Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ንብዓት ተጋዳላይ

ምንጪ ንብዓት- ኣብ ፍጥረት: ወዲ ሰብ ጥራይ’ዩ ዝነብዕ:: እንስሳታት ኣዕዋፍ ኣይነብዑን’ዮም::ገመል: ሓርማዝ: ድሙ: ከልቢን ካልኦትን  እንተነብዑ እውን ኣዒንቶም ምስ ዝሓሙ ወይ ውን ባህርያዊ መስርሕ ምሕጻብ ኣዒንቶም ከካይዱ ከለው’ዩ:: ንብዓት ሓርገጽ ዝበሃል እውን ሓርገጽ ንግዳዩ እንዳቖርጠመ

ምንጪ ንብዓት- ኣብ ፍጥረት: ወዲ ሰብ ጥራይ’ዩ ዝነብዕ:: እንስሳታት ኣዕዋፍ ኣይነብዑን’ዮም::ገመል: ሓርማዝ: ድሙ: ከልቢን ካልኦትን  እንተነብዑ እውን ኣዒንቶም ምስ ዝሓሙ ወይ ውን ባህርያዊ መስርሕ ምሕጻብ ኣዒንቶም ከካይዱ ከለው’ዩ:: ንብዓት ሓርገጽ ዝበሃል እውን ሓርገጽ ንግዳዩ እንዳቖርጠመ ስለዝነብዕ’ዩ::

ወዲ ሰብ ግን ኣብ ሓዘን: ኣብ ሓጎስ: ክቑጣዕ  ወይ ክስሕቕ ይነብዕ:: ንብዓት ካብ’ቲ ኣብ ውሽጢ ነብስና ዝስምዓና ነገራት ገንፊሉ ዝወጽእ መግለጺ ናይ’ቲ ክንዛረበሉ ዘይክኣልና ነገራት’ዩ:: ሰብ ዘይተጸበዮ ጥልመት: ግፍዒ: ወጽዓ: ቃንዛ ከጋጥሞ ከሎን መፍትሒ ኣብ ዝስእነሉን ይነብዕ:: ደቂ ኣንስትዮ ብባዮሎጂካዊ ኣፈጣጥረአን ዝነቅል ዝያዳ ካብ ደቂ ተባዕትዮ ከምዝነብዓ ምርምራት የመልክቱ:: ካብ ሃገር ናብ ሃገር: ሓደ ብሄር ካብ’ቲ ካልእ ብሄር ኣብ ዝተፈላለየ መድረኻትን ኣገባብ ዘውሕዞ ንብዓት ብባህሊ እውን ይጽሎ’ዩ:: ኣብ ገሊኡ :ንብዓት ከም ምልክት ድኻም: ኣብ ገለ እውን መግለጺ ልውህና ይኸውን::

ተጋዳላይ ነቢዑ:- ኣብ ገድሊ ዝተሰውአ ተጋዳላይ ሓመድ ኣብ ምልባስ ዝነብዕ ሰብ ኣይነበረን:: እንተደለየ እውን ከም ድኹም ከይውሰድ ተሓቢኡ እንተዘይኮይኑ ኣብ ቅድሚ ብጾቱ ኣይነብዕን:: እዚ ጥራይ ዘይኮነ ኣነ እውን ጽባሕ ከርክቦ’የ ዝብል ኒሕ ስለዝሕዞ  ንብዓቱ ንውሽጡ የፍስስ:: ኣብ 1983 ሰላሕታ ወራር ደርግ  ሓደ መራሕ ሓይሊ:ብጾቱ ተሰዊኦም ተወጊኦም ረኣየ:: ኣብ’ቲ እዋን’ቲ እቲ መራሕ ሓይሊ ነቲ ኣብ ድሕሪት ዝነበረ ሓይሊ ክጥርንፍ ምስ ተነግሮ ነቢዑ:: ንብዓቱ ንምንታይ ኣነ ካብኣቶም ይተርፍ ዝብል ስምዒት ዘበገሶ ነበረ:: ንሱ ምስ ብጾቱ ቅድሚ ሒደት መዓልታት ዘዕለሎን ዘሕለፎ ሂወትን ተራእይዎ እውን ይኸውን::

ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ድማ ኣብ ክልተ ኣጋጣሚታት ተጋደልቲ ንብዓቶም ከርግፉ ተዓዚበ:: እቲ ሓደ ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ንዓመታት ዝተሳቐየ ስንኩል ተጋዳላይ እቲ ካልኣይ ድማ  ኮሎነል ሚኪኤል ተወልደ ኢዮም:: ክልቲኣቶም  ምስ ረድዮ ወጋሕታ ኣብ ዝገበርዎ ቃለመጠይቕ ኣብ ኤርትራ ብዛዕባ ዝፍጸም ግፍዒ ክገልጹ ከሎው ንብዓት ስዒርዎም:: ኮለነል ሚኪኢል ኣብ 1975 ዓ.ም ተሰሊፉ ንናጽነትን ፍትሕን ተቓሊሱ:: ብዛዕባ’ቲ ብመርማሪ ኮሚሽን ሕ.ሃ. ንሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ድማ: እታ ኮሚሽን ናብ ኤርትራ ንከይትኣቱ ብኢሳያስ ዝተኸልከለት ዝፍጸም ግፍዒታት ከይተቃልዕ ከምዝኾነን እቲ ጸብጻብ ምሉእ ከምዘይኮነን ገሊጹ:: ንሱ ብተወሳኺ ”ኣብ ኤርትራ ዘሎ ጎዳጉዲ መን ርእይዎ: ኣብ ኮንተይነር ነብሶም ጻዕድዩ ዘሎ ንሃገር ዝተቓለሱ መን ርእይዎም:: መንእሰይ በቲ ጸገም’ዩ ሓሊፉ:: እቲ ጸገም ዓለም ንኤርትራ ቆላሕታ ዘይምሃባ ጥራሕ’ዩ:: እንታይ በዲሉ ህዝቢ ኤርትራ: ስለምንታይ ቆላሕታ ዝስእን” ድሕሪ ምባል መነጽር ኣዒንቱ ኣልዩ ንብዓት ኣፍሰሰ::

ኮለነል ሚኪኤል ተወልደ ኣስዒቡ ልዕሊ’ቲ በታ ኮሚሽን ዝተገልጸ ክቐርብ ዝኽእል ከም ዝነበረ ጠቒሱ:” በዓል መን ኣበይ ተረሺኖም ዝፈልጥ ሰብ የልቦን:: ሰብ’ኮ ኣይኮኑን እዚኦም ክንደይ ሰብ ዲዮም በሊዖም: እዚኦም ኣጥፊኦሞ ኮ’ዮም ሰብ:: ኣማራጺ ስለዝስኣነ ጥራሕ’ዩ ናብ ባሕሪ ዝጥሕልን እግሩ ናብ ዝመርሖ ዝኸይድ ዘሎን” ብምባል ንጭካነ ኢሳያስን ሰዓብቱን ገሊጹ::

ህግደፍ ብፈታዊኡ ዝጅመር ኣራዊት’ዩ:: ነቶም ካብ ብሱል ዝወጽኡ ጥረ : ከቢሮም ክነብሩ ዝግብኦም ተጋደልቲ መሰሎም ስለዝሓተቱ : ኣብ ሰብ ዘይርእዩሉን ድምጺ ዘይሰምዑሉን መቁሑ: ብሂወት ምህላዎምን ዘይምህላዎምን ዝፈልጥ እቲ ጋኔን ጥራይ’ዩ:: ብዙሓት እውን ብጽምዋን ጸቕጥን ኣብ ንቡር ኩነተ- ስነኣኣምሮ ክህሉ የጠራጥር’ዩ::

ካልኣይን ሳልሳይን ወለዶ:ተጋዳላይ : ስንኩል: ሲቪል:መንእሰይ: ዓቢ ተሰዲዱ:: እቶም ኣብ ናጻ ኤርትራ ዝተወልዱ ብሓልዮት ክዓብዩን ብትምህርትን ስነምግባርን ክኹስኮሱን ዝግብኦም ዕሸላት ምስ ኣዴታቶም ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ተሰዲዶም:: ኣብ’ተን ሃገራት እውን ብሰለይቲ ህግደፍ ክህደኑን ክጭወዩን ንሰምዕ ኣሎና:: ደቀንስትዮ ኤርትራ ብበደዊን ክዕመጻ: ኣብ ማዕሙቕ ባሕሪ ረዳኢ ዘይብለን ምስ ዕሸለን ክውሓጣ ኣዒንቶም እናረአ : ክሳድ ኤርትራውያን መንእሰያት ብካራ ዳዕሽ ከም ማሸላ እናተበትከ: ንፍትሒ ተጋዲልና ዝብሉ መናፍቓን ኣብ ፈቐዶ ሃገራት ብምዛር ኣብ ኤርትራ ዝተፈጸመ ግፍዒ የልቦን ዝተቐትሉን ዝስደዱን ኢትዮጵያውያን ኢዮም እናበሉ ንምልኪ ከጸባብቑ  ንክሕደቶምን ጥልመቶምን መዕቀኒ ንስእነሉ::ኣይትብከ እንዲዩ ዘብክየኒ::

ንብዓት: ፍትሒ ከፍሪ ኣለዎ:-ዝሓለፈ ቃልሲ: ዝተራእየ ጽንዓትን ዝተኸፍለ መስዋእትን ብምዝካር በዚ ህዝቢ ኤርትራ ተጻዒንዎ ዘሎ ኣርዑት ምስትንታን ኣይተርፍን:: እቲ ኣብ ውዑይን ዝሑልን. ኣብ በረኻን ከተማን ሂወቱ/ታ ዝበጀወት ተጋዳላይ እንተነብዐ  ሓያል መግለጺ ተቓውሞ’ዩ:: እቲ ንብዓት ንሰብኣውነትን ምስ’ቲ ዝተወጸዐ ህዝቢ ወይ ውልቀሰብ ዘሎ ምትእስሳር  የሐይሎ:: ምልክት ድኻም ኣይኮነን::  ንብዓት ኣብ ውሽጢ ልብኻ ንዝርምጸካ ስምዒት ንምዝሓል ሓጋዚ ክኸውን ይኽእል:: ንብዓት ነቲ ተመሳሳሊ ተመክሮ ዘሕልፍ ዘሎ ሰብ ብዘይርአ ረቂቕ ፈትሊ ግን ከኣ ዱልዱል ሓድነት ከምዘሎካ ትገልጸሉ’ዩ::  እኹል ግን ኣይኮነን:: ኣብ ኤርትራ ጠንቂ ብርሰትን ንብዓትን ኮይኑ ዘሎ ጉጅለ ኢሳያስን ዘዋፍሮም ልኡኻቱን ኢዮም:: እዞም ካብ ሰብኣውነት ወጺኦም: ንውልቃዊን ሓላፊን ምቾት ዝተገዝኡ ሰባት: ብሓባርን ብሓድነትን ክምከቱ ኣለዎም::

መንእሰያት ጀሚሮሞ ዘሎው ህዝባዊ ምንቅስቓስ ጸዓት ወሲኹ ክኸይድ ካብ ተመክሮታት ዓበይቲ ኣሕዋቶምን ኣሓቶምን ዝመሃርዎ ኣለዎም:: ህግደፍ ከም ዓሳ ብርእሱ ካብ ዝምሽምሽ ርብዒ ዘመን ገይሩ’ሎ:: እንተኾነ እቲ ጉጅለ  ብምክፍፋልን በለካ ለኽዓካን ህላዌኡ ይቕጽል ኣሎ:: ሕጅ’ውን ስልጣኑ ክቕጽል ዘይፍንቅሎ እምኒ የልቦን ዋላ እውን ትሕቲ’ቲ እምኒ ዝጸንሐ ተመን ንዕኡን ንተቓወምቱን ዘጥቅዕ መሲሉ እንተተራእዮ:: እዚ ንክፍኣት ዝዓጠቐ ጉጅለ: ኣብ መንጎ መንእሰያት ብኣውራጃ: ሃይማኖት: ብረብሓን ካልእን ፍልልያት ፈጢሩ ነዚ ተፈጢሩ ዘሎ ህዝባዊ ማዕበል ክዓግት ከምዝፍትን ተገንዚቦም ሓሊፎም ክጸንሕዎ ማዕዳ ዘድልዮም ኣይመስለንን::ፕረዚደንት ኣሜሪካ ዝነበረ ቢል ክሊንተን ኣብ ዓለም እንታ’ዩ ብህጹጽ ክፍታሕ ዘለዎ ትምህርቲ: ጥሩፍነት: ከባብያዊ ክሊማ ዝብል ሕቶ ምስ ቀረበሉ ዝሃቦ መልሲ ” ከም ዝመስለኒ ፍሉይ ነገር ኣይኮነን ከነተኩረሉ ዝግባእ:: እቲ ቀንዲ መርበብ ምትሕብባር ክንፈጥር ኣሎና:: እቲ ዝበለጸ ንመንእሰያት ኣማራጺ ናይ መጻኢ ራእይ ምሃብ’ዩ:: ንሱ ድማ ዝያዳ ጠርናፊ ዝያዳ ኣወንታዊ ክኸውን የድሊ::ቁጠባ ትምህርትን ካልእን ከጠቓልል ይኽእል:: ካብ ጥንቲ ጀሚሩ ዝበዝሕ ግጭታት ጠንቁ ኣብ መንነት ዝተሰረት’ዩ:: ብቐንዱ ግን ዓለም ኣብ ሓዲሽ ዙርያ ናይ መንነት ግጭት’ያ ዘላ::ንሕና ኣንጻር ንሳቶም:. ኣብ 21 ክፍለ ዘመን ዝዕወት ጠማሪ ፖለቲካ መንነት’ዩ:: ብኣግላሊ መንነት ፖለቲካ ዝዕወት የልቦን:: ሓባራዊ ሰብኣውነትና ልዕሊ ፍልልያትና’ዩ:: ብልጽግናን ሰላምን ትደሊ እንተኾንካ ጠርናፊ ፖለቲካ ክትክተል ኣሎካ” ኢሉ:: ክሊንተን ነዚ ብመንነትን ሃይማኖትን ዝግበር ጸወታ ፖለቲካ ናይ’ዚ ዘመን’ዚ ዝኸዶ ዘሎ ሕማቕ ኣንፈት ንምእራም ዝተዛረቦ ምስ ህልው ኩነታት ኤርትራን ከባብን ብምዝማድ ብጥንቃቐ ምርኣዩ ኣገዳሲ’ዩ::

ደጎል ድራር

aseye.asena@gmail.com

Review overview
11 COMMENTS
  • k.tewolde August 13, 2015

    I still shed tears every now and then when memories come rushing back in black and white , and the mind is overwhelmed with young faces of yesteryear ,and the senses start smelling the dust, the leafs, the watered down food, the genuine laughter of those who perished…….this will trigger another episode.Great article, Degaule. God bless.

  • ERITRAWIT August 14, 2015

    ኩቡር ሃው ደጎል፡
    ነቶም ንስነቶም ሂዎቶም ስንክልኖም ከያጅቦም ንህዝቢ ንሃገር ኢሎም ከቢድ መስዋቲይ ናይ ሂዎት ዝከፈልው ግን ካ ነገራት ዝተጋላበቶም ንስሃን ደኪይ ሃገር ብሃኪይ ደም ትነብ ኣስተንቲኖም ክገልስዎ ከለው።
    ህዝቢይ ካ ኩሎም ሃደ ገርዎም ህጂይ ግን ህዝቢይ ሰላይካ መን ምካነው ኣለሊካዮ ኣለካ ከምዚይ ጀሚርካዮ ዘለካ ሃየ ነዚይ መንደላይ ተመን ሃግሂግካ ጎሃፎ።

  • ዩራኔም-235 August 14, 2015

    HGDF had a very long plan and they have implemented it to the fullest. We were ignorant and we still are not better than yesteryears.

  • Teklezighi August 14, 2015

    In Eritrea unfortunately, the rule of the jungle will continue to reign indefinitely and our ordinary people will continue to suffer the consequences unless we get rid of ghedli rule for once and for all.

    The fundamental truth that sensible humans should understand is that “humans can only have peace, order, and good governance when they obey the rule of law that the world has established to govern its smaller and greater actors”.

    Until people stop being hypocrites and start respecting the rule of law in Eritrea, with continuation of the rule of backward ghedli rule the standard of living of our people will be going backward to the stone and dark age. Lets not be “people who fake their sleep never even wake up to the tornado or earthquake”, as the reality for Eritrea so far is not far away from the dangers of earthquakes and tornadoes.

  • Bokrezion August 14, 2015

    Eritreans, in general, and the Tigrignas in particular, have come to fall in love with an epidemic that has brought nothing but havoc to their society for the last 50 yrs, simply because the virus that caused the epidemic comes with a nationalist name attached to it – “the Eritrean liberation or independence”.
    Of course, Eritrean land and sea was liberated on May 24th,1991, but the real and genuine people of Eritrea have yet to be liberated from further slavery, shames, being refugees in the neighboring conutries and so on. It is that simple, no more lectures, denials or bragging needed.

    • Bokrezion August 14, 2015

      sorry but there should be an addition – as the simple sad case would be “Habae Kusilu habae Fewisu”, in other words, lets NOT hide our sicknesses and our situations that is the reality of Eritrea on the ground.

  • AHMED SALEH August 14, 2015

    Many eyes shed the tears from the time they killed their disabled veterans who
    didn’t expect act of betrayal . After that event anything was possible for people
    with right mind . Sadly , they went too far to destroy young generation which
    we hoped to safeguard Eritrean future and tears will continue to flow as far
    this regime exists .

  • Sarah M. August 15, 2015

    These so called Eritrean freedom fighters (tegadelti), so far “they made their beds – let them sleep on it” should be our clear message to them but unfortunately they have NOT made a comfortable bed to sllep on for the poor Eritrean people.

    • Sarah M. August 15, 2015

      correction with apology : it should be read as “sleep” and not sllep.

  • AHMED SALEH August 15, 2015

    It is easy to play the game of blame to accuse unsuspecting Eritrean freedom fighters . Issayas
    enjoyed the popular support of majority to gain full control particularly from unprincipled and
    selfish majority in diaspora . We witnessed that people never tried to show any kind form
    of solidarity on behalf of their fair treatment back then and at this moment we don’t have no
    right to question them after everything dreamed went to drain .
    Sometimes to be true for ourself can teach us a lesson to learn past mistakes otherwise if we
    keep accusation part of excuse to distance ourself , that means we are not capable to join the
    fight on how we manage the course in our favor for political reform .
    THE FEW CORRUPTED TEGADELTI DO NOT REPRESENT THE BETRAYED MAJORITY ,
    SHOW A LITTLE MERCY THAN SHOWING SAME CRUELTY OF THOSE HYPOCRITES IN
    AUTHORITARIAN GOVERNMENT .

POST A COMMENT