Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

“ነጻነት ንመን?”

ነጻነት ንመን? ንህዝቢ’ዶ ንገፋዒ ንቁሩባት’ዶ ንህዝቢ መንቢዒ ንሰላም’ዶ ንጨካናይ ረጋጽ ፍትሒ ንዲሞክራሲ’ዶ ንሕጊ ኣልቦ መራሒ ብቐጻሊ ህዝቢ ዘጽንት ህድገፋዊ ነጻነት ንመን? ንህዝቢ’ዶ ንገፋዒ።   መንእሰይ ነፊጹ ካብ ዝፈትዋ ዓዱ ሽግር በዚሒዎም ከይፈተዉ ዝተገዱ ብኹሉ ማእዝናት ክወጽኡ ክስደዱ ነጻነት ኤርትራ ባርነት ወሊዱ ንእሽቶ ዓብዩ ብስቓይ ተቐርዲዱ ንሃገሩ ጠንጢኑ

ነጻነት ንመን? ንህዝቢ’ዶ ንገፋዒ

ንቁሩባት’ዶ ንህዝቢ መንቢዒ

ንሰላም’ዶ ንጨካናይ ረጋጽ ፍትሒ

ንዲሞክራሲ’ዶ ንሕጊ ኣልቦ መራሒ

ብቐጻሊ ህዝቢ ዘጽንት ህድገፋዊ

ነጻነት ንመን? ንህዝቢ’ዶ ንገፋዒ።

 

መንእሰይ ነፊጹ ካብ ዝፈትዋ ዓዱ

ሽግር በዚሒዎም ከይፈተዉ ዝተገዱ

ብኹሉ ማእዝናት ክወጽኡ ክስደዱ

ነጻነት ኤርትራ ባርነት ወሊዱ

ንእሽቶ ዓብዩ ብስቓይ ተቐርዲዱ

ንሃገሩ ጠንጢኑ ንስደት’ዩ ከይዱ

ካብ ስቓይ ሃዲሙ ኣብ ስቓይ ተኣጉዱ

ነጻነት ምስ ተነፊገ ኣብ ዝፈትዋ ዓዱ።

 

ህዝቢ’ዶ ኣይነበረን መስውእቲ ዝኸፈለ

ደቁ ኣወፍዩ ንሰውራ ዝቐለበ

ካብ ዓድታቱ ተድፊኡ ኣብ ስደት ዝዓለበ

ናይ ሱሳታት ይዘከር ሰውራ ምስ ቦቐለ

ክሳብ ሕጂ ኣብ ስደት ዝንከራተት ዘሎ

ሕጂ’ውን ንስደት መንእሰይ ይውሕዝ አሎ

ጨካን ስርዓት ህድገፍ ብግፍዒ ምስ በደሎ

ህይወቱ ከየማሕሽ ዲክታተር ምስ ወነኖ

ስኣን ፍትሒ ሕጊ ሃገርና ዝጎደሎ።

 

ነጻነት ኤርትትራ ወሊዳ ባርነት

26 ዓመታት ትኸይድ ብጥልመት

ነጻነት ምስ ኮነት ማዕቢላ ብሓሶት

ዓመት ዓመት ገለጻ መብጽዓ መደባት

ብትንታነ ፈላስፋ ሃገር እንዳ ኣንቆልቆለት

ንዲሕሪት ትኸይድ ንቕድሚት ከይሰጎመት

መራሕቲ ህግደፍ ምስ ዓወሩ ንሹመት

ነጻነት ኤርትራ ወሊዳ ባርነት።

 

ራህዋን ቅሳነትን ንህዝቢ ኤርትራ፣

ዘለኣለማዊ ዝኽሪ ንኹቡራት ስውኣትና፣

ነጻነት ህዝቢ ከምዘምጽኦ ሕጂውን ከይረሳዕና፣

ዘረባ ጠላማት ይኣክል በዚሑና።

 

ብሰለሞን ብርሃነ ሠንጋል

“ሕልና 05-23-2017”

aseye.asena@gmail.com

Review overview
1 COMMENT
  • k.tewolde May 25, 2017

    Beautiful Poem,and there is nothing in it a reason to party but to reflect and ponder what went wrong.

POST A COMMENT