Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ንሰላማዊ ሰልፊ ኒው ዮርክ 2015 ዝምልከት – ጋዜጣዊ መግለጺ

ሰላማዊ ሰልፊ ኒው ዮርክ 2015 ምሉእ ዓወት ክጓናጸፍ ዕላማ ህዝባዊ ምልዕዓል ኤርትራውያን ንፍትሒ  እዩ። ህዝባዊ ምልዕዓል ኤርትራውያን ንፍትሒ፡  ንብደረጃ ከተማታት ሰሜን ኣሜሪካ  ዘማእክል  ዞባዊ ናይ ህዝቢ ጥርናፈ`ዩ። ኩሎም ኣካላት ናይ`ዚ ምልዕዓል`ዚ፡  በብከተምኡ ብውልቂ ይኹን ብጥርኑፍ፡

ሰላማዊ ሰልፊ ኒው ዮርክ 2015 ምሉእ ዓወት ክጓናጸፍ ዕላማ ህዝባዊ ምልዕዓል ኤርትራውያን ንፍትሒ  እዩ። ህዝባዊ ምልዕዓል ኤርትራውያን ንፍትሒ፡  ንብደረጃ ከተማታት ሰሜን ኣሜሪካ  ዘማእክል  ዞባዊ ናይ ህዝቢ ጥርናፈ`ዩ። ኩሎም ኣካላት ናይ`ዚ ምልዕዓል`ዚ፡  በብከተምኡ ብውልቂ ይኹን ብጥርኑፍ፡ ንሰላማዊ ሰልፊ ኒው ዮርክ  ከም ገዛእ ዋኒኖም ክጉስጉሱ፡ ክሳተፉ ነማሕጽን።

ሃብሮማትን ሓርበኛታትን ኤርትራውያን ንነውሕ ክጽዕርሉ ንዝጸንሑ ጅግና ቃልሲ ፡ መርማሪ ኮሚሽን ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ንዝወርድ ዘሎ ዘስካሕክሕ ግህሰታት ሰኒዱ ዘቕረቦ ጸብጻብ፡  ዝልለ ፍሩይ ዓወት ናይ ደለይቲ ፍትሒ  ናይ`ዚ መድረኽ `ዚ እዩ። እቲ ዝቐረበ ጸብጻብ ዝተማለአ ኮይኑ ክድምደም፡ ቀጻልን ንጡፍን  ደገፍ  ናይ ደለይቲ ፍትሒ  ኤርትራውያን ይሓትት።  ስለዚ፡ ኣብ 29 ጥቅምቲ 2015 ኣብ ኒውዮርክ ዝካየድ ሰላማዊ ሰልፊ፡ ከም ሓደ ህዝባዊ መደብ (ፕሮጀክት)፡  ህዝባዊ ዓወት ኣረጋጊጹ ንቕድሚት ክምርሽ  ሓላፍነት ናይ ኩሉ ህዝቢ`ዩ።

ህዝባዊ ምልዕዓል ኤርትራውያን ንፍትሒ፡  ከም ናይ ህዝቢ ምትእስሳርን ምጥናፍን፡  ኣብ`ዚ መደብ/ፕሮጀክት`ዚ (ሰላማዊ ሰልፍን ምድግጋፍ ንመርማሪት ኮሚሽንን) ኮነ ኪንኡ ዝቕጽል ስራሕ፡ ተዓዊቱ ክወጽእ ኣበርቲዑ ክሰርሕ`ዩ።  ንግሉጽነትን ተሓታትነትን ኣነጺሩ  ዘቐመጠ ህዝባዊ  ትካላዊ ኣገባብ ኣሰራርሓ  ኣታኣታትዩ እናማዕበለ ፡ ንዘየቋርጽ ወሓዚ ናይ ህዝቢ ደገፍ ንምርግጋጽ ጻዕርታቱ  ክቕጽል`ዩ።  እዚ ኣሰራርሓ`ዚ፡ እምነ-ኩርናዕ ናይ ቀጻልን ዘላቒን ህዝባዊ ዓወታት ከመዝግብ ዝኽእል መዋጸኦ ኢዩ ኢሉ ይኣምን።

ህዝባዊ ምልዕዓል ኤርትራውያን ንፍትሒ፡ ንመርማሪት ኮሚሽን ምድግጋፍ፡  ከም ሓደ ኣዝዩ ኣገዳሲ ፕሮጀክት ይወስዶ። ስለዝኾነ፡  ንኩሎም ደለይቲ ፍትሒ  ኤርትራውያን  ኢድ-ንኢድ  ኣተሓሒዙ  ክሰርሕ ዝኽእልን ንትግባረ- ኣሰራርሕኡ ዘገልግልን እማመ ኣብ ምድላው  ከምዘሎን፡ ኣብ`ዚ ቀረባ መዓልታት ንስራሕ ክዋፈረሉ  ምዃኑን በዚ ኣጋጣሚ`ዚ ንሕብር።

ኣብ መደምደምታ ፡ ብሕኑን ወኒን ተወፋይነትን ክዕወት ዝግበኦ ሰላማዊ ሰልፊ ኒውዮርክ፡ ኩሎም ደለይቲ ፍትሒ ኤርትራውያን ብብዝሑ ቁጽርን ብዝለዓለ ፍናን ንክሳተፍዎ ደጊምና ብትሕትና ነማሕጽን።

ህዝባዊ ጥርናፈ፡  መድሕን ህዝብን ሃገር`ዩ!!

ውድቀት ንኹሉ መልክዓት ምልኪ!!!

ህዝባዊ ምልዕዓል ኤርትራውያን ንፍትሒ

10/10/2015

 

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
4 COMMENTS
  • Tesfalem October 11, 2015

    hi yehwat bkedamnet nkulukum deleyti fthn deleyti selamn muwuk selamtay yekrbelkum nukulukum ka ab nebskum mulu tina ab srahkum awetn asalto ab thasbuwo mefetsemta ymneyelkim
    kabzi ketsle wala da akmi halini ayhagzkum enber btgebrwo kulu mnkskasn srahkumun hugus eiye ketslwo ka kblekum yfetu kubrat deki hager deleyti selamn deleyti fthn demokrasn zkonkum yehwat abeytn nashtun bhabar yehwat
    hanti gn ane klawebekum zdeli abzi tgebruwo zelekum tefalitkum teserahkum tsbuk eiu mkniyatu abti hzbawi kalsi wey abti gze gedli zhalefe kalsi n50 ametat men nhager yhali men eiu eritreawi temesilu nhager zetnt znebere domekrasi selam deliu zeyte kalese san felitka zey mgaz eiu abta kem hishok agam kem kakito koynatna knebrela zeykalna hagerna agatimu zelo eizi kulu skyatn motn hlktin tifatn hadera kabzi bmktsal awetn selamn ymneyelkum tsbuk mnkskasn srahn ymneyelkum ab awet yerakbena kuburat yehwat

  • k.tewolde October 11, 2015

    Keep on sawing the seeds of freedom , justice, and democracy.You will soon harvest your input abundantly, guaranteed! Your brother in arms.

  • kahsai kidane October 11, 2015

    Ladies &gentle men our myrtles paid their lives Said victory to the masses but this ypfdj , taking our cotountry into hell . NOW is the time to stop brutal administration

  • Negusse October 13, 2015

    ክቡራት የሕዋትን የሐትን፤

    እዚ ጉዳይ እዚ ሐደራን ለበዋን ዝድልዮ አይመስለንን እንታይ ድአ እንተኾነ ካብቶም ጀጋኑን ተባዓትን ደለይቲ ፍትሒ አብ ጀነሻ ዘርአዩናን ዘኹርዑናን ንህግድፍን ደገፍቱን ዘሰንቦዶምን አንፈቶም ዘጥፉአሎምን ንላዕሊ ክንገብር ካብኡ ዝተረፈ ድማ ካብኡ ብዘይውሕድ ክንገብርን ክንቕረብ ይግበአና ።
    እዚ ሰይጣን ኢሳያሳን ኾራኹር ደገፍቱን አብ ሕጊ ቐሪቦም ዝግቦኦም ፍርዲ ክረኽቡን ” ማንም ልዕሊ ሕጊ ከምዘየሎን ” ክማሀሩን ፍትሒ ሲኢኑ ዝበኺ ዘሎ ሕዝብና ድማ ይእኸሎ።

    ” ሎሚ ዘይከተተ ብደዉ ከምዝሞተ ” እዩሞ ሀየ ድአ ንበገስ ንኒውዮርኽ የሕዋት እዛ ናይ ኒውዮርኽ ምትእኽኻብን ሰላማዊ ሰልፍን አዝያ አገዳሲትን ሐመድድመ ናይ እሳያስ እያ።

    ” ቪቫ ንውዮርኽ አጆኹም የሕዋት ምሳኹም አለና ።
    ” ከምቲ ናይ ትማሊ ሕጅውን ሕዝቢ ኤርትራ ክዕወት እዩ.።
    ሽቑረራን ራዕድን ደው ክብል እዩ ንጽሀት ኤርትራውያን ነጻ ክወጹ እዮም ። ኤርትራ ዓዲፍትሕን ስርዓትን ክትኸውን እያ እሳያስ መጨፍለቕን ማሕሰይትን ዝጥቐመሉ ዝነበረ ፍሉይ ቤት ፍርዲ ክዕጾ እዩ።
    ሕረስ ሐረስታይ ንገድ ነጋዳይ ተመሀር ተማሀራይ ዝተዐጸወት አስመራ ዩንቨርስቲ ጥራሕ ዘይኮነስ አብኩለን ከተማታት ኤርትራ ዩንቭርስትታት ኮሎጃት ክኽፈት እዩ።

    አጆኹም አጆና አብ ኒውዮርክ የራክበና።

POST A COMMENT