Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ናይ መወዳእታ ዕርዲ ህግደፍ ቀዳማይ ዕርዲ ተቓውሞ – ምስምስ ብኢትዮጵያ …መዋጽኦ… – 3ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

ናይ መወዳእታ ዕርዲ ህግደፍ ቀዳማይ ዕርዲ ተቓውሞ - ምስምስ ብኢትዮጵያ

ናይ መወዳእታ ዕርዲ ህግደፍ ቀዳማይ ዕርዲ ተቓውሞ –

ምስምስ ብኢትዮጵያ……መዋጽኦ

3ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

ምስምስ ብባህሪኡ ምትላል ብምዃኑ ቅኑዕ ‘ኳ እንተዘይኮነ፣ ብዙሓት ንግዚኡ መሓንቖታት ንምሕላፍ ከም መሳገሪ ክጥቀምሉ ይረኣዩ እዮም። ስርዓት ህግደፍ ግን ከም መናበሪ እዩ ዝጥቀመሉ።

ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ፣ ሕጽረት ዝተፈላለዩ ኣገልግሎታት ከጋጥሙ ከለዉ፣ “ሓድጊ መግዛእቲ…መግዛእቲ ዝገደፎ ጸገም..” እናበለ ንዝደጋገሞ መመኽኔታታት፣ ህዝቢ፣ ፈለማ ክቕበሎ፣ ቁሩብ ጽንሕ ኢሉ ‘ውን ክጻወሮ ‘ኳ እንተተራእየ፣ ኣብ መወዳእታ እቲ ምኽንያት ስለዝገርዘመ፣ ምስምስ ምዃኑ ህዝቢ ኤርትራ እናተገንዘቦ መጺኡ። ኣብ ከምዚ ኩነታት፣ ብፍላይ ንኢሳይያስ ዝገጠማኦ ምርጫታት ክልተ እየን። ናብ ሕሉፍ ምጥማት ገዲፍካ ምሉእ ሓላፍነት ዝስከም መንግስቲ ምቛም፣ ወይ ከኣ ካልእ ሓዱሽ ምስምስ ምፍጣር። ሕማቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ፣ ሕርያ ኢሳይያስ፣ እቲ ዘይንቡር ካልኣይ ምርጫ እዩ ነይሩ። ባዕሉ ኵናት ወሊዑ “ተወሪርና” እናበለ ኣብ ምስምስ ምንባር ቀጺሉ። ኣብ  ውሽጢ’ቲ ክልተ ዓመታት፣ ኣብ ልዕሊ ኤርትራን ህዝባን ምስቲ ናይ 30 ዓመታት ጥፍኣት ዝዳረግ ዘይሓላፍነታዊ ዕንወትን ጥፍኣትን ፍጺሙ ክንሱ፣ “ወይ ኣነ!” ኢሉ እንተጠዓስ ‘ውን ኣይምኸፍአን። “ወያነ…ወያነ…” ዝብሉዎ መወዳእታ ዘይብሉ መዝሙር ምሂዙ፣ ን15 ዓመታት መመላእታ ንርእሱ ጅሆ ክሕደት ኮይኑ፣ ንህዝቢ ኤርትራ ኸኣ ግዳይ ጥፍኣት ገይሩዎ።

ነዚ ‘ውን ከምቶም ገድልን ወገናዊ ፖለቲካን ኣብ ዝዳህሰስናሉ ክልተ ንኡስ ኣርእስታት ናይዚ ተኸታታሊ ዓንቀጽ ዝተቐስናዮ፣ ምስምስ ብኻልኦት ወይ ከኣ (ንጉዳያትካ Externalise) ምግባር ‘ውን ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ዘይለቐቖ ናይ መወዳእታ ዕርዲ ውድቀቱ ኮይኑ ‘ሎ።

ቅድሚ ሕጂ ከምዝበልናዮ፣ እቲ “ዋላ ተማሃራይ ኣብ ትምህርቲ እንተተሪፉ፣ እስራኤል ‘ያ ኣትሪፋቶ እዮም ዝብሉ” ኢሉ ንዓረብ ዘባጨወሎም ኢሳይያስ፣ ወያነ መውጽኢ ኣፉ ካብ እትኸውን ዓመታት ሓሊፉ ‘ዩ። እቲ ባዕሉ ዝፈጠሮ ምስምስ ኣመና ‘ኳ እንተቐርዓነ፣ ሰማዒ ኣለኒ ክሳብ ዝበለሉ እዋን እንተቐጸሎ ዘገርም ኣይኮነን። እንተኾነ፣ ተቓወምቲ ‘ውን ኢትዮጵያ ብዝፈጠረትሎም ማሕለኻታት ዓወቶም ይደናጔ ምህላዉ፣ መቃለሲ ባይታ ከምዘይኮነ ክሓምዩ ይስምዑ ኣለዉ።

ብቐደሙ ኢትዮጵያ መበገሲ ባይታ፣ መተሓላለፊ ናብ ቃልሲ ደኣምበር፣ መቃለሲ ባይታ ክትክውን ከመይ ኢሉ ትጽቢት ይግበረላ? ንዓወት ከ ክመጽኣካ ዲዩ ዋላ ክትከዶ እዩ ዘለካ? እዞም ኣፍኵስና ዘልዓልናዮም ሕቶታት፣ ነዞም ቃልስን ተቓለስትን ዕላማን ዓወትን ዝብሉ ክልተ ኣገደስቲ ኣምራት ኣብ ደምበ ተቓወሞ ኤርትራ ዘለዎም ትርጉም ክንድህስሶ ዕድል ይኸፍቱልና እዮም።

ቃልሲ ሓደ ከቢድ ግድል ወይ ሽግር ንምፍታሕ ብዕላማ ዝካየድ፣ ንቕሓት፣ ጸዓት፣ ስልቲ ዝፈሶ፣ ህይወት ናይ ምኽፋል ቅሩብነት ከይተረፈ ዝሓትት፣ ዓወት ንምጭባጥ ዝሰላሰል ዕቱብ ጻዕሪ እዩ። ነዚ ዕቱብነት ዝመለለይኡ ዕማም ምናልባት ‘እናተቓለስካ ምንባር’ ኢልና ‘ውን ክንገልጾ ንኽእል። ኣብ ከምዚ ኩነታት፣ እቲ ምንባር ንገዛእ ርእሱ ህይወት ንምስትምቓር ዘይኮነ ነቲ ቃልሲ ንምቕጻል ዘድሊ ህላወ’ዩ ክበሃል ይከኣል። ቃልሲ ግን ብዙሕ ቀጸላታት’ዩ ዘለዎ። በንጻር ናይዚ ዝጠቐስናዮ ጥርዚ፣ እናነበርካ ምቅላስ ‘ውን ኣሎ።

ቀሊል ክኾነልና ናይ ገዛእ ርእስና ኣብነት እንተተወከስና፣ “ተጋዳላይ እናተቓለሰ ይነብር ነይሩ” እንተኢልና፣ “ህዝባዊ ምልሻ እናነበረ ይቃለስ ነይሩ” ክንብል ንኽእል። እቲ ሓደ ምሉእ ግዜኡን ምሉእ ህይወቱን ኣብ ቃልሲ ከወፊ ከሎ፣ እቲ ካልኣይ ወፈያኡ ከፊላዊ፣ ኣገልግሎቱ ድማ ደጋፊ ‘ዩ። ደምበ ተቓውሞ ኤርትራ ግን፣ ኣብ ደረጃ ምልሻ ‘ውን ዝስራዕ ኣይኮነን። በዚ ጽሙቕ ኣቢልና ዝጠቐስናዮ ኣምር፣ ንጹር ዕላማ ዘይብሉ፣ ዕቱብ ቃልሲ ዘካይድ ውድብ ይኹን ማሕበር፣ ኣብ ሱዳን 10 ዓመት፣ ኣብ ኢትዮጵያ 10 ዓመት፣ ብድምር ን20 ዓመታት ፍረ ኣልቦ እንትኾነ ዘገርም ኣይኮነን።

ድሕሪ’ዚ ዝጠቐስናዮ 20 ዓመታት፣ ሓደ እዋን ተቓወምቲ ወገናት ንምቅርራብ ገለ ግዱሳት ብዝወሰዱዎ ተበግሶ ኣብ ለንደን ምጡን ኣኼባ ተኻይዱ ነይሩ። ኣብቲ ኣጋጣሚ ከም ዓወት ክጥቀስ ዝከኣል ዝረኣኹዎ ነገር እንተነይሩ፣ እቶም ተተፋነንቲ ተቓወምቲ ኣብ ሓደ ኣዳራሽ ገጽንገጽ ምርኻቦም እዩ። ዝርርቦም ግን ፍረ ኣይንበሮን። ሓደ ንፈለማ ኣብ ናይ ተቓወምቲ ኣኼባ ዝተረኽበ መንእሰይ ኣብ መወዳእታ ትዕዝብቱ ምስ ተወከስኩዎ፣ ኣብቲ ኣኼባ ብምስታፉ ዝረኸቦ ሓደ ቁምነገር፣ ንሱን ዝኸምኡን “ተቓለስቲ ኣለዉ” እናበሉ ተዛንዮም ‘ኳ እንተነበሩ፣ ኣብቲ ኣኼባ ምስታፉ ቃልሲ ዋና ከምዘይብላ፣ ቃልሲ ከምዘይተጀመረ ከምዝተገንዘበ ብምጥቃስ፣ በዚ መዳይ’ዚ ተሳታፍነቱ ከምዘሐጔሶ ገሊጹ።

መቸም “ንሱ ኸ ቃልሲ ከምዘየለ ምስ ፈለጠ ቃልሲ ጀሚሩ ዶ?” ዝብል ወሽመጥ ሕቶ ክመጽእ ይኽእል’ዩ። እዚ ግን ካብዚ ሒዝናዮ ዘለና ኣርእስቲ ከየላግሰና፣ ምስቲ ናይ መንእሰያት ጉዳይ ‘ውን ኣብ ዝሓለፈ ጽሑፍ ስለዝተንከፍናዮ ንግዚኡ ንሕለፎ።

እቲ ዝገርም፣ “20-30 ዓመታት ተቓሊስና” እናበሉ ብቑመት “ቃልሶም” ክሕበኑ ዝፍትኑ ምህላዎም እዩ። ቃልሲ ግን ብዓመት ዘይኮነ ብዓወት እዩ ዝዕቀን። እንተወሓደ ኸኣ ብገስጋሱ። ሓደ ሰብ ይኹን ውድብ ምስ ሓደ ኣካል ወይ መንግስቲ ናይ መትከላት ፍልልይ ከምዘለዎ ምግላጹ ንገዛእ ርእሱ ጽቡቕ እዩ። ቃልሲ ግን፣ ነቶም ዝቃወሞም መትከላት በቲ ቅኑዕ ዝብሎ መትከላት ንምትካእ፣ በቲ ክብ ኢልና ዝጠቐስናዮ መልክዕ ዕቱብ ጻዕሪ ምስ ዘካይድ እዩ። ስለ’ዚ ኩልና ንቃወም እምበር ንቃለስ ኣይኮነን ዘለና ክበሃል ይከኣል። ዘይተዓወትና ከኣ ስለዘይተቓለስና እምበር፣ ኢትዮጵያ ስለዝሓለኸትና ኣይኮነን።

እቲ ዘገርም ብዙሕ እዩ። ብድሕሪ’ዚ ኣጋጣሚ፣ ሓደ ካልእ ኣኼባ ተቓወሞ ናይ ምሁራት ነይሩ። ቀንዲ ኣጀንዳኡ ኸኣ ምልላይ መንነት ስርዓት ህግደፍ። ኣብቲ ኣኼባ ምህላውካ “እዚ ኹሉ ዓመታት ደኣ’ሞ ጸላኢየይ ከየለለኹ ድየ ዝቃወም ዘለኹ?” ኣቢሉ ብሃምነትካ ክትገላልህ ዘደናድን ‘ኳ እንተኾነ፣ ዋእ ከምቲ መገሻ ከተንቅድ ከለኻ መኪናኻ ብዓልቲ ምሉእ ጥዕና ምዃና ንምርግጋጽ እንገብሮ ተፍትሽ ተቓውሞኻ ምድህሳስ ‘ውን ‘ታይ ብሃላይ ኢልካ ትደዓዓስ። እቲ ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ ዝበልዕ ዘሎ ዓማጺ ውልቀምልካዊ ስርዓት ህግደፍ “ናይ ትግርኛ ስርዓት ‘ዩ” ዝብሉዎ ተረካብ ዘረባ ክትሰምዕ ከለኻ ሕማም ተቓውሞ ኩድም ኢሉ ትርእዮ። ነቲ ትግርኛ እንተተወከስካዮ ኸኣ፣ “ህግደፍ ናይ ሓማሴን ’ዩ” ዝብሉዎ ምላሽ ትረክብ። ሕቶኻ መሻርኽቲ ዕሽነት ‘ቲ እንዝኻ ዝዅርኵሓካ ዘሎ መልስታት ምዃኑ ተገንዚብካ እንተዘየቋሪጽካዮ መቸም “ናይ ካርኔሽም ‘ዩ” ዝብል ‘ውን ከጋጥመካ ‘ዩ። ትሩፍ።

ኣብዚ ክበርህ ዘለዎ፣ ህግደፍ ምስናይ’ቲ ፈላላዪ ፖለቲካ ዝርከቦ ጁጅማጁጁ ተሓኺኹ ክጽረግ ዝግብኦ ዓማጺ ስርዓት ምዃኑ 1001 ግዜ ከምዝገለጽናዮ ትሑዝ ጌርና ኢና፣ ጉዕዞ ተቓውሞ ንምንጻህ ንዛረብ ዘለና። ብቐንዱ እዚ ሕማም’ዚ ናይ ህግደፍን ደገፍቱን ‘ዩ። ስርዓት ህግደፍ ናይ ወገንና እዩ ኢሎም ብምእማን መትከሉን ጥፍኣቱን ብዘየገድስ ዝከላኸሉሉ ድሑራት’ውን ኣለዉ። እንተኾነ እቲ ናይ ለውጢ ኣጀንዳ ዘልዕል ካብቲ ክቕይሮ ዝደሊ ብሉጽነትን ፍሉይነትን እንተዘይሃልዩዎ ምንቕ ክብል ኣይክእልን እዩ።

እቲ ቀንዲ ጸገም ካብ ሃገራዊ ረብሓ ጸቢብ ጉጅለኣዊ ረብሓ ዘቐድም ወገናዊ ፖለቲካ ተቓወምቲ፣ ብሰንኪ‘ዚ ንጹር ራእይን ስትራተጅን ዘይምህላው፣ ቀዳምነታትካ ዘይምልላይ፣ ቀዳማይ ጸላኢ ፈሊኻ ዘይምጥቃዕ፣ ካብ ወጻኢ ሃገር ዘይክውንነታዊ ትጽቢት ምሕዳር፣ ካብ ኣዲስ ኣበባ ብታንክታት ኢትዮጵያ ተመሪሕካ ናብ ፕረዚደንታዊ ርሻን ኤርትራ ንምእታው ሃንቀው ምባል እዩ።

ሓንሳብ ሓንሳብ ቃልሲ ኣንጻር ስርዓት ጥራይ ዝካየድ ዕማም ጌርካ ይውሰድ እዩ። እንተኾነ፣ ማዕረማዕሪኡ ምስ ነብስኻን ህዝብኻን ቃልሲ ከምዘድሊ ‘ውን ክዝንጋዕ የብሉን። እቲ ፍልልይ፣ ኣንጻር መንግስቲ ዝካየድ ቃልሲ ስርዓት ንምልዋጥ ዝዓለመ ክኸውን ከሎ፣ እቲ ምስ ነብስኻ ዝካየድ ቃልሲ ብቕዓትካ ከም ናይ ለውጢ ሓይሊ ዝስሕል፣ እቲ ምስ ህዝብኻ ዝካየድ ቃልሲ ድማ፣ ህዝቢ ኣብ ሚዛናዊ ሓበሬታ ዝተመርኮሰ ቅኑዕ ውሳኔ ብምውሳድ ዘዋጽኦ ምርጫ ክሓሪ ዝካየድ ናይ ንቕሓት ቃልሲ እዩ። እዚ ማለት ነቲ ስብሒ ካብ’ቲ ስጋ ክትፍልዮ ርቀትን ብልሕን የድልየካ፣ እቲ ስጋ ‘ውን ነቲ ስብሒ ክለቆ ቅሩብነት ብምርኣይ ከፍቅደልካ ኣለዎ። ናይ ለውጢ ኣጀንዳ ዘለዎ ምንቅስቓስ ካብ ሓፈሻዊ ድሌት ህዝቢ ክብገስ ኳ እንተለዎ፣ ካብ ህዝቢ ክብ ዝበለ ንቕሓት ዘለዎም መራሕቲ ክህልዉዎ ኣለዎም። ከምኡ ምስዝኸውን እዩ ሓንሳብ ሓንሳብ ዶግማዊ ንዝኾኑ ናይ ህዝቢ ኣተሓሳስባታት ብምብዳህ የእሚኑ ኣብ ሓደ ቅኑዕ መስመር ከምዝረግጽ ገይሩ ነቲ ኣብ መወዳእታ ህዝባዊ ረብሓ ዘለዎ ቃልሲ ናብ ዓወት ከቀላጥፎ ዝኽእል። ተቓውሞ ኤርትራ ግን ነብሰ ስሕለት ዘየዘውትር፣ ብንቕሓቱ’ውን ካብ ህዝቢ ዝደሓረ እዩ።

ሓደ ካብቶም ደምበ ተቓውሞ ኤርትራ (ካብ ውልቂ ጀሚሩ ክሳብ ሲቪካዊ ማሕበራትን ተቓወምቲ ውድባትን) ብስለቱ ዘየርኣየሉ ጉዳይ ምስ ጎረባብቲ ሃገራት፣ ብፍላይ ድማ ምስ ኢትዮጵያ ንዘለዎ ርክባት ብብቕዓት ኣመሓዲሩ ለውጢ ኣብ ምቅልጣፍ ክጥቀመሉ ዘይምኽኣሉ እዩ።

ኣብዚ ንኢትዮጵያ ፈሊና ንጠቕሰሉ ዘለና ምኽንያት፣ ነታ ማዕረ ኢትዮጵያ ደጀንን መበገስን ተቓውሞ ኤርትራ ክትከውን ዝግብኣ ሱዳን ደምበ ተቓውሞ ኤርትራ ብኣግኡ ስለዝኸሰራ እዩ። መንግስቲ ሱዳን፣ ንተቓወምቲ ስለዝነዓቐቶም፣ ካብ ድኹማት ተቓወምቲ ምሕቋፍ ምስ ድኹም መንግስቲ ተመሓዝያ ተዛማዲ ቅሳነት ምርካብ ‘ያ ሓርያ። ስርዓት ሱዳን ብቐንዱ ብዓለማዊ ተነጽሎ ተጻቢቡ ኸሎ፣ ብወገን ኤርትራ ኩርኳሕ ስለዘይደለየ ‘ኳ ነቲ ኣቐዲሙ ስርዓት ኢሳይያስ ምስ ኡጋንዳን ኢትዮጵያን ብምትብባዕ ኣመሪካ ኣጻዊዱሉ ዝነበረ ውዲት ከምዘይነበረ ረሲዑ ዝምድንኡ ምምሕያሽ እንተመረጸ፣ እቲ ተስፋ ዘይነበሮ ተቓውሞ ኤርትራ ‘ውን ካብ ስጉምቱ ሰጋእ ከብሎ ወይ ከጣዕሶ ዝኽእል ዓቕሚ ኣይነበሮን።

እዚ መንግስቲ ሱዳንን ስርዓት ኢሳይያስን በብጸገሞም ዝወሰዱዎ ጎራሕ ዲፕሎማስያዊ ለውጢ ንደምበ ተቓውሞ ብሰለስተ ዓበይቲ ጆግራፊካዊ፣ ባህላውን ፖለቲካውን ረቛሕቲ ጎዲኡዎ እዩ።

1ይ – ደምበ ተቓውሞ ካብቲ ያታዊ ደጀን ሰውራ ኤርትራ ዝነበረ፣ ናብ ኤርትራ መስሎዅ፣ መበገሲ፣ በብደረጃ ኸኣ ናብ ዓበይቲ ከተማታትን ከበሳን መንፋሓዅ ክጥቀመሉ ዝኽእል ዝነበረ ሰፊሕ በረኻታት ሳሕልን ባርካን ፍጹም ተጋሪዱ። በዚ ድማ እቲ ካብ ደቡብ ክሳብ ሰሜን ኤርትራ ብወገን ኢትዮጵያን ሱዳንን ንስርዓት ኢሳይያስ ክመጦ ዝግባእ ነበረ ከበባዊ ስግኣት ተቓውሞ ጠፊኡ።

ደጀንነት ሳሕልን ባርካን ብመሬት ጥራይ ኣይኮነን ዝዕቀን፣ ብህዝቢ ‘ውን ተመሳሳሊ ብልጫ ነይሩዎ እዩ። እቲ ብኣመንቲ ምስልምና ዝዕብለል ዝነበረ ደምበ ተቓውሞ፣ ናይ ቋንቋን ሃይማኖትን ብልጫታቱ ተጠቒሙ ብቐሊሉ ኣብ ህዝቢ መርገጽን መዕቆብን ክረክብ፣ ኣብ ዘይጠዓሞ እዋን ናብ ሱዳን ኣዝሊቑ ናብቶም ኣብ ሱዳን ዓሰርተታት ዓመታት ዝሰረቱ ኣሽሓት ኤርትራውያን ስደተኛታት ተሰትዩ ከስተንፍስ ‘ውን ዕድል ነይሩዎ። ነቲ ኣብ ሳሕልን ባርካን ዝነብር ህዝቢ ኣብ ርእሲ’ዚ ዝተጠቕሰ ምኽንያት ምስ ተቓወምቲ ክተሓባበር ዘፍቅደሉ ኩነታት ሰበኽሳግማዊ መነባብሮኡ እዩ። መብዛሕትኡ ከምቲ ናይ ከበሳ ህዝቢ ብዓድታት ዘይተጠርነፈን ተንቀሳቓስን ስለዝኾነ፣ ካብ መንግስታዊ ቁጽጽርን ስለያዊ ምክትታልን ዝሓሸ ናጽነት ኣለዎ።

ብወገን ሱዳን ጸግዒ ምርካብ ነቲ ኣብ ዶባት ይኹን ናብ ኤርትራ ዕምቆት ዘለዎ ገማግም ባሕሪ ናይ ምጥቃም ዕድል ‘ውን ስለዝኸፍት ኣገዳስነቱ ዘየሻሙ እዩ።

2ይ – እቲ ካልኣይ ከም ባህላዊ ክንወስዶ እንኽእል ምስ’ዚ ቀዳማይ ዝጠቐስናዮ ጂኦግራፊካዊ ረቛሒ ‘ውን ምውርራስ ዘለዎ ነጥቢ፣ ብወገን’ቶም ኣአንገዲ ሃገራት፣ ህዝቢ ሱዳንን መንግስቱን፣ ህዝቢ ኢትዮጵያን መንግስቱን ዘሎ ናይ ባህልን ስነምግባርን  ፍልልያት እዩ። ኣብ ሱዳን ዘሎ ብ “ማዕሌሸ” ዝልለ ሸለል ምባል ዘዘውትር ናይ ኣነባብራን ኣሰራርሓን ባህሊ፣ ምስቲ ናይ ኢትዮጵያ ብፍላይ ድማ ናይቲ ምስ ኤርትራ ዝዳወብ ከባቢታት ትግራይ ጽዑቕ ቁጽጽርን ምጽብጻብን ባህርያት ተዛሚዱ ክርአ ኸሎ፣ እቲ ናይ ሱዳን ኩነታት ንከምዚ ዝኣመሰለ ናይ ተቓውሞ ምንቅስቓሳት ዝመቸአ ባይታ ይፈጥር። ኣብዚ ክንግንዘቦ ዘለና፣ ናብ ኤርትራ ዶብ ሰጊርካ እትረኽቦ ባህሊ ‘ውን ብገለ መዳዩ ተመሳሳሊ ምዃኑ እዩ። እዚ ምናልባት፣ እቶም ብኽልቲኡ ወገን ዘለዉ ህዝብታት መነባብሮኦም ኣብ ማሕረስ ቃጽዖታት ዝተመስረተ ምስ ምዃኑ፣ ጻዕቂ ‘ውን ስለዘለዎም ዝማዕበለ ባህሊ ክኸውን ይኽእል።

ምናልባት ብኣብነት ንምብርሁ፣ ኣብ ግዜ ብረታዊ ቃልሲ ካብ ዶባት ናብ ሱዳን ኣጸቢቑ ኣብ ዝኣተወ ከባቢታት ብረት ሒዝካ ምንቅስቓስ ዝውቱር እዩ ነይሩ። ድሕሪ ምዝላቕ፣ ኣብ መወዳእታ ሰብዓታት መጀመርያ ሰማንያታት፣ ንህዝባዊ ግንባር ብከተማታት ሱዳን ሰጊርካ ዝተጣየሰ ከም ብዓል ጀልሃንቲ ዝኣመሰለ ደጀን ነይሩዎ። ኣብ ሻዱሻይ ወራር (ዘመተ ቀይሕ ኮኾብ ደርግ) ስርዓት ኑሜሪ ንጸቕጢ መንግስቱ ሃይለማርያም ተቐቢሉ ብወግዒ መተሓላለፊ መካይን ኣብ ዝኸልከለሉ እዋን ‘ውን ቀረብ ነዳድን ስንቅን ብሱዳን ናብ ደጀን ህዝባዊ ግንባር ምእታው ኣየቋረጸን። ኣብ ኢትዮጵያ ግን በንጻሩ፣ ኣሽንባይ ዶ ከምዚ ዝተጠቕሰ ዓበይቲ ነገራት፣ ብዘይ ፍቓድ ሓደ ሰብ ‘ውን ክሓልፍ ኣይክእልን እዩ።

ኣብ ርእሲ’ዚ ብሰንኪ’ቲ ኣብ መንጎ ክልቲኤን ሃገራት ብ1998-2000 ዝተኻየደ ኵናት እቲ ምስ ኤርትራ ዝዳወብ ከባቢታት ጽዑቕ ሰራዊት ዘለዎ (Militarised) ምዃኑ እዩ።

ካልእ ኣብዚ ክጥቀስ ዝከኣል፣ እቶም ብባህሪኦም ኣብ ሱዳን ዝያዳ ዝምችኦም፣ ምስ ሱዳን ዝያዳ ምትእስሳርን ተመክሮን ተቓውሞ እናሃለዎም ፖሊሲ ሱዳን ኣገዲዱዎም ናብ ኢትዮጵያ ዝገዓዙ ኣመንቲ ምስልምና ዝዕብሉሉዎም ምንቅስቓሳት ኤርትራ፣ ምጥርጣር ስለዘለዎም ጎቦ ልቦም ከምዝኾኑ ርኡይ እዩ። እቶም ነዚ ዝግንዘቡ ሰበስልጣን መንግስቲ ኢትዮጵያ ብወገኖም፣ ነዚ መረዳእታ’ዚ ንምዝሕሓል ምስቶም ካልኦት ተቓወምቲ ኣብ ዝገብሩዎ ርክብ ወጊኖም ከይብሃሉ ስክፍታ ከምዘዘርእዩ ‘ውን ምልክታት ኣሎ። ኣብ መወዳእታ እቲ ናይ ተቓውሞ ኤርትራን መንግስቲ ኢትዮጵያን ርክብ ብኽልቲኡ ወገን ውጽኢቱ ዝተፈራረቐ እዩ ዝኸውን።

3ይ – እቲ መበገስን ሕመረትን ናይ’ዚ ዓንቀጽ ዝኾነ፣ እቲ ሳልሳይን ቀንድን ፖለቲካዊ ረቛሒ፣ እቲ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘሎ፣ ኣብዚ ዘበናዊ እዋን ጥራይ ክሳብ ናብ ክልተ ከበድቲ ኵናት ዘብጽሐ ያታዊ ጽልእን ቅርሕንትን እዩ። ስርዓት ህግደፍ ንተቓወምቲ ሓይልታት ኤርትራ ካብቲ ብጂኦግራፍያውን ባህላውን ረቛሕቲ ምችኡነት ዝህቦም ዝነበረ  ሱዳን ብዲፕሎማስያዊ ስልቲ ዓጽዩ ኣብ ሓደ ክንፊ ከምዝሕጸሩ ድሕሪ ምግባሩ፣ ነዚ ኣብ ህዝቢ ኤርትራ ዝነበረን ባዕሉ ዘሐየሎን ናይ ጽልኢ መንፈስ መዝሚዙ ከም ፖለቲካዊ ርእሰማል ኣጸቢቑ ይጥቀመሎ ‘ሎ። ንተቓወምቲ ኤርትራ፣ “ልኡኻት ወያነ፣ መሳርሒ ጸላኢ” እናበለ ነታ እንኮ ምርጭኦም ‘ውን ብጥበብ ኣምኪኑዋ ክበሃል ይከኣል።

ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ካብ ተቓውሞ ሓራ ኮይኑ ስልጣኑ ክዕቅብ መታን ንተቓወምቲ ካብ ህዝቢ ንምንጻል ኩሉ ዝከኣል ጻዕርን ተንኮልን ከሰላስል ግቡኡ እዩ። እቲ ሕቶ ተቓወምቲ ነቲ ብድሆ’ቲ ክዳረጉዎ ዘይምኽኣሎም እዩ። በዚ ህግደፍ ናብ ደምበ ተቓውሞ ዝሰንደዎ ብድሆ መንጽር ክርአ ኸሎ፣ ደምበ ተቓውሞ ኣብ ክልተ ዘይጽኑዕ መርገጺታት ተኸፋፊሉ ረድረድ ክብል ይነበር ኣሎ። እቲ ሓደ ወገኑ ብናይ ህግደፍ ፕሮፖጋንዳ ርዒዱ፣ ካብቲ  ህዝባዊ ስምዒት ከይንጸል፣ ነቲ ናይ ህግደፍ ቋንቋ ዳርጋ ከምዘለዎ እናደገመ ካብቶም silent majority ዝብሃሉ ኤርትራውያን ምድንጋጽን ደገፍን ክረክብ ከምቲ ናይ እግሪ ተኽሊ ቆልዓ ብጉርሒ ተተይ ክብል ክርአ ኸሎ፣ እቲ ሓደ ወገኑ ከኣ፣ መሳርሒ ኢትዮጵያ ዘይምዃኑ ብቃልን ብተግባርን ንህዝቢ ከረጋግጸሉ ኣይከኣለን። ኣብዚ ህግደፍ ብሓደ እምኒ ክልተ ጨራሩ እዩ ሃሪሙ። በቲ ሓደ ነቲ ብወገን ኢትዮጵያ ብተቓወምቲ ክመጽእ ዝኽእል ስግኣት ከዳኽሞ ኸሎ፣ ደምበ ተቓውሞ ብስምረትን ሓድነት ከይገጥሞ ‘ውን ከፋፊሉዎ ይርከብ።

እዚ ግን እቲ ቐዳማይ ክፋል ናይቲ ግድል እዩ። እቲ ምንጪ ምጥርጣር፣ ስርዓት ህግደፍ ካብ ዝብሎ ፕሮፖጋንዳ ጥራይ ዘይኮነ፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንተቓወምቲ ኤርትራ ካብ ምድጋፍ ብዛዕባ ዘለዎ ትጽቢት ረብሓታት፣ ኣብ መንጎ’ቶም ኣብ ኢትዮጵያ ዝመሰረቶም ደምበ ተቓውሞን መንግስቲ ኢትዮጵያን ዘሎ ርክብ (interaction) ‘ውን ዝብገስ ‘ዩ።

ገለ ካብቶም ቀንዲ ምጥርጣራት፣-

1-  ኢትዮጵያ ንረብሓኣ ክትብል እያ ንተቓወምቲ ኢትዮጵያ ትድግፍ ዘላ። ድሕሪ ለውጢ ኣብ ኤርትራ ከም ድላያ እትእዝዞ ሳተላይት መንግስቲ ብምትካል ናይ ወደብ ኣገልግሎት ከም ድላያ ክትጥቀመሉ ይብጽሓኒ እትብሎ መሬት ‘ውን ከም ድላያ ናይ ምምንዛዕ ጥሙሕ እዩ ዘለዋ

2-  ዋላ ለውጢ እንተመጽአ፣ ብሃይማኖት፣ ብብሄር፣ ኣውራጃ ዝተኸፋፈለት ከም ሶማል ድኽምቲ ኤርትራ ክትህሉ እያ እትደሊ… ዝብሉ እዮም።

ዝኾነ ኣብ ጎዶቦ ይኹን ኣብ ማዕዶ ዝርከብ ሃገር ምስ ዝኾነ ወገን፣ ተቓዋሚ ይኹን መንግስቲ ምትሕብባር ክገብር ከሎ ረብሓታት ከምዘቋምት መባእታዊ ዲፕሎማስያዊ ተግባር ከምዝኾነ ተራ ሰብ ዝፈልጦ ጉዳይ እዩ። በንጻሩ ከም ምስጢር ወይ ውዲት ትሒምሒም ክበሃለሉ ከሎ እዩ ዘገርም። ሓንቲ ሃገር ካብቲ ሓደ ወገን ዝያዳ ረብሓ ምድላያ ‘ውን ፍትሓውነቱ ብዘየገድስ ልሙድ እዩ። እቲ ዓዳሚ ወይ ተዓዳሚ ነቲ ዝምድና ማዕርነታውን ሓባራውን ጠቕሚ ዘረጋግጽ፣ ረብሓ ወገኑ ዘውሕስ፣ ሚዛኑ ዝሓለወ ምሕዝነት ክገብሮ እንተዘይክኢሉ እዩ እቲ ሓጥያት። ብዲፕሎማስያዊ መንገዲ ዝኽሰስ ከኣ እቲ ኢድ ዝጠወየ ዘይኮነ፣ እቲ ጥውያ ኢድ ዘይመከተ፣ እንትሓመቐ ኸኣ ኣውያት ዘየስምዐ እዩ። ክልተ ወገናት ምትሕብባር ክገብሩ ክብገሱ ከለዉ ‘ምብኣር ቅድሚ ዝኣገረ ነዚ ዝጠቐስናዮ መትከል ሓባራዊ ረብሓ ዘረጋግጽ ሓባራዊ መረዳእታ ክህልዎም ኣለዎ። ህዝብታት ክልቲኡ ወገናት ‘ውን ብወግዒ ክፈልጥዎ፣ ብዓጀባ ክግለጸሎም ይግባእ።

ሓደ ኣካል ነብሱ ክሸይጥ እንተዘይደልዩ መቸም ሚዛን ዘለዎ ማዕርነታዊ ምሕዝነት ዘደናግር ኣይኮነን። ብፍላይ እዚ ከም ጥሙሕ ኢትዮጵያ ጠቒስናዮ ዘለና፣ ኣሽንባይ ዶ ካብ ጎረቤት ካብ ሰይጣን ዘይትጽበዮ በለጽን ህውከትን ዝሕመረቱ ምጥርጣራት ‘ሞ ኸኣ ከይተቓጸለ ቃሬት ቃሬት ዝሽትት ንጸላኢኻ ‘ኳ ዘይትምነዮ መዓት እዩ። መዓት ኣብ ጎረቤት ተኣጕዱ ኸሎ ገዓት ኣብ ቤት ምብላዕ ከምዘይከኣል ዝዘንግዐ በሃም ጥራይ ከኣ ‘ዩ ዝሓልሞ።

ብ2011 ንቐዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ነበር ኣቶ መለስ ዜናዊ ነዞም ክልተ ስክፍታታት ኣመልኪትና ትጽቢት ኢትዮጵያ ካብ ተቓውሞ ኤርትራ ንዘቕረብናሉ ሕቶታት ዝሃበና ንጹር መልስታት ‘ውን ነዚ እዩ ዘረጋግጽ።

ነዚ መግለጺ’ዚ ከም ቃል እናተቐበሉዎ ግብራውነቱ ዘጠራጥሮም ወገናት ከምዘለዉ ፍሉጥ እዩ። ብወገና ኣቶ መለስ ከም መራሕ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ብኤርትራውያን ይኹን ብኢትዮጵያውያን እቲ ቅቡልን ዝቐንዐን መስመር ንሱ ምዃኑ ኣሚኑ ኣብ ቅድሚ ክልቲኦም ህዝብታት ከምዝተዛረቦ ናይ ድምጺ ፌርማ ኣብ ዝምድና ክልቲኦም ህዝብታት መወከሲ ሰነድ ክንጥቀመሉ ዝግባእ ኣገዳሲ ቃል እዩ። ኢትዮጵያውያን ቃሎም ከኽብሩ ኤርትራውያን ግብራውነት ናይዚ መብጽዓ’ዚ ኣብ ባይታ ክንከታተሎ ኸኣ ሓላፍነትን ግቡእን ኣለና።

እቲ ቀንዲ ጸገም፣ ልክዕ ከምቲ ኢትዮጵያ ኣብ ምሕጋዝ ተቓውሞ ኤርትራ ዘለዋ ፖሊሲ፣ ደምበ ተቓውሞ ኤርትራ፣ ብዛዕባ ቅጥዒ ምትሕግጋዝ ተቓወምቲ ኤርትራን መንግስቲ ኢትዮጵያን፣ ብመጽናዕትን ዘተን ዝረቐቐ፣ ስሙር ድምጺ ደምበ ተቓውሞ ዘስምዕ ጥሙር መምርሒ ሰነድ ዘይምህላዉ እዩ።

ኣብዚ ክንግንዘቦ ዝግባእ ነጥቢ፣ በቶም ኣብ ኢትዮጵያ ዘለዉ ተቓወምቲ ገይራ፣ ኢትዮጵያ ነዚ ዝተጠቕሰ ዓበይቲ ኣጀንዳታት ከተተግብር ውጥን ኣለዋ ኢልካ ምዝራብ ዝተጋነነ ኣበሃህላ እዩ። ኢትዮጵያ ነዞም ተቓወምቲ ኤርትራ እትሕብሕቦም፣ ከም ሕነ ናይቲ  ህግደፍ ኣብ ኤርትራ ኢትዮጵያውያን ተቓወምቲ ብምጭጫሕ ዝገብሮ ምጽባእ ኩርኳሕ ክትፈጥረሉ ስለዝደለየት እምበር፣ ብሓገዛ ንህግደፍ ገምጢሎም ነቲ ረብሓታት ብብያቲ ከቐብሉዋ ስለእትጽበ ኣይኮነን። ክንድኡ ዓቕሚ ከምዘይብሎም ካብ ዝኾነ ወገን ንላዕሊ ኣጸቢቓ ትፈልጥ እያ።

ንነገሩ ዋላ ለውጢ ብተቓወምቲ እንተመጸ ኸ፣ ብመትከል፣ ስልጣን ንህዝቢ ከረክቡ ዶ ኣይኮኑን ዝቃለሱ ዘለዉ? ከምኡ እንተዘይኮይኑ፣ ካብ ህግደፍ መለሳኦም እንታይ እዩ? ህዝቢ ኤርትራ ለውጢ ካብ ዝደልየሉ ሓደ ቀንዲ ምኽንያት ‘ኮ ሕጋዊ ህዝባዊ ስልጣን ስለዘይተረከበ እዩ፣ እምበር ህግ ስለዘይተቓለሰ ኣይኮነን። ህዝቢ ኤርትራ፣ ሓቀኛ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ረኺቡ ፖሊሲታቱ ኣብ ምሕንጻጽ እንተተሳቲፉ፣ ረብሕኡ ጠፊኡዎ ግዳይ በለጽን ዓመጽን ኢትዮጵያ ክኸውን ኢልካ ምስካፍ ከኣ ንህዝቢ ኤርትራ ምንዓቕ ጥራይ እዩ። ደምበ ተቓውሞ ኣብ ለውጢ እጃሙ ከበርክት ብወለንታ ዝነጥፍ ኣካል እምበር ብመጻኢ ኤርትራ ክዋገ መሰልን ሕጋዊ ውክልናን የብሉን። ዋላ ለውጢ ብዘይሕገዝ ኢትዮጵያ እንተመጸ ‘ውን ውሕስነት ዘይተጻባእነት ኢትዮጵያ ክኸውን ኣይክእልን እዩ።

ብቐንዱ እቶም ኣብ ኢትዮጵያ ዘለዉ ተቓወምቲ ‘ውን፣ ከም ውድብ ይኹን ማሕበር፣ በዚ መልክዕ ‘ዚ ንኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ኣሕሊፎም ክህቡዋ ብሕልና ቅሩብነት ኣለዎም ዝብል እምነት የብለይን። ጸገሞም ብዓቢኡ ናይ ዓቕሚ እዩ።

ካብ ተቓወምቲ ንላዕሊ ንኤርትራ ዘየርብሕ ዝምድናታት ብምምስራት ንኤርትራ ከይሸጣ ከስግኣና ዝግብኦ እምብኣር፣ እቲ ኣብ ኤርትራ ብሓይሊ ስልጣን ሒዙ፣ ንነገራውን ሰብኣውን ጸጋታት ሃገርና ዝቆጻጸሮ ዘሎ ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ እዩ። ምልካዊ ስርዓቱ ንምዕቃብ፣ ምስ ዝደለዮ ሃገር፣ ምስ ሱዳን ይኹን ምስ ኢራን ከይተረፈ ዝምድና ብምምስራት ትንፋሱ እናሓለወ፣ ነቲ ዓመጽ ዝቃወም ሓይሊ “ሽግር ኤርትራ ፍታሕ ብኤርትራውያን” ዝብል ጓንጓ ጭርሖ እናኣጋዋሕካ ኣብ ኩርናዕ ክትቅርቅሮ ምፍታን ሃየንታ እዩ።

“ሽግር ኤርትራ ፍታሕ ብኤርትራውያን!” ብመን ደኣ!? እንታይ ሓዱሽ ኣምር ተረኺቡ ሕጂ? ኩሉ እቲ ኣብ ኤርትራ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ከምጽእ ዝቃለስ ኤርትራዊ ብሕልናኡ ነዚ እምነት’ዚ ሒዙ እዩ ዝብገስ። ነቲ ንቡር (Normal) ብኣሻማዊ (Controvertial) ኣገባብ ምቕራቡ ደኣ እንታይ ‘ዩ ጣቍኡ?

ብሓደ ወገን (በቲ ቅኑዕ መንፈስ ግን ድኹም ስትራተጂኡ) ነቶም ንስርዓት ህግደፍ ካብ ምቅዋም ኣጽቂጦም ዘለዉ Silent Majority ዝብሃሉ ኤርትራውያን፣ ጣልቃ ኢትዮጵያ ኣብ ጉዳይ ኤርትራ ኣሎ ወይ ከይህሉ ኢሎም ስለ ዝጠራጠሩ ስግኣቶም እንተኣሊናዮ ንተቓውሞ ክስዕቡዎ ይኽእሉ እዮም ዝብል፣ ብድኹም ናይ ህዝባዊ ርክባት ወይ PR ስልቲ ቁጽሪ ሰብ ንምኽሳብ ዝዓለመ የዋህት ዘንጸባርቕ ሃቐነ እዩ።

በቲ ኣኼስ ወገኑ ኸኣ ነቶም ብዝኾነ ኣገባብ እንተላይ ብደገፍ ኢትዮጵያ ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ካብ ስልጣን ክእለ ኣለዎ ዝብል እምነት ዘለዎም ብጋህዲ ዝቃወሙ ባእታታት መሳርሒ ኣጀንዳ ኢትዮጵያ ኣምሲልካ ብምቕባእ ካብ ህዝቢ ነጺልካ፣ ነብስኻ ከም ዝያዳ ኤርትራዊ ኣጸባቢቕካ ካብ ዒላ Silent Majority ሓደሽ ሓይሊ ቀዲሕካ ውልቃዊ ጥሙሕ (ego) እተርውየሉ መኣዲ ምትካል እዩ።

ብሓቂ ናይ ለውጢ ባህጊ እንተሎ፣ ነቲ ዝቃወም ዘሎ ዓቂብካ ነቲ ኣጽቂጡ ዘሎ ከምዝሳተፍ ዝገብር ሜላ እዩ ንመሰረት ተቓውሞ ከስፍሖን ከዕብዮን፣ በንጻሩ ንስርዓት ህግደፍ ‘ውን ከዳኽሞ ዝኽእል። እዚ ሜላ’ዚ እምብኣር ብተዝዋዋሪ መሳርሒ ናይቲ ንዝተቓወመ ወያነ እናበለ ከዳኽም ዝፍትን ሜላ ስርዓት ህግደፍ እዩ ዘርብሕ።

ንነገሩ፣ እቲ Silent Majority ዝብሃል ዝበዝሐ ኤርትራዊ ከጽቅጥ ዝመረጸ፣ ብሰንኪ ስግኣት ኢትዮጵያ ጥራይ ዘይኮነ ካልኦት ሽሕ ውልቃዊ ምኽንያታት ኣለውዎ። ነዚ ምእላይ ከኣ ነቲ Silent Majority ናብ ተቓዋማይ ክቕይሮ ኣይክእልን እዩ። ኣብ ግዜ ሓርነታዊ ቓልሲ ‘ኮ ኣብ ኤርትራ ብረት ዓጢቑ ሕጊግ ዝብል ዝነበረ ተጋዳላይ ይኹን ኣብ ወጻኢ ከም ሓፋሽ ውድባት ተሰሪዑ ዝነጥፍ ዝነበረ ኤርትራዊ ኣዝዩ ውሑድ እዩ። ህዝበይ ኣብ ቃልሲ ዘይኮነ ኣብ ኣጋ ዓወትን ጓይላ ዓወትን እያ ትበዝሕ። እዚ ባህርያዊ ተረእዮ ናይ ወዲ ሰብ እዩ። ንምዃኑ እቶም Silent Majority ኣፎም እምበር ኣእምሮኦም Silent ከምዘይኮነ ‘ውን ክንዝክር ኣለና።

እቲ ዝገርም፣ እዚ “ሽግር ኤርትራ ፍታሕ ብኤርትራውያን” ብዝብል ጭርሖ ኣብ ቦለኛ ክካየድ ተመዲቡ ዘሎ ኣኼባ፣ ብግንቦት 2012 ኣብ ዋሺንግተን ዲሲ ‘ውን ተኻይዱ  እዩ። እቲ ጭርሖን ኣዳለውቱን (ፍርቆም ደኣ ጎዲሎሞም ‘ምበር) ሓደ እዮም። እቲ ቦታ ጥራይ እዩ ናብ ቦለኛ ተቐይሩ። ከምዚ ናይ ሕጂ ‘ኳ እንተዘይተጓሃሃረ፣ ሽዑ ‘ውን እቲ ኣርእስቲ ቅድሚ’ቲ ኣኼባን ኣብቲ ኣኼባን መዛረቢ ኮይኑ፣ በቶም ሓረይቱ ‘ውን እንዶስ-እንዶስ ተባሂሉ ኢዩ ሓሊፉ፣ ንተሳተፍቲ ናይቲ ኣኼባ ‘ውን ኣየዕገበን። እቲ ብተመሳሳሊ ጭርሖ ዓሚ ዝተኻየደ ዋዕላ ፍረ ኣይተረኽቦን፣ በንጻሩ እቲ ሽዑ ዝሰመረ ሓይሊ ኣብ ክልተ ተገሚዑ (EYSC-Global) ከምኡ ‘ውን (EYSC NA) ተባሂሉ፣ ተመቓቒሉን ተዳቒቑን ይርከብ ኣሎ። በዚ መንጽር ክትርእዮ ከለኻ፣ ኤርትራዊ ሽግር ብኤርትራውያን ደኣ’ዩ ፈጢሩ፣ እምበር ኤርትራዊ ሽግር ኣይፈትሐን። ኣብዚ ምስዚ ኣርእስቲ ኣተሓሒዝና ክንዛረብ ተገዲድናሉ ዘለና ምኽንያት ኣሎ። ኣብ ግንቦት 2012 ካብ ምዕራባዊ ወገን ኣመሪካ ናብ ዋሺንግተን ዲሲ መጺኦም ዋዕላ ከካይዱ ኣብ ዝዳለዉሉ ዝነበሩ እዋን፣ ምስ’ቲ ኣብ ከባቢ ዋሺንግተን ዲሲ ጽዑቕ ህላወ ዝነበሮ EYGM ዝብሃል ማሕበር መንእሰያት ሓቢሮም ከካይዱዎ’ሞ ኣብነት ስምረት መንእሰያት ክኾኑን ንቃልሲ ንቅድሚት ዝድርኽ እጃም ክጻወቱን ብተደጋጋሚ ዘካየድናዮ ጻዕሪ ስለዝሓንገዱ ቦዅሩ፣ ኣብ ርእሲኡ ዝፈጸሙዎ ጉድለታት ‘ውን ነይሩ ክንሱ፣ ብውልቅን ብቐጥታ ኣብቲ ኣኼባን ሃናጺ ርእይቶታት ካብ ምቕራብ ሓሊፍና፣ ከምቲ ኣብ ካልእ ዋዕላታትን ኣኼባን ብቐጻሊ ንገብሮ ገምጋማዊ ጽሑፍ ንህዝቢ ዘይቕረብናሉ ምኽንያት ተስፋ ከይቆርጹ ምጥንቃቕ ደኾን ይሓይሽ ስለዝበልና እዩ። እንተኾነ ኣይተማህሩን።

ኣብዚ ብእንክሒራ ዘስሕቕ ነገር እንተልዩ፣ ኣብዚ EYSC-Global ምስናይ ደምበ ተቓውሞ ጫውጫውታኡ ካብ 30 ነሓሰ – ክሳብ 1 መስከረም ኣብ ቦለኛ (ዓዲ ጥልያን) ኣኼባ ዘካይደሉ ዘሎ እዋን፣ YPFDJ NA (ኩርኩር ህግደፍ ሰሜን ኣመሪካ) ኣብቲ EYC ዝተመስረትሉ ደጀን ካሊፎርንያ (ሰሜን ኣመሪካ) 9ይ ዓመታዊ ኣኼባኡ የካይድ ምህላዉ እዩ። ካብቲ ኣብ ቦለኛ ዘመዝግቦ ዓወት፣ ካሊፎርንያ መዐንደሪ ኩርኩር ህግደፍ ክኸውን ንድሕሪት ምግዳፉ ዘስዕቦ ክሳራ ከይዓቢ ጥራይ ይኽደነና። ኣብ ካሊፎርንያ ዘለዉ ኤርትራውያን ተቓወምቲ ሰላማዊ ሰልፍን ተቓውሞን ብምግባር ንኩርኩር ህግደፍ ዲል ከይህቡዎ ድማ ንትስፎ።

ናብቲ “ሽግር ኤርትራውያን ፍታሕ ብኤርትራውያን” ዝብል ጭርሖ ንመለስ። ኣህጉራዊ ሓገዝ ኣየድልየናን ‘ዩ ማለቶም ዲዩ? ብፍላይ ናይ ኢትዮጵያ ሓገዝ ስሚ ኣለዎ ማለቶም ዲዩ? ደገፍ ጸገም የብሉን፣ ወነንቲ ኣጀንዳ ኤርትራ ኤርትራውያን ክንከውን ኣለና ማለቶም ዲዩ? ከም ርእይቶን መርገጽን ዝደለዩዎ ክብሉ መሰሎም እዩ። እንተኾነ እዚ እንኮ መንገዲ እዚ እዩ ይብሉ ከይህልዉ ‘ሞ ምድንጋር ከይፈጥሩ ገለ መረዳእታት ምጥቃስ ከድልየና እዩ።

እቲ ምሉእ ብምሉእ ዋንነት ነይሩና ኢልና እንሕበነሉ፣ “ርእስኻ ምኽኣል መፍትሒ ዓወትና’ዩ” ዝብል ጭርሖ ዝነበሮ፣ ዕጥቃዊ ተጋድሎ ንናጽነት ይዕበ ይንኣስ ካብ ወጻኢ ዝተፈላለየ ሓገዛት ይረክብ ነይሩ እዩ። ናይ ሎጂስትክስ ሓገዝ ጥራይ ኣይኮነን፣ ወረ ናይ ኣሽሓት ሰራዊት፣ እሞ ኸኣ ካብቶም ዝጽይኑዎም ዘለዉ ወያነ። ኣብቲ ሰውራ ኤርትራ ጠፍአ ዝተባህለሉ፣ ታህዲድ ስነኣእሙርኣዊ ኵናት ቀመማዊ ጋዝ ዝተሓወሶ ብሻዱሳይ ወራር (ዘመተ ቀይሕ ኮኾብ) ዝፍለጥ ኣብ ግንባራት ሳሕል ዝተኻየደ መሪር ኵናት ኣሽሓት ተጋደልቲ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ኣብ ጎኒ ህዝባዊ ሰራዊት ሓርነት ኤርትራ ተዋጊኦምን ተሰዊኦምን እዮም። ኣሃዱታት ከቢድ ብረት ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ኸኣ ካብ ሽረ እንዳስላሰ ክሳብ ኣዲስ ኣበባ እናተዋግኡ ኣትዮም። ካብዚ ናይ ደምን መስዋእትን ምትሕግጋዝ ዝዓቢ ሓገዝ ደኣ ‘ሞ እንታይ ኣሎ? ብዘይካ ኣብቲ ኣንጻር ሰራዊት ደርግ ዝተኻየደ ኵናት፣ ኣብ 1981 ህዝባዊ ግንባር ንተጋድሎ ሓርነት ካብ ሜዳ ኤርትራ ዝጸረገትሉ ወፍሪ ውግእ ሕድሕድ ‘ውን ኢድ ወያነ ሓርነት ትግራይ ነይሩዎ እዩ።

ክሊቲኦም ወገናት ኣንጻር’ቲ ናይ ሓባር ጸላኢ ሓገዝ እናተቐባበሉ ኸለዉ ‘ውን ዋንነት መስመራቶም ንምሕላው ፍልስፍናውን ግብራውን መርገጺታቶምን ዕቃበታቶምን ካብ ምግላጽ ኣይበኾሩን። ሓድጊ ቦለኛ እንተቐደወካ ኢልካ ክትዋሳወስ ከለኻ እምብኣር፣ ኣፋፍኖት ናይቲ ንፈስቲቫል ቦለኛ ዝወለደ ታሪኽ ‘ውን ክህልወካ ኣለዎ።

ሕጂ ኸ፣ እቲ ወዳጀ እናበልካ ፐትሽን ብምጽሓፍ ዝደገፍካዮን ክኸርር እትጕስጕሰሉን   ዝነበርካን ዘለኻን ኣብ ልዕሊ ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ጸኒዑ ዘሎ ኣህጉራዊ እገዳ፣ ካበይ ድዩ መንጭዩ? ኢትዮጵያ ንሃገራት ኢጋድ ኣእሚና፣ ብመንገዲ ሕብረት ኣፍሪቃ ናብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዘረከበቶ ‘ሞ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝጸደቐ ‘ኮ እዩ።

ስለዚ ሓገዝ ምቕባል ኣይኮነን እቲ ጸገም፣ ሓባራውን ማዕርነታውን ረብሓ ክልቲኡ  ወገናት ዘረጋግጽ ቅጥዒ ምትሕግጋዝ ምህላውን ዘይምህላውን፣ ግዙእ ናይ እትረኽቦ ደገፍ ከይትኸውን፣ በንጻሩ ዋና ኣጀንዳኻ ምዃንካ ንምርግጋጽ ጽኑዕ መትከል ምሓዝ እዩ እቲ ቁምነገር። እምበር ሓገዝን ደጀንን ሱዳን ኣኽፊሉና ዘሎ ዋጋን ንህግደፍ ሂቡዎ ዘሎ ትንፋስን ከይኣል፣ ሓገዝ ኢትዮጵያ ኣይንደልን ኢልካ ኢድካ ምልዓል፣ ንኢሳይያስ ኢድካ ምሃብ እዩ። በንጻሩ ከቖጥዓና ዘለዎ፣ ኢትዮጵያ ከምቲ ህግደፍ ንተቓወምቲ ኢትዮጵያ ዝህቦ ክብ ዝበለ ሓገዝ ዘይምግባራ እዩ።

ኣነ ብወገነይ ምስዚ ብምትእስሳር ንሰበስልጣን ኢትዮጵያ ከቕርበሎም ዝደሊ ሕቶ፣ እቶም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝቤትጽሕፈቶም ተቓወምቲ ውድባት ኣብቲ ኣሽሓት ኤርትራውያን ስደተኛታት ዘለዉዎ መዓስከራት ከይዶም ህዝቢ ከንቅሑን ከውድቡን ከዕጥቑን ነጻነት ትህቡዎም ዲኹም? ናይ ምዕጣቕ ድሌት ንዘለዎም ከ ከተዕጥቑዎም ቅሩባት ዲኹም? ዝዓጠቑ ኤርትራውያን ናብ ውሽጢ ኤርትራ ኣትዮም ስርሒታት ከካይዱ ኸ ነጻነት ኣለዎም ዶ? ኣይፋል እንተኾይኑ እቲ መልሲ፣ ስለምንታይ? እዚ ግምታዊ (Hypothetical) ሕቶ ኣይኮነን። ካብቶም ኣብ ባይታ ፈተነታት ዘካየዱ ነዚ ዝኣመሰለ ምዕዛምዛማት ስለዝሰማዕኩ ‘ሞ ምንጩ ፖሊሲ ዲዩ ወይ ተክኒካዊ ጸገም ንምፍላጥ ዝመጸኒ ሕቶታት እዩ። ናብ ውሽጢ ኤርትራ ኣትዮም ቁምነገር ክገብሩ ዝተቐረቡ ተባላሕቲ፣ ተባዓት፣ ውፉያት ኤርትራውያን ወዮ ተረኺቦም፣ ስለምንታይ ምትብባዕ ዘይግበረሎም?

መሰረት ናይቲ ነገር እምብኣር ብስዑዲ ይምጻእ ብኢትዮጵያ ብኣመሪካ፣ መትከላት ምትሕግጋዝካ እናገለጽካን እቶም ሓገዝቲ ወገናት ካብቲ ቅቡል ዝኾነ ሚዛናዊ ናይ ምትሕግጋዝ ቅጥዒ ወጻኢ መሳርሒ ከይገብሩኻ እናተተንቀቕካ ነቲ ንህዝቢ ኤርትራ ብዘይዕረፍቲ ዝጋሰሶ ዘሎ እኩይ ስርዓት ህግደፍ ጸቕጢ ብምግባር ዓቕሉ ከምዝጸቦ ምግባር እዩ። ነቲ ስርዓት ህግደፍን ደገፍቱን ዝጥቀሙሉ ሓገዝ ካብ ኢትዮጵያ ዘነውር ፕሮፖጋንዳ እንተተምበርኪኽካሉ ግን፣ ስርዓት ህግደፍ ካብ ፍጹም ከበባ ወጺኡ፣ ነቲ ምስ ሱዳን ብምስምማዕ ብሰሜንን ምዕራብን ዝረኸቦ ትንፋስ ብደቡብ ‘ውን መመላእታ ክረኽበሉ ዕድል ምፍጣር እዩ። ምጽያን ሓገዝ፣ ብፍላይ ናይ ኢትዮጵያ እምብኣር ሰለስተ ክሳራታት ኣለዎ። ኣቀራርባኡ ንሕናን ንስኹምን ዝዓይነቱ ስለዝኸውን ኣብ ሓድነት ተቓወምቲ ነቓዕ ይፈጥር፣ ንስርዓት ህግደፍ ጸቕጢ የፍኵሰሉ፣ ማዕረማዕሪኡ ኸኣ፣ እቲ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘሎ ብመንግስታት ክልቲኡ ወገናት ዝበኣሰ ተጻባኢ መንፈስ  ተዳኺሙ ሰናይ ጉርብትና ክልቲኦም ህዝብታት መሰረት ክሕዝ መታን ብኣግኡ ክሰላሰል ዘለዎ መስርሕ ሕድሕድ ምትእምማን የተዓናቕፍ።

ናብቲ ቴማና ተመሊስና ክርእዮ ዝግብኣና ሓደ መሰረታዊ ጉዳይ ግን ኣሎ። Ethiopia: the Elephant in the Room (ኢትዮጵያ፣ እታ ኣብ ቤት ዘላ ሓርማዝ) ዝብል ኣምር ልክዕ ከምቲ ብሰንኪ ኢትዮጵያ ዓወትና ተዳናጕዩ ዝብል ኣበሃህላ ኣጉል መረዳእታ እዩ። እቲ ኣብ ቤት ዘሎ ሓርማዝ ስርዓት ኢሳይያስ እዩ። ኣብ ክንዲ ሳዕሪ ሰብ ዝበልዕ፣ ኤርትራዊ ቤት ጸቢቡዎ ዝፈንጀሮ መናድቕ ኣብ ድርቅምቃሙ ተላሒጎም ፈቐድኡ ንዝተዘርዉ ኤርትራውያን ዜጋታት ንጎቱ ወርዊሩ ዝቕርም፣ ትንፋሱ ናብ ስግር ባሕሪ ልኢኹ ስኒት ኤርትራውያን ዘሪጉ ሰሚሮም ከይቃወሙዎ ዝበታትንን ዘዳኽምን ዘሎ እኩይ ሓርማዝ ኢሳይያስ እዩ። ማዕሪኡ ብጥፍኣት እንሕተት ከኣ እቶም ነታ ቤት ካብ መሰረት ክሳብ ናሕሲ ተማጣሊዑ ክግብታ ዘፍቀድናሉ ኤርትራውያን። ነቲ ሕማም ናብ ኢትዮጵያ ከነልግቦ ኣይንኽእል ኢና። እቲ ሽግር ናትና ፈታሕቱ ከኣ ንሕና ኤርትራውያን ኢና። እዚ ኸኣ ናብቲ ብኸመይ ዝብል መዋጽኦ ይመርሓና።

መዋጽኦ ካብ ምልኪ

ኣብ ኤርትራ ክልተ ልምዲ ጉስነት እዩ ዘሎ፣ ኣብቲ ሓደ ጓሳ ብድሕሪት ኮይኑ ብበትሪ ጥሪቱ ይኹብኩብ፣ ኣብቲ ኻልኣይ መጓሰ ኸኣ ብቐድሚት ኮይኑ ንጥሪቱ ድምጺ ገይሩ ይመርሐን። ስርዓት ህግደፍ ጓሳ ድሕሪት እዩ፣ ጥሪቱ ሳዕሪ ክበልዓ ዘይኮነ ሳዕሪ ከይበልዓ ኣባትሩ ኣብ ነብሰን ዝሰብር ሕሱም ጓሳ፣ ተቓወምቲ ኤርትራ ኸኣ ፊሲካ እናነፍሑ ጥሪቶም ንድሕሪት ገዲፎም (ይስዕባኦም ምህላወንን ዘይምህላወንን ከየስተብሃሉ) ብዘይጥሪት ዓዲ ዝኣትዉ በሃማት።

ኤርትራ ከም ሃገር መንግስትን ተቓዋሚ መንግስትን ክህልዉዋ እዩ እቲ ንቡር። ክልቲኦም እናድለዩዋ ግን ሓዲኦም ክትረክብ ኣይከኣለትን። እቲ መንግስቲ፣ ስስዐቲ ምብሓት ስልጣን ኢሳይያስ ዘርዊ፣ ከም ዓስቢ ኣገልግሎት ናይዚ ዘይቅዱስ ሽውሃት ጸቢብ ጉጅለኣዊ ረብሓ ምምእራር የዕጊቡዎም ብኢሳይያስ ዝተመለኹ ናይ ውሑዳን ጉጅለ ዝሕልዉዎ፣ ምእንቲ’ዚ ንህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዓመጽን ወጽዓን ክነብር፣ ሕራይ እንተዘይሉ ኸኣ ዋላ ንብረሰት ብዘይንሕስያ ዝፈረደ፣ ንዕድልን መጻእን መላእ ህዝቢ ብብሕታዊ ህንጡይነት ኢሳይያስን ሰዓብቱን ዝዕቅን ምልካዊ ስርዓት እዩ።  ተቓወምቲ ኸኣ ንቓልሲ ከከምዝጥዕሞም ዓቂኖም ብምግላጽ፣ ነቲ እናነበርካ ምቅላስ ‘ውን ዘይበጽሑዎ ክንሶም፣ እናተቓለሱ ዝነብሩ ዘለዉ ኮይኖም ዝስምዖም፣ ጭቡጥ ግምት ተኽእሎትታቶምን ኣበርክቶኦምን ዘይብሎም ልኡማት ተቓለስቲ እዮም። እዚ ኸኣ’ዩ፣ ሃገር ብዘይ መንግስቲ ሃገር ብዘይተቓውሞ ዘብለና።

ህዝቢ ኤርትራ ብቑዕ መንግስቲ ክህልዎ መታን እምብኣር እዞም ዝስዕቡ ፍሩያት መሰረታውያን መትከላት ክውቅዑ ኣለዎም።

–       ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ካብ መሰረቱ ክልወጥ

–       ሰፊሕ ፖለቲካዊ ተሳታፍነትን ህዝቢ ክረጋገጽ/ፖለቲካዊ ስልጣን ናብ ህዝቢ ክረክብ

–       ቅዋማዊ ህዝባዊ መንግስቲ ክትከል ኣለዎ።

ነዚ ሰንሰለታዊ ምትእስሳር ዘለዎ መስርሕ ፈላሚ ዝኾነ ስጉምቲ ምእላይ ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ቀዳምነት ክፍጸም ግን ፈለማ ብቑዕ ተቓውሞ ክህሉ ኣለዎ።

ብልሙድ፣ “ተቓውሞ” ኣብ ወጻኢ ሃገራት ስም ተጠሚቖም ንዝንቀሳቀሱ ኤርትራውያን እዩ ዝወሃብ። ተቓውሞ ግን፣ ኣብ ውሽጢ፣ ኣብ ጎረባብቲ ሃገራት ከምኡ ‘ውን ኣብ ወጻኢ (ስደት) ክምስረት ይኽእል። እዞም ሰለስተ ናይ ተቓውሞ ዓቕምታት፣ ነናቶም ኣድማዕነትን ድሩንትነት ኣለዎም። ኣድማዕነቶምን ድሩትነቶምን ብምንጻር ተመላሊኦም ከም ሓደ ጋንታ ምስ ዝሰርሑ ኸኣ ‘ዮም ውጽኢት ከምጽኡ ዝኽእሉ።

  1. ተቓውሞ ኣብ ወጻኢ

እዚ ኣብ ኣፍሪቃ፣ ኣመሪካ፣ ኤውሮጳ፣ ማእከላይ ምብራቕን ኣውስትራልያን  (እንተላይ ኣብ ኣዲስ ኣበባን ካርቱምን) ዝተወደበ ተቓወሞ፣ ስሙ ውድብ ይጥዓም ማሕበር ንጥፈታቱ ተመሳሳሊ እዩ። ኣብ ኤርትራ ለውጢ ኣብ ምምጻእ ከኣ ካብ ኣድማዕነቱ ድሩትነቱ ይዓቢ።

ዘሰላስሎም ንጥፈታት፣ ኣባላት ብምውዳብ ሰላማዊ ስልፍታት ብምክያድ ደገፍ ተቓውሞ ኣብ ኤርትራዊ ስደተኛ ምስፋሕ፣ ካብ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ምድንጋጽ ምርካብ፣ ምስ ጸለውቲ ውልቀሰባትን ኣህጉራውያን ማሕበራትን መንግስታትን ብኣካል ብምርኻብ ነቲ ስርዓት ምንጻልን ኣድላይነት ለውጢ ተቐባልነት ከምዝረክብ ምግባርን፣ ብመራኸቢ ብዙሃን ፖለቲካዊ ጎስጓሳት ምክያድ ( እንተነፍዑ ንቕሓት ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዘሎ ህዝቢ ክብ ንምባልን ንለውጢ ንምልዕዓሉን ናይ ራድዮ መልኽእታት ምክያድ)፣ ኣብ ውሽጢ ምስ ዝርከቡ ናይ ለውጢ ባእታታት ምትእስሳር ምግባር ወይ ከኣ ኣብ ውሽጢ ናይ ለውጢ ባእታታት ምፍጣር፣ ብምስጢር ፖለቲካዊ ምንቅስቃስ ከካይዱ ፋይናንሳዊ ኮነ ተክኒካዊ ደገፋት ምግባር ብሓፈሻ ምጥቃስ ይከኣል።

ብልጭኡ ኣብ ደገ ብነጻ ክንቀሳቀስ ዘለዎ ዕድል ክኸውን ከሎ፣ ምስ ሕመረትን ቅርጽን ናይቲ ስርዓት ገጽንገጽ ክራኸብ ስለዘይክእል ካብዚ ዝዓቢ ግብራዊ ንጥፈታት ከካይድ ተኽእሎታት የብሉን። ነቲ ኣብ ወጻኢ ብምህላዉ ከሳልጦ  ዘይክኣለ ዕማማት ከሰላስሉ ምስ ዝኽእሉ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዝርከቡ ውፉያት ብምትእስሳር ከኣ ንድሩትነቱ መተካእታ ክረኽበሉ ይኽእል።

  1. ተቓውሞ ኣብ ውሽጢ

እዚ ከቢድ ተወፋይነት ዝሓትት ግን ከኣ ግብራዊ ስርሓት ንምክያድ ዝለዓለ ብልጫ ዘለዎ ምንቅስቓስ እዩ። ብኢድ ዝጭበጥ መነቓቕሒታት ኣብ ከተማታትን ገጠራትን ኣብ ምዝርጋሕ፣ ዜናውን ስለያውን ሓበሬታታት ኣብ ምእካብ፣ ብጽፉፍ መጽናዕቲ ኸኣ ማዕረ ስርዓት ኣብ ምቕያር ፈላሚ ወይ ፈጻሚ ግደ ዘለዎ ወሳኒ ስጉምቲ ኣብ ምውሳድ ክነጥፍ ዝኽእል እዩ። ድሩትነቱ፣ ብሰንኪ ዕብየት ሓደጋኡ ብልዑል ምስጢር ዝካየድ ምዃኑ እዩ።

  1. ተቓውሞ ኣብ ጎረባብቲ ሃገራት

እዚ ኣብ ዶባት ጎረባብቲ ሃገራት መጸግዒ ዝህልዎ ምንቅስቓስ፣ ካብ ኤርትራውያን ስደተኛታት ወለንተኛታት ንምውዳብን ምዕጣቕን፣ ኣብ  ዶባት ናብ ዝርከቡ ከባቢታት ኤርትራ ሰሊዅ ብምእታው ምንቕቓሕ ኮነ ስርሒታት ከካይድ ይኽእል። ምስቲ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ዘሎ ምስጢራዊ ምንቅስቃስ ኮነ ኣብ ወጻኢ ዘሎ ተቓውሞ ምትእስሳር ብምፍጣር ቀሌቤት ተቓውሞ ኤርትራ ክኸውን ከምኡ ‘ውን ምስቲ ኣብ ውሽጢ ዘሎ ምስጢራዊ ምንቅስቓስ ዝተወሃሃደ ስርሒታት ክካይድ ይኽእል። ኣብ ውሽጢ ንዝግንፍሉ ምንቅስቃሳት መጸግዒ ወይ መርገጺ እግሪ ይኸውን።  ድሩትነትቱ፣ ናጽነት ምንቅስቓሱን ዕብየቱን ኣብ ጽቡቕ ድሌት ጎረቤት ሃገር ዝምርኮስ ምዃኑ እዩ። ምረት መነባብሮ ንምኽኣል ኮነ ከቢድ ዋጋ ንምኽፋል ልዑል ተወፋይነት ዝሓትት ‘ውን እዩ።

ቀንዲ ዕማም ናይዞም ሰለስተ መሓውራት ተቓውሞ ኣብቲ ዝጠቐስናዮ ሓፈሻዊ ራእይ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ሓባራዊ መረዳእታ ብምፍጣር ንምልካዊ ስርዓት ህግደፍ በቶም ዘዘድምዑሎም ንጥፈታት ብተወፋይነት ምንቅስቓስ እዩ።  እቶም ኣብ ውሽጢ ከምኡ ‘ውን ካብ ዶብ ጎረባብቲ ሃገራት ዝካየዱ ምንቅስቓሳት ተቓውሞ፣ ካብቲ ኣብ ርሑቕ ስደት ዝካየድ ምንቅስቓስ ዝኸበደ ተወፋይነት ዝሓቱ ዝለዓለ ኣድማዕነት ‘ውን ዘለዎም ምዃኖም ፍሉጥ እዩ። እንተኾነ፣ ናይ ኩሎም ኣበርክቶ ኣብ ለውጢ ተመላላእን ኣገዳስን ከምዝኾነ ብምስትብሃል፣ መሸነኒ ሞሳ መጻኢ ክገብሩዎ የብሎምን። ኣብ ኤርትራ ግዝኣተ ሕግን ፍትሕን ምንጋስ፣ ሰላምን ራህዋን ምስፋን፣ ህዝባዊ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ምትካል፣ ንህዝቢ ኤርትራ ሩፍታ ምሃብ ‘ዩ ዓንዲ ሕቖ ተወፋይነቶም ክኽውን ዝግባእ።

ማእከል መጽናዕትን ምርምርን

ብፍላይ እቲ ናይ ወጻኢ ደምበ ተቓውሞ፣ ነቲ ኣብ ኩሎም ወገናት ዝፍጠር ሓባራዊ ራእይ ብምዕማቝ ምትእምማን ደምበ ተቓውሞ ብሓፈሻ ንምሕያል ዝሰርሕ፣ መስርሕ ምስግጋር ዝእምት፣ ንሕብረተሰብ ኤርትራ ዘንጸባርቑ ምሁራት፣ ምኩራት፣ ለባማትን ዓበይቲ ዓድን ሕመረት ኮይኖም ዝነጥፉሉ ናይ መጽናዕትን ምርምርን ኣካል የቕውም።

እዞም ዘየሻሙ ተቐባልነት ዘለዎም ኣባላት ምርምርን መጽናዕትን፣ ብቐዳምነት ነዞም ብተኸታታሊ ዝጠቓቐስናዮም፣ ተራ ኣብ ውሽጥን ወጻእን ዝርከቡ ኤርትራውያን ኣብ ለውጢ፣ ደገፍ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብን ጎረባብቲ ሃገራትን፣ ወገናዊ ፖለቲካ ብመንጽር ሃገራዊ ኣወዳድባ፣ እዋናዊ ለውጢ ብመንጽር ምቍማት ስልጣን…፣ደምበ ተቓውሞ ብሓፈሻ ድማ ንህዝቢ ዝፈላልዩዎን ምትእምማን ዘጕድሉሉን ገሊኦም ብምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ዝንዝሑን ዝንብድበዱን ገሊኦም ጸበብ ረብሓታት ዘቀድሙ ኣብ ድሕረትና ዝነብሩ ኣሉታዊ ዝንባለታት፣ ደምበ ተቓውሞ ይኹን ህዝቢ ክነቕሓሎም ብስነፍልጠታዊ መንገዲ ጽጹይ ግብራዊ (Pragmatic) መጽናዕታዊ ሰነዳት ምቕራብ ህጹጽ ተልእኾኦም ይኸውን።

ቀዳምነታትን ለውጢ ኣብ ምስራዕ፣ እውናዊ ስትራተጂታት ኣብ ምሕንጻጽን ምስ ኩነታት ዘድሊ ምትዕጽጻፍ ኣብ ምእማትን ንደምበ ተቓውሞ ብምድጋፍ ‘ውን ኣንፈቱ ካብ ምጥፋእን ምድንጋርን የድሕኑዎ። ደምበ ተቓውሞ ብሓንቲ ፍጻሜ ከም ሓጺን ረሲኑ ሻቡ ጥምዝሕዝሕ ኢሉ ናብ በረድ ካብ ዝልወጠሉ ድኻማት ሓደ፣ ከምዚ ብዝኣመሰለ ጥሙር፣ ዝተጸንዐ ርጉእን ስሩዕን ኣካይዳ ስለዘይምራሕ እዩ።

ለውጢ ሰለስተ ገጻት እዩ ዘለዎ።

  1. ምውዳቕ ስርዓት ህግደፍ
  2. መስርሕ ምስግጋር
  3. ቅዋማዊ ህዝባዊ ስርዓት ምትካል

እቶም ሰለስተ መሓውራት ተቓውሞ ኣተኵሮኦም እቲ ቀዳማይ (ምውዳቕ ስርዓት ህግደፍ) እዩ ክኸውን ዘለዎ፣ ኣብ ተስፋ ለውጢ ምስተራእየ ወይ ኣብ መወዳእታ ህዝባዊ ማዕበል ክድረቦ ዝኽእል ‘ኳ እንተኾነ፣ ርእሲ-ኵናት ኮይኑ ብተወፋይነት ክቃለስ ዘለዎ ደምበ ተቓውሞ እዩ። ኣብ መስርሕ ምስግጋርን ቅዋማዊ ስርዓትን ግን ተሳታፍነት ህዝቢ ዓዚዙ ምስ ተራ ተቓወምቲ ክመዓራረ ኣለዎ።

ኣብዚ ቀዳማይ መድረኽ (ምውዳቕ ስርዓት ኢሳይያስ) ንምቅልጣፍ ኣብ ግምት ከነእትዎም ዝግባእ ነጥብታት ኣለዉ።

–       ጸላእቲ ከነውሕድ ኣለና። ቀንዲ ጸላኢና መላኺ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ እዩ። መነጸርና ብኹሉ ወገን ናብኡ ጥራይ ከቕንዕ ኣለዎ። ኢሳይያስ ኣብ ዝመሓወሉ እዋን ሰራውሩ ከም ሓመድ ለኪሙዎ ዝኸይድ እንተልዩ፣ ኣብ መንጕኡን መንጎ ኢሳይያስን ጋግ ገዲፉ ብዘይምጽንሑ ብላኼማ ዝወርዶ ጎድኣት ክኸውን ኣለዎ።

–       ንገድልን ናጽነትን ጉሉሕ ዓወቱ ይኹን ታሪኻዊ ድኻሙን ሕጽረታቱን ከም ኤርትራውያን ዋናታቱ ምዃና ክንኣምን፣ መኽሰቡ ዓቂብና ንሕጽረቱ ምእራም ሓባራዊ ሓላፍነት ከምዘለና ክንግንዘብ ይግባእ።

–       ወገናዊ ፖለቲካ ንምንዋሕ ዕድመ ኢሳይያስ ዘገልግል፣ ስሙር ተቓውሞ ዘዐንቅፍ ድሑር ዝምባለ ምዃኑ ብምስትብሃል ንደገፍን ተቓውሞን ሃይማኖታዊ፣ ብሄራዊ፣ ኣውራጃዊ ካርታታት ከነትሕዞ የብልናን።

–       ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዋላ እቲ ዝነኣሰ ግብራዊ ስርሓት ምክያድ፣ ስምረት ኤርትራውያን ኮነ ውድቀት ስርዓት ኢሳይያስ ኣብ ምቅልጥፍ ካብ ዝኾነ መደረን ጽሑፍን ኣኼባን ዝዓበየ ኣድማዕነት ከምዘለዎ ተገንዚብና ብዝለዓለ ከነድህበሉ ኣለና።

–       ቀንዲ ሱር ፖለቲካዊ ቅልውላው ኤርትራ ምልካዊ ምሕደራ ኢሳይያስ ምዃኑ ተገንዚብና፣ ናብ ቀዳማይ ጸላኢ ምትኳር ቅቡል ኮይኑ እንተረኺብናዮ፣ ነቶም ንምእላዩ ብተቓወምቲ ዝወስዱ ዝተፈላለዩ ምርጫታት ካብ ኢሳይያስ ዝዓበዩ ሽግር ጌርና ክንወስዶም የብብልናን።

ንኣብነት ናብቲ ከም ምስምስ ዘልዓልናዩ ጉዳይ እንተተመለስና፣ ኢትዮጵያውያን ናይ ኢትዮጵያ ረብሓ እዩ ዘገድሶም፣ ኤርትራውያን ከ ንሃገራዊ ረብሓና ዲና ቅድሚ ኹሉ እንሰርዕ? ኣጀንዳና ኤርትራዊ ዲዩ? ንጹራት መትከላት ኣለዉና ዲዮም? እዩ እቲ ሕቶ። ተቓወምቲ ኤርትራ እታ መበገሲ ቓልሲ ክትኮኖም ዝግብኣ ሱዳን 7ይቲ ዞባ ኢሳይያስ ኮይና ምስ ተጻገሙ እዮም ናብ ኢትዮጵያ ከይዶም፣ ጸገሞም ናብ ኢትዮጵያ ምኻዶም ዘይኮነስ ብኡ ኣቢሎም ናብ ኤርትራ ዘይምቕጻሎም እዩ። ጎረቤት ሃገር መበገሲ ቃልሲ እዩ፣ ተቓወምቲ ኤርትራ ግን መንበሪ እዮም ገይሮሞ ዘለዉ። ዛጊት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ልዕሊ 10 ዓመት ገይሮም እንተኾነ ፍሕት ኣይበሉን። እንሆ ኸኣ ኣብ ክንዲ ተቓውሞ ናብ ኤርትራ ዝኣቱ፣ ህዝቢ ኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ይመጽእ ኣሎ።

ብቐንዱ ከምቲ ኣቐዲምና ብሰፊሑ ዝጠቐስናዮ፣ ከም ኣብ ግዜ ገድሊ ንናጽነት ኣብ ውሽጢ መሬት ኤርትራ ቃልሲ ከነካይድ ተወፋይነትን ተኽእሎን ስለዝሰኣና ኢና ብናጽነት ተቓወምቲ እንጠራጠር ዘለና። ነዚ ክሳብ ዘይገበርና፣ ምስቲ ኩነታት ዝገደፈልና ዕድል ተጻቢብካ ምኻድ ዘይከኣል እንተኾይኑ ኸኣ ገዲፍካዮ ምውጻእ እዩ።

ህግደፍን ደገፍቱን ብሕልፊ ብሓፈሻ ኸኣ ኤርትራውያን ንመሬት ካብ ህዝቢ ንላዕሊ እንህቦ ትዅረት ከምዝዓቢ ምስትብሃል ዘድልዮ ሓደገኛ ጉዳይ እዩ። ብዛዕባ 400 ገባር ዘይነበራ ባድመ ን15 ዓመታት ክንዛረብ ከለና ዓሰርተታት ኣሽሓት ኤርትራዊ መንእሰይ ናብ ኢትዮጵያ ከይዱ ‘ሎ። ክስደዱ እናደለዩ፣ ጨመተ ጥይት ህግደፍ ኣብ ዶባት ዘፍርሖም ክንድኦም ዝኾኑ ‘ውን ኣብ ኤርትራ ኣለዉ። እቲ መንፈጽ ዝኾነ ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ስልጣን ክሳብ ዘሎ ኸኣ ዋሕዚ ኤርትራውያን ናብ ኢትዮጵያ ክቕጽል እዩ። ንስርዓት ኢሳይያስ ብዝቐልጠፈ ኣውዲቕና ለውጢ ብምርግጋጽ ኤርትራዊ ኣብ ሃገሩ ከምዝቐስን ክሳብ ዘይገበርናዮ ኸኣ፣ ኢትዮጵያውያን ነቲ ብኵናት ዘይተዓወቱሉ ጎበጣ ኤርትራ ብሓገዝ ህግደፍ ካብ ድፍዖም ከይተንቀሳቐሱ ክርከቡዎ እዮም። ዝዓበየ ዕዳ ምንዋሕ ስልጣን ኢሳይያስ ከኣ እዚ እዩ።

ብዓይኒ መሬት ክርአ ኸሎ፣ ባድመ ናይ ኤርትራ እያ። ዓሰብ ናይ ኤርትራ እያ። ኤርትራ ልኡላዊት ሃገር እያ። ኣብዚ ዘማጕት ነገር የልቦን። ነዚ ኹሉ ጸጋታት ናይ ኤርትራ ዝገበረ ግን ሃገራዊ መንፈስን ድሌትን ህዝቢ ኤርትራ እዩ። ኣብዚ እዋን’ዚ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ከብዲ ዓዱ እናሃለወ፣ መንነቱን ዋንነቱን ተሓዲጉ ምህላዉ እዩ ኣጊሙዎ ዘሎ። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ናይ ሰንፈላል እዋን፣ ስርዓት ኢሳይያስን ደገፍቱን ህዝባዊ ክብረት ረጊጾም ብሓመድ ምኒን ዝብሉሉ ዘለዉ ግዜ፣ ኣተኵሮ ኢትዮጵያ ናብ ኣእምሮ ህዝቢ ቀኒዑ ምህላዉ ኸኣ ኣብ መንጎ ክልቲኦም ዘሎ ጋግ ዓቢ ምዃኑ እዩ ዘርኢ። ስለዚ እቶም መጻእን ቀጻልነትን ኤርትራ ዘገድሰና ደለይቲ ፍትሕን ለውጥን ኤርትራውያን ንህጹጽነት ለውጢ በዚ መንጽር ‘ውን ክንርእዮ ኣለና።

ሓደ ካልእ ከነስተብህለሉ ዘለና ጉዳይ፣ ፖሊሲታት ክንሕንጽጽ መርገጺታት ክንወስድ ከለና ምእንቲ ሃልኪ ፕሮፖጋንዳ PR ኢልና ተጻባኢ ትሕዝቶን ቃናን ከነዘውትር የብልናን። ፖሊሲታትናን መርገጺታትናን እንታይ እዩ ንኢትዮጵያ ዝጎድእ (ወይ ካብ ኢትዮጵያ ነጻ ዘምስለና) ኢልና ዘይኮነ፣ እንታይ እዩ ንኤርትራ ብግብሪ ዝጠቅም ኢልና ክንሕንጽጾ ይግባእ። ዓሰብ መታን ኢትዮጵያ ከይትጥቀመላ ትተዓጾ ዝብል መርገጺ ህግደፍ ካብ ንኢትዮጵያ ንኤርትራ እዩ ጎዲኡ። እቲ ንኤርትራን ህዝባን ይጠቅም ‘ዩ ኢልና ብጥንቃቐ ዝሓንጸጽናዮ መደባት ንኢትዮጵያ ንሱዳን ንጅቡቲ ዝጠቅም ኮይኑ እንተተረኽበ “ወሸለ” ክንብሎ ኣለና። ሞሳ ኣውንታዊ ኣተሓሳስባና ምትእምማን ሰናይ ጉርብትናን ይኸውን።

ኣብ መደምደምታ ናይ ለውጢ ዕላማና ክዕወት እምብኣር፣ ንኹሎም’ቶም ከም ናይ መጨረሻ ድፋዕ ስርዓት ህግደፍ ዝጠቐስናዮም ካብ ውድቀት ንምድሓን መከራኸሪ ኢሉ ዘቕርቦም፣ ንተጋዳላይ ምጽባእ፣ ወገናዊ ፍልልይ ምስሳን፣ ብኢትዮጵያ ምምስማስ ዝኣመሰሉ ጉዳያት በንጻሩ መሳርሒ ለውጢ ክንጥቀመሎም መታን፣ ንተጋዳላይ ኣካል ለውጢ ጌርና ነቲ ስርዓት ኣብ ዘሕምሞ ክንወቕዖ፣ ሓድነትና ከነትርር፣ ካብ ኢትዮጵያ ንዝርከብ ደገፍ ንረብሓ ሃገር ኣብ ዋጋዕዳጋ ብዘየእቱ መንገዲ ለውጢ ንምቅልጣፍ ክንጥቀመሉ፣ ኩሉ ዓቕምና ኣንጻር ‘ቲ እንኮ ቀዳማይ ጸላኢ ዝኾነ ስርዓት ኢሳይያስ ከነቕንዖ ይግባእ።

ምልኪ ይፍረስ ሕጊ ይንገስ!

ኣማኑኤል ኢያሱ

25 ነሓሰ 2013

aseye.asena@gmail.com

Review overview
37 COMMENTS
  • rahwa August 29, 2013

    hade ethiopia tray eyu bhzbi eritrea tesaeru wetsiu.nieu zsearwo keman. etom kemaka hawteti zeykonu. etom whudat jeganu eyom .ente kemzi kemaka gn ab fantazi alem nber.haknetka endahabaeka.

  • Kalighe August 29, 2013

    “እቲ ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ ዝበልዕ ዘሎ ዓማጺ ውልቀምልካዊ ስርዓት ህግደፍ “ናይ ትግርኛ ስርዓት ‘ዩ” ዝብሉዎ ተረካብ ዘረባ ክትሰምዕ ከለኻ ሕማም ተቓውሞ ኩድም ኢሉ ትርእዮ። ነቲ ትግርኛ እንተተወከስካዮ ኸኣ፣ “ህግደፍ ናይ ሓማሴን ’ዩ” ዝብሉዎ ምላሽ ትረክብ። ሕቶኻ መሻርኽቲ ዕሽነት ‘ቲ እንዝኻ ዝዅርኵሓካ ዘሎ መልስታት ምዃኑ ተገንዚብካ እንተዘየቋሪጽካዮ መቸም “ናይ ካርኔሽም ‘ዩ” ዝብል ‘ውን ከጋጥመካ ‘ዩ። ትሩፍ።”

    ኣማኑኤል ኢያሱ

    In early nineties, the regime was very popular in the Highlands, while a few who opposed its policies were taken from their homes in the middle of the night and made to disappear. Elsewhere, like in Lowlands, there was a war going on, as hundreds of villagers left Eritrea to seek protection in Sudan. This has happened while many people thought the government was doing good for the country.
    In a situation like that, it’s easy for the victims to think “all Tigrignas’ are supporting the regime, even when obviously such a generalization was inaccurate, to say the list.
    A similar situation is also behind the mindset of those who think the ‘All Hamasienites’ are supporting the regime. Nobody can deny the fact that the regime is very popular among ‘some’ Hamasienites. In a free county we would easily know how many of them are on the government side, but unfortunately in Eritrea that is not possible. Here again, to say ‘all of them’ are supporting the regime is a harmful generalization.
    When the Christian minorities were demonized, many people knew what was happening, but they were either indifferent or supported their government. The same applies to the case of those innocent civilians killed in the name of combating Jihadists. Targeting a particular group did not happen without the knowledge of the people who failed to stand with the victims. People waited till the regime came for them. Only then they started to feel that the country was heading to a wrong direction, as if things started to go bad that day.
    So, instead of making sarcastic comments about these issues, it’s better if we learn from these bad experiences. No man is an island. If we keep silent because the victim happens to be someone with a different culture, religion, color of skin, region .. etc. it won’t take long before they came also for us.

  • Truly Truly i say to you September 1, 2013

    ሃውና ኣማንኤል እያሱ ብዝጽሓፎ ኣገዳሲ መልዕክቱ ከምዚ ኢሉ ነሩ።
    “ሽግር ኤርትራ ፍታሕ ብኤርትራውያን!” ብመን ደኣ!? እንታይ ሓዱሽ ኣምር ተረኺቡ ሕጂ? ኩሉ እቲ ኣብ ኤርትራ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ከምጽእ ዝቃለስ ኤርትራዊ ብሕልናኡ ነዚ እምነት’ዚ ሒዙ እዩ ዝብገስ። ነቲ ንቡር (Normal) ብኣሻማዊ (Controvertial) ኣገባብ ምቕራቡ ደኣ እንታይ ‘ዩ ጣቍኡ?
    ሓቁ እዩ። ኣነ ብእምነተይ እዚ ናይ ቦሎኛ ምትእክካብ ብጀካ ነቲ ኣሎ ዝብሃል ተቃውሞ መሊስካ መላሊስካ ምድኻምን ምብትታንን አንተደይኮይኑ ካልዕ ጣቛ ክህልዎ ኣይክእልን እዩ ባሃላይ እዬ።
    እዚ ናይ´ቦሎኛ ምትእክካብ ኣሽንባይ´ዶ ነቲ ኣጽቂጡ ዘሎ ሓፋሽ ክስሕብ ነቲ ኣብተቃውሞ ንዘሎ´ውን መሊሱ ሞራሉ ዝትንክፍ በታታኒ መርገጽ ሒዙ በተዘዋዋሪ ነቲ ኣማጺ ሥርዓት ንከሰስን ዝተበገሰ ድኹምን ናይክፋእን ዕላማ ዘለዎ ጉጅለ ገረ እዬ ዝወስዶ።
    ብሃቂ ንምዝራብ፣ ካብ ጉጅሌ ቦሎኛ ምትእክክካብ፣ ሕግደፍ በቲ ኣውጺእዎ ዘሎ ሓበሬታ ዕድጊ ኣባይቲ ነቶም ኣጽቂጦም ንዘለው ሃፋሽ
    ኣጽቢቁ ክከስቦም ከምዝኽእል ብወገነይ ዋላ ሃደ ጥርጥር የብለይን። ፈቲና ጸሊእና ሕግደፍ ነቲ ሕዝቢ ዝጠልቦ ናይ ኣባይቲ ኮነ ገለ ክፋል ናይ ሰብኣዊ መሰላት ከኽበር አንተጀሚሩ መሊሱ 100% ከምዘሰስኖን ብኣንጻሩ´ከኣ ደንበ ተቃውሞ ካብ ሕዝቢ አንዳተነጽለን አንዳደኸመን ከምዝኸይድ ልቦና ዘለዎ ሰብ ዝስሕቶ ጉዳይ ኣይኮነን። አንተ ንሕና ብጀካ ፍትሒ ካልዕ ናይ ሥልጣን ሕርፋን ዘይብልና፣ ፍትሒ ዋላ ብሕግደፍ እንተመጸ ምስዚ ኩሉ በሰላታት ወሸለ ኢልና ንቅበሎ ቅዱስ ጉዳይ እንበር ንነጽጎ ጉዳይ ክኸውን ኣይክእልን እዩ።

POST A COMMENT