Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ነባራት መርሕነት ግ.ሃ.ድ.ኤ. ንለውጢ ዝፈታተን ፡ ሓበን፡ ክጥሕስዎ እላቦ፤

ነባራት መርሕነት ግ.ሃ.ድ.ኤ. ንለውጢ ዝፈታተን ፡ ሓበን፡ ክጥሕስዎ እላቦ፤ ኣብ ሓደ ዝፈልሕ ዘሎ ድስቲ፡ ኣብ ውሽጡ ዝተኣከበ ሃፋ፡ ከምድላዩ፡ ንኽንቀሳቐስ ፡እቲ መኽደን ድስቲ፡ ተዘይከፊትካዮ ነቲ መኽደን ኣልዒሉ መተንፈሲኡ ከምዝፈጥር ናይግድን ኢዩ። ዲክታቶርያዊ ስርዓት ጉጅለ ህግደፍ፡ ለውጢ ብመንእሰያትን

ነባራት መርሕነት ግ.ሃ.ድ.ኤ. ንለውጢ ዝፈታተን ፡ ሓበን፡ ክጥሕስዎ እላቦ፤

ኣብ ሓደ ዝፈልሕ ዘሎ ድስቲ፡ ኣብ ውሽጡ ዝተኣከበ ሃፋ፡ ከምድላዩ፡ ንኽንቀሳቐስ ፡እቲ መኽደን ድስቲ፡ ተዘይከፊትካዮ ነቲ መኽደን ኣልዒሉ መተንፈሲኡ ከምዝፈጥር ናይግድን ኢዩ።

ዲክታቶርያዊ ስርዓት ጉጅለ ህግደፍ፡ ለውጢ ብመንእሰያትን ተማሃሮን ከምዝመጽእ ስለዝፈልጥ፡ መጀመርያ ዝመሃዞ ፡ መደበር ታዕሊም ሳዋ ከፊቱ፡ ንመንእሰይ ወለዶ፡ ኣብዘይ ውዳእ ኣገልግሎት ሂወቱ ከመርሓሉ ብዘይክእል ደሞዝ ብጊላነት ምንባር ኢዩ። ብ 1997 ፡ በቲ ሽዑ ተረኺቡ ዝነበረ ናይ ብሕታውያን ጋዜጣ ኣቢሉ፡ ምሉእ ህዝቢ ኤሪትራ፡ ንቍዋምን ፡ደሞክራስን ፡ ብትሪ ፡ ጠለቡ የቕርብ ነይሩ ኢዩ። እዚ ከኣ መተንፈሲ እንተዘይገሪሉ፡ ጽባሕ ድሕሪ ጽባሕ ዝግንፍል ተርእዮ፡ ምዃኑ ዘስተባሃለ፡ ጃንዳ ህግደፍ ፡ መተንፈሲ ክገብር ናይ ግድን ነይርዎ። እቲ ኣወንታዊ መተንፈሲ፡ ሕቶ ህዝቢ ከተግብር ይግባእ ነይሩ። ህዝቢ ዝጠልቦ ሕቶ ቍዋምን ደሞክራስን እንድሕሪ ኣተግቢሩ  ግን፡ ኣብልዕሊ ህዝቢ ምዕንዳርን፡ ዕድመ ስልጣኑ ዘሕጽርን ስለዝኾነ፡  እቲ ዝመሃዞ ሰይጣናዊ ዝኾነ፡ መተንፈሲ ፡ ነቲ ዋና ለውጢ ከምጽእ ይኽእል ኢዩ ዝብሎ ፡ ኣካል ሕብረተሰብ ኤርትራ፡ ተጋደልትን፡ ኣገልግሎትን፡ ንምጥፋእ ፡ ብመደብ ባዕሉ ብዝፈጠሮ ኩናት፡ ኣብኩናት ባድመ ኣእቲዩ፡ክሃልቁ ገበሮም። ካብኡ ንደሓር ከኣ፡ እቲ ዋሕዚ ስደትን፡ ህልቂት መንእሰያት ኤሪትራ፡ ኣብ ባርሕርን ምድረበዳን ፡ ናቱ መቐጸልታ ምዃኑ፡ ንዅሉ ብሩህ ኢዩ።እዚ ትማሊ ኣብ ወርሒ ለካቲት፡ መራሒ ጃንዳ ህግደፍ ባዕሉ ንዘጀጋጀዎ ሕቶታት ክምልስ ከሎ፡ ኣይኮነንዶ ካብ ሓደ መራሒ ሃገር ኢየ ዝብል፡ ካብ ተራ ሓደ ዕዋላ ዘይትጽብዮ ዘሕፍር መደረታት ምግባሩ እውን፡ ገበን ኣብልዕሊ ገበን ይጽፍጽፍ ምህላዉ ዘመስክር ኣብነት ኢዩ።

ዝሓለፈ 13 ዓመታት፡ ድክታቶርያዊ ጉጅለ ህግደፍ ብዝገብሮ ዕንደራን፡ ኣብ ገዛእ ህዝቡ ዝፍጽሞ ዘሎ ግፍዕታትን፡ ብዓለምን ብህዝቡን ተፈንፊኑ፡ ብዝኽተሎ ፍሹል ቍጠባዊ ፖሊሲ ጠፊሹ፡ ዓቕሙ መንሚኑ፡ ኣብዘለወሉ እዋን፡ ተቓወምቲ ሓይልታት ዓቕሞም ኣተሓባቢሮም ጉጅለ ህግደፍ ንምእላይ እዚ ዝነበረን ዘሎን ምቹእ ኩነታት፡ ስልምንታይ ኣይተጠቕሙሉን? ስለምንታይከ ህዝብና ክበታተንን  ሕሰም ህዝብና ክናዋሕን ተዓዘብቲ ጥራይ ኮይነን ኣለዋ?

ብርእቶይ፡ ኣብ ነባራት ውድባት፡ ክልተ ወይ ካብኡ ንላዕሊ ባህርያት ወይ ዝምባሌታት ከምዘሎ ትዕዘብ። እቲ ቀዳማይ ዝምባሌ፡ ከምዚ ሕጂ መብዛሕተኤን ዘለዎኦ፡ ብዝተወሰኑ ናይ ነዊሕ ግዜ ዝፋለጡ ብጾት ምትእኽኻብ ዝቖማ ኮይነን ፡ ኣየድመዓ: ኣይስስና፡ ነንሕድሕደን ዝጠማመታ፡ ምውዳቕ ህግደፍ ዝምነያ፡ ግን ከኣ፡ ኣብ ፍልስፍናን ኣብ ጓል መገዲ ንትርኽን፡ ግዚኤን ዘሕልፋ፡ ዓመት መጸ “ኣኸባና ብዓወት ተዛዚሙ” እንዳ ጨረሓ : ከምዛ ዘለወኣ (Feel Good ውድብ፡ ወይ Feel Good ፓርቲ) ኮይነን ዝነብራ ኢየን።

እቲ ካልኣይ ዝምባሌ ክኸውን ዝግበኦ፡ ዝብሎን፡ ገለ ውድባት እውን ብተዛማዲ ከተግብረኦ ዝፍትናን ከኣ፡ ኣብዚ ግዜ’ዚ ፡ ህዝብና ኣብ ከመይ ዝበለ ሕማቕ ኩነታት ኣብ ኣፍ ጻዕረ ምት ከምዘሎ ብምእማን፡ እቲ ንህዝብና ደም ዘንብዕ ዘሎ ጕጅለ ህግደፍ እውን፡ መሽሚሹ ክንሱ ፡ ብሕመቕና ጠጠው ኢሉ ከምዘሎ ብምርዳእ ፡ “ድሕነት ህዝቢ ቅድሚ ኵሉ” ብምስራዕ ፡ ቅድሚ ዝኾነ ነገር ዘድሊ፡ ስርዓት ህግደፍ ምእላይ ምዃኑ ኣሚንካ ፡ንዝኾነ ነገር ኣወንዚፍካ ፡ ኣብ ምእላይ ስርዓት ህግደፍ ቀዳምነትካ ሰሪዕካ ፡ ዝዀነ ውድብ ፡ ወይ ጥርኑፍ ሓይሊ ዝቃለሶ ከኣ፡ ኣብ ኤሪትራ ግዝኣተ ሕጊ ንምንጋስ፡ ስልጣን ንህዝቢ ንምርካብ ደኣ’ምበር፡ ስልጣን ንመሓዝ ከምዘይኮነ፡ መሰረታዊ እምኒ-ኵርናዕካ ገርካ ፡ ምቅላስ ዝብል ኢዩ።

መስረታት ግ.ሃ.ድ.ኤ ነዚ ኣብ ካልኣይ ዝንባሌ ተጠቒሱ ዘሎ ኩነታት ስለ ዝኣምንሉን ዝሰርሕሉን ብተዛማዲ ዝሕሸ ዝርጋሐን ቆላሕታ መንእሰያት ዝሰሓበ ውድብ ኮይኑ ይርከብ እንተበልኩ ካብ ሓቂ ዝረሓቁ ኣይመስለንን። ገለ ካብቲ ብድፍኢትን ለበዋን መሰረታት፡ መርሕነት ግ.ሃ.ድ.ኤ. ዘተግበሮም ንምጥቃስ፤ ብ2011 ኣብ ጉብኤ ኣዋሳ ፡ ባይቶ ኤሪትራ ድሕሪ ምምስራቱ፡ ባይቶ ዝዓበየ ስልጣን ንኽህልዎ፡ ድሕነት፡ ኣብ ኪዳን ምጽናሕ ኣድላይነት ስለዘይብሉ ፡ ካብ ኪዳን ክወጽእ ወሲኑ። እቲ ውድባት ነናተን ሰራዊት ክህልወን ፡ ኣድማዒ ከምዘይከውን ብምግንዛብን፡ ዝተፈላለየ ሰራዊት ሒዝካ ንዓዲ ምእታው እውን ሓደጋነቱ ብምስትውዓልን፡ ግ.ሃ.ድ.ኤ. ሰራዊት ንባይቶ ከርክብ ቅሩብ ምዃኑ ብወግዒ ኣፍሊጡ።  ምስ ኣባላት ህዝባዊ ምንቅስቓስ ዝነበሩ፡ ፍጹም ውህደት ብምግባር ኣብ ሕዳር 2012 ሓድነታዊ ጉባኤ ኣካይዱ። እቲ ዋናን፡ ዝዓበየን፡ ካብ ሰብ ጉዳዩ ንላዕሊ ኣብ ልዕሊ፡ ኣባላት ውድብ ዘይኮኑ፡ ደለይቲ ፍትሒ ህዝብና፡ ሓጎስን ፡ ፍናንን ዝፈጠረ ግን፡ እቲ ብ ሰራዊት ሕድሪ፡ ዝፍለጥ ምትሕንፋጽ ሰራዊት፡ መንእሰያት ንደሞክራስን ንፍትሕን ኤሪትራ፡ (መ.ደ.ፍ.ኤ)ን ሰራዊት ግ.ሃ.ድ.ኤ. ኢዩ። እዛ ስርሒት እዚኣ ዘየሐጎሶቶ፡ ኣባል ድሕነት ኣሎ ፡ ኣይብልን።

ሓደ ቃልሲ፡ ወይ ሓደ ውድብ ኣብ ዝተወሰነ ግዜ ብዝተወሰኑ ኒሐኛታት ሰባት፡  ክጅመር ወይ ክካየድ ምጽናሕ ባህርያዊ ኢዩ። ሓደ ውድብ ኣድማዒ ንኽከውን ግን ክዓብን ክሰፍሕን ኣለዎ፡ ክዓቢ ዝኽእል ከኣ ፕሮግራማቱን ምንቅስቃኡን ንሰባት ናብ ቃልሲ ዝዕድምን፡ ዝስሕብ ምስዝኸውን ኢዩ። ግ.ሃ.ድ.ኤ ነዚ ዘማልኤ ውዱብ ኢዩ ዝብል እምነት ኣሎኒ። ከም ኣብነት ንምጥቃስ ቅድሚ ዳርጋ 4 ዓመት ይገብር ግ.ሃ.ድ.ኤ ናብ ህዝቢ ዝዘርገሓ ጽሕፍቲ ፡ ብድጋሜ ንኽትንበብ ኣብዚ መወዳእታ ጽሑፈይ፡ ኣተሓሒዘያ ኣለኹ።

ኣመጻጽኣ  ግ.ሃ.ድ.ኤ. ነዊሕ ታሪኽ ክህልዎ እኳ እንተኻኣለ ፡ እዚ ግ.ሃ.ድ.ኤ ዝብል ስም ሒዙ ክኸይድ ዝጀመረ እንተዘይተጋግየ ቅድሚ 6 ወይ 7 ዓመት ድሕሪ ናይ 3 ውዱባት ፍጹም ውህደት ኢዩ። ብጻዕሪ ውፉያት ኣባልት ግ.ሃ.ድ.ኤ. ብደሓን ቍጽሪ መንእሰያት ክጽንበርዎ ዝጀመሩ ግን ብትዕዝብተይ ካብዚ ዝሓልፈ 3 ዓመት ነጀው ኢዩ።

ቃልስኻ ፍረ ክህብን ህዝቢ ንምድሓን ፡ክበቅዕ፡ እንተኮይኑ ከኣ፡ ኣብ ላዕሊ ከምዝተገልጸ፡ ውድብ  ምስ ካልእ ውድብ  ፍጹም ሓድነት ብምፍጣር ይኹን፡ ሓደሽቲ ኣባላት ብምስራዕ ፡ ውድብካ ክሰፍሕን፡ ሰብ ዝስዕቦን፡ ክኸውን ፡ ክትገብር ክትክእል ኣለካ። ኣብዚ እቲ ኣውራን ኣገዳስን እምበኣር ፡ ውድብ እንድሕሪ ክስፍሕ ኮይኑ ፡ ናይ ሓላፍነት ፡ ወይ ስልጣን ምትኽኻእን ምርኽኻብን ከምዘሎ ምቕባል ኣዝዩ ኣገዳሲ ኢዩ። ስልጣን ናይ ህዝብን፡ ናይ ቁዋምን፡ ምዃኑ ክሳብ ዝኣመንካ ከኣ መን ኣብ ሓላፍነት ይምጻእ ከሰክፈካ  ኣይግበኦን።

ኣብዚ ቀረባ ወርሓት ኣብ ልዕሊ ግ.ሃ.ድ.ኤ ገለ ስክፍታታት ክዕዘብ ኪኢለ ፡ ንሱ ከኣ፤

ግ.ሃ.ድ.ኤ ፡ ን 2ይ ስሩዕ ኣኸባ ማእከላይ ባይቶ ን ሕዳር  11/2013 ኣብ ዝቃራረበሉ ዝነበረ እዋን ፡ 5 መዓልቲ ክተርፎ ከሎ ፡ ብ ኣብላት ድሕነት ክኾኑ ዝኽእሉ ባእታታት ፡ “ኣዕናዊ ምስጢራዊ ሰኪዔት ኣብ ውሽጢ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ” ኣሎ ዝብል ተኸታታሊ ኣሰንባድን ዓቢይ ክስን ክዝርጋሕ ጀመረ። ቀንዲ ክሶም፡እቲ ክስታቶም ከም ዝሕብሮ፡ ነቲ ኣብ ካልኣይ ውድባዊ ጉባኤ ዝተገብረ ናይ መርሕነት ምትኽኻእ ወይ ናብ መርሕነት ሓዲሽ ገጻት ምምጻእ ፡ ከም ኣብነት ዕብየትን ለውጥን ፡ ኣይኮነን ተቐቢሎሞ፡ ብኣንጻሩ እኳ ደኣ፡ ነቶም ዝተመርጹ ከምናይ ህግደፍ ልኡዃት ኢዮም ብዘስምዕ ጸለመ ኢዮም ጽሑፎም ዘርጊሖም።

ብዘካ’ዚ እውን ኣብዚ ስሙናት እዚ ካብ መርሕነት ግ.ሃ.ድ.ኤ ዝወጽእ ጽሑፋት ዘይሃናጽን ነጻግን ፡ ብፍላይ ንመንእሰያትና ብሓፈሽኡ ከኣ ንህዝብና ፍናኑ ዘውድቕ ጽሑፋት ክወጽእ ምርኣይ ዘሕዝን ኢዩ።

ሓደ ውድብ ነዚ ዘለናዮ ናይ ህዝብና ኩነታት ክገጥም ኢንተኮይኑ ካብታ ዝጸንሓ ናይ ውሽጢ ዓንከል (INNER CIRCLE) ውጽእ ኢሉ፡ ኣብ ፕሮቶኮልን ቢሮክራስን ሸንኮለል ከይበለ ጠለባት መሰረታት ብምላእ፡ ምዕቡል ኣካይዳ፡ ብፍላይ ከኣ፡ ተካኢ ወሎዶ ብክፉት ልቡ ተቐቢሉ፡ ምምራሕ ጥራይ ዘይኮነ ፡ ክምራሕ እውን ከም ዝኾነ ክኣምን ይግበኦ። እንተዘየሎ ንለውጢ ዘይተቐረበ ፡ ሓዲሽ ገጽ፡ ሓዲሽ ሓይሊ ዘፍርሖ ፡ ከምቲ ኣብ ላዕሊ፡ ቀዳማይ ዝንባሌ ኢለ ገሊጸዮ ዘሎኹ፡ ፊል-ጉድ ውድብ ዝናፈቐ ኮንካ ኣብታ ዘልኻያ ኣጒልካ ምንባር ፋይዳ የብሉን።

እሞ ዝኸበርኩም ኣሕዋት፡ ነባራት ተጋደልቲ ኮነ መርሕነት ግ.ሃ.ድ.ኤ፡ ትርግታ ህዝቢ ክተንብቡ፡ ብደቅኹምን ፡ ብኣሕዋትኩምን፡ ኮሪዕኩምን፡ ማእክልኩም፡ ንስኻትኩም ዘጽናሕኩሞ ቃልሲ፡ ብደቅኹም ከምዝፍጸም ብምእማን ንለውጢ ክትርዕምዎ ኣጥቢቐ ሕውነታዊ ለበዋይ የቕርበልኩም።

ህዝብና ኣብ ኣፍ-ኣርኩቡ ኩነታት ከምዘሎ መን ንመን ኢዩ’ሞ ክነግሮ? ጋህሚ ዓይኒ እምበር፡ ጋህሚ ሓንጎል ዘሎ ኣይምስለንን፡ ስለዚ  ግዜ ይሃድመናሎ ፡ ብዘለና ዓቕሚ ፡ ህዝብናን ሃገርናን ንምድሓን ንጓየ በጀኻትኩም።

ኣብ ድሕነት ዘሎ ጸገማት፡ ብዘተ ፡ ብሕውነት፡ ብግሉጽነት፡ ንቕድሚት ብዘስጕም ኣጋባብ ክፍታሕ ይምነ።

ውድቀት ንጉጅለ ህግደፍ፡

ራህዋን ሰላምን ንህዝቢ ኤሪትራ፡

 

ዘርእማርያም ሃ.ክፍለ

 

ካብዚ ቀጺሉ ዘሎ ጽሑፍ ኣብ ላዕሊ ከምዝሓብርክዎ፡ ግ.ሃ.ድ.ኤ. ብ ሰነ 2010 ናብ ህዝቢ ዝዘርግሖ ጽሑፍ ንኣንባባይ ምቕራብ ኣገዳሲ ኮይኑ ሰለ ዝተረኣየኒ ኢየ።

 

ሰነ 2010

መልእኽቲ ናብ ኩሎም ብድሕነት ህዝቦምን

ሃገሮምን ዝግደሱ ኤርትራውያን

ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ፡ “ድሕነት ሃገር ቅድሚ ኩሉ” ዝብል መሪሕ ጭርሖ ኣልዒሉ፡ ኣንጻር ዲክታቶሪያዊ ስርዓት ዝቃለስ ዘሎ ሃገራዊ ውድብ’ዩ። ነዚ ዕላማ’ዚ ኣብ ባይታ ንምትርጓሙ ድማ፡ ዓቕሙ ብዘፍቀዶ ክቃለስ ይርከብ። እዚ ክንብል እንከለና፡ መብዛሕትኹም ብመራኸቢ ብዙሃን ክትከታተልዎ ከም ዝጸናሕኩምን ዘለኹምን ስለ ዝዘንጋዕናዮ ኣይኮነን። ነዚ ዘረጋግጸልና፡ ገለ ተደናገጽቲ ካባኻትኩም፡ ስራሓትና ንምድንፋዕ ሓሓሊፍኩም ወፈያታት ከተበርክቱልና ምጽናሕኩም ኣጸቢቕና ስለ ንፈልጥ’ዩ።

 

ከም ውጽኢት ናይ’ቲ ኣብ ዝሓለፉ 19 ዓመታት ዝተኸተሎ ግጉይ ፖለስታትን ኣዕናዊ ተግባራትን፡ ዲክታቶሪያዊ ስርዓት ህግደፍ ኣብ’ዚ እዋን’ዚ፡ ኣብ ማእለያ ዘይብሉ ሽግራት ተረግሪጉ ክሰሓግ ይርከብ ኣሎ። ብተዛማዲ ተቓወምቲ ውድባት ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ብኣድማዕነት ከሰርሑ ዘኽእልም ክፉት ዕድላት ተኸሲቱ ምህላዉ ንግንዘብ። ኣብ ባይታ ማዕቢሉ ዘሎ ሓቅታት እዚ ከንሱ ግን፡ ዓቕምና ድሩት ኮይኑ ብምጽንሑ ምኽንያት፡ ከም’ቲ ዝድለ ርኡይ ዓወታት ከነመዝግብ ይኹን፡ ማዕረ ትጽቢታት ውጹዕ ህዝብና ኮንና ክንርከብ ኣይከኣልናን። ስለምንታይ፡ ኣብ ቅድመና ዘሎ ዕድላትን፡ እንውንኖ ዓቕምታትን ዝመጣጠኑ ኮይኖም ስለ ዘይተረኽቡ’ዮም። ካብ ወጻኢ ዝርከቡ መስረታትናን ተደናገጽቲ ውድብናን ንረኽቦ ውሱን ሓገዛት’ኳ እንተሎ፡ ካብ ኢድ ናብ ኣፍ ምዃኑ ዝሓልፍ ክይኑ ኣይጸንሐን። ብርግጽ፡ ኣብ መዋእል ብረታዊ ተጋድሎና ህዝብና ተጋደልቲ ኣብ ምሕባብ ዝለዓለ እጃም ከም ዝነበሮ ኩላትና ንዝክሮ ኢና። ሕጂ ግን “ከልቢ እንተጥሚኻዮ ንዋንኡ ይስዕብ” ብዝዓይነቱ ዲክታቶሪያዊ ምሕደራ ስርዓት ዓፊኑ ሒዝዎ ስለ ዝርከብ፡ ተቓለስቲ ደቁ ከዐንግልስ ይትረፍ፡ ዳርጋ መላእ ህዝቢ ንባዕሉ ትኳቦ ዝሓተሉ ዘሎ ነዳይ መነባብሮ ኣትዩ ዝርከብ ዘሎ’ዩ። ክንዲ ዝኾነ፡ ህዝብና ደራኺ ሓይሊ ቃልስና ክኸውን ይግብኦ ነይሩ ክንሱ፡ ብሰንኪ ኣትይዎ ዝርከብ ክቱር ድኽነት፡ ኣብ መዓልታዊ ህይወት ንጥፈታትና ኣንጸባሪቖም ዘለዉ ጸገማት፡ ማዕረ ክንደይ ምዃኖም ምግማቱ ዘሸግር ኣይመስለናን።

 

ኣብ ልዕሊ ህዝብናን ሃገርናን ሓንጊሩ ዘሎ ግናይ ዲክታቶሪያዊ ስርዓት ኣውዲቕካ፡ ኣብ ኤርትራ ሰብኣዊ መሰላትን ሓርነታዊ ክብርታትን ወዲ ሰብ ዘውሕሰሉ ዲሞክራሲያዊ ስርዓት ምትካል፡ ባህግን ድልየትን ኩሉ ፈታው ሃገር ኤርትራዊ ምዃኑ ንጠራጠረሉ የብልናን። ስርዓት ምቕያር ሓባራዊ ድልየትናን እሙንቶናን ክሳብ ዝኾነን፡ ኤርትራ ንኩላትና ማዕረ ትብጸሓና ሃገር ክሳብ ዝኾነትን ግን፡ ነፍሲ ወከፍና ዓቕሙ ብዘፍቅዶ እጃሙ ክልዕል ታሪኻዊ ሓላፍነቱ’ዩ ዝብል ዕግበት’ዩ ዘለና። ብሰንኪ ኣተሃላልዋናን፡ ባህርያት ነካይዶ ዘለና ውልቃዊ ስራሕትን፡ ጸሚዱና ዘሎ ኲነታት መነባብሮን፡ ኩልና ኣብ ቃልሲ እነልዕሎ እጃምን ስፍሓት ተሳትፎን ሓደ ክኸውን ይክእል’ዩ ዝብል ዕግበት የብልናን። ኣብ’ቲ ክነረጋግጾ ተዓጢቕናሉ ዘሎና ዕላማ ድማ፡ ኣብ ሞንጎ’ቶም ዝተሰውኡን ዝተኣስሩን፡ ከምኡ’ውን ጌና ብረቶም ተሰኪሞም ክብጀዉ ተቐሪቦም ዘለዉን ብሓደ ወገን፤ ካብ ቦታ ዓውደ ውግእ ርሒቖም ግቡኦም ዝፍጽሙ ዘለዉን በቲ ካሊእ ወገን፡ ዘሎ ደረጃ ተበጃውነት ማዕረ ክረአ ከም ዘይከኣል ዘካትዕ ኮይኑ ኣይንረኽቦን። እዚ ክንብል እንኮሎና ግን፡ ካብ ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቅታት ተበጊስና ነልዕሎ ዘለና ደኣ’ምበር፡ ክሳብ ክንደይ ይንእስ ይዕበ ብዘየገድስ፡ ነዚ ቅዲስ ዕላማ’ዚ ዝውፈ ዝኾነ ኣበርክቶታት ምፍዃስ ከም ዘይኮነ ክትርድኡና ንደሊ። ስለምንታይ፡ ኣብ ከም’ዚ ዝኣምሰለ ጉዳይ ዝልገሱ ወፈያታት፡ ካብ ዝተፈላልየ ሓልዮትን ዓቕምን ተኽእሎታትን ዝምንጭዉ ክንዲ ምዃኖም፡ ዝተፈላለየ ዓቐናት’ውን ክህልዎም ከም ዝኽእል ስለ ዘይንስሕቶ’ዩ። ኣብ ባይታ ዘምጽኦ ለውጢ ግን፡ እኩብ ውጽኢት ናይ ኩሎም ምዃኑ ኣጥቢቕና ንኣምነሉ’ዩ። ምስ’ዚ፡ ነዞም ክሳብ ህይወቶም ብምኽፋል ዝለዓለ ግደ ዘበርክቱ ዘለዉ፡ ካሊእስ ይትረፍ ኣብ’ታ መደበሮም ዘዕርፉላ ግዜ፡ ነታ መዓልታዊ ዝምገብዋ ብግቡእ ከተቕርበሎም ዘይምኽኣል፡ ብቃልሲ ዝሓለፍኩም ኣካል ህዝብና ከም ምዃንኩም መጠን፡ ኣብ ልዕሊ ንዕኦም ዝመርሕ ኣካል ዝፈጥሮ ስንፍላልን፡ ዘስዕቦ ሕልናዊ ጭንቀትን፡ ስነ-ኣእሙራዊ ጸቕጥን ምምዛኑ ትዝንግዕዎ ኮይኑ ኣይረኣየናን።

 

ከም ውድብ ካብ ቀደም ኣትሒዝና፡ ወተሃደራዊ ስርሒታት ተቓውሞ ብሓባር ተወዲቡን ተሰሪዑን ክካየድ ጻዕርና ቀጻሊ ጸኒሑ’ዩ። ሎም ዓመት’ውን ውድብና ዳግመ ተበግሶ ብምውሳድ፡ ንሕና ዘለናዮ ሸሞንተ ውድባት ሕቶ ሓባራዊ ወተሃደራዊ ኣመራርሓ መሊሾም፡ ሓባራዊ ወተሃደራዊ ስርሕታት ከካይዱ ተሰማሚዖም ይርከቡ ኣለዉ። እዚ ስምምዕ’ዚ ብሓባር ጠለባቱ ተማሊኡሉ መደባቱ ኣብ ግብሪ ክሳብ ዝውዕል፡ ነፍሲ ወከፍ ውድብ ነቲ ከካይዶ ዝጸንሐ ወተሃደራዊ ስርሕታት ክቕጽሎ’ዩ። ውድብና ንዕድል ጽቡቕ ዝምድና ስራሕ ምስ ዲሞክራሲያዊ ውድብ ዓፋር ቀይሕ ባሕሪ ስለ ዝጸንሖ፡ ሕጂ’ውን ከም’ቲ ኣብ ሕሉፍ መድረኻት ዘካየዶ ስርሕታት ከካይድ ከም መደብ ሒዝዎ ከም ዘሎ ነበስር። ካሳብ ሓባራዊ ወተሃደራዊ ስርሕታት ዝጅመር በይንና ነልዕሎ እጃም ስለ ዘሎ ድማ፡ ካብ ኩሎም ሃገራውያን እንጠልቦ ነቲ ብግብሪ ዝሰርሕ ምትብባዕን ምሕጋዝን ክኸውን እንከሎ፡ ኣብ ልዕሊ’ቲ ካብ መስርሕ ሓባራዊ ወተሃደራዊ ዕዮታት ምስታፍ ዝዝሕትል ዘሎ ሸነኽ ተጸዕኖ ምዝውታር ክኸውን ኣሎዎ ንብል።

 

ኣብ ዘለናዮ ፈታኒ ህሞት ንስራሕና ኣወንታዊ ባይታ ተፈጢሩልና ስለ ዘሎ፡ ኒሕን ተበግሶን ተወፋይነትን ጥራሕ’ዩ ዝሓተና’ምበር፡ ኣብ ኩሉ መዳያት ቃልሲ ክግበር ዘይከኣል የልቦን ዝብል ዕግበት’ዩ ዘለና። ካብ’ዚ ሓቅታት’ዚ ብምብጋስ፡ ውድብና ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ፡ ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ንስርዓት ህግደፍ ዘሕምም ደያቢ ስርሕታት ከካይድ መደባቱ ሰርዑ ስለ ዝርከብ፡ ኩሎም ብህዝቦምን ሃገሮምን ዝግደሱ ሃገራውያን፡ ኩነታቶም ብዘፍቅዶ ዓቕምን ዓቐንን ወፈያ ክገብሩሉ፡ ካብ ሃገራውን ሕውነታውን መንፈስ ተበጊስና ንሓትት። ቅርበት ዓወት ህዝብና ዘመላኸቱ ረቛሕታት እናተጋህዱ ይመጹ ስለ ዘለው፡ ኣብ ረብሓ ተቓውሞ ከነውዕሎም ንውዓል ሕደር ዕድል ዘይህብ ቀራና መንገዲ ኣቲና ምህላውና ነረጋግጽ። ነዚ ንምዕዋት ትገብሩልና ኣበርክቶታት ድማ ኣቐዲምና ነመስግን። ኣብ ዓወት ከኣ የራኽበና።

 

ዘለዓለማዊ ክብርን ዝኽርን ንስውኣትና!

ዓወት ንሰላምን ደሞክራስን ኣብ ሃገርና ኤርትራ!

aseye.asena@gmail.com

Review overview
1 COMMENT
  • Anbesit February 23, 2014

    Please do not waist time to finish the first thing has to be done first. Thats to destroy the dictator and save the Eritrean people.

POST A COMMENT