Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ንተጋባእቲ ኮሚሽን፤ ‘ውራይ ከም በዓሉ፣ ስዋ ከም ቡቕሉ!’ ፍሉይ ጽሑፍ ኣለና

ብሰሙኑ! ሃገራዊ ኮሚሽን ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ኣብ ዓቢ ውራይ ኢዩ ክቕኒ፤ ውራይ ሃገራዊ ጉባኤ። ሃገራዊ ጉባኤ ፍረ ሃገራዊ ቃልሲ ኤርትራውያን ስለዝኾነ፣ ንውጽኢቱ ብሃንቀውታ ክንጽበዮ ባህርያዊ ኢዩ። ንዝጎዓዞ መንገዲ ሽግ ክንውልዓሉ፣ ንዝበጽሖ ደረት-ትርኢት ድማ እምነ-ኩርናዕ ከነቐምጠሉ ዝግባእ’ኳ

ብሰሙኑ! ሃገራዊ ኮሚሽን ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ኣብ ዓቢ ውራይ ኢዩ ክቕኒ፤ ውራይ ሃገራዊ ጉባኤ። ሃገራዊ ጉባኤ ፍረ ሃገራዊ ቃልሲ ኤርትራውያን ስለዝኾነ፣ ንውጽኢቱ ብሃንቀውታ ክንጽበዮ ባህርያዊ ኢዩ። ንዝጎዓዞ መንገዲ ሽግ ክንውልዓሉ፣ ንዝበጽሖ ደረትትርኢት ድማ እምነኩርናዕ ከነቐምጠሉ ዝግባእ’ኳ እንተኾነ፣ ማዕረ ባህጊ ህዝቢ ኤርትራ ንክሰርሕ ማዕጾ ኮሚሽን ካብ ዝኹሕኳሕ ኣይወሓደን። ከምቲ ንዝረሃጽካሉ ንብረት ብከንቱ ክጥፍእ እንከሎ ዘሕምመካ፣ ፍትሒ ኣብ ዝገሃሰሉ እዋን፣ እቶም ንናጽነት ኤርትራ ሂወት፣ ደምን ዓጽሚን፣ ከምኡ’ውን ገንዘብን ጉልበትን ዝኸፈልና ኤርትራውያን ዝያዳ ከም ዘሕምመና ዝሰሓት ኣይመስለንን። ብካልእ ኣበሃህላ ኣብቲ ህዝቢ ኤርትራ ንሰላሳ ዓመታት ዝመረሾ ጉዕዞ፣ ናጽነትን ሓርነትን ንምምጻእ እጃሙ ዘየበርከተ ዜጋ ዳርጋ ኣይነበረን ማለት ክበሃል ይከኣል።

ንሕና ኤርትራውያን ኣብቲ ብረታዊ ቃልሲ ንጅምረሉ ዝነበርና ዓመት፣ ከም ወዝቢ ሓደ ነቢዪ “ናጽነትኩም ንምርካብ 65 ሽሕ ሰባት ክትከፍሉ ኢኹም” እንተዝብለናስ እንታይ’ኮን ምኾነ መልስና? ብርግጽ እወ ክንከፍል ኢና ምኾነ መልሲ ኤርትራውያን። እቲ ምንታይ ምረት መግዛእቲ ዓቐኑ ስለዝሓለፎ። ሎሚ’ውን ስለ’ቲ ብጭፍራ ህግደፍ ዝተጨውየ ሞሳና ኢና’ምበኣር ዳግም ንክንቃኣለስን ዋጋ ሓርነት ንክንከፍልን እጅገና ዝሰብሰብና።

ካብ ዱሮ ኲናት ባድመ፣ ምእሳር ጉጅለ 15ን ምዕጻው ናይ ብሕቲ ጋዜጣታትን፤ በቶም ብናይ መንነት ቅልውላው ወትሩ ዝሳቐዩን ኤርትራዊ ትውልዲ ንምጽናት እከይ ውጥን ዝሓንጸጹን ቑንጣሮ ጉጅለ ህግደፍ ንዝተጨውየ ባህጊ ኤርትራውያን ንምምላስ፣ ኣብ ውሽጢን ደገን ዘሎ ኤርትራዊ ዜጋ ኣይደቀሰን። ወላ’ኳ ብዙሓት ኤርትራውያን ፖለቲካውያን ምንቅስቓሳት ብሃሳሰለባም ይጓዓዛ እንተነበራ፣ ብሰንኪ ስዉር ስለያዊ ሽርሒታት ገበነኛ ኢሳይያስን ድኻም ገዛእ ርእሰንን ታሪኻዊ ባህጊ ህዝቢ ኤርትራ ንምርዋይ ኣይተዓደላን።

ከም መቐጸልታ ቃልሲ ንለውጢ ድማ ብቀንዱ ምስረታ ሃገራዊ ኮሚሽን ናይ ቃልሲ መድረኽ ዝፈጠሮ ማዕበል መጸ። ስለዚ እቲ ኣብዚ ቅንያት’ዚ ኣብ መዲና ኢትዮጵያ ዝጋባእ ዘሎ፣ ካብ 500 ክሳብ 600 ሰባት ንክሕዝ ትጽቢት ዝግበረሉ፤ ባርኾት መራሕቲ ሃይማኖት ከይተረፈ ዝቐምሰሉ ሃገራዊ ኮሚሽን ንዲሞክራስያዊ ለውጢ፣ ‘ውራይ ከም በዓሉ ስዋ ከም ቡቕሉ’ ከም ዝበሃል፤ እንታይ ምህርቲ ኢዩ ክሕፍስ ዝብል ሃንቀውታ፣ ኣብ ደም ኤርትራውያን ይገማጠል ኣሎ። እንተኾነ ግን ‘ምዕሮን ጭዃሮን ዝህቡኻ፣ ዝተረፈካ ተሕብር ኢሎሙኻ’ ከም ዝበሃል፤ እቲ ብሓልዮት መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ወርሒ ነሓሰ 2010 ዝተበገሰ ጉዕዞ ኮሚሽን፣ ምህርቱ ንምኽዕባት ኣብዘን ዝሓለፋ ኣዋርሕ ኣብ ፖለቲካዊ፣ ቁጠባዊን ማሕበራዊን መዳያት ኤርትራውያን ጫዂሩ’ዶ? ምህርቲ ካብ ስራሕን ጻዕሪን’ምበር ካብ ኮፍን ባዶ መብጽዓን ስለዘይሕፈስ፣ ኮሚሽን ኣብዚ ዝሓለፈ ግዜ ዝኣከቦ ቅሚጦ’ኸ ነይሩዎ’ዶ ኢልና ክንሓትት ኣገዳሲ እመስለኒ።

ሓደ ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ ናይ ገዛእ ርእሱ ቅርጺን ኣገባብ ኣሰራርሓን’ኳ እንተለዎ፣ ዘይሩዘይሩ ኩሉ ንፖለቲካዊ ለውጢ ዝቃለስ ውድብ፣ ሰልፊ፣ ምንቅስቓ ወይ ኮሚሽን ናብቲ ክበጽሖ ዝደለየ ሸቶ ንምብጻሕ ኣብቲ ሕጋዊ ኣካሉ ዝኾነ ጉባአ፣ የስርሑና ኢዮም ዝበሎም መሪሕነት ኢዩ ዝመርጽ። ኣብ ፖለቲካዊ ጉዕዞ ተራ መሪሕነት፣ ብፍላይ ድማ ተራ ኣቦ መንበርን ምክትሉን ኣዝዩ ኣገዳሲ ኢዩ። ንሱ ዋና ኣወሃሃዲ ዋህዮ ወይ ኣይ(Integrated Circuit) ስለዝኾነ፣ ኣብ ፖለቲካዊ ሂወት እንተጥዕዩ፣ ካብ ባዕላዊ ጥሙሕነት እንተርሒቑ፣ ካብ ህርፋን ሓላፍነትን ዲክታቶርያዊ ውጥምቅልቅልን ንነብሱ እንተጸይሙን ጥራይ ኢዩ እቲ ፖለቲካዊ ሸቶ ክብጻሕ ዝከኣል።

መን የርድእ ዝቐበረ፣ መን ይንገር ዝነበረ’ ከም ዝበሉዎ ግን፤ ውሽጣዊን ግዳማዊን መልክዕን ትሕዝቶን ኮሚሽን፤ መንነት መሪሕነቱን ባህርያቶምን ካባና ካብ ኤርትራውያን ዝተሰወረ ኣይነበረን። ብፍላይ ድማ ብሰንኪ እቲ ዘይስጡምን ነቓዕን ኣሰራርሕኡ ኣሎ ዝተባህለ ግርጭታትን ምስጢራትን ኮሚሽን ብዝተፈላለያ ወብ ሳይታት ተጻሒፉን ኣንቢብናዮን፣ ከምኡ’ውን ኣብ መድረኽ ፓልቶክ ሰሚዕናዮን ኢና። እቲ ግርጭት ካብ ጥርዚ ኮሚሽን ኣንከራርዩ ናብ ሰጣሕ ጎልጎል ምስ በጽሐ ድማ፤ እቲ ኣብ መንጎ ኣቶ ዳንኤል ተወልደን ኣቦ መንበር ኮሚሽንን ዝነበረ ጨርባሕባሕ ምስናይ ግናይ ዜናታቱ ናብ ቃልዕ መድረኽ ወረደ። መን ኢዩ በዳሊ? መን’ከ ተበዳሊ? እንታይ ሕጋዊ ተሓታትነት’ከ ክስዕብ ኢዩ? ..ተ… ንመጻኢ ግዜ ዝግደፍ ኢዩ።

ኮሚሽን ወላ’ኳ ብዙሓት ሃገራውያንን ጻዕረኛታትን ኮሚሽነራት እንተነበሩዎ፤ እቲ ምንቅስቓስ ኣብ ምጅማሩ ብዝተለሞ ቄናን መንገዲ፣ ቅኑዕን ዘየሻሙን ዲሞክራስያዊ ኣሰራርሓን ስጡም መሪሕነትን ኣይተዓደለን። ምኽንያቱ በሰላታት ሕብረተሰብና ንምሕዋይ ንድሕረባይታ ኤርትራዊ ክዉንነት ስለዘየማልአ። ኣብ መድረኽ ቅድመሓርነት ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ፈያራት ተርእዮታት ካብ ኣቐልቀሉ፤ ናብ ኤርትራ እንተኣትዩ ደኣ ከመይ ኢዩ ክኸውን ኣገባብ ኣከያይድኡ ዘይበለ ሰብ’ውን ኣይነበረን።

እቶም ኣብ ዋዕላ ነሓሰ 2010 ዝተጋብኡ ሰባት ብኩሉ መልክዓት ኤርትራ (ኣውራጃዊ፣ ሃይማኖታዊ፣ ብሄራዊ፣ ፖለቲካዊ፣ ጾታዊ፣ ማሕበራዊ…ወ...) ማዕርነት ዘወሃሃደን ዝተዛነቐን ኣይነበረን። እቲ ካብ ኩሉ ዝተገብረ ዓቢ ምንጻል ከኣ፣ ተጋደልቲ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ንዝነበሩ ኣገደስቲ ተቓወምቲ ውልቀሰባትን፤ ኤርትራውያን መንእሰያት ደቂ ተባዕትዮን ደቀንስትዮን ኣብቲ መስራቲ ጉባኤን ብድሕሪኡ ዝሰዓቡ ኣኼባታትን ኮነ ተባሂሉ ከም ዘይሳተፉ ንምግባር ዝተተትዐ ክፍኣት ምንባሩ፤ መን’ዩ መሃዚኡ ብዘየገድስ ኣይሰሓትናዮን። እንተኾነ ካብ ትም ምጅማር ስለዝሓይሽ፣ ምስ ግዜ’ውን ምምዕርራያት ክግበር ከም ዝኽእል ስለዝኣመንና፤ ዋዕላ ንገዛእ ርእሱ’ውን ብታሪኽ እንዳባ ዓቢ ቴማ ስለዝኾነ፤ ብዘይካ እቶም ተልእኾ ህግደፍ ንምትግባር ካብ ምስታፍ ዝሓንገዱ ተበለጽቲ፤ ኣብ ውሽጢን ደገን ዝነብር መብዛሕትኡ ህዝቢ ኤርትራ ደጊፍዎ ኢዩ።

ርሑቕ መውስቦን ፍትሕ ጎዶቦን ጥዑም’ዩ ንዝብል፣ ጥዒምካ ሃበኒ በሎ’ ከም ዝበሉዎ ኣቦታት፤ ብሰንኪ ዘይንጡፍን ዘይምዕሩይን ኣሰራርሓ መሪሕነት ኮሚሽን እቲ ኣብ መንጎ ህዝቢን ሃገራዊ ኮሚሽንን ዝነበረ ቃልኪዳን ናብ ፍትሕ ገጹ ኣምርሐ። እዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ኣከያይዳ ደኣሞ ንምሸቱ ናበይ ኢዩ ክኣቱ? ብድሕሪ ውድቀት ውልቀመላኺ ኢሳይያስን ደቀመዛምርቱን ዋዕላን መሪሕነቱን ናብ ኤርትራ ክኣቱ እንተኾይኑ፣ ናብቲ መዳፍዕ፣ ታንክታት፣ ፈጣናት ጃላቡን ነፈርቲን ዝዓጠቐ ተረፍመረፍ ተጋደልቲ ህዝባዊ ግንባርን፣ ብ ‘‘ሃገራዊ ኣገልግሎት’’ ዝተዓለሙ፣ ዓሰርቱቃላት ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ብዘንብቡን መንእሰያት ወተሃደራትን ዘለዋ ሃገር ኢዩ ክኣቱ። ንዘይትፈልጦ ህዝቢን ሰራዊትን ብኣሰገዳድ እፈልጠካ እየ’ሞ ከመሓድረካ መጺኤ ኣለኹ ምባል ስለዘይከኣል ድማ፣ ጉባኤ ንምዕሩይ ተሳታፍነት ህዝቢ ኤርትራ ብኣግኡ ከስተውዕለሉ ዝግበኦ ኣገዳሲ ጉዳይ ኢዩ። ውራይ ከም በዓሉ ስዋ ከም ቡቕሉ ከም ዝበሃል ድማ፣ እቲ ካብ ሃገራዊ ጉባኤ ዝሕቆን ጠስሚ ካብ ዝሓለፈ ተመኩሮ ክመሃርን ንህዝቢ ኤርትራ ክውድብን ዝኽእል ዓቃል መሪሕነት ንክመርጽ ትጽቢት ይግበረሉ ኣሎ።

ዘቕርቦ ዘለኹ ርእይቶ ከም ድፍረት ንከይቑጸር ክምሕጸን ኣፍቅዱለይ። ጉባኤ ሃገራዊ ኮሚሽን፣ ሕጂ ዝፈጥሮ መልክዕን ቅርጺን ብዘየገድስ፣ ንዝነበሩ ጉድለታት ኣሰራርሓ እንተዘይኣሪሙን ናይ መሪሕነት መሰረታዊ ብወዛ፤ ብፍላይ ናይቲ ንተልእኾ ኮሚሽንን ትጽቢት መላእ ህዝቢ ኤርትራን ዘይተግበረ ኣቦ መንበር፣ ኣቶ ኣምሃ ዶመኒኮ ምቕያር እንተዘይገይሩን ዝኸዶ ዘሎ መንገዲ ከንቱ ውእቱ ኢዩ ክኸውን። ብዛዕባ ምምራጽ መሪሕነት ኮሚሽን ዝምልከተኒ ጉዳይ’ኳ እንተዘይኮነ፣ ኮሚሽን ናይ ህዝቢ ልኡኽን ወኪልን ኢዩ ካብ ዝብል ርድኢት እየ ብዛዕባ ኣቦ መንበር ንክዛረብ ዝተገደድኩ። ኣብዚ መንእሰያትና ዝቕዘፍሉ ዘለዉ ግናይ ህሞት፣ ኣግሂድካ ምዝርራብን ምንቕቓፍን ንከነተኣታቱ ድማ ግዜ ይህውኸና ኣሎ።

እቲ ኣብ ክፍላ ሰብዓታት ኣባል ሓፋሽ ውድብ ህዝባዊ ግንባር ዝነበረ፣ ብኣግኡ ኣብ ፖለቲካዊ ቃልሲ ዝኣተወን ኣብ ቀዳማይ ውድባዊ ጉባኤ ሻዕብያ ዝተሳተፈን ኣቶ ኣምሃ፤ ኣብዚ ዝሓለፈ መዋእል ኮሚሽን ኣገዳሲ ለውጢ ንከምጽእ ዓቢ ትጽቢት ዝተገብረሉ ዜጋ ኢዩ ዝነበረ። ካብ ዝነበሮ ሃገር ኤውሮጳ ስለ ጉዳይ ሃገር ክብል ስድራ ቤቱ ገዲፉ ናብ ኣዲስ ኣበባ ምኻድን ምንባርን ቀሊል ሃገራዊ ፍቕሪ ኣይኮነን። ኣቦ መንበር ኮሚሽን ኣብ ፊት ዕርዲ ህግደፍ እኳ እንተዓረደ፣ ብኣዒንቲ ህዝቢ ዝተራእየ ዕማማት ግን ኣይሰርሐን። ጉዳይ ጥዕና ኣብ ግምት ዝኣቱ’ኳ እንተኾነ፤ ጉዕዞ ኣቶ ኣምሃ ደሞኒኮ ግን ውራይ ከም በዓሉ ኣይነበረን። ብዓንዲርእሱ ግርጭታት እቲ ኮሚሽን ኣብ ምፍታሕ፣ ንሰባት ብሞራል ኣብ ምእላይ፣ ፖለቲካዊ ጎስጓስ ኣብ ምግባር፣ ኣኼባታትን ሰሚናራትን ንኤርትራውያን ብሓፈሻ፤ ብፍላይ ድማ ኣብ መደበራት ስደተኛታት ኢትዮጵያ ንዝርከቡ ኣብ ምብርባር፣ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ሰሜን ኣፍሪቃ፣ ጎረባብቲ ሃገራትን ዓለምን ዲፕሎማስያዊ ስራሓት ሃገራዊ ኮሚሽን ኣብ ምክያድ፣ ዝምድናታት ኮሚሽንን ውድባትን ኣብ ምጽባብ ወ..ተ… ዘካየዶ ስራሓት ኣብ ዝኾነ ናይ ዜና ማዕከናት ኣይተሰምዐን።

ህዝቢ እንተዘይተወዲቡ፣ እንተዘይነቒሑን እንተዘይዓጢቑን ደኣ ከመይ ብዝኣመሰለ መስተንክር ኢዩ ስርዓት ህግደፍ ብቃልሲ ኮሚሽን ክወድቕ? ኢልና ክንሓትት ከኣ ግቡእ ኢዩ። ዘለናዮ ዘመን፣ ዘመነግሎባላይዘሽን ኢዩ። ኣብዚ ሓበሬታ ማዕረ እንጀራ ኮይኑሉ ዘሎ ግዜ፤ ኮሚሽን ደድሕሪ ፍጻሜታት ክጉተት’ምበር ቀቅድሚ ተርእዮታት እናመረሸ ንዓለምን ንኤርትራን ክርእየን ኣይከኣለን።

ንሕና ኤርትራውያን ብዛዕባ እታ እንፈአልጣ ኤርትራን ብዛዕባ እቶም እንፈልጦም ኤርትራውያንን ገማጢልና ኣብ እንዕዘበሉ ግዜ፤ ሓቀኛ መንነትናን ኣቀዋውማናን ንክንፈልጥ ሕሩድን ዕጣንን ዘድልዮ ጉዳይ ኣይኮነን። ኣብ ክንዲ ነቶም ኣብ ምድረበዳ ሲናይ ኮላሊቶም ዝሽየጥ ዘሎ መንእሰያትናን ብበደዊን ዝዕመጻ ዘለዋ ኣዋልድናን ምድሓን፣ ኩሉ ብመራሕቲ ውድባትን ሰልፊታትን ዝግበር ዘሎ ቅድድም ንፖለቲካዊ ስልጣንን ጭንን ኣብ ኣዲስ ኣበባን፤ ካብ ማንም ሰብ ኣይተኸወለን። ንህዝቢ መሲልካ ከይተጓዓዝካን፣ ናብ ደረጃ ህዝቢ ወሪድካ ጸገማት መላእ ኤርትራዊ ከይፈታሕካን፤ ኣብ ሂልተንን ሸራተንን ኣዲስ ተኾይጥካ፤ ኣብ መኣዲ ክትፎ ዝፍታሕ ጸገም ኤርትራዊን ዝጭበጥ ስልጣንን ሕልሚ ቀትሪ ጥራይ ኢዩ።

እቶም መንኮርኮሮም ዝተጎማጸጸን ጎማታቶም ዝነፈሰን መራሕቲ ገለ ውድባት፣ ውሕጅ ምስ ዝኣከቦም ጉንዲታት ተሻሪኾም ሎተሪና ሓዲጋትና ካብ ዝብል ስግኣት፣ ጉዕዞ ኮሚሽን ንምዕንቃፍ ክገብሩዎ ዝጸንሑ ክፍኣት ግብሪ፣ ኣይተዓወተን። ወላ’ኳ ካብ ኣዳራሽ ህዝባዊ ቃልሲ ሰብ ብዝርእዮ ዓቢ ማዕጾ እንተወጹ፤ ህላውኦም ኣብ ፖለቲካዊ ሂወት ንምርግጋጽ ብመስኮት ንክኣትዉ ዝገብርዎ ዘለዉ ድራማ ኣይተኸወለናን። ኣብ ጠቐር ፖለቲካዊ ሰርወ ብዝመረተ ስነሓሳብ፣ ሓንሳብ “ኣብ ኤርትራ ዝገዝእ ዘሎ ብሄረ ትግርኛ ኢዩ” ጸኒሖም ከኣ “ህዝቢ ከበሳ መሰሉ ኣይተጋህሰን” ክብሉ ተሰሚዖም ኢዮም።

ወራድ መርዓ ናብ እንዳ ጓል ክብገሱ እንከለዉ ሽቦ ላጋው ሽቦ እናበሉን እናደበሉን ኢዮም ዝብገሱ። ኣብ ፖለቲካዊ ቋንቋ ድማ ዝኾነት ውድብ ወይ ሰልፊ ናብ ዝተለመቶ ዕላማ ክትብገስ እንከላ፣ እቲ ኣብ መወዳእታ እትበጽሖ ዳስ ስሩሕን ስሉምን ምዃኑ ከተረጋግጽ ይግባእ። ሃገራዊ ኮሚሽን ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ኣብ ዝተመስረተሉ ግዜ፣ ሃንቀውታ ህዝቢ ኤርትራ ሰማይ ደይቡ ከም ዝነበረ ዚዝከር ኢዩ። እቲ ምንታይ ቅድሚኡ ኣብ ዝነበሩ ዓመታት ዝነበረ ጉዕዞ መብዛሕትአን ውድባትን ሰልፊታትን ኣሰልቻዊ ስለዝነበረ። ኮሚሽን መልክዑን ቅርጻ ውዳቢኡን ኣጻፊፉ ኣብ ዝወጽኣሉ ዝነበረ ግዜ፣ እንቅዓ ተስፋ ኣብ ቅድሜና ተገቲሩ ነበረ። እንተኾነ ከምቲ ‘ክልተ ስኒ ሒዛስ ብወዲ መጉእ ትምውጸን’ ዝበሃል፤ ኣቦ መንበር ኮሚሽን ነቲ ተነቃፊ ባህርያት ኤርትራዊ ድሕረ ባይታ ተረዲኡ ምዕሩይ ኣሰራርሓ ክገብር ኣይተበገሰን። ኣያ ስረን ቁልፊን ይገዝኣልካ’ምበር ኣየዕጥቐካን ኢዩ። ከምኡ’ውን ሓደ ለጋስ ውልቀሰብ፣ ምንቅስቓስ ወይ መንግስቲ የበግሰካን መሳለጢ ይሕግዘካን’ምበር፤ ፈትፊቱ ብኢደ በይዛ ኣየብላዓካን ኢዩ።

ሃገራዊ ኮሚሽን ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ከኣ በቲ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝተገብረሉ መበገሲ ሓገዝ፣ ድልዱል ቁልፊ ዓጢቑ ነቲ በዳሂ ጉዕዞ ንምምካት ሓያል መሪሕነት ክገብር ነይሩዎ። ልክዕ’ዩ ኣብዘን ዝሓለፋ ዕድመ ሓደ ደርዘን ኣዋርሕ ብኮሚሽነራት ሃገራዊ ኮሚሽን፣ ዘይነዓቑ ስራሓት ተኻይዶም ኢዮም። ግና ዝነበረ ትጽቢትን ሃንቀውታን ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ግምት ኣእቲኻ እቲ ኮሚሽን ዝኸዶ መንገዲ ምስ ባህጊና ዝወዳደር ኣይኮነን። እቲ ኣብ መስገደል ህግደፍ ዝተቖርነ ህዝቢ ኤርትራ፣ ንሓርነት ድሕሪ ጽባሕን ጽባሕን ዘይኮነስ ንሎሚ ኢዩ ዝደልያ ዘሎ። ስለዚ ሓርነት ኤርትራ ንሎሚ ዝድለ ካብ ኮነ፣ ኣብ ጉባአ ኮሚሽን ኣርሒቑ ዝጥምትን ህዝቢ መሪሑ ናብ ኤርትራ ዝኣቱን መሪሕነት ክምረጽ ይግባእ።

ውራይ ከም በዓሉ ስዋ ከም ቡቕሉ ኢዩ። ኣብቲ ውራይ ንዘለኹም ተጋባእቲ ብሓፈሻ፣ ንኣባላት መሪሕነት ኮሚሽን ድማ ብፍላይ ዘመሓላልፎ ለበዋ እንተሎ፣ ካብ ቅድድም ንሽመትን ስልጣንን ርሒቕኩም ትርግታ ልቢ ህዝቢ ኤርትራ ንምስማዕ ተበገሱ። ነዛ ኣብ ገምገም ጸድፊ ዝበጽሐት ኤርትራ ንምድሓን፣ ኩላትና ብልቢ ምስቲ ባህጊ ህዝቢ ኤርትራ ንከተግብር ትጽቢት ዝግበረሉ ዘሎ ጉባኤ ኣለና።

ዓወት ንሃገራዊ ጉባኤ!

ኣለና ብደገን ብውሽጢን!

ሞት ክናና ንኢሳይያስ!!

alenakoena@gmail.com

ኣለና

aseye.asena@gmail.com

Review overview
18 COMMENTS
  • truly, Truly i say to you November 23, 2011

    In this conference if the participants realy think about the future good destiny of our nation ,and they realy not gathering for having power, they have to choose and include public leaders figure,even-though right now they not sit together inside the conference with you, from in religious moral very cultivated capable politician citizens, from silent intellectuals, silent experienced diplomats, trust worthy citizens that not involved or suspected by any involvement of crimes, inorder the vast silent majority to trust and follow you, But if you like to continue with old Gebha ,Shabia theatre, specially with controversial leaders figure, i prefer to die with my known devil Isayas 10 times than you. To those power hungry as their primer agenda, I will remind the word, what the wise Son of David once has said it; “Fast runners do not always win the races,the brave do not always win the battle. Wise men do not always earn a living, intelligent men do not always get rich, and capable men do not rise to high position. Bad luck happens to everyone. You never know when your time is coming,…(Ecclesiastes 9;11-12) like wise, those you dreaming for power may be your dream will taken by unexpected lucky one. Anyhow it is good to know, power is responsibility to rule in justice, not like tyrants Isayas and Gadafi to oppress and torment people.

  • truly, Truly i say to you November 23, 2011

    If the conference wanted to be successful, or have acceptance by majority silence Ertreians this taboo theme should to be put in consideration in the mind of all participants. Namely the elect candidates should to be free from any kind identity crises and crimes. That means an elect person besides intellect, should to have atleast from 4 generation both in mother and father side Eritrean root family background. This I said it because of the complexity reality of our society only,but normally real Eritrean should begin from 7 generation. And also it is right to put when you choosing candidates, the nation regional and ethnical people populations number, language and religion in consideration balancly too. Otherwise like we seen in PFDJ regime if all high positions possessed by minority small groups or one or two regions only, your candidacy will not have legitimacy or will be rejected by the most silent population. I think in Eritrea weather from Tigre, Arabic or Tigrigna language speakers, I don´t think it is hard hard to know which region possesses more population. This I said it frankly not to divide people like some stupids assuming, but because I know we have a real ethink taboo theme problems, but i spoke it inorder to give solution only. As for me where ever region the person come, regardless religion, I need the candidacy intellect, maturity, honesty and pure Eritrean originality and patriotism only.

POST A COMMENT