Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ታሪኹ ኣቕኒኡኒ!

ብገስረጥ ምሕደራ ህዝብና ክደኪ ንባኒ ክስራዕ ኣብ ናይ ኩፖን *ሃልኪ         *ድኻም፡ ላዕልን ታሕትን ምባል ኣብ ስኽራን ትሓድሩ ክትጭንጉዑ ዊስኪ ኣብ ጓይላ እትዘሉ ወላዲት ክትበኪ ጽባሕ ምስ ተኣልየ መንቢዒና ትኪ ወይልኹም ግኡዛን ኣሳሰይቲ ምልኪ! ኣቱም ዓስቢ ኣልቦ ልኡኻት *ዘላሚ    *ረጋጺ፡ ጨቋኒ ኣብ ዝባንኩም ከሎ ናይ

ብገስረጥ ምሕደራ ህዝብና ክደኪ
ንባኒ ክስራዕ ኣብ ናይ ኩፖን *ሃልኪ         *ድኻም፡ ላዕልን ታሕትን ምባል
ኣብ ስኽራን ትሓድሩ ክትጭንጉዑ ዊስኪ
ኣብ ጓይላ እትዘሉ ወላዲት ክትበኪ
ጽባሕ ምስ ተኣልየ መንቢዒና ትኪ
ወይልኹም ግኡዛን ኣሳሰይቲ ምልኪ!
ኣቱም ዓስቢ ኣልቦ ልኡኻት *ዘላሚ    *ረጋጺ፡ ጨቋኒ
ኣብ ዝባንኩም ከሎ ናይ ሓደራ ሰኽሚ
ህዝቢ ብመላኺ ክቖስል ክደሚ
ትም ኢልኩም ክትርእዩ ንግዜያዊ ጥቕሚ
ፋይዳ ምግዳልኩም ይኾነኒ ሕልሚ!
እቲ ጎይታ ፎርቶ ግን ወዲ ዓሊ ጅግና
ካብ መግዛእቲ ምልኪ ሓራ ከውጽኣና
ዘይድምሰስ ታሪኹ ወሪቑ ኣብ ልብና
ብኽብሪ ሓሊፉ ገንሸል ሓርነትና!
እዚ ሓላው ህዝቡ ሰይጣን ዘባህረረ
ብውልቀ መላኺ መስዋእቱ እተነግረ
ጎይታ ድርብ ታሪኽ ሰባር እምኒ ዓረ
መጐስ ናይ ስውኣት ጽዋእ ዝዓተረ
ታሪኹ ኣቕኒኡኒ ልበይ ዝበርበረ
ኣነውን ንፍትሒ ክቃለስ ጀሚረ!
ብእኡ ደኣ’ሞ መን ከሎ ዘይቀንእ
ነዚ ውጹዕ ህዝቡ ካብ መከራ ከጽእ
ንመግዛእቲ ምልኪ ኣብ *ሮጌል ከግብእ  *መቓብር
ንድሕሪት ዘይበለ ህይወቱ ከጥፍእ!
ህዝቢ ከም ዝሰቅል ህዝቢ ከም ዘውርድ
ህዝቢ ከም ዝዳኒ ህዝቢ ከም ዝፈርድ
ክሳዕ ዚርድኦ እዚ ናይ ስልጣን ዕቡድ
*ብመቓርዕ ምልኪ ንርሑስ ከንድድ    *ብሓለንጊ
ድሌቱ ኪፍጽም ገና ኣሎ *ይህይድ!    *ይዕምጽ
ሰብኣይ ምስ ሰበይቲ ኤርትራዊ ዜጋ
ክብርቲ ናጽነቱ ዝተኸፍላ ዋጋ
ብዕንደራ ምልኪ ከይትኣቱ ኣብ ሓደጋ
እጃሙ የበርክት ከድሕና ብኣጋ!
ጎብለል ናይ ጎባልል ናይ ጀጋኑ ጅግና
ሕድርኻ ክፍጽም ተንሲኡ ህዝብና
ካብ ምንጋጋ ምልኪ ስድራኻ ድሒና
ኣብ ነርወይ ምእታዋ ትማሊ ሰሚዕና
ብዓወት ውፉያት ሰብ ፍትሒ ኮሪዕና
ንስኻውን ቅሰን *መክብብ ስውኣትና!  *ሓለቓ፡ ሓላፊ
ብሽንሆት ንኽንነብር፡ ዕምሪ ምልኪ ነሕጽር!
ካብ ሓውኹም መሲናስ 23-03-2014

aseye.asena@gmail.com

Review overview
12 COMMENTS
  • tesfaldetabraha March 24, 2014

    if you are jelose abaout his history go to ERITREA & do like he did ether you live or be adead meatlike WEDIALI so the shoise is yours

  • halengi March 24, 2014

    mesinas demahi nwedi alimesheketi gerkayo kufue eyu tmenitka subuk hiseb ata demahi

  • araya March 24, 2014

    Messina that what only always I say, he is lucky that people fellow his aim tremendously.

  • samuel March 24, 2014

    There is rumors, that THE Dictator is Grooming his own son to be the future Eritrean president. I’m wondering how the Eritrean people handle the transition.

  • tesfaldetabraha March 25, 2014

    no body isjealous evry one is laughing at his stupid act he become alaughing stack like comedy

    • ERITRAWIT March 26, 2014

      tesfaldetabraha whatever your name is Tewelje jelfaf!!!!! you will see you man will be hiding like Kezafey like rat!!!!!

  • tesfaldetabraha March 25, 2014

    did you say his story make you jealous then go to ERITREA hang your self or put fire in your body athere wise shut the hall up

  • burthie March 25, 2014

    Listen Mesinas
    Come to Eritrea and do the same or similar what Wedi aLi done otherwise do not campaign on other to make like that .First come and be an example man okay sacrifice your precious blood.Then we follow you.

    • selamawit2 March 25, 2014

      dear burthi, may i point out that there is a fatal logical error:
      “sacrifice your precious blood.Then we follow you.”
      you better don’t follow dead men…:-)

      @Mesinas: please don’t follow the advice above. leave your blood with you…:-)

      Anyway: RIP Wedi Ali, God bless his family!

  • ogbai March 25, 2014

    ኣንቱም ደቀይ ኣብ ክንዳኹምስ ሓፊረ፡ ቅሩብ እትህብዎ ርኢቶስ መትሓዚ ዘይብሉ፡
    ኣፍኩም ሒዝኩም ትም ዘይትብሉ፡ ዋላ ደጋፊ ናይቲ ሰይጣን ኣያኹም እንተዝኸውን
    ብሓቂ ኣብ ክንዳኹም ሕፍረት ምተስማዓኒ፡
    ንሚናስ ኪድ ካብ ትብልዎስ ነቲ ሃገርን ህዝብን ዘጥፍእ ዘሎ ኣያኹም ግዳ ህዝቢ
    ጸሊእካ እዩሞ፡ ባዓል ሚናስ ከኣትውስ ንስኻ ውጻእ ምባል ምሕሸኩም፡
    ሓሻኹም ንስኻትኩምስ ምስቲ ወላድ ጀጋኑ ህዝቢ ኤርታዶ ትቑጸሩ ትኾኑ፡ ዋይ ኣነ ሃገረይ
    ብጣዕሚ ኢኹም ተሕዝኑ። በሉ ምስ መዕበይኻ ጥፋእ ከምዝባሃል ደሓን መዓልትኹም ተጸብዩ።
    ምልኪ ይፍረስ ሕጊ ይንግስ!

    • ERITRAWIT March 26, 2014

      Mesinas
      We love you u are great what a talent nezom Tewelje aytgedeselom newramat mukanom kulu eu zfeltom.

  • gourmu March 25, 2014

    Good job mesinai don’t worry about those little dogs barking.that’s there vissa to eritrea.

POST A COMMENT