Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ንሕና ምስ ህዝብና ! ዕድመ ንሰላማዊ ሰልፊ ሲያትል

ክቡራትን፡ ክቡራንን ኤረትራውያን ተቐማጦ ከተማ  ሲያትልን ከባቢኣን ። ነቲ ብዕለተ 31 ጥቅምቲ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ከተማ ኣስመራ ዝትፈጸመ ታሪኻዊ ሰላማዊ ሰልፊ ንምድራዕ ናህና ደገፍ ኣገዳሲ እዩ። እዚ ኣብ ኤርትራ ሃገርና ብተባዓት መንእሰያትና ተላዒሉ ፡ ጌና’ውን

ክቡራትን ክቡራንን ኤረትራውያን ተቐማጦ ከተማ  ሲያትልን ከባቢኣን ነቲ ብዕለተ 31 ጥቅምቲ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ከተማ ኣስመራ ዝትፈጸመ ታሪኻዊ ሰላማዊ ሰልፊ ንምድራዕ ናህና ደገፍ ኣገዳሲ እዩ።

እዚ ኣብ ኤርትራ ሃገርና ብተባዓት መንእሰያትና ተላዒሉ ጌና’ውን ዝቕጽል ዘሎ ፖለቲካዊ ማዕበል  ድምር  ውህሉል ውጽኢት እቲ ምሉእ ህዝቢ ኤርትራ ብህግደፍ ዝወርድ ዘሎ ሕሱም ጭካኔ ዝመልኦ ጭቆናን ማእሰርትን መቕዘፍቲን ጥሜትን መወዳእታ ዘይብሉ ባርነትን እዩ ።

ተማሃሮ ኣል ድያእ ፣ ሽማግለ ቤት ትምህርቲ፣ ወለዲን ህዝቢን ምስ እቶም ክቡር ኣቦና ሓጂ ሙሳ መሓመድ ኑር ክኣ ከም ኣካል ሕዝቢ ኤርትራ ብሓባር ዘበጋገስዎን ዝመከትሉን ታሪኻዊ ህዝባዊ ፍጻመ እዩ። እዚ ህዝባዊ ማዕበል’ዚ ከኣ ናብ ብዙሓት ከተማታት ኤርትራ ፍሕም እናበለ የስፋሕፍሕ ኣሎ። ሽሕ’ኳ ህግደፍ ነዚ ህዝባዊ ማዕበል ብሓይሊ ብረት ጠጠው ንኸብሉዎ ሸበድበድ ይበል’ምበር ነዚ ህልው  ኩነታትን መድረኽን ዝጠለቦ ዓሚቅን ጥልቀት ሓዘል ቃልሲ እዚ ጠጠው ከብሎ ኣይኽእልን እዩ።

ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘሎ ህዝብና ምስ’ቲ ኩሉ ዝወርዶ ዘሎ መወዳድርቲ ዘይብሉ ሕሱም ፖለቲካዊን ሕበረተ-ሰብኣዊን ቁጠባዊን ጸቕጥታት ንምምካት ንኽስዋእ ብምምራጽ ተዓጢቑ ተንሲኡ ኣሎ ። እቲ ቃልሲ ናይ ኩልና እዩ ። ሃዬ እምብኣር ኣይንገዳዳዕ ኤእጃምና ነወፊ ፣ ኣጆኹም ኣጆኽን ኣብ ጎድንኹም ኣሎና ንበል።

ድሮኳ ነዚ ተላዒሉ ዘሎ ህዝባዊ ማዕበል ዘተባብዕን ዘነቓቕሕን ስጉምቲ ኤርትራዊ ኣብ ዘዘሎዎ ሃገር ብምውሳድ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ዓለም ዕዉት ሰላማዊ ሰልፊ ጀሚሩ ስለ ዘሎ ንሕና ተቐማጦ ከተማ ሲያትልን ከባቢኣን እውን ምስ ናይ ካልኦት ከተማታት ኣመሪካን ናይ ካልኦት ሃገራት ዓለምን ብምውህሃድ ንዝመጽእ ሰሙን ሓሙስ 9 ሕዳር, 2017, ናይ ሓንቲ መዓልቲ ሰላማዊ ሰልፊ ንኽነካይድ ወሲንና ስለ ዘሎና ነፍስ-ወከፍ ኤርትራዊ ንኽሳተፎ ብኣኽብሮት ንዕድም እዚ ናይ ነፍሲ- ወከፍ ኤርትራዊ  ሞራልን ሕልናን  ዝሓትት ጉዳይ እዩ።

  Eritrean Community Center.  @ 10:00 am

  Address: 2401 E. Spruce.

   Seattle, WA 98122.

ግዱሳት ኤርትራውያን ተቐማጦ ከተማ ሲያትልን ከባቢእን።

የቐንየልና።   

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT