Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ንኣንጭዋ ጻዕረ ሞታ ንድሙ መጻወቲታ

ወርሒ ሚያዝያ ኣብ ዓውደ ኣዋርሕ ኤርትራ ብክልተ ኣንጻር ፍጻሜታት ክትዝከር ኢያ:: ኣብ 1993 ወርሒ ሚያዝያ ኣፍ ልብና ነፊሕና ነቲ ብቃልሲ ዘረጋገጽናዮ ናጽነት ብሕጋዊ መገዲ ብረፈረንዱም ኣድሚቕናዮ:: ነታ ቀያሕ ወረቐት ጉሒፍና ሰማያዊት ካርድ ኣብ ሳንዱቕ ብምእታው

ወርሒ ሚያዝያ ኣብ ዓውደ ኣዋርሕ ኤርትራ ብክልተ ኣንጻር ፍጻሜታት ክትዝከር ኢያ:: ኣብ 1993 ወርሒ ሚያዝያ ኣፍ ልብና ነፊሕና ነቲ ብቃልሲ ዘረጋገጽናዮ ናጽነት ብሕጋዊ መገዲ ብረፈረንዱም ኣድሚቕናዮ:: ነታ ቀያሕ ወረቐት ጉሒፍና ሰማያዊት ካርድ ኣብ ሳንዱቕ ብምእታው ልኡላውነትና ዘረጋገጽናላ  ወርሒ  ብሓበን ንዝክራ::

ሎም ዘበን ድሕሪ 12 ዓመት ድማ ወርሒ ሚያዝያ ጸሊም ነጥቢ ኣቐሚጣ:: ኤርትራውያን መንእሰያት: ቆልዓ ሰበይቲ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ: ኣብ ገማግም ደሴታት ሮደስ ናይ ግሪኽን: ኣብ ሊብያን ሃሊቖም:: ካብቶም ካብ ሊብያ ናብ ኢጣልያ ብሰንኮፍ ጀላቡ ዝተበገሱ ኣስታት 900 ሰባት እቶም 350 ኤርትራውያን ኣብ ዝነጠብዎ ከይተፈልጠ ማይ ባድ በሊዕዎም:: ኣብ ደሴት ናይ ግሪኽ ካብ ዝጠሓሉ 24 ሰባት ድማ ሓደ ዕሸል ወዲ ኣርባዕተ ዓመት ኤርትራዊ ካብ ማይ ተዘቑቑ ወጺኡ: ሂወቱ ግን ኣይደሓነን::ነቲ ዕሸል ዘውጽኦ 67 ዝዕድሚኡ ግሪኻዊ ” ወዲ ወደይ ኮይኑ ተራእዩኒ: ሂወት ክድሕን ዝከኣለኒ ፈቲነ ኣይኮነለይን:: ብድሕሪዚ ድማ መግብን መስተን ኣብዩኒ ድቃስ ስኢነ” ክብል ገሊጹ::

ቅድሚ እዚ ሓደጋታት ኣብቲ ቅንያት እቲ ጥራይ ዘይተኣውየሎም ልዕሊ 400 ኤርትራውያን ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ከምዝጠሓሉ ማዕከናት ዜና ገሊጸን::

ኤርትራዊ ኣብ ነውጺ ከሎ ኣብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ዳዕሽ(ኣይ ኤስ) ወይ ድማ እስላማዊ ግዝኣት ክፈጥር ኢየ ዝብል ጉጅለ ግብረ ሽበራ 30 ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን መንእሰያት ንገሊኦም ብካራ ክሳዶም ጎይሑ ንዝተረፉ ብትሕዞ ብጥይት ቀቲሉ:: ካብዞም ብግፍዒ ዝተቐንጸሉ መንእሰያት እቶም ዝበዝሑ ኤርትራውያን ከምዝኾኑ ዳሕራይ ዝተረኽበ ሓበሬታ የመልክት::እዚ ጉጅለ ግብረ ሽበራ ክርስትያን ስለዝኾኑ ከምዝቐተሎም ገሊጹ:: እንተኾነ ዳዕሽ ኣብ ዒራቕን ሶርያን ኣብዚ ቐረባ ጊዜ ድማ ኣብ የመን ንኣመንቲ ምስልምና ብኣሰቃቒ ኣገባብ ምቕንጻሉን: ንዮርዳኖሳዊ ፓይለት ብእሳት ለብሊቡ ምቕታሉን ንዝኾነ እምነት ከምዘይውክል ንጹር ኢዩ:: እቲ ጉጅለ ግብረ ሽበራ ንስልጣንን ሃብትን ዝቀዳደምን መንግስቲ ኣብ ዝደኸመሉ ሃገር ነቓዕ ተጠቒሙ ኣረሜናዊ ተግባራት ከምዝፍጽምን ኣብ ዒራቕ:ሶርያ:ሊብያን የመንን ተራእዩ ኣብኡ እውን ዝውሰን ኣይኮነን:: ኣብ ህዝቢ ራዕዲ ንምእታው ብቪድዮ ዝዝርግሖ ኣስቃቒ ኣቀታትላ ንመርኣይ እምበር ካብኡ ዝበዝሐን ዝኸፍአን ገበናት ከምዝፍጽም ጸብጻባት የመልክቱ:: ኣብ ሊብያ ካብ ዘለው ኣማኢት ኤርትራውያን ግዳይ ናይዚ ጉጅለ ኮይኖም ከምዘለው ዝተፈልጠ ኢዩ::

ህግደፍ እንታይ በለ:- እቲ ኣብ ኣስመራ ዓስኪሩ ንመንእሰያት ካብ ቤቶም ዝሰጉጉ ጉጅለ በዚ ፍጻሜ ናይ ወርሒ ሚያዝያ ዘተንፈሶ ነገር የልቦን:: ብዘይካዚ ወካሊህግደፍ ኣብ ምስሪ ፋሲልገብረስላስን:ወካሊት እቲ ጉጅለ ኣብ ፈረንሳ ሃና ስምኦንን  እቶም ኣብ ሊብያ ኣብ ጸበባ ዘለው ኤርትራውያን ንኽሕግዝዎም ዝገበርዎ ምሕጽንታ ነጺጎሞ::

ህግደፍ ኣብታ ዝውንና ጋዜጣ ንተግባራት ዳዕሽ ብዝምልከት ዝዘርግሖ ሓበሬታ ” እስላማዊ ጉጅለ ኣብ ሊብያ 30 ኢትዮጵያውያን ቀቲሉ:: እቲ ጉጅለ ነቶም ኢትዮጵያውያን ዝቐተሎም መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ሶማልያ ኣብ ልዕሊ ኣልሸባብ ንዝወስዶ ዘሎ ስጉምቲ ሕነ ንምፍዳይ ከምዝኾነ ገሊጹ” ክብል ነቲ ኣረመናዊ ተግባራት ፖለቲካዊ መልክዕ ብምልባስ መዝሚዝዎ:: ኢትዮጵያ ኣብ ሶማል ንእትወስዶ ስጉምቲ ዜጋታታ እንተተቐንጺሎም :እቶም ኤርትራውያን ከ እንታይ ኣቢሶም? ወይ ድማ ህግደፍ ንኣልሸባብ ስለዝደገፈ እቶም ኤርትራውያን ክቐተሉ ኣይነበሮምን ብኣረኣእያ ህግደፍ::

ካልእ ኣብቲ ቅንያት ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝተፈጸመ ናዕቢ ጸረ ወጻእተኛታት  ኢትዮጵያውያን ዝርከብዎም ኣስታት 10 ሰባት ከምዝተቐትሉን ንብረት ከምዝዓነወን ተገሊጹ ነይሩ:: ህግደፍ ድማ ነቲ ኩነታት ኣመልኪቱ” ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ዝኾነ ጉድኣት ኣይወረደን” ክብል ኣላጊጹ::ጉድኣት ወሪዱ እንተዝኸውን ከ ምገለጸ ዶ? ኣብ 2013 ኣብ ባሕሪ ላምፐዱሳ ዓለም ዘሰምበደ ህልቂት 366 ኤርትራውያን ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ብምባል ጎስይዎ ሓሊፉ ጥራይ ዘይኮነስ ንሬሳታቶም መእከብ ኢውሮ ክገብሮ ናይ ደም መርመራ ክፍሊት ክሓትት ተዓዚብና ክዒብናዩ:: ብሂወቶም ከለው ተሳቕዮም ከይኣክል  ሬሳታቶም ግቡእ መዕረፊ ተነፊግዎ ዓጽመ-ስጋ መወቲ ኣብ ሰንፈላል ኣለው::ኤርትራዊ ብሂወቱ ከሎ ሓሲሩ: ምስ ሞተ ድማ  ኣድግስ ካብ ምማታ ምጉታታ ተባሂሉሉ::

ኤውሮጳ ኸ:-ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ዘጋጠመ ህልቂት ማእከላይ ባሕሪ ድሕሪ ካልኣይ ኩናት ዓለም እቲ ዝኸበደ ምንባሩ ማዕከናት ዜና ዓለም ገሊጸን:: ጳጳስ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ኣቡነ ፍራንሲስ ” ሰብኡትን ኣንስትን ከማና: ኣሕዋትና ኢዮም ተጨቁኖም:ጠምዮም ቆሲሎምን ተመዝሚዞምን ግዳያት ኩናትን ኢዮም: ንዝሓሸ ሂወት ክብሉ ተሰዲዶም” ብምባል ኣብ ጸሎት ዘኪሮሞም::

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢጣልያ ማትዮ ረንዚ ብወገኑ ንግዲ ባርነት 21 ክ.ዘ. ክብል ገሊጽዎ:ኣስዒቡ ድማ ነዞም ነጋዶ ባርነት ክንዓግቶም ኣሎና እዚ ብዛዕባ ክብርን ድሕነትን ወዲ ሰብዩ ብምባል ኣዘኻኺሩ::  ሕብረት ኤውሮጳ ድማ ህጹጽ ኣኼባ ጸዊዑ:ኣርባዕተ ኣገደስቲ ዝበሎ ስጉምትታት ክውሰድ ኣሚሙ::

-ምጥንኻር ህላዌ ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ባሕሪ :ንነጋዶ ሰባት ምቅላስ: ምውጋድ ዘይሕጋዊ ፍልሰትን:ምሕያል ውሽጣዊ ምሕዝነትን ሓላፍነትን ዝብል ኢዩ::ብዘይካዚ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝካየድ  ጻዕሪ ምምስራት ርጉእ ስርዓት ኣብ ሊብያ ምድጋፍን ነቲ ኣቐዲሙ ብትሪተንን ፖሰይደንን ዝተሰምየ ዶባት ናይ ምክትታል ዕማም ንምጥንኻር ባጀት ብሰለስተ ዕጽፊ ክዛይድ ዝብል ይርከቦ:: ትሪተን ኣብ ማያዊ ዶባት ኤውሮጳ ዝተወሰነ ኣብ መወዳእታ 2014 ዝጀመረ መደብ ኮለላ ክኸውን ከሎ ኣብ ወርሒ 2.9ሚልዮን ኤውሮ ባጀት ነይርዎ:: ቅድሚኡ ግን ኢጣልያ ማረ ኖስትሮም ወይ ባሕርና ዝተሰምየ መደብ ምድሓን ሰባት ኣብ ባሕሪ ንወርሒ 9.8ሚልዮን ኤውሮ ብምምዳብ ኣብ 2014 ጥራይ 112,000 ሰባት ኣድሒና:: እቲ መደብ ድሕሪ ምቁራጹ ሓደጋታት ባሕሪ ብ50 ዕጽፊ ከምዝወሰኸ ጸብጻባት የመልክቱ::

ሰባት ኣብ ባሕሪ ኣብ ሓደጋ ኣብ ዝወድቅሉ ንምድሓኖም ዝግበር ጻዕሪ ሰናይ ኢዩ:: እንተኾነ ካብኡ ንላዕሊ  ንሱር ናይቲ ሕማም ምፍዋስ እቲ ነባሪ መፍትሒ ኢዩ:: ሕብረት ኤውሮጳ ንጠንቂ ስደት ኤርትራውያን ካብ ዘይምግንዛብ ወይ ፖለቲካዊ ረብሓ ኣገዲስዎም  ንጉጅለ ህግደፍ ናይ ልምዓት ደገፍ ንምሃብ ወሲኖም:: እዚ ድማ ነቲ ሽግር መሊሱ ዘግድዶ ክኸውን ኢዩ:: ኤርትራ ብግቡእ ዝሰርሕ ትካል መንግስቲ: ቅዋም: ሓታትን ተሓታትን ክሳብ ዘይሃለወ ስደትን ምዝንባልን ክቕጽል ኢዩ::

ህግደፍ ኣዒንቱ ናብተን ክወሃቦ መብጽዓ ተኣተየናሉ ዘለዋ ኣማኢት ሚልዮናት ኤውሮ ብምቁማት: ሃገራዊ ኣገልግሎት ናብ ዓመትን መንፈቕን መሊስናዩ ዝብል ወረ ኣናፊሱ:: ኣብ ባይታ ድማ 45 ዝዕድሚአን ደቀንስትዮ ናብ ወተሃደራዊ ተዓሊምን ምዝመዛን ክኸዳ የገድድ ኣሎ::

መቐጸልታ ናይዚ ፖለቲካውን ዲፕሎማስያዊን ዳማ: ህግደፍ ዝዓደማ ሓንቲ ብራንውን ብሩተን ዝተባህለት ኣሜሪካዊት ምስ ድምጺ ኣሜሪካ ቃለመጠይቕ ኣካይዳ:: ንሳ ኣብ ኣትላንቲክ ካውንስል ዝተባህለ ትካል ምምላድ(lobby) ምኽትል ዳይረክተር ኣብ ጉዳያት ኣፍሪቃ ኢያ:: ብራንውን ብሩተን ብዛዕባ ብዝሒ ኤርትራውያን ስደተኛታት ክትምልስ እንከላ: ነቲ ኤውሮጳውያን ንኤርትራውያን ዝህብዎ ዕድል ተጠቒሞም ዑቕባ ዝሓቱ ኢትዮጵያውያን:ሱዳናውያንን ሶማልያውያንን ኢዮም ኢላ:: ኣብ ኤርትራ ኣብ ትምህርቲ.ጥዕና: ማሕበራዊ ምዕሩይነት ኣገዳሲ ምዕባለታት ከምዘሎ ጠቒሳ ብማዕከናት ዜና ግን ከምዘይዝረበሉ ገሊጻ:: ሚስ ብራንውን ብሩተን ኣብዚ ዓመት እዚ 100ሽሕ መንእሰያት ካብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ከምዝተፋነውን እቲ ስደት ድማ ብሰንኩ ክኽውን ከምዝኽእል ተዛሪባ::ንሳ ኣስዒባ ኣብ ኣገልግሎት ዘሎ 5% ጥራይ ኢዩ ክትብል መጉታ:: ቅዋም ንምንዳፍ ድማ ኢሳያስ ኣቦመንበር ሰይሙ ከምዘሎ ምስኡ ኣብ ዝገበረቶ ናይ ሰለስተ ሰዓት ዕላል ተሓቢራ::ጉዳይ የመን ንምፍታሕ ጊደ ኤርትራ ኣገዳሲ ስለዝኾነ ኣሜሪካ ፖሊሲኣ ኣብ ልዕሊ ህግደፍ ክትልውጥ ድማ ሚስ ብሩተን ዝተላኣከትሉ ኣጀንዳ ኣነጺራ:: ሚስ ብሩተን ብኢሳያስ ከምዝተመሰጠትን ትኩርን ወዲ ሓምሳ ዓመት ከምዝመስልን ድማ ገሊጻ::

ሚስ ብሩተን ብህግደፍ ዝተመጠወላ ገንዘብ ኣብቲ ዝለዓለ ሆተል ተኣንጊዳ ምስ ኢሳያስ ተራኺባ ብዝሃበቶ ሓበሬታ ናይ ኣማላድነት ስርሓ ፈጺማ:: እቲ ኣትላንቲክ ካውንስል ዝበሃል ትካል ብ2009 ዝተመስትረተ ኮይኑ መንግስቲ ኣሜሪካ ናይ ፖሊሲ ዳግመ ምምእዛን ክገብር:ጽልዋ ኣሜሪኣ ኣብ ኣፍሪቃ ክዓዝዝ ምስ መራሕቲ ርክባት ብምፍጣር ኣብ ማዕከናት ዜና ዝጉስጉስ ኢዩ::

ሚስ ብሩተን ነዚ ተልእኾ ስለዝመጽአት እቶም ኣብ 2001  ኣብ ዒላዒሮ ተመቁሖም ዝሳቐዩ ዘለው ሰበስልጣን ኣየገድስዋን ኢዮም:: ነቲ ኣብ መዓስከራት ኢትዮጵያን ሱዳንን ድከቱ ዝሰቲ ዘሎ ኣማኢት ኣሽሓት መንእሰይ ቆልዓ ሰበይቲ ከይትርእይ ኣዒንታ ብወርቂ ተሸፊኑ ኢዩ:: ካብ ኣስመራ ወጺኣ ኣብ ፈቐዶ ስንጭሮን ኮንተይነራትን ተዓፊኑ ዘሎ ዓሰርተታት ኣሽሓት መንእሰይን: ኣረጋዊን ኣማንን እንታይ ይብጽሓ:: ቅዋም ከ ቅድሚ 18 ዓመት ከምዝጸደቐ ኢሳያስ ኣዕሊልዋ ዶ? እንታይ ኮይኑ ኸ ጉሒፍዎ ሓቲታ ዶ?

ንብሩተን ዘገድሳ ብዋጋ ኤርትራዊ ወጽዓ ኣማሊዳ እትሓፍሶ ወርቂ ምበር ጸበባ ህዝቢ ምፍታሕ ኣይኮነን:: ኢሳያስን ጃንዳኡን ድማ ስልጣኖም ንምንዋሕ ብሂወትን ማልን ኤርትራዊ ይንቀሳቐሱ ኣለው:: ቆልዓ ሰበይቲ መጻወቲ ኣዛብእ: መንእሰያት ድራር ጥይትን ካራን ኮይኖም:: ኤውሮጳውያን ገፈፍቲ ዓሳ : ሂወት ኤርትራዊ ኣብ ሰኪዐት ተሰኺዑ ምርኣይ ለሚዶሞ::

ዘይንቐብጽ ኮይና ኣምበር ኢሳያስ ብፍልሙ ኣፍኢሙልና ኢዩ::” ኣነ ዘይገዝኣ ኤርትራ ህልም ትበል”ንኣንጭዋ ጻዕረ ሞታ: ንድሙ መጻወቲታ::

ደጎል ድራር

aseye.asena@gmail.com

Review overview
9 COMMENTS
  • ertra n ertrawyan May 5, 2015

    እዛ ሕጂ ዝተጠቕሙላ ኣማላዲት ድሕሪ ናይ 14 ዓመታት ጻዕሪ ረኺቦም ገንዘብ ህዝቢ ኣሕቊፎም ብመልሓሳ ተዛሪቦም። ለውጢ የብሉን ህግደፍ ኣካይድኡ እምበር ብመልሓስ ጽዓዱ ተዛሪቡ ኣየድሕኖን ኢዩ። ሓቂ ብርእሳ እንተቀበርካያ ብእግራ ኢያ ትቕልቀል። ደጎል ድራር ጽቡቕ ግብረ መልሲ ኢዩ ቀጽሎ።

  • Jack May 5, 2015

    well said bro Degol

  • Michael Tesfmariam May 5, 2015

    Dear Assenna
    This sadist US citizen has no business to travel to Eritrea other than to enjoy the beautiful weather the misery of the people out there. This is part of the regime’s recently orchestrated malicious campaign to undermine the catastrophic humanitarian crisis it is perpetuating at home and abroad by hiring adventurous reckless individuals like her at the expense of our blood and treasure. She has personal quarrel with Ethiopia after she was embarrassingly dismissed as genuine researcher by Ethiopians, and now she finds Eritrea as perfect place to exercise her stupid ideology and personal hatred against the people of Eritrea and Ethiopia. No, wonder Issais controlled media in and outside the country are now in the moon, they are trying to justify their heinous crimes based on her shambolic observation and assessments. Despite all this, this poor woman has no legitimate power to change the fact on the ground.

    HOWEVER, the biggest moral question that every citizen must ask himself is WHAT IS OUR RESPONSE? Can we simply afford to ignore these lies and deceit she is now spreading all over US and Europe to glorify the regime which is known to be the brutal surviving regime the planet? The answer must be NO. We must expose and challenge her and other disgusting and selfish foreign individuals who chose to serve the murderous regime in Eritrea. Let us use all the media facilities we have at hand such as twitter and face book to expose and challenge her until she begins to understand the pain and suffering millions of Eritreans at home and abroad. Lets respond her twitter at @BronwynBruton, and her face book and other media outlet which can reach her. Assenna is also required to approach and organize intellectuals who can directly address this woman and her institutions that she is not a researcher anymore but a mouthpiece of the coldblooded regime in Eritrea. If we remained silent without any response, this will definitely attract others and eventually it is going to be extremely complicated for us to fight the regime from with and outside.
    thanks

  • YERHWO May 5, 2015

    Ms. Brownyn Bruton argument sounded more of the greasing talk of Yemane Gebreab and Ali Abdu. Funny indeed!.

  • AHMED SALEH !!! May 5, 2015

    I hope our intellectuals in USA who showed their desire to join Eritrean movements
    for political reform organize themselves to confront her misleading findings by
    exposing her to the public through writings and media outlets .
    Politics is a game and should be treated likewise but not with silent observers .

  • redae May 6, 2015

    She is not the main boss of Issayas she is massege carrier of the main issayas’s boss

  • Koreri May 6, 2015

    My friends do you think some one who can tell the truth about Eritria will get visa, or you think they allow him or her to get in to Eritrea.
    The news from this leady may make happy for those who are “nihna nisu nisu nihna” otherwise no real Eritrean will take this as truth.We know what is happening in Eritrea and its people.

  • Abrehet Yosief May 6, 2015

    How she dismissed the life of two American Embassy staff as a strange obsession of America is cruel. Isaias Afeworki frequently uses the word “obsession” when it comes to foreign embassies inquiring about certain individuals. It is obvious she is imitating him. Does she think if we stop “obsessing” about those imprisoned, their suffering stops? What callous disregard for human beings.

  • Adiam May 7, 2015

    ዝከበርካ ዶጎል ጽቡቅ ሪኢቶ ቀጽሎ እምበር ካብ ”ውቤስ” ጽቡቅ የሎን

POST A COMMENT