Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ናይሓዘንመግለጺ – ምንቅስቓስ ኤርትራውያን ንለውጢ

                                                                     

                                                                                                      12 ጥቅምቲ 2013

ናይሓዘንመግለጺ

ብንኽንያት እዚ ብዕለት 3-4 ጥቅምቲ 2013 ኣብ ማእከላይ ባሕሪ “ላምፓዶዛ” ዘጋጠመ ናይ ኤርትራውያን ኣሕዋትናን : ኣሓትናን ናይ ሞትን ማህሰይትን ሓደጋ ምንቅስቓስና መሪር ልባዊ ሓዘን ከም ዝተሰመዖ ክንገልጽ ንፈቱ:: እዚ ዘጋጠመ ሓደጋ ብፍላይ ንወለድን መቕርብን : ብሓፈሻ ድማ ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ ዝወረደ ስለዝኾነ ጽንዓት ይሃብኩም ንብል::

ከመዮ” ኣብ ርእሲ ዘላታስ ተወሰኸታ “ዝበሃል : እዚ ኣጋጢሙ ዘሎ ሓደጋ ነቲ በብእዋኑ ከጋጥመና ዝጸንሐ ብርሰት ወለዶ ተደመሮ ብሙኻኑ ተወሳኺ ክብደት ሂብዎ ኣሎ:: ከምቲ ሓደ ወሃቢ ርእይቶ ! ” ብሓንቲ መዓልቲ ዘይተወልዱስ ብሓንቲ ረፍዲ ጠፊኦም ! ” ዝበሎ: ኣስታት 300 ዜጋታት ኣብ ሓንቲ ረፍዲ ምስኣን ማለት ከቢድ እዩ :: ምንቅስቓስና ኪኖ ምእላይ ህ.ግ.ድ.ፍ : ንኤርትራን ኤርትራውነትን ማእከል ጌሩ ኣብ ሃገርና ሰላምን ዲሞክራስን : ሕግን ተማእዛዝነትን ንምስፋን ይንቀሳቐስ ብምህላዉ ዘርእና ንኸይበርስ : ታሪኽና ንኸይድምሰስ ምስ ኩሎም ደለይቲ ለውጢ ብምኻን ሃገራዊ ግቡእና ክንፍጽም ምኻና በዚ ኣጋጣሚ ክንገልጽ ንፈቱ::

ንግዳያት መንግስተ ሰማያት ንስድራቤት መወቲ ድማ ጽንዓት ይሃብኩም ንብል ::

 

ዓወት ንህዝቢ ኤርትራ

ምንቅስቓስ ኤርትራውያን ንለውጢ

EMC

aseye.asena@gmail.com

Review overview
1 COMMENT
  • Genet October 15, 2013

    What do we have to do to get started? Eritrean Movement for Change. I would like to know more About this. Thank You.
    Genet

POST A COMMENT