Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ናይ ኤርትራ ፓትርያርክ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ኣብ ኣዝዩ ሓደገኛ ኩነታት ይርከቡ።

ስርዓት ህግደፍ ንፓትርያርክ ኣቡነ እንጦንዮስ ኣደናጊሩ ይቕሬታ ሓቲቶም ኢሉ ናብ መንበሮም ክመልሶም ዝሰርሖ ሽርሒ ድሕሪ  ምፍሻሉ፥ ኣቕሎም ብዘጽብብ ከቢድ ማእሰርትን ተነጽሎን ገይሩ የሳቕዮም ኣሎ። ድሕሪ ፍሽለት እቲ ኣብ ነሓሰ 2016 ዝገበሮ ተንኮለኛ ሽርሒ፥ ኣብ መጀመርታ ወርሒ

ስርዓት ህግደፍ ንፓትርያርክ ኣቡነ እንጦንዮስ ኣደናጊሩ ይቕሬታ ሓቲቶም ኢሉ ናብ መንበሮም ክመልሶም ዝሰርሖ ሽርሒ ድሕሪ  ምፍሻሉ፥ ኣቕሎም ብዘጽብብ ከቢድ ማእሰርትን ተነጽሎን ገይሩ የሳቕዮም ኣሎ።

ድሕሪ ፍሽለት እቲ ኣብ ነሓሰ 2016 ዝገበሮ ተንኮለኛ ሽርሒ፥ ኣብ መጀመርታ ወርሒ ለካቲት 2017 ዳግማይ ስዉር ተንኮል ተፈቲኑ እዩ። እቲ ስርዓ ነቶም ዝነበሩ ዓረቕቲ ሽማግለ ኣውሪዱ፥ ካልኦት ሽማግለ መሪጹ፥ ንኣቡነ እንጦንዮስ ናብ ስልጣንኩም ክንመልሰኩም ኢና፥ ጥራይ ሕራይ በሉና፥ ክብሉ ብሽሕጣን ክቐርብዎም ፈቲኖም። እንተ ኾነ እቶም ኣቦ ኣነ ጽልኢን ቅርሕንትን የብለይን እንተ ኾነ ዓሰርተ ሓደ ዓመት ብዘይፍርዲ ብዘይክሲ ተኣሲረ፥ ጉዳየይ ኣጽርየ ክወጽእ ፍቓደኛ እየ ዝብል ዘሎኹ። ገበነኛ ዘይኮንኩ ገበነኛ ተባሂለ ክወጽእ ግን፥ ንህዝበይን ኣምላኸይን ኣየጉህን እየ፥ እዛ ሓዳስ ሃገርን ቤተ ክርስቲያንን ገበነኛ ፓትርያርክ ነይርዋ ክበሃል ኣይደልን እየ ከም ዘሎኽዎ ብእሱረይ ከይረሃወኒ ክመውት እመርጽ። ንቤተ ክርስቲያን ኮነ ንህዝቢ ብስልጣን ፓትርያርክነተይ ብሃይማኖተይ ዝበደልክዎ ክሕደትን ጥልመትን ዝሙትን የብለይን። ኣሎ ዝበሃል እንተ ኮይኑ ድማ ኣብ ሕጊ ቀሪበ ገበን እንተሎኒ ሞት’ውን እንተ ኾነ ክቕበሎ ፍቓደኛ እየ። ሕጊ ቤተ ክርስቲያን ብዝፈቕዶ ማእከላይ ዳኛ ይፍረደኒ፥ ኢሎም ኣብ ቃሎም ብምጽንዖም ንስርዓት ህግደፍን ልኡኻትን ኣዝዩ ኣጉህይዎምን ኣባህሪርዎምን ኣሎ። ዓንጸዓንጾ፥ ድማ ኣዝዩ ብዝኸበደ ማእሰርቲ ንበይኖም ዓጽዮም የሳቕይዎም ኣለዉ። ኣብ ናይ ዝሓለፈ ዓመታት ማእሰርቶም፥ ንፖሊስ ኣፍቂድካ ገጾም ይርኣዩ ነይሮም እዮም። ኣብዚ ሕጂ እዋን ግን ምስ ዝኾነ ሰብ ከይራኸቡ፥ ገጽ ሰብ ከይርእዩ ኣብ ከቢድ ጸልማት ቤት ማእሰርቲ ተዳጒኖም ይሳቐዩ ኣለዉ። ኣቡነ እንጦንዮስ ወዲ 92 ዓመት ብሕማም ሽኮርን ብዝሒ ደምን ይሳቐዩ ኣብ ርእሲ ምህላዎም፥ ድምጺ ዝኾነ ሰብ ከይሰምዑ፥ ኣብ ጽምዋ ተዋሒጦም ብሓይሊ ጸሎትን ምህልላን ንበይኖም ብረድኤት ኣምላኽ ክሳብ ሕጂ ኣብ ስቓይ ዝርከቡ ኣቦ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን እዮም። እዚ ግን ኣብ ህዝቢ ከቢድ ሃየንታ ዘለዎ ግፍዒ እዩ። ህዝቢ ተዋህዶ ሱቕታ ስለ ዝመረጸ ዝወርድ ዘሎ ዓመጽ እዩ።

እቶም ኣቦኦም ኣሲሮም ኣብ ስልጣን ፓትርያርክ ንምድያብ ላዕልን ታሕትን ዝብሉ ዘለዉ ኣባ ሉቃስን ኣባ ባስልዮስን እተባህሉ ክልተ ጳጳሳት ብኣቡነ እንጦንዮስ ዝተቐብኡ እዮም። እዞም ሕሊና ዘይብሎም ኣኽሊል ዓመጽ ኣብ ርእሶም ክሰቕሉ ዝጽበዩ ዘለዉ ክልተ ጳጳሳት፥ ኣብ ዝመጽእ በዓል መንፈስ ቅዱስ ድሕሪ ትንሳኤ ናይ ፓትርያርክ መዓርግ ክለብሱ፥ መስቀል ኣቦኦም ክወርሱ ላዕልን ታሕትን ይብሉ ኣለዉ። ከምቲ ሰቐልቲ ክርስቶስ ንኽዳውንቱ ዕጫ ኣውዲቖም ዝተማቐልዎ እዞም ክልተ ሰባት ዝቐደመ መስቀሎምን ልብሶምን ነቶም ምስ ውግዘቶም ዝሞቱ ኣባ ዲዮስቆሮስ ኣውሪሶሞም ጸኒሖም ሕጂ ድማ ኣብ ዝባኖምን ርእሶምን ክሰቕልዎ ይጓየዩ ኣለዉ። ብሰንኪ እዚ ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ሎሚ ማእከልነታ ዘጥፍአት፥ ህዝባ ኣብ ወጻእን ኣብ ውሽጢ ሃገርን ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ ክልተ መዳይ ተከፊሉ ይርከብ። ኣባ ሉቃስን ኣባ ባስልዮስን፥ ገለ ተማሃሮ ቤት ትምሀርቲ ሰንበት ኢና ዝብሉ ተኸተልቲ እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከብ ማሕበረ ቅዱሳን ዝኾኑን፥ ገለ ኣባ ሉቃስ ወይ ኣባ ባስልዮስ ኣብ ስልጣን እንተ መጽኡ ጵጵስና ዝጽበዩ ዘለዉ ፈለስቲ ከም በዓል ኣባ ገብረስላሴ ናይ ኣቡነ ሊባኖስ ሃምን፥ ኣባ መልከጸዴቅ ናይ ኣቡነ ዮናስ ቆሓይን ዝኣመሰሉ ዝርከብዎም፥ ምስ ሃገራዊ ድሕነት ጥቡቕ ርክብ ዘለዎም ኣንጻር ኣቡነ እንጦንዮስን ህዝቢ ኤርትራን ዝኾኑ።

በቲ ካልእ ወገን ድማ ገዳማውያን ኣቦታት ብፍላይ ገዳም ደብረ ቢዘን ብሙልኦም ምስ ደቂ እቲ ገዳም ጳጳሳቶም ከይተረፈ፥ ካልኦት ገዳማትን ብጀካ ብኣጻብዕ ዝቑጸሩ ስልጣን እንተ ረኸቡ ኢሎም ክሳዶም ዝቐይነነ ተጸበይቲ ሒደት ፈለስቲ፥ ብሙሉኦም ዳርጋ ክበሃል ዝከኣል መነንቲ ኣቦታት፥ ጉባኤ ሊቃውንቲ ብጀካ እቶም ኣባ ሉቃስን ኣባ ባስልዮስን ንመሳርሒ ዝጥቀሙሉም ሓደን ክልተን፥ ቴስዓ ሚእታዊት ሕዝቢ ኤርትራን ካህናትን ዲያቆናትን፥ ኣቦና ተመሊሶም ቡራኬን ፍትሓትን ክህቡ ዝጽበዩ ዘለዉ እዮም።

ኩሉ ህዝቢ ሎሚ መርገም ኣቡነ እንጦንዮስን መስጥኦምን በጺሑና ኢሉ ይጠዓስን የስቆርቁርን ኣሎ። ብጀካ እቲ ሒደት ተበላጺ። ህዝቢ ምምላስ ኣቡነ እንጦንዮስ  ሃንቀው ኣብ ዝብለሉ ዘሎ እዋን፥ ኣቦና ምስ ዘለዎም ከቢድ ማእሰርትን ተነጽሎን ኣብ ኣስጋኢ ዕድመ ምህላዎምን እዚ ስርዓት ኣመኽንዩ ከምቲ ልሙድ ተግባሩ መሪዙ ከይቀትሎምን ኣዝዩ ኣሻቓሊ እዩ።

ህዝቢ ተዋህዶ ካብ ትሕም ትሕም ሓሊፉ ኣፉ ኣውጺኡ ናብ ምዝራብ በጺሑሉ ኣብ ዘሎ እዋን። እቶም መሳርሒ ህግደፍን ኣባ ሉቃስን ኮይኖም ኣብ ናጻ ሃገር ወጻኢ ኮይኖም ሰባት ዘደናግሩ ዘለዉ ኣቕሽሽትን ዲያቇትን፥ ኣብዚ እዋን እዚ ድምጾም ከስምዑ ብዘይምኽኣሎም ዘይርሳዕ ሕማቕ ታሪኽ ኣብ ርእሲኦም ይነብር ከም ዘሎ ጽባሕ ተሓተቲ ናይዚ ረሳሕ ታሪኽ ምዃኖም ክፈልጡ ይግባእ። እቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ኮይኑ ዝጋገ ምኽንያት ኣለዎ፥ እቶም ኣብ ወጻኢ ኮንኩም ነዚ ሓቂ እዚ ዓው ኢልኩም ምዝራብ ተሪፍኩም፥ ኣቐበልቲ ህግደፍ ግና ክወግሕ ምዃኑ ክትፈልጡ ይግባእ።

ደቂ ቤተ ክርስቲያን ካብ ኣስመራ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
13 COMMENTS
  • መፍቀሬ ኢየሱስ March 14, 2017

    `ዘኣውገዘ በከንቱ ውጉዝ ውእቱ` ብዝተባህለ መሠረት፥ ፓትርያትክ ዝኣኽሉ ቀንጥጢካ ምቕያድ ዓብዪ ገበን ኢዩ። ጉዳም ዝኾነ ሥርዓተ-መንግሥቲ ተዋሂቡና፥ ኩሉ ነገርና ግርምቢጥን ግምጥልሽን ኮይኑ። ዜጋታት ተዋሪዶም፣ ኣዋልድ ተዓሚጸን፣ መናእሰይ ኣብ ውትህድርና በልዮም፣ እግሮም ናብ ዝመርሖም ሃጽ ኢሎም ይጠፍኡለዉ። ቤተክርስትያን ብመንፈሳዊ ግብረ-ቆነና ደኣምበር ፈሪሃ እግዚኣብሔር ብዘይፈልጥ መንግሥቲ ክትመሓደር ኣይግባእን።

    ብጹዕ ወቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ኣማን በኣማን ሰማዕት፥ ሓቀኛ ጓሳን እሙን ኣገላጋሊ ክርስቶስን ኢዮም። ዝተዋህቦም ሓላፍነት ብግቡእ ዝፈጸሙ፡ ኣብ መወዳእታ ከኣ ኣኽሊል ዓወቶም ኣብቲ ዘለዓለማዊ ዝኾነ መንግሥተ ሰማያት ከምዝረኽቡ ኣይንጠራጠርን።

    ኩላቶም ምእመናን እምብልና ክብሉ ክርስትያናዊ ሓላፍነቶም ኢዩ። ኩላቶም ኤትራውያን ዓገብ ክብሉ ድማ ሃገራዊ ሓላፍነቶም ይኸውን። ኣባላት ህግደፍ ድማኒ ነሕሉቖም ግደፉ ክብሉዎም ሓይሊ ይሃቦም።

    መንፈስ ቅዱስ ንቤተክርስትያን ይሓሉ፡ ነቶም ካብ ሕጊ ዝወጽኡ ከኣ ንስሓን ተሓድሶን የውርድ።

    ንእቡነ እንጦንዮስ፥ ባርከኒ ኣባ እንሳእ በረክትከ እናበኩ፡ ኩላቶም መራሕቲ ቤተክርስትያን መገዲ ቅድስና ክኽተሉ ናብ ልዑል ፈጣሪ ምህልላይ ኤዕርግ ኣሎኹ። የርህወልና ፈጣሪ!

  • AHMED SALEH !!! March 14, 2017

    If our comments about the tragedy in Addis Abeba KOSHE landfill has been deleted , it sends wrong
    message of double standard to allow any critic about Eritrea to be posted .
    I do not see fairness , equality or balanced judgment in ASSENNA FORUM .

  • k.tewolde March 14, 2017

    Storm the jail and get your patriarch out,TIHIM-TIHIM is what eating the nation alive,try what I just suggested,you will be astounded by the outcome,God makes the way if you are a true believer.

  • መፍቀሬ ኢየሱስ March 15, 2017

    I submitted a little note in Tgrigna yesterday but it has been deleted? I do not know why

  • Gezae March 15, 2017

    Do not try to politicize and regionalize the case of Patriarch Anune Antenios please. Your destructive plea does not bring us to one/unite to the “justice for all” seekers in the entire country.

  • Meseret March 15, 2017

    May the all mighty God give you all the strength and patience to come out stronger and healthy.
    You will never be forgotten by your people and above all by God as a true discipline servant.

  • ታህሰስ March 15, 2017

    This Father is my hero, he stood up against the tyrant at any cost – his life and the blessed name and office of Patriarch. May the name of His Holiness Patriarch Abune Anthonious live forever.

    He is in a moment of great History

  • Aron Fist March 15, 2017

    ህግደፍ ምድራዊ ሲኦል ጋህነፍሳት ኢሰያስ ሳጥናኤል ኣማሃዳሪ ናይቲ ክፍኣተ ግብሪ ናይ ነፍሲ ወከፍ ሽግር ወዲ ሃገር ዘጋ ኤርትራ ሃገረይ ባዕሎም እቶም ስላሴ የርህዉልኪ ሰናይ ባርኸቶም እንፈጉልኪ ኣመን።

  • zenaslassie March 16, 2017

    ብጹእ ወቁዱስ ኣቡነ ኣንጥን ዮስ ብቅሉጡፍ ክፍትሑን እቶም መስቀል ክርስቶስ ዝሓዙ ኣቦታት ድማ ንሰብ ዘይኮነ ንእግዚኣብሔር ክፈርሑ ጥራይ ዘለዎም፡ ምስ ዲክታተር ተጽጊዕካ ንቦኻ ኣይጓነን እዩ፡ ማዕረ ማዕሪኡ ግን ብስም ኦርቶዶክስ ዝፈለሱ ገለ ገለ ክህነት ዘይግብኦም ካህናት ኢና እናበሉ ነቲ ምስኪን ህዝቢ የሽግርዎ ኣለዉ፡ ኦ ፈጣሪ ነዞም ሓሰውቲ ነብያት ብጥበብካ ኣቃላዓዮም፡፡ ሰብ ንሰብ ክፋጠጥ መሬት ዓሪብዎ፡፡ እነበዓል ቀሺ ገብረሚካኤል ድማ ናብ ልቦም ይምለሶም፡ መናፍቅነት ዘታኣታትዉ ዘለዎን ኣቦኦም ኣብ ማሕዩር ሓይሮም ዝኸዱ ዘለዉ ካህናት ዓይነ ልቦናኦም ክፈተሎም ፈጣሪ ኩሉ ዓለም፡፡

  • Amanuel March 16, 2017

    k.tewold, what a genius idea you have. It is really brilliant. Why don’t you give it a shot! Take a lead on the operations dude. You know what our problem is, we just talk. No action except wedi Ali.

    • k.tewolde March 17, 2017

      Amanuel,you are asking a Vietnam vet to come out and fight ISIS,every historical stage has its warrior, 10 yrs countless firefights,the due is paid.Yes,Wedi Ali is a beacon.

POST A COMMENT