Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ንትማሊ ትድብስ ጽባሕ እንተተወልደት – ከይትምለስ ከኣ ዋሕስ ተትክላ እንተኾነት (ካልኣይን መወዳእታን)

ኣብ ቀዳማይ ክፋል ጽቡቕ ዝምነ ህዝብና ጽቡቕ ከም ዘይተፈደየ ብመጠኑ ዳህሲስና። እዛ ዓለም ብምህለላን ልመናን በጃኻን ዘይትምእዘዝ ምዃና ንዓመታት ብዝወርዶ ዝነበረ ወራራትን ብደቀይ ዝብሎም ዝነበረ ዝወርዶ ዘሎ ዝመረረ ግፍዕን ክፈልጥ ተገዲዱ። ንቱርክ፡ ግብጽ፡ መሳፍንት ትግራይ፡

ኣብ ቀዳማይ ክፋል ጽቡቕ ዝምነ ህዝብና ጽቡቕ ከም ዘይተፈደየ ብመጠኑ ዳህሲስና። እዛ ዓለም ብምህለላን ልመናን በጃኻን ዘይትምእዘዝ ምዃና ንዓመታት ብዝወርዶ ዝነበረ ወራራትን ብደቀይ ዝብሎም ዝነበረ ዝወርዶ ዘሎ ዝመረረ ግፍዕን ክፈልጥ ተገዲዱ። ንቱርክ፡ ግብጽ፡ መሳፍንት ትግራይ፡ ጥልያን ከከም ኣመጻጽኣኦም ይምክቶም ከም ዝነበረ ካብ ታሪኹ ክፈልጡ ዝኸኣሉ ምሁራት፡ ‘እዚ ህዝቢ’ዚ ኩናት ክገጥም ከሎ ወራድ መርዓ’ዩ ዝመስል፡’ ብማለት’ዮም ንጅግንነቱ ዝገልጹዎ። ጎቦታት ሃገርና’ውን ኣፍ ኣውጽአን’ኳ እንተዘይተዛረባ ናይ ህዝብና ናይ መኸተ ዓወታት ምስክር ኢየን። ዘይድፈራ ዕርድታታት ህዝብና ኮይነን ከም ዝነብራን ዝንቕንቐን ከም ዘየለን ፈታውን ጸላእን ክስሕቶ ዘይክእል ሓቂ ኢዩ። ‘የዓለም ተራራዎች ናቅፋ ተሰብስበው ነው የተዋጉን’ ብማለት ወተሃደራት ደርግ ምግላጾም ከኣ ነዚ ሓቅ’ዚ ዘረጋግጽ ኢዩ። ቱርክ ንጎቦታት ሃገርና ክደፍር ስለ ዘይከኣለ ይኸውን ኣብ ገማግም ባሕርን ጥቕኡ ዘሎ ጎላጉልን ኮይኑ ንህዝብና ዘየሳቕዮ ዝነበረ። ድሕሪ ቱርኪ ዝስዓበ ወራር ግብጺ’ውን ካብ ወሰናስን ቀይሕ ባሕሪ ዝርከባ ዓድታታ ኣይሓለፈን። ብደቡብ ግን መሳፍንቲ ትግራይ ይወሩዎን ይዘምትዎን ከም ዝነበሩ ታሪኽ ዝመዝገቦ ሓቂ ኢዩ።

ህዝብና ብወራራት ቱርኪን ግብጸን መሳፍንት ትግራይን ተዳኺሙ ኣብ ዝነበረሉ እዋን’ዩ ጥልያን ንሃገርና ዝወረረ። ንህዝቢ ዝሓልን ክትሓጋገዝ ዝመጸን መሲሉ’ዩ ከኣ ዝኣተ። ንገለ ብሃይማኖት ከታልል ስለ ዝኸኣለ ገለ’ውን ንወራራት መሳፍንት ትግራይ ንምምካት ዝሕግዝ ዕጥቂ ንምርካብ ይጠቅም’ዩ ብማለት ንምቅዋም ኣይተላዕሉን። ንሃገርና ግዝኣቱ ጌሩ ምስ ዝተቖጻጸራ ግን ህዝብና ንጥልያን ከገልግል ከም ዝተፈጥረ’ዩ መሰሉ ክገፍፍ ዝጀመረ። ህዝብና ከይነቅሕን ከይምዕብልን ካብ ጥልያን ዝነብረሉ ከተማታትን ከም ዝርሕቕ ጌሩ። ካብ ኣውራጃታት መመሪጹ ስቡሕ መሬት ሃጊሩ። ኣብ በረኻታት ዓዱ ምስ ተፈጥሮ እናተቓለስን ንሰማይ እናቃዕረረን ክነበር የገድዶ ኔሩ። ‘ዝነገሰ ንጉስና ዝበረቐ ጽሓይና፡ ንጉስ በሎ እዝጊ በሎ፡’ ዝብል ባህልን እምነትን ክሕዝን፡ ንሰማይ ኣንቃዕሪሩ፡ ‘ኣታ ሎምስ ጉድ ሪኢና ሰማይ ሰማይ ትኸይድ ገረወይና፡’ እናደረፈ ካብ ሕብረተሰብ ዓለም ተፈልዩ ከም ዝነብር ጌሩ። ታሪኹ ከይፈልጥ መጻሕፍቲ ኣቃጺሉ፡ ንምሁራትን ለባማትን ዝፈልጡዎ ናብ ዝመጽእ ወለዶ ከየመሓላልፉ ከካብ ዘለዉዎ ደልዩ ኣጥፊኦውም። ንገለ ናኹራ ዳህላክ ከቢር ኣስፊሩዎም። ናብቲ ደሴት ክበጽሕ ዕድል ዝረኸበ ናይ ንመዋኣሎም ዝተሓየሩ ሰባት (ናይ ኢትዮጵያውያን ከይተረፈ) ኣስማት ብዝተጻሕፎ ኣኣማን ዝተኾመረን ዝተደኮነን ኳናታት ክርኢ ይኽእል’ዩ፡ ክሳብ ሎሚ ከይፈረሰ እንተልዩ። ጥልያን ንህዝብና ከጥፍእ ንሃገርና ክወርስ ከም ዝመጸ ዝተረድኡ ከም ብዓል ደጊያት ባህታ ሓጎስ ክቃወሙ ተላዒሎም። ሽዑ፡ ‘ሰንጋል ሓወይ ኣይትዓሹ፡ ጻዕዳ ተመን እንድሕሪ ነኺሱ ደሊኻ ደላሊኻ ነይርከብ ፈውሱ፡’ ኢሎም ኣብ ጎልጎል ሓላይ ዓሪዶም ክሳብ ሕልፈቶም ተዋጊኦም። ንጸሊም ተመን ግን ፈውሲ ረኺቦሙሉ ይኹኑ ኣይኹኑ ኣይገለጹን።

ጥልያን ብ1941 ተሳዒሩ ካብ ሃገርና ምስ ተሰጐ ናይ እንግሊዝ ወተሃደራዊ ምምሕዳር’ዝተተክአ። እቲ ምምሕዳር ከኣ ንቤት ትምህርቲ ዝኸውን ገዛ ስርሑሞ መማህራን ክንምድበልኩም ዝብል መምርሒ ናብ ዓድታት ስለ ዘመሓላለፈ ኣብ ብዙሓት ዓድታት ክሳብ ራብዓይ ክፍሊ ዘለወን ቤት ትምህርትታት ተኸፊተን። ክሳብ 1949 ግን ኣብ ኣስመራ ብቤት ጊዮርጊስ ሚድል ስኩል ትፍለጥ ጥራይ  ካብ 5ክሳብ 8ክፍልታት ኔሩዋ።  ኣብ ትሕቲ ምምሕዳር እንግሊዝ ኮይኖም ንክፍሊ ትምህርቲ ብሓላፍነት ዝመርሑ ዝነበሩ ከኣ ብዓል መምህር ይሳቕ ተወልደመህን፡ መምህር ሰለሞን ተኽለ፡ ኢንስፐክተር ኣስፍሃን ካልኦትን ኔሮም። ሽዑ ኣብ ዓድታት ተመዲቦም ዝነበሩ መምህራን ህዝብና ናይ ትምህርቲ ጥቕሚ ተረዲኡ ደቁ መታን ከምህር፣ ተመሃርኦም፡ ‘ዘይተማህረ ኣየድሕን ዘይተወቕረ ኣየጥሕን’ እናኣበሉ ክዝምሩን ንህዝቢ ከስምዑን ይጽዕሩ ኔሮም።  ህዝብና ግን ዝነቕሑ መራሕቲ ንምፍራይ ግዜ ከይረኽበ ከሎ ኢዩ ብምስለነታቱ እናተመርሐ ናብ ዓደየ ዓደየ ፖሊቲካ ዝተደቕደቐ። ህዝብና ምስለንኡ ዝመረጾ ምምራጽያ ኔራ ዕድሉ። ናይ ፖሊቲካዊ ንቕሓት ህዝቢ ትሑት ስለ ዝነበረ ከኣ ይከፋፈል ኔሩ። ብሳላቶም ውሑዳትን ርቡሓትን ለባማትን ኣቦታት ኣስላምን ክርስትያንን መራሕቲ ሕብረት ፈጢሮም ሃገርና ናብ ክልተ ዝመቅልን ህዝቢ ዝፈላልን ሓደጋ ከፍሽልዎ ስለ ዝኸኣሉን ህዝብና ዋና ሓንቲ ሃገረ ኤርትራ ዝኾነ።

በቲ ፈታኒ ግዜ ኣቦና ኢብራሂም ሱልጣን፡ ስም ኤርትራ ካብ ካርታ ዓለም ክስረዝ ማለት ብህዝብና ዝጽወር ጉዳይ ኣይክኸውንን እዩ፡’

ኣቦና ወልደኣብ ወልደማርያም ከኣ፡ ቅድም ኣብ እንዳ ሳልሕ ከኬያ ተኣኪብና ትዝርብ ውዒልና ተሰማሚዕና። ብዘይ ዝኾነ ይኹና ናይ ቀቢላነት፡ ኣውራጃነት መንፈስ ንኤርትራን ንኤርትራውያን ክንዓይ ንመሓሓል ተባሂልና ከኬያ ዝሓረዳ ደርሆ ተመሲሒና።’ ብማለት ዝተዛረቡዎ ቃል ከኣ ኣብ ጀበርቲ ዶት ኮም ምንባብ ይከኣል’ዩ። እዞም ኣቦታታ ከኣ ህዝቢ ሕብረት ፈጢሩ ኣንጻር ጸላእቱ እንተላዒሉ ድላዩ ካብ ምፍጻም ዝዓግቶ ሓይሊ ከም ዘየለን፡ ሕብረት ሓይሉ ምዃኑን ብኣብነቶም ምሂሮምና ሓሊፎም። በዚ ኣተሓሳስባን ተግባርን ከኣ ኣብ ልቢ ኩሉ ዜጋ ሓወልቲ ተኺሎም። ንትውልዲ ክመሓላለፍ  ዘለዎ ትምህርቲ ኢዩ ከኣ። መሕፈር ወለድና ኮንና ከይንርከብ፡ ብወርቂ ቀለም ዝተጻሕፈ ታሪኾም ከይነመራስሕ ግን ምጥንቃቕ የድሊ። ሕጂ’ውን ህዝብና ነዚ ገጢሙዎ ዘሎ ፈታኒ ኩነትን ስቓይን ንምዕጋትን፡ ካብ ሱሩ ምሕዩ ንምጉሓፍን ከኣ ኣብነት ክቡራት ኣቦታት  ብምስዓብ ሕብረት ምፍጣር ወሳኒ ኢዩ። ኩሉ ዜጋ ናይዞም ክቡራት ኣቦታት ኣብነት ዝኽተል  ምዃኑ ዘመስክረሉ ከኣ እዋን ሕጂ ኢዩ። እዞም ኣቦታት ሕብረት ፈጢሮም ከም ዝተዓወቱ ቅድም ኢሉ ዝተገልጸ’ኳ እንተኾነ ፈደረሽን ገና ኣብ (UN NY) ክሕሰብ ከሎ ጀሚሩ ክሰርሕ ዝኽእል ድዩ ኣይኮነን  ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኑው ዮርክ ዝተገብረ ኣኼባታት ከይተረፈ ዘከራኽረ ጉዳይ ኢዩ ኔሩ። ኣብ ኢትዮጵያ’ውን ኣብ መንጎ ክፈርስዎ ዝተዓጥቁ ጃንሆይን ከምቲ ኣብ ሕ. ቡ. መ. (UN) ቃል ዝሃብናዮ ንስርዓት ፈደረሽን ክነኽብሮ  ኣለና ዝብሉ  ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስቴር ኣክሊሉ ሃብተወልድን ጸሓፊ ትእዛዝ ወልደጊዮርጊስን ምስሕሓብ ከም ዝነበረ ዘውዴ ረታ ኣብቲ ‘የኤርትራ ጉዳይ በሃይለስላሴ ዘመን’ ዝብል መጽሓፎም ገሊጾሞ ኢዮም። ኣብ ኤርትራ ወተሃደራዊ ኣመሓዳሪ ዝነበረ  ጀነራል ትራቫስኪስ (G. K. N. Trevaskis ) ኣብቲ Eritrea: a Colony in Transition: 1941-52  ዝብል መጽሓፉ፡ ‘ኢትዮጵያ ንስርዓት ፈደረሽን ንምፍራስ ክትህንጠ ትኽእል’ያ፡ ንምፍራስ’ውን ጸገም ከየጋጥማ ይኽእል’ዩ። ግን እንተ ዘይተፍርሶ ይሕሻ። ምኽንያቱ እንተ ኣፍሪሳቶ ንኣኣ’ውን ክልክማ ይኽእል’ዩ፡’ ዝብል ሓሳብ ተምቢዩ ኔሩ። ናይ ፈደረሽን ምፍራስን ሳዕቤኑን ከኣ ንታሪኽ ምግዳፉ ዝሓሸ’ኳ እንተኾነ ካብኡ ቁንጣሮ ምጥቃስ ጠቓሚ ኢዩ። 68 ኣባላት ባይቶ ኤርትራ ብስርዓት ፈደረሽን መሰረት ብህዝቢ ከም ዝተመርጹ እናፈለጡ ንህዝቢ ከይተወከሱ ፈደረሽን ክፈርስ ተሰማሚዖም ተባሂሉ ተበታቲኖም። ከምቲ ‘ናብ ዘይሰምዓካ ደብሪ ኣይትማህለል!’ ዝብሃል ከኣ ሕቡራት መንግስታት’ውን (UN) ፍርድኹም ተጣሒሱ፡ መሰል ህዝቢ ኤርትራ ተጋሂሱ፡ ንዝብል ኣውያት ህዝብና ጸማም እዝኒ ሂቦሞ። ድሕሪኡ ህዝብና ን30 ዓመታት መሪር ኩናት ብምክያድን ሰፍ ዘይብል ናይ ህይወት መስዋእቲ ብምኽፋል’ዩ ናጽነቱ ክጭብጥ ዝኸኣለ። ናጽነቱ ምስ ጨበጠ ግን ዘይሓሰቦ ጉድ ረኺቡ። ንዝሓለፈ ሓሳረ-መካራ ጸላኢ ድኣ እንታይከ ዘይገብር ብማለት ንታሪኽ ገዲፉ ንቕድሚት ክውንጨፍ ብተስፋ እናተጸበየ ከሎ ብኽንደይ መስዋእቲ ዝጨበጣ ናጽነት ከየስተማቐራ ብደቀይ ዝብሎም ዝነበረ ናጽነቱ ተጨውያ። ተሰዊራቶ። ናብ ሕሱም ባርነት ተለዊጣቶ ከም እንደገና ኣብ ኣዳልያኒ ኣትዩ። ናብ ርእዩዎን ሰሚዑዎን  ዘይፈልጥ ዝመረረ ስቓይ ጥሒሉ ኣይ ምዉት ኣይስሩር ኮይኑ ይርከብ ኣሎ። ካብ ናተይ ዝበልካዮን ዝኣመንካዮን መዓት ክወርደካ ከሎ ክሳብ ክንደይ ዝመረረን ዝሓሰመን ምዃኑ ዘረድእ ኣብ ዘበነ ኦሪት ይፍጸም ኔሩ ዝብሃል ዛንታ ከም ኣብነት ክጠቅስ፡- ኣብ ገለ ሃገራት ብዘበን ኦሪት ንሞት ዝተፈርደ ሰብ ብዳርባ እምኒ ከም ዝመውት ይግበር ኔሩ ይብሃል። ሓደ ሰብ ከኣ ክመውት ምስ ተፈርደ ሰባት ተኣኪቦም ብዳርባ እምኒ ይቕጥቅጥዎ። ዒሕ … ዒሕ እናበለ ድምጺ ከየስምዐ ይቕበሎ። ሓደ ሰብ ጸጸር ደርብዮ ምስ ሃረሞ ግን ነቲ ከባቢ ዝንቕንቕ ኣውያት ይድርጉሖ። ወዮም ዝተኣከቡ ሰባት ደንጽዩዎም፡ ምድርባይ ኣኣማን ደው ኣቢሎም፡ ናብኡ ቅርብ ኢሎም፣ ‘እዚ ኩሉ ደናጉላ እናወረደካ ዘየእወኻስ ስለምንታይ ኢኻ እዛ ጸጸር ምስ ሃረመትካ ክንዲዚ ዘእወኻ?’ ይብሉዎ። ንሱ ከኣ ‘እዛ ጸጸር ካብ ፈታውየይ ዝብሎ ኢያ መጺኣትኒ።’ ይብሎም።

ህዝብና ከኣ ዕድሉ ከፊኡ ብደቀይ ዝብሎምን ዝኣምኖምን ዝነበረ ዘይሓሰቦ ረኺቡ። ካብ ዝኣመንካዮን ፈታዊኻስ ትመጽእ ጸጸር’ውን ትኹን ዓጽሚ’ያ ትሰብር። ኢሳያስን ስዓብቱን ደቅናን ኣሕዋትናን እናበለ ህዝብና ሓቑፉዎም ከሎ ንሳቶም ግን ክሳብ ሎሚ በብመዓልቱ ኣብ ምእሳር፡ ምጭዋይ፡ ምቕንጻል ዝኣመኖም ህዝቢ’ዮም ተዋፊሮም ዘለዉ። መንእሰይ ሃገርና’ውን ኣብ መዓስከር ሳዋ ተዓኒድካ ናብራን ዝኸፍእ የለን ብማለት ዝፈትዎም ስድርኡን ሃገሩን ራሕሪሑ ይሰደድ’ዩ ዘሎ። ገና ትምርቶም ከይወድኡ ካብ ወለዶም መንጢሉ ኣብ ሳዋ ዝዳጉኖም መንእሰያት ከኣ ኣካላቶም ኣልሚሱ፡ ኣእምርኦም ሓጺቡ ንእስነቶም ብከንቱ ከም ዝበሊ ጌሩ። ንኣፍ ጠልቆም ንኸብዲ ሓጢያት ዝኾነ ሓሰኻ ከብዲ’ኳ ከዓግስ ዘይክእል ቁሩብ ቁራቦ ስንቂ እናትኾበ ደናጉላ እናተሸከሙ ብጥሜት ጋሕ ኢሎም ክሞቱ’ዩ ዘገድዶም ዘሎ። ዝወለደት መዓንጣ ከኣ ትልሎ’ያ ዘላ። ብዓትቡኡስ ህዝብና ገርህነት ዘጥቅዖ ኮይኑ’ምበር ካብዚ ደቂ ህዝቢ እናቐንጸለ ዓዲ ዝእተወ ኣረሚን ስርዓት ሕግን ዲሞክራሲያዊ ምሕደራን ምጽባይ ናይ ጌጋ ጌጋ ኢዩ። እቶም ምስቲ ስርዓት ሰበ ስልጣን ዝነበሩን ብጂ 15 ዝፍለጡ ከይተረፉ ክሳብ’ቲ ግፍዒ ኣብ ዝባኖም ዝወድቕ ተዓንዚዞም ምንባሮምን ንሳትፕም’ውን ተተወጢጦም ምጥፍኦም ደንጽዩዎ’ዩ ዘሎ ህዝብና። ምስ ብምሒር ህርፋን ስልጣን ዝዓወረ ውልቀ መላኺ ከም ዘይነበሩ፡ ‘ብእምነት ንካየድ ኔርና!’ ምባሎም ከኣ ይገድድ ። ናይ ዓቢ ሰብ ጌጋ ካብ ዝዓበየ ጎቦ ይዓቢ ዝብሃል ዝመሳሰል ጌጋ ፈጺሞም እንተተባሀለ’ውን ምግናን ኣይኮነን። ነቶም  ንህዝቦም ከንቅሑ ዝጽዕሩ ዝነበሩ ኣዳለውቲ ብሕቲ ጋዜጣታታት’ውን ለኪሞም። ንህዝቢ ዓይኑ ክኸፍትን ክነቅሕን ክሕግዛ ጀሚረን ዝነበራ ጋዜጣታታት’ውን ተዓሽገን። እዚ ከኣ ህርፋን ስልጣን ክሳብ ክንደይ ኣብ ጽላለ ከም ዝበጽሐ ዘረጋግጽ ኢዩ። ህዝብና በዚ ስለ ዝሰክሐ ‘ይኣክል በቃ!’ ኢሉ ምጉሓፍ ጥራይ ዘይኮነ ንነሓዋሩ’ውን ውልቀ መላኺ ዝብሃል ኣብ ሃገርና ከይፍጠር እንታይ ንግበር!? ንዝብል ሕቶ ዘየዳግም ፍታሕ ንምርካብ ይሸባሸብ’ዩ ዘሎ። ህዝብና መለበሚ ስለ ዝረኸበ ዝሓለፈ ክፉእ ታሪኽ ከይምለስ መድሕን ንምትካል ናይ ሓጺርን ነዊሕን ትልምታት ምሕንጻጽ ንጽባሕ ዘይብሃል ዕማሙ ኢዩ። እቲ ግዜ ዘይህብን ህጹጽ ፍታሕ ዘድልዮን ከኣ ነዚ ንሃገርና ናብ ምድራዊ ሲኦል ቀይሩ በብመዓልቲ ህይወት ደቂ ህዝቢ ዝቐዝፍ ዘሎ ኣረሚን ስርዓት ምእላይ ኢዩ። ዝጸገበ ኣራዊት ኣሊኻ ዝጠመየ ምትካእ ከይከውን ከኣ ብርቱዕ ጥንቃቐ  ዝሓትት’ዩ። ከምቲ ‘ስብሓት ዝመጻካ ኣይትስሓት!’ ዝብሃል፡ ንነሓዋሩ’ውን ስርዓት ወልቀ መለኽቲ ናብ ሃገርና ኣቢሉ ከይቅልቀል፣ ህዝበይ ተበላሓት! ሕግን ስርዓትን ትኸል! ከምቲ ዝቐደመ ከይትህመል! ብማለት ኩሉ ዜጋ ክዕጠቐሉ ዘለዎ ዕማም’ዩ። ነተን ኣፍ ህዝቢ ክኾና ዝጽዕራ ዘለዋ ናይ ብሕቲ መራኸቢ ብዙሓን’ውን ዝሕግዝ’ዩ።

ከምቲ ቅድም ኢሉ ዝተጠቕሰ ጸላኢ ብሓይሊ ንዝሓዞ ህዝቢ ከይምሃርን ከይነቅሕን’ዩ ዝኽልክል። ህዝቢ ከኣ ነዚ ናይ ኣታለልቲ ክፉእ ዕላማ ንምፍሻልን መሰሉ ኣኽቢሩ ብነጻነት ክነብርን ዝኽእል ዝተማህረ ሕብረተሰብ ከፍሪ ከሎ ጥራይ ምዃኑ ፈሊጡ ክዕጠቐሉ የድሊ። ጥልያን ህዝብና ሰጥ ለጥ ኢሉ መታን ክግዝኣሉ ካብ 4ይ ክፍሊ ንላዕሊ ከይምሃርን ከይነቐሕን ይከላኸል ኔሩ። ብምምሕዳር እንግሊዝ ናይ ትምህርቲ ዕድል ናብ ዓድታታ ንምብጻሕ ጻዕሪታት ይካየድ’ኳ እንተነበረ ፈደረሽን ምስ ፈረሰ  ተቕጽዩ ተሪፉ። ታሪኽን ባህልን ኢትዮጵያ ኣጽንዑ፡ ትግርኛን ዓረብን ቋንቋታት ገዲፍኩም ኣምሓርኛ ተመሃሩ፡ ወዘተ … ዝብል መምርሒታት ወጺኡ። ትግርኛ ዝዛረቡ መምህራን ንኤርትራ ከይምደቡ ተወሲኑ። ሓደ ዓመት ግን ሓደ ኣበራ ሕደጎ ዝብሃል ሓዲሽ ምሩቕ መምሀር ኣበራ ይደግ ዝብሃል ኣምሓርኛ ዝዛረብ ስለ ዝመሰሎም ንኤርትራ ይምደብ። ኣስመራ ምስ ኣተው ትግርኛ ክዛረብ ምስ ተሰምዐ ብኡ ንብኡ ብኣየር ኣሳፊሮም ንኣዲስ ኣበባ ይመልሱዎ።

እዚ ህርፋን ስልጣን ዘጸለሎ ኢሳያስ ከኣ ካብቶም ጸላእቲ ዝብሃሉ ብዝገደደ ጸረ-ትምህርቲ ምዃኑ ተግባሩ’ዩ ምስክሩ። ብግዜ ገድሊ’ውን ስልጣን ንምብሓት ነቶም ብ ‘ጨጓር ዳንጋ’ ዝሰመዮም እናታለለን እናስደዐን ንኽንደይ ምሁራት ተጋደልቲ የጥፋኦም ከም ዝነበረን ሳላቶም ክፉእ ግብሩ ዝፈልጡ ብዙሕ ፈሊጥናን ተማሂርናን ኢና። ኢሳያስ ብሓይሉ ንዝሓዞ ስልጣን  ዘስግእ ሓይሊ ከይፍጠር ከምቲ ንተጋደልቲ ብተሪር ወተሃደራዊ ስርዓትን ናይ ስለያ መሓውሩን እናተቆጻጸረን እናቐንጸለን’ዩ ኣብ ስልጣን ዝጸንሐ። ዓዲ ምስ ኣተው’ውን ተመሃሮን መንእሰያትን ነቒሖም ንስልጣኑ ስግኣት ከይፈጥሩ ንምቁጽጻር ዘኽእል ዝመሳሳል ክፉእ ብልሓት ኣሊሙ። ህዝቢ እንተተማሂሩ ብቀሊል ከም ዘይታለል  ስለ ዝፈልጥ ከኣ ሃገራዊ ድሕነት ንምውሓስ ብዝብል ምኽንያት ብሄራዊ ኣገልግሎት ዝሰመዮ መዓስከር ሳዋ መስሪቱ። ንሓዲሽ ሓይሊ ሕብረተሰብ ክኸውን ትጽቢት ዝግበረሉ ዝነበረ መንእሰይ ናብ ብኣካል ዝለመሰን ኣእምርኡ ዝተሓጽበን ክኸውን ኣብ ሳዋ ዳጒኑዎ። ንእስነቱ ብከንቱ ከም ዝበሊ ጌሩዎ፡ ይገብር’ውን ኣሎ። ናይ ኣስመራ ዩኒቨርሲቲ ተመሃሮ ፖሊቲካዊ ክትዕ ከልዕሉ ጀሚሮም ምስ ሰምዐ ኢዩ ሰምቢዱ ተቐላጢፉ ዝዓጸዋ። ናይ ዩኒቨርሲቲ ተመሃሮ ብዛዕባ ፖሊቲካ ከም ዝመሃሩን ተኣኪቦም ክካትዑ ዕድል ክረኽቡ ከም ዝኽእሉን ካብቲ ንሱን መሓዙቱን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተመሃሮ ከለዉ ዝፈልጡዋን  ዝተለማመድዎ ዝነበሩ ዓይነት ቃልሲ ከየምርሐ ከሎ ነቶም ተመሃሮ ክበታትኖም ወሲኑ። ብሃሩር ተጥቢሶም ክሞቱ ከኣ ንዊዓ ጠሪዙዎም። ድሕሪኡ ብወተሃደራዊ ግበር ኣይትግበር ስርዓት ዝመሓደራ ‘ክለጃት!’ ከፊቱ ሓውሲ ወተሃደራት ዝኾኑ የመርቕ ከም ዘሎ ዝፍለጥ’ዩ።  ናብ ላዕላይ ደረጃ ትምህርቲ ብፍላይ’ውን ዩኒቨርሲቲ ዝበጽሐ መንእሰይ ጸገም ህዝቢ ንምፍታሕ ዝህንጠን ሓዲሽ ሓሳብ ዝፍልፍልን ሓይሊ ምዃኑ ዘርእየሉ ግዜ የምክኖ’ሎ። ኢሳያስ ጽላሎቱ’ኳ ስለ ዘይኣምንን መኻሪ  ዘይብሉን ይመስሎ ይኸውን’ምበር ተበላሓታይ መንእሰይ ኤርትራ ኣብ ሎሚ በጺሑ ብልሓት ክጠፍኦ ኣይኮነን።

እዚ ናይ ትምህርቲ ዕድል ምርካብ  ንሓደ ሕብረተሰብን ሃገርን ህላዌ ክሳብ ክንደይ ወሳኒ ምዃኑ’ዩ ዘረድእ። ውልቀ መለኽቲ ዘይተማህረ ጊላዋን ሰጥ ለጥ ኢሉ ዝግዛእን ህዝቢ ንምፍራይን ንድሕሪት ንምጉታትን’ዮም ዝጓየዩ። ብኣንጻሩ ሕግን ስርዓትን ክምስርታ ዝኸኣላ ሃገራትን መንግስታትን ዝተማህረን ዝነቕሐን ሕብረተሰብ ብምፍራይ ምስ ዓለመን ንቕድሚት ክምርሻን’የን ዝጽዕራ። ትምህርቲ ንሓደ ሕብረተሰብ መሰሉ ኢዩ። ንምዕባለ መገዲ ዝጸርግ ምዃኑን’ውን ዓለም ብዓለሙ ዘረጋገጾ ሓቂ ኢዩ። ገለ ሰባት ንደቆም ስለ ዘምሃሩ ዝተማህረ ሕብረተሰብ ዝፈጠሩ ይመስሎም ይኸውን። እዚ ግን ጌጋ ኢዩ። ትምህርቲ ክብሃል ከሎ ንኹሉ ሕብረተሰብ’ምበር ንውሑዳት ዝምልከት ኣይኮነን። ዝጽሕፍን ዘንብብን ጥራይ ዘይኮነ ብኣካልን ኣእምሮን ዝበሰለ፡ ዘመዛዝንን ብቀሊል ዘይታለልን፡ ፈታውን ጸላእን ከለሊ ዝኽእል ሰብ ምህናጽ ማለት’ዩ። ምሁራት ውሑዳት እንተኮይኖም መሳርሕቲ ስለ ዘይረኽቡ ከድምዑ ኣይክእሉን’ዮም። ሰብ እናጥፋካ መገዲ ድጋ ህንጻ ሰሪሕና ማለት ከኣ ዋጋ የብሉን። ንመን ዝኸውን’ዩኸ?

ህዝብና ግን ናይ ትምህርቲ ዕድል ክረክብስ ይትረፍ ነዛ ህይወቱ’ውን መቐነዪ ስኢኑላ ይስሓግ’ዩ ዘሎ። ጽባሕ ክእሰር ድየ ክጭወ! ዝብላዕ ክረክብ ድየ ጾመይ ክሓድር! መብራህቲ ክትጠፍእ ድያ ክትመጽእ! ዝስተ ማይ ንምርካብ ናብ ማይ ዘለዎ ኪድ ክብሃል ድየ! ጽባሕከ ፍታሕ ትወልድ ዶ ትኸውን!  ኣንቲ መሬተይ! ቀልጥፊ’ባ ፍትሒ ውለድለይ! … ወዘተ … ወዘተ … ብዝብሉ ሕቶታት’ዩ ዝሕቆን ዘሎ። ደም እናነብዐ’ዩ ዝጽበ ዘሎ። ስለ’ዮም ኣውያት ህዝቦም ድቃስ ዝኸልኦም ደቂ ህዝቢ ኣሻሓት ከፊሎም፡ ለይትን መዓልትን ብምድርን ሰማይን ተጓዒዞም፡ ኣብ ኣደባባይ ዓለም ተረኺቦም ኣውያቱ ዘቃልሑ ዘለዉ። ብፍላይ ከኣ ነቲ ብህግደፍ ኣብ ህዝቢ ኤርትራ ዝፍጸም ዘሎ ግፍዕታት ክትምርምር ብሕቡራት መንግስታት ዝተመዘዘት ኮሚሽን ቃልዕ ዘውጽኣቶ ጸብጻብ ሓቂ ምዃኑ ንምግላጽን ዘካየደቶ ጻዕሪ ንምድጋፍን ንምምጓስን ኩሉ ዋኒኖም ገዲፎም ብ26 ሰነ 2015 ካብ ሙሉእ ኣውሮጳን ካልእ ሃገራትን ዝመጹ በሽሓት ዝቑጸሩ ዜጋታት ኣብ ጀነቫ ተኣኪቦም ቅድሚ ሕጂ ተራኢዩ ዘይፈልጥ ዕዉት ሰላማዊ ሰልፊ ዘካየዱ። ክሳብ ሎሚ ብኣድናቖት ንዝክሮ ዘለና ዓወት ዘመዝገቡ። ብ29 ጥቅምቲ 2015 ከኣ ኣብ ፊት ኣዳራሽ ሕቡራት ሃገራት ኣመሪካ ኒው ዮርክ (UN NY) ተረኺቦም እታ ኮሚሽን ዘቃላሕቶ ኣብ ህዝብና ዝወርድ ዘሎ ግፍዕታት ዓለም ክፈልጦ ብምግባራ ብምምስጋን ዓወት ናይቶም ኣብ ጀነቫ ዝወዓሉ ከም ዝደገሙዎ ሳላ ራድዮ ኣሰና ህዝብና ክከታተሎ ዕድል ረኺቡ። ቃልሲ ደለይቲ ፍትሒ ኣብ ክብ ዝብለ ዘተኣማምን ደረጃ ከም ዝበጽሐ ክርዳእ ክኢሉ። እዚ ከኣ መዓልቲ ዓወት ህዝብና ትቐርብ ከም ዘላ ዘበስር ኢዩ። ክሳብ’ታ መዓልቲ ዓወት ተርክበልና ግን፡-

ተእዊላ እዛ መሬት!

እዛ ብደም ደቃ ዝዘቕበበት!

ጸማማት ድየ ወሊደ! ከይበለት

ኣለና!  ዝብሉ ስሑላት!

እንተረኸበት

ንትማሊ ትድብስ ጽባሕ እንተተወልደት

ከይትምለስ ከኣ ዋሕስ ተትክላ እንተኾነት

 

ምልኪ ይፍረስ ሕጊ ይንገስ

ምስሉ ተኪኤ 11-08-2015

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
4 COMMENTS
  • hp November 8, 2015

    ክምዚ ዓይነት ጽፉፍ፡ጽሙቅ፡ታሪኻዊ ትንተና ርእየን ሰሚዐን ኣይፈልጥን።ምስሉ ተኪኤ ተገዲስኪ/ተገዲስካ ዘቅረብኪዮ ወይ ዝቅረብካዮ መሃርን መለበምን ኮይኑ ረኺበዮ።ብተወሳኺ፡ኢቶም ኩሎም ሙሩጻትን ሙሁራንን ደቂ
    ሃገረይ ከይረሳዕኩ ኢታ ናይ ፈረንሳ መምህረይ ዝነበርት ስውእቲ ኢታ BA ድግሪ ምሲኣ ዝቀበረት መምህር ሳባ
    ጊደይ ኣዘኻኪርካኒ።

  • k.tewolde November 8, 2015

    I just want to wake up from this nightmare.

  • Hizbi Zekbere November 9, 2015

    What an expression of our situation!!

    Thank you!!

  • hara November 9, 2015

    Thank you mslu tekie
    Deki hizbi endakentselu zimetsu
    Mikbalna u WAGA zekflena zelo
    ntsuh dem fesisu dekiska haferka malet zebet u ntimrti ykunena

POST A COMMENT