Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ትምኒት

ትምኒት ፍሥሐየ መብራህቱ   ትምኒት’ያ ስማ - ልባ ዘይዓረፈ ብባህሪኣ ንጽባሕ ትትስፈ መታን ክሕሸላ ካብቲ ዚሓለፈ።   ትምኒት ተጸዊዓ ርኅርኅርቲ ኅልና ማሕጸን ወላዲታ ዚወሓዞ ዓይና ዓሚቝ ጥልቁ ቀላይ ባሕሪ ጻና።   ትምኒት’ያ ዝወልደት ተስፋ ክተጥብዎ ሓብሒባ ኣብ ሕቝፋ ክትስስዮ ቆፎኣ ነጊፋ።   ትምኒት በሉ ስማ’ስከ ጸውዑ ብዘይካኣስ ከይዝኽትሙ ቈልዑ ê ተስፋ ጽባሕ

ትምኒት
ፍሥሐየ መብራህቱ

 

ትምኒት’ያ ስማ – ልባ ዘይዓረፈ

ብባህሪኣ ንጽባሕ ትትስፈ

መታን ክሕሸላ ካብቲ ዚሓለፈ።

 

ትምኒት ተጸዊዓ ርኅርኅርቲ ኅልና

ማሕጸን ወላዲታ ዚወሓዞ ዓይና

ዓሚቝ ጥልቁ ቀላይ ባሕሪ ጻና።

 

ትምኒት’ያ ዝወልደት ተስፋ

ክተጥብዎ ሓብሒባ ኣብ ሕቝፋ

ክትስስዮ ቆፎኣ ነጊፋ።

 

ትምኒት በሉ ስማ’ስከ ጸውዑ

ብዘይካኣስ ከይዝኽትሙ ቈልዑ ê

ተስፋ ጽባሕ ምዃን ከይርስዑ

 

ጎቦ ልበይ መሬት ከይዓለበ

ተመኒየ ተስፋይ ከይጸገበ

ሰላም ክብላ ኣብ እግራ ቀሪበ።

 

ትምኒትያ መጸበይታ ንግሆ

ክምህለላ ከይነቀወ ደርሆ

ሃርረትኣ ንልበይ የብርሆ።

 

ብህጊ ልበይ ድራር ቦኽሪ ዓይኒ

ፍሽኽታኣ ከሕውየለይ ረስኒ

ትምኒት ንዒ ኣብ ርስተይ ደኵኒ።

 

ዘይተፈጸመ ተስፋ ስቓይ እዩ” (ቡድሃ)።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT