Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ናይ ስርዓት ህግደፍ ሎቢ ምዃኑ ዝንገረሉ ኣትላንቲክ ካውንስል ኣብ ዋሺንግተን ዲሲ ንኤርትራ ዝምልከት ሰሚናር ኣካይዱ።

ምስሊ ስርዓት ህግደፍ ከመሓይሽ ናይ ሎቢ ስርሓት የካይድ ምህላዉ ዝንገረሉ ማእከል ኣፍሪቃ ናይ ኣትላንቲክ ካውንስል፣ ብ 8 ታሕሳስ “Rethinking Eritrea.” ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ዋሺንግተን ዲሲ ሰሚናር ኣካይዱ። ኣብቲ ሰሚናር፣ ኣብ ሰንኮፍ ናይ ዝርከባ ሃገራት ክኢላ Seth

ምስሊ ስርዓት ህግደፍ ከመሓይሽ ናይ ሎቢ ስርሓት የካይድ ምህላዉ ዝንገረሉ ማእከል ኣፍሪቃ ናይ ኣትላንቲክ ካውንስል፣ ብ 8 ታሕሳስ “Rethinking Eritrea.” ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ዋሺንግተን ዲሲ ሰሚናር ኣካይዱ።

ኣብቲ ሰሚናር፣ ኣብ ሰንኮፍ ናይ ዝርከባ ሃገራት ክኢላ Seth Kaplan፣ ቁጠባ ኤርትራ ስነሓሳብን ዕድላትን ብዝብል ኣርእስቲ ከምኡ ድማ ምኽትል ዳይረክተር ማእከል ኣፍሪቃ ኣትላንቲክ ካውንስል ብሮን-ዊን (Bronwyn Bruton) ምውጻእ ኤትራ ካብ ቀዝሒ ብዝብሉ ኣርእስታት ናይ ዘሕተሙዎም ጸብጻባት ሕመረት ትሕዝቶ ኣቕሪቦም።

Anthony Carroll ካብ ማእከል ስትራተጂካውን ኣህጉራውን መጽናዕቲ ከምኡ ድማ Dan Connell ካብ ማእከል መጽናዕቲ ኣፍሪቃ ኣብ ቦስተን ኡኒቨርሲቲ ከም ተዛተይቲ ኣብቲ ኣጋጣሚ ቀሪቦም።

ሚስተር ካፕላን ኣብ ጽሑፉ ስነሓሳብ መራሕቲ ህግደፍ ምስቲ ነቀይቀይ ዝብል ዘሎ ቁጠባ ኤርትራ ዘለዎም ምትእስሳር ክትንትን ከሎ፣ ሚስ ባርተን ከኣ ንኣሉታዊ ዝምድና ኤርትራ ኣመሪካን ብምድህሳስ ኣመሪካ ምስ ኤርትራ ኣብ ጽምዶ እትኣትወሉ እዋን ሕጂ ምዃኑ ትጽውዕ።

እቲ ብኣትላንቲክ ካንውስል ዝቐረበ ትሕዝቶን ዘተን ኣብ ቁጠባውን ወፍርን ብምትኳር፣ ነቲ ቀንዲ ዕንቅፋት ናይቶም ጽላታት ኮይኑ ዘሎ ፖለቲካዊ ቅልውላውን ጉዳይ ሰብኣዊ መሰላትን ኤርትራ ትሑት ግምት ዝሃበ ነይሩ። ይኹን’ምበር፣ እቲ ደረት ኣልቦ ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣብ ኩሉ መዳያት ህይወት ኤርትራ ዘለዎ ኣሉታዊ ጽልዋ እቶም ተዛተይቲ ክኽሕዱዎ ኣይከኣሉን።

ኩላቶም ኣመሪካ ንጽምዶ ምስ ኤርትራ ኣተኵሮ ክትገብረሉ ክጽውዑ ከለዉ “ እቲ ማዕጾ እሞ ይከፈት፣ መራሕቲ ኤርትራ ብኡ ክኣትዉ ዝደልዩ ምዃኖምን ዘይምዃኖምን ሽዑ ይርአ” ዝዓይነቱ ጻውዒት እዮም ኣቕሪቦም።

ይኹን’ምበር ነቲ ጸብጻብ ኣመልኪቱ ግብረመልሲ ዝሃበ ጋዜጠኛ ቢቢሲ ነበር ማርቲን ፕላውት፣ ነቲ ናይ ኣትላንቲክ ካውንስል ትንተና ብምንባብ ነቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ውድዓዊ ኩነታት ምርዳእ ከምዘይከኣል ብምጥቃስ፣ በንጻሩ፣ ብውሑዱ ነቲ መራሕቲ ኤርትራ ኣብ ዓለም ተፈሊጦምሉ ዘለዉ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ናይ ምድብዛዝ ተልእኾ ከምዘለዎ የገንዝብ። ነዚ ዕማም ‘ዚ፣ እታ ነዚ ኣጋጣሚ ዝወደበት ሚስ ባርተን ንሓያለ እዋናት ኣትኪላ ከምዝቐጸለቶ ድማ ብኣብነት ጠቒሱ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
1 COMMENT
  • k.tewolde December 11, 2016

    The mission of the AC is crystal clear,it is a hired mouthpiece of the Asmara regime with the intent to exonerate the criminal elements and lift the targeted sanctions against them, period!! What is there to rethink about Eritrea except to get rid of this brutal and fascistic Party and it’s kingpin which created a social,psychological and economic nightmare of the nation beyond our imagination.Any country entering a collusion with these already indicted clique is recognizing their legitimacy as democratically elected leaders by the Eritrean people and that automatically makes them the co-conspirators against the oppressed masses of Eritrea and history will not forgive them.I know it is an uphill climb and the odds are against the downtrodden people but God is on our side.The irony is some of the panelists with MBA degree without a shame tried to define today’s Eritrea for its famous espresso coffee by downplaying the social degradation and bleeding out of its young workforce because that is not what they are interested in. I thought I was watching Anthony Bourdaine’s show.Amazing.

POST A COMMENT