Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ተጋድሎ

ተጋድሎ ዕለት 16.03.2015 ኣራእስና ነኹዔ፡ ማእገርና ተመልጠ እናበልና ክሓይሽ’ዩ ፡ናጽነት ምስመጸ እቲ ዝተመልጠ ተጀለጠ እቲ ዝነኹዔ ተሓንፈጠ ደም እናነብዔ አብ ዓዱ .. ተጨፍለቐ ተረምጠጠ መንእሰይ ዉሕስነት ሲኢኑ ነፈጸ.. ካብ ኢድ ሓለዉቱ እናምለጠ ንሓርነት ከማዕዱ ተመሲጠ ነይነይቲ ሓርነት በለኒ.. ኢዱ እንዳዋጣወጠ ናብ ወርሒ ኪድ ኢሉኒ äዓይኑ እናፍጠጠ   ዝተዳራረበ ጓሂ መጸ መንእሰይ ኣብ

ተጋድሎ

ዕለት 16.03.2015

ኣራእስና ነኹዔ፡ ማእገርና ተመልጠ

እናበልና ክሓይሽ’ዩ ፡ናጽነት ምስመጸ

እቲ ዝተመልጠ ተጀለጠ

እቲ ዝነኹዔ ተሓንፈጠ

ደም እናነብዔ አብ ዓዱ ..

ተጨፍለቐ ተረምጠጠ

መንእሰይ ዉሕስነት ሲኢኑ ነፈጸ..

ካብ ኢድ ሓለዉቱ እናምለጠ

ንሓርነት ከማዕዱ ተመሲጠ

ነይነይቲ ሓርነት በለኒ..

ኢዱ እንዳዋጣወጠ

ናብ ወርሒ ኪድ ኢሉኒ

äዓይኑ እናፍጠጠ

 

ዝተዳራረበ ጓሂ መጸ

መንእሰይ ኣብ በረኻታት መኺኑ..

ከይምርዖ ከይሕጸ

ከይርኢ ኩሉ ዝበለጸ

ከይበልዕ ከይሰቲ ዝተመርጸ

ወዮ ማዓርና ከም ሕሞር’ኣ መጸጸ

 

ሎሚ  ተራእዩ ድጉል ሓዊ

ንነዊሕ ዝተሓብአ ከም ባሕታዊ

ንፋስ ምገበረሉ ማኢተዊ

ሃልሃል የብለና ኣሎ ሲኢናሉ መዕጸዊ

 

ኣእዳዋ ኣጣሚራ ትጽበላ

ዓዲ ጀጋኑ ቅያ ተጋድሎ

ብታኣምራት ክኾነላ ትምህለሎ

ኣምላኽ ኣባይና ካባና ክኽዉሎ

ንኣና  ብንቑጽ ከሕልፈና

ማለት ንእኡ ካኣ ከጥሕሎ ፧

 

 

 

 

ኣብ ምድረበዳ ከምዘለና ንበይንና

ንባርነት ነደራዕ ተቓሊዕና

ገለና ንቃለስ ንፍትሒ ደሊና

ገለና ነዕጠጢ በለጽ ተጎልቢብና

ኩልና ነጉረምርም ዓብይና ንኡስና

ንሕና እንታዎት’ና ፧

እንታይ ንገብር ኣለና፧ናበይከ ኢና፧

ግደፉ’ባ

ሓርነትና ከይፈረየት ከይትመኽነና

 

ካን ሓሞትና ኣፍሲስናያ ኣብሩባ

ቀልብና ተሰቂላ ኣብኩርባ

ኣደታት እና በኸያ እና ኣሕቆብቆባ

ኣዋልድና እና በኸያ እናሕቆብቆባ

ዘርእና ጠፊኦም ካብ ዛረባ

ፍርሒ ዓትዒታ ሒዛትና

ምስ ጸገም ኣዋሲባ

ንኣና ምስራኣየት ሓርነት

ተኸዊላ ገጻ ተጎልቢባ

ነርክባ ንሓዛ ንኽበባ

ንሳኢያ ማዐርግና ካባ

 

ደቂ ኤረይ ኣሽንባይዶ ህ.ግ.ድ.ፍ

ህበይ ናይ ዓለምና

ካብ ኩሉ ተነጺላ ንበይና

ብኣርኮል ትድቅስ ተንኮል ተጠንጢና

ንሓያላት ዘሕነኽና’ኮ ኢና

ድሕሪ ዓብይ ወጽዓ፡መሪር ጭኮና

ንሓርነት እንድዩ ፡ቃልስና ሾቶና

ጨልቂዑ ክስዉት ተስፋና

ቀዉዒ ናጽነት ክስስን ኣብ ዓዉድና

መጀመርያ ንስራዕ ነንርእስና

ፈቲና ጸሊእና ፡ብሓባር’ዩ ዓወትና

ስንና ንከስ ንሰብስብ እጅገና

ንዛዝማ ነታ ንእሽቶ ዝተረፈትና

ለብዘመን ሓዲኡ’ሎ ንፈጣሪ ሒዝና።

 

እስጢፋኖስ መንግስትኣብ

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
3 COMMENTS
  • Mesinas March 27, 2015

    ጭቡጥን ህሉውን ኩነታትና ዚገልጽ ድሩዕ ናዕታ ክቡር ሓው እስቲፋኖስ። ብሓቂ ብሉጽ ህሉው ኩነታትና ዘንጸባርቕ ናዕታ! ተሳትፎኻ ኣይፈለየና። ኣጆኻ በርትዕ! ህጠር!

  • Stefanos Menghesteab March 27, 2015

    ከቡር ሓዉ መሲናስ ብመጀመርይ ስለ ተገዳስነትካ የመስግን። ቀጺለ ንኹሉ ከምዚ ከማይ ድኹም ከተባራትዕ ከሎኻ ኣዚየ የድንቀካ ፡ በ’ቲ ኩሉ ሓያል’ሞ ካኣ ብዙሕ ኣድማዒ ጹሑፋትካአ ፡ዘይትሕለል ሓያል ተቓላሳይ ዜጋ ኣለኻና ። ድሓር ካኣ ኣዚኻ ህጡር ስለ ዝኾንካ፡ ንስኻ ንኣይ ኣጆኻ ህጠር ክትብለኒ ከለኻ ፍናን ይስምዓኒ።ክብረት ይሃበለይ።
    ሓዉካ እሰጢፋኖሰ።

  • AHMED SALEH March 28, 2015

    Thank you Mesinas to speak for the forum to encourage brother Estifanos to join with his
    gifted ability in Tigrigna poem . Keep it up the good work ahwat deki adey with positive
    and humble attitude because that was the culture our elders taught us early on contrary
    to the devastating influence followed later from anti social force .

POST A COMMENT