Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ትዝ ኢልካኒ – ረድኢ ክፍለ (ባሻይ)

ትዝ ኢልካኒ ሕዳር 27/2016 ረድኢ ክፍለ (ባሻይ)   ትዝ ኢለካኒ ኣላህ ዎ! ኣክበር ፍቓዱ ኰይኑ’ምበር ጅግና ’ዶታ ’ቕበር   ረስሚ ተኸዲንካ ብዓል ፎርማ ዕማ እንተገበርካ ብዓል ግርማ ንፈተውቲ ቍርኣን ተንብበሎም ንጸላእቲ ብብረት ትሃድኖም ደርሆ ነቆ ጥንቲ ዝኸተተ ምስ ጀጋኑ ምስ ማሕበር ሸውዓተ ካብቶም ጀጋኑና ሓደ-ሓደ ንኽቃለስ ኢሉ ዝተወልደ ትዝ ኢልካኒ……   መን’ዩ

ትዝ ኢልካኒ

ሕዳር 27/2016

ረድኢ ክፍለ (ባሻይ)

 

ትዝ ኢለካኒ ኣላህ ዎ! ኣክበር

ፍቓዱ ኰይኑ’ምበር ጅግና ’ዶታ ’ቕበር

 

ረስሚ ተኸዲንካ ብዓል ፎርማ

ዕማ እንተገበርካ ብዓል ግርማ

ንፈተውቲ ቍርኣን ተንብበሎም

ንጸላእቲ ብብረት ትሃድኖም

ደርሆ ነቆ ጥንቲ ዝኸተተ

ምስ ጀጋኑ ምስ ማሕበር ሸውዓተ

ካብቶም ጀጋኑና ሓደ-ሓደ

ንኽቃለስ ኢሉ ዝተወልደ

ትዝ ኢልካኒ……

 

መን’ዩ ሶይራ ’ሉካ ክቡር ኣቦ?

ሓቂ ኮይኑ ሳጓ ዝሓሰቦ

እምበር እምባ ኣርሒቑ ዝጥምት

ኣልቦ ነቕ-ነቕ ክንደይከ ትእምት

መን ደፊሩ ሓመድ ከዲኑካ?

ኣንታ ወድ-ደጋ ወድ-ባርካ

ብኹዳ ትጅምር ክሳዕ ስብራ

ብስምካ ክምሕል ስጋ ሶይራ

ትዝ ኢለካኒ……

 

ኣሕመድ ሶይራ ፈለማ ናይ ቃለሲ

ንስኻስ ክትስእን ደሞክራሲ!

ንህዝቢ ትጋደል ብዘይ ማልያ

ሰይጣን ወሲዱዎ ’ቲ መዳልያ

ኣሕመድ ሶይራ ኣንበሳ በረኻ

ክንደይ ሽዳ ኣሪጉ ’ብ እግርኻ?

ኣንታ ስረስ ብምንታይ ይትመን

ክልተ እግሪ ናይ ዘእተወ ’ኮነን

ትዝ ኢልካኒ…….

 

ዘይትርብርብ ዘብ-ዘብ ጒያ-ጒያ

ብቓልሲ ክትሓልም ወዲእካያ

ልሳንካ ትዛረብ ኣብ ኣሬባ

ዳንጋኻ ትምርሽ እምባ ሩባ

ምሒሉ ዘይጠልም ረቢ ሃቦ

ቃል-ኪዳን ውጹዓት ጒዳም ሽቦ

ዝረብረቡ ከይዶም ብፍትሊ

ናትካ ገረብ ዘይትረግፍ ቆጽሊ

ትዝ ኢልካኒ…….

 

ትዝ ኢልካኒ ሶይራ ዓቢ ሳግላ

ኣብቲ ሩባ ሆሚብ ትሕቲ ዓላ

ታሪኽና ክጥምዘዝ ምስ ሰማዕካ

ኣይፋልኩምን ክትብል ነዲርካ

ኣሕመድ ሶይራ ኤርትራዊ ለምለም

ትእወዶ የለን ኣብዛ ዓለም

ሰማይካ ክፉት’ዩ ኣንታ ጅግና

ንመን ድኣ ክትከውን ’ታ ጀና

ትዝ ኢለካኒ………

 

ቅድሚ ኹሉ እግሪ ዝተኸለ

ድሕሪ ኹሉ ኣሪገ ዝበለ

ቤተ-ሰብ የብለካን ትርፎ ንሕና

ኤርትራውያን ጽንዓት ይሃብና!!!!

ረድኢ ክፍለ (ባሻይ)

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT