Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ንምሸቱ’ኸ ክንህሉን ዓድና ክንምለስን ዲና?

ኣብ መዋእል እዞም ሎሚ ብህይወትና ዘሎና ወለዶ፡ ኣብ ሃገርና ዝኽሰቱ ዘለዉ ኣዝዮም ዘሰክፉን ዘተሓሳስቡን ጉዳያት ብዙሓት’ዮም። ካብኡ ናብኡ ግን፡ እቲ ንመጻኢ ህላወናን ታሪኽናን ኣብ ሕቶ ምልክት ዘእቱ ጉዳይ፡ ክቱር ድኽነት፡ ሓላፍነት ህዝብን ሃገርን ዘይስከም ምልካዊ

ኣብ መዋእል እዞም ሎሚ ብህይወትና ዘሎና ወለዶ፡ ኣብ ሃገርና ዝኽሰቱ ዘለዉ ኣዝዮም ዘሰክፉን ዘተሓሳስቡን ጉዳያት ብዙሓት’ዮም። ካብኡ ናብኡ ግን፡ እቲ ንመጻኢ ህላወናን ታሪኽናን ኣብ ሕቶ ምልክት ዘእቱ ጉዳይ፡ ክቱር ድኽነት፡ ሓላፍነት ህዝብን ሃገርን ዘይስከም ምልካዊ መንግስቲ፡ ስደት መንእሰያት፡ ምህሳስ ወይ ምብሕጓግ ሃገራውነትን’ዩ። ስርዓት ኢሳያስ፡ ኣብ ክንዲ ንሓድነት፡ ንብልጽግናን ቅሳነትን ህዝብናን ሃገርናን ዝሰርሕ፡ ዕድመ ስልጣኑ ንምንዋሕ ኤርትራዊ ሓድሕዱ ክፈላለ፡ ሃገራዊ መንነቱ ከጥፍእ፡ ስድራቤታት ክበታተናን ብቀጥታን ብተዘዋዋርን መገዲ ክሰርሕ ጸኒሑን ኣሎን። ቀንዲ ዕላማ ጽሑፈይ ድማ ተግባራት ስርዓት ኢሳያስ ንምግላጽ ዘይኮነ፡ ንስርዓት ኢሳያስን ተንኮላቱን ንግዚኡ ንጎድኒ ኣጸጊዕና፡ ከም ኤርትራውያን ነዚ ኣብ ልዕሊ ሃገርናን ህዝብናን ዘንጸላሉ ዘሎ ከቢድ ደበና ጥፍኣት ንምውጋድ እንታይ ክንገብር ይግብኣናን ንኽእልን ሓሳብ ንምክፋል’ዩ።

እዚ ኣብዚ እዋን’ዚ ተገዲዱ ናብ ስደት ዘምርሕ ዘሎ ኤርትራዊ፡ ዝበዝሕ ትሕቲ ኣርብዓ ዓመት ዝዕድሚኡ ኮይኑ፡ ገሊኡ ዘይተመርዓወ፡ ዘይወለደን ዝእለዩ ወለዲ ብዘይጠዋሪ ኣብ ዕጹው ቤት ዝራሕርሐ፡ ትምህርቲ ወዲኡ ስራሕ ዘናዲ ዝነበረ፡ ካብ ስርሑ ዝተመዛበለ ወይ’ውን ካብ መኣዲ ትምህርቲ ዝተጎናደበ ክኸውን እንከሎ፡ ገሊኡ ድማ የለን ዘይፈልጡን መዓንጣ ዘይቆጸሩን ቆልዑን ዝራሕርሐን ከምኡ’ውን ክሕጸን ክምርዖን ናብራ ክምስርትን ክወልድን ሕልሚ ዝነበሮ ኢዩ። ካብ ማሙቕ ቤቱን ስድራቤቱን ተፈላልዩ ዶብ ኤርትራ ክሰግርን ኣብቲ ዘይተፈልጠ መዕለቢ ቦታ ክሳብ ዝበጽሕን ድማ፡ ዘጋጥሞ መስገደል ማእለያ የብሉን። ድብያ ወተሃደራት ስርዓት ኢሳያስ ሰንጢቁ፡ ኣብ መሬት ዝተቀብረ ተተኮስቲ ነጢሩ፡ ብሰብን ብህርያዊ ሓደጋታትን ዝሞቱ ሬሳታትን ኣላሽ ኢሎም ዝደኸሙን መጓዓዝቱ፡ ቤተሰቡን መዛንኡን ንድሕሪት ገዲፉ፡ ብጽምእን ጥሜትን ወሊኡ፡ ብነጋዶ ሰብን  ናይ ወጻኢ ሃገራት ኣባላት ጸጥታን ተቀጥቂጡን ተኣሲሩን ብዕድል ካብ ሞት ዘምለጠ ኢዩ። እዚ ሽግራት’ዚ ዘጋጠሞን ዝሰገረን፡ ዋላ ብህይወት ይትረፍ ኣካላውን ኣእምሮኣውን ጸገማት ከምዘጋጥሞን ሰለልኡ ብቀሊል ከምዘይወጸሉን ንምርድኡ ኣየእግምን። ድሕሪ’ዚ ኩሉ መሪር ጉዕዞ፡ ኤርትራዊ ኣብ ዝኣተዎ ሃገር፡ ንሓድሽ ናብራ ስደት፡ ባህሊ፡ ኩነታት ኣየር፡ ቋንቋን ካልእ ብድሆታትን ክርዕም ይቅሰብ። ነዚ ብድሆታት’ዚ ክጻወር ዘይክኣለን ብጭንቀትን ሓጋዚ ብምስኣንን ሕልናኡ ዓዕሪቡ ግዳም ሓደር ዝኸውን፡ ዝሓምም፡ ስራሕ ስኢኑ ተመጽዋቲ ዝኸውን፡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝበሊ፡ ዝጽለንን ነብሰ-ቅትለት ዝፍጽምን ‘ውን ውሑድ ኣይኮነን። ስለዚ እዞም በዚ ዘሰቅቅ ጉዕዞ ሓሊፎም ኣብ ስደት ዝርከቡ ዜጋታት፡ ንምሸቱ’ኸ ናብ ሃገሮም ክምለሱ፡ ሃገራዊ ስምዒት ክሓድሮምን ቅሱን ህይወት ክህልዎምን ድዩ? መልሱ ብዘየማትእ ኣይፋል’ዩ። ጠንቅን ሳዕቤንን ናይዚ ኩሉ ኣደራዕ ስርዓት ኢሳያስ ምዃኑ ርዱእ’ኳ’፡ ሓደ ክልተ የዋሃትን ንጸሊም ጻዕዳ ኢሎም ዝማጎቱ መሳርሒ ህግደፍን “ስለምንታይ ካብ ሃገሮም ይወጹ፡ ጸጊቦም” ኣብ ክንዲ ድንጋጸ ባዕሎም ይፈልጡ ዝብል ጨካን መግለጺ ክህቡ ይስምዑ ኢዮም። እቲ ሓቂ ግን እንተዘይትደፍኣኒ መን መጽደፈኒ ኢዩ። ብዘይ ምኽንያት ዓይኑ እናርኣየ እዝኑ እናሰምዐ ናብ ሞት ዝኣቱን ኣብ ስደት ክዋረድን ዝመርጽ ሰብ ኮቶ የለን።

ሕሰም ስደት ግን ንዓበይቲ ጥራይ ኣይኮነን ዘረኻኽበሎምን መፈጠሮም ከምዝጸልኡ ዝገብሮምን ዘሎ። ብንእስነቶም ተሰዲዶም ኣብ ወጻኢ ዝዓብዩን ኣብ ስደት ዝወለዱን ቆልዑት’ውን ድርብ ጸገም ኣለዎም። ኣብ ስደት እንርከብ ኤርትራውያን፡ ስርዓት ህግደፍ ብዝኽተሎ እኩይ ሜላን ኤርትራውያን ባዕልና ብእንፈጥሮ ድኹም ኣተሓስባን፡ ፖለቲካዊ ኣረኣእያና፡ ሃይማኖታዊ እምነትናን ካልእ ስምዒታትናን ዓቂብና ኣብ ክንዲ ብኤርትራውነትና ንጥርነፍን ነቲ ኣብ ስደት ዘጋጥመና ብድሆታት ሓቢርና ንምክትን፡ ኣብ ክንዲ ከም ማይን ጸባን ከም ማይን ዘይትን ኮይና ክንነብር መሪጽና። ናይ ወለዲ ድኹም ኣተሓስባታት ኣብ ደቅና ስለዘንጸባርቅ ድማ፡ ደቅናን ኣሕዋትናን ቅልውላው መንነት የጋጥሞም ኣሎ። ወግዕናን ባህልናን እንዕቅበሉን፡ ደቅና ብዛዕባ ሃገሮምን መንነቶምን ዝፈልጥሉ ኣገባብ ኣብ ክንዲ ምፍጣርን ዘሎና ዘይመሰረታዊ ፍልልያት ኣብ ክንዲ ብዘተን ብሕድገትን ምፍታሕ፡ ኤርትራዊ ማሕበረ ሰብ ከይቆውም ምዕንቃፍ፡ ኣብ ክንዲ ሓደ ቤት ጸሎትን ማሕበረ ኮም ምምስራትን፡ ኣብ ሓደ ከተማ ወይ ከባቢ ንነብር ዜጋታት ምፍንጫልን፡ ማሕበረሰብ/ኮም ኤርትራ ንምምስራትን ኤርትራዊ ንምጥርናፍን ተበግሶ ንዝወስዱ ዜጋታት ኣብ ክንዲ ምትብባዕን ምሕጋዝን፡ ደጋፊ መንግስቲ፡ ተቃዋሚ ሻዕብያ፡ ጀብሃ ዝብሉ ቅጽላት ብምሃብ፡ ሰባት ካብ ተበግሶታቶም ምዕንቃፍን ሞራሎም ምውዳቅን’ውን ሓደ ካብቲ ኣብ ስደት ዘሎ ኤርትራዊ ገኒኑ ዝርአ ሕማም’ዩ። እዚ ድማ ሕጽረት ልቦና እምበር ምልክት ብልጽግናን ምትሕቁቋፍን እይኮነን። ዜጋታት ካልኦት ሃገራት ከምዚ ናትና ወይ’ውን ካብ ናትና ዝኸፍአ ፖለቲካዊ ፍልልያትን ጸገማትን ዘሎዎም ብዙሓት’ኳ እንተለዉ፡ ዜጋታት ሃንቲ ሃገር ምዃኖም ተገንዚቦም በቲ ዘራኽቦም ብሓባር ክሰርሑን ሃገራዊ መንነቶም ክዕቅቡን ኣየጸገሞምን። ንሕና ኤርትራውያን ከምኡ ዝይንኾነሉ ምኽንያት እንታይ ኢዩ? ስለምንታይ ኢና ብኤርትራውነትናን ነቲ ዘሰማምዓና ቀዳምነት ሰሪዕና ንፍልልያትና ድማ ከም ካልኣዊ ጉዳይ ጠሚትና ንቅድሚት ዘይንምርሽን በዞም ኣብ ስደት ዝወለዱን ዝዓብዩን ደቅናን ኣሕዋትናን ዘይንሓስብ? ከም ሕምባሻ ዝተቆራረሰት ሃገር ዲና ንደቅና ከነረክቦም? ብደቅናን መጻኢ ወለዶን ከምንኽሰስ ኣይንዘንግዕ። እቲ ካብ ኩሉ ዝኸፍኣ ድማ፡ ድኻምና ኣብ ክንዲ ንቅበልን ንመጻኢ መምሃሪ መታን እንጥቀመሉን፡ “ሻዕብያ ኣእዳዉ ጣልቃ እናኣእተወ ምስራሕ ከሊኡና’’ እናበልና ዕባራ መመኽነይታን ምስምስን ምቅራብ ሕዱር ሕማም ኮይኑ’ሎ`።  ስርዓት ኢሳያስ ስምረት ህዝብና ምሕጸር ዕድሚኡ ምዃኑ ስለዝግንዘብ፡ ሓድነት ኤርትራዊ ከምዘይደሊ ርዱእ’ኳ ኣንተኾነ፡ ገዛ ገዛ እናኣተወ ማሕበረ ሰብ ኣይተቁሙ፡ ኣይትጠርነፉን ኣይትተሓጋገዙን ኣይበለን ኣንተበለ’ውን ጥርናፈ ናትና እንተልዩ መናውራ ስርዓት ህግደፍ ትርጉም ምስኣነ።

ስደት መንእሰያት እንተዘይተገቲኡ ፡ መደብ ሃገራዊ እንተቀጺሉ፡ ፍልልያትናን ንህዝቢ ዘይውክል ስርዓት ኢሳያስ  እንተዘይተወጊዱን ድማ፡ እዚ ኣብ ሃገርና ድሮ ተኸሲቱ ዘሎ ሰለስተ ንመጻኢ ህላወና ዝፈታተን ጸልማት፡ መዋጽኦ ኣብ ዘይርከበሉ ዓዘቅቲ ክኣቱ’ዩ፡፡እቲ ኣውራ ዘሰክፍ ጸገም፡ ሕጽረት ዓያዪ ጉልበትን ሞያን ክእለትን ዘለዎ ሰብ’ዮ። ኣብ ብዙሕ ገጠራት ኤርትራ፡ ኣብ እዋን ማሕረስን ዋውዒን ዝሰርሕ፡ ዝሞተ ሰብ ዝቀብር፡ ዝሓመመ ሰብ ናብ ሕክምና ዝወስድን ኣብ ሓዘንን መርዓን ዘሳስን ምርካብ ብርቂ’ዩ። ብእርጋንን ሕማምን ዓዲ ውዒልን ሕሙማትን  ኣቦታትን ኣዴታትን ከምኡ’ውን ትሕቲ ዕድመ ቆልዑ፡ ልዕሊ ዓቅሞም ሓላፍነት ወሲዶምን እናውደቁ እናተንስኡን ክሰርሑን ንስርዓት ኢሳያስ ይረግሙን ኣለዉ። ካልኣይ፡ ዝበዝሕ ኣብ መደብ ሃገራዊ ኣኣገልግሎት ተጸሚዱን ናብ ስደት ዘምርሕ ዘሎን፡ እቲ ክሰርሕ ዝኽእል መንእሰይ ጥራይ ኣይኮነን፥ እቲ ክምርዖ፡ ክዝምድን ክወልድን ዝኽእል ሽደንን ዘጉላዕልዕን ወዲ ተባዕታይ እምበር። እቲ ካብ ሕጽኖቱን ተመርዕዩ ክወልድ ዕድል ዘይረኸበን ናብ ስደት ወይ ሃገራዊ ኣገልግሎት ዝተዓዝረን መንእሰይ፡ መጻምድቱ ብትጽቢት ጽሓይ ክዓርባን ህጻን ከይሓቆፈት ክትኣርግን መርገም’ዩ። እዚ ድማ ጠንቂ ምጽናትን ምውሓድን ህዝቢ ኤርትራ ክኸውን’ዩ።  እቲ ሳልሳይን ዝኸፍአን ግን፡ ምጥፋእ ሃገራዊ መንነትን ልኡላውነት ኤርትራን’ዩ። ኣብ ክንዲ ድሕሪ ናጽነት “ቶባ ናብራ ስደት” ኢልና ናብ ሃገርና ንምለስን ናብራ ነጣጥሕን፡ በዚ ዘሎ ቁጠባውን ፖለቲካውን ቅልውላው፡ ኤርትራዊ ይበታተንን ሃገራዊ ስምዒቱ የላሕልሕን ኣሎ። ገንዘብን ክእለትን ዘለዎ ኤርትራዊ፡ ብሰንኪ ስርዓት ኢሳያስ ሃገሩ ከምዝጸልእን ተስፋ ከምዝቆርጽን ኮይኑ። ገለ ኣብ ስደት ተወሊዶም ዝዓበዩ ኤርትራውያን፡ ካብ ወለዶም ዝሰምዕዎ፡ ካብ መርበብ ሓበሬታ ዝረኸብዎን ብኣካል ኣብ ኤርትራ ከይዶም ብዝተዓዘብዎም፡ ድሕሪ ደጊም ናብ ኤርትራ ገጽና ኣይንኸይድን ኢና” ኢሎም መገሺ ሰነድ (ቪዛን ፓስፖርትን) ዝቀዱ ከምዘለዉ ምስሰማዕኩ፡ “እምበር’ዶ ንምሸቱ’ኸ ክንህሉን ዓድና ክንምለስን ኢና’’ ኢለ በዚ ዘሎ ተስፋ ዘቁርጽ ኩነታት ሃገርናን ህዝብናን ንበይነይ ተኪዘ።

ጽላል- ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ (ግንቦት 2015)

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
7 COMMENTS
  • Amare Resom May 18, 2015

    እንድዒታ እንድዒ!
    “ንምሸቱ’ኸ ክንህሉን ዓድና ክንምለስን ዲና?” ዶ ኢልካ ሓው ጽላል! ነት ኣብ ልቢ ነፍስወከፍ ብህዝቡን ሃገሩን ዝሓምም ዘሎ ዶ ቶግ! ኣብልካዮ! ናትና ነገርስ የሰክፍን’ዩ ኢልካ’ውን ዝሕለፍ ኣይኮነን።
    ነዞም ማይ ጸሎት ዝወስዶም ዘመድ ዝሰኣኑ፡ ንሕና ንሱ! ንሱ ንሕና! ዝብሉ፡ ኣንታ ንበር! ዝጸሎቶም፣ እዚ ኣረመኔ ስርዓት ንኣታቶም’ውን በሓደ የጥፋኦም ከም ዘሎ እናፈለጡን እናጣቑሉን ሞቶም ዝጽበዩ ኣሕዋት ሒዝናስ እንድዒታ እንድዒ።
    ስድት ህዝቢ ክዕገት እንተ ዘይተኻኢሉ እንድዒታ እንድዒ!
    ግን ሎሚ’ውን እቲ ንጽበዮን ንምኽሓሉን ተበላሓትነት ኤርትራውያን ከም ዘይጋደፈና ብዙሕ ሞልክታት ይቀላቐሉ ስለ ዘሎ መዓልቲ ዓወት ዝቐረበት ትመስል። ኣብ መዓልቲ ዓወት የራኽበና!
    ኣማረ ርእሶም

    • AHMED SALEH May 18, 2015

      Strong people take the hardest fight to stay positive in life . We count on strong
      DELEYTI FITHI supporters for political reform in modern Eritrean politics .

  • Hag pag May 18, 2015

    ኢወታ!ኢዋናዊ ሑቶ፡ክንምለስ’ዲና-ዓድና? ወይ’ውን-ክንህሊ’ዲና? ዝብላ ሑቶታት (ብወገነይ) ዓኽ!!! ኢለ ጡፍ ካብ ዝብለን ነዊሕ ኢዋን ኢዩ ኮይኑኒ።ሎሚ ከም’ዚ ሎሚ ሃገርና፡ኢንትርፊ ዚለመሰ ሰብ የለን።ኢቶም ንዓመታት (ከምዚ’ኸማይ) ኣብ ስደት ዝበለየን፡ ኦሮማይ…

  • rezen May 18, 2015

    “ምሸቱ’ኸ ክንህሉን ዓድና ክንምለስን ዲና?” ጽላል

    It is a sober and super question. Every Eritrean should ask that question to herself/himself in front of a mirror. I have my own answer. THE END
    THANK YOU,ጽላል

  • AHMED SALEH May 18, 2015

    Before I consider to answer that question , my mind is occupied to find an answer about
    this present exodus of Eritrean refugees .
    So far , I am waiting for beginning and possibility of HOPE gain upper hand in Eritrea .
    BY THE POWER OF GOD ANYTHING IS POSSIBLE . I hope it happen in near future . NEVER GIVE-UP !

  • Teclay May 19, 2015

    ንምሸቱ’ኸ ክንህሉን ዓድና ክንምለስን ዲና?

    A very legitimate and current question .
    In my opinion ,No I do not believe so .Let us face reality .That is why i always argue to see the Eritrean problem from the core .Even after the departure of the brutal dictator the exodus will continue while there is no ground for stability .Yes ,let alone Eritrea which got pregnant and was born from parents called Lie and Myth ..Countries with a long history of human civilization like Damascus and Mesopotamia will not be the same again.
    This is a punishment from good let us accept it.Yes, a punishment for being spoiled children.
    We had every thing and by our own hand we lost every thing.Like Adam and Eva.

  • Simon G. May 19, 2015

    I am getting curious on this.
    1. I am assuming that every person who opposes HGDF want to see them dismantled.
    2. Smur Gnbar is doing something real on the ground (with recent news about eliminating the HGDF spy networks.
    Then, why aren’t we all behind them? I though we all need action? Anyone think about that by any chance?

POST A COMMENT