Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ነታ ድምጺ ውጹዓት ዝኾነት ራድዮ ኣሰና ንምስሳን ኢደይ ኢድካ ንበል – ኣብ ከተማኹም ወከልቲ ኣሰና ብምዃን ንራድዮ ኣሰና ንምድጋፍ ተምዝገቡ። ( ናይ ምዝገባ ግዜ 10 መዓልቲ ጥራይ)

ካብ 10 ምስቍርቋር፣ ሓደ ፍረ ምግባር ‘ዩ እቲ ሰናይ ተግባር! ኣብ መወዳእታ ዝሓለፈ ወርሒ ለካቲት ነቲ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ህቡብ ተሰማዕነት ዝነበሮ ፈነወ ድምጺ ኣሰና ብሳትላይት ንምቍራጽ ድሕሪ ምውሳና፣ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት እትርከቡ ግዱሳት ተኸታተልትን ደገፍትን

ካብ 10 ምስቍርቋር፣ ሓደ ፍረ ምግባር ‘ዩ እቲ ሰናይ ተግባር!

ኣብ መወዳእታ ዝሓለፈ ወርሒ ለካቲት ነቲ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ህቡብ ተሰማዕነት ዝነበሮ ፈነወ ድምጺ ኣሰና ብሳትላይት ንምቍራጽ ድሕሪ ምውሳና፣ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት እትርከቡ ግዱሳት ተኸታተልትን ደገፍትን ኣሰና፣ ብኣካል፣ ቴለፎንን ኢመይልን ከምኡ ‘ውን ኣብ መኣዲ ዘተ ፓልቶክ ስንባዴኹም ብምግላጽ፣ ቀጻልነት ድምጺ ኣሰና ክረጋገጽ ከምዘለዎ ጽኑዕ ድሌትኩም ክትከልጹ ቀኒኹም ኣለኹም።

እዚ ሰናይ ድሌት’ዚ ኣብ ተግባር ክውዕል ምእንቲ ኸኣ፣ ድምጺ ኣሰና፣ ከምቲ ዝጸንሐ፣ ውሑዳት ብዙሕ እናኸፈሉ ኣብ ክንዲ ዝግድዑ፣ ብዙሓት ውሑድ ኣበርኪቶም ከድምዑ ዘኽእሎም፣ ቀሊል ግን ከኣ ውጺኢታዊ ህዝባዊ ፕሮጀክት ነዲፋ ጎስጓስ ጀሚራ ከምዘላ ተበስረኩም።

በዚ ውጥን’ዚ መሰረት፣ ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ዓለም 100 ግዱሳት ወከልቲ ኣሰና ነብሶም ብምርቋሕ፣ ነፍሲ ወከፎም ብውሑዱ 10 ኣዕሩኽ ኣሰና ኣጎሳጕሶም ጉጅለ ደገፍ ኣዕሩኽ ኣሰና ክምስርቱ እንተደኣ ክኢሎም፣ እቶም ኣዕሩኽ ኣሰና ንምዃን ተበግሶ ዝወሰዱ ግዱሳት ብወገኖም፣ ወርሓዊ $10 ዶላር ንወርሒ እንተደኣ ኣበርኪቶም፣ ድምጺ ኣሰና ብስሩዕን ቀጻልነት ዘለዎ ዘተኣማምን መንገድን ፈነወኣ ናብ ኤርትራ ከተመሓላለፍ ከም እንትእኽእል ነረጋግጸልኩም።

ምእንቲ’ዚ እቶም ወከልቲ ኣሰና ክኾኑ ተበግሶ ዝወስዱ ግዱሳት፣ ስሞምን፣ ዝነብሩሉ ከተማን ቁጽሪ ተሌፎኖምን ብኢመይል፣ ብፈይስቡክ ወይ ከኣ ብቴለፎን ናብ ድምጺ ኣሰና ብምልኣኽ ኣብቲ ኣብ ኣሰና ዳትኮም ተዘርጊሑ ዘሎ መዝገብ ወከልቲ ኣዕሩኽ ኣሰና ክምዝገቡ ይኽእሉ።

ብዘይካ ‘ቶም ኣብ ካሊፎርንያ፣ ኣብ በይ ኤርያን ሳንታ ሮዛን፣ ከምኡ ‘ውን ኣብ ላስ ቬጋስ ድሮ ኣዕሩኽ ኣሰና መስሪቶም ንሓያለ ኣዋርሕ ስሩዕ ሓገዝ ከበርክቱ ዝጸንሑ ውፉያት፣ ኣብዚ ሳልስቲ’ዚ፣ ኣብ ቴል ኣቪቭ፣ ኢንድያናፖሊስ፣ ሳንዲየጎ፣ ስቶክሆልም፣ ለንደን ኦንታርዮ (ካናዳ)፣ ጀኔቭ፣ ኒውዮርክ፣ ዲትሮይትን ከባቢኡን፣ ዋሺንግተን ዲሲ፣ ፍራንክፈርት፣ ሚድስብራ፣ ቦስተን፣ ሚላኖ፣ ክፍለ ሃገር ሚኒሶታ፣ ኦታዋ፣ ጀኔቫ፣ ዳብሊን፣ ደንቨር ዝርከቡ 22 ግዱሳት ወከልቲ ኣሰና ብምዃን ተመዝጊቦም ኣለዉ።

ቀጻልነትን ኣድማዕነትን ፈነወ ራድዮ ኣሰና ዘገድሰኩም ካልኦት ህርኩታት ኤርትራውያን ተመሳሳሊ ተበግሶ ብምውሳድ፣ ነቲ ተጀሚሩ ዘሎ ህዝባዊ ፕሮጀክት ኣብ ምዕዋት እጃምኩም ከተበርክቱ ድማ ደጊምና ብኽብሪ ንጽውዕ።

ከከም ዕብየቱ፣ ኣብ ሓደ ከተማ ካብ ሓደ ንላዕሊ ወከልቲ ኣሰና ክህልዉ ይኽእሉ እዮም። ስለዚ፣ ኣብዘን ተጠቒሰን ዘለዋ ዓበይቲ ከተማታት እትርከቡ ብውሑዱ 10 ሰብ ክትጉስጉሱ እትኽእሉ ግዱሳት ‘ውን ካልኣይ ሳልሳይ ወከልቲ ክትኮኑ ዕድል ኣለኩም።

ከም ገለ ሰባት ኣባላት ኣዕሩኽ ኣሰና ብምዃን እጃምኩም ከተበርክቱ እትደልዩ ግዱሳት ብወገንኩም፣ ኣብቲ ኣብ ኣሰና ዳትኮም ኣብ መዝገብ ወከልቲ ሰፊሩ ዘሎ ተሌፎናት ብምውድዋል ኣብ ከከባቢኹም ምስ ዘለዉ ወከልቲ ክትምዝገቡ ተበግሶ ክትወስዱ ነዘኻኽር።

እቶም ብዝተፈላለየ ምኽንያት ብውልቅን ዘይቅሉዕ ኣገባብን ከተበርክቱ እትደልዩ ‘ውን ከም ቀደም፣ ኣብቲ ኣብ ኣሰና ዳት ኮም ተለጢፉ ዝርከብ ናይ ፐይፓል መሳለጥያ ወይ ድማ ናይ ሕሳብ ባንክ ከተወፍዩ ትኽእሉ።

ወከልቲ ኣዕሩኽ ኣሰና ናይ ምምዝጋብ ግዜ ክሳብ 31 መጋቢት ን10 መዓልታት ክፉት ኮይኑ ክጸንሕ እዩ።

ስለዚ፣ ሎሚ ጽባሕ ከይበልኩም፣ ኣካል ናይቲ ድምጺ ውጹዓት ከይኵለፍ ዝካየድ ዘሎ ወፍሪ ምስሳን ድምጺ ሓርነት ክትኮኑ ደጊምና ንጽውዕ።

እዚ ንተሳተፍቱ ብዘይሃሲ መንገዲ ተዋዲዱ ዘሎ መደብ እንተደኣ ተተግቢሩ፣ ፈነወ ራድዮ ኣሰና ቀጻልነቱን ኣድማዕነቱን ዘተኣማምን ክኸውን እዩ።

እዚ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ዓቕምና ተመርኵሱ ዝሰላሰል መደብ’ዚ፣ እንተተሓባቢርና፣ ዋላ ውሑዳት ከነድምዕ ከምእንኽል ግብራዊ ምስክር ኮይኑ፣ ንነብስና ድርኺት፣ ንህዝብና ድማ ተስፋ ክፈጥረሉ ስለዝኽእል፣ ንቐጻሊ ኣብ ዓውዲ መራኸቢ ብዙሃን ኮነ ካልኦት ዕማማት ንዝጽበዩና ዓበይቲ ሃገራዊ ስርሓት መሰረተ ሓሳብ ከንጽፍ እዩ።

ፈነወ ራድዮ ኣሰና፣ እዞም ማዕዶ ‘ታ ብልቢ እነፍቅራ ሃገር ኣብ ስደት  ሰፊርና ዘለና ኤርትራውያን፣ ነቲ ንውጹዕ ህዝብና ዘድሚ ዘሎ መላኺ ስርዓት ብምቅላዕ ሕነ እንፈድየሉ፣ ንቕሓቱ ክብ እነብለሉ፣ ንብዓቱ እንደርዘሉ፣ ብዓቢኡ፣ ድሕነት ሃገርና ኣብ ምርግጋጽ እጃምና ከነበርከት ምሳርሒ ዝኾነና ጸጋ እዩ ‘ሞ፣ ነቲ ዝርካቡ ዕድል ንጠቐመሉ። ሕነ 10 ምስቍርቋር፣ ሓንቲ ፍረ ምግባር ይበልጽ።

ነዚ ወፍሪ ሓርነት ‘ዚ ብምዕዋት፣ ራህዋ ህዝቢ ኤርትራ ንምርግጋጽ፣ እታ ብዓልቲ ሕድሪ ኣሰና ከም ቀደም ሕጂ ‘ውን ድልውቲ እያ፣ ንስኻትኩም ከ ተዳሊኹም ዶ ኣለኹም?

ሃየ ንበገስ! ኢደይ ኢድካ እንተኢልና፣ ድምጽና ድምጺ ውጹዓት ከቶ ኣይክዕበስን እዩ። እወ፣ ካብ 10 ሻዕ ምስቍርቋር ሓደ ፍረ ምግባር ‘ዩ እቲ ሰናይ ተግባር።

ሓንቲ ‘ሞ ሰጉሙ፣ 10 ክንስጕም

ጸጸር ‘ሞ ደርብዩ፣ ደንጎላ ክንስከም

‘ቲ ሳንጃ ህዝብና ዝተሓጽበ ብደም

ኢዱ ረኺባቶ ምምላኽና ክጸገም፣

ኣደራዕ ውጹዓት ተማቒልና ሕሰም

ኣብ ሕቝፊ ሓርነት ከም ሓረግ ክንጥምጠም።

እወ፣ ካብ 10 ምስቍርቋር

በዅርካ ምብዃር

ሓደ ፍረ ምግባር ‘ዩ እቲ ሰናይ ተግባር፣

10 ባዴላ ደርቢኻ ንመላኺ ምቕባር

ዋላ ኣድሪ ትኹን መኣድኻ ምኽባር

ኣብ ሓኾት ውዒልካ ተደሪርካ ምሕዳር፣

እንተተማቒልናዮ ኣይከብደናን ‘ዩ ጾር

ስጋይ ስጋኻ፣ ኢደይ ኢድካ ንበል;

ንዓና ኣኺሉ ጻማና ክስፈር ።

 ምልኪ ይፈረስ ሕጊ ይንገስ!

ድምጺ ኣሰና

21 መጋቢት, 2015

aseye.asena@gmail.com

Review overview
3 COMMENTS
  • AHMED SALEH March 20, 2015

    Dear Eritrean brothers and sisters
    The opportunity to search for source of independent information about our country
    shouldn’t take lightly for granted . At least for the honor of those jornalistis who put
    in dungeons to silence them , we have obligation to protect our right to speak freely
    on matters which concern the country sociopolitical affairs .
    Anyway the call for action depends if we are practical to get involved to make any
    kind difference . Ten hands are stronger than couple hands to complete the task .
    You love Asseena , You love Amanuel , it sound nice if we prove it . Thanks .

  • kemal Ali March 21, 2015

    I am for it…we already started the job….we appreciate the blessed move and determined initiative…together we can make a sound difference…Yes we can!

  • Aida March 21, 2015

    i am ready to support with all of my heart go head my Eritrean pepole stand up now, be unity and be strong

POST A COMMENT