Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ናይ ሓዘን መግለጺ

04/11/2016 ናይ ሓዘን መግለጺ ፋሽሽታዊ ምልካዊ ስርዓት ኢሰያስ: ካብ መኪና ዘዘሊሎም ከምልጡ ፈቲኖም ንዝበሎም ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎትን ካልኦት ሰላማውያን ሰባትን: ብጨካን ኣገባብ ኣብ ቅድሚ ህዝብን ኣብ ማእከል ከተማ ኣስመራን ዝፈጸሞ ዘስካሕክሕ ገበን ዘስደምም ፍጻሜ ኢዩ:: ስለዝኾነ ከኣ

04/11/2016

ናይ ሓዘን መግለጺ

ፋሽሽታዊ ምልካዊ ስርዓት ኢሰያስ: ካብ መኪና ዘዘሊሎም ከምልጡ ፈቲኖም ንዝበሎም ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎትን ካልኦት ሰላማውያን ሰባትን: ብጨካን ኣገባብ ኣብ ቅድሚ ህዝብን ኣብ ማእከል ከተማ ኣስመራን ዝፈጸሞ ዘስካሕክሕ ገበን ዘስደምም ፍጻሜ ኢዩ:: ስለዝኾነ ከኣ ንሕና “ህዝባዊ ምልዕዓል ኤርትራውያን ንፍትሒ ሰሜን-ኣሜሪካ” ነዚ ኣረሜናዊ ተግባር ብትሪ ንዂንን::

እዚ ብስሰዔ ስልጣን  ከምኡውን ንብረት ህዝብን ሃገርን ንምምንዛዕ ዓዊሩ ዘሎ ስርዓት: ዝፈጸሞ ኣረሜናዊ ተግባር  ተወሳኺ መርኣያን መግለጽን ናይቲ ሓቀኛ ባህርያቱ ጥራይ ዘይኮነስ: ካብ ተቓላሳይ ህዝብናን ሕብረተሰብ ዓለምን  ዝወርዶ ዘሎ ጸቅጢ እናበርተዔ ስለዝከደ: ተስፋ ቆሪጹ ካብ  ርቡጽን ርዑድን ኣእምሮ ዝነቀለ ዝፈጸሞ: ናይ ብህራረ ውጺኢት  ምዃኑ ንኩሉ ብሩህ ኢዩ ::

ንዝሞቱ ንጹሃት ዜጋታትና መንግስተ-ሰማይ /ጀና/ ይቀበሎም::  ንህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ ብፍላይ ከኣ ንስድራ ቤት ግዳያትን ፈተውቶምን ጽንዓት ይሃብኩም ንብል:: ፈጽምቱን ተሓባበርቶምን ከኣ ናብ ፍርዲ ቀሪቦም ብሕጊ ተሓተቲ ክሳዕ ዝኾኑ ቓልስና ቀጻልን ዘየቛርጽን ምዃኑ ነረጋግጽን::

ኣብ ሃገርና ገበን ኣብ ልዕሊ ሰብኣውነት ከብቅዕ ምሕዛን ጥራይ ንበይኑ ዋጋ ስለ ዘይብሉ:  ደለይቲ ፍትሒ ዘላቂ ፍታሕ ኣብ ምምጻእ ልዑል ተራ ዝህልዎም መደባት ስራሕ  ሓንጺጽና : ካብ ማንም ግዜ ንላዕሊ  ሓቢርናን ሰሚርናን ክንሰርሕ: ኣውያት ናይዞም ንጹሃት ዜጋታትና ይጽውዕ ኣሎ :: ስለዚ

  • ነቶም ድምጺ ዘይብሎም ዜጋታትና: ድምጽን ዋልታን ክንኮኖምን::
  • ነዚ ገበን ኣብ ልዕሊ ሰብኣውነት ዝፍጽም ዘሎ ስርዓት ከኣ: ንምግላጹን ብገበን ተሓታቲ ንምግባሩን::
  • ኣድላይ ቀጻሊ ደገፍ ንመርማሪት ኮሚሽን ሕቡራት ሃገራት : ወዘተ

ዝኣመሰሉ ዕማማት ንምስልሳል ንኽከኣል: ብደረጃ ዞባ ሰሜን-ኣመሪካ እትነጥፍ: ብቀጥታ ካብ ኩለን ከተማታት ብህዝቢ ተወኪሎም ዝመጹ ሓሓደ ሰብ ዝሓቆፈት: ካብ ዝኮነ ፖሎቲካዊ ሰልፍታትን ብርጌሳውያን ማሕበራትን ነጻ ዝኾነት   “ሓይሊ-ዕማም” ክትምስረት: በዚ ኣጋጣሚ ደጊምና መጸዋዕታና ነቕርብ::

ንሕና “ህዝባዊ ምልዕዓል ኤርትራውያን ንፍትሒ ሰሜን-ኣሜሪካ” ነዚ ተበግሶ ብምውሳድ ናይ ምስላጥ ተራ  (facilitation role) ክንጻወት ተዳሊና ኣሎና:: ነዚ ዕማም’ዚ ንምስላጥ ብወገና ተወኪሎም ዘለው ሰባት  ብኢመይል “hizbawimnfithi2016@gmail.com” ምውካስ ይካኣል:: ኣብዚ ናይ ምስላጥ  ስራሕ ወይ ተራ ምሳና ሓቢሩ ክሰርሕ ዝደሊ ዝተጥርነፈ ሓይሊ ምስ ዝህሉ: ሓቢርና ክንሰርሕ ድልዋት ምዃና ከኣ ንገልጽ::

ውድቐት ንምልካዊ ስርዓት ኢሰያስ!

ዘለኣለማዊ ዝኽሪ ንሰማእታትና!

“ህዝባዊ ምልዕዓል ኤርትራውያን ንፍትሒ ሰሜን-ኣሜሪካ”

aseye.asena@gmail.com

Review overview
1 COMMENT
  • Akeleguzettttay!!!!!!!! April 19, 2016

    Good job go for it!!!

POST A COMMENT