Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ናይ ምንባር ቃልስን ስነምግባርን

ኣማኑኤል ሳህለ ስለምንታይ እዩ ሰብ ጽቡቕ ዝገብር? ጽቡቕ ክገብር ከሎኸ እንታይ ክረብሓሉ ስለ ዝደለየ እዩ? ጽቡቕ ማለትከ እንታይ ማለት እዩ? ጽቡቕ ማለት እንታይ ማለት እዩ ንዚብል ሕቶ፡ ኣብዚ ጽሑፍዚ እንተ ኣስፊርናዮ፡ ገፊሕ ቦታ ስለ ዚሕዝ፡ ኣብ ዝመጽእ

ኣማኑኤል ሳህለ

ስለምንታይ እዩ ሰብ ጽቡቕ ዝገብር? ጽቡቕ ክገብር ከሎኸ እንታይ ክረብሓሉ ስለ ዝደለየ እዩ? ጽቡቕ ማለትከ እንታይ ማለት እዩ?

ጽቡቕ ማለት እንታይ ማለት እዩ ንዚብል ሕቶ፡ ኣብዚ ጽሑፍዚ እንተ ኣስፊርናዮ፡ ገፊሕ ቦታ ስለ ዚሕዝ፡ ኣብ ዝመጽእ ጽሑፋት ክንርእዮ ኢና። ግን ንግዜኡ ጽቡቕ ዚብል ኣምር ተዛማዲ ከም ዝኾነ ክንግንዘብ ይግባእ።

ሰብ ጽቡቕ ዝገብር ንኣኡ መታን ኪጥዕሞ እዩ። ኣብ ጽቡቕ ዝገባበር ማሕበረሰብ ምንባር ንኽትሓርስን ንኽትነግድን የኽእለካ። ኣብ ሕማቕ ኪገባበር ዝነብር ማሕበረሰብ ግን ሓሪስካን ነጊድካን ኪንበር ኣይከኣልን። ስለዚ ጽቡቕ ብምግባርካ፡ ነቲ ካልእ ሰብ፡ ከምዚ ናተይ ደኣ ግበር መታን ብሰላም ሓሪስናን ነጊድናን ክንነብር፡ ኢኻ እትብሎ ዘሎኻ።

ሓደ እዋን ገንዘብ ንዓዲ ክሰድድ ደልየ ንሓደ ሰብ ተወኪሰዮ። ናይ ሓደ ናይ ሓዋላ ትካል ስም ድማ ሂቡኒ። ሰዲደዮ፡ እቲ ዘመድ ድማ ተቐቢሉዎ። ብድሕርዚ ነቲ ብጻየይ፡ ኪሰርቁዎ ኣይክእሉን ድዮም ነይሮም ብምባል ተወኪሰዮ። ኣይሰርቁን እዮም፡ ኣብቲ ኩባንያ ምስራቕ ነውሪ እዩ፡ ኢሉኒ። ወድሰብ ደኣ ከመይ ኢሉ ንኹሉ ንግዲ ከይሰረቐ ኪሓልፎ ይኽእል፡ ምስ በልኩዎ፡ ክሰርቁ መኣስ ጸሊኦም፡ ግን ሓንሳእ እንተ ሰሪቖም፡ ሰብ ኣይኣምኖምን እዩ፡ ሰብ ገንዘብ ምስዳድ እንተ ኣቋሪጹ ድማ እቲ ኩባንያኦም ኪዕጾ እዩ፡ ኢሉኒ። ንኽጥዕሞም እዮም ጽብቕ ዝገብሩ ዘለዉ ማለት እዩ።

እቲ ድጉል ናይ ወድሰብ እንሳዊ ባህርያት ብሰላም ከንብረካ ከም ዘይክእል ብኣጋኡ ኢኻ እትግንዘቦ። ስለዚ ሰብ ብሰላም ሓሪሱን ነጊዱን ኪነብር እንተ ደኣ ደልዩ፡ ንብጻዩ ኪሰርቆ ወይ ኪዘርፎ ወይ ኪቕትሎ ከም ዘይብሉ ኣዳዕዲዑ ይፈልጥ እዩ። ኣብ ሓሶትን ስርቅን ቅትለትን ዝሰፈኖ ሕበረተሰብ፡ ሃገር ምህናጽን ምዕባለ ምርኣይን ኣይከኣልን።

ምናልባት ሰብ ብጥንቲ ሃዳናይ ከሎን ኣብ በዓቲ ኪቕመጥ ከሎን፡ እቲ ምስራቕን ምዝራፍን ምሕሳውን ምቕታልን ኣብቲ ናብራኡ ብዙሕ ጸገማት ዘምጽእ ዝነበረ ኣይመስለንን። ኣብ ሃድን፡ ሓሲኻ ኣይሓሲኻ፡ ዘሪፍካ ኣይዘሪፍካ፡ ቀቲልካ ኣይቀቲልካ ምንም እተፍርሶ ወይ እትሃንጾ ነገር የልቦን። ኩሉ ሃዲኑ ስለ ዝበልዕ፡ ዋናን ቀይድን የብሉን። ኣብቲ ግዜቲ ምምሕዳር ዚብሃል ነገርውን ኣይነበረን።

ዝኾነኾይኑ፡ ብዘገምታዊ ምዕባለ (ማለት፡ በቲ ዘዋጽእን ኣማራጺ ዘይብሉን መገዲ ብምጕዓዝ)፡ እንዳታትን ዓድታትን ሕብረተሰብን ምምሕዳርን ኪምስረት ምስ ጀመረ፡ እቲ ናይ ምስራቕን ምዝራፍን ምሕሳውን ምቕታልን ፍጻመታት ድማ ቀስ እናበለ ክቕህም ክኢሉ፡ ከመይሲ ኣብ ፋሉል ዝኾነ ኩነታት፡ ወድሰብ ማሕበራዊ ህይወቱ ንኺመርሕ ኣዚዩ ኣሸጋሪ እዩ።

ሓቢርካ ንምንባር፡ ካብኡ ተላዒልካ ድማ ሓሪስካን ነጊድካን ህይወትካ ንምምራሕ፡ ሰላም ኣማራጺ ዘይብሉ ረቛሒ እዩ። ሰላም ንኺህሉ ድማ ሕጊ ኪህሉ ግድን እዩ። ሕጊ ድማ፡ ብተዛማዲ መገዲ ንጽቡቕን ሕማቕን ኣለሊዩ፡ ንእኩይነት ዚቐጽዕ፡ ንደግነት ድማ ጻማኡ ዚህብ መምርሒ እዩ።

እቲ ናይ ወድሰብ ደመነፍሳዊ ባህርይ፡ ማለት እቲ ኣብ ዓለም ንምንባር እንጥቀመሉ ናይ ምዕብላልን ምግባትን ባህርያት፡ ካብ ናይ እንስሳ ዚፍለ ኣይኮነን። ስለዚ ኣብ ምዕቡል ማሕበራዊ ናብራ ከይተረፈ፡ ናይ ምጕባጥን ከይቀደመኒ ክቕድሞን፡ ናይ ምዝራፍን ምግባትን ባህርያት፡ ተደጒሉ ስለ ዚነብር፡ ንኺቕልቀልን ንኺነትጕን ግዜ ዚወስድ ኣይኮነን።

ሓደ እዋን ኣብ ከባቢ 60ታት እዩ መስለኒ፡ ኣብ ሓንቲ ናይ ካናዳ ከተማ፡ እቶም ፖሊስ ወይ ፖላይስ ኣድማ ወይ ሾበረ ገይሮም ነይሮም። ነቲ ስራሖም ድማ ን24 ሰዓታት ደው ኣቢሎምዎ። ሽዑ እዩ እቲ ናይ ወድሰብ ኣሉታዊ ነፍሰደማዊ ባህርያት ዝነተጐ። ሰባት ኣብ ሱፐርማርከት ኣትዮም ከም ድላዮም ሰሪቖም። ዓበይትን ሕፉራትን ሰባት ተለቪዥናት ተሰኪሞም ንገዝኦም ኣትዮም። እቲ ሾበረ እንተ ዚቕጽል ነይሩ፡ ምናልባት ኣብ ምቅትታልውን ምተበጽሐ ነይሩ። ግን፡ እቲ ዘገርም፡ እሩማትን ከም ኣብነት ዚቝጸሩን ሰባት ከይተረፉ ኣብ ስርቂ ምውፋሮም እዩ። ድሕሪ ስርቂ፡ ሓሶት ይመጽእ፡ ድሕሪ ሓሶት ድማ ቅትለት።

ገለ ሰባት ነዚ ምስ ረኣዩ፡ እምበኣር ሰብ ንኣምላኽ ዘይኮነስ ንፖሊስ እዩ ዝያዳ ዝፈርህ ዚብል ርእይቶ ሂቦም።

ስለዚ ወድሰብ ነቲ ድጉል እንስሳዊ ባህርያቱ ሸይጡ ወይ ኣረኪቡ ጥራይ እዩ ሰላም ኪዕድግ ዝኽእል። ሰላም ድማ ኣብ ትሕቲ ሕጊ ጥራይ እዩ ዚርከብ። እቲ ኣብ ወድሰብ ዘሎ ድጉልን ሓሓሊፉ ድማ በጨቕ ዝብል እንስሳዊ ባህርያት ብሕጊ ጥራይ እዩ ኪቕየድን ኪድቅስን ዝኽእል። ኣብቲ ሕጊ ድማ፡ ኣብ መንጎ ደግነትን እከይን ዘሎ ፍልልይ ይነጽር። ጽቡቕ ምግባር ነቲ ማሕበራዊ ናብራ ስለ ዘቐጽሎ፡ እቲ ኣብቲ ሕብረተሰብ ዚርከብ ኣባል፡ ጽቡቕ ምግባር ከም ዝሓሸ ኣማራጺ ገይሩ እዩ ዚወስዶ።

ገለ ሰባት፡ ጽቡቕ ምግባር ብሃይማኖት እዩ ተጀሚሩ ዝብሉ ኣለዉ። ግን፡ ንወድሰብ እቲ ማሕበራዊ/ቁጠባዊ ደረጃኡ (socio-economic stage) እዩ ንሕጊ ክግዛእን ጽቡቕ ክገብርን ዝደረኾ። ነቲ ዝፈጠሮ ማሕበራዊ/ቁጠባዊ ሰላም ንምዕቃብ እዩ ኣብ ትሕቲ ሕጊ ኣትዩ ክምእዘዝን ካብኡ ሓሊፉ ድማ ብውልቁ ጽቡቅ ክገብርን እተገደደ። ምናልባት ሃይማኖት ነቲ ኸምዚ ዝበለ ኣተሓሳስባ መለኮታውነት ኣልቢሱ፡ ነቲ ሰብ ንሕማቕ ከም ዝፈርህ፡ ንጽቡቕ ድማ ከም ዝድግፍ ገርይሩዎ ይኸውን፤ መንቀሊ ኣምራት ሕማቕን ጽቡቕን ግን፡ ኣብቲ ናይቲ ሕብረተሰብ ማሕበራዊ/ቁጠባዊ ኩነታት እተመሰረተ ምዃኑ ዘጠራጥር ኣይኮነን።

እቲ ናይ ጽቡቕን ሕማቕን መበገሲ፡ ኣብ ስነመጎት እተመሰረተ ደኣምበር፡ ካብ ባዶ ዝነቐለ ኣይኮነን። ክንሳራረቕ እንተ ውዒልና፡ ከም ድላይና ድማ ክንቀታተልን ክንዘራረፍን እንተ ኸሪምና፡ እቲ ዝተኸልናዮ ሕብረተሰብኣውን ቁጠባውን ህንጻ ኪፈርስ ስለ ዝኽእል፡ ነቲ ብስነሞጎትን ከም ዝሓሸ ኣማራጽን ኢልና ዝበጻሕናዮ መትከላት ከም ሕግታት ጌርና መታን ኽንግልገለሉ፡ ናይ ምምሕዳርን መሪሕነት ኣካል ክንፈጥር ንግደድ፡ ማለት፡ ሕግታት፡ ብዘይ መሪሕነት፡ ብዘይ ናይ ስልጣን ደረጃታት (hierarchy) ከምቲ ዝግባኦም ከገልግሉ ስለ ዘይክእሉ።

ገለ ናይ ስነፍጥረት ምሁራን፡ ጽቡቕ ምግባር፡ ነቲ ናይ ዓሌትካ ህይወት ይኹን ወይ ናይቲ ንዓኻ ዝመስል ፍጡር ቀጻልነት ዘረጋግጽ ስለ ዝኾነ፡ ንብጻይካ ክትሕግዝ፡ ክትድንግጽ፡ ክትርህርህ ትግደድ ኢኻ ዚብል ርእይቶ ይህቡ። ኣብቲ ናይ ወድሰብ ኢቮሉሽናዊ ምዕባለ፡ ምትሕግጋዝን ምርህራህን ዓቢ ተራ ኣለዎ። ስለዚ ኣብቲ ደመነፍስና እውን ናይ ምትሕግጋዝ ኣሰራት ከም ዘሎ ክንፈልጥ ይግበኣና።

ከምዚ ኪብሃል ከሎ ግን እቲ ናይ ምዝራፍን ምግባትን ሓይልታት ኣብ ቦታኡ ከም ዘሎ ክንርስዕ ኣይግባእን። ብደገ ኪረአ ከሎ ክለተ ተጻረርቲ ሓይልታት ኣብ ሓደ ኣእምሮ ዝሰፈሩ ይመስሉ። ማለት፡ እቲ ሓደ ናይ ምዝራፍን ምግባትን እቲ ሓደ ድማ ናይ ምትሕግጋዝ ምትሕልላይን ባህርያት። ይኹንምበር፡ ክልቲኦም ሓደ ዕላማ እዩ ዘለዎም። ንሱ ድማ ነቲ ናይ ወድሰብ ስነፍጥረታዊ ህይወት ብእተኻእለ መጠን ቀጻልነት ንምሃብ እዩ።

ስለዚ ከምቲ ምዝራፍን ምግባትን ነቲ ናይቲ ስነፍጥረታዊ ህይወት ብውልቃውን ጉጅለኣውን መገዲ ቀጻልነት ንምርግጋጽ ዘገልግል፡ እቲ ጽቡቕ ምግባር ወይ ምትሕግጋዝ ድማ ነቲ ናይ ወድሰብ ማሕበራውን ቁጠባውን ህይወት ንምርግጋጽ እዩ ዘገልግል። ማለት ክልቲኡ ሓደ ዕላማ እዩ ዘለዎ።

ኣብ ናይ ወድሰብ ማሕበራውን ቁጠባውን ተክኖሎጂካውን ምዕባለ ድማ ክልቲኡ ጎድኒ ንጎድኒ ኾይኑ ይቕጽል።

ይኹንምበር፡ ወድሰብ ኣብ መግብን ካልእ ንኣካላቱ ዘድሊዩዎ ነገራትን ዘለዎ ጠለብ እናተማልአ ምስ ከደ፡ እቲ ስጋዊ ድሌታቱ ድማ እናዓገበ ምስ ከደ፤ እቲ ናይ ምግባትን ምዝራፍን ባህርያት እናጎደለ፡ እቲ ናይ ምርህራህን ምትሕግጋዝን ባህርያት ድማ እናሓየለ ከም ዝኸይድ ዘጠራጥር ኣይኮነን።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
6 COMMENTS
  • Bini June 3, 2015

    Thank you Amanuel
    It is just brilliant.

  • semir June 4, 2015

    Amanuel sahle …I am proud you are eritrean

  • Mesinas June 5, 2015

    “ሓቢርካ ንምንባር፡ ካብኡ ተላዒልካ ድማ ሓሪስካን ነጊድካን ህይወትካ ንምምራሕ፡ ሰላም ኣማራጺ ዘይብሉ ረቛሒ እዩ። ሰላም ንኺህሉ ድማ ሕጊ ኪህሉ ግድን እዩ። ሕጊ ድማ፡ ብተዛማዲ መገዲ ንጽቡቕን ሕማቕን ኣለሊዩ፡ ንእኩይነት ዚቐጽዕ፡ ንደግነት ድማ ጻማኡ ዚህብ መምርሒ እዩ።” ብርግጽ ክቡር መምህር። ወዲ ሰብ ከም ጥሪት ብሰብ ማለት ብጓሳ ዘይኮነስ ብሕጊ’ዩ ኪሕሎ ዘለዎ!

    ሕጊ ስለ ዘየዳሉን ዘይፈላልን ግን ንኣቶምውን ስለ ዚምልከት ውልቀ መለኽቲ ኣየፈትውዎን’ዮም! በዚ ከኣ ንሳቶም ልዕሊ ሕጊ ኮይኖም ይነብሩ! ብሕማም ወይ ብሓደጋ ምስ ተኣልዩውን እቲ ቀቢሮሞ ዝኸዱ ፈንጂ ይፍንጀር’ሞ እቲ ለዋህ ህዝቢ ከኣ ብገርሁ ‘እዋኣ! ንሱ ከሎ ምሓሸና! ሕጂ ካብኡ ዝኸፍእ መጺኡና!’ እናበለ ነቲ ዘለምቲ ኣብ ግዜ ስልጣኖም ዝገበሩዎ እከይ ግብሪ ይድብሰሎም! ዝኾነት ድሕሪ ሕልፈት ሓደ መላኺ ዘይረግአት ሃገር፣ ተሓታቲ እቲ ነቲ ኩነታት እቲ ኣጣጢሑ ዝሓላፍፈ መላኺ’ዩ! በዚ ምኽንያት ድማ’ዮም ኩላቶም መለኽቲ ዋላ ድሕሪ ሕልፈቶምውን ገበን ኪፍጽሙ ዚረኣዩ!

    ዝኸበርካ መምህር ኣማኑኤል፣ ኣብ ጽሑፋትካ ጎሊሑ ዚረአ ናይ ሆሄያት ይኹን ናይ ቃላት ጉድለታት ዘይምርኣዩ ኣብ ልዕሊ ነበብትኻ ዘሎካ ዓቢ ክብሪ ህያው ምስክር’ዩ። ምኽንያቱ ነቲ ወርቃዊ ግዜኡ ወፍዩ ዚከታተለካ ተቐባሊ ሓበሬታኻ ዚኾነ ነባቢ ልዑል ግምት ብምሃብ ንጽሑፋትካ ብዝግባእ ኣሪምካን ኣስተኻኺልካን ትጽሕፍ ከም ዘለኻ ንጹር ስለ ዚኾነ! በዚ ከኣ ልዑል ክብርን ኣድንቖትን ክቕርበልካ ፍቐደለይ? የቐንየልና ክቡር ሓው።

    ኣብ መወዳእታ መምህር ሓደ ሓደ መብርሂ ዘድልየን ቃላት ኣቕሪበ ክሳናበት፦
    60ታት= ኣሃዝን ፊደልን ኣላጊብና ክንጽሕፍ ንኽእል ዲና?
    ሾበረ= ሸብሮ ዶ ኣይኮነን ዚብሃል?
    ኢቮሉሽናዊ/ኢቮሉሽናዊ= ናብ ትግርኛ ዚረዓመ ቃልድዩ ኮይኑ ከም ዘለዎ ጽሒፍካዮ?
    የልቦን= ንዘይቁጸር ነገርዶ ኣይኮናን ንጥቀመሉ? ንኣብነት፦ ንሽኮር፣ ንጣፍ፣ ወዘተ. ደጊመ ዘመስግነካ ሓውካ መሲናስ። የቐንየለይ።

    • nebelbal7@gmail.com June 7, 2015

      ክቡር ሓው መሲናስ
      “ዓርክካ ጭሕሙ ክላጺ– ንስካ ማይልከ”
      ምክርካ ንኹልና እዩ።
      ብሓቂ ከኣ በቲ እትገብሮ እራመ — ጽሑፍ ፡ ቢሂል ፡ ትርጉም ፡ መግእዚ፡ .. ወዘተ ክትድነቅ ይግበኣካ።
      ግጥሚ ከኣ ኣይተጽምኣና!

  • amanuel sahle June 6, 2015

    ኣሃዝን ፊደላትን ኣላጊብካ ኪጸሓፍ ይከኣል እዩ።
    ካብ ጣልያን ሺዮፐሮ ዝመጸ ቃል እዩ። ብግዜና ሾበሮ ኢና እንብሎ ኔርና።
    ኢቮሉሽናዊ ወይ ዘገምታዊ
    የልቦን ንዘይቍጸር እዩ ዝዝውተር፡ ንኣብ፡ ኣብራሃም ኣሎዶ? የሎን
    ቍጽጽር ኣሎዶ? የልቦን። ሓቅኻ ኢኻ።
    ኣማኑኤል

  • Kahnat June 20, 2015

    ኣቶ ኣማኑኤል ፡ ጽሑፋትካ ተመሲጠ እየ ዘንብቦ ፡ ሃይማኖት ኣብ እትትንክፈሉ ቦታታት ግን ፈጺመ ኣይሰማማዕን እየ። ከም ናተይ ግምት ዳርጋ 99% ካብ ነበብትኻ ሃይማኖተኛታት ኢና ፡ ስለዚ ውልቃዊ ሓሳብካ ናይ ምግላጽ መሰልካ ኣብ ቦታኡ ኸሎ ፡ እቲ መልእኽትኻ ግን ኣብዚ ነጥቢ እዚ በጺሑ ንብዙሓት ከም ዝብረዞም ኮይኑ ይስመዓኒ። መጠን ንቕሓት ነበብትኻ ኣብ ግምት እንተ ተእቱ ይብል ብወገነይ። እግዚኣብሄር ይሓልኻ!

POST A COMMENT