Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ቶባእ፡ ብሰሪ ምግድዳዕ ዶ ትነብር ክትነብዕ !?

ዕድል፡ ዕድል ዝብሃል እኮ፡ ሳሕቲ ስለዘጋጥም፡ ብቐሊሉ ዘይርከብ ብምዃኑ እዩ። ሓደ መተዓብይትና፡ ቆልዑ ጽርግያ ኣስመራ፡ “ፈጣን ሎቶ፡ ፈጣን ሎቶ” ኢሎም ኣብ ቅድሚኡ ከም ንህቢ “ዚዝ” ምባል ምስ ኣብዝሑሉ፡ “ሓንቲ ዕድል ኢያ ነይራትኒ፡ ንሳ ድማ ተጋዲለላ

ዕድል፡ ዕድል ዝብሃል እኮ፡ ሳሕቲ ስለዘጋጥም፡ ብቐሊሉ ዘይርከብ ብምዃኑ እዩ። ሓደ መተዓብይትና፡ ቆልዑ ጽርግያ ኣስመራ፡ “ፈጣን ሎቶ፡ ፈጣን ሎቶ” ኢሎም ኣብ ቅድሚኡ ከም ንህቢ “ዚዝ” ምባል ምስ ኣብዝሑሉ፡ “ሓንቲ ዕድል ኢያ ነይራትኒ፡ ንሳ ድማ ተጋዲለላ ‘የ፡ ርሓቑ ” ክብል፡ ብሓውሲ ሕርቃን ዝደርጕሓሎም ዘረባ እናሃለወ፡ በንጻሩ ህዝብን ሰራዊትን ኤርትራ፡ ካብተን ዝገጠማኦ ተደጋገምቲ ዕድላት ንሓንቲ ‘ኳ፡ ንመኸተ ንለውጢ ካብ ምውዓላ እንታይ ዓዚሙዎ ከምዘሎ ዘደንጹ እዩ።
ብ1993 ተጋደልቲ ኣብ ማእከል ኣስመራ ኣድማ ከካይዶ ኸለዉ፡ ህዝቢ ኤርትራ ተዓዛቢ ነይሩ። ኣይተቓወሞም ኣይደገፎም። “ጋሻ ናጽነት ስለዝነበረ ደኾን ኣይታሓዞን ይኸውን” እንድዒ ኸ! ነቲ ሽዑ ከም እየሱስ ዝሰገደሉ ዝነበረ ኢሳይያስ፡ ኣብ 1994 ተጋደልቲ ኣካለ ስንኩላኑ “ኣድማ ጌርኩም” ተባሂሎም ኣብ ነፋሲት ከይበጽሑ፡ ብባምቡላ ዝተደገፈ ተረፍ መሓውሮም ብጠያይቲ ድሕሪ ምቝሽማዱ፡ ከም ሳዕቤን ናይቲ ካብ ግዝኣተሕግን ምስግጋር ናብ ዲሞክራስን ንምህዳም ኣብ 1998 ብፈጠራ ዘካየዶ ዓንዳሪ ኵናት፡ ዓሰርተታት ኣሽሓት መንእሰያት ድሕሪ ምህላቖም፡ ብ “ጉጅለ 15” ብ 2001 ብዝተፈጠረ ግሁድ ተቓውሞ ላዕለዎት ሰበስልጣን መንግስቲ ሳልሳይ ዕድሉ ብላሽ ምስ ባኸነ፡ ሎሚ ኢሳይያስ ክፋኡን በላዕተኛነቱን ዕርቃኑ ወጺኡ፡ መስቀል ኣቀዲምካ ይኹን ሕጃብ ኣሲርካ ዘየሕልፍ ሸይጣን ምዃኑ ደጋጊሙ ኣረጋጊጹ ኸሎ፡ ትማሊ 21 ጥሪ ኣብ ፎርቶ ከም ባንዴራ እናውለብለበ፡ “ተጠጠቐመለይ ተጠቐመለይ”፡ ክብሎ ንዝወዓለ ዕድል፡ ተጠቒሙ ኣብ ረብሓኡ ዘይምውዓሉ ኸ ምስ ምንታይ ኮን ይቑጸር!?
ካብ’ቲ ከርፋሕ መንብሮ ክፖን፡ “ድኳን ሕድሪ” ህግደፍ፡ ካብቲ ብ “ኣጽንሑለይ” ጀሚሩ ዕድመ ዝውድእ ምቑሕ ማእሰርቲ ኢሳይያስ፡ ካብ ቅትለት ተመልከተለይ ብሓለውቲ ዶብ ኢሳይያስ፡ ካብ ጊላዊ ሰብኣዊ ንግዲ ኤርትራውያን ብራሻይዳ፡ ካብ መሸጣ ኮላሊት ዜጋታት ብበደዊን፡ ካብቲ ካብ ሞቱ ውርደቱ ዝኸፍእ ሞት ከልቢ፡ ካብቲ ሬሳ ዘይብሉ ዕለታዊ ቐብሪ ውላድ ‘ ንላዕሊ ‘ሞ ከመይ ዝኣመሰሉዎ መዓት ክወርድ ኣለዎ፡ ህዝብን ሰራዊትን ኤርትራ ንለውጢ ካብ ዜሮ ካብ ምብጋስ ሓሊፉ፡ ንዝተፈጥረ ዕድል ተጠቒሙ፡ ንዝነቐሉ ደጊፉ ምንእቲ ድሕነቱ ክለዓል!?
ጉዳዩ ነገር እናልዓለ፡ ኣይከሳሲ ኣይመስካሪ፡ ወሰን ወሰን ተዓዛቢ፡ ንምሸቱ፡ “እንታይ ተገብረ፡ እንታይ ተባህለ” ኢሉ መውረዪ ኮይኑ እንተተሪፉ ደኣ ‘ሞ፡ ብዘይካ ናይ ጥፍኣት ሕማቕ-ዕድል ናይ ለውጢ ሰናይ-ዕድል ንምርካብ ክትጽበ ከመይ ኢሉ ይከኣል። ነቲ ናይ ለውጢ ዜና ኸ መን እዩ ክሰርሖ? ዜና ኮ፡ ብኣምላኽ ብሰማይ ዝወርድ ተኣምራታዊ ፍጻሜ ኣይኮነን። ዕላማ ዘለዎ ሰብ ኣብ መሬት ዝፍጽሞ ዕማም እዩ። “ቅዱም ኣይትኹን” እናበለ ጸግዑ ሒዙ ዝጸንሕ፡ ንብስራት ግን ካብ ዝገበሩዋ ንላዕሊ ክጥቀመላ፡ “ኣይትቀደም” ኢሉ ንረብሓ ዝቀዳደም፡ “ሕብረተሰብ” ዘይኮነ፡ መሕሰሚ ነብሱ፡ “በላዒ ሰብ” እዩ ክኸውን ዘለዎ። ኣሕዋት ኣይንገዳዳዕ! ተኳሲ ጥራይ ዘይኮነ፡ መግድዒ ‘ውን ‘ኮ ሰብ ይቐትል እዩ። ካብ ከምዚ ዝኣመሰለ ናይ በለጽ ባህርይ ይሰውረና ኣምላኽ! ክሳብ መዓስ ኢና፡ ብህይወት ውፉያት ህይወት ከነማዕዱ ክነብር።
በበሃህላ ገለ ኤርትራውያን፡ “ እዚ ትማሊ ሰኑይ ዝወዓለ፡ ንዋና ቤትጽሕፈት ሚኒስትሪ ዜና እንተላይ ብታንክታት ኣኽቢቡ፡ ኣማኢት ሰራሕተኛታቱ ክሳብ ሰዓት 9፡00 ምሸት ኣብ ስርሖም ዓጽዩ፡ ንሓላፊ ተለቭዥን፡ “እሱራት ክፍትሑ፡ ቅዋም ክትግበር” ኣብ ሃገራዊ ቴለቪዥን ዘዛረበ፡ ንራድዮን ቴለቪዥንን ካብ ፈነወ ዘብኮረ ምንቅስቓስ፡ ሓደ ኮለኔል ዝመርሖም 100 ወተሃደራት ዝፈጸሙዎ ንእሽቶ ምንቅስቓስ እዩ” ዝብል ወረ ‘ሎ።
ሓቅነት ናይቲ ወረ ብዘየገድስ፡ ንነገሩ ሰራዊትና ይኹን ህዝብና ነቲ “ንእሽቶ” መን ከዕብየልና ኢና ንጽበ ዘለና? ብደምን ስጋን ዘይተሃንጸ፡ ንመስዋእቲ ጥራይ ዝተሓዝአ፡ ምእንቲ ኻልኦት ዝነበር፡ ህይወት ዘየተምንዮ፡ ፍሉይ ኤርትራዊ ነብሲ ኸ ኣለና ድዩ?
ነስተብህል ‘ሞ፡ መዓትናን ሕሰምናን ‘ኮ ዓስርተ ዕጽፊ ቱኒዝያ እዩ። ኣብ ቱኒስያ ግን ሓደ ናይ ማርችያፔዲ ሸያጢ ኮሚደረ ነብሱ ድሕሪ ምቅጻሉ እዩ፡ ህዝቢ “ሆ” ኢሉ ተላዒሉ፡ ነቲ ዲክታተርነቱ ካብ ናይ ኢሳይያስ ብዓሰርተ ዕጽፊ ዝነኣሰ መራሒኡ ዓልዩ ስርዓት ቀይሩ ዘሎ።
ኣንቱም ኤርትራውያን፡ ንሕና ንዓሰርተታት ኣሽሓት ህልቂት መንእሰያትና ኣብ ኵናት ባድመን ንግዲ-ሰብ ሲናይን፡ ካብ ሞት ናይቲ ሓደ ቱኒዝያዊ ኣውሒድና፡ ነቲ ኤርትራዊ ኮለኔል ካብቲ ቱኒዝያዊ ሸያጢ ኮሚደረ ኣነኣኢስና ምርኣይናስ፡ ንነብስና ካብ ደርሆ ንታሕቲ እንርኢ፡ ንውርደት መሪቕና ዝተቐበልናዮ ህዝቢ ዶ ኣየምስለናን!
በጃኹም ኤርትራውያን ኣሕዋት፡ ነብስኹም ኣይተትሕቱ፡ ነቲ ህልቂት ዜጋታትና ኣሰቃቒ ጥፍኣት ሰብና ምዃኑ፡ ብሓዘን፡ ነቲ “ኮሌኔል” ከኣ፡ ኪኖ’ቲ ኣብ መድረኽ ብኣዘዝቱ ዝተዋህቦ ጽሩራ፡ ጅግንነቱ ዘመስከረ ተባዕ ናይ ብሓቂ ኮለኔል ምዃኑ፡ ብሓበን፡ ብልብና ንቀበሎ። ለውጢ ኮ ብዘይ ርእሰ ምትእምማን ኣይመጽእን እዩ።
ኣብዚ ዘበነ ዲክታተርነት ኢሳይያስ፡ ኣብታ ኩሉ ኣማን ከተምስል፡ ዋላ ነቲ ትማሊ ኣብ ኣብ ሕምብርቲ ቤትጽሕፈታ ዝተተኽስተ ተርእዮ፡ ክሳብ ሕጂ ዋላ ከም ጠርቋሽ ፍጻሜ ኳ ዘየቃልሓቶ፡ ንሸይጣናዊ ተግባር ኢሳይያስ ካብ ተኣምር ኣምላኽ ንላዕሊ ክትውድስን ከተድንቕን እትነብር መደበር ቴለቭዥን፡ ትማሊ ንፈልማ ኣብ ታሪኻ “ቅዋም ይተግበር፡ እሱራት ይፈትሑ” ኢሉ ዘዛረባ ስርሒት ዝዓቢ ዓወት እንታይ ሰሪሕኩም ትፈልጡ? እቲ ሓቂ ከምዚ እናኾነ “ፈሺሉ” ኢልኩም እንትዛረቡ ውን ኣይተሰኣንኩምን። እንተኾነ፡ እቲ ዝፈሸለ፡ ኣነን ንስኹምን፡ ንሕና ከም ህዝቢ ኢና። ነቲ ዝተወልዐ ሽግ ለውጢ ናብ ቀንዲል ሓርነት ዘይምልዋጥና ዓቢ ክሳራ እዩ። እንተዘይተጠቒምናሉ፡ ሕጂ ‘ውን ካልእ ዓቢ ዕድል እናረኣናዮ የምልጠና ‘ሎ።
ኮለኔል ይኹን ጀነራል፡ ብሓደ ሰብ ይኹን ብ ሚእቲ ብዘየገድስ፡ ንቕዱስ ዕላማን ፍትሕን ንዝተላዕለ ምንቅስቓስ ደጊፍና፡ እቶም ኣብ ደገ እንነብር፡ ብቕጽበት ሰፊሕን ቀጻልን ናይ ደገፍ ሰላማዊ ሰልፍታት ኣካይድና፡ እቲ ጉዳይ ኣብ ጉንዲ እዝኑ እናተፈጸመ ምስማዕ ስኢኑዎ ንዘሎ ውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ፡ መቓልሑ ኣስሚዕና ከነበራብሮ፡ በዚ ድማ፡ ነቶም ጀጋኑ ኣተባቢዑ፡ ተበግሶኦም ዓቂቡን ኣሰሲኑን፡ ድሕነቱ ከውሕስ፡ ነዚ ተፈጢሩ ዘሎ ዕድል ክጥቀመሉ፡ ሞራልና ሓፍ ኣቢልና ክንዕጠቐሉ እዩ ዝግባእ። እምበር፡ ወረ ኣብ ምምእራርን፡ ምህላኽን ተጸሚድና፡ ሓላው ስጡሕ ኴንና እንተውዓልና፡ ብክብ ለጠቕታ ስምዒት ቲሹታትና እንተሕሰምና ፋይዳ የብሉን።
ነቲ ንእሽቶ ኣዕቢና፡ ነቲ ዝመስል ናብ ክዉንነት ቀይርና፡ ነቲ ኣብ ልብና ዘሎ ናይ ለውጢ ድሌትን ሃንቀውታን ከነረጋግጽ፡ ሓቢርና ንለዓል። ኣይንገዳዳእ። ዕድል ኣይደጋገምን እዩ። እዚ ‘ውን ከምቶም ዝሓለፉ ሓሊፉ፡ ናይ ዓሰርተ ዓመት ዕዳ ከየሰክመና ኣይንዛነ። ይኣክል ኢልና፡ ብኢደይ ኢድካ፡ ብሓባር፡ ንትንሳኤ ሃገርናን ድሕነት ህዝብናን ንለዓል!!
ምልኪ ይፍረስ ፍትሒ ይንገስ
ኣማኑኤል ኢያሱ
22 ጥሪ 2013

aseye.asena@gmail.com

Review overview
2 COMMENTS
  • FBE January 26, 2013

    ፅቡፅ ፅሑፍ ሰብ ንብሩ ክሓልፍ ይግባእ ኤርትራዉያን ድማ ንሃገሮምን ክብሮምን ሂወቶም ሰዊኦም ሃገሮም ኣዉሒሶም ሀዚ ግን ንሰላምን ዲሞክራስን ኣይካኣሉን ታሪክ ከም ሽንቲ ጊመል

  • sened January 27, 2013

    ኣቦታትና ከም ዝብልዎ “ጭራ ነብሪ ኣይትሓዝ ምስ ሓዝካ ካኣ ኣይትግደፍ” ንከም ኢሳያስ ዝኣመሰሉ መራሕቲ ትንክፍ ኣቢልካ ምግዳፎም ተመሊሶም ከም ዝበልዑኻ ምንቃሖም’ዩ። ስለዚ ሕዝ ግድፍ ዘይኮነስ ምስ ሓዝካ ዘይምግዳፍ ጥራይ’ዩ እቲ ፍታሕ። ነቶም ጀመርቲ እዚ ምንቅስቓስ ክጸንዑ ንሕና ካኣ ኩሉ ከነበርክቶ ዝግባኣና ክንህብ ክንሰምር ስጉምቲ ምውሳድ እምበር ኣብ ዘለናዮ ኮይና ብምምዳር ፍታሕ ኣይንጸበ። ሓደ ኤርትራዊ ተባዕ ዶ’ታ ተሳኢኑ? ኩሎም እዞም ጀነራላት ኤርትራስ እንታይ’ዮም ዝጽበዩ ዘለዉ? ኣታ ክንደይ ይሓምቁ፡ ብሓባር ተቓሊሶም ዘምጽእዋስ ብሓደ ሰብኣይ ክትዓኑ ሱቕ ኢሎም ይርእዩ? ሞት ፈሪሆም ማለት ድዩ? ንሱ’ኸ ድኣ ኣይፈርሆምንድዩ? ኩሉ ክብረቶም ወሲዱ በይኑ ከም ጅግና ክጽውዓሉሲ ቅሩብ ዶ ኣይሕሞምን’ዩ? በጃኹም ኣባ ዓገብ በሉ ስሊኡ ዝተዋጋእኩም ህዝቢ ዩ መሪርዎ ዘሎ!

POST A COMMENT