Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ንተንስእ ጥራይ ‘ምበር: ውዲት ኢሳይያስ ንመንፈሳዊ ማዕበል ህዝቢ ኤርትራ ክስዕሮ ኣይክእልን ‘ዩ!

ክቡር ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣቦታተይ፡ ኣዴታተይ፡ ኣሓተይ፡ ኣሕዋተይ ደቀይ ደቂ ደቅይ ሰላም ንኹላትኩም ንኹላትክን ይኹን፡ ዘስግእ ኩነታት ሃገርናን ህዝብናን ብበቢዓይነቱ መገድታት ካብ ነዊሕ ጊዜ ጀሚሩ ብሰፊሑ ይዝረበሉን ይጽሐፈሉን ኣሎ። ተጓይኻ ምስራሕ እንተዝይኮይኑ ሕጂ ሓዲሽ ነገር የልቦን። እንተኾነ

ክቡር ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣቦታተይ፡ ኣዴታተይ፡ ኣሓተይ፡ ኣሕዋተይ ደቀይ ደቂ ደቅይ ሰላም ንኹላትኩም ንኹላትክን ይኹን፡

ዘስግእ ኩነታት ሃገርናን ህዝብናን ብበቢዓይነቱ መገድታት ካብ ነዊሕ ጊዜ ጀሚሩ ብሰፊሑ ይዝረበሉን ይጽሐፈሉን ኣሎ። ተጓይኻ ምስራሕ እንተዝይኮይኑ ሕጂ ሓዲሽ ነገር የልቦን። እንተኾነ ዝጸበቦ ውላድሲ መቃብር ወለዱ ኮዓተ ከም ዝብሃል፡ ኣነ ደማ ከም ኩሉ ኣዝየ ስለ ዝተሻቀልኩ ከም ብሓዲሽ መእተዊ ታሪኽ እናጠቀስኩ ሓድ ሓደ ነገራት ከዛኻኽር ናይ ግድን ኮይኑኒ።

ህዝቢ ኤርትራ ዝተሰርቀ ናጽነቱ ምስ ገዛእቱ ኣብ ጠረጳዛ ተዛራሪቡ ብሰላም ክፈትሖ ስለ ዘይከኣለ መንእሰይ ብብረት ክገጥሞ ንበረኻ ከይዱ። ኣብ ከተማታትን ገጠራትን ዝነበረ ህዝቢ ድማ፡ እናተዋደደባ ገንዘቡን፡ መጽዓኛታቱን ጉልበቱን ኣወፍዩ። ወነንትን፡ ኣካየድትን፡ ተራ ሰራሕተኛታት ትካላትን፡ ናይ መንግስቲ ሰራሕተኛታትን ድማ ጠቀምቲ ሰነዳትን ካልእ ንዋትን መኪናታት ከይተረፋ ሒዞም ንበረኻ ከይዶም፡ ፍልጠቶምን ተመክሮኦምን ድማ ኣብ ጠቅሚ ገድሊ ኣውዒሎሞ።  ንኣመሪካን ኤውሮጵን ትምህርቶም ክቅጽሉ ዝኸዱ ኤርትራውያን ትምህርቶም ኣቋሪጾም ኣብ ታክስን ቤት ብልዕን እናሰርሑ ንገድሎም ይዕንግሉ ጥራይ ዘይኮነ  ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣብየት ይብሉ ነይሮም።  ኣብ መንጎ እዞም  ተመሆሮ እዚእቶም ዝነበራ ደቂ ኣንስትዮ  ቁጽረን ኣዝዩ ዉሑድ እዩ ነይሩ። ብርክት ዝበለ ቁጽረን  ኣብ ዓዲ ጥልያንን፡ ዓዲ ዓረብን። ማእከላይ ምብራቕን እንዳ ሃብታማት እንሰርሓ ዓዲ ንዘለው ስድራ ቤታንን ንገድልን ዝሐገዛ ዓንዲ ሕቆ ዝኾና እየን።  “እንተሓመምና እንታይ ንኹን ምስ ሸምገልናኸ ኣበይ ንእቶ” ከይበላ ደሞዘን ጥራይ ዘይኮነ ወርቀን’ውን ቀንጢጠን ሂበን። ተጋደልቲ ኣብ ኩናት ተሰዊኦምን ሰንኪሎምን። ብዙሓት ካብቶም ብኽልተ ሓዊ እናተበልዑ ኣብ ከተማታትን ገጠራትን  ብምስጢር ዝሰርሑ ዝነበሩ ድማ ምስ ተረኸቡ ተኣሲሮም፡  ከም ዘይሓልፍ ምስ ተቀጥቀጡ፡  ምስ ተሳቀዩ ተረሺኖም፡ በጃ  ህዝቦም ሓሊፎም – ተሰዊኦም።

ኮይኑ ግን ድሕሪ ነጻነት ውዓል ሕድር ዘይብሉ ተጋዳላይን ገባርን ኢልካ ኣፋላላይ መጺኡ።  ተጋዳላይ ጠበንጃ ሒዙ ኣብ በረኻ ዝነበረ ጥራይ ኮይኑ።  ኣብ እዋን ደርጊ ሰራሕተኛታት መንግስቲ  ኣብ ሕምብርቱ ኮይኖም ብምስጢር ንገድሎም ዝሓገዙ ከማሓድሩ ዝኽእሉ ሰብ ተመክሮ ኒይሮም።  ኣብ ኩሉ ጽፍሕታት  ማለት ኣብ ትምህርቲ,፡ ሕርሻ፡ ሕክምና፡ ህንጻ፡  ኢንዱስትርያታትን  ንግድን ኣትዮም ህዝብን ሀገርን ኣብ ምምዕባል ክሰርሑ ካብ ወጻኢ ንዓዲ ኣትዮም ኔይሮም። ከምኡ ውን ጥሮቶኦም መንግስቲ ኢንግልዝን  ኣመሪካን ሕቡራት መንግስትታትን ዝኸፍልዎም ደሞዝ ዘይጥይቁ ሰብ ሃብታም ተመክሮ  ከግልግሉ መጺኦም። ጠበንጃ ስለ ዘይሓዙ ግን ብሽካዕላል  “ኣበይ ኔርኩም” ተባሂሎም።  ተጋዳላይ ሓለፋታት ተገይርሉ  ዝኽእሎ ስራሕ እናስርሔ ፍልጠት ክድልብ፡ ክምዕብል እናተታባብዔ ጥሮታኡ ተኸቢርሉ ብሰላም  ክነብርብ ምሓሾ። ስብሓት ኤርፈም ከንቲባ ምስ ተሸመ። ኣብ ቅዲሚ ሰብ ዓው ኢሉ “ኣስመራ ሎሚ ሓረጎይ ኣብይ እዩ ዘድላይ ነይሩ” ኢሉ፡  ክቡር ደጃዝማቿ  ሓረጎት ዓዲ እግዚኣቢሄሮም ከይዶም።  ንዕኦም ክትክኡ ዝኽእሉ ኣብ ትሕቲኦም ኮይኖም ዝተማህሩ ብቁዓት ሰራሕተኛታት ኔይሮም። ኣብ ኤርትራ ፈደረሽን ምስ ፈረሰ፡ ናይ መንግስቲ ቤት ጽሕፈታት ዳይረክተራት ብቅዓት ይንበሮም ኣይንበሮም ብናይ ሃጸይ ሃይለስላሴ ሕሩያት ተተኪኦም። ናህና ካኣ ደቅና  ሐቁፍናን ሓዚልናን ዘዕበናዮም፡ መሪቅንና ዘፋናናዮም፡ ዝዓንገልንዮም፡ ማልናን፡ ትሕዝቶናን፡ ጉልበትናን፡ ህይወትናን ከም ዘይሃብና ልክዕ ከም ባዕዲ ተቆጺርና ኣብ ሕሱም ብርነት ኣቲና። ባርያ መሰረታዊ መሰል ወዲ ሰብ ኣይንበሮ እምበር ብኸብዱ ኣይትሓዝን’ዩ ኔይሩ። ንሕና ግን ብከብድና ተታሒዝና፡ ብኣፍና ተለጉምና፡ ከይትማህሩ ተባሂልና፡ ሜራትና ብሓደ ሰብ ተወሪሱ፡ ዝርካቡ ገዛውትና ብቡልደዘር ፈሪሱ፡ ንእሰር, ንቅተል ንሓቅቅ፡ ብኣሽሓት ንስደድ እሎና። ኣዴታትና ኣግሂደንን ተሓቢኤንን ለማኖ ኮይነን። ናይ ኣፍሪቃ ስሜን ኮረያ ኮይኑ ስምና።  ናህና ሰደድ Export  ዓሳ፡ጨው፡ ቆርበት፡ ስሚንቶ፡ ኣሕምልትን ፍሬታትን ጸባን ኣጅቦን ሙዃን ተሪፉ፡ ሰብ ኮይኑ። ሰዲድካ ተቀባሊ ዘይብሉ ሰብ። ተቀባላይ እንተረኸበ ድማ ብዙሕ ጊዜ ዝዕንግሎ ዝሕግዞ ዘይኮንስ ዘጥምዮ ዝሰርቆ ዝዕምጾ፡ ልቡን ኮላሊቱን ኣብ ዕዳጋ ዘውርዶ እዩ።

ኣብ ውሽጢ ዓዲ ከምዚ ኮይኑ እዞም ኣብ ወጻኢ ዘለናኸ  ከምቶም  ካልኦት ወጻእተኛታት ከካብ ዓዶም ተሰዲዶም መጺኦም ናትቶም communities ኣቁሞም፡ ብኹሉ መዳያት እናተሓጋገዙ  ደልዲሎም፡  ኣብ ኩሉ ዓይነት ፕሮፈሽን እትዮም፡ ወንንቲ ንኣሽቱን ዓብይትን ትካላት ኮይኖም፡ተሓጉሶም፡  ተንቀባቢሮም  ዝነብሩ ዘለው ተሓጉስናን ተንቀቢርናን ንነብርዶ አለና?  ኣበይ ክንረኽቦ።  ኣብ ዓዲ ሃብታማት’ባ ብኹሉ መዳይ ደኺና ግዳይ ጓይላ ጥራአ ኮንና። ኣብ  ዕድኡ ዘይተወድኤ ገዛ እንተተቀምጥና  ማኪና እንተዘውርና እቲ ኣብ ዓድና ሃብታማት ጥራይ ዝበልዕዎ ጸብሒ ጥዕና ዘይብለን ደራውህ እንተጸባሕና፡  ዘይድሓን ከለናስ ድሓን ዘለና ኮይኑ ይስምዓና። ትሕዝቶና ሰንኮፍ ክነሱ፡ ንወላድናን ቤተሰብናን፡ ፈተውትናን  ከይተረፉ ንቀለቦምን መናባብርኦምን ገንዘብ እናሰደድና፡ ካብ ምድረ በዳ ሰሃራን ጎቦታት ሲናይን ወይ ገንዘብ  ኣምጽኡ ወይ ክንቀትለኩም ኢና ንዝበሉና ዓጽመ ስጋና ተለቂሕና ተላቃቂሕና እናሰደድና፡ ዓዶም ኮርኪሒዎም እንተ ኽበጽሑ እንተ ክቕመጡ ኢሎም ዝመጹ ስድራናን ቀረባናን ምስ ሞቱ ሪሳታት ሒዝና ኣሽሓት ከፊልና ስራሕና ኣብኩርና እናኸድና፡ ሰብኣይን ሰብይትን ክልተ ሰራሕ እናሰራሕና ንመምሃር ደቅና ክንዲ ዝኽዉን ዋግኡ ዝነሀረ ዘይንቅመጠሉ ገዝ ኣብ ዓዲ ኣስሪሕና ዕድሜና እናደፍኤ ምስ ከደ ወይለይ እምበኣር ከምዚኣ እያ ኢልና ብውሽጥና እናተሓመስና ጽቡቅ ኣለና ክንብል  ኣይንኽእልን ኢና።  እምበኣር ብሓፈሻ ክንዛረብ ከለና  ክኩላትና ተላኻኺምና ኢና ንጠፍእ ዘለና። ጊዜ ድማ ነዊሑ።

ህዝባዊ ግንባር ኣብ እዋን ቃልሲ እዚ ሕጂ ዝነገር ዘሎ እከያት ትፈጽም እምበር፡ ህዝቢ ጠርኒፋ ኣቃሊሳ ዓወት ኣምጺኣ እያ። ስራሓ ገን ኣብ 1991 ዕ.ም.ፈ. ፈጺማ’ያ –   ተዛዚሙ። ንውሉድ ወላዲኡ እዩ ዝወልዶ። ተጋድሎ ሐርነት ኤርትራ ንህዝባዊ ግንባር ወሊዳታ። ዘይተወልደ ውላድ ኣይትሓቅፎን ኣይተዕብዮን ኢኻ። ናይ ዉሉድ ዓወት ናይ ወላዲ ዓውት ናይ ህዝቢ ዓወት እዩ።

እምበኣር እዞም ሕጂ ኣብ ስልጣን ዘለው መንግስቲ ዝብል ስም ዝሓዙ  – ንብዙሓት ሰባት ገና ህዝባዊ ግንባር ዝመስሎም  –  መንግስቲ ኣይኮኑን።  መንግስቲ ማለት ብህዝቢ ዝተመርጹ ሰባት፡ ብሕጊ ተቀይዶም ዝኾዱ፡ ንህዝቢ ዘግልግሉ ድልየት ህዝቢ ዝፍጽሙ እዮም።  እዚኣቶም ቅሩባት ሰባት ኣብ መንጎኦም ጀነራላት ዝርከብዎም ሓደ እግሮም ኣብ ጉድጓድ ዝኣተወ ሓደ ሰብኣይ ማኣዝኑ ዘጥፌኤ narcisst  ዘዋፍሮም እዮም።  ኣዕናዊ ፡ሰይጣናዊ ማርክሰ ለኒንትን ናይ ኩናት ባህርያትን ዝሰረቱ ስርዓት ኮፍ ኣቢሎም ህዝቢ ካን ነዛ ንምንባር ሲኢኑ፡ ተሳቅዩ፡  ዓቅሉ ጸቢብዎ፡ ዝረኸበ ይርከበኒ ኢሉ  እናተሰየፈን ኣብ ባሕሪ እናሞተን ብኣሽሓኣት ከም ዝስደድን ሀገር ከም ትጸንትን ባህይርያዊ ሓብታ ከም ዝጉሕጕHን፡  ወደባታ መዕንደሪ ጽጋበኝታት ወጻእተኛታት ከም ዝኸውን ዝገብሩ ዘለው እዮም። ኢሳያስን እዞም ዝበልክዎም መሳርሕቱን፡ ብሕቡኡን ብግህዶን ኣሽሓት ሰባት ኣዋፊሮም እዮም። ብዙሓት ዝግበር ዘሎ ኢ-ሰብእዊ ተግባራት እናፈለጡ  ምእንቲ እቲ መጨርሽትኡ ንዕኦም ዝጎድኦም ግዝያዊ ጠቅሞም ክብሉ ዓይኖምን ልቦምን ዓጽዮም  ነቲ ሰብ ሰብ ዝገብሮ ባህርያት ዘጥፍኡ እዮም። ብዙሓት ድማ ብሕልፊ እቶም መንእሰያት  ናጽነትና ንምርካብ ክንደይ ህይወት ከም ዝጠፍኤ፡  ክንደይ ሓዳር ከም ዝተበተነ፡  ክንደይ ቆልዓ ከም ዝዘኽተመ፡  ክንደይ ህዝቢ ከም ዝተሰደ፡ ክንደይ ንብረት ከም ዝዓነወ፡  ክንደይ  ኣግራብ ከም ዝበረሰ ዘይፈልጡ እዮም።

እሞ ንርቢዒ ዘመን ዝኣክል ህዝቢ ዝኣስርን፡ ዘሕቅቅን፡ ዝቀትልን፡  ንዋታውን፡ ሞራላውን ጥፍኣት ዘምጽኣልና ስርዓት ክንብድሆ ዘይከኣልናሉ ምኽንያት  እናታይ እዩ? ኢልና እንተሓተትና ተፋላሊና፡ ስምረትን ህድኣትን  ጠፊኤና፡ ብዓቢኡ ድማ ሕልናና ደንዚዙ። እቲ ዓቢ ተስፋናን ሕልምናን ምስ በነነ ኣብ ኣንቿ መንቿኢ ኣትና፡ ብኣንነትን ትምክሕትን ተዋሒጥና። ምስኡ ድማ ድንቁርና ወሲኽናሉ።  እወ ሕልና  ስኢና።  ሕልና እንተዝህልወና ናይ  ላምፓዱሳ ምስ ሰማዕና  ኣንስቲ ነጸላና ከይተጎልበብና፡ ሰብኡት ድማ ጅብኦም ከይገብሩ፡ ብድድ ኢላና ወጺእና – ኣብ ምሉእ ዓለም ኢና ዘለና ኣብ ዘዘለኣዮ ሀገር ኣብ  ቤት ጽሕፈታት መንግስትን፡ ቤተርክስያናትን፡ መስጊድን ኣብ ኣደብባይት  ወጺእና እንዶ  ኡይ ምበልና። ሕልና እንተዝህልወና ድኣ ብዝይፍርዲ ንዓመታት ኣማኢታት ዘይኮነስ ኣሽሓት ሰባት ክእሰሩ፡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ክሐሙ፡ ኣእምሮኦም ክስሕቱ፡ ክሞቱ፡ ቀሚሽ ኣደይ ሓንኩሊኒ እናበልና ድኣ ትም ምበልና፡ ናይ ህልውት ምዉታት ምኾና!

ብዝኾነ ሕጂ ካብቲ ዝከፍኤ ናይ ዝኸፍኤ፡ ዝኸፍኤ መጺኡና ኣሎ። ኩላትና ከም ንፈልጦ ኤውሮጳውያን ስደተኛታት – መብዛሕትኦም ኤርትራውያን – በዚሖሙና ስለ ዝበሉ ጃላቡ  ስደታኛታት ሒዘን ካብ ሊብያ ንዓዶም ከይእትዋ ንመንግስቲ ሊብያ ኣብኡ ከጽንሖም ገንዘብ ሂቦሞም፡  ኣብ መዕቆቢ ጸኒሖም ድሓር ን ዓዲ ክመልስዎም። ዝጸንሕዎ ቦታ ናይ መበል 21 ዘመን concentration camp እዩ። ክንደይ ዝገደደ ዘስካሕክሕ ግፍዒ ይፍጸም ኣሎ። ጥዑይ መግባን ጽሬትን ስለ ዘየለ ድማ ሕማማት እውን ተወሲኽዎ። እቶም ሓለውቲ ናይቲ ካምፕ ንርእሶም ማፍያ እዮም። ገንዘብ ወሲዶም  ገና ብጃላቡ ይወስድዎም።  እተን ልዕሊ ዓቅመን ዝሕዝ ጃልባታት ድንገት ምስ ኣጓነፈን ዝጥሓሉ ምስ ጠሓሉ እቶም ዝተፈፉ ማዕጾ ኤውሮጳውያን ተዐጽዮም ጭንቂ ምስ ኮነ  እዘን ናይ ግብረ ሰናይ ማሕበራት  “ሰብ ክምውት ስቅ ኢልና  ኣይርእን ኢና” ኢለን ምስ ክንደይ  ተጻብኦታት ከድሕና ጺዒረን ሕጂ ስርሔን ጠጠዉ ከብላ ይግደዳ ኣለዋ።

ሰብኣዊ መስል ኣብ ዓዲ ሲኢኑ ዓዱ እንዳማቱ ዝኸደ ሰብ ከይንጽግ ዝብል ዓለም ለኻዊ ሕጊ ኤውሮጳውያን ፈሪሞም እዮም። ሕጂ ሲቪካዊ ማሕበራትን፡  ገበርቲ ሰናይን፡ ከምኡ ድማ ተጣበቅቲ መሰል ወዲ ሰብ ማሕብራትን  ነቶም ኣይነእቱን ዝብላ መንግስታዎቶም ይቃወምኦም ኣለዋ ጥራይ ዘይኮነ እዚ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ህዝቡ ዝፍጽሞ ዘሎ ገብን ጠጠው ከብሎ ኣለዎ ይብሉ ኣለው።  ብውልቀ ሰብውን። ብመጻሕፍቶም ጌሮም እቲ መሪር ሓቂ የቃልዑ ኣለው። ንምሳሌ  Martin Plaut ዝተባህል ናይ ነዊሕ ዓመታት ዓርኪ ኤርትራ ኢንጊሊዛዊ ኣብ ናይ BBC ኣፍርቃ ደሰክ ሓላፋይ Inside Africa’s Most Repressive State ትብል መጽሓፍ ክጽሕፍ ከሎ፡   Mirjam  Reisen ምስ  Munyaredzi Mawere Human Trafficking and Trauma in the Digital Era  ትብል ድማ ጺሒፎም። እሞ ነዘን ማሕበራት እዚኣተንን ውልቀ ሰባትን ብጣዕሚ ነመስግኖም። ዋና ሰብ ጉዳያት ግን  ንሕና ኢና። ንሕና  ድኣ ኢና ሓጉዙና ንብል እምበር ንሳቶም ኣይኮኑን ሓጉዙና ዝብሉና። ሐጉዙና ዝብሎ ዘለው ኤርትራውያትን ከም ማሕበራትን ውልቀ ስባትን ኮዮኖም ወትሮ  ከይተሓለሉ ልዕልን ታሕትን ዝብሉሕኣ ዝዮም ዉሑዳት’ዮም።

እምበእር ሕጂ ኣብቲ ናይ መጭረሻ ሕፍረትን፡ ወድቀትን፡ ውርደትን፡ ህልቂትን በጺሕና ክሳብ ሕጂ እዚ ስርዓት እዚ ዓትዒቱ ሒዝና ዘሎ ድማ ሕልናና ስለ ዘድስከልና፡ ስለ ዘይተሳነና ኢና ንብል ኣለና። ኣድቂቅና ክንሪኦ ከለና ንሕና ኤርትራውያን ኣብ መንጎና ጽልኢ ማልት እቲ ናይ ብሓቂ ጽልኢ የለን፡ ኣብ መርዓናን ሓዘንናን ብሓንሳእ እንዲና ዘለና። እንተኾነ፡ ንሓሶት ከም ሓቂ፡ ንድንቁርና ከም ትምህርቲ፡ ንኽሳራ ከም መኽሰብ፡ ንሞት ከም ህይወት ትወስዶ እንተኾንካ ግን ዓቢ ጸገም ኣሎ። ጽልኢ እንተሎ ድማ ጀጋኑ ንኹን።  ኣብ እዋን ጥፍኣት ጀጋኑ ዘይኮና ድኣ ምኣስ ጀጋኑ ክንክውን። እቲ ናይ ብሓቂ ጅግና ጸላኢኡ ዝነበረ ፈታዊኡ ዝገብሮ እዩ።

ብተወሳኺ፡ ንዓይ ከም ዝመስለኒ ኣብ ወጻኢ ዘለና ኤርትራውያን  መብዛሕትና ርክብና ምስቲ ኤርትራዊ ጥራይ ኮይኑ ዓንኬልና ኣዝዩ ጸቢቡ። ኣማጋግባና፡ ኣጋባብ መርዓና ኩሉ ውራይና  ወዘተ ናይ ዓዲ ኮይኑ፡ እሞ  ኣብቲ ማሕበራዊ ይኹን ፓለቲካዊ ህይወት ናይታ ዘለናያ ሀገር ንዋሳእ።  ኣብቲ ንማሃረሉ ቤት ትመህርቲ ብብልሕና፡ እብቲ ንሰርሓሉ ስራሕ ብመንፈዓትናን ልዝብናን፡ ክንፍለጥ መን ዳኣ’ዮም እዚኣቶም ክንባህል፡ ብሓጺሩ ኣብቲ ንነብረሉ ሃገርሲ ክንበር ኣለና።  ከምኡ ምስ ዝኸውን ብዛዕባ ሀገርና እውን ከምዚ ዘስግእ ኩነታት ክንረክብ ከልና ክንዛረብ፡ ተዛሪብና ከነስምዕ ንኽእል።

ክቡር ህዝቢ ኤርትራ፡ ኢሳያስ ንርእሱ ከም ኤረትራ ጌሩ እዩ ዝሓስባ።  መንእሰይ ኣወዲኡ ንሱ ዝጸልኦም ከም  ጸላእትና ጌይሩ ከረድኣና ሒኹ ይብል ኣሎ። ንሕና ብዝይክኡ ጸላእቲ የብልናን። ጎረባብታና ኣሕዋርናን ከወንትናን እዮም። ኢትዮጵያ ጸላእትና እንተዝኾኑ ድኣ እንታይ ኢሎም 150,000  ስደታኛ ኣዕቁሙልና  ንኣማኢት scholarship  ሂቦሙልና። ሱዳን ኣብ እዋን ቃልሲ ሐቁፎሙና፡ ኢሳያስ  ድሕሪ ነጻነት ዓድኹም እይትኣትዎን ኢኹም ኢሉ ዝከልከሎም ኤርትራውያን ከም ዓዶም ኮይኖም ክንበሩ ኣፍቂዶሙሎም። ሕጂ  ድሕሪ ነጻነት ልዕሲ 160 ሽሕ ኤርትራውያን ኣዕቁቦሙልና ኣለው። ሶማልን ዓደንን፡  ብእዋን ቃልሲ ዘብርከቶዎ ሓገዝ ኣብ ታሪክ ኤርትራ ዘይርሳዕ እዩ።

ሰላም ክብሃል ከሎ ኤርትራ ጥራይ ኣይኮነትና ሰላም ትደሊ ዘላ። ህዝቢ ቀርኒ ኣፍሪቃ ሰላም ይደሊ ኣሎ።  ስለዚ ካብዚ ዘለናዮ ዘሕፍር፡  ሰናይ ዘይህብ ድቃስ ተባራቢርና፡ ንርእስና ሰላም ረኺብና፡ መሳርሒ ሰላም  ኣብ ቀርኒ እፍሪቃ ጥራይ ዘይክነ  ኣብ ምሉእ ኣፍሪቃ እውን ክንከውን ንኽእል ኢና ኢልና ንበገስ።  ንሱ ጥራይ ዘይኮነ  ከም ኣካል ናይ ዓለም ህብረት ሰብ ተራና ክንጻወት ይግባእ’ዩ።  ድሓር ድማ  ናይዚ  60/70 ዓመታት ሐዞዞቅ ናይ መግዛእትን። ገድልን፡  ዘመነ ኢሳይስን ገዲፍና ናይ ኣማኢት ዓመታት  ባህሊ ኣቦታትናን ኣዴታትና እሞ ንርኤ፡ ህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ ለባም፡ በላዕ ናቱ ንሓደ ሰራቂ ዓመጻኛ በዓል ስልጣን ወይ በዓል ገንዘብ ዝእዘዝ ዘይኮነስ ንሓቅን ንፍትሕን ደው ዝብል’ዩ ። ንምሳሌ ሓደ ሃብታም ሓዉ ብሃብቱ ተነይቱ  ንሓው ዘየድሊ እንተገበሮ እቲ ሓው ኣይጻወሮንዩ።  “እንታይ ኢኻ ትገብር ዘለኻ ስነስርዓት ግበር ንስኻ ቅጫኻ ኣርጉዱካ ብላዕ፡ ኣነ ከኣ ረቃቅ ቅጫይ ኣላትኒ”  ዝብል፡ ብ እዋን ሽግር ባዓል ኩንታል ንባዓል ፍርቂ ኩንታል። በዓል ፍርቂ ኩንታል ንበዓል ርቢኢት። በዓል ርቢዕት ንበዓል ምለሊኽ እናተማቀለ ዝሓልፎ፡ ሽጉጥ ኣየድልዮ በትሪ፡  ዝባን መንግስቲ ኢሉ ኣብ ሕጊ ዘበጽሕ ወረጃ  ህዝቢ እዩ፡  እዚ ዓለም እዚ ክትረብሕሉ ትኽእል ባህሊዚ ክትሕስቦ ከለኻ ተኸዊሉ እምበር ፈጺሙ ኣይጠፍኤን ኣብ ውሽጥና ኣሎ። ኸምኡ ስለ ዝኮነ ከኣ እዩ  – ብዚሑ ድኣ’ምበር – ምስዚ ክንድዚ ንዓለም ዘስካሕክሔ ጭንቁን ሓረቆቱን፡ ኣዞም ኣብ ስልጣን ዘለው ይሙቱልና ይሰቀሉልና ዘይበለ፡ ካብ መንብሮም ጥራይ የልግሱልና እዩ ዝብል ዘሎ።  ኣቱም ሰበ ስልጣን ብሕልፊ እቶም ኣብ ሜዳ ዝነበርኩም ጀነራላት ጥይት ኒሒፋትኩም እምበር ከምቶም ኣሕዋትኩም ህይወትኩም በጃ ህዝቢ ከተሕልፉ ንዓመታት ብጅግንነት ተዋጊእኩም እንዲኹም፡ ሕጂ ሽምግልና መጺኣ ትሪኢዎ ኣለኹም ብጾትኩም፡ ባዕልኹም ንዓመታት ዝኣሰርኩሞም ከይርሃዎም፡ ከይጸወይሉ   የመነ ጸጋም ይሓልፉ ኣለው። ህዝቢ ኣግሂዱ እንተዘይተራገመ ብልቡ ኤህ ይብል ኣሎ። ብዝኾነ ካብ ሞትን ፍርዲ ኣምላኽን  ዘምልጥ የለን።  ኣምላኽ ገጹ ንዝመለሰ  ሰብ ኣብይ ኔርካ ኣይብልን’ዩ። እሞ  ነዛ ርሕኩም ሕሰቡላ ብስለም ውረዱ።  ተባዓት ኩኑ። መወዳታኹም ኣጸብቁ። ኣዕጽምቲ ወለድና፡ ኣሕዋትና፡ ኣሓትና፡ ችችችችች ደቅና ሃብና ንቡር ክንገብረሎም። ኣብ ፈቀዶ ዓዲ ፈቀዶ ባንካ ዘሎ ገንዘብ ህዝቢ ምለስዎ።

ክቡር ህዝቢ ኤርትራ ዘረባይ ከጣቃልል፡ እዚ ናይ ሊብያ እንታይ እዮም ዝብልዎ  እዞም ዓዲ፡ the last straw on the camel’s back ይኹነልና። ንሕና ወዲቅና ኢና፡  ወዲቅና ክሳዕ ዝኣኽለና ግን ኣይተጨፍለቅናን ። ከይንጭፍለቅ ግን ምርጫና ሓንቲ ጥራይ እያ።  ንሳ ድማ  ነብሲ ወከፍና፡ ዓቢ ምስ ንእሽቶ ሰብኣይ ምስ ሰበይቲ ጓል ምስ ወዲ ብግብሪ ናብ መንፈሳዊ ማዕበል ዘምርሕ ጅግንነት፡ እዚ ኣቀዲመ ዝበልክዎ ጅግነንት ነርኢ። ካብቲ ወዲቁ ዘይፈልጥ ወዲቁ ዝተስኤ፡ ካብቲ ተጋግዩ ዘይፈልጥ ተጋግዩ ዝተኣረም ዝበለጽ ስራሕ ክሰርሕ ይኽእል።   ጊዜ ከም ዘይብልና ግን ኣይንረስዕ። ነብሲ ወከፍ ሰብ ፍቀድኛ እንተዳኣ ኮይኑ እግዚኣቢሄር ዝሃቦ ማንም ሰብ ዘይወስደሉ ሓይሊ ከም ዘለዎ ድማ ብቀጻሊ ንዘክር።

ካልእ ክብሎ ዝደሊ ድማ ቅንኢ ሕማቅ እዩ ሓጥያት’ዩ ። መንፈሳዊ ቅንኢ ግን ኣግዚኣቢሄር ዝብህጎ እዩ።  ኣብ ኤርትራ እታ ሓንቲ ዩኒበርሲቲና ክትዕጾ ከላ፡  150,000 ስደተኛታት ኣዕቁባ ንኣማኢት scholarship ትበልና ዘላ ኢትዮጵያ ድማ ኣብዚ 26 ዓመታት ኣብ ኩለን ጠቅላይ ግዛት ፋሕ ኢለን ዝረከባ 44 ዩኒቨርሲትን ኮሎጃትን ገይራ። Medical students ጥራይ 3000 ኣብ ዓመት ይምረቁ ኣለው። ደርጊ ወዲቁ እዚ ሕጂ ዘሎ መንግስቲ ስልጣን ምስ ሓዘ ጭርሑኡ፡ ዋና ጸላእትና ድንቁርናን፡ ድኽነተን እየን፡ ቅድም ቀዳድም ንዓታተን ነጥፍእ ኢሎም። ገይሮማ ድማ።  ኣዲስ ኣበባ እሞ ንግደፎ፡ ከተማታት ኢትዮጵያ ይኩሓላ ኣለዋ። እንተ ንሕና ድማ  እታ  ጽርግያታታ ብማይ ዝሕጸብ ዝነበርት ርእሲ ከተማና ቅጥራና ተባሕጉጉ መደርበይ ጨናዊ ቆርበት ኮይና!

ክቡር ህዝቢ ኤርትራ፡ ክስራና መለክዒ የብሉን፡  ቁጺሪ ዘይብሎም ሰባት ናይ ኩሉ ዓይነት  ሃብታም ተመክሮታት ዝነበም ሃገር ኣብ ሓጺር ጊዜ ብዘይ ሰሃሮ  ክሃንጹ፡ ዝኽእሉ ዝነበሩ ምስ ጓሂኦም ከይዶም። ይኹን እምበር፡ ኣለኩምንዶ ሰብ ጸጋ ሰማንያታት ሓሊፍኩም ናብ ትሰዓታት እናተማጣጠርኩም ፡ ምስ ተስፋኹም እዛ ሃገር እዚኣ ከይደበስናያ ኣይንሙት ትብሉ። ኣለንክን እንዶ፡  ኣለኹም እንዶ ደለይቲ ፍትሒ  ምሁራት ሊቃውንቲ ሓኻይም መማሃራን ስነ-ጥበባውያን ሙዚቀኛታን፡ ኢንጀነራታት፡ ጠበቃታት፡ መሃንዲሳት፡  ኣለዋና እንዶ ክብርትዓ ዝኽእላ በቢዓይነተን ሲቪላዊ ማሕበራት እንታይ ኢለሞ ክጽብጽብ። እንተብዚ እንተበቲ 12 ምስ ወዳእካ እቲ ድሕሪኡ ዝመጽእ ላዕለዋይ ትምህርቲ ዘይ ኣርባዓት ዓመት ጥራይ’ዩ ዝወስድ። ቤት ትምህርትታት እንተኾነ ዘይ እቲ ቤት ማእሰርትታት ካብ ካርሸሊ ጀሚርካ ኢኻ መምሃሪ ትገብሮ።  ኤርትራ ንእሽቶ እያ፡  ምስዞም ክንዲዚ መሃንዲሳትና ከተማታታን ጽርግያታታን ገጠራታን ክምዕባል ጊዜ ኣይክወስድን እዩ። ኢሳያስ ብስርዓት ኣጽኒዑ ተገሪሁ ዝጸንሔ ብኣውራዳታትን ሃይሞነትን  ህዝቢ ፈላልዩ እዩ። ንሱ ጥረይ ዘይኮነ ብሕጽረት ገዛ ከም ዝጣላለም፡ ብሕጽረት መግቢ  እዝኒ መንግስቲ ከም ዝኽውን ጌይሩ እዩ።  እዚ ባህርያት እዚ ሓደግኛ እዩ።  ኣብ ቅድሚ መንፈሳዊ ማዕበል ግን ክስዕርር ዕድል የብሉን።   ጥራይ ንተስንእ፡ ዘሎ ክድበስ፡ ዝተ መንፈሱ ክቀስን፡።ኤርትራ ነጻነታ ምስ ረኸበት ህዝቢ ዓለም ገሪሞዎ እንድዩ ሕጂካብዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ጥፍኣትን ህልቂትን ወጺእና እዚ ዘይብሃል ሰላምን ኤኮኖሚያዊ ይኹን ካልእ ምዕባሌታት ጌርና ዓለም ከም ዝገርማ ንግበር። ንኽእል ከኣ ኢና።

እምበኣር ካብ ዝሓስብክዎ ንላዕሊ ተዘሪበ’የ ሞ ዘረባይ ብጸሎት ክዓጽዎ።

እግዚኣብሄር ብዓትኒ ምሕረቱ ይጠምተና፡ ሰላም ኣብ ዓድና፡ ሰላም እብ ዓለም ይንገስ ኣሚን።

ኣበባ ተስፋግዮርጊስ

Subscribe ASSENNA YouTube to get Radio Assenna shows on time:

aseye.asena@gmail.com

Review overview
3 COMMENTS
  • k.tewolde August 29, 2017

    Abeba you are a voice of hope,a fountain of inspiration,you are the Eritrean womb who is relentlessly trying to gather her scattered children,you are the soft whisper of Spring in our ears encouraging us we gonna be ok.You are the twig that somebody holds on to in a raging river,you are the crevice that somebody latches on the face of a cliff.Above all you are the ultimate mother,daughter,sister,niece…..of Eritrea.I wish I could hug you in person,for now consider this little post as a gift for my deepest gratitude.Please,continue gracing us with your presence in the darkest days of our homeland. With people like you a crimson Eritrean dawn will break soon and the lilies on the mountainside will open up their petals to greet your goodness.Your name says it all.

  • Meretse August 29, 2017

    ክትስእ ዝፈርሕ ሓንሳብ ዝወደቀ
    ኸዋኽብቲ የምልክ ዘሎ እንዳመረቀ
    ንግሆ እንከሎ ጸልማት ተቀንጢጡ
    ለይቲ’ሎ ኢሉ የመክኒ ብፍርሒ ተዋሒጡ
    ኾኾብ ድዩ ክወርዶ ንምስክር ኢሉ
    ሓፍ ግዳ ዘይብል ካብ ጸልማት ዝሕሉ

    ጥሉልን ብሱልን –ግሩም ጽሑፍ ዝከበርኪ ሓፍቲ

  • zeregabir Teaghes September 2, 2017

    Abeba Beatay; it is impossible to throw Isayas with the Eritrean people in diaspora.
    May be and hope that Abraham Isayas Afwerki will act on behalf of the Eritrean people and over throw his father and bring bright future.
    Believe me Abraham will do it.

POST A COMMENT