Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ተጸባዪ ነዳዪ – ቃል ኣሰና

እቲ ምእንቲ ሓርነትን ፍትሕን ስልጣኔን ከቢድ መስዋእቲ ዝኸፈለ ውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ፣ ወግዓዊ ነጻነቱ ካብ ዝጓናጸፍ ልዕሊ 23 ዓመታት ኳ እንተሕለፈ፣ ብስንኪ ጥልመት ናይቲ ስስዐ ስልጣን ሃሙን ቀልቡን ዘዐወሮ ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ኣፈወርቅን፣ መጋበርያ ኮይኖሞ ዘለዉ መራሕቲ

እቲ ምእንቲ ሓርነትን ፍትሕን ስልጣኔን ከቢድ መስዋእቲ ዝኸፈለ ውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ፣ ወግዓዊ ነጻነቱ ካብ ዝጓናጸፍ ልዕሊ 23 ዓመታት ኳ እንተሕለፈ፣ ብስንኪ ጥልመት ናይቲ ስስዐ ስልጣን ሃሙን ቀልቡን ዘዐወሮ ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ኣፈወርቅን፣ መጋበርያ ኮይኖሞ ዘለዉ መራሕቲ ስርዓት ህግደፍን ጻምኡ ኣይረኸበን።

ብሰንኪ እቲ ውዕል ጠለም ስርዓት፣ ኣብዘን ዝበዝሓ ዓመታት ናጽነት፣ ሃገርና፣ በንጻር ‘ቲ ህዝቢ ኤርትራ ሃረር ዝበሎ፣ ዓለም ‘ውን ዝተጸበየቶ፣ ኣብነት ኣፍሪቃ ዘይኮነስ ፍጮ ኣፍሪቃ ኮይና ክትሕመን ክትውቀስን ጸኒሓ ኣላ።

ግፋን ማእሰርትን ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን፣ ብስም ሃገራዊ ኣገልግሎት ሱር ዝሰደደ ጊላነት፣ ምረት መነባብሮን ድኽነትን ገኒኑ ምንጪ ስደትን ህልቂትን ዜጋታትና፣ ብሕልፊ ድማ ብኽነት ኤርትራውያን መንእሰያት ኮይኑ፣ ብዘይ ባንዴራ እንሕበን ዝነበርና ህዝቢ፣ ዝሰቐልናያ ባንዴራ መለሳ ተሳኢኑዋ፣ ኣይ ሶል ኣደራዕ ኣይ መሐበሲ ንብዓት ኮይና ምስ ተረፈት፣ ድሕነት በየን ከምእትርከብ፣ ብኸመይ ከምእትመጽእ ብዓድን ግዳምን ኣርሚሙና ኣብ ካልኣይ መግዛእቲ ቀንፈዘው ክንብል ንርከብ ኣለና።

ኣብዚ እዋን’ዚ፣ እምነቱ ብጥልመት ተወሪሱ ዕድሎት መራሕቲ ኣብ ርእሲ ምስኣኑ ንህዝቢ ኤርትራ ጠፊኦሞ ካብ ዘለዉ ሞራላዊ ጸጋታት ሓደ ርእሰ ምትእምማን ኣጥፊኡ ተጸባዪ ኮይኑ ምህላዉ እዩ። መዛርዕካ ፈቲሕካ ትጽቢት ግን ንድየት እምበር ዓወት ከምዘይወልድ ግን ካብ ህዝቢ ኤርትራ ንላዕሊ ዝተመኮረሉ የልቦን።

ኣብዚ እዋን’ዚ፣ ያታና ዝነበረ ንሽግር ገጽ ንገጽ ብቓልሲ ገጢምካ ባዕልኻ ጸገምካ ናይ ምፍታሕ ኣመል በዅሩና፣ ንርእስና ንስደት መፍትሒ ሽግር ጌርና፣ ሃገራት ኤውሮጳ ወይ ኣመሪካ ብዛዕባ ሃገርና ዝዛረባኦ ቴርሞሜትር ተስፋና ኮይኑ ሓንሳብ ከተስፍወና ሓንሳብ ከቕብጸና ክርአ ኸሎ ድኻምና ንቡር ተሳኢኑዎ ከምዘሎ ዘምልክት እዩ።

እንተኾነ፣ ንሕና ደኣ ኢና ጠባይና ቐይርና ዘለና እምበር፣ እዘን ሃገራት እዚኣተን፣ ጠቕሚ ከምዝቕልሰን፣ ረብሓአን እምበር ረብሓ ህዝብታት ከምዘየቐድማ ኣብ ግዜ ሓርነታዊ ቓልሲ እንፈልጦ ዝነበርና ጉዳይ እዩ። ሕጂ ‘ውን ዝተቐየረ ነገር የልቦን።

ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ኤርትራ ዝቕባበ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ‘ኳ እንተሎ፣ ነዘን ሃገራት እዚኣተን ካብኡ ንላዕሊ ብልጭልጭ እናበለ ደሚቑ ዝረኣየን እቲ ዝርካቡ ማዕድናዊ ሃብቲ እዩ። ዝብላዕ ኣሎ እንተተባሂሉ፣ ብቐይሕ ቀለም ን 10 ዓመታት ዝጸሓፍኦ ጸብጻብ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ሓደ መዓልቲ ዓጺፈን፣ ድሪል ሒዝካ ምውፋር ዘጸግመን ኣይኮነን። ሎሚ ቕነ ልኡኻት ዓዲ እንግሊዝ ነዚ ከቋምቱ እዮም ኣስመራ ቀንዮም።

ስለዚ ነቲ ሒዝናዮ ዘለና ዕላማ ለውጢ ክድግፋ ከለዋ ሳምቡእና ክንፋሕ፣ ሸለል ክብልኦ ልብና ክሞሉቕ የብሉን። እቲ ብቐዳምነት ክነተኵረሉ ዘለና ናይ ገዛእ ርእስና ዓቕሚ፣ ድሌትን ተወፋይነትን እዩ።

መንግስቲ ደንማርክ ኣብ ኤርትራ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ኣሎ ወይ የለን እንተበለ ወይ ከኣ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ገበናት ዝጽብጽብ ናይ መርመራ ኮምሽን እንተቖመ ብዙሕ ፍልልይ ኣይገብርን እዩ። ኣብ ናይ ገዛእ ርእስና ተመኵሮ ተመርኵስና እንተመዘናዮም ‘ኳ፣ ካብዞም ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ካብቲ ኣብ ልዕሊ ስርዓት ህግደፍ ካብ 2009 ኣትሒዙ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ተበይኑ ዝጸንሐ ‘ሞ ፋይዳ ዘይነበሮ እገዳ ዘይዓብዩ ስጉምታት ዝተጋነነ ትጽቢት ክንገብር የብልናን። ከከም ዓቐኖም ተወሳኺ ጽልዋ ጥራይ እዩ ዘለዎም።

ከምቲ ኣብ ናይ ሎሚ ዜና ዝተኸታተልኩሞ፣ ኣብ ልዕሊ ፕረዚደንት ሱዳን ዑመር ሓሰን ኣልበሺር ጸኒዑ ዝጸንሐ መጸዋዕታ ፍርዲ ፍረ ኣልቦ ኮይኑ ድሕሪ 5 ዓመት ምውጋኑ ‘ውን ተወሳኺ ኣብነት እዩ። እዚ ስጉምቲ እዚ ንጽህና በሽር ዘይኮነ ሞራላዊ ድኻም ማሕበረሰብ ዓለም እዩ ዘመልክት። ስለዚ ሓይሉ ህዝቢ ወሳኒ ምዃኑ ደጊሙ ክስቆረና ኣለዎ።

ኣብ 1991 ህዝቢ ኤርትራ ናጽነቱ ምስተጓናጸፈ ኣብ 1993 ናይ ዮሃና መልእኽታት ካብ ዝሰደዳ ሃገራት ዓለም ብውሑዱ ልዕሊ 95 ሚእታዊት ምስ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ዝደናገጻ ከምዘይነበራ እንተዘኪርናዮ፣ ድሌት ሓደ ህዝቢ ኣብ ባይታ ንዝተኸሎ ዕላማ ነቓሊ ከምዝይብሉ ዝምስክር ጭቡጥ ኣብነት እዩ። ተወፋይነት ንዘለዎ ህዝቢ ዕላምኡ ካብ ምውቃዕ ዝዓግቶ ሓይሊ የልቦን። ከሳሲ ፈራዲ፣ ነቓሊ ተኻሊ ህዝቢ ባዕሉ እዩ። እንተኣንቂዱ ዓጋቲ የብሉን። ኣብ ገዛና ዓንዲ ማእከል ንሕና ኢና። ስለዚ፣ ካብ ተጸባይነት ተላቒቕና ከም ህዝቢ ርእሰምትእምማንና ነሐድስ።

 

ምልኪ ይፍረስ ሕጊ ይንገስ!

ኣማኑኤል ኢያሱ

15 ታሕሳስ 2014

aseye.asena@gmail.com

Review overview
19 COMMENTS
  • Samson Medhane December 17, 2014

    Smerrrrrr belu deqi Ere tselaekum kiseAr
    Smerrrrrr belu yeHwat kuluKum bHabar
    smret ya mengedi enko medHn hager
    zsemere yu Awetat zAtr zseH qumneger
    zeysemr ayqawem keykewn tederabi tsor

  • Wedi nega December 18, 2014

    Assenna ተጸባያይ ረብራባይ ድዩ ዝብሃል ካብ ምጽባይ ዝከፍእ የለን እሞ ነቶም ብሰናይ ድልየቶም ካብ እስራኤል ተመሊሶም እታ ዝፈትውዋ ሂወቶም ከፊሎም ስቅያት ህዝብና ይኣከል ብምባል፣ ተበጊሶም ዘለው መናእሰያት ብሞራላውን ንዋታውን ሃገዝ ምግባር ይሓይሽ። ኩሉ መድያታት ውን ናብኦም ተመተ እንተ ዝገብር እቲ ቃልሲ ምረሰነ እንበር ንድሕሪት ኣይምተጎተን። ስለ እዚስ ምትእምማን ክህልወና ኣለዎ።

  • oromay December 20, 2014

    ተቓላሳይ ዝበሃል ነቕ ዘይብል ጽንዓት ዝውንንን ንህዝቢ ድማ ፍናንን ሞራልን ዘስንቕ እምበር ሕልናኻ ዝድክም ቃላት ምቅላሕ ኣይኮነን። ብትጽቢት ነዲና፡ ጾር ከቢዱና፡ ተስፋ ኮሪጽና፡ ትዓሽና፡ ተታሊልና፡ ተጋጊና፡ መሲሉና፡ ፈሪሕና፡ ተሸኹሪርና፡ተካል መሬት፡ ወዘት ክንደይ ክንብሎ ብዙሕ እዩ። ምጽሓፍ ዘየድልዮ ኩሉ ዝፈልጦ ነገር እዩ ‘ሞ ጥቕሚ ስለዘይብሉ መግለጺ ኣየድልዮን እዩ።

  • oromay December 21, 2014

    በጃኻርኩም ትብዑ ፍርሒ ኣይግዛእኩም።

POST A COMMENT