Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ናይ ደገፍ መልእኽቲ ህዝባዊ ምልዕዓል ሰሜን ኣሜሪካ ንተባዕ መልእኽቲ ካቶሊካዊ ጳጳሳት ኤርትራ

ናይ ደገፍመልእኽቲ ህዝባዊ ምልዕዓል ሰሜን ኣሜሪካ ንተባዕ መልእኽቲ ካቶሊካዊ ጳጳሳት ኤርትራ ክቡራት ካቶሊካዊ ጳጳሳት ኤርትራ፣ ኣብ ትሕቲ ልዑል ኣምላኽ ንዝተዋህበኩም ሕድሪን ሓላፍነትን ኣብ ምሉእ ፍቕርን፣ ሓቅን፣ ፍትሕን ዝተመርኮሰ፣ ንልቢ ኩሉ ኤርትራዊ ዝኹሕኩሕ መልእኽቲ ሕልናን ሓልዮትን ብምምሕልላፍኩም ክብ ዝበለ

ናይ ደገፍመልእኽቲ ህዝባዊ ምልዕዓል ሰሜን ኣሜሪካ

ንተባዕ መልእኽቲ ካቶሊካዊ ጳጳሳት ኤርትራ

ክቡራት ካቶሊካዊ ጳጳሳት ኤርትራ፣

ኣብ ትሕቲ ልዑል ኣምላኽ ንዝተዋህበኩም ሕድሪን ሓላፍነትን ኣብ ምሉእ ፍቕርን፣ ሓቅን፣ ፍትሕን ዝተመርኮሰ፣ ንልቢ ኩሉ ኤርትራዊ ዝኹሕኩሕ መልእኽቲ ሕልናን ሓልዮትን ብምምሕልላፍኩም ክብ ዝበለ ልባዊ ምስጋናና ነቕርብ። ህዝቢ ብራዕዲ ተሸቑሪሩ ኣብ ዘለወሉ እዋን፣ ሓይሊ ነብያትን ሓዋርያትን ተላቢስኩም፣ ድንብርጽ ከይበለኩም ረዚን መልእኽቲ ብዓውታ ንህዝብኹምን ንመላእ ዓለምን ከተቃልሑ ምብቃዕኩም፣ ኣድናቆትና እናገለጽና፣ ንትሕዝቶ መልእኽትኹም ምሉእ ደገፍና ንገልጽ።

ሓውኻ ኣበይ ኣሎ? ንዝብል ሕቶኹም ንምምላስ፣  እቲ ““ጀግና ሓላዪ ሓወይ“ ስድራ ቤትና ከርህዋ: ገዛና  መስተርሆት ዝመልኦ ሂወት ከተስተማቕር ብምሕሳብ: ስድራና ክገዝእን ገዛና ሓዊ ከእትወላ ምስ ዝመጸ ጸላኢ ጎሮሮ ንጎሮሮ ተሓናኒቑ ንጸላኢና ስዒሩ በጃ ሃገርና ሓሊፉ። መስዋእቱ ሓላል ኢዩ ኢልና ተቐቢልናዮ ጉዕዞና ጀመርና። ቁሩብ ክይሰጎምና ግን እቲ ““ዲያብሎስ ሓወይ ዝበሃል“ ብሰይጣናዊ ናይ ስልጣን ህርፋን ዓይኑ ዓዊሩ፣ ንመሬትናን ንብረትናን ገቢቱ፣ ኣብ ልዕሊ ስድራና ዓመጽን ማእሰርትን ቅትለትን ጨካን ግፍዕታትን እናውረደ፣  ስድራና  ንምብትታን ለይትን መዓልትን ይስህር ኣሎ። እዚ ኩነታት`ዚ ዘሻቐሎ እቲ ““ተባዕ ሓወይ“ ናይ ዓመጽን መግዛእትን መንፈስን ኣካይዳን ይኣክል፣ ኣብ ስድራና ከኣ ፍትሕን ፍቕርን ሰላምን ይንገስ ስለዝበለ በቲ “ዲያብሎስ” ተጨውዩ ተወሲዱ ስለዝተሰወረ ሃለዋቱ አበይን ከመይን ከምዘሎ ኣይፈልጥን።

ጊላ ናይ ዲያብሎስ ክኸውን ዝተፈርደን ስድርኡ ከይናቢ ዝተኸልከለን ““ንኡስ ሓወይ“  ከአ ቶባእ ደጊም ኢሉ ካብ ጊላነት ከምልጥን ስድርኡ ክረድእን ሃጽ ኢሉ እግሩ ናብ ዝመረሖ ይጠፍእ ኣሎ።  አብ ዘይሓሰቦን፣ አብ ታሪኽ ደቂ-አዳም ተራእዩ አብ ዘይፈልጥ ዓዘቕቲ ሽግራት ተሽሚሙ፣ ኣብ ዝኸፍአ  ስቅያት ይጭወ፣ ይቕጥቀጥ ኣካላቱ ተቖራሪጹ ከም ኣቕሓ ይሽየጥ ይልወጥ ኣሎ። እቲ ““ፈራሕ ሓወይ“ ከአ ብጭካኔ ናይቲ ዲያብሎስ ሪዒዱን ጃጅዩን: ኣብ ክንዲ ንዘጋጠመ ሽግር ብብልሓት ክገጥሞ ዝፍትን ተዓዚሙ: ተዓዛቢ ዕንደራ ናይቲ ዲያብሎስ ብምዃን ኣብ ስቅያትን ሕሰምን ይነብር ኣሎ።: እቲ ““ፈታው ነብሱ ኣብ ዝማዕበላ ሃገራት ዝነብር ሓወይ“ ከአ እንታይ ገደሰኒ ዝዓይነቱ፣ ንሕሰም ኣሕዋቱን ስድርኡን ጸማም እዝኒ ሂቡ እናተዛነየ ይነብር ኣሎ።:

ክቡራት ጳጳሳት፣

መልእኽትኹም ንመላእ ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ብዘይ ነሓፍነት ሓቀይና ስእሊ ኩነታት ኤርትራን ህዝባን ዘርኢ ብምዃኑ፣ ነቶም ሓኒቖም ሒዞምና ዘለዉ ሽግራት ካብ ሱር መሰረቶም ንምልላይን ንምእላይን ዓቢ ኣስተዋጽኦ ከም ዝህልዎ ምሉእ እመነት ኣሎና።

ጸጋታት ህዝብናን ሃገርናን ብቐንዶም ኣብ ውሽጢ ሕብረተሰብና ብሉዑል ኣምላኽ ዝተባረኸ፣ ካብ ወለዶ ናብ ወሎዶ ዝተሰጋገረ፣  ካብ ሓልዮትን ስኒትን ፍቕርን ምክብባርን ዝተወልደ ፍትሓዊ ጸጋታት ህዝብና ኣበይ ኣተወ? ዝብል ሕቶ ጎድኒ ጎድኒ እቲ ሓውኻ ኣበይ ኣሎ? ዝብል ሕቶ ክምለስ ይግባእ ንብል።

ፍትሓዊ  ጸጋታታና፣ መሰረት ነጻነትናን ሓርነትናን ክንሱ ካብ ሱሩ እናተማሕወ ክስረዝ፣ ክብሪ ዜግነትና ክቕንጠጥ፣ ንሓሶት ከም ሓቂ፣ ንውርደት ከም ግቡእ፣ ንዓመጽ ከም ንቡር ጌርና ክንቅበሎ፣ ጉልበትናን ንብረትናን ሂወትናን – ንዕሱበ-ሰይጣን ምልካዊ ስልጣን – ክነረክብ ዝፈረድናን ዝቐሰበናን ኩነታት ይኹን ኣካል ብንጹር ምልላይ ኣድላዩ ይመስለና። ምንጪ ሽግራትና መሰረታዊ ጠንቆምን ንምልላይ ኩሉ ሸነኻዊ ፍተሻ ንምክያድ – መልእኽትኹም መብራህቲ ክኸውን`ዩ ዝብል እምነት ኣሎና።

ኣብዚ እዋን እዚ፣ እቶም ምንጪ ሽግራት ዝወለድዎም ሳዕቤናት ብኹሉ መዳያቶም ተተኲሶም፣ ህዝብን ሃገርን ኣብ ከመይ ዝበለ ኩነታት ከም ዝርከብ፣ ብምሉእ ትብዓትን ቅንዕናን ዘርዚርኩምልና።  ድሕሪ ነዊሕን መሪርን ቃልሲ፣ ብከቢድ መስዋእቲ ደቂ  ለዋህ ህዝቢ ዝተረኽበ ሃገራዊ ነጻነትን ልዑላውነትን ኤርትራ፣ ሃገርና ኤርትራ መደበር ሰላምን ራህዋን፣ ህዝቢ ኤርትራ ከኣ ናይ ሓርነትን፣ ዜግነታዊ ክብርን፣ ፍትሕን  ኣብነት ኣብ ክንዲ ዝኸውን፣ ካብ ባዕዳዊ መግዛእቲ ዝሓሰመ ሕስረትን፣ መወዳእታ ዘይብሉ ባርነታዊ ኣገልግሎትን ከርተትን ብምፍጣሩ መላእ ህዝብን ስድራቤታትን ኤርትራ ኣብ ከቢድ ሓደጋ ወዲቖም ይርከቡ።

ከም ውጺኢቱ፣ ስድራቤታት ብዘይ ጠዋሪን ሓብሓቢን ንብዙሕ ዓመታት ግዳያት ናይ ሰብኣዊ ርህራሄ ዘይብሉ ጨካን ፖሊሲታት ኮይነን። እተን ምእንቲ ሃገራዊ ነጻነት ሰፍ ዘይብል መስዋእቲ ዝኸፈላ ስድራቤታት፣ ዓቕሚ ኣዳመ- ሄዋን ዝበጽሑ ደቀን ዳግም ጊሎት ምልካዊ ስልጣን ክኾኑ፣ ህጻውንትን ኣረገውትን ድማ  ብዘይ ኣላዪን ክድርበዩ ተፈሪዶም።  ኩሉ ሂወት ሃገር ተሓኒቑ፣ ቁጠባዊ መሓውራት ሃገር ለሚሱ፣ ማሕበራዊ ብልሽውናን ብዕልግናን ድማ ነጊሱ ይርከብ።

እቶም ኣብ መወዳእታ ዘይብሉ ኣገልግሎት ዝተጸምዱ መንእሰያት፣ ጸበባን ስእነትን ስድራበቶም ኣብ ቅድሚ ዓይኖም ተገቲሩ፣  ናኣሽቱ እሕዋቶምን ኣረገውቲ ወለዶምን ተደርብዮም ክርእዩ ኣብ ዘይክእሉሉ ደረጃ ምስ በጽሑ፣ ካብ ናይ ስድርኦም ጸበባ እናረኣዩ ዝሳቐዩ፣ መፍትሒ ንምርካብ ሃጽ ኢሎም ናብ ስደት የምርሑ ኣለዉ።

ስደት መሪር እዩ። ብፍላይ ናይዚ እዋን እዚ ስደት መሪር ዝገብሮ፣ እቶም ዝለዓለ ናይ ሞት ሓደጋ ሓሊፎም ዶብ ክሰግሩ ዝኸአሉ መንእሰያትን ቆልዑን ኣደታትን ኣብ ኣስካሕካሒ መጭወይትን መቕዘፍትን፣ እንስሳዊ ዓመጽን መቕተልትን ይወድቁ ኣለው።  እቲ ዝኸፈአ ከኣ፣ ናውቲ ኣካላቶም ተቖራሪጹ ንመሸጣ ክወርድን ኣብ እንነብረላ ዓለም ከም ደቂ ሰባት ተኻላኻሊ ዘይብሎም ኣብ ዝኸድዎ ቦታ መጻወቲ ሸፋቱን ነጋዶ ሸይጥቲ-ሰብን ኮይንኖም ምህላውም`ዩ።  ብኣሻሓት ዝቑጸሩ ኣብ ምድረበዳታትን በረኻታትን ክሃልቁን ኣብ ባሕርታት ክጥሕሉን ይግደዱ አለዉ።

ህልቀት ላምፓዱሳ – ህልቀት 361 ኤርትራውያን መንእሰያትን ቆልዑን ኣዴታትን፣ ንዓለም ዘሰምበደ ሓደጋ እዩ።  ህልቀት ላምፓዱሳን ኩሎም እቶም ቅድሚኡን ድሕሪኡን ዘጋጠሙ ሓደጋታትን፣ ውጽኢትን ጽዑቕ መግለጺን ናይ እቲ ኣብ ኤርትራ ዝርከብ ሃለዋትን ሂወትን ህዝቢ ኤርትራ እዩ። “ሓውኻ ኣበይ እሎ? ዝብል ሕቶ፣ ዝወልዶም ዝዓበዩ ሕቶታት እምበኣር – ሃገርናን ህዝብናን ኣብ ከመይ ዝኣመሰለ ሃለዋት ኣሎ? ንሕና እቶም ኣብ ውሽጥን ኣብ ወጻኣን እንርከብ ህዝቢኽ እንታይ ንገብር ኣለና? እንታይከ ክንገብር ይግበኣና? ዝብሉ ሕቶታት ንኹሉም ኤርትራዊያን ዜጋታትን፣ ትካላትን ገዚፍ ብድሆ እዮም።

ከምቲ ክቡራት ኣቦታትናን መማህራናን ዝበልኩምና፣ ሃገር ማለት ህዝቢ፣ ነጻነትን ልዑላውነትን ከኣ ናይ ህዝቢ እዮም። እቲ ዓይኑ ኣፍጢጡ ዝጥምተና ዘሎ ሕቶ እምበኣር –  ልዑላውነት ህዝቢ ኤርትራን፣ ልዕልና ሕግን፣ ሓርነት ዜጋታትን ኣበይ ኣሎ? ዝብል እዩ።  ልዑላውነት ህዝብን፣ ልዕልና ሕግን፣ ሓርነት  ዜጋታትን ኣብ ኢድ ሓደ መራሒ/ጉጅለ ብምእታዉ፣ ርህራሄ ኣልቦ ሰይጣናዊ ምልካዊ መግዛእቲ ወሊዱ። ከም ውጽኢቱ ድማ ከቢድ ናይ ጽንተት ሓደጋ ኣብ ልዕሊ ክብርቲ ሃገርና ህዝብናን ተንጠልጢሉ ይርከብ። እቲ ስዒቡ ዝመጽእ ሕቶ ከኣ፣ ናይ እዚ ከቢድ ሓደጋ ተሓታቲ መን እዩ? ዝብል እዩ። ብርግጽ፣ እቲ ንልዑላውነት ህዝቢን ልዕልና ሕጊን ሓርነት ዜጋታትን ዓምጢሩ ዝገዝእ ዘሎ ጉጅለ ዓቢ ሓላፍነት ከም ዝስከም ዘጠራጥር ኣይኮነን። ይኹን እምበር ኩሎም ዜጋታታ ኤርትራን ዓበይቲ ሃይማኖታዊን ህዝባዊን ትካላታን ምሁራትን ናይዚ ከቢድ ናይ ጽንተት ሓደጋ ተሓተቲ እዮም።

ነዚ ዓቢ ሓላፍነት እዚ ዘዘኻኽርን ዝመክርን ሓዋርያዊ መልእኽቲ ኣቦታትናን መማሃራናን ካቶሊካዊ ጳጳሳት ኤርትራ፣ ካብ ጸልማት ምልካዊ መግዛእትን ባርነትን ብምግልጋል  ናብ ብርሃን ሓርነትን ፍትሕን ከመርሓና እናተመኔናን ብድጋሚ ክብርን ሞጎስን ንሓዋርያት ሓቅን ፍትሕን ሰላምን ዝኾኑ ኣቦታትናን መማህራናን ካቶሊካዊ ጳጳሳት ኤርትራ ነቕርብ።

ከም ዜጋታት ኤርትራ ኣብ ተግባር ብስሙር ቃልሲን  ትጉህ ህዝባዊ ምልዕዓልን ሃገርን ህዝብን ንምድሓን ሓላፍነትና ክንፍጽም ይግባእ።  ልዑል ኣምላኽ፣ ስሙር ቃልስናን ህዝባዊ ምልዕዓልናን ባሪኹ ናብ ፍትሕን ሓርነትን ሰላምን ቅሳነትን ክመርሓናን፣ ፍትሓዊ ልቦናን ዜግነታዊ  ትብዓትን ጽንዓትን ከዕጥቐና ንምነ።  ኩሎም  ኤርትራውያን ዜጋታት ንተባዕ መልእኽቲ ክቡራት ኣቦታት ካቶሊካዊ ጳጳሳት ኤርትራ ብክፉት ልቢ ክቕበልዎን፣ ንኤርትራን ህዝባን ካብ ሓደጋ ጽንተት ንምድሓን ኣብ ስሙር ቃልሲ ህዝባዊ ምልዕዓል ንድሕነት ሃገርን ህዝብን ብንጥፈት ክሳቱፉ ንጽውዕ።

ዓወት ንስሙር ህዝባዊ ምልዕዓል ንድሕነት ሃገር

ክብርን ዝኽርን ንጅጋኑ ንሰማእታት ኤርትራ

ኣወሃሃዲ ኣካል  ህዝባዊ ምልዕዓል ንድሕነት ሃገር

ሰሜን ኣሜሪካ፣  4 ሓምለ 2014

aseye.asena@gmail.com

Review overview
8 COMMENTS
  • weygud July 11, 2014

    ነዛ ሓጻር ናይ ደገፍ መልእኽቲ ክትጽሕፉስ 2 ወርሒ ወሲድልኩም። ዝገርም እዩ።

  • true July 12, 2014

    ESAYSE AFWRKE KTNEDO TBKE ALKA KTBLO EYO ZFKADE ABE ERITERA ESAYSE 2+2 5 ENTBLA HKKA EYO ZBHALNE NRO LOME GNE TDFRO bhwka ablo mlekte klo hzbe eritera kdfro gmro alo gzo akla ala kbe asmra hde polose

  • change July 12, 2014

    Good job guys well done and keep it up the good work.

  • belo July 13, 2014

    ኣብ ዓዶም ከለዉ ብህይወቶም ዝወጹ መንአሰያት ካብ ሃገሮ ምስ ወጹ ንዘጋጠሞ መንግስቲ አርትራ ተሐታቲ አይኮነን..

  • semaitu July 14, 2014

    ab adom knebru nay zeymkial tenki zikone HGDEF kulu gizie tehatati iyu. Ita adi nay kulu eritrawi iya mr. blo on. imberke HGDEF ab hagerom kinebru mikal tiray diyu gebenu? izi kulu ab tihti godagudi tehatiru zelon hatati siinu zitefie zelonke.If you want to blind your eyes and heat, it is your chice but it does’t chance the situation on the ground. there could be no solution by hiding our problems.

    • metkel July 16, 2014

      ብዛዕባ ህልው ኩነታት ዝነበርኩሉ ስለዝኾነ ንኡስ ዘይኮነ አፍልጦ ኣሎኒ። ይኩን እምበር ኣብቲ ትንተና ናይቲ ህልዊ ኩነታት ክንፋላለ ክውንነት እዩ. ነገራት ካብ ሱር-ነገሮም ምስ ዓለማዊን ታሪካዊ ጠመተ ምስ ዝትንተኑ ኤርትራ ትኽተሎ ዘላ ኣካይዳ ምስ ኩሉ ድኹም ጎድንታቱ ነቕ ዘይብል ሰረት ንቕሎ ናብ ዝማዕበለት ሃገር መርሐ ጎደና ምኻኑ ተረዳእ. ኣብዚ ጉዕዞ ብዙሕ ሓጎጽጎጽ ከምዘሎ መባእታዊ መረዳእታ እመስለኒ. እቲ ካልእ አማራጺ would be a short cut: a nation for sale. ተፈደል ! Pick your choice

  • belo July 15, 2014

    semaitu,
    ብዛዕባ ህልው ኩነታት ዝነበርኩሉ ስለዝኾነ ንኡስ ዘይኮነ አፍልጦ ኣሎኒ። ይኩን እምበር ኣብቲ ትንተና ናይቲ ህልዊ ኩነታት ክንፋላለ ክውንነት እዩ. ነገራት ካብ ሱር-ነገሮም ምስ ዓለማዊን ታሪካዊ ጠመተ ምስ ዝትንተኑ ኤርትራ ትኽተሎ ዘላ ኣካይዳ ምስ ኩሉ ድኹም ጎድንታቱ ነቕ ዘይብል ሰረት ንቕሎ ናብ ዝማዕበለት ሃገር መርሐ ጎደና ምኻኑ ተረዳእ. ኣብዚ ጉዕዞ ብዙሕ ሓጎጽጎጽ ከምዘሎ መባእታዊ መረዳእታ እመስለኒ. እቲ ካልእ አማራጺ would be a short cut: a nation for sale. ተፈደል ! Pick your choice

  • Berhe Tensea July 19, 2014

    As long as erople remain silent to the gross injustice the agony will continue and Eitrea will be an AKAT republic very soon that is a play ground for Demhit and others from south of the border.
    Eritreans everywhere and especially in Sudan and neighbouring countries are described as both cowards and mesakin who cannot stand up for their right. Some people being too ashamed are reduced to denying their Eritraness.

POST A COMMENT