Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ንስኺ ደኣ እሞ…!

ንስኺ ደኣ እሞ

ንስኺ ደኣ እሞ…!
 
መበገሲ ጽሑፈይ፡ እቲ ብዕለት 07/06/2014 ብራድዮ ወጋሕታ ዝሰማዕኩዎ መስደመም ቃለ መጠይቕ መሳርሒ ህግደፍ ዝኾነት ወ/ሮ ሶፍያ ተ/ማርያም፡ ምስ ፈነወ ራድዮ ኤስ ቢ ኤስ እዩ። ኣሳሰዪት ሶፍያ ብዛዕባ ቋንቋን ባህልን ህዝቢ ኤርትራ ምንም ኣፍልጦ ስለ ዘይብላ፡ ቋንቋታት ኣምሓርኛን እንግሊዝኛን ስለ እትመልኽ ጥራይ፡ ‘ንወያነን ንኣመሪካን ብናይ ሓሶት ፕሮፖጋንዳና ኣብ ምክታዕን የዋሃት ኣብ ምድንጋርን ትጠቕመና እያ’ ብምባል፡ ጃንዳ ህግደፍ ከም ጓንቲ ዝጥቀሙላ ዘለዉ፡ ኣብ ኤርትራ እንታይ ይግበር ከም ዘሎ ምንም ኣምር ዘይብላ፡ የዋህ ዜጋ’ያ። ‘ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ኣብ ክንዲ ንኣኣ ደዊሎም ሓግዝና ዝብሉዋ፡ ናብ ተጣባቒት ሰብኣዊ መሰላት ወ/ሮ ኤልሳ ጭሩም ደዊሎም ከም ዝሓቱ፡ ንኣኣ ግን ክጸርፉዋ ጥራይ ከም ዝድዉሉላ’ ክትዛረብ ምስ ሰማዕኩዋ ድማ’የ በዛ እትስዕብ ናዕታ ኣቢለ፡ ላዳ (ዕየት) ካብ ድቃስኪ ተበራበሪ ክብላ ዝመረጽኩ።
 
ንስኺ ደኣ እሞ…!
 
ንስኺ ደኣ እሞ ኣንቲ ሶፊ
ክንዲ *ጣዝማ ሑሞር ተሰልፊ  *መዓር ጽገናይ
ነዚ ኣጽናቲ ስርዓት ክትድግፊ
ክሳዕ ምንቅልዋጥ እትገድፊ
ባህርያዊ እኮ’ዩ ክትዝለፊ!
 
ብስቓይ ኣሕዋትኪ እንተ ትሓዝኒ
ኣብ ሓርነትን ፍትሕን እንተ ትኣምኒ
ከምታ ኤልሳ ጭሩም ንኽትኮኒ
ንረገጽቲ ፍትሒ እንተ ትኹንኒ
ዝድውለልኪ ሰብ ሕሩም ነይትስእኒ!
 
ብጥፍኣት ኣሕዋትኪ ተሽካዕልሊ
ሃገር እናባደመት ጽቡቕ ኣላ ትብሊ
ክሳዕ ትጓሓፊ ግዜኺ ተእክሊ
ንውልቀ መላኺ ከም እተገልግሊ
ስለ ዝፈልጡዎ ናትኪ ምስሊ
ብዘይምድዋሎም ኣይተስተማስሊ!
 
እወ፤ ዘመድ ተዂላ ሙዃና ወኻርያ
ነዛ ለዋህ በጊዕ ይጠፍኣዶ ኢልክያ
ሕሰቡሉ ደኣ ኣስተውዕሊ ሶፍያ
ስምኪ ንመላኺ እንተ ኣወፊኽያ
ኣብ ጓሓፍ ናይ ታሪኽ ህዝቢ ከይድርብያ
ንፍትሒ ደው በሊ ብኣጋ ኣድሕንያ!
 
ካብ መላኺ ሃገር ከም ትዓቢ
ልዕሊ ኹሉ ከም ዝኾነ ህዝቢ
ኣንቲ ሶፊ ቊሩብ ዘይትሓስቢ
ህዝቢ እናጠፍአ ሓሶት ትዛረቢ
ክሳዕ መዓስ ኢኺ ወረ ክትዕሰቢ
ካብ ጉጅለ ምልኪ እንታይ’ኺ ትረኽቢ!?
 
እታ ንእስነታ ኣብ ገድሊ ዘብለየት
ጥልመት ሰማእታትና ምስ ረኣየት
ካብ ጉጅለ ምልኪ ዝተኣልየት
ብስቅያት ህዝባ ወትሩ እናበኸየት
ውጹዓት ንምርዳእ ምስ ጎየየት
መድሕን ኤርትራውያን ኣደ ዝተሰምየት
ጅግና ኤልሳ ጭሩም ይወሃባ ክብረት!
 
በዚ ኣጋጣሚ ነታ ሓቅን ሓሶትን ብምንጽጻር፡ ተበለጽቲ ኣብ ምቅላዕን ሽርሕታት ስርዓት ደማሒ ንምብላልን፡ ትርኑዕ ዜናታት ናይ ካልኦት ተቓወምቲ ሓይልታት፡ ኣገዳስነቱ ኣለሊያ፡ ደጊማ ብምቅላሕ፡ ልዑል ተራ እትጻወት ዘላ፡ ናጻ ራድዮ ደለይቲ ፍትሒ፣ ድምጺ ውጹዓት፣ ራድዮና፡ ራድዮ ወጋሕታ አመስግን።
 
ብሽንሆትንኽንነብር፡ዕምሪምልኪነሕጽር!          
 
ካብ ሓውኹም መሲናስ 10-06-2014

aseye.asena@gmail.com

Review overview
51 COMMENTS
  • Berhe Tensea June 15, 2014

    I feel sorry for the dictator, it has come to this, to be defended by a hopeless and helpless woman This woman is becoming the laughing stock of people where ever she goes.
    I am sure that the dictator is very disappointed with the report of her visits to Canada and parts of USA.
    Her background and her poor Tigrinia skills a great liablity and that makes her a parrot of the dictator sent to him from the forests of Tembien or somewhere in Ethiopia.

  • silent June 15, 2014

    Give us three more superlative ladies like our lioness Sophia Tesfamariam, the pride of Eritrea in the diaspora and we will transform the sorry aspect of this traitors infested world into a habitat of decent people.

  • eritreawi June 15, 2014

    People, how about Dejen for Pesident of Eritrea.
    Reasons:
    1. For his background through the armed struggle.
    2. For his perseverance in his jail experience.
    3. for his maturity and positive attitude towards the criminals.
    more…

  • eritreawi June 15, 2014

    why is Tembien paying us this through these two cousins? i.e. isaias and siye abraha.

  • eritreawi June 15, 2014

    What is these two cousins have in common? They’re arrogant monkeys full of inferiority complex. Most of all, they are cowardice and they’re merciless.Their difference…..? Siye, was dealt with one smart monkey — he is regretting his actions against Eritreans, and he is crying about it for the rest of his life. In other wards, he is physically free but his soul is in jail. On the other hand, Isaias is surrounded by the least qualified cowardices on the planet Earth. These cowardice are abandoning him after they have no use for him anymore. PIA is a NAKED KING.

  • gebrihiwetkahsay June 16, 2014

    Sofyyy gal Hager belyom dear nezom kedeat telamat.

  • simona stegay June 25, 2014

    I hate this women so stupid dfnti hangol

POST A COMMENT