Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ንቓፌታ መርዚድዩ ወይስ መድሃኒት?

ትርጉም ንቓፌታን ዓይነታት ንቓፌትን እኳ ዚፈላለ እንተኾነ፡ ብሓፈሻ ግን አብ ስራሕ፡ አብ ምትሕልላፍ ሓበሬታ፡ አብ ስነ-ምግባር፡ አብ አተሃናንጻ ዝምድናታት፡ አብ ፖለቲካዊ ትንታኔታት፡ አብ ዚቐርቡ ሓሳባት፡ አብ ስነ-ጥበብ ወዘተ ንዝግበሩ ጉድለታት ብዝመሰለካ ይኹን መርተዖታት ብምቕራብ ምእራም

ትርጉም ንቓፌታን ዓይነታት ንቓፌትን እኳ ዚፈላለ እንተኾነ፡ ብሓፈሻ ግን አብ ስራሕ፡ አብ ምትሕልላፍ ሓበሬታ፡ አብ ስነ-ምግባር፡ አብ አተሃናንጻ ዝምድናታት፡ አብ ፖለቲካዊ ትንታኔታት፡ አብ ዚቐርቡ ሓሳባት፡ አብ ስነ-ጥበብ ወዘተ ንዝግበሩ ጉድለታት ብዝመሰለካ ይኹን መርተዖታት ብምቕራብ ምእራም ማለት እዩ።

ነቓፌታ ሃናጺ ወይ ኣዕናዊ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ኮነ ኢልካ ብመልክዕ ዘለፋ ወይ ጸርፊ ንጉድለታት ጥራሕ እንዳልዓካ ምስትነቅፍ ኣዕናዊ ነቐፌታ ይበሃል። ሓቀኛን ሓልዮት ብዝተሕወሶ ኣገባብ ንናይ ካለኦ ሰባት ስራሕ ወይ ሓሳባት አማራጺታት ብምምጻእ መአረምታ ምስትህብ ከኣ ሃናጺ ንቓፌታ ይበሃል።ሃናጺ ንቓፌታ እወንታውን አሉታውን ጎንታት ናይቲ ስራሕ ወይ ሓሳባት እንዳልዓልካ ነቲ ጉድለት ብምእራም ንዕቤት ዝሃቀነ ኮይኑ አብ ውሽጡ መንፈስ ሓላፍነትን ሓልዮትን ምትሕብባርን ዘለዎ እዩ።

ንቓፌታ ንነቕፈሉ ምኽንያት እዞም ዝስዕቡ ክኾኑ ይኸሉ፤

1) ነቲ ዝተጋገየ ሰብ ካብ ጌግኡ ተአሪሙ ኪመሃር ወይ ናብ ቅኑዕ ጎደና ንምምላስ

2) ቅንኢ ወይ ሕስድና ዘንቀሎ ስምዒት ንምርዋይ

3) ንዝወዳደሩኻ ሰባት ሞራሎም ንምድቋስ ወይ ስሞም ብምጽላም ካብ ካለኦት ድምጺ ከምዚስእኑን ከምዝንጸሉን ንምግባር

4) ንናይ ካለኦት ሰባት ፍርያት፡ ሓሳባት ወይ ዕዮ፡ ትሑት ከምዚኾነ አምሲልካ ብምቕራብ ናብ ረብሓኻ ወይ ረብሓ ወገንካ ንምውዓል

ሓደ ሰብ ኪወስዶ ንዝነበሮ ዝበለጸ አማራጺታት ብዘይምውሳዱ ንዘጋጠመ ወይ ከጋጥም ንዝኽእል ክሳራታት/ሳዕቤናት ንምጉላሕ ወይ ንምንጻር እሞ ንመጻኢ ብዝበለጸ ከም ዝመሃረሉ ንምግባር ወዘተ እዩ።

ንቓፌታ ብሓፈሻ ንኽትቅበሎ አዚዩ መሪር እዩ። ይኹን እምበር ደረጃ ምረቱ አብዞም ዝስዕቡ ረቛሒታት ይሙርከስ፤

1) መን ነቒፋትካ፡

2) ስለምንታይ ነቒፋትካ፡

3) ብኸመይ ነቒፋትካ

4) አብ ከመይ ኩነታት ነቒፋትካ አዚዩ ወሳኒ እዩ

1) መንነቒፉካ፡

ከምትሓሌልካ ንምዕባሌኻ ከምትሓስብን ንትአምና ሰብ ምስትነቕፈካ ንኽትቅበላ ዘሎ ተኽእሎ አዚዩ ዓቢ እዩ። ንኣብነት፡ ሓንቲ ሰበይቲ ብሓደ ዓይነት ጉዳይ ብሓማታ ኪትንቀፍ እንከላ ዚስመዓን በዲኣ ኪትንቀፍ ከላ ዚስመዓን አዚዩ ዝተፈላለየ ክኸውን ይኽእል። ሓደ ሰብ ካብ መወዳድርቱ ዚነቕፎ አብቲ ውድድር ዘየሎ ሻራ ዘይብሉ ሰብ ምስዝነቕፎ ዝያዳ ጉድለቱ ናይ ምቕባልን ምእራምን ተኽእሎኡ ዓቢ ኪኸውን ይኽእል። ካብዚ ንመሃሮ እንተሊዩ እቲ ዘንቅፈና ጉዳይ ጥራሕ ዘይኮነ ዘገድስ መን ነቒፉና እውን ጉድለትና ንኽነልዕልን ክንእረምን አዚዩ ልዑል ተራ አለዎ። ቅኑዕነትን ንጽሕናን ናይቲ ናቓፋይ ብዘየገድስ እቲ ተነቓፋይ አብ ልዕሊ ነቓፋይ ዝህልዎ አወንታውን አሉታውን አራእያ አዚዩ ወሳኒ እዩ። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ ንሓደ ብትኽክል ክንሃንጾ ዝደለና ሰብ ብመንገዲ መቕርቡ፡ መዛንኡ፡ ንሱ ዝኣምነሎም ኣማኸርቱ ጌርና ክነቕፎ/ክንእርሞ የድሌና።

2) ስለምንታይ ነቒፋትካ፡

እታ ትነቕፈካ ሰብ ካብ ሓልዮት ተበጊሳ ንምእራምካን ንዕቤትካን ዝሓለነ ዲዩ ወይስ ካብ ቅንኢ፡ ረብሓ፡ ሕስድና፡ ጉጉይ አረዳድኣ፡ ወገን ወዘተ ተሞርኰሳ እያ? እዚ ብርግጽ አብቲ ዚህልወካ ዝምድናን ምቅርራብን ናይ ረብሓ ኩነታትን ተመርኰስካ ትርጉም ብምሃብ ኢኻ እቲ ነቓፌታ ክመረካን ዘይክመረካን ዚኽእል። ይኹን እምበር ስለምንታይ ተነቒፍካ ብዘየገድስ እቲ ትንቀፈሉ ዘለኻ ጉዳይ ሓቅነት ምስዝህልዎ ክትቅበሎ ናይ ግድን እዩ ዚብል ሙጉት ኪለዓል ባህርያዊ እዩ። ኮይኑ ግን ኩልና ደቂ ሰባት አብ ምንቕቓፍ ዚህልወና ተመኩሮ፡ ዝዓበናሉ ባህላዊ/ፖልቲካዊ ባይታ፡ ናይ ፍልጠት ዓቕምና፡ አተዓባብያናን ተፈጥሮናን ዝተፈላለየ ስለዝኾነ ንሓደ ዓይነት ነቐፌታ ብሓደ ዓይነት ትርጉም ክንርድኦን ከም ዕድል ተጠቒምና አብ ረብሓና ክነውዕሎን አይንኽእልን። ሰለዚ እታ ነቓፊት ዕላማ መንቀፊኣ ብንጹር ክትገልጽን ምስቲ ህሉው ኩነታት ብምትእስሳር ብዘየደናግር መንገዲ ክትነቅፍ ይግባእ።

3) ብኸመይ አገባብ ነቒፋትካ?

ምስላ አቦዋት ከምዝብሎ ‘’እንታይ ተዛሪብካ ዘይኮነስ ብኸመይ ተዛሪብካዮ እዩ እቲ ዝያዳ ዘገድስ.’’ ንሓንቲ ሰብ ጉድለታ ጥራሕ አራሪኻ ምስትነቕፋ ንኽትቕበለካ ዘለዋ ተኽእሎ ጸቢብ እዩ። እንተተቐበለትካውን ናይ ስሚዒት ሃስያ ክገብረላ ናይ ግድን እዩ። ኮታስ አብክንዲ ንቓፌታኻ ብኣወንታዊ ዓይኒ ሪእያ ብጽቡቕ ተቐቢላ ጉድለታ ኪትእርም ትሓስብ አብ ነብሰ-ምክልኻል፡ ህልኽን ክርክርን ኪትኣቱ ትኽእል። ከም ሳዕቤኑ ከኣ አብክንዲ ናብ ዕቤት ናብ ግርጭትን ህልኽን ብምምራሕ ንምዕባሌኣ ንድሕሪት ኪጎታ ይኽእል። ኣብ ምንቃፍ እትጥቀመሎም ቃላት ዘለፍትን አጠቓለልትን ምስዝኾኑ አይኮነን ነቲ ዚንቀፍ ነቲ ሰማዒ እኳ ዘቖጥዕ ኣዕናዊ አገባብ እዩ።

አብነት። ሓደ ተጋዳልይ ኩሉ አፍራዪ ዕድሜኡ ምእንቲ ሃገር ዝሰውአ እሞ አብ አፍደገ ናጽነት ምስ ሓለፍቲ ብጾቱ ብሰንኪ ናይ ስነ-ሓሳብ ፍልልይ ተገራጭዩ ናብ ስደት እንተዘምርሕ!

እስከ እዘን ዝስዕባ ክልተ ዓይነት ንቓፌታ ንርአ፡

1.) አቶ እግሌ ድኣ ሃገር ራሕሪሕካ ዝወጻእካ ኸዳዕ፡ ሎሚ ብዛዕባ ሃገር ክትዛረብ መን አፍቀደልካ!

2.) አቶ እገሌ ዝነወሐ አፍራዪ ዕድሜኻ አብ ሃገራዊ ቓልሲ ዝወፈኻ ተባዕ ተጋዳላይ ከምዝኾንካ ዘይከሓድ ሓቂ እዩ። አብ ጉዕዞ ቓልስኻ ናይ አረኣእያ ፍልልይ ብዝፈጠሮ ፍሕፍሐ ምስ ሓለፍቲ ብጾትካ ተገራጪኻ ናብ ስደት ከምዘምራሕካውን እፈለጥ። ይኹን እምበር ከምቶም ኩሎም ‘’ምእንቲ መጎጎ ትሕለፍ ኣንጭዋ’’ እንዳበሉ ናብ ናይ ሓባር ጸላኢ ዘድሃቡ ተጋድልቲ ተጸሚምካ ቃልስኻ ኪትቅጽል ምኸኣልካ ኔርካ ወይ ድማ ነቲ ዝነበረ ፍሕፈሐ ናይ ለባማት ተቓለስቲ ሽምግልና ብምሕታት ነቲ ሽግር ዝፍተሓሉ መንገዲ ምድለኻ ዝብል አረዳድኣ ኣሎኒ። እዚ ክብል ከለኹ ግን ንኽገጥመካ ዝኽእል ክሳብ ናይ ሂወት ሓደጋ ስሒተዮ ማለት ዘይኮነስ ንሃገር ክትስዋእ ኢልካ ብቐድሙ ካብ ወሰንካ ነቲ ንሓፋሽ ይጠቅም እዩ ኢልካ ትኣምነሉ ስነ-ሓሳብ ወይ አካይዳ ናይቲ ቓልሲ ብሜላ አብ ሓፋሽ ክተስርጽ ክንዲ ምፍታንካ ካብኡ ክትእለ ምውሳንካ ቅቡል ኮይኑ አይተሰመዓንን። ሕጅውን እንተኾነ እቲ ንሃገራዊ ህንጸት ይጠቅም እዩ እትብሎ ምሩጽ ዘርኢ ካብምዝራእ ዓዲ አይትውዓል። ይኹን እምበር ንምሩጽ ዘርእኻ ምስቲ መሬት ዝሰማማዕ ምስዝኸውን ብዘገርም ድንቂ ክቦቅል እዩ፡ ግን ኪበልዖ ንዝኽእል ጻህያይ ንኽትጽሂ ነብስኻ ክተዳሉ ከምዘለካ ግን አይትረዕ እብል።

ኩቡራት አንበብቲ እሞ ካብዘን ክልተ ዝተፈላለያ ንቓፌታታት እንታይ ንመሃር? አብ ቁጽሪ 1 ዝተዓዘብናዮ ዓይነት አነቓቕፋ ኣጠቓላልን ኣዕናውን እዩ። በታ ሓንቲ ማዓልቲ ዝገበራ ስሕታን ወይ ስሕታን ኮይና ዝተሰመዐትና አጋጣሚ ንብምሉኡ ንሃገር ዝበጀዎ ንእስነቱ ከም ባዶ ወይ አሉታ ጌርና ምንቃፍ ሓቂ ዘይብሉ አዕናዊ እዩ። ኮታ አብ ሓድሽ ቁስሊ መርዚ ከም ምኽዓው እዩ ኪበሃል ይከኣል። ከም መርዚ ኮይኑ ከኣ ናብ ዚገደደ ምትፍናንን ግርጭትን ብምውሳድ ክቐትለና ይኽእል። እዚ ዓይነት ኣዕናዊ ንቓፌታ ከአ ነዚ ሰብ’ዝን ተመሳሳሊ ሽግር ንዘጓነፎም ኣሕዋትን ደገፍቶምን ናብ ዚገደደ ህልኽን ኩናትን ብምምራሕ ሕብረተሰብ ከዕኑ ይኽእል። አብ ቁጽሪ 2 እንተራኣና ግን እቲ ኩሉ ምእንቲ ሃገር ዝሰወኦ ናይ ገድሊ ሂወቱ አፍልጦ ብምሃብን ነቲ ቃልሲ ገዲፉ ናብ ስደት ዘምርሓሉ ምኽንያት አብ ቦትኡ ኮይና ከምዝተረደአቶ ብምግላጽ እቲ ዝሓሸ ዝበለቶ አማራጺ ብዘይምውሳዱ ከምዝነቐፈቶ ንርኢ።

4. አብ ከመይ ኩነታት ነቒፋትካ?

ሓሪቕካ ከሎኻ?፡ አብ ቅድሚ ጸላእትኻ ወይ ተወዳደርትኻ?፡ አብ ሕማቕ ኩነታት ወይ ጽዑቕ ስራሕ ተጸሚድካ ከሎኻ? ምስ እትነቕፋካ አብክንዲ ጌጋኻ ምቕባል አብ ነብሰ ምክልኻልን ክርክርክርን ክሕደትን ኪትኣቱ ዘሎካ ተኽእሎ አዚዩ ልዑል እዩ። በንጻሩ ኸኣ ሃናጺ ናቓፋይ አብክንዲ አብ ቅድሚ እኩባት ሰባት አብ በይንኻን አብ ጽቡቕ ኩነታት አብ ትህልወሉ ግዜን፡ ሓሊዮትን ፍቕርን ሓላፍነት ብዘለዎ መንገዲ እዩ ዚነቅፍ። እቲ ንቓፌታ ንናይ ሓባራዊ ስራሕ ዝምልከት ምስዝኸውን ወይ ከልኦ ክመሃርሉ ምስዝድለ ከኣ ስምዒት ናይ ተነቓፋይ ብዘይሃሲ መንግድን አኼቤኛታት ወይ ተዓዘብቲ ብዝመሃርሉ አገባብ ጭብጥን አማራጺ ሓሳባትን ብብምጻእ ክነቅፍ ይግባእ

እቲ ሃናጺ ዝበሃል ንቓፌታ አብ ክንዲ ጉድለታት ጥራሕ እንዳልዓለ ዝዛረብ ንሓያል ጎድኒ ናይቲ ዝንቀፍ ሰብ ወይ ትካል አፍልጦ ብምሃብ ወይ ብምድናቕ ጀሚሩ ብዘይተናኸስቲ ቃላት ብንጹር አብቲ ክእረም አለዎ ዝተባህለ ጉድለት አተኰሩ ጭብጥታት አሰኒዩ ይነቅፍ። ሃናጺ ንቓፌታ አብክንዲ አብ ባህርያት ናይቲ ዝንቀፍ ሰብ ዘተኩር አብቲ ተጋጊዩ ዝበሃል ሓሳባት ወይ ዕዮ ብምትኳር አማራጺ ሓሳባት ወይ መንገድታት ከአ ይጠቅስ። ሃናጺ ነቓፋይ አብክንዲ ብሕርቓን ብህድኣት፡ ሉዙባት ቃላት ብምጥቃም እዩ ዚነቅፍ። ። ሃናጺ ነቓፋይ ቅድሚ ምንቃፉ ሳዕቤናት ናይቲ ንቓፌታ ብዓሚዩቕ ሓሲቡን አሰትብሂሉን ከከም አድላይነቱ ክነቅፍ ይግባእ። ውጽኢት ንቓፌታኻ ካብ ዝሃንጾ ዘምጽኦ አሉታዊ ሳዕቤን ዝበዝሕ ምስዝኸውን እንተዘይነቐፍካ ተመራጺ እዩ።

ንቓፌታን አገባብ አነቓቕፋን እኳ አዚዩ ሰፊሕ እንተኾነ ገለ ካብቲ አብዚ ጽሑፈይ ከተኩረሉ ደሌ ዘለኹ ግን አብ ምህናጽ ሃገና ኤርትራን ሕብረተሰብናን ንእንገብሮ ወፍሪ ወይ አበርክቶ ንቓፌታ ብሃናጺ አገባቡ ምስእንጥቀመሉ መርሖ ምዕባለን ዕቤትን ምኻኑ ካብዘለኒ እሙንቶ እዩ። እቲ ‘’ዝሰርሕ ይጋገ’’ ከምዚበሃል ንጌጋና ንኽንእረም ከኣ ንቓፌታ ናይግድን እዩ። እዚ ካብ ኮነ እምበኣር ሃገር አብምህናጽ አብንገብሮ ወፍሪ፤ ንንህቦ ፖለቲካዊ ይኹን ስትራተጂካዊ ንቓፌታታት ንሃገራዊ ረብሓ አብ ሓደጋ ዘእቱ ንህዝብና ዝኸፋፍል ከይከውን ብዙሕ ጥንቔ ዝመለኦን ምስ ህሉው ኩንታትን ክውንነት ናይ ህዝብናን ዝኸይድን ኪኸውን ይግባእ። አብ መስርሕ ምህናጽ ዲሞክራሳዊት ኤርትራ ምንቕቓፍ ናይ ግድን ከምዝኾነ ፈሊጥና ኩላናትና ኤርትራውያን ሃናጺ ንቓፌታ አብ ምምዕባል ካብ ሎሚ ጻዕርና ንጀምር። ሃናጺ ንቓፌታን ፖለቲካዊ ተጸዋርነትን ካብ ቀጻሊ ምውሳእ እዩ ዝምዕብል።

አብዚ እዋን’ዚ ኩልና ኤሪትራውያን ብፍላይ አብ ስደት ዘለና ከም ንርእዮን ንሰምዖን ዘለና እቲ አብ ሃገርና ወሪዱ ዝጸንሐን ዘሎን ሕሰም ዘንቀሎ ደምበ ተቓወምትን ደገፍቲ-መንግስትን ንሓድሕድና ክንዘላለፍን ክንወቓቐስን ከምዝጸናሕና ናይ አደባባይ ምስጢር ኮይኑ አሎ። ልክዕ’ዩ ኣይኮነን አብ ሃገራዊ ጉዳይ አብ ሓንቲ ስድራቤት እኳ እንተኾነ ሓደ ዓይነት አራእያን አረዳድኣን ኪህልወና ከቢድ እዩ። ናብ ናይ ሃገራዊ- ሓባራዊ-አራእያ ኪትመጽእ ካብ ቅርዑይ (ንጹህ) ልቢ ዝተበገሰ ቀጻሊ ዝኾነ ዘተን ሃናጺ ንቓፌታን አገዳሲ እዩ። ናይ ፖለቲካዊ አረኣእያኻ ብዘየግድስ፡ ብጸርፍን ዘለፋን ዝመጹ ንቓፌታታት መንቀሊኦም ድሕረትን ድንቁርናን ኮይኑ ናብ ዝኸፈአ ምክፍፋልን ዕንወትን ዘምርሕ እምበር አብ ምህናጽ ሕብረተሰብናን ሃገርናን አበርክቶ ኪህልዎ አይክእልን’ዩ። ምህናጽ ሃገርን ሕብረተሰብን ቲፎዞ ናይ ኩዕ-እግሪ አይኮነን። ተባዕ ተሳታፍነት ናይ ነብሲ-ወከፍ ዜጋ ዝሓትት ገድሊ እዩ። ደጋፋይ መንግስቲ ንጉድለታት ናይቱ ዝድግፎ መንግስቲ አብ ምእራም ኮነ ነቲ ሓያል ጎድንታት መንግስቱ አጸቢቁ አብ ምሕያል ዘበርክት እምበር አብ ገደል ሸለው እንዳበለ ጽቡቕ አለኻ ዝብል አይኮነን። እዚ’ሞኸኣ ምሳኻ አለኹ እንዳበለ ዘጥፍኣካ ካብ ጸላኢ ዝገደድ እዩ። ተቓወምቲ እንተኾይና ከኣ ነቲ አወታ ናይቲ ንቃወሞ ዘለና ስርዓት አፍልጦ ብምሃብ ነቲ ክንሃንጾ ንደሊ ዘለና ፍትሒ፡ ዲሞክራሲ፡ ቁተባዊ ብልጽግና፡ አብ ሓድሕዳዊ ረብሓ ዝተሞርኮሰ ዲፕሎማስያዊ ዝምድናታት፡ ግዝኣተ-ሕጊ፡ ባህላዊ ትንሳኤ ወዘተ.. ንምትግባር ካብ ሕጂ ንሓፋሽ ንቅሓቱ ክብ ንምባል በርቲዕና አብ ጥውላ ኮፍ ኢልና ናብ ናይ ሓባር መረዳእታ ንንምጻእ ዘኽእለና ባህሊ ክነማዕብልን ይግበኣና። እዚ ነምግባር ከኣ ሃናጺ ንቓፌታን ነብሰ-ንቓፌታን ሞተርና ኪኸውን ይግባእ።

አብ ብረታዊ ቃልስና ምልስ ኢልና እንተራኣና ንቓፌታን ነብሰ-ንቓፌታን አብ መንጎ ተጋደልቲ ንዝፍጠር ማሕበራውን ገድላውን ንጥፈታት አብ ምእራምን ብኡ አቢሉ ከኣ ነቲ በቲ ጉድለት ንዝዕዓንቀፉ ዝነበሩ ብጾት-ተጋደልቲ ስነ-ኣእሙሮኣዊ ሩፍታን ሰላምን ይፈጥረሎም ነበረ። ነቲ ዝንቀፍ ከኣ አብ ርዝነት ናይቲ ጉድለትን ዓይነት አናቕፋን ዝሙርኮስ እኳ እተኾነ ተቐበላ ወይ ጉሰማ ተባሂሉ መቕጻዕቱ ይወስድ። ናይ ይግባይ መሰሉ ሕሉው ዚኸውን’ከኣ መቕጻዕቱ እንዳወሰደ ወይ ምስወደአ እዩ። ናይ ሜዳ-ንቓፌታ ብዙሕ ጠቕሚ እኳ እንተነበሮ አብ አገባባቱ መብዛሕቲኡ እዋን ብሜላ ይቀርብ ስለዘይነበር ንሓያሎ ተባዓት ተቃለስቲ ሞራሎም አብምስባር እውን ግደ ኔሩዎ እዩ። እዚ ናይ ሜዳ ሰርዓተ ንቓፌታ ካብ መዓልታዊ ንጥፈታት ሓፋሽ ተጋዳላይ ሓሊፉ ክሳብ አብ ላዕለዋይ ጽፍሒ በምትእትታው አብ መትከልን ስነ-ሓሳብን ናይቲ ወድብ ዘተኮረ ምንባሩን ዘይምንባሩን ንመጽናዕቲ ኪሓድጎ እየ። ይኹን እምበር ንቓፌታን ነብሰ ንቓፌታን ምስቲ ኩሉ አገዳስነቱ ድሕሪ ናጽነ ክቕጽል አይተደልየን። ከም ሳዕቤኑ ከኣ እዚ ሕጂ ንሪእዮን ዘለና ዘሕዝን ኩነታት ሃገር ወሊዱ።

አብ መጨረሽታ ኪብሎ ዝደሊ እንተልዩ፡ ሃናጺ ንቓፌታ አብ ጥራሕ ጎልጎል ዝምዕብል ዘይኮነ፡ ከቢድ ጻዕርን ልምምድን፡ ናይ ባህሪ ምልዋጥን ዘድሊዮ እዩ። እዚ ንምግባር ከአ ኩልና ብኽፉት አእሙሮ ኢሂን-ሚሂን ክንበሃሃልን፣ ክነንብብን ብሃናጺ አገባብ ክንናቓቐፍን ይግባኣና።

 

ተስፋማርያም. ገ. ዮሃነስ

 ፍትሕን ሰላምን ንህዝቢ እርትራ!

ሓድነትና ሓይልና እዩ!

aseye.asena@gmail.com

Review overview
25 COMMENTS
  • T.G.Yohannes June 11, 2013

    Mohamed Negash:
    I understand that Emperor Haylesselasie has massacred our Muslim brothers for the reason he wanted a divided Eritrea. This is done on purpose to weaken the Eritrean unity and to annex Eritrea with Ethiopia.However, I would disagreed with you on the issue you raised that PFDJ has been treating fellow Christians better than Muslim brothers. Fortunately or unfortunately, the regime has been cruel to every citizen who confronted him with a novel idea and to those who opposed its destructive and divisive policy. I would suggest if we could concentrate on the main issues obstructing us from helping our oppressed Eritrean equally taking a rule of law as a centre. But to build a role of law that involves all Eritrean is not an easy task. I and you need to share our experience to narrow our differences and to have a common understanding. My dream and I believe, your dream, is to see a democratic Eritrea where every citizen lives in harmony and peace. Our Unity is our strength!

POST A COMMENT