Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ናይ ኤርትራ ጉላግ (ካልኣይ ክፋል)

ናይ ኤርትራ ጉላግ (ካልኣይ ክፋል) ብኣሚር ባብክር ዓብደላ ትርጉም እድሪሳይ ቪላታት ማእሰርቲ ኣብ ከተማ ኣስመራ ንግሆ ሰዓት 10 ኣብ ኣስመራ ዝርከብ ዋና ቤት ጽሕፈት  ምምሕዳር ዶብ ኤርትራ ተረኸብኩ።  ኣብ ቤት ጽሕፈት ሓደ ግርማይ ምስግና ዝተባህለ ኮሌኔል ምዃኑ ኢዩ። ኮሌኔል

ናይ ኤርትራ ጉላግ (ካልኣይ ክፋል)

ብኣሚር ባብክር ዓብደላ

ትርጉም እድሪሳይ

ቪላታት ማእሰርቲ ኣብ ከተማ ኣስመራ

ንግሆ ሰዓት 10 ኣብ ኣስመራ ዝርከብ ዋና ቤት ጽሕፈት  ምምሕዳር ዶብ ኤርትራ ተረኸብኩ።  ኣብ ቤት ጽሕፈት ሓደ ግርማይ ምስግና ዝተባህለ ኮሌኔል ምዃኑ ኢዩ። ኮሌኔል ግርማይ ናይ ጀነራል ተኽላይ ማንጁስ ቤት ጽሕፈት ቺፍ ኦፍ ስታፍ እዩ። ብተወሳኺ እውን ሓላፊ መንበሪ ፍቓድ ተቓወምቲ ሱዳናውያን እዩ። ዕድልና ሽምጠጣ ዘለዎ ዕድል ኮይኑ ድማ ኣብ ኣስመራ ብዛዕባ  ጉዳይ ተቓወምቲ ሱዳን ዝመልከት ጉዳይ ንኮሌኔል ግርማይ ተወከሱ ተባሃልና።ብባህርያት ኣሉታዊ ቅሳነት ኣነነትን ራኣዩኒነትን ዝለለ እዚ ኮለኔል ነዚ ጉዳይ ምስ ሓደ ኢብሂም እድሪስ ዝተባህለ ቺፍ ኦፍ ስታፍ  ቤት ጽሕፈት ኣል ኣሚን መሓመድ ስዒድ (ዋና ጸሓፊ ህግደፍ) ብምትሕብባር ይሰርሓሉ ነበረ። ኣነ ነዚ ጉዳይ ህግደፍ ንተቓወምቲ ሱዳን ዘርእዮ ምሒር ምስትንዓቕ  ኢለ ይግምግሞ። እዚ ምስትንዓቕ ብተወሳኺ ተቓወምቲ ሱዳን ነብሶም ስለዘየኽበሩ እነሆ ከምኒ ኮሌኔል ግርማይን መራሕቶምን ናይቲ ሕልኽልኽ ዝበለ ጉዳይ ሱዳን ኣማኸርቶም ክኾኑ ገይርዎም ኣሎ ኢለ እውን እግምግም።ኣብዚ ግን ሓደ ነገር ከብርህ ይፈቱ። እሱ ድማ ህግደፍ ከምቶም ማፍያ ዝዓይነቶም ፓለቲካውያን ሱዳናውያን ብጸባብ ኣፋ ጥርሙዝ ኣቲኻ ፓለቲካ ምጽዋት ይኽኣል ደኣ እምበር ነገራት እንተሓርቢቶሞ ከምቶም ሱዳናውያን ካብታ ጻባብ ኣፋ ጥርሙዝ ናይ ምውጻእ ክእለት ዘይብሉ ውድብ ምዃኑ ኢዩ።

ኣብ ቅድሚ ወዲ ምስግና ተባሂሉ ክጽዋዕ ዝፈቱ ኮለኔል ግርማይ ምስግና ኮፍ በልኩ። ሻቡ ዶ/ር ተይሲር ጋዜጣዊ መግለጺ ይህብ ነበረ። ህግደፋውያን ቲ መግለጺ ከይዝረግ ብምባል እነሆ ናብ ወዲ ምስግና ኣለዩኒ።

“መን ሽምካ?” በለኒ ወዲ ምስግና ሽመይ እናፈለጦ

“ኣሚር ባብክር ዓብደላ በልክዎ” ብሽምጠጣ

“መንበሪ ፍቓድካ ኣሎካ ዶ?”

ነቲ ባዕሉ ዝሃበኒ መንበሪ ፍቓድ ከተማ ኣስመራ ሃብክዎ

ብድሕሪኡ ኣብ ሓንቲ ክፍሊ ቤት ጽሕፈቱ ክሳብ ንጽባሒቱ ኣሰረኒ። ኣጋምሸት ከባቢ ሰዓት   4 ይኽወን እኸለማይ ካብ ትማሊ ኣትሒዘ ከምዘይጠዓምኩ ተረዳኣኒ። ንሓደ ካብቶም ሓለውተይ ማይ እንተበልክዎ ኣጽቀጠ።ከብደይ ነቀወ። ግን ጥመየት ዝብድህ ሱዳናዊ ወነይ ኣላዒለ ኣብ ቅድሚኦም ድኹም ከምዘይኮንኩ ኣረጋገጽኩ።ጁባይ ሃሰስ እንተበልኩ ወላሓንቲ ኣይረኽብኩን። ወዲ ምስግና ጓሕጊሑዎ ነበረ። ሓንቲ ስረን ካምቻን ካብ ቁሪን ርጥበትን እትከላኸል ጃኬት ጂንስ ጥራይ ለቢሰ ነበረኩ።

ግዜ ከደ – ጥምየተይ ድማ ገደደ። ክራገም ጀምርኩ። ብጀካ ነቲ ኤርትራዊ ዓርከይ መንግስቲኣብ እስቲፋኖስ ካልእ ዝረግሞ ሰብ ኣይረኸብኩን። መንግስቲኣብን በዓል ማንጁስ ንምዃኑ ደቂ ሓደ ዓዲ ድዮም? ኢለ ድማ ንነብሰይ ሓተትክዋ። ምስ መንግስቲኣብ ኣብ ፓርትሱዳን ኢና ንመጀመሪያ ግዜ ተራኺብና። ድሕሪ 6 ዓመታት ድማ ኣብ ናይ ኣስመራ ቤት ጽሕፈተይ ተራኸብና። ከምቲ ዝነገረኒ ናብ ኣስመራ ምስ ተመልሰ ንክልተ ዓመታት ዝኣክል ይደልየኒ ነበረ። ምስ ተራኸብና ምስ ኣዲኡ በዓልቲቤቱን ደቁን ኣፋለጠኒ። ወላዲቱ ናይ ሱዳን ዕርክነትና ምስፈለጣ ኩሉግዜ ንገዝኦም ክጋብዘኒ ሓደራ ይብለኦ ነበራ።

ሓደ ግዜ ምስ ካልኦት እንከሎኹ ርክብ ሕዝብታት ብቶም ናይ ሕዝባታት ፍሉይ ሕግታት ከምዝመሓደሩን መንግስቲታት ድማ ነቶም ሕግታት ክልውጥዎም ከምዘይክእሉ ምዕላለይ ትዝ በለኒ።ቶም ሕግታት ብእቶእቶ ኣይተረኽቡን።ግዜ ድማ ኣይልውጦምን ኢዩ። ካብ ተረኽቦ ነዊሕ ዘመናት ዝመጹ ሕግታት ኢዮም። ቶም ተረኽቦ ኢኮኖሚ ፓለቲካ ማሕበራዊ ናብራን ባህልን ሕግታት ብዘይተሓሰቡ ፓለቲካዊ ልውጢታት ይተሓንኮሉ ደኣ እምበር ኣይወደቑኒ!

ካብቶም ክልተ ሓለውተይ እቲ ሓደ ፍሽኽ ኢሉ እንጀራን ዓደስን ሃበኒ። እቲ ካልኣዩ ድቃስ ወሲድዎ ነበረ።ሻቡ ሰዓት 11 ናይ ምሸት ነበረ። ስልተ ደርቢታት ዘልዎ ቤትጽሕፈት ጀነራል ማንጁስ ድማ ጸጥ ኢላ ነበረት።እወ ቶም ሕግታት ሕዝቢታት ኣለው።ሕግታት ምልኪ ዝጠሓሱ ሕግታት ሕዝቢታት! ጽልማት ናይቲ ዝነበርክዎ ቦታ ተጠቂመ ምግበይ ኣስተማቒረ በላዕኩ።ብድሕሪኡ ኮላ ዝወሓዶ ግን ክሎር ዝጥዕም ማይ ዝበዘሖ ኮካኮላ ምስ ጨለጥኩ ምንም እኳ ቲ ምስቲ ኮፍ ኢለዮ ዝነበርኩ ወንበር ተኣሲሩ ዝነበረ የማናይ ኢደይ የቐንዝወኒ ደኣ እምበር ድቃስ ወሰደኒ።

ሓንቲ ክብርቲ መኪና ጃፓን(መኪና ወተሃደራት ኤርትራ ምዃና ኢያ)…ኣርባዕተ መዓጹኣ ምስ ተኸፈቱ ሓደ ኣብ ድሕሪት ደይብ በለኒ። ምስ ኣተኹ ክልተ ሰባት ረኸብኩ። ኣብ ማእከሎም ኮፍ ኣበሉኒ።ሓደ ካብ ክልቲኦም ኣጸቢቐ ኢየ ዝፈልጦ። ወዲ ኣስመራ ዝብለዎ ናይ ሚእቲ ሓለቃ ኢዩ።ሓደ ድማ ጥቓ እቲ ዘዋራይ መኪና ኮፍ ኢሉ ነበረ። ህድማ ዶ ክብል ይመስለኩም!!!

እታ መኪና ልክዕ ሰዓት ሾመንተ ተንቀሳቐሰት። ብጎደናታት ከተማ ኣስመራ ኣቢላ ንደቡብ ኣምረሐት። ሓደ ሓደ ነገራት ኣሰላሰልኩ። ኣብዚ ሸነኽ ከም ማእሰርቲ ቤት ዘገልግሉ ገዛውቲ ከምዘለዉ ይፈልጥ ነይረ። ኣብ አስመራ ኣብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ከምዚ ዓይነት ኣብያተ ማእሰረቲ ኣለው። ካብቶም ዝና ዝተረፉ እቲ ሓደ እቲ ብድሕሪ ባህቲ መስከረም ዝረከብ ንምጥማቱ መስተንክር ዝኾነ ሓደ ገዛ ኣሎ። ድሕሪ ፍርቂ ለይቲ ኣውያት እሱራት ኢኻ ትሰምዕ።

ከምቲ ዝገመትክዎ እታ መከና ኣብ Space 2000 ዝረከብ ሓደ ቪላ ኣፍደገ ደው በለት፡: ሓለውተይ ብቅደመይን ድሕሪተይን መረሹ ደርጓሕ ጸሓይ። ኣይገርመክሙን ብክብርቲ መኪና ተጓዒዘ ኣብዚ ክቡር ገዛ  ክእሰር። ግን ኣብቲ ገዛ ብዙሕ ኣይጸናሕናን።ኣብኡ እንታይ ተባህለ እንታይ ተገብረ ዝፈልጦ ነገር የብለይን።ብቶሎ ካብኡ ወጺእና በታ መኪና ንደቡብ ገጽና ተሓንበብና።

ኣብ ጥቓ ቁሸት ዝርከብ ቤት ማእሰርቲ ስለያ ኤርትራ “ትራክ ቢ” በጻሕና።

ሓንቲ ማርቸዲስ ዝዓይነታ ናይ ጽዕነት መኪና ረኣኹ። ኣብ ጥቓኣ ድማ እሱራት፡

ትራክቢ ኣብ ልዕሊን ትሕቲ መሬትን ኣዳራሻት ማእሰርቲ ኣለውዎ። ኣብ ሓደ ኣዳራሽ ኣማኢት ዝኾኑ ይዳጎኑ።ኣብ ትራክቢ መሳቐዪ ክፍሊታትን ሰባት ብብሕቲ ዝእሰሩሎም ክፍሊታት ቁጽሮም ብዙሕ ኢዩ። ትራክቢ ብሕማማት ከምኒ ሰዓል ታይፎይድን ሮማቲዝምን  ከምኡ ድማ ንዋሕዲ መግቢን  ደመን ዘለዎም እሱር ትራክቢ ዘይርህርሁ ቁማላት ዝመልአት ኢያ።

ትራክቢ ይፈልጦ ኢየ። ሓደ ኤርትራዊ ዓርከይ ኣብኡ ተኣሲሩ።ኣብኡ ከምተኣሰረ ዝፈልጥኩ ሓድ ካብታ ገሃነም ትራክቢ ዝወጸ ብስልኪ ደዊሉ በጃኻ ረኣዩ ምስ በለኒ ኢዩ። እዚ ዓርከይ ንሰለስተ ኣዋርሕ ኣብ ትሕቲ መሬት ምስ ተኣሰረ ገጹ ተጸይቑ ኢዩ ዝውጸ።ገበኑ ንኤርትራ ብመንገዲ ህግ(ደፍ) ዘይኮነስ  ብናቱ መንግዲ ስለዝፈትዋ። መወዳእታይ ዶ ከምዚ ዓርከይ ይኽውን?

ኤርትራውያን ኣብያተ ማእሰርቲ መሥርሕ ስለያ ኤርትራ ይፍልጡ ኢዮም። ብዛዕባ ኣብያተ ማእሰርቲ (ፓሊስ ኤርትራ) ድማ ሓደ ሱዳናዊ ዓርከይ ከምዚ በለኒ።እሱ ሓደ እዋን ኣብኡ ተኣሲሩ ነበረ። እሱ ከምዚ በለኒ፡“ኣብኡ ተኣሲረ እንኮለኹ ሓደ እሱር ኤርትራዊ ይመስገኖ ኣምላኽ እንኳዕ ኢትዮጲያውያን ነዚ ዘለናዮ ቤት ማእሰርቲ ዝሃነጹ ከምኡ እንተዘይከውን ነይሩ ግዜ ፍርድና ኩሉ ኣብ ትሕቲ መሬት ምስ ኣሕለፍናዮ ኔርና ኢሉኒ”

(ፓሊስ ኤርትራ) ክብል እንኮለኹ ኣብ መንጎ ቅንፍ ዘእተኹዎ ምኽንያት ኤርትራ እቲ ኣብ ዓለምና ዝፍለጥ ፓሊስ ስለዘይብላ ኢዩ። ኣብ ኤርትራ ሚንስትሪ ውሽጢ ሃገር ኮነ ንፓሊስ ዘመሓድሩ ሕግታት ወላ ኣብያተ ፍርዲ የለውን። ካብዚ ዝገደደ ድማ ብህግ(ደፍ) ትግዛእ ዘላ ኤርትራ ክሳብ ሕጂ ወንጀላዊ ኮነ ሲቪላዊ  ኮታስ ናብራ ዘመሓድሩ ምንም ዓይነት ሕግታት እኳ ኢዩ ዘይብላ። ጉዳዩ ኩሉ ኣብ ትሕቲ ግምትን ሻህዋትን ብሕታውያን ሰባት ተቀይዱ ይርከብ። ሓደ ኤርትራዊ ዜጋ እንተተበዲሉ ዝወከሰሉ ወገን ሰለዘይብሉ እታ መራር በደል ውሒጡ ኣባጅጎ ባዕልኻ ፍረድ ኢዩ ዝብል።

ቲ ኣዛዚ ሓለውተይ ካብታ ማርቸዲስ መኪና ውረድ በለኒ። ብመስኮት ታ መኪና ቅልቅል ብምባል ድማ ውራቕቲ ተሸኪሙ   ጠጠው ኢሉ ንዝነበረ ሰብ ሓንቲ ጱስጣ ይህቦ።

ብድሕሪኡ ታ ዘናጥ ማርቸዲስ ተሓንበበት። እቲ ነታ ጱስጣ ዝተቐበለ ናብታ ጋቢና ጽዕነተ መኪና ደይብ በለኒ። ኣብ ጫፍ ቲ ጋቢና ብቡምባታትን ክላሺንኮቭ ዝተዓጠቑ ወተሃደራት ረኣኹ። ኣብታ ጋቢና እተው ምስበልኩ ድማ ቁጽሮም  ካብ ሚእቲ ዝልዕል ነንሕድሕዶም ብሰንሰለት ዝተኣሰሩ ሰባተ ረኣኹ። እዚ ከይኣክል ድማ ካልኦት እሱራት ናብታ ጋቢና ተጸንበሩና። ኣነ እሞ ኣብ መንጎ ቁጽሮም ማእለያ ዘይብሉ ሰባት ንእሾቶይ ቦታ ተቐርቀርኩ።  “ኢትዮጲያውያን ዶ ይኾኑ?” ብምባል ንነብሰይ ጠየቕኩ።

ደሓር ግን ኣባላት ሓይሊ ምክልኻል ኤርትራ ምዃኖም ፈለጥኩ። እታ መኪና ሰዓት 10 ናይ ንግሆ ጉዕዞኣ ጀመረት። ኣብታ ጋቢና ዝነበሩ ብጾተይ ምንም እኳ ኣብ ጸበባ ይረኸቡ ደኣ እምበር ፍሽኽታ ካብ ገጾም ኣይተኣለይትን።

ኣብ ጥቓይ  ዝነበረ እሱር “ ኢትዮጲያዊ ዲኻ” ኢለ ሓተትክዎ። ሕቶይ ከምዘይመዕ ድማ ተገረመ።ሱዳናዊ ምዃነይ ምስፈለጠ ድማ ተገረመ። ጉዳይ ሱዳናዊ ምዃነይ በስገራሚ ቅልጣፈ ተዘረገሐ እሞ ኩላ እሱር ናዓይ ብምጥማት ድማ ተገረመት። ዜግነተይ ምስቶም እሱራት  ከዕልል ሓገዘኒ። ነቲ ዝነበርክዎ መሪር ኩነታት ድማ ኣረሳሳዓኒ።

መብዛሕቶም እሱራት ተጋደለቲ ዝነበሩ ኮይኖም እቶም ዝተረፉ ድማ ኣገልግሎት ነበሩ። ቶም ተጋደልቲ በቲ ህልዊ ኩነታቶም ከማርሩ እንከለዎ ቶም ካብ ኤርትራ ክወጹ ዝፈተኑ ናይ ኣገልግሎት ድማ ብባደመ ውግእ ካብ ግንባር ናብ ግንባር እናተወዝዑ ናይቲ ውግእ  ሰለባ ኮይኖም ኣለዉ።

ማሕሙድ ኑር ካብ ብሔር ዓፋር ህግ(ደፍ)ኣብ ትርጉም ዘይብሉ ውግእ ምስ ኣእተወና እነሆ ደቅና ናብ ኢትዮጲያ ይስደዱ ኣለው በለኒ።

ቁጽሮም ማእለያ ዘይብሎም ኤርትራውያን ን ኢትዮጲያ ሱዳንን የመንን ይሃድሙ ኣለው። እዚ ጉዳይ ዘተሓሳስብ ጉዳይ ኢዩ።

ሕዝቢ ኤርትራ ዓለም ዝምስክሮ ቃልሲ ናጽነት እንተካይደን ኣብቲ ቃልሲ ድማ ህግሓዔ (ደሓር ህግ(ድፍ))ዓቢ ተራ እንተተጻወተ ህግ(ደፍ) ስልጣን ምስ ሓዘ ድኽመቱ ብዝቐልጠፈ ግዜ ተራኣየ። ህግ(ደፍ)ኩሎም ፖለቲካዊ ውድባት ኤርትራ ኣልገሰ። ካድራት ህግ(ደፍ) ተዳኸሙ።

ንካልኦት ኪኢላታት ካድራት ድማ ኣየስርሕን በለ። ህግ(ደፍ) ስልጣን ምስ ሓዘ ኩሉ ኣብ ሜዳ ዝብሎ ዝነበረ ጭርሖ ረሰዖ።

ሙቐት በቲ ኮፍ ኢለዮ ዝነበርኩ ብረታዊ ባይታ ታ ጋቢናን በታ ውዕይቲ ጸሓይን ኣሳቐይኒ። ኣብ ቅድመይ ዝነበረ ዮናስ ዝተባሃለ እሱር ንም ዕራብ ገጻና ንጓዓዝ ከምዘለና ሓበረኒ። ሰዓት ሰለስተ ድሕሪ ቀትሪ ታ መኪና ጥቓ ሓጋዝ ጠጠው በለት። ኣዛዚ ሓለውትና ገንዘብ እንተሎካ መግቢኻ ክትገዝእ ውረድ በለኒ። ኣነ ድማ የብለየን በልክዎ። ካልኦት ግን መግቦም ክገዝ ኡ ወረዱ። እሱር መግቡ ባዕሉ እምበር ኣሳሪኡ ኣይኮነን ዝኽእለሉ …እዚ ሕጊ መላኺ ይባሃል።  ሕጊ ሕዝቢ ድማ ካብ ሕጊ መላኺ ሪሒቑ ዘዋጽኦ ይገብር። ድሕሪ ሰዓት ኣብ ከባቢ ከተማ ሃይኮታ በጻሕናሞ ውረዱ ተባሃልና። ኣብ ሓደ ብበሊሕ ስልክታት ዝተሓጸረ ካምፓ  ኣተና። እቲ ካምፕ ብሰልያ ኤርትራ ዝማሓደር ካምፕ ኢዩ። ሓደ ሰብ እዚ ካምፕ መጻንሒ ኮይኑ ንግጎ ድማ ናብ ካል እ ከምንጓዓዝ ነገረኒ። ገለ ምስና ዝነበሩ እሱራት ድማ ብቶም ሓለውቲ ንቕድሚት ሰጎሙ። ናበይ ኣቢሎም? ኣብ ከባቢ ሃይኮታ ኣብ ዝርከብ ትሕቲ መሬት ስውር ማእስርቲ ይጸበዮም ኣሎ።

ካብ ንግሆ ጀሚርካ ማይ የለ ብልዒ የለ ። ማርቸዲስ ጽዕነት መኪና ጽዕነታ ስለዘቃለለት ነቲ ዶሮና ዝመለኦ መንግዲ ተሓንበተቶ። ቶም ሓለውትና ድማ ምስና ቅሩብ ደሓን ኮኑ። ንገለና ጠጠው ክንብል ፈቐዱልና።

ዋዒ ኤርትራ ግን ኣቃጸልና። ክሊማ ኤርትራ ከም ሕዝባ ዝተፈላለየ ኢዩ። ከበሳን መታሕትን ፍልልዩ ዓቢ ኢዩ።ቁጽሪ ብሔራት ኤርትራ ምስ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ዝተሓወሱ ቀቢላ ራሻይዳ ሓዊስካ ትሻዓተ ኢዮም። ህግ(ደፍ) ጀበርቲ ብሔር ኣይኮነን ዝብል መትከል ኣለዎ። እዚ መትከል ግን ፓለቲካዊ መተክል ኢዩ ዝብሃል ዘሎ። ኤርትራውያን ወይ ኣብ እስልምና ወይ ድማ ክርስትና ይኣምኑ። ሕጂ ግን ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ ሓዲሽ ሃይማኖት መጺኡ ኣሎ። እሱ ድማ ህግ(ደፍ) ይባሃል።

እቶም እሱራትን ሓለውትናን ካብቶም ኩሎም ብሔራትን ሃይማኖታትን ኤርትራ ዝተወጻጽኡ ኢዮም። ሃይማኖቱ ህግ(ደፍ) ድማ ተስፋ ዝቆረጸ ወይ ሃይማኖቱ ወለቕ ዘለቕ ዝበለ ወይ ድማ ድሕሪ ናይ 13 ዓመታት መግዛእቲ ህግ(ደፍ) ሃይማኖቱ ክክሕድ ዝተገደደ ኢዩ። ኣብዚ ግን ዝጣዓሞም ኣይሰኣኑን ማለት ኣይኮነን። አለው ግን ሒዶት ኢዮም።.

ፍርቂ መዓልቲ ምስ ኮነ ፎርቶ ሳዋ በጽሓና። ኣብኡ ከኣ ካብቲ ዘቃጽለና ዝነበረ ባይታ ጋቢና መኪና ተገላገልና። ሻቡ መወዳእታ ጣቢያና ቤት ማእሰርቲ “ዓደርሰር” ምዃኑ ፈለጥኩ። እዚ ቤት ማእሰርቲ ኣብ ግዜ ውግእ ኢትዮጲያን ኤርትራ ብሃታሃታ ዝተሰርሐ ኣብ ጥቓ ዶብ ኤርትራን ሱዳንን ይርከብ። ኣብ ትሕቲ ምምሕዳር ዶብ ኤርትራ ይስራዕ። ልበይ ቅሩብ ቀሰነት ምኽንያቱ እዚ ከባቢ ዚ ካብቲ መሪሐነት ሓይልታት ምሕዝነት ሱዳንን ካብ ድምጺ ሬድዮ ናጽነትንምሕዳስን ዝርከብሉ ከባቢ ስለዘይርሕቕ  ገለ ምስ ብጾተይ ርክብ ዘለዎም ወተሃደራት ኤርትራ ኣበይ ከምዘለኹ ክነግርዎም ስለዝኽ እሉ ዝብል እምነት ስለዝሓደረኒ። ብተወሳኺ ተቓውምቲ ሱዳን ዝኾኑ ኣባላት ቤትጽሕፈት ምቅድዳው ንከተማታት ኤርትራ ክኣትዉ ናይ ግድን ብምምሕዳር ዶብ ክሓልፉ ስለዘልዎምን ኢዩ። ግን ቲ ዘዋሪ መኪና ጉዕዞ ናይታ መኪና ምስለወጦ ዘይተሓሰበ ዕዳ ዱብ ኢሉ ከምዝወደቐ ኮይኑ ተራኣየኒ።

ብግምት ድሕሪ ጉዕዞ ክልተ ሰዓታት ኪሮ ናብ ዝባሃል ከባቢ ቀረብና። ኪሮ ወተሃደራዊ ካምፕ ኮይኑ እቲ አዝዩ ዝኸፈአ ቤት ማእሰርቲ ስለያ ኤርትራ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ቤት ማእሰርቲ ይርከበላ።

ነዚ ቤት ማእሰርቲ ዝና ካብዝትረፉ ንኣብነት (ኣብኡ ዝኣተወ ይጠፈእ) ዝበሃል ነገር ኣሎ። ኣብኡ ተቓወምቲ ኤርትራውያን ይሓቁ። ካብኣቶም ዝና ዘትረፈ ጉዳይ ናይቶም ሓሙሽተ ኣባላት በሔር ትግረ ኣሎ።እሳቶም ሓለውቶም ደቂሶም እንከለው ምስ ሃደሙ ብብሓደ ይታሓዙ። ተቐቲሎም ድማ ይቕበሩ።ቶም ቀበርቲ ስርሒቶም ብሪፓርት መልክዕ የቕርቡ። እቲ ሓላፊ ድማ “ ትፈልጥዎ ነገር ኣለኩም ዶ?” ኢሉ ይሓቶም እሞ ባዕሉ ድማ “ንፈልጦ ነገር የብላናን” ኢሉ ይምልሰሎም።

ቤት ማእሰርቲ “ኪሮ” ከምቶም  ካልኦት ኣብያተ ማእሰርቲ ይማሳስል ደኣ እምበር ፍልይ ዘበሎ ነገር እንተሎ ትሕቲ መሬት ዘሎ መሳቐዪ ቦታኡ ኢዩ።

>>>ይቕጽል….

aseye.asena@gmail.com

Review overview
2 COMMENTS

POST A COMMENT