Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ትብጻሕ ናብ ኣሰናዳእቲ መደብ ራድዮ ኤረና (2)

ትብጻሕ ናብ ኣሰናዳእቲ መደብ ራድዮ ኤረና (2) ኣብ ዝሓለፈ ቀዳማይ ክፋል ጽሑፈይ፡ ገለ ሰባት ኣብ መንጎ ደለይቲ ፍትሒ ሓዊ ንምእጓድን ነቲ ደለይቲ ፍትሒ ክንሃንጾ እንደሊ ዘለና ነቐፌታን ርእይቶን ናይ ምጽዋር ባህሊ ንምኹላፍን ኢሎም፡ ንዓለቐይ ኣብ መደባት

ትብጻሕ ናብ ኣሰናዳእቲ መደብ ራድዮ ኤረና (2)
ኣብ ዝሓለፈ ቀዳማይ ክፋል ጽሑፈይ፡ ገለ ሰባት ኣብ መንጎ ደለይቲ ፍትሒ ሓዊ ንምእጓድን ነቲ ደለይቲ ፍትሒ ክንሃንጾ እንደሊ ዘለና ነቐፌታን ርእይቶን ናይ ምጽዋር ባህሊ ንምኹላፍን ኢሎም፡ ንዓለቐይ ኣብ መደባት ራድዮ ኤረና ድሕሪ ምርኣዮም፡ ድሕሪ ምንባቦም’ኳ ክብል ኣይክልን’የ፡ ምኽንያቱ፡ እንተዘንብብዎ ኔሮምስ ከም መጥቃዕቲ ጌሮም ክገልጹዎ ኣይምኸኣሉን ዚብል እምነት ስለ ዘሎኒ። ብዚኾነ፡ ብዙሕ ኣብ ልበይ ዘይነበረን ዘየሎን ሓሳባት ከም ዝጸሓፉ ግን ነቢበ።
ዚኾነ ሰብ ንኽብርን መሰልን እቲ ርእይቶ ዝህበሉ ዘሎ ሰብ ከይገሃሰ፡ ዝመሰሎን ሃናጺ’ዩ ዝበሎን ዓለቕ (ርእይቶ) ክህብ፡ ብሕልናን ሕግን ቅቡልን ፍቑዱን’ዩ። ኣብ ሕብረተሰብና እዚ ባህሊ’ዚ ነዊሕ ሰረት ዘሎዋ’ኳ እንተኾነ፡ ከም ንቡርን ግቡእን ጌርካ ንምዝዉታሩ ግን ገና ብዙሕ ጻዕርን ስራሕን ዘድልዮ ግድል ኮይኑ ይስማዓኒ። እዚ ሕጂ ኣብ ዘመነ ህግደፍ ንርእዮ ዘለና ‘ኣይትተንክፉኒ!’ ዚብል ባህልን ልምድን ቅድሚ ናጽነት ፈጺሙ ኣይነበረን ክበሃል’ኳ እንተዘይተኻእለ፡ ድሕሪኡ ግን ካብ መባእታ ክሳብ ደርጃ ዩኒቨርስቲ ብመሳልል ንላዕሊ ከም ዝተሰቐለ፡ ብግብሪ፡ ብዓይና ንዕዘብ፣ ብእዝንናውን ንሰምዕ ኣለና። እቲ ሓደን ዓብን ካብቲ ብደለይቲ ፍትሒ ምስ ጃንዳ ህግደፍ ኪቕበር ዘለዎ ድሑር ባህልን ልምድን ከኣ እዚ’ዩ። ነቐፌታን ርእይቶን ከም መቓርዕ (ሓለንጊ) ዚረኣየሉ ገዜ ምስ ጉጅለ ህግደፍ ከብቅዕ ኣለዎ።
ገለ የዋሃት ተጋደልቲ ነበር፡ ነቲ ኣብ ግዜ ብረታዊ ቃልሲ ኔሩ ዝብልዎ፡ ‘እክለ ምግብና ምስ ወጸ ሓደ ክልተ ኩላሶ ተሓቢኡ ኪኹልስ ርእየዮ፣ ብጻይ እከለ ምስ ብጸይቲ እከሊት ኣብ ጽሙዋ የዕልል ኔሩ፣ ወዲ ኩስቶ ምስ ሓይሊ ወዲ ኩስቶ ብዘይፍቓድ ሓላፊኡ ናብ ውግእ ኣትዩ’ ወዘተ. ንዚብልን ተጋደልቲ ኣብ ሓደ ሰሚሮም፡ ኣንጻር’ቲ ብዙሕ ብልሽዉናን ጌጋታትን ዝፍጽም ዝነበረ ላዕለዋይ መሪሕነት መታን ከይቃወፉ ተባሂሉ፡ ዝግበር ዝነበረ ንሓድሕድካ ናይ ምጥቕቓዕ ትርጉም ኣልቦ ነቕፌታን ርእሰ ነቓፌታን መሰረት ብምግባር፡ ‘ኣብ ህዝባዊ ግንባር፡ ነቐፌታን ርእሰ ነቓፌታን ኔሩ’ዩ’ ኢሎም ክምድሩ ይስምዑ እዮም።
ተጋደልቲ ንመራሕቶም እንተ ነቒፎም ግን ከምቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ነቲ ብሙሴ ዝቐረበ ሕጊ ኣምላኽ ዝጠሓሰን ኣብ ልዕሊ ፈጣሪ ዘዕዘምዘመን ሰብ፡ ብቕጽበት ዝቐዘፍ ዝነበረ፡ ኣብ ህዝባዊ ግንባርውን ከምኡ፡ ንላዕለዋይ ኣካል ዝትንክፍ ቅኑዕ ይኹን ዘይቅኑዕ ርእይቶ ዝሃበ ተጋዳላይ፡ ሰፈሩ ኣብ ትሕቲ መሬት ይኸውን ከም ዝነበረ፡ ብኢሎሞ ዘይኮነስ ብግብሪ ሕጂ ብዓይንና፡ ኣብ ህዝብን ተጋደልትን ክፍጸም ንርእዮ ዘለና ህያው ምስክር’ዩ። ነቐፌታ ግን ኣብ መንጎ ተራን ሓላፍን፣ ኣብ መንጎ ሰብኣይን ሰበይትን ፍልልይ ኣይገብርን’ዩ። ንኹሉ ሰብ ከም ስርዓት ደሞክራሲ፡ ብማዕረ’ዩ ዝጸልዎ። እዚ ባህሊ’ዚ ድማ’ዩ ኤርትራውያን ሎሚ ሓሪሙና ዘሎ።
ዝኸብርኩምን ዝኸብርክንን ኣሕዋትን ኣሓትን፡ በሉ ናብ ዋና መበገሲ ጽሑፈይ ክምለስ፥ ብናተይ ግምት ማለት፡ እዞም ንሓርነት ገዛእ ርእሶምን ሓርነት ህዝቦምን ዝከኣሎም ዝጽዕቱ ዘለዉ ሃባርም ኣባላት ራድዮ ኤረና፡ ነዚ ነቀፌታ ወይ ርእይቶ ዘይምጽዋር ባህሊ ህግደፍ ረጊጾም፡ ኣብ መዓሙቕ ምድሪ ንምቕባሩ ይቃለሱ ስለ ዘለዉ፡ ንርእይቶይ ብእወታዊ ዓይኒ ርእዮም ክቕበሉዎ’ዮም ዚብል ትጽቢት’ዩ ዘሎኒ። ስለ ዚኾነ ኸኣ እዚ ርእይቶ እንታይ እዩ ዚብል ዘሎ’ምበር መን’ዩ ዚብሎ ዘሎ ከምዘየገድሶም’የ ዝኣምን። እምበኣርከስ ፍቑራተይ፡ ኣብ ቀዳማይ ክፋል ጽሑፈይ፡ ካብ መደብ “ጠጥዕሙ” ናብ መደብ “ሽኮሪናታት” ምስ ሰገርኩ’የ ኣቛሪጸዮ ኔረ፤ መቐጸልታኡ ድማ እንሆ ሎሚ ይቐርብ፥
እቲ ብጋዜጠኛ ዮናታን ሃብተ ዝዳሎ መደብ “ሸኾርተት” ህዝቢ ዘሳትፍን ዘዛናግዕን መደብ ስለ ዚኾነ፡ ሊላይ ስራሕ’ዩ። ዮናታንውን ነታ መደብ ብቑዕ’ዩ ዚብል እምነት’ዩ ዘሎኒ። ኣብኡ ብዘይካ በርቲዕካ ቀጽሎ፡ ሃብሮም! ምባል ካልእ ዝብሎ ነገር የብለይን። ከም ተወሳኺ ግን እቲ ሓያል ደራስን ጋዜጠኛን ሳሙኤል ገ/ሂወት (ዓካዓካ) ሓንቲ ወይ ድማ ክልተ ኣብ መጀመርን መዛዘምን እታ መደብ፡ “ናዕታ ሰንበት” ብዚብል ኣርእስቲ፡ በቲ መረዋሕ ድምጹ ጌሩ ብምንባብ፡ ክልተ ግጥምታት እንተ ዘስማዓና፡ ብሓንቲ ወንጭፍ ክልተ ዑፍ ምጭማት ምኾነ ኔሩ በሃላይ እየ። መደብ “ጠጥዑሙ” እውን ኣብኡ ምተጠቓለለ ኔሩ። ምኽንያቱ፡ ነቲ ኣብ ምዝናይ ዘየለ’ሞ ግን ከኣ ክዛነ ዘለዎ ህዝቢ ኤርትራ፡ ከምቲ ቀደም ወለድና ብማሰን ኣውሎን ኣቢሎም፡ ኣብ ልቡ ዝኣቱ መልእኽቲ ዘማሓላልፉሉ ዝነበሩ፡ ሎሚውን ብናዕታ ኣቢልካ ንመሰሉን ንፍትሑን ደው ንኽብል ሓያል መልእኽቲ መተሓላለፈ ኔሩ ዚብል ርእይቶ ኣሎኒ።
ብዛዕባ ንሰንበት ዚኸውን ናዕታታት ኣይትሰከፉ! ዋላ ካብ ገጠምቲ እንተዘይተረኽበ፡ ካብታ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ብበሃር ስነ ጥበበኛ ሰሎሞን ጸሃየ ንማሕተም ዝበቐዐት፡ “ማሰን መልቀስን ቀዳሞት” ዘርእስታ መጽሓፍ፡ ነቲ ነዚ ዘለናዮ ኩነታት ዘንጸባርቕ ናዕታታት እናመረጽኩም ንምትሕልላፍ ንደራሲ ብምውካስ፡ ከም ምንባብኩም ከተቕርቡዎ ከም እትኽእሉ ርግጸኛ’የ። መደባትኩም ከም ዜማታት የማነ ገ/ሚካኤል (ባርያ) ዝኣመሰሉ ብሓፈሻ፡ ንሕሉፍ ኣደራዕ ህዝቢ ኤርትራ፡ ብፍላይ ድማ ነዚ ሕጂ ዘሎ ምረትን ስቅያትን ህዝብና ጽቡቕ ጌሮም ብምግላጽ፡ ንቃልሲ ዘላዓዕሉ ደርፍታት ከሰንዩዎ ድማ ይግባእ እብል።
ከምኡውን መደብ “ንጉሰ ዓርከይ” ሓያል መልእኽቲ እተተሓላልፍ መደብ’ኳ እንተኾነት፡ ሓይሊ ሚዛን ንጉሰ (ካድር ህግደፍ) ካብ ሓይሊ ሚዛን ሚልዮን ስለ ዚዛይድ ግን ቊሩብ ዕላማኡ ብግቡእ ይወቅዕ ኣሎ ክትብሎ የሰክፈካ’ዩ። ነቲ ቀደም ኣብ ግዜ ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ብፈነወ ድምጺ ሓፋሽ ኣቢሉ፡ ብስም “በቀለን ህዝባዊትን” ዝፍኖ ዝነበረ ተመሳሳሊ መደብ፡ ንድሕሪት ምልስ ኢልና እንተ ርኢናዮ፡ ድሕሪ ሓያል ክትዕ፡ እቲ ዝርርብ ኩሉ ግዜ ብዓብላልነት ህዝባዊትን ብተሳዓርነት በቀለን እዩ ዝዛዘም ኔሩ። ስለዚ፡ ኣካየድቲ ራድዮ ኤረናውን ን “መደብ ንጉሰ ዓርከይ” ከምዚ ዓይነት መልክዕ ንኽሕዝ ዝግባእ ኣተኩሮ ክትገብሩሉ እላቦ።
ካልእ ብዛዕባ’ዚ ሕጂ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ኣታኣታቲኹሞ ዘለኹም ዕላማኡ ዘይፍለጥ፡ “ዓለም ከመይ ኣሎ? ዓለም ጽቡቕ ኣሎ፤ ህዝቢ ዓለም ግን ከፊኡዎ ኣሎ!” ዚብል ኣህላኺ! ትርጉም ኣልቦ መደብ’ዩ። እንታይ ዓይነት መልእኽቲ ኢኹም ናብዚ ህዝቢ ከተማሓላልፉ ደሊኹም? ወይስ ነቲ ጃንዳ ህግደፍ፡ ብዘይካ ኤርትራ ሃገርና ካልእ ማለት፡ ዓለም ብምሉኡ ብዕልቕልቕ ዝናብ፡ ብባርዕ ሓዊ፣ ብምንቅጥቃጥ መሬት፣ ብውግእ፣ ወዘተ. ይናወጽ ከም ዘሎ ንህዝቢ ኤርትራ ንኸአምን ሕዩኽ ዝብሎ ዘሎ ወፍሪ፡ ንስኻትኩምውን ብወገንኩም፡ ‘ህዝቢ ኤርትራ ንስኻ ጥራይ ኣይኮንካን ብምሕደራ ምልኪ ከፊኡካ ዘሎ፡ ኩሉ ህዝቢ ዓለም’ዩ ከፊኡዎ ዘሎ’ ንምባል ዲኹም ትጽዕቱ ዘለኹም!?
ደሓር “ዓለም ጽቡቕ ኣሎ” ትብሉሲ ኣየናይ ዓለም’ዩ ጽቡቕ ዘሎ? ዓለም ካብ ትፍጠር ኣትሒዛ ከም ሎሚ ጌራዶ ብኹሉ ምሉ ተናዊጻ ትፈልጥ’ያ!? ወይስ ንስኻትኩም ጥራይ ትፈልጡዋ ጽቡቕ ዘላ ዓለም ኣላ’ያ!? በጃካትኩም ኢለኩም፡ እቲ ዘሎኩም ምስ’ዚ ብምሕደራ መላኺ ዝሳቐ ዘሎ ህዝቢ ናይ ምርኻብ ዕድል፡ ጽቡቕ ጌርኩም ብግቡእ ተጠቐሙሉ! ግዜ ወርቂ’ዩ። ኣዝዩ ክቡር። ግዜ ውሕጅ’ዩ! ምስ ሓለፈ ንድሕሪት ዘይምለስ። ኣብ ሃጠውቀጠው ወርቃዊ ግዜኹም ኣይተባኽኑ። እዚ ኣብዚ መደብ’ዚ እትገልጹዎ ዘለኹም ኣርእስቲ፡ ጉጅለ ህግደፍ ጽቡቕ ጌሩ ይሰርሓሉ ስለ ዘሎ፡ ዘድግም ምኽንያት የብልኩምን። ከምኡውን እታ ነቲ መደብ ተአንግድ ዘላ ሓዳሽ ኣንባቢት፡ ካብዚ ናተይ ዘይሓይሽ ወጋኢ ድምጺ ስለ ዘሎዋ፡ ካልእ ጥዑም ድምጺ ዘሎዋ ምኩርቲ ጋዜጠኛ ንምርካብ በጃኻትኩም ሃሰስ በሉ። ንሓያል ክእለትን ብቕዓትን ሃምበል ጋዜጠኛ ኣማኑኤል ግርማይ ኣይተራኽሱዎ።
ዝኸበርኩም ኣካየድቲ ራድዮ ኤረና፡ ኣጋጣሚ ኮይኑ ነዛ ሕጥበ ጽሑፍ እዚኣ እናወረቕኩ ከለኹ፡ ጥዑም ድምጺ ክብርቲ ሓብትና ወ/ሮ ኤልሳ ጭሩም፡ ብምኽንያት ሸሞንተ መጋቢት ናብ ህዝቢ ኤርትራ ዘመሓላለፈቶ፡ ኣዝዩ ዕዙዝን ጭቡጥን እዋናዊ መልእኽቲ እሰምዕ ስለ ዘለኹ፡ እቲ ኣዝዩ ማራኺ ብኽኢላ ቀናዪ ዝተቓነየት መሰንቆ ዚጥዕም ድምጻ፡ ማዕረ’ቲ ሓያል መልእኽታ ልበይ ስለ ዝመሰጠኒ፡ ብሰብሪ (ብጸጥታ) ምእንቲ ከድምጻ ምጽሓፍ ንግዜኡ ኣቋሪጸዮ ኣለኹ። ክቡራት ኣካየድቲ ራድዮ ኤረና፡ በጃኻትኩም ከምዚ ዝኣመሰለ ብንጹር ናብ ህዝቢ ክመሓላለፍ እትደልዩዎ ኣገዳሲ መልእኽቲ ይኹን ኣዋጅ ክርከብ ከሎ፡ ብመገዳ ኣቢልኩም ከተማሓላልፉዎ ብትሕትና እላቦ። ጽቡቕ ጌርኩም ኣስተውዒልኩሙላ ኣለኹም፤ ኣብዚ ስራሕ’ዚ ብልጽቲ’ያ። ስለዚ፡ ከምዚ ብምግባርኩም ክትምስገኑ ይግብኣኩም።
ነዚ ህልዊ ኩነታት ሃገርናን ህዝብናን ብልክዕ ዝገለጸ መልእኽቲ ክብርቲ ሓብትና ወ/ሮ ኤልሳ ጭሩም ድማ እተን ዝተረፋ፡ ‘ንመሰልን ፍትሕን ህዝቢ ንሰርሕ ኣለና’ ዝብላ ማዕከናት ዜና ኤርትራውያን፡ ብዘይኣፈላላይ ብሓደ ድምጺ ኩላተን ከም ሃገራዊ ኣዋጅ በብወገነን ከቃልሐኦ ይግባእ። ድምጻ ኣዝዩ ሰሓቢ’ዩ። ካብ ኣካላትና እቲ ዝያዳ ጥዑም ዚመርጽ ከኣ እዝኒ’ዩ።
ከም እኒ ሃባርም ጋዜጠኛታት ኣምኑኤል ግርማይን ዮውሃንስ ተ/ማርያምን ዝኣመሰሉ ገዳይምን ምኩራትን ጋዜጣኛታት፡ ሎሚ ሳላ ህግደፍ ብብዝሒ ኣብ ስደት ስለ ዘለዉ፡ ንኣኣቶም ረኺብኩም ብምዕዳም፡ ንኽብርን ትሕዝቶን መደባት ራድዮ ኤረና ደርዑ! “ካብ ሳዕሳዕካስ ተቖጻጸ” ዝብሃል ብሂል ወለድና ኣሎ። ነቲ ሓርነቱ ብመላኺ ዝተመንዘዐ ውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ፡ ሓርነቱን መሰሉን ዳግም ንምምላስ ኢልኩም ትቃለሱ ካብ ሃለኹም፡ ብድኽመትኩም ህም (ፍናን፡ ንያት) ደለይቲ ፍትሒ መታን ከይህሰ፡ ሓደራ ንስራሕኩም ናህሪ ወስኹሉ! ገዲም ጋዜጠኛ ቢንያም ስምኦንውን ኣይከምናይ ቀደምካን። ድምጽኻ ብቐጻሊ ይስማዕ የለን። እንታይ ኢኻ ኴንካ? ከምቲ “ሓላዊት ዑፍ እንተገበሩዋስ፡ ኣራይት እምኒ ቈጸረት!” ዚብሉዎዶ ሓደሽቲ ሰባት ትቘጽር ኣለኻ ኢኻ? ብዘይካ ኣብ ቃለ መሕትት ምክያድ’ኮ ኣብ ካልእ ኣብ ኩሉ እተዋስኦ ስርሓት፡ ሉባ (ንፉዕ፡ ህርኩት) ጋዜጠኛ ኢኻ። ኣይትጥፍኣና ደኣ ድምጽኻ ኣይተሓባእ።
ዕላማኹም፡ ዕላማ ኣካየድቲ ራድዮ ኤረና፡ ኣብ ኤርትራ ከምቲ ህዝቢ ኤርትራ ዝብህጎ ህዝባዊ መንግስቲ ንምትካል እንተ ኾይኑ፡ ብዘይሌላን ጉሌላን፡ ብዘይዓርከይ መሓዛይን፡ ንኹሉ ብሓደ ዓይኒ ብምጥማትን ብመንነቱ ዘይኮነስ ብኣበርክቶኡ ብምምዛንን ካብ ብዙሓት ከይተገለልኩምን ከይፈራህኩምን ተቢዕኩም ክትምክቱ ይግባእ እብል። ሓደ ሓደ ግዜ ንድምጺ ኣመሪካ (VOA) ክትመስሉ ትፍትኑ ኢኹም። ዕላማኹምን ዕላማ ድምጺ ኣመሪካን ግን ዘራኽብ ዘሎዎ ኣይመስለንን። ስለዚ፡ ነዚ መላኺ ጉጅለ ብዘይንሕስያ ክትገጥሙዎን ንኣኡ ንምጽባእ ንዝሰርሑ ወገናት ክትተሓባበሩን ክትደጋገፉን ይግባእ። ከምቲ፡ “ማሕላ ዘይደፍር ኣይነግድ፡ ድራር ዘይብሉ ኣይሕንግድ!” ዝብሃል፡ ዝሰማዕኩሞ ብዓውታ ንምዝራብ ኣይትፍርሁ።
እወ፡ ከምቲ ወለድና ክምስሉ፥ “ሃብታም ብገንዘቡ፡ ድኻ ብጥበቡ፡ ይቀራረቡ!” ዝብሉዎ፡ ንስኻትኩምውን በቲ ዘሎኩም ናይ ሳተላይት ፈነወ ዕድል፡ ምስ ኻልኦት ከምዚ ናታትኩም ፈነወ ሳተላይት ዕድል ዘይብሎም መሰልትኹም ብምትሕብባር፡ ነቲ ምሩጽ መደባቶም ኣብ መንጎ መደባትኩም ብምስራዕ፡ ናብ ህዝቢ ከተቃልሑ ፈትኑ። “ክኢላ ጓልሲ ብሓተላ እንዳማታ ትምርዖ!” ክብሃል ሰሚዕኩም ኣይትፈልጡን ዲኹም? ንሓርነት ህዝቢ ኤርትራ ዝተበርከተ፡ ናይ ዚኾነ ይኹን ፍርያት ስነ ጥበብ፡ ከምቲ ቀደም፡ ኣብ ግዜ ሰውራ ዝተበርከተ ፍርያት ስነ ጥበብ፡ ናይ ሓፋሽ ዝነበረ፡ ሎሚውን ኩሉ ናይ ሓፋሽ ደላዪ ፍትሒ ስለ ዚኾነ፡ ጽቡቕ መደባት ፈታቲሽኩም፡ ኣድማዕነቱ ብምምዛን፡ ኣብ መደብኩም ዳሕድሑዎ። ከምኡውን ምስ ከማኻትኩም ዝመሰላ ፈነወ ድምጺ ኤርትራውያን፡ ፈላሚ ተበግሶ ብምውሳድ፡ ነቲ እትቃለሱሉ ዘለኹም ዕላማ ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ንምዕዋት፡ ስምረት ፈጢርኩም፡ ነዘን በብውልቀን ግዜአን ኣብ ኣኼባን መግለጺታት ኣብ ምውጻእን ዘባኽንኦ ዘለዋ ‘ውድባት ኢና በሃልቲ’ ኣብነት ስምረት ኩንወን። ናይ ስራሕ መደባት ብምክፍፋል፡ ንሓድሕድኩም እናተመላላእኩም፡ ነዚ ኣጽናቲ ጉጅለ’ዚ ካብ ህዝቢ ብምንጻል፡ ትንፋስ ክትከልኡዎ ይግባእ።
ኣብ መወዳእታ ደጊመ ክብሎ ዝደሊ፡ ከምቲ፥ “ዘለላ ወይንስ ብጾታ ክሓማ ምስ ረኣየት ትሓምም!” ዝብሃል፡ ካልኦት ማዕከናት ዜና ኤርትራውያንውን ድኽመት ራድዮ ኤረና ከይጸልወን ምእንቲ፡ ራድዮ ኤረና ከም ቀደማ ክትብርትዕን ራድዮ መላእ ህዝቢ ኤርትራ ንምግባራን ነተን በብውልቂ ዓቕመን ዝገብራ ዘለዋ ዝተፈላለያ ማዕከናት ዜና ኤርትራውያን ንምጥርናፍን ንምሕጋዘንን መሪሕ ተራ ክትጻወቱ ብምትሕስሳብ፡ ኣነውን ብዝዓቕመይ ኣብ እተካይዱዎ ጻዕሪ ኩሉ፡ ብምሉእ ሓይለይ ኣብ ጎድንኹም ምህላወይ ከረጋግጸልኩም እፈቱ። ጽንዓት ዓወትን ንኹሉ ብህዝቡን ሃገሩን ዝቑንዞን ዝሓዝንን፡ ነዚ ሕሰም’ዚ ንምእላይ ዝቃለስን ኤርትራዊ ዜጋ ይኹን እናበልኩ፡ ኣብ ቀጻሊ ብካልእ ርእይቶ ይኹን ኣበርክቶ ክሳዕ ንራኸብ ሰላምን ጥዕናን ንኹልና እምነ። ንዓለቐይ ብትዕግስቲ ብምንባብኩም ብልቢ አመስግን። የቐንየለይ።
ብሽንሆት ንኽንነብር፡ ዕምሪ ምልኪ ነሕጽር!

ካብ ሓውኹም መሲናስ 14-03-2014

aseye.asena@gmail.com

Review overview
5 COMMENTS
  • agolagul March 15, 2014

    ab medeb shikorinatat zikone kiwsekon kigodlon ayindelin ena xubuk eya zelz gitmi aynideli sidinibab ayindeli lomi bigtmi elka jemirka kiny elka dima haxir zanta zeynwskela kitbl eka dehar akele kemza rieska tehimeka zela nab medeb tetiumu kitkyer emo shiu dima bnekefeta hamed kitgebra dika delika?

  • Gedem March 15, 2014

    ኣታ ክንደይ ተህተፍቲፍ ኢካ፥ ነቲ ህቡኡ ተልኮ ናቲካን መሰልቲካን ስለዘየገልገለት ዲካ ክንድዚ ዘረባ፥፥ ዲሞክራሲ መሰል ናጻ ምጽሓፍን ምዝራብን የፍቅድ ተበሉካሲ ፈላላዪን ሑስሪን መልክቲ ዚሓዘለ ጹሑፋት ካብ ሚንዛሕ ሃገር ሕቶ ምልኪት ኣቲያ ጺባሕ እንታይ ኪቲወልድ እያ ተሰኪክና እንዳ ነበረ ሕዝቢና ንሲካ ዲማ ነታ ተስፋ ሐድነት ኮይና ዘላ ኤረና ከተዳኪም ቁቡል ኣይኮነን፥፥ ዚዊቀሱ ኣይወሓዱን ዚቡሩክ ኣብ ከባቢካ ሃሰው በል ብቀቲሪ ጸሓይ ሃገር ኣብ ቲሕቲ ደንኮሮ ሲሱዖ ተስፋ ኣልቦ ዲኩም ስርዓት ስለ ዘላ ነዚ ዘሎ ሕሱም እዋን ተጠቂሞም ሃገር ክበታቱኑ ዚፍቱኑ ዘለዉ ኣድሁቦካ ከይሃብካሲ ኪንሰርሕ ኒዚበለ ሚዲካም ዓገብ ።ኪድ ኣብ ስደት መንግስቲ ዓፋር ዚኣወጀ ዲኩም በታታኒ ጉጂለ ዊከስ ፥ ኪድ ሳሆ ኩናማ ቢለን አንዳበልካ ሚፊሊላይ ዊከስ ።ነቲ መስመር ካልሲና ኪቲምዚዙ ሒክ ዚብሉ ገዲፍካ ናብ ኤረና ዓገብ

  • Yordanos March 16, 2014

    ዝኸበርካ ሓዉና መሲናስ
    ርእይቶ ክትህብ መሰልካ ኢዩ። ኪሓተካ ግን ኣፍቅደለይ። ኣብ ራድዮ ኤረና ኣንቀጽ ወይ ድማ ዝኽነ ጽሑፍ ኣበርክቶ ገርካ ዶ ትፈልጥ? ጎረበትና እንታያ ይብሉ መስለካ ” ኮበሩ ሲያዩት ያምር ሲይዙት ግን ያደንግር” ስለዝስ ነዞም ኣባላት ራድዮ ኤርና ተተቀባቢልኩም ርእይቶታት ተዝንብሎም ኣለኩም፣ ስለምንታይ ኣብዚ ሕጂ እዋን ከምዚ ዓይነት ርእይቶ ኣብታ መደበር ራድዮ ይቀርብ ኣሎ ዝፈልጦ የብለይን፣ እንተኮነ ግን ሓደ ሚስጢር ከምዘሎ ዝሰሓት ኣይመስለንን ምክንያቱ ብዙሕ ዝኹሕል መሲሉ መንቖሪ ስለዘይሰኣን። ራድዮ ኤረና ምስ ብዙሕ ጉድለታታ ኣብ ህዝቢ ኤርትራ ተሰማዒት ኢያ፣ ተቀባልነታ ከኣ ማዕሪኡ። ስለዝስ ሓዉና መሲናስ ምስታ ርእይቶካ ትሳነ ሓደ ሓደ ከኣ ወስ ምባል ኣይትሕመቅ፣ ምክንያቱ ከም ዓይነት ብሱል ርእይቶ ከተቅርብ ካብ ከኣልካ ንምጽሓፍ ዝእግመካ ዘሎ ኣይመስለንን።
    ምስ ብዙሕ ሰላምታ ሓፍትካ ዮርዳኖስ

  • Haile K. March 16, 2014

    Albeit a little harsh, the comment does have some points. However, after the critic of Radio Erena, we also expect you to write a critic of the other media outlets. I am hoping next would be Assenna webpage and radio. We will know for sure then that you are not biased and lackey with some agenda to blackmail RadioErena. We will wait for the critic of Assenna our fingers crossed.

    Cheers.

  • Abnet March 16, 2014

    RADIOTAT KA EMBAR NENHDHIDKIT KITWANAJELA JEMIRKIN… EZIKE BAWRAJA ZTEMERKOSE DO KON YKEWN

POST A COMMENT