Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ንስዉኣትና ብኸመይ ንደብሶም??

ንስዉኣትና ብኸመይ ንደብሶም?? ካብ ድሮ ናጽነት ኣትሒዙ በቲ “ኤርትራ ሕድሪ ስዉኣትና እያ፡ ስልጥንትን ብልጽግትን ኤርትራ ምፍጣር ድማ ደበስ ስዉኣትና፡” ብዝብል ናይ ህግደፍ ምስሉይ ጭርሖ ጸሚምና ኔርናን ኣለናን። መምዘኒ ናይ ዝኾነ መንግስቲ፡ ውድብ፡ ማሕበር፡ ሰልፊ ወይ ውልቀሰብ

ንስዉኣትና ብኸመይ ንደብሶም??

ካብ ድሮ ናጽነት ኣትሒዙ በቲ “ኤርትራ ሕድሪ ስዉኣትና እያ፡ ስልጥንትን ብልጽግትን ኤርትራ ምፍጣር ድማ ደበስ ስዉኣትና፡” ብዝብል ናይ ህግደፍ ምስሉይ ጭርሖ ጸሚምና ኔርናን ኣለናን። መምዘኒ ናይ ዝኾነ መንግስቲ፡ ውድብ፡ ማሕበር፡ ሰልፊ ወይ ውልቀሰብ ዝብሎን ዝገብሮን ዝሳነ ድዩ ኣይኮነን? ዝብል ሕቶ ብእወታ ክምለስ ከሎ እዩ። ኣብ ኵነታት ሃገርና መጺእካ እዚ ሕቶዚ ብኣሉታ ስለ ዝምለስ ንኤርትራውያን ደም ዘንብዕ ጕዳይ ኮይኑ ኣሎ። መትከላት ሰውራ ኤርትራ (ኣብ ተሓኤ ይኹን ህግሓኤ) ንባዕዳዊ ገዛኢ ሰጕግካ ሱርበተኻዊ ዝኾነ ፍትሕን ደሞክራስን ዝዓሰሎ ስርዓት ምትካል ዝብል ከም ዝነበረ ብግብርን ብታሪኽን ንዝክሮ ነገር እዩ። እቲ ናይ ነዊሕ ዓመታት ስቓይ ህዝብና ተወዲኡ ህዝብና ብሩህ መጻኢ ኣብ ዝተጸበየሉ ግዜ ግን፡ ህግደፍ ክሳብ ዝዳሎ ንገለ ዓመታት ንመዕሸዊ ዝኸውን ጭርሖታት ክዝርግሕ ድሕሪ ምጽናሕ ንሃገርን ህዝብን ኣብ ኵናት ጠቢሱዎ። ህዝብና ሓንቲ ኣብ ዓለም ክተዛርብ እትኽእል ኣብነታዊት ሃገር ክሃንጽ ይምነ ነይሩ ጥራይ ዘይኮነ ከም ውሁብውን ወሲዱዎ ነይሩ። ህዝብና ጥራይ ዘይኮነ እቶም ብቐሊል ዘይጋገዩ ናይተን ዓበይቲ ሃገራት ዝብሃላ መራሕቲ ከይተረፈ ንኤርትራ ከም ብሩህ ተስፋ ዘለዋ ኣብነታዊት ሃገር ይጠቕሱዋ ነይሮም።

ክቡራት ኣሕዋት፡ ታሪኽ ጥልመት መራሕትና ንድሕሪት እናተመላለስና ንዅሉ’ቲ ዝሓለፈ ጽቡቕን ሕማቕን፡ ነቲ እልቢ ዘይብሉ ዘይፍጸም መብጽዓታትን ጭርሖታትን ክንዝክሮ ከለና መዓንጣ ከብድኻ ዝቐርጽ ሽርሒ ወይ ጥልመት ከም ዝተፈጸመ ክንግንዘብ ንኽእል። ህዝቢ ኤርትራ ዓመት መጽአ ሕድሪ ስዉኣትና ኣይንጥለም እናተባህለ፡ እቶም ምስሉያት መራሕቱ ድማ መታን ከእምኑዎ ምስኡ ናይ እግሪ ጕዕዞ እናገበሩ ከለዉ ብኸመይ መንገዲ እዩ ሕድሪ ስዉኣት ይጥለም ከም ዘሎ ከስተውዕል ዝኽእል? ሓደ ማሕበር ይኹን ብሰልፊ ዘይተጠርነፈ ህዝቢ ነዚ ከስተውዕለሉ ከቶ ዓቕሙ ዘፍቅዶ ኣይኮነን። ብተወሳኺ፡ እቲ ጭፍራ ዝገብሮ ዲጋ ሰሪሐ፡ ክሊኒክ ደጊመ፡ ዒላ ወሲኸ ቤተትምህርቲውን ሃኒጸ እናበለ ወግሐጸብሐ ብቲቪ፡ ብሬድዮን ብጋዜጣን ዝዝርግሖ ኮቦሮ እዝንኻ ዝበስዕ ተደጋጋምን መሰልከዪን ዜና ዓቢ ግደ ከም ዘለዎ ክንርዳእ ኣለና። እሞ ደኣ ሓደ ልዕሊ ሚእቲ ሽሕ ስዉኣት ደቁን ካልኦት ብግቡእ ዘይተመዝገቡ ልዕሊ ሚእቲ ሽሕ ሰባትን (ሲቪል) ዝኸፈለ ህዝቢ ብኸመይ መንገዲ እዩ ሕድሪ ስዉኣት ተጠሊሙ ኢሉ ክሓስብ? ነዚ እቲ ሰብ ሰርሖ ናይ (ዶብ ግጭት) እንተ ወሲኽናሉ ወላ እቲ ይርዳእ እዩ ዝብሃል ሰብ፡ ንዅሉ እናፈለጠ ከምቲ ናይ ኣኽላባት ባህሊ (ኣኻላባት ንዝብኢ ክሳብ ዝሰጕ ኣይበኣሱን እዮም) ክኽተል ይመርጽ።

ኣብ ከምዚ ኵነታት ጭፍራ ህግደፍ ልቢ ህዝብና ስለ ዝፈልጥ ዓመት ዓመት፡ “ሎምዝበን መዓልቲ ስዉኣት ኣብ እከለ ዓዲ ናይ እግሪ ጕዕዞ ብምፍጻም ክበዓል እዩ፡ ኣብ ሃገረ እከለ ዝርከቡ ኤርትራውያን ንመዓልቲ ስዉኣት ብክብ ዝበለ ድምቀት ኣብዒሎሞ፡” እናበለ ብማዕከናቱ ዜናኡ ክግዕር ይቕኒ። እሞ ደኣ ሕድሪ ስዉኣትና ንመንኰርኰር ምዕባለ ታሪኽ ንድሕሪት ክትመልስ ዘይተኣደነ ጻዕሪ እናካየድካን፡ ስዉኣት ዳግማይ ተሲኦም እንተ ዝርእዩዎን እንተ ዝሰምዑዎን ምግዳሎም ዘጣዕሶም ነገራት እናገበርካን ድዩ ተፈጻምነት ዝረክብ? ዘለናዮ ግዜ ግርምቢጥ ዝኾነ ግዜ እዩ። ኣቦታትና ክምስሉ፡ “ካብ ዘገልገለ ቀውዒ ሰፍኢ ዘቐበለ፡” ይብሉ ክምስሉ ከለዉ። እቶም ቀያሕቲ ደቆም ዝኸፈሉን ባዕላቶም’ውን እንተ ኣባላት ህዝባዊ ሚሊሻ፡ እንተ ኣባላት ዞባዊ ሰራዊት ኮይኖም ስድራ ምሉእ ኣብ ቃልሲ እጃሞም ዘበርከቱ ዝበልዑዎ ስኢኖም ኣብ ጽርግያ ተደርብዮም ከለዉ፡ ኣበይ ከም ዝነበሩ ዘይፍለጡ ገለ ካብኣቶም ኣባላት ኢሰፓ ብምዃን ኣብ ልዕሊ ህዝብና ሃስያ ዘውረዱ ሰባት፡ ኣብ ፈቐዶ በዓላት ምስ መራሕቲ ጭፍራ ከዅድዱን ኣእዳዎም ክሳለሙን ድሌታቶም ክፍጽሙን ንዕዘብ ኣለና። እቲ ዝኸፍአ ድማ ብፍላይ ኣብ ደገ ዝነብሩ ምስሉያትን ናይ መንነት ቅልውላው ዘለዎምን ሰባት ብድሕሪ መጋረጃ ተሓቢኦም ንተቓለስቲ ሽሞምን ዘይሽሞምን ክህቡን ከም ጠላሞት ክጽውዑዎምን ዘይተሰምዑ ኣይኮኑን።

እሞ ደኣ ሕድሪ ስዉኣት ይፍጸም ኣሎዶ ክንብል ንኽእል? እዚ ሕቶዚ ንደለይቲ ፍትሒ ዘይኮነ ናብቶም “ንሕና ንሱ ንሱ ንሕና” ዝብሉ ካብ ሰባት ክትብሎም ፡ ”ጭራ ዘይብሎም ኣህባይ” ክትብሎም ዝቐለካ ሰንኰፋት ወይ ሕልና ኣልቦ ሰባት እየ ዘቕርቦ ዘለኹ። ንስንኵላን ብጥይት ዝሃርም፡ ንእስነተን ኣብ ሰውራ ንዝበለየ ተጋደልቲ ከም ስትራሾ ደርብዩ ጥዑም ክበልዓን ክሰትያን ዝንጸንሓ ቈናጁ ወዲቡ ላዕልን ታሕትን ዝብል፡ ተስፋ ሃገር ንዝኾኑ መንእሰያት መሰልኩም ሓቲትኩም ኢሉ ዝርሽን፡ ልዕሊ ፍርቂ ዕድመኦም ንዝተጋደሉ ህቡባት መራሕቲ ሃገር ከቕንዑ ስለ ዝደለዩ ጥራይ ንልዕሊ 12 ዓመታት ብኢሰብኣዊ ኣገባብ ዝኣስርን ዘሳቕን፡ ንገዛእ ህዝቡ ዝጨውን ዝጭፍጭፍን፡ ህዝቢ ናጻ ኮይኑ ብምስራሕ ሃገሩ ኣብ ክንዲ ዝሃንጽ ንዅሉ ምንቅስቓስ ንግዲ ኰርኵሙ ብምሓዝ ህዝቢ ብሕጽረት ሃለኽቲ ኣቕሑ ከም ዝሳቐ ዝገብር፡ ንሃገር ብርሃን ከሊኡ ኣብ ጸልማት ዝድቕድቕ ጭፍራ “ሕድሪ ስዉኣት ይፍጽም ኣሎ” ክብለኒ ዝደፍር ሰብ ይህሉዶ ይኸውን! እንተሎ መረዳእታኡ ሒዙ ይቕረብ።

ክቡራት ኣሕዋት ምዝራብን ምጽሓፍን ቀሊል ክኸውን ይኽእል እዩ። ግን ይትረፍ ግዜኻ ሰዊእካ ጕልበትካን ገንዘብካን ምውፋይ፡ ሰላማዊ ሰልፊ ምውጻእ፡ ብጽሑፍ ድዩ ብዘረባ እጃምካ ምብርካት ንባዕሉ ኒሕን ሕልናን የድልዮ። ስለዚ፡ እቲ ስርዓት ሕድሪ ስዉኣት እንተ ዘይፈጸመ ብተንኰል ዝገብሮን ካብ ባህሪኡ ዝብገስ እከይ ተግባርን ስለ ዝኾነ ክንቃለሶ ጥራይ እዩ ዘለና። ነዚ ክንገብር እንተ ዄንና ግን ንሕናኸ እቲ ክንገብሮ ዝግብኣና ንፍጽምዶ ኣለና ብምባል ነፍስና ክንሓትት ይግባእ። ብፍላይ ኣብ ወጻኢ እንነብር ሰባት ነቲ ደሞክራስያዊ መሰልና ተጠቒምና፡ ነቲ ሕድሪ ስዉኣት ጠሊሙ ትልኽ ዝብል ዘሎ ጭፍራ ህግደፍ ሕቘኡ ክንሰብሮ ግድነት እዩ። ብኸመይ ዝብል ሕቶ ክቐርብ ባህርያዊ እዩ። እቲ መልሲ ጸጸርና ብምድርባይ ዝብል እዩ። ንኣብነት ኣብዛ ዘለኹዋ ንእሽቶ ዓዲ ማዕረ 60 ኤርትራውያን ኣለና። ካብዚኣቶም እቶም 80% ንህግደፍ ዘይድግፉ’ኳ እንተ ኾኑ፡ በብደረጃኡ ኣንጻር ህግደፍ እንነጥፍን እንቃለስን ግን ካብ 20% ኣይንሓልፍን። ካብዞም 20% እንተ ኾነ’ውን ብንጥፈት እንሳተፍ ፍርቅና ጥራይ ኢና። ስለምንታይ ዝብል ምኽንያት ምስ ዝቐርብ በቲ ዝድለ መጠን ተወፋይነት ዘይምህላው እዩ እቲ ጸገም። እቲ ዘገርም፡ ክትዕ ወይ ዘረባ ክለዓል ከሎ እቶም ብንጥፈት ዘይሳተፉ ሰባት’ዮም ናይ መልሓስ በልሒ ዘርእዩ። ሕድሪ ስዉኣት መልሓስ ብምንዋሕን ጨለ ዘረባ ወይ ውሃ ዝብል መደረ ብምቕራብ ከም ዘይፍጸም ናይ 22 ዓመት ታሪኽ ምስክር እዩ። ከም ኢሳያስ ገይሩ ብዛዕባ ሕድሪ ስዉኣት ዝጨደረ የሎን። ኣብ ሕድሪ ስዉኣት ምጥላም ግን ምስቶም ዕሙታት ሰዓብቱ ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ተሰሪዑ ይርከብ።

ጽሑፈይ ንምድምዳም፡ ሕድሪ ስዉኣት ብዝሒ ሽምዓታት ብምውላዕ ወይ ዘቝጸልጽል መደረ ብምስማዕ፡ ዝነውሐ ናይ እግሪ ጕዕዞ ብምፍጻም ወይ ተኣኪብ መዝሙር ስዉኣት ብዝማር ኣይኮነን ዝፍጸም። ብቀዳምነት ንስዉኣት ብሕልና ምዝካር የድሊ። እዚ እንተ’ልዩ ናብቲ ካልኣይ ደረጃ ምቕጻል ቀሊል እዩ። ንሱ ድማ ሓቦን ኒሕን ተዓጢቕካ ኣብቲ ዝግበር ቃልሲ ኣንጻር’ቶም ሕድሪ ስዉኣት ዝጠለሙ ሰባት ኣበርቲዕካ ምቅላስ እዩ። ነዚ ክገብር ዘይክእል ሰብ ከም ሓደ ተበላጺ፡ ኣብ ዝበሎ ዘይውዕል፡ ናይ ዘረባ’ምበር ናይ ተግባር ሰብ ዘይኮነ፡ ምስሉይን ፈታው ነብሱን ክውሰድ ይኽእል። ከምዚ ኣቐዲመ ዝበልኩዎ፡ ስዉኣትና ዳግማይ ህይወት ዘሪኦም ነዚ ዘሎ ኵነታት ነዚ ኣብ ደገ ዘሎ ኵነታትና ምስ ተዓዘቡ ምግዳሎም መጣዓሶም ነይሩ። ምኽንያቱ ኣብ ክንዲ እዚ ክጥቀስ ዝጸንሐ ሃናጺ ነገራት ንገብር፡ እቶም ተቓለስቲ እንብሃል ኣብ ነንሓድሕድና ኢና ንተሃናዀት ዘለና። ኣብ ነፍስወከፍ ሃገር ዘሎ ኵነታት ንተዓዘብ፡ ኣብ ክንዲ ከም ሓደ ሰብ ደው ኢልና እሂን ምሂን ንባሃሃል፡ “እከለ ድዩ ከምዚ ኢሉ? መን ኢሉዎ? ንሕና ምስኣቶም ክንሰርሕ ጸገም ኣለና ወዘተ” ምባል ከም ፋሽን ወይ ቅዲ ተወሲዱ ኣሎ። ቃልሲ መስሓቕ ሸራፋት ኮይኑ! ብሓቂ ደም ዘንብዕ እዩ! ንሃገር እናተቓለስካ ብውልቃዊ ዝናን ስምን ምሕሳብ ዓቢ ቍምነገር ኮይኑ። እዚ ድማ ብኽነት ጥራይ እዩ ክብሃል ዝኽእል። ኤርትራ እዚ ክትፍደ ከቶ ዝጽበ ሰብ የሎን። ስለዚ፡ ሃየ ኣብ ዘዘለናዮ ዓዲ ኢደ ኢድካ ብምባል ሕድሪ ስዉኣት ክንፍጽም ንጽዓር።

ስዉኣትና ብግብራዊ ቃልሲ ይደበሱ!

እስጢፋኖስ ተሞስሎ

ኖርወይ

aseye.asena@gmail.com

Review overview
1 COMMENT
  • humble citizen June 18, 2013

    zelalemawi kibri niswuatna.

POST A COMMENT