Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ታሪክ ሓቅን ታሪኽ ድንቁርናን ፊት ንፊት

ከተማ ኒው ዮርክ ነቲ ሃሲሱ ዝነበረ ታሪኽ ጅግንነትን ዘይተምበርካኽነትን ኤርትራውያን ዝኾልዔ ሓድሽ ቅያ ወቂራ። እቲ ንዝሓለፈ ኣስታት ዓሰርተ ዓመታት ንሃገርና ኣብሪሱ ንህዝብና ዘጽንት ዘሎን ንታሪኽ ጅግንነት ህዝቢ ኤርትራ ብኽድዓትን ጥልመትን ዝበረዘ ውልቀ መላኺ ኣብ ህይወቱ

ከተማ ኒው ዮርክ ነቲ ሃሲሱ ዝነበረ ታሪኽ ጅግንነትን ዘይተምበርካኽነትን ኤርትራውያን ዝኾልዔ ሓድሽ ቅያ ወቂራ። እቲ ንዝሓለፈ ኣስታት ዓሰርተ ዓመታት ንሃገርና ኣብሪሱ ንህዝብና ዘጽንት ዘሎን ንታሪኽ ጅግንነት ህዝቢ ኤርትራ ብኽድዓትን ጥልመትን ዝበረዘ ውልቀ መላኺ ኣብ ህይወቱ ንመጀመርታ ጊዜ ዓቢ ውርደትን ፍሽለትን ኣጋጢሞዎ። ኢሰያስ በቶም ንዓመታት ኣብ ጎኑ ዝተጋደሉ ገዳይም ተጋደልቲ እውን ከምዚ ዓይነት ጽፊዒት ኣጋጢምዎ ኣይፈልጥን እይ እንተበልኩ ዘጋነንኩ ኣይመስለንን።

እቲ ኣብ ዕጹው መገባእያ ንደቂ መሬት ዝፈረደን ዝቐንጸለን መራሒ ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ው.ሕ.ሃ ኣብ ዝገበሮ መደረ ዳርጋ እቲ ኩሉ መናብር ጥራዩ ምንባሩን ናብ ዲሲ ክገብሮ ዝሓሰበ ጉዕዞ ብመንግስቲ ኣሜሪካ ምስራዙን ነቲ ፍሽለት ተወሳኺ ድምቀት ሂብዎ። ዓለም ንኽትሰምዖ ይትረፍ ንኽትርእዮ እውን ኣዝያ ፈንፊናቶ እያ፡ እንትርፎ እቶም እዝኖም ከይሰምዔ ዓይኖም ከይረኣየ ዘጣቕዑ ሓንጎሎም ኣብ ከብዲ ኢዶም ዘሎ ደገፍቱ። ሰማዒ ከምዘይረክብ እንዳፈለጠ ደኣ እንታይ’ዩ ክገብር መጺኡ ንዝብል ሕቶ መልሱ ሓንቲ እያ። ነቲ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ዘሎ ውጹዕ ህዝብና ብፕሮፖጋንዳ ንምትላል እዩ’ዚ ኹሉ ሃልኪ።
ቲቪ ኤረ ነቲ ውልቀ መላኺ ምስቶም ፓፓጋሎ ደገፍቱ ዝገብሮ ሕቶን መልስን ዘይብሉ ጉጅም ዓያሹ፡ ኣብ ኣሜሪካ ዝነብር ህዝብና ኣብ ጎኒ ህዝቡን መንግስትን ምኻኑ ዳግማይ ኣመስኪሩ። ኣብ ኣሜሪካ ዝነብር ህዝብና መንግስቲ ኤርትራ ንዝኽተሎ ዘሎ ናይ ወጻኢ ፖሊሲ ብኣወንታ ገምጊምዎ። ኣብ ኣሜሪካ ዝነብር ህዝብና ንተራ ፕረሲደንት ኢሰያስ ኣፈወርቂ ኣድናቖቶም ገሊጾም። ወዘተ ኣዲኡ ትቑጸሮ ኢልካ ዝግደፍ መወዳእታ ዘይብሉ ሓሶት። እዚ ሓሶታት ቲቪ ኤረ ድማ እቲ ሽፍታ መራሒ ካብ ኣስመራ ከይተበገሰ እዩ ተማሂዙ ተሰኒዑ ዝዳለው። እቲ ሓቂ ግና ኩሉኻትኩም ኣብ ኣሜሪካ እትነብሩ ትርእይዎን ትሰምዕዎን እንተሃለኹም ኣብ ውሽጢ ዓዲ ዘሎ ግዳይ ቲቪ ኤረ ንኸይከውን ከነቃልዖ ይግባእ።

እቶም ንፖሊሲ መንግስቲ ኤርትራን ንተራ ፕረሲደንትን ኣድናቖቶም ገሊጾም ዝበሃሉ ዘለው ሰባት በዓል መን እዮም? በዓል ሓወይ ኮሎኔል ኣለኒ፡ ጀነራል እገለ ወደ’ኮይ እዩ፡ ኣብ ዓዲ ዘስራሕክዋ ገዛይ ከይወስዱለይ፡ ኣብ ቢሻ ወርቂ ረኺቦም ኢሎሞም ገሎዶ እቲ ናይ ቦንዲ ገንዘበይ ይመልሱለይ ይኾኑ ዝብሉ ኣንኳይዶ ፖሊሲ ሓንቲ ሃገር ክግምግሙስ ኣብተን ዝነብሩለን ከተማታት ከማን እንታይ ዝስመን ጋዜጣታት ይሕተማ ክፈልጡ ዘይክእሉ ኣብ ዓዲ ፍልጠት ንድንቁርና ወይ ሞት ዝበሉ ሰባት እዮም ዳርጋ መብዛሕትኦም። ብዘመን ውቤ ዝጸመመስ ውቤ ክብል ይነብር ከምዚበሃል ብግዜ ወዲ ኣፎም ብሪ ንሱ ኣንበሳ ዓሳኽሩ ነብሪ ዝጸመማ ኣንስትውን ኣለውኦም። መራሕቲ ህግደፍ ደጋፊ ከምዘይብሎም ስለዝፈልጡ ነቲ ናይ ኣኼባ ሰዓት ዕለትን ቦታን ብሚስጥር እዮም ሒዞሞ ስጋብ ናይ ዜሮ ሰዓት። ቀንዲ ምኽንያት ድማ ነቲ ንውልቀ መላኺ ኢሰያስ ንምኹናን ብደለይቲ ፍትሕን ደሞክራስን ንዝግበር ሰፊሕ ሰላማዊ ሰልፊ ንኸይሳለጥ ዕንቅፋት ንምፍጣር እዩ።

ኢሰያስ ኣብ 1999 ኣብ ዋሺንግቶን ዲሲ መጺእሉ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ኣሽሓት ሰባት ምስታፎም ናይ ቀረባ ጊዜ ተዘክሮ እዩ። ብኢሱሮም(ኢሰያስን ሮሞዳንን) ብዝብል ጎስጓስ ካብ ህዝቢ ብሚልዮናት ዶላራት ንምክልኻል ሃገር ተባሂሉ ተዋጺኡ። ኢሰያስ ድማ ቆርበት በጊዕ ተኸዲኑ ፍሽኽ እንዳበለ ናብ ኣስመርኡ ተመሊሱ። ሎሚ ግና ነገረ ተገላቢጦሽ እዩ ኮይኑ። ወያ እንታይነቱ ንኹሉ ኤርትራዊ ስለዝተኸሽሐ ዘለዎ ኣማራጺ ብሕቡእ ምስቶም በብሓደ ሰብ ወሓደ እንዳንቆልቆሉ ዝኸዱ ዘለው ሰዓብቱ ምርኻብ እዩ እቲ መሓዮታቱ ዘዳለውዎ ውጥን። መንግስቲ ኣሜሪካ ደሓን ኣይእተው ካብ ከተማ ኒው ዮርክ እሞ ኸኣ ካብ ውሱን ርሕቀት ንኸይከይድ ስለ ዝኣገድዎ ንባዕሉ ከምቶም ኣብ ኣገልግሎት ዝኽርትቱ ዘለው ኣሕዋትናን ኣሓትናን መንቀሳቐሲ ወረቐት ሓርቢትዎ’ዩ ቀንዩ።

ህግደፍ ማዕረ ክንደይ ነድዩ ምህላው ነቶም ደገፍቱ ኣብ ሰለስተ ጊዜ ዝኽፈል ቲኬት ናይ መጎዓዚ ኣየር ከለቃሓኩም ንዑ ያላ ደገፍኩም ሃቡ እንዳበለ ገዛ ገዛ ክኹሕኩሕ ምውርሑ እዩ። እቲ እኼባ ኣብ ኒው ዮርክ ክንሱ ንበዓል ኣቦይ መሕፈርን ኣደይ መጣቒዒትን ልክዕ ከም ጤለ በጊዕ ኣብ ዋሺንጊቶን ዲስ ክእክቦዎም ኣዮም ቀንዩም። ናበይ ከምዝወስድዎም ከይሓበሩ ድማ ከም ወፋሮ ኣብ ኣውቶቡሳት ኣወጢሖም ናብቲ ቦታ ኣኼባ ወሲዶሞም። ኣብ ማእከል ከተማ ኒው ዮርክ ኣብ ዝርከብ ማንሃተን ሰንተር (Manhattan Center) ተባሂሉ ኣብ ዝጽዋዕ መእከቢ ኣዳራሽ ድማ ኤርትራውያን ፊት ንፊት ተራኸቡ። ገሊኦም ንሃገርና ቅዋም ተጌሩላ ብስርዓተ ሕጊ ንኽትመሓደር ውልቀ መላኺ ካብ ስልጣን የልግስ ዝብሉን፡ ኣይፋልና እንተደልዩ ይቕተለና እንተደልዩ ይእሰረና ብዘየገደስ ካብ ካልእ ዝገዝኣና ኢሰያስ ይሕሸና ዝብሉ ሓሰርንፋይ ታሪኽን።

እቶም ንውልቀ መላኺ ኢሰያስ ዝቃወሙ መብዛሕትኦም ትርጉም ናይ ምንባር ዝፈልጡ ሰብ ሕልና ንእንታይነት ኢሰያስ ዘነጽር ታቤላታትን ጭርሖታትን ሒዞም ተቓውምኦም ከስምዑ እንከለው፡ እቶም ደገፍቲ ኢና በሃልቲ ግና ድምጺ ኣይነበሮምን እንትርፎ ብዝሕን ስእሊ እቲ ዲክታቶርን። ንሓደ መዋእሉ ንህዝቢ ኤርትራ ዝቐንጸለ፡ ባዕሉ ኩናት ወሊዑ ጠንቂ ሞት ኣርብዓ ሽሕ መንእሰያት ንዝኾነ ሰብ ዝድግፍ ፍጡር ናይ ኣእምሮ ሕማም ዘለዎ ጥራይ እዩ ክኸውን ዘለዎ። ኣብ ዓለም ንውልቀ መላኺ ብረብሓን ጸቢብ ወገናውነትን ብውልቆም ዝድግፉ እኳ እንተሃለው ከምዚ ናይ ህግደፍ ኢና በሃልቲ ዝዓይነቱ ኣዝዩ ድሑር ምስ ምዕባለ ዓለምና ዘይከይድ ደገፍ ግና ኣብ ዓለም ተራእዩን ተሰሚዑን ኣይፈልጥን እዩ ክበሃል ይከኣል።

ኣብ ሞንጎ እቲ ሰልፊ ሓደ ሰብ ጸዊዑ ምስ ሓደ ጉልቡት መንእሰይ ከላልየኒ ወሰደኒ። ስመይ ምስ ነገርኩዎ ንሱ’ውን ዮናስ ይበሃል በለኒ። እቲ ዘላልየና ዝነበረ ሰብ ድማ ኣብ ሞንጎ ወዲ ጀርማኖ ናቲ ምዃኑ ሓበረኒ። ነዚ ወዲ ሓርበኛ ጅግና ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ ብኣትኩሮ እንዳረኣኹ ኣነ ክሓቶ ንሱ ክምልሰለይ እንዳዕለልና፡ ሓደ ደጋፊ ህግደፍ እየ በሃሊ ብትርኢት መስማር ጎደል ዝመስል ንዓይን ንዮናስን ዓጋመ ወያነ ኢሉና ናብቶም ክዳን ዝተኸድኑ ጠለ በጊዕ ብጾቱ ተሓወሰ። ገሪሙኒ ድማ ወይለይ ኢለ። ኣነን ንሱን ኣቦሓጎታትና ናብ ኤርትራ ዝመጽሉ እንተዝጽብጸብ ብዙሕ ዘገርም ኣይኮነን እንተ ናተይ ክቕድሙ ዋላስ እንተ ናቱ። እንተ ነቲ ወዲ ብሄር ኩናማ መበቆል ኤርትራ ዝኾነ ዮናስ ጀርማኖ ናቲ ደፊሩ ከምኡ ምባሉስ ምስ ዕሽነት ዶ ይቑጸር ዋላስ ምስ ድንቁርና።
እምበኣር እቲ ህግደፍ ንኸፍሽልዎ ላዕልን ታሕትን ዝበሉሉ ሰልፊ ብዓወት እዩ ተዛዚሙ። ኣመንቲ ኢሰያስ ንኢሰያስ ንሓላሎም ተሰናቢቶሞ፡ ኢሰያስ ድማ ንከተማ ኒው ዮርክ ንዘንተ እለት ተሰናቢትዋ ከም ቀዛፊ ዓርኩ። እቲ ውልቀ መላኺ ካብቲ ዝነበረ ሰላማዊ ሰልፊ ንኽሃድም ብድሕሪ ማዕጾ እኳ እንተኣተወ ድሒሩ ኣብ ጥቓ ዓሪፉሉ ዝነበረ ቦታ ኣብ ዝርከብ ቤት መግቢ ክበልዕ ምስ ከደ ብጀጋኑ ኤርትራውያን መንእሰያሰት ኣባላት EYCን EYGMን ኣብ ውሽጢ

እቲ ቤት መግቢ ኣትዮም ኣንታ ቀታሊ ሰብ ዲክታቶር ኢሎም ስለዝተቛወምዎ መግቡ ከይበልዔ ሕሳቡ ከፊሉ ብሓለውቲ ተዓጂቡ ተዓዝረ።
እቲ ጭርጭር ኣብ ጎደናታት ኒው ዮርክ ኣብ ሞንጎ እቶም ጀጋኑ መንእሰያትን ኣብ ቀንዲ መሻርኽቲ ኢሰያስን ድማ ቀጸለ። ብፈለማ እቲ የማናይ ኢድ ኢሰያስ ኮይኑ ንሃገር ዝሕምስ ዘሎ የማነ ማንኪ መሬት ሰላም እዩ ዘሎ ኢሉ ምስ ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ኣብ ሓደ ፒጀ ክላርክስ (PJ- Clarke’s) ዝበሃል ባር ኮፊ’ሉ ንኽእዝዝ እንዳተቓረበ ኣብቲ ዘለወሉ ቦታ ደበኽ በልናዮ። ቢራ ደኣ ካብ መዓስ ትሰትይ ኣይ ደም ሰብ እንዲኻ ትምገብ ምስ በልናዮ ሃዲሙ ካብቲ ባር ክወጽእ ፈተነ። ንኣስታት ሰለስተ ኣንጎሎታት እንዳተኻታተልና ድማ ንምንታይ ንስውኣት ትኽሕድ፡ ንምንታይ ንብጾትካ ትኽሕድ፡ ብህይወት ኤርትራውያን ትሕተተሉ እዋን ቀሪቡ እዩ ኢልና ምስ ኣዘባዘብናዮ ሓንቲ ቃል ከየውጽኤ ካብቲ ከባቢ ሃዲሙ ተዓዝረ። ዘይረኣየ ኣይኣምንን ለካስ ምስ በዓል ኢሰያስን ማንክን ዘላ ሓሞት ናይ ኣንጭዋ እያ።

ሓጎስ ክሻ ድማ ኣብ ጎደና ሰለስተ (3 avenue) ሸናዕ ኢሉ እንዳኸደ ብደም መንእሰያትን ብንብዓት ኣዴታትን ተሓታቲ ኢኻ ኢልና ካብቲ ናይ ኣያታቱ ዘይንእስ ሰፍ ዘይብል ውርደት ኣሰኪምናዮስ ነቲ ቀይሕ ዝነበረ ናይ ትራፊክ መብራህቲ ጥሒሱ ክጎዪ ተገደደ። ዋይ ኣነ ሃገርና’ባ መጻወቱ እዞም ጻሕጻሕቲ እያ ኮይና። እንተ እቶም ኣብኡ ዝነበርና መንእሰያት ምእማን እብዩና ካን ነዚኦም ዝኸውን ሰብ እዩ ኣብ ኤርትራ ጠፊኡ ኢልና። እዚኦም እዮም ንጀጋኑ ዝፈርዱን ዝቕንጽሉን፡ ንኣደ መንእሰይ ሓምሳ ሽሕ ክፈሊ ኢሎም ኣብ ድጓና ዝድርብዩ፡ ኣብ ዶብ ንዝተረኽበ ረሽኑ ኢሎም ትእዛዝ ዘመሓላልፉ። ጊዜኦም ግና እንዳረኣናዮ የብቅዕ ኣሎ። ከምቲ ኣብ ጎደናታት ኒው ዮርክ ዘፍሸልናዮም ኣብ ውሽጢ ዓዲ ድማ ፍሽለቶም ቀሪቡ እዩ። እዚ ኩሉ ዘጋጠመ ኩነት ድማ ኣብ ቪድዮ ሰኒድናዮ ስለዘለና ክንዝርግሖ ምኻንና ኣይትጠራጠሩ። መስከረም ታሪኽና ቃልስና ተፈሊሙ፡ ሕቶ ፍትሕን ደሞክራስን ተጨውዩ ከምዘይነበረ ሕጂ ዝፈሽል ስርዓት እምበር ዝሰዓር ህዝቢ ከምዘየለ ደጊም ተበሲሩ።

20 ዓመት ንዓያሹ ሓበን ንለባማት ግና ሓዘን’ዩ!

ሰሎሞን ገብረየሱስ-ኣባል ኤርትራውያን መንእሰያት ንለውጢ

25 መስከረም 2011 ከተማ ኒው ዮርክ

aseye.asena@gmail.com

Review overview
36 COMMENTS
  • tsegay pp September 26, 2011

    kakak nenebesu zeyfeletse tseray eu nehegedef zeyfeltseom kemzi anbesa nedku zeketelom neskeani nehezbu zesaki seb fekedo sedeten mekeran moten geru zelosi kesab hiji mes hegedef ab gezae nebeska meferad eu

  • Dawit Tsehaye September 26, 2011

    kindei tkhonu nierkum 20 tkhonu ahhhhhhhhhhhhhhhhhhhhhhhhh

  • TECLU thomas September 26, 2011

    አንታ ሓወይ እቶም ተባዐት ኤርትራውያን ጣፊኦም እዮም እንድዩ ዝበሃል ዝነበረ ዳአ ሕጅ ደአ ካበይ መጹ እዞም ጀጋኑ
    ወይ ሓወይ ጀጋኑ ጣፊኦም እንተበልናካ እኮ ደቂ ጀጋኑ የለውን ማለትና እኮ እይኮናን፡፡

  • Selhadin Osman September 27, 2011

    Assena and wegenawian, why do you have to lie, after the Presidents seminar, he was escorted by high security and even we who support him could not get a chance to meet him. they were many ADETTAT who want to talk to him, but it was impossible to come near him, so where did you get the information that people were shouting at him. Or you thought as usually, ISA HASOT KILITE MEALTI TEKAYIDENA IYA.

    • guest September 28, 2011

      he was sneaking in the backdoor because he was afraid of the youth. It is over !!!

  • Issayas zero(0) opposition aserte(10) September 27, 2011

    Any way kemtemen idaga chfchf mebeluwo nerom izom jeganu n monkey gin tsibah win nabaey keyebil ilom haku negirom afaniyomo.nsu gin ferah ayihazkaa indiu abet abet igrey awtsini kemzi yelen.Tsahtsahi hibey gida bikedemu.Gin n monkey bjeka iti mislu kali hibey zebilo win alewo su kia bzeben gedli neta kedameyti sebeytu ashkiu ab aday ms weyni indaterakebe kelo sire wshiti monkey ita kendi sebeytu kem chbti hiza arekibata anfahiku neru .higi kia kali sebeyti hizu terekibu neger hibey.yehbayat!

  • grande nero September 27, 2011

    constant dropping water wears away a stone. this is the time deki hager shama shama let us push isayas wedi medhin berad back to tenben

    • NIKIYA September 27, 2011

      falarie na boca a simplie …….ome tinki fazeri na mostra ……voses sempre …asi!!!!

  • Kemal September 27, 2011

    Number doesn’t matter, its the quality of people that matters. Look at those ignorant supporters of Higdef, mostly older women and men possibly uneducated and can’t think independently. Higdef followers are living in their past during the struggle time and they have hard time to understand the current world politics and governance. So, we should just ignore them and focus on attacking the regime till its demise. Down to Dictators !!!

  • bini September 27, 2011

    i am very glad opposing against gang higdef and the crazy leader gena ezi hixe u mera ketreu ekum abzi kereba ewan hagos deka tebehal guahi kebluka nerwom tesena ena zelona aginst dictator…..cheers

  • dongolo September 27, 2011

    Mr.Solomon don,t know Ed sewra newih kemzikone ????????????????

  • Medhin Berad September 27, 2011

    EWAY ANTA ETI ZGERMEKA KSAB LOMI LBI ZELEWO HGDEF KREKB BZUH TSERE GN AYREKEBKUN. SLEMNTAY YMESLEKUM LBI ENTE ZHLWOM NHGEDFN NQETALI SEB KRIMINAL ISAIAS WEDI MEDHIN AYMDEGEFUN NEROM. KEMTI NGUS SOLOMON ZBELO ASHAS BESHNETU YKORE LBI SLE ZEYBLOM GDEFWOM BESHNETOM YKRU.

POST A COMMENT