Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ታሪኽ ነጻነት ኤርትራ

(ንበዓል ግንቦት 24, 2017 ኣብ ሳንድየጎ ዝተዳለወ)   ኤርትራ እኳ ጥንታዊትያ ብቐደማ መሬተ ነገስታት ፑንተ ነበረ ስማ ምድረ ባሕሪውን ተባሂላ ካብ ፈለማ ባሕረ ነጋሲ ትሸይም ከም ስማ ድባርዋ ነበረ መናገሻ ከተማ መግዝእቲ ቱርኪ ን300 ዓመታት ተጸሚማ ግብጺውን ን 17 ዓመታት ደገማ ከይዕረፈት ብዘይ ፈውሲ

(ንበዓል ግንቦት 24, 2017 ኣብ ሳንድየጎ ዝተዳለወ)

 

ኤርትራ እኳ ጥንታዊትያ ብቐደማ

መሬተ ነገስታት ፑንተ ነበረ ስማ

ምድረ ባሕሪውን ተባሂላ ካብ ፈለማ

ባሕረ ነጋሲ ትሸይም ከም ስማ

ድባርዋ ነበረ መናገሻ ከተማ

መግዝእቲ ቱርኪ ን300 ዓመታት ተጸሚማ

ግብጺውን ን 17 ዓመታት ደገማ

ከይዕረፈት ብዘይ ፈውሲ ንሕማማ

ፋሺሽቲ ጥልያን መጸ ዝረግጽ ብጫማ።

 

2ይ ውግእ ዓለም ንጥልያን ኣባረረ

መግዛእቲ ቀጸለ ብእንግሊዝ ዝመረረ

መርዛም ሃይማኖታዊ ፍልልይ ዝፈጠረ

ነዚ እዋን ዝመስል ፓርትታት ሳዕረረ

ኣብ 10 ዓመቱ ናብ ፈደረሽን ሰገረ

ብልጭታ ቅዋምን ደሞክራስን ጀመረ

5 ዓመቱ ከይመልአ ፈደረሽን ተሳዕረ

ብሃይለስላሰ ደግሲ መግዝእቲ መረረ

ፈልሲ ነጻነት ብማሕበር ሽውኣተ ተቦኮረ

ህዝቢ ኤርትራ ዓጠቐ ንቓልሲ ሰመረ።

 

መስከረም 61 ጀማሪት ሰውራ

ደቂ ዓዋተ ተበገሱ ብዕጥቂ ኣቦዓሸራ

ኣይንዳነን በሉ ኤርትራ ክትከውን ሓራ

ውግእ ቶጎርባ ብቃልሱ ኣመስከራ

ቃልስና ካብ ፖለቲካ ናብ ብረት ተሳጊራ

መሪሕነት ውድብ ግን ብጉድለታት ጀመራ

ናብ ሓሙሽተ መቓቐለ ናይ ክፍልታት ምሕደራ

ምፍልላይ ፈጠረ ኣብ ቃልሲ ኣብ ሰውራ

ክልተኣውን ስሉሳውን ብዝብል ንኽሓብራ

እኖሆ ኻኣ ንቓልሲ ምፍንጫላት ፈጠራ።

 

ሰውራ ኤርትራ ብዕሊ 2 ውድባት ኮነ

ተሓኤ ዶ ህግ ክብል ተቓናቐነ

ቂምን ቅርሕንትን ፈጠሩ ውግእ ወሰነ

ኤርትራዊ መንእሰይ ኣብ ሕድሕዳዊ ባኸነ

ንድሕሪት ተመልሰ ቃልሲ ከይሰሰነ

ኣብ ፍጹም ረጽሚ ኣተወ ዝሓነነ

ግዳማዊ ዝረ ዓደመ ን ተሓኤ ዘምከነ

ህዝባዊ ግንባር ንኣብዘሐ ሰልፊ ኣብነነ

ሜዳ ኤርትራ በሓተ ምልክነት ገነነ።

 

ህዝቢ ኤርትራ ዕላምኡ ሓንቲ ነጻነት

ካልእ ምርጫ ኣይነበሮን ንቓልሲ ክጽዕት

ዝተረፉ ደቁ ሰደደ ንጸላኢ ክምክት

በዚ ኻኣ መስዋእቱ መረረ ንኽዕወት

ሕቶ ደሞክራሲ ተወንዘፈ ንዓመታት

ምልክነት ሱር ሰደደ ብዘይ ሰብ ዘቛምት

ዓመጽ ገነነ ብዘይ ስብኣዊ ሓርነት

ውልቀ መላኺ መሕብኢ ረኸበ ደልሃመት

ጽቡቕ ዕድል ሃቦ ክባላሓት ንድሕሪ ዓወት።

 

መእሰርትን መቕተልትን ክንደይ ክጽብጸብ

ለባማትን ምሁራትን ናይ ሃገር መኽሰብ

ብኣውራጃነትን ወገንነትን ጎራሕ ሰበብ

ቁጽሪ ዘይብሉ ሊቃውንቲ ሃለቑ ኣብ ገረብ

ብዝኾነ ነጻነት ጋህዲ ኮነ ብዘይሕሰብ

ነጻነትና ተምስከረ ብናይ ዓለም ሕብረተ-ሰብ

እኖሆ 26 ዓመታት ብዘይ ሓርነታዊ መደብ

ካብ ባዕዳዊ ዝገደደ ብርሰት ዝኣንፈቱ ዓገብ

ቃልሲ ይሓተናሎ ፍትሕን ሓርነትን ክምዝገብ።

 

ነጻነት ሒዝካ ዘይትፍኖ ታሪኻዊት ዕለት

ፍረ ምዑት ቃልሲ መስተንክራዊ ጽዓት

ሓበን ክቡር ዋጋ ጀጋኑ ስዋኣት

እንባ ባዕዳዊ ዘፍረሰት ልኡላዊ ክብረት

ጭቆና ባዕዳዊ ንታሪኽ ዝጓሓፈት

ዘላኣለም ትኽበር ከም መኣዝን መሰረት

ግን ኣበይ ኣሎ ሰብኣዊ መሰል ዜጋታት!

ባዕዳዊ ሶጊካስ ብዘቤታዊ ክትጻዓት

መዳርግቲ ዘይብሉ ከፊልካስ ንባርነት

ኣሻሓት ኣሰዊእካስ ዳግመ መስዋእትነት

ደቅኻ ከፊልካስ ደቂ ደቅኻ ንስደት

26 ዓመታት ብዘይ ፍትሕን ቅዋምን ከርተት

እንደገና ክብርና ክንመልስ ሎሚ ክንሕተት?

በሉ ተላዓሉ ሰላምን ፍትሕን ካብ ጠፍአት

ክብርናን መሰልናን ብህግደፍ ካብ ተዘምተት

ዕጡቕ ቃልሲ ምክያድ እዩ ብስምረት።

 

ህግደፋዊ ባርነት 26 ዓመታት ኣቕጺሩ

ብነጻነታዊ ምህርትና ዲክታቶር ተደሪሩ

ህዝብና ኣብ ስደት ምሉእ ዓለም ተዘርዚሩ

መሬትና ብደምሒትን ግንቦት 7ን ተደፊሩ

ሽምናን ሃገርናን ብግብረ-ሽበራ ተመሪሩ

ደመኛ ዘቤታዊ ጸላኢ ኣብ ሃገርና ሳዕሪሩ

ግርጭት ህዝብን ህግደፍን ብዙሕ ፈንቲሩ

ቀዳምነትና ስርዓት ህግደፍ ምእላይ ካብ ሱሩ

ደለይቲ ፍትሕን ውድባትን ሓድነት ፍጠሩ

መሪሕ ደሞድራስያዊ ሓይሊ ኣመስክሩ።

 

ብቓልስና ክንዕወት ኢና!

 

መብጻዓ መዓልቲ ነጻነት 05/24/2017

 

የቐንየለይ !!!

 

ክብርኣብ ተክለጊዮርጊስ – ሳንድያጎ

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT