Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ትራጅዲ ሲሲልያ፣ መሳኪን ኤርትራውያን – ሞት ከምዝወሓደና ናብ ሞት ንጎዪ ኣለና!

ካብ ሊብያ ናብ ሲሲልያ ትማሊ ብጃልባ ካብ ዝኣተዉ ልዕሊ 200 መብዛሕትኦም ኤርትራውያን ዝኾኑ ስደተኛታት፣ ተሳፊሮማ ዝመጹ ጃልባ ኣብ ገምገም ባሕሪ ተጋጭያ ደው ምስ በለት ብውሑዱ 13 ካብቶም ኣብ ባሕሪ ጥሒሎም ከምዝሞቱ፣ ገለ ካብቶም ግዳያት ብመራሕቲ

ካብ ሊብያ ናብ ሲሲልያ ትማሊ ብጃልባ ካብ ዝኣተዉ ልዕሊ 200 መብዛሕትኦም ኤርትራውያን ዝኾኑ ስደተኛታት፣ ተሳፊሮማ ዝመጹ ጃልባ ኣብ ገምገም ባሕሪ ተጋጭያ ደው ምስ በለት ብውሑዱ 13 ካብቶም ኣብ ባሕሪ ጥሒሎም ከምዝሞቱ፣ ገለ ካብቶም ግዳያት ብመራሕቲ ናይታ ጃልባ ናብ ባሕሪ ከምዝተደርበዩ ‘ውን ሓበሬታ ከምዘሎ፣ ማዕከናት ዜና ጥልያን ጸብጻባት ምስ ኣመሓላለፋ፣ ዘይሰምበደ ኤርትራዊ የለን።

ሎሚ ንጉሆ ኣሰና፣ ኩነታት ናይቶም ስደተኛታትን ዘጋጠሞም ሓደጋን ካብ ዓይኒ መሰኻኽርን ‘ቶም ዘፋነዉዎም ወይ ከኣ ካብኣቶም ዝተረፉ ስደተኛታት ንምርግጋጽ ጻዕሪ ኣካይዳ።

ይኹንምበር፣ እቶም ዝደሓኑ መብዛሕትኦም ኣብ ቁጽጽር ፖሊስ ስለዘለዉ፣ ገሊኦም ድማ ስለዝተሸርቡ ብቐጥታ ነቶም ኤርትራውያን ስደተኛታት ምርካብ ኣይተኻእለን። ኣብ ሲሲልያ ምስ እትርከብ ንሓደ ነብሱ ኣድሒኑ ኣብ ድሕነት ካልኦት ዝተዋስአ 11 ሬሳታት ‘ውን ናብ ገምገም ኣብ ምውጻእ ዝተሓባበረ ኤርትራዊ ስደትኛ ዘዕለለት ኤርትራዊት ብቴለፎን ኣዘራሪብና ኔርና። ብድምጺ ንምቅልሑ ቅርብቲ ስለዘይነበረት ካብ ዝርርብና ረኸብናዮ ጽማቕ ሓበሬታ እንሆ ነቕርበልኩም።

ብመሰረት’ቲ ዝርርብና፣

እቶም 235 ዝግመቱ ዳርጋ ኹሎም ኤርትራውያን ዓርቢ ፍርቂ ለይቲ እዮም ካብ ሊብያ ተበጊሶም። እዛ ጃልባ እዚኣ ኣብ ዝተበገሰትሉ እዋን 300 እዮም ነቒሎም። እንተኾነ ዝተሓተቱዎ ገንዘብ ብምሉኡ ስለዘይከፈሉ ገሊኦም ተሪፎም። ኣብ መንጎ ‘ዞም ነቲ ጉዕዞ ዝፈጸሙ ሓንቲ ኣደ 4 ቆልዑ ኤርትራዊት ነይራ።

እቶም ሊብያውያን መራሕቲ ጃልባ፣ ብፖሊስ ጥልያን መታን ከይተሓዙ ነታ ጃልባ ቅድሚ ሕጂ ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ብዘሰጋግራ ጃላቡ ኣብ ዘይተለምደት “ስግቢ” እትብሃል፣ ኣብ ከባቢ ከተማ ሲሲልያ እትርከብ ደሴት፣ ካብ ደንደስ ብዙሕ ከይረሓቐት መሬት ምስ ጠዓመት ደው ኣቢሎማ። እንተኾነ እቲ ደው ኢላትሉ ዝነበረት ቦታ ክሳድ ሰብኣይ ዝውሕጥ እዩ ነይሩ።

እታ ጃልባ ደው ምስ በለት፣ ብኡንብኡ ገለ ካብቶም ስደተኛታት ብቕጽበት ናብቲ ማይ ዘሊሎም ናብ መሬት ክሰግሩ ፈቲኖም። እንተኾነ፣ ናይ ድሕነት ጃኬት ይኹን ናይ ምሕንባስ ክእለት ኣይንበሮምን።  እቲ ኣብ ገምገም በጺሑ ዝምለስ ዝነበረ ማዕበል መሊሱ ናብ ውሽጢ ባሕሪ ስለዝወሰዶም ከኣ ጥሒሎም ሞይቶም።

ነቲ ኣብ ብዜና ተዘርጊሑ ዝነበረ መራሕቲ ናይቲ ጃልባ ደርብዮሞም ዝብል ጥርጣረ ደጋጊምና ብምልዓል ከነረጋግጾ ፈቲና። እንተተኾነ፣ እቲ ዝደሓነ ስደተኛ፣ “ባዕልና ኢና ተሃዊኽና ኣብ ሓደጋ ኣቲና” ከምዝበለ ትጠቅስ ምስቲ ናይ ዓይኒ ምስክር ዝተዛረበት ኤርትራዊት። ብታህዋኽ ዘሊሎም ናብቲ ባሕሪ ዝኣተዉሉ ምኽንያት ድማ፣ ኣሰር ኣጻብዕቶም ብፖሊስ ከይተሓዝ ቀሊፎም ከምልጡ ‘ሞ፣ ደሓር ካብ ዓዲ ጥልያን ወጻኢ ኣብ ዘለዋ ሃገራት ኤውሮጳ ዑቕባ ኣብ ዝሓቱሉ ግዜ ኣሰር ኣጻብዕቶም ( ኣሸራ) ከይርከብ እዩ።

ጠንቂ ናይቲ ቀጥታዊ ጥፍኣት እቶም መራሕቲ ጃልባ ዲዮም ዋላ እቶም ስደተኛታት ገና ብፖሊስ ክምርመር ዘለዎ እዩ፣ እዚ ብቴለፎን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ከም መመሳኸሪ ጥፍኣትን ንጽህናን ዘይኮነ ንኻልኦት ኤርትራውያን ኣገዳሲ ትምህርቲ ስለዘለዎ ኢና ንጠቕሶ ዘለና።

እታ ልዕሊ 200 ስደተኛታት ሒዛ ካብ ሊብያ ናብ ሲሲልያ ዝበጽሐት ጃልባን ዝተገፍዑ ሬሳታትን ዘርኢ ስእሊ

እታ ልዕሊ 200 ስደተኛታት ሒዛ ካብ ሊብያ ናብ ሲሲልያ ዝበጽሐት ጃልባን ዝተገፍዑ ሬሳታትን ዘርኢ ስእሊ

እቶም ግዳያት ካብ ኤርትራ ዓቕሊ ጽበት ከምዘውጽኦም፣ ካብ ሱዳን ናብ ሊብያ፣ ካብ ሊብያ ናብ ሲሲልያ ዓቕሊ ጽበት ኣሰንዩዎም ከምዝመጽአ ርዱእ እዩ። እንተኾነ፣ እቲ ዓቕሊ ጽበት፣ ድሕነት ነብሲ ካብ ምኽዋል ኣሰር ኣጻብዕ ክቕድም ከምዘለዎ ከረስዖም ኣይምተገብአን። ካብቶም ካብ ቀዳመይቲ ስጉምቲ ክሳብ ’ታ ናይ መወዳእታ ስጉምቲ ሞት እናጠዓሙ ዝጓዓዙ መሳኪን ኣሕዋትን ኣሓትን ንላዕሊ፣ ቅድሚ ኹሉ ኣብ ድሕነቶም ከተኩሩ ከነረጋግኦም ዝግብኣና ግን እቶም ኣብ ወጻኢ እንነብር ኣሕዋቶም ኢና። “ኣሰር ኣጻብዕኹም ከይርከብ” ኢልካ ካብ ምጭናቖም “ህይወትኩም ከይጠፍእ” ዝብል ምኽሪ ኢና ክንልግሰሎም ዝግባእ።

ኣብ መወዳእታ፣ መንነት ናይቶም ግዳያት ብዝርዝር ክርከበሉ ዝከኣል መንገዲ ‘ኳ እንተተወከስና፣ ብቕጽበት ክግበር ዘይከኣል ምዃኑ ተረዲእና።

ንእግረመንገድና፣ እቶም ዝደሓኑ፣ ካብዚ ኸ ናበይ እዩ ኣንፈቶም ክንብል ‘ውን ተወኪስና። ብመሰረት’ቲ ሓበሬታ፣ ኣብዚ ዓመት’ዚ ብተደጋጋሚ ክግበር ከምዝጸንሐ፣ ገለ ካብዞም ግዳያት ክኸስቡ ዝጸናጸኑ ውሑዳት ከምዘለዉ ተገንዚብና። ክልተ ዕጽፊ ናይቲ ካብ ሲሲልያ ናብ ሮማ ዘብጽሖም ዋጋ ኣውቶቡስ ዘኽፍሉ ተጸናጸንቲ። ካብ ሲሲልያ ናብ ሮማ 80 ይሮ ክንሱ 300 ኣኽፊሎም የፋንዉዎም እሞ፣ በቃ ይኸስቡሎም። እቶም ነዚ ዝገብሩ ኸኣ መብዛሕትኦም እቶም ቀቅድሚኦም ብተመሳሳሊ መስገደል ዝሓለፉ፣ ስቅያቶም ካብ ዝኾነ ሰብ ንላዕሊ ዝፈልጡዎ እዮም። እቲ ቢዝነስ መቸም “ዘይ ኣብ ኤውሮጳ ኣብ ኣመሪካ ዘለዉ ኣሕዋቶም እዮም ዝኸፍሉዎ” ተባሂሉ እዩ ዝጅመር ዘሎ። እንተኾነ፣ እታ ገንዘብ ዘጥፍኣ ልቢ ብዙሓት ሓጋዚ ዘይብሎምመሳኪን ከምዘለዉ ኣበይ ከይትዝክሮ። ኣንቱም ኣሕዋት፣ እዚ ምጭኽኻን’ሲ ኣይበዝሐን ዶ! ወረ እንታይ እዩ ወሪዱና?

ነቶም ኣብ ሲሲልያ ዘለዉ ሓበሬታ ብምሃብ ዝተሓባበሩና ኣሕዋት ቅድሚ ምርካብና፣ እንፈት እንተረኸብና ናብ ሊብያ ኢና ደዊልና። እንተኾነ እቶም ኣብ ሊብያ ብቴለፎን ዝረኸብናዮም ኤርትራውያን ኣብ ሓደ “ኩሙስ” ዝብሉዎ ቤትማእሰርቲ ሊብያ ተዳጕኖም ዘለዉ ንርእሶም ግዳያት እዮም። ቅድሚ 11 መዓልቲ ብጃልባ ናብ ዓዲ ጥልያን ተበጊሶም 30 ኪሎሜተር ኣቢሎም ምስተጓዕዙ ጃልብኦም ተበላሽያ፣ ረዲኤት ሓቲቶም መንግስቲ ሊብያ ካብ ሞት ኣድሒኑ፣ ኣብ ቤትማእሰርቲ ዳጕኑዎም ኣሎ። 30 ደቀንስትዮ ዘለዋኦም 190 ኤርትራውያን እዮም። ንሳቶም ከም እንስሳ ከምዝህረሙ እዮም ዝገልጹ። ሃለዋትና ዝፈልጥ የለን ‘ሞ ን UNHCR ሓብሩልና ኸኣ ኢሎምና።

ብድሕሪ’ዚ ናብቶም ነቶም ናይ ሞት ሓደጋ ዝበጽሖም ስደተኛታት ኣፋንዮሞም ተባሂሎም ዝጥርጠሩ ኣሳገርቲ ደላሎ፣ ቴለፎን ደዊልና። እቲ ሓደ፣ “ናተይ ኣይኮኑን፣ ናተይ’ሲ ብመስቀል ሰላም ኣትዮም እዮም” ኢሉና ሕብን ኢሉ። ናብ “ኩስቶ” እንተደወልና ግን፣ ወይከ፣ እታ ኢድ ሓጥያታ ግዲ ተፈሊጡዋ፣ ኣውያት ቴለፎን ጥራይ ኣስሚዓትና።

ትማሊ ናይቲ ሓደ እንተኣተዉ፣ ሎሚ ናይቲ እንተሞቱ፣ እንታይ ግዶም ዶላር ምስኦም ኣሎ። እንተኾነ ኤርትራውያን ተጸሊልና ኣለና፣ ሞት ትደጋግመና ኣላ። እቶም ዶላር ኣብ ጁባኦም ኣእቲና፣ ልብና ኣውጺእና ናብ ሞት እንጎዪ ካብኦም ንገድድ።

ንርእስና መሪሕናዮም ተሰዲድና ከለና ኣብ ዓዲ ኮፍ ዘይትብሉ ምባል ሕርኽርኽ ኣቢሉ ነቲ ቅኑዕ ምኽሪ ካብ ምልጋስ ዋላ እንተሓለኸና፣ ሓቦ ጌርና “ኣብ ሱዳን ዲኹም ኣብ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ዘለኹሞ ህድእ ኢልኩም መስርሕ ዑቕባ ፈትኑ” ዘይንብሎም። “ንርእስኹም ኣብ ዝሕሸኩም ኮፍ ኢልኩም ‘ሲ” እንተበሉና ኸኣ፣ ከምቲ ሓደ ካብ ወሃብቲ ርእይቶ ኣሰና ዝበሎ፣ 1600 ዶላር ንከርካሳ ጃልባ እናኸፈልኩም 10 ዶላር ንመድሕን ጃኬት (Life Jacket) ኣይትብቀቑ ኢልና ንምከሮም። …ኣንቱም ሰባት ገንዘብ ‘ሲ ንዱሽዱሾ ኣለና ልብና እዩ ጠፊኡና ዘሎ መሳኪን ኤርትራውያን፣ ምሕረት ይወርደልና !!

ነቶም መሳኪን ግዳያት መንግስተሰማያት ይቀበሎም

ንስድራቤቶም ጽንዓት ይሃብ

ንህዝብና ምሕረት የውርደሉ!

ኣማኑኤል ኢያሱ

aseye.asena@gmail.com

Review overview
8 COMMENTS
  • Beyane wedi mendefra October 2, 2013

    Issais is the main responsible for their death, he is the main cause. I wonder when will eritrean stop crossing borders.

  • Lilay October 2, 2013

    It is very bad news and may God rest them in Peace. N sidrabetom n kulu eritrawin tsineat yhabo.

    But I want to say somthing. We eritrean are died but we afraid not to be died. Metna kelenas kab mot n ferh.

    Please read the following news from sudan tribun. What happens to the FORTO movement members.

    They could what they can. They have all weapons but they surrendered with out doing nothing and now they died brutally.

    It is very sad.

    Ember do kab beal Degiat Bahta Hagos, Degiat mahray Mogos ( sebar nakura), Kentiba Arrey, Osman buri,………………………………………………. ena tefetirna!!!!!!!!!!!!!!!!!!!!!!! Ygermeni allo.

    N wedi alli dew elom agdiomo n baelatom dima himak amawta meytom.

    http://www.sudantribune.com/spip.php?article48227

  • bahlbi October 2, 2013

    EMA ANTAY EUMO ZBHAL KULU ERITRAWI KEMAKA KKEWN NERWO!

  • Footscray October 2, 2013

    Amanuel SaTnael,

    Aami Ab Tigay kiedka koleKha netom ab Shimelba ksaQeyu zrekhebkayom emo ketegagyom ilka:
    Asqli giberu
    Abzi (ab Ethiopia) koynkum texebeyu
    sidet aytenawHu . . . . . .
    enabelka bshiTara anxar HGDEF (hagerom) biret kiáTqu zifetenkayo emo kabafom zisemaekayo melsi resiekayo dikha?

    melso haxar eya niera? “kab abzi ms WEYANE mchimlaQ mot ab Sehara ina nimerx ilom do ab ezinkha ayesmuékhan? silezi aytidkem.

    • ERITRAWIT October 3, 2013

      Footscary, u are worth less and use less what did u do for shimelba refugee thanks to u uncle they would’t been there or mediterranean sea this tragic it doesn’t concern u?stupid person stupid comment.

  • ganshera anbetha October 2, 2013

    It is great condolence to all of us Except PFDJ.
    There is broadly speaking Tension have been increasing between Brigader General Diayoskoros(PFDJ nominated bishop) and the monks Who are being resides in Bizen.Some unconfirmed rumors even expressed that The regime President tried to contact them.But the Monks refused to contact the the president.
    God may bless our holy land

  • Yonas Goitom October 2, 2013

    “ካብቶም ካብ ቀዳመይቲ ስጉምቲ ክሳብ ’ታ ናይ መወዳእታ ስጉምቲ ሞት እናጠዓሙ ዝጓዓዙ መሳኪን ኣሕዋትን ኣሓትን ንላዕሊ፣ ቅድሚ ኹሉ ኣብ ድሕነቶም ከተኩሩ ከነረጋግኦም ዝግብኣና ግን እቶም ኣብ ወጻኢ እንነብር ኣሕዋቶም ኢና። “ኣሰር ኣጻብዕኹም ከይርከብ” ኢልካ ካብ ምጭናቖም “ህይወትኩም ከይጠፍእ” ዝብል ምኽሪ ኢና ክንልግሰሎም ዝግባእ። ” ኣማኒኤል ብጣዕሚ ዓቢ ምኽሪ እዩ ሰማዒ አንተተርኺቡ፡ከምዚ ሓደጋታት ግን ገና ክቕፅል አዩ፡ ከምቲ ሓው ኣምኑአል ኣብ ላዕሊ ዝጠቀስካዮ ኪንደይ ጨካናት አሪትራዊያን ኢዶም ዘእተዉሉ ናይ ምስግጋር ሽቀጥ ተወሳኺ ነቲ ጉዳይ ኣኽቢዱዎ ይርከብ፡ እዚ ጉዳይ አዚ ንዓመታት ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ደገን ኣብ ዉሽጢን ዝተሳቀየሉ ዘሕዝን ጉዳይ አዩ፡ ካብ ገንዘብ ምስዳድን፡ ምልማንን፡ምብካይን ካልእ ዝተገብረ የለን። እዚኦም ግን መፍትሒ ኣይኮኑን እኩዋ ደኣ ኣብ ደገን ኣብ ውሽጥን ዚነብር ህዝብና መሊሹ ኣግዲዱዎ ንቡዙሓት የሕዋትና ኣስገርትን ሰገርትን ኣተባቢዕዎም፡ እቲ ሓቂ ሰብ ብተፈጥሮ ገንዘብ፡ ሃፍቲ ፡ንብረት የጋጊዮ እዩ ፡ ሓንሳብ ኣንፈቱ ናቡ ገጹ እንተ ኣቅኒዑ መዕገቲ የቢሉን፡ ሞት ኣየፍርሆ ስቃይ ኣየፍርሆ፡ እቲ ሓቂ እወ ናይዚ ኹሉ ሽግር ኣፍደገ ዚኸፈተ እቲ ቀንጻሊ ስርዓት ኢሳይስን መጋብርቱን ምዅኑ ኣይዝንጋዕን አቲ ቀንዲ መፍትሒ ግን ህዝብና ኣብ ዉሽጥን ደገን ዘለና ኣብ ክንዲ ናይ ዉልቅኻ ሽግር ኣብ ምፍታሕ ጥራህ ምሕሳብ፡ ሓባራዊ ይኹን፡ እዞም ኣብ ደገ ዘለና ኣንፈት ናይዞም መንእሰያት ዚወጹ ዘለው ኣብ ምቅያር ዓቢ ተራ ክናጻወት ንኽእል ኢና፡ ናይ ሓባር መርገጺ ወሲድካ ብኹሉ ናይ መዲያ መስመራት ተጢቂምካ፡ ገንዘብ ንምሕዋል ዝወጽእ ደው ክብል ከምዘሎዎ ጎስጋስ (campaign) ኪግበር ኣለዎ በሃላይ እየ፡ ኣይትውጹኡ፡ ግደፉ ሞት ዪበዝሕ ኣሎ ብኣሽሃሓት አሪትራዊያን ዪጠፉኡ ኣለዉ፡ ኣብ ዉሽጢ ለውጢ ምምጻእ ይሓይሽ ተባሂሉ ሰማዒ ተሳኢኑ፡ እሞ አንታይ አቲ ካላይ ምርጫ፡ ህዝቢ ኤርትራ ብፍላይ ኣብ ደገ ዘሎ ብሓባር ደው ኢሉ ኣይፋል ንምሕዋል ክብል ክኸእል ኣለዎ፡ እዚ ኪብል ከለኹ ዘይተባህለ ማለተይ ኣይኮነን የግዳስ ርእተይ ከቀምጥ ሕልናይ ስለ ዘገደደኒ እየ። እዚ አዉን ክሓልፍ እዩ ንምሕጻሩ ግን ዓቢ ተራ ኽንጻወት ንኸእል ኢና!!!

  • Jeffe October 2, 2013

    Check the Italian TV:

    They were pushed by the Syrian and Egyptian
    Human traffickers like beasts.

    http://www.rai.tv/dl/RaiTV/programmi/media/ContentItem-cd916a45-407e-43cc-acb2-7770bb526319-tg3.html

POST A COMMENT