Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ንቅርጸት ከብዲ ማሕጎማ

        ወፍሪ ዶ/ር ጸገዛአብ ናብ ቤ/ክርስትያን ሮተርዳም                                           ንቅርጸት ከብዲ ማሕጎማ       

        ወፍሪ ዶ/ር ጸገዛአብ ናብ ቤ/ክርስትያን ሮተርዳም

                                          ቅርጸት ከብዲ ማሕጎማ 
          አብዚ ቅንያትዚ ነቲ አብ ቤተክርስትያን ሮተርዳም ሆላንድ ናብ ዘይንቡር ደረጃ ዝበጸሐ ምፍሕፋሕ ሃይማኖትን ፖለቲካን ንምሽምጋል ወይ ንምጽራይ ዝተንቀሳቀሰ ዶ/ር ጸገዛአብ ካብታ መጀመርታ ማዓልቲ ጉዕዝኡ ጀሚሩ ክሳብ ሕጂ ከሰላስሎም ወይ ክሸናኽሮም ዝጸንሐ ጉዳይ ሃይማኖትን ፖለቲካን ክንከታተሎ ጸኒሕና፣፣ ውጺኢት ናይቲ መጽናዕቲ  ጸለመ ዳአምበር አብቲ ቤተክርስትያን ዝተፈጸመ ዓመጽ ከምዘየለ ብ ዶ/ር ጸገዛአብ ዝተለጠፈ ብባንዴራ ዝተጎልበበ ሽማግለ ሃይማኖት መጽናዕቱ ከምዝወደኤ ውን አምቢብና፣፣
          እንተኾነ ሽምግልና ቤተክርትያን ፈሪሃ እግዜአብሄርን እምነት ሃይማኖትን ተወኪስካ ዝውፈር ዳአምበር አብ ኩሎም ፖለቲካዊ ንጥፈታት ብዝተጎናጸፍካዮም ተፈላጥነት ተሰኒኻ ብገጻት ኢንተርነት እንዳዘላለፍካ አብ ሽምግልና እምነተ ሃይማኖት ክትሸናኽር ተዘይኮይኑ ክትፈትሕ ዘኽእለካ አይኮነን፣፣ ስለዚ እዩ ኸአ ዶ/ር ጸገዛአብ መጀመርታ ጽሑፉ በቶም ብዲሞክራስያዊ አገባብ ዝተመርጹ ሽማግለ ተሰንየ ነቲ ቤተክርስትያን ዜረዮን አጽኒዒዮን ምስ በለና ስዒቡ ዝመጽእ ውጽኢት መጽናዕቱ እንታይ ከምዝኸውን ንምፍላጥ ዘሸግር አይነበረን፣፣ ምኽንያቱ ካብ ሓደ ነጻ ብዲሞክራያዊ መሰል ተሰንዩ ሃይማኖታዊ ተልእኹኡ ጥራይ ዘሰላስል ቤ/ክርስትያን ዝፋቀሩን ይቅረ ዝባሃሃሉን አመንቲ  እምበር ጸለመን ህልኽን ዝዓጠቁ ሰይጣውንቲ ከፍሪ አይምኻአለን፣፣እዚ ቤተክርስትያን ሮተርዳም ጸለመን ህልኽን ካብ ዝከናነቦ ብዙሓት ዓመታት ሓሊፎም እዮም፣፣ ጠንቁ ኩሉ ከም ዝፈልጦ ኢድ አእታውነት ህግደፍ አብ ኩሎም እምነታት ኮይኑ፣ ናይ ሮተርዳም ውን ከም ኩሎም አብያተ እምነታት ኤርትራውያን በዚ ሕማም ክሳቀ ጸኒሑን አሎን፣፣ 
               ክምሳዕቤኑ ኸአ ቅድሚ 6 ዓመት በቶም ነቲ ቤተክርስትያን ከገልግሉ ብመንበረ ህግደፍ ተሰይሞም ካብ አስመራ ዝመጹ (ካህን) ቀሺ አፈወርቂ ንሓደ ዲያቆን በሰባብኽኡን ትሕትንኡን ብህዝቢ ተፈታውነት ዘትረፈ ካብ ኤርትራ ብዘይ ሕጋዊ ኢኻ ወጺኻ ብምባል ክተናኾልዎ ምስ ጀመሩ ብህዝቢ ተቀባልነት አይረኸቡን፣፣ ቀሺ አፈወርቂ በዚ አይዓረፉን ነቲ  ድያቆን ጓለይ ዓሚጹለይ ክብሉ ነዚ ሕጂ  አብቲ ቤተክርስትያን ሰፊኑ ዘሎ ብጸለመን ዝሙት ምውንጃል ባሪኾም ከፈትዎ፣፣ ቀሺ አፈወርቂ ንዝበልዎ ዓመጽ ሕጋዊ መስርሕ ተኻይድሉ አብ ልዕሊ ዓማጺ ወይ አጸላሚ  መቅጻዕቲ ወይ ተግሳጽ ክግበር ዝግበኦ ብዝበልዎ ዘጻርዮ ከይረኸበ  አብ ልዕሊ እቲ ዲያቆን ሞራላውን ስነአእሙራውን ማህሰይቲ አውሪዶም ፣፣ ግዳይ ዝኾነ ዲቆን ካብቲ ቤተክርስትያን ሃይማኖታዊ አገልግሎቱ ቦኺሩ ከጻርዮ ዝተበገሰ ሽማግለ ይኹን አማኒ ውን አነበረን ፣፣ 
               እሞ እዚ ሎሚ አብ ቤተክርስትያን ሮተርዳም ተፈጺሙ ዝባሃል ዘሎ አመጽ  መፍትሒኡ ዓመጽ ተፈጺሙ ዶ አይተፈጸመን አይኮነን፣፣ነቲ አብ ሞንጎ አመንቲ አትዩ ዘሎ ምትህልላኽ ጠንቁ መጽናዕቲ ዘየድልዮ ርኡይ ግህሰት ወይ ዓመጽ ብስርዓት ህግደፍ አብ ልዕሊ እምነት ሃይማኖት ደአምበር ደቀቅቲ ነገራት ናብ ጠንቂ ቀይርካ ዝናደ ዘላቂፍታሕ አክመጽእን  እዩ ፣፣
                 እሞ እዚ ሎሚ ብዶክተር ጸገዛአብ ዝግበር ዘሎ መጽናዕታዊ ዑደት (ንቅርት ከብዲ ማሕጎማ )ዝብል ምስላ ቀዳሞት ብግብሪ ከርእየና ዝህየስ ዘሎ ተንቀሳቃሲ ድራማ ደአምበር ዕርቂ አይከስፍንን እዩ፣፣ ሽምግልና ቤተክርስትያን ዝሓቶ ብቅዓት ይቅረ ተባሃሂልካ ሱባኤ ምእታው እምበር መጽናዕቲ ዶካትር ዝጠልብ አይኮነን፣፣
               ዶ/ር ጸገዛአብ ነተን ታዓሚጸን ዝባሃላ ዘለዋ ጎራዙት ትሕቲ ዕድመ ክጣበቀለን እንተዝኸይድ እሞ ዝታዓመጻ ከምዘለዋ ወይ ከምዘየለያ ከረጋግጽ እንተዝኸይድ ምናልባት አብታ ተጣበቅቲ ሰብአዊ መሰላት ኤርትራ ትብል ማሕበር አባል ስለ ዝኾነ ነቲ ሓላፍነት ናይቲ ማሕበር ዝጠልብ ፍጻሜ ስለ ዝኾነ ውን ግርማ ምረኸበ፣፣
                ቤተክርስትያን ጸለመ በጺሕዎ እንተኾይኑ ዝግበር መጽናዕቲ  ግን መጀመርትኡ አብ ሞንጎ አመንቲ ተኸሲቱ ዘሎ ህልኽን ምትፍናንን ከተወግድ እዩ ዘለካ እምበር መን በለ፣ መን ታዓመጸን  ምጽራይ ንፖሊስን ንናይ ሕጊ ሰብ ሞያን ዝግደፍ ሕጋዊ ውክልና ዝሓትት ከይዲ እዩ፣፣
              እሞ መጽናዕቲ ዶ/ር ጸገዛአብ  ዝታዓመጻ ጎራዙት የለዋን ናብ ዝብል መደምታ ካብ ወሰደና፣ ነቶም ብዘይተፈጸመ ዓመጽ ቤተክርስትያን ዘጸለሙ ጋዜጠኛታት ናብ ሕጊ ንምቅራብ መጽናዕቱ ክቅጽል ድዩ ወይስ ከምቲ ልሙድ አበሃህላ ህግደፍ ወያነ ን አሜሪካን እዮም ክብለና ሓቢርና ንከታተል፣፣
                                                                                                                  ዮናስ ሃብተስላሴ

aseye.asena@gmail.com

Review overview
7 COMMENTS
  • Yohannes February 9, 2016

    Dear Yonas:

    very surprising how some people are very eager to make themselves popular by doing this cheap thing. in my view, Drs. Tsegazeab will continue doing this, that is his behavioral attributes. Unfortunately, he would like to be popular at any cost. I don’t know the human personality so low like this. By the way, he claims that he has a Diploma from one of the Holland’s universities. Still he is using Doctorandus (DRs) title. Drs. is roughly equivalent to a British Honors undergraduate degree.

    • k.tewolde February 10, 2016

      The guy is a narcissistic buffoon,I have no respect for him,he is trying to validate himself, he needs to get a real job and age appropriate haircut.

  • Zeray February 9, 2016

    Unlike other societies Holland has a civilized justice system and the matter should be handed by their legal system. Let the defendants defend themselves and let the victims prove their case. Everyone else should stay clear. The truth will win if we let justice take its usual course. Anyone who is going around and making immature accusations should also be stopped or face harassment and defamation charges.

  • Zeray February 9, 2016

    Yohannes,

    Doctorandus (Dutch pronunciation: [dɔktoːˈrɑndʏs]; Latin: he who should become a doctor), abbreviated drs., is a Dutch academic title according to the pre-Bachelor–Master system. The female form is ‘doctoranda’ (abbreviated dra., though this abbreviation is no longer used). The title is acquired by passing the doctoraalexamen, traditionally a matriculation exam for admission to study at doctoral level. In most cases this concludes university study, but occasionally students will continue to do research under the supervision of a professor, which eventually allows them to obtain the title of doctor. (Source: Wikipedia)

  • Yohannes February 10, 2016

    Dear Zeray:

    Thank you very much for the clarification. I earned the German Dipl. Wirtschaftler (Dipl. Oec) academic degree from a German university. What I wrote is just for people to know that Drs. is not Ph.D. It is just the same level as German Diplom. If he has a Doctorate (Ph.D) degree, that is OK to use the title. However, he should not use the DRs in a confused fashion.

  • ወልደትንሳኤ February 11, 2016

    ዝኸበርካ ዮናስ ብመጀመርታ እግዚአብሔር ይምሓርካን፡ ይቕረ ይበለልካን ክብለካ ይደሊ፡ ቀጺለ ጽሑፍካ ምሰ ኣንበብኩ ብጣዕሚ ሓዚነልካ፡ ምኽንያቱ ካብ ጽሑፍካ ብዛዕባ ዘይትፈልጦ ፈጠራዊ ጽውጽዋይ ትዛረብ ከምዘለኻ ስለዘስተብሃልኩ፡ ከምግምተይ’ውን እምነት ዘሎካ ሰብ ኣይመስለንን፡ ከመይ ዝኣምን ሰብ ንናይ ማንም ኣካል እምነትን፡ ናይ ሃይማኖት ክብርታትን ክነቅፍ ኢሉ ሰለዘይብገስ፡ ክብለካ ዝደሊ ግን ፖለቲካዊ እየ ኢለካ ንነፍስኻ ትሓስባ እንተሊኻ፡ ገና ኣይኮንካን ዘለኻ፡ ፖለቲክ ብንቕሓት እምበር ብስምዒት ዘይእቶ ዕላማ ዘለዎ ምርጫ ስለዝኾነ፡ ተቓዋሚ ግን ኢኻ ንዝደለኻዮ ክትቃወምን ክትጻረፍን ትውዕል ጅግና፡ ናይ ፖለቲካ ዘይኮነስ ናይ እምነት ተቓዋሚ፡ ነቲ ናብ ቤተክርስቲያን እተዝንቦ ዘለኻ ጸርፍታት ግን እግዚኣብሔር ከምዝፈርደልካ ኣይትዘንግዕ። ወልደትንሳኤ ሆላንድ

  • Yohannes February 11, 2016

    ዝኸበርካ ወልደትንሳኡኤ፥
    አግዚኣብሔር ሓቂ እዩ ዝፈቱ። ሓቂ ድማ መራር እያ ንኽምዚ ክማኻ ክውንነታዊነት ዝይቅበል። Just accept the glaring reality and work on saving the country። ተቐበሎ ድኣ እዚ እዩ ውርሻዊ ተርእዮ ናይ ሎሚ ባህልናን፣ ናብራናን፣ ወዘት ሳላ ህግደፍ

POST A COMMENT