Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ናጽነት!

ንናጽነት ከም ቃል ወትሩ ኪጽውዖ ከምኡውን ብድምጺ እዝኑ እንክሰምዖ ኣዕጽምቱ ተሰይሩ ደሙ እንክኮዖ ዝሓለፈ *እልበት ጌና ከይረሰዖ            *ሓሰረ መከራ ከም ጸበል ኣጥዒሙ ህግደፍ ኪምንዝዖ ይኣክል ዘይብሉ መግዛእቲ ዘንብዖ! እግሩ ብሕዩሩ ኣፉ ብዕቡሱ ብመሬትን ባሕርን ደቁ እናበረሱ ናጽነቱ ከብዕል ህዝቢ ተሓጒሱ ዳስ ጓይላ ኪተክል ዳስ ሓዘን

ንናጽነት ከም ቃል ወትሩ ኪጽውዖ
ከምኡውን ብድምጺ እዝኑ እንክሰምዖ
ኣዕጽምቱ ተሰይሩ ደሙ እንክኮዖ
ዝሓለፈ *እልበት ጌና ከይረሰዖ            *ሓሰረ መከራ
ከም ጸበል ኣጥዒሙ ህግደፍ ኪምንዝዖ
ይኣክል ዘይብሉ መግዛእቲ ዘንብዖ!
እግሩ ብሕዩሩ ኣፉ ብዕቡሱ
ብመሬትን ባሕርን ደቁ እናበረሱ
ናጽነቱ ከብዕል ህዝቢ ተሓጒሱ
ዳስ ጓይላ ኪተክል ዳስ ሓዘን ኣፍሪሱ
መሽካዕለልቲ ህግደፍ እኖዉ ይጉስጉሱ!
ኣንታ’ዞም ዕሱባት ክንደይ ይጭክኑ
ወላዲት ክሒዶም መላኺ ዝኣምኑ
እናፈለጡዎ መንደላይ ምዃኑ
ሓንሳብ ምስ ነኸሰ ዘይምሕር ኣስናኑ
*ንስራቔን የምልኹ ሃገሮም ዘዕኑ!?    *ንመልኣከ ሞት
እዚ ምስሉይ ስርዓት ብህዝቡ ዘይግደስ
ድኻ *እናቃዕወጠ ስኢኑ ዚቕመስ   *እናዓበረ፡ ብጥሜት፡ ብሕማም መጠጐ
ሕዙን ኪጸናናዕ ኣብ ክንዲ ዚድበስ
ህዝቢ ኪዘለሉ ጸላኢ ከይሕጐስ
*ሰተሰምሃል ምልኪ ኣብ እሾኽ ይንስነስ!  *ሰቲን ሰምሃልን
መንድዩ ኣታ *ዘላሚ ህዝብና ዘሳቒ      *ረጋጺ፡ ጨቋኒ፡ ጨፍላቒ
*ኣስሓኮ ዘይብሉ ረጋጺ ጨፍላቒ፡        *ንሕስያ
ነብሲ’ንዶ ትምስክር ዝጸወረት ጭንቂ
ጸላኢ ህዝብና እቲ ናይ ብሓቂ
እዚ *ስህኑን ምዃኑ ኢሳያስ ኣፍወርቂ!  *ብመስተን ሕማምን ኣእምሮኡ ዚተመዛበለ
ወረ ነየናይ እዩ እቲ ናጽነት ዚብሎ?
ህዝቢ ከይዛረብ ተዓቢሱ እንከሎ
ግፍዕታት መሪሩ ኮይኑዎ ዘይክእሎ
ናብ ምድረበዳ ኪጠፍእ ብጸሓይ ኪቕሎ
ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ዓሳ ኪሰሃሎ
ኣብ ኣጻምእ ሲናይ ካራ እናተሳሕሎ
ሓርነትድዩ ኣታ’ዚ ብጓይላ ነብዕሎ!?
ንሕና ኴንና እምበሪ ሰዓርቲ መከራ
ሽግር ዝሰሓሎም ከም ብልሒ ናይ ካራ
መንዶ ይጸሮ’ዩ ዘለናዮ ናብራ!?
ብሃሰሰ ለባም ናይ ድሑር ምሕደራ
ወለዶ እናጥፍአ ናብ ሲናይ ናብ ሳህራ
ቁውም ነገር ዘይብሉ ትርፎ ሓሶት ጃህራ
ዘይርከብ ረኺብና ህዝብኺ ኤርትራ!
ነዚ እውን’ዩ ህግደፍ ኣብዕሉ ዝብለና
*ብልዙ ንኽንሽፍን ጠይቂ ክገብረና         *ገጸቡ፡ ዘይሓዊ ቁስሉ
ገንዘብ ከነዋጽእ ካብ ቀዳድ ጁባና
*ብመቓርዕ ኩፖን ምስ ኣፈራራሓና         *ብሓለንጊ
ብጓይላ ክንገልጽ ጽቡቕ ከም ዘለና
ኣብ ቅርዓት ንወጽእ ወትሩ ከይፈተና!
ካብ ሎሚ ንደሓር ግን፥
ሽግርን መከራን ከብቅዕ ሓሳርና
ንጨዋይ ናጽነት ኣብ ሓመድ ደቢና
ትርጉም ናይ ሓርነት ምስ ኣስተማቐርና
ዓቢ ምስ ንእሽቶ ኣብ ቅርዓት ወጺእና
ነዚ ዓቢ በዓል ህያብ ስውኣትና
*ብሓውዝን ደባልን ከነብዕሎ ኢና!     *ተድላ፡ ታሓጓስ፡ ውህደት
ስቓይና ንኺድምደም፡ ውድቀት ንጉጅለ ሕሰም!
ካብ ሓውኹም መሲናስ 20-05-2013

aseye.asena@gmail.com

Review overview
1 COMMENT
  • Salim May 20, 2013

    anta Mesinas Hawna nhagerna nbaEdi aHlifka diKa kthba tmne zeloKa? mengsti Eritrea mfras malet nEritrea kem hager mfras mKwanu ktrsE yeblkan::

POST A COMMENT