Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ናይ ሓዘን መግለጺ ካብ ሚሲሳጋ

ናይ ሓዘን መግለጺ ካብ ሚሲሳጋ ንነብሲሔር ሰሚራ ፍቃዱ 07/11/2013 ሰሚራ ማርያም ሚሲሳጋ እዝጊ ዝሓረያ ብኣጋ ለዋህ ኣደ ፈታው ዓጽመስጋ ማሲናወ፣ ብሕማም ኣሪጋ ኔራ ሰሚዐ'ወ ዓጽሚ ብዘይስጋ ኣምላኽ ኣንቢሩላ ናቱ ጸጋ ንበይና ጼራቶ ነቲ ዋጋ፣ ኣምላኽ ይቐበላ ላዕላይ ሰማይ መቓብርኪ ይፈልፍሎ  'ቲ ማይ ራሕሲ ግደፍልና ስኒት ሰናይ ጽንዓት ይሃብ

ናይ ሓዘን መግለጺ ካብ ሚሲሳጋ

ንነብሲሔር ሰሚራ ፍቃዱ

07/11/2013

ሰሚራ ማርያም ሚሲሳጋ

እዝጊ ዝሓረያ ብኣጋ

ለዋህ ኣደ ፈታው ዓጽመስጋ

ማሲናወ፣ ብሕማም ኣሪጋ

ኔራ ሰሚዐ’ወ ዓጽሚ ብዘይስጋ

ኣምላኽ ኣንቢሩላ ናቱ ጸጋ

ንበይና ጼራቶ ነቲ ዋጋ፣

ኣምላኽ ይቐበላ ላዕላይ ሰማይ

መቓብርኪ ይፈልፍሎ  ‘ቲ ማይ

ራሕሲ ግደፍልና ስኒት ሰናይ

ጽንዓት ይሃብ ንስድራኺ ጽንዓት ይሃብ ንፈተውትኺ

ኣብ ጽርሃ ኣርያም ኣምላኽ ይቐበልኪ፣

ከይደ ከይበልክና ካብ ወሰንኪ

ድሓን ኩኒ ክሳብ ንስዕበኪ፣

ካብ ሓዘንና ንብዓት ነንጥበልኪ

ካብ ጓሂና ንሓዝን ንበኪ

ምስ ናፍቖትና ነስተንትን ነስቆርቁር

ስቕዶ ይበሃል ኮይኑ ዓይንኻ ክትነቑር

ከማኺ ተዘይኮይኑ ኣብከብዱ ዝዓቑር፣

ለዛ ጸዋዒትኪ ኣብ እዝንና

እቲ ፈቃር ፍሽኽታኺ ኣብ ዓይንና

ድቕን እንዳበለ ከብድና ይበልዓና

ካልእ መዓስ ኮይኑ ዘይተፋነኽና

ካን ጨኪንኪ ከምኡዶ ይግብርዩ

ለካስ ብኡኡዩ ኣምልኽ ሓርዩ፧

መን ክኸእሎ ከምዚ ናትኪ ጽሮት

ኩሉ ኣብ ከብዳ ናይ ተስፋ ዕንጋሎት

ጸጋለዋ ናይ ኣልምላኽ ጽላሎት

ምስ ሰብ እዚኣ ከይበለት እንትርፎ ጸሎት፣

ፍቓዱ ዲዩ ጸዊዑ፧

ፍቓዱ ዲዩ ኮይኑ፧

ብፍቓድኪ፧

እንትይድኣ እታ ኣደይከ ዘይበልኪ፧

ካን ጨኪንኪ፧ ኣጨኻኻን ዲዩ ኮይኑ፧ እንታይወሪዱኪ፧

ግን! ኩሉ ካብ ኣምልኽዩ፡ ከተዕርፊ ግዲ ኢሉኪ።

ሓንሳብ ዘይጸናሕኪ ስለቲ ከርስኺ

ዓለም ጸልማት ኮይና ብዘይካኺ

ዘክርዮም’ባ ቶም ደቕኺ

ብየማን ብጸጋም ዝከቡኺ!

ማማሰሚራ! ማማሰሚራ! እንዳበሉኺ፡

ድሓንኩኒ።

ናይ ዓቕሊጽበትዩ ናይፍቕሪ

ስለቲ ለውሃትኪ ሰናይ ግብሪ

ስለቲ ጽሮትኪ ፍሉይ ባህሪ

ስለቲ ድምጽኺ ተዘካሪ

ስለቲ ፍሽኽታኺ ዘይኹሪ

ስለቲ ልቦናኺ ጓልፈጣሪ

ምስለማርያም ንኹሉ ትሓሊ፡

ግብረማርያም በገባብ ትኣሊ

ሰናይግብራ ጽጉም መስተብሃሊ

ድሓንኩኒ ብሰላም ዕረፊ

የዕሩጊኺ ምስኦም መላእኽቲ ሰብ ክንፊ።

ብ.ጴጥሮስ ተኽሉ፡ (ሓላዪ)

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT