጋደልቲ ኣማእኪሉ ክቃለስ ኣለዎ። ተጋደልቲ ኪንዲምንታይ ይቃለሱ ካብኦም ክንመሃር ይግባእ። ኣማኑአል እያሱ ተጋዳልይ ዩ፣ ንግህደፍ ብሓለንጊ ክግረፉ ዝገብሮ ዘሎ ተራ ኩልና ንሪኦ ለና። እሞ ተጋደልቲ እንታይ ዘይገበሩ ዮም ገሊኦም ጠንቂ ዮም ይብሉዎም ገሊኦም ሸፋቱ ዮም ዝብሉዎም። ተጋደልቲ ተወፋይነት ኣብ ዕላማ ብግሪ ኣርእዮም ዮም ነዚ ወለዶ ኮይኑ ግና እዚ ወልዶ ኪንዲ ቆራጽ ዝኸዉን ቦጅባጅ ኮይኑ። ዉልቃዊ ኮይኑ። ተበላጺ ኮይኑ። እዚአን ሰልስተ ሕማም ዝሓመመ መንእሰይ ሞይቱ ዩ። ኤርትራ ድማ ዘይረኣየቶም መንእሰያት ብሕጂ ይፍጠረላ። ኣብ ከባቢና መንእሰያት መንግስቲ ከም ክዳይ ቀዩሮም ጥራይ ብድልየትን ቅራጽነትን። መንእሰይ ኤርትራ ኮ፣ ዕሉም መብዛሕቱ ኲናት ዝፈትነ፣ ግን ከብዲ ማይ መሊኣ ያ።

    • ወዲ ኣይተ December 3, 2015

      ተዓወት ሊላይ! ኢዚ ኩሉ ህድማ መናኢሰይ ዝምስክሮ ሓቂ ኢዩ።

    • Genet December 6, 2015

      Lilay, have you no shame? The yound people we the first victims of Shabia! even before PFDJ was created. They were sent our of their homes as young as 15 in the name of ‘maetot’ the national service. They were emotionally damaged, harrassed and physically abused by Tegadelti!! Of course not all tegadelti did this. The young Eritreans were made to go through horrible experiences in Sawa just to make them experience what tegadelti experiences in Ghedli! Maybe it was a deliberate action so that the young would not substitute them. Even in offices and other work places, what many tegadelti did to the civilians is unbelievable abuse! What is happening right now and what will happen to Eritrea and Eritreans, the responsibility falls fair and square on Tegadelti. Tell me if there is any colonle of general what was not a ategadalay! tell if there is any one who was not tegadalay or associated with Ghedli who has the power over people.
      My dear please think before you write. nay lbna aytezarbena.

      • Lilay December 7, 2015

        What for and why I ashamed. It is you who to be ashamed. You deny all dedication and sacrifies by TEGADELTY. Read the text again instead you rash to reply aggresively. There are some that is Isseyas his junta ( The apportunists)are some gangs not tegadelty. But most of the TEGADELTY har fought for good. You shuold have to be ashamed baecsue while you are working to gather Money day and night om the other hand TEGDELTY like Amanuel are fighting day and night and you get the possibility to post your comment and open your big mouth. Tegadelty as their name they are fighting still but the coward generation like are runing away.

  • kokob December 4, 2015

    Bitaemi tsbuk tgeltso aloka emo ketslo bzuh nmahar alona Tarik amaabablan trik felite ztewedebe menesey kea entay kem zefri lielena niska tfelto

POST A COMMENT