Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

“ንኽንሰማማዕ ተሰማሚዕና ኣለና!”

“ንኽንሰማማዕ ተሰማሚዕና ኣለና!” በሃር ተቓላሳይ ምስ ከቢድ ሕማምካ ደኺመ ኣለኹ’ሞ ከዕርፍ ከይበልካ ንጉዳይ’ዛ ሃገር ኣብ ቅድሚት ሰሪዕካ ክትመክር ክትምዕድ ንሰዓታት ደው ኢልካ ህዝብኻ ንምድሓን ስሑል ተዓጢቕካ ትቃለስ ኣለኻ ምስ *ባልዋ ገጢምካ!   *ኣርሓ መፍለስ ናብ ቤቱ ክትመልስ ዝተሰደ ውጹዕ ብመዝሙር ሓድነት ንኹሉ ክትጽዉዕ ኣንታ ዉፉይ ዜጋ

“ንኽንሰማማዕ ተሰማሚዕና ኣለና!”
በሃር ተቓላሳይ ምስ ከቢድ ሕማምካ
ደኺመ ኣለኹ’ሞ ከዕርፍ ከይበልካ
ንጉዳይ’ዛ ሃገር ኣብ ቅድሚት ሰሪዕካ
ክትመክር ክትምዕድ ንሰዓታት ደው ኢልካ
ህዝብኻ ንምድሓን ስሑል ተዓጢቕካ
ትቃለስ ኣለኻ ምስ *ባልዋ ገጢምካ!   *ኣርሓ መፍለስ
ናብ ቤቱ ክትመልስ ዝተሰደ ውጹዕ
ብመዝሙር ሓድነት ንኹሉ ክትጽዉዕ
ኣንታ ዉፉይ ዜጋ ዘሐብን ዘኹርዕ
እቲ ልዑል ፈጣሪ  ዓይነ ብርክኻ የጽንዕ!
እዚ ለዋህ ህዝቢ ሃገሩ ዘፍቅር
ብመጥቃዕቲ ተዅላ ፍጹም ካብ ዝብህርር
ህይወቱ ንምድሓን ኣብ ስደት ክነብር
ዝተበታተነ ፈንጢሱ መዋጥር
ንዳግማይ መኸተ ኣብ ሓደ ክሰምር
‘ሓደራኻ!’ ኢልካዮ ቃል ስውእ ከኽብር!
ምስሊ ናይ ኣባጊዕ ቆርበት ዝለበሱ
ተዃሉ ምሳእተን ስለ ዝሕወሱ
ዘዝነደቕካዮ መሰረት ከፍርሱ
ተንኰል ኣይገድፉን’ዮም ኣሕዋት ከባእሱ
እቲ ደላይ ፍትሒ ግን ከርግእ መንፈሱ
ምኸሮ ዶክተረይ ክገትእ ንነብሱ!
‘ንሕና ኤርትራዉያን ሰብኣይ ሰበይትና
ብዳግማይ መግዛእቲ ዝተበታተንና
ደቃ እተማሙቕ መሰሎም ከዲና
ብልጽግቲ ኤርትራ ክንፈጥር ሓቢርና
‘ንኽንሰማማዕ ተሰማሚዕና ኣለና!’
ዚብል ጭርሖኻ ኣብ ኩሉ ሰሪጹ
ኤርትራዊ ዜጋ ንፍትሒ ምድማጹ
ንጉጅለ ህግደፍ ኮይኑዎም ዘደንጹ
ዘልኣለም ከይነብሩ መሰልና ክረግጹ
ህዝቢ ተንሲኡ ኣሎ ከጥፍኦም ቆሪጹ!
ኣንታ ምሩጽ ዘርኢ ፍረ ናይ ኤርትራ
ዓስቢ ናይዚ ኹሉ ሓሰረ መከራ
ይመጽእ ከም ዘሎ ጠጥዒ ናይ ኣዝመራ
ወላዲት *ክትሽናህ ዓዉ ኢልካ ንገራ!                   *ደስ ክብላ
ማህጸን ጓል ኣደኡ እናተቓጸለ
*መሀንከፊ ኣሕዋቱ ካራ እናተሳሕለ   *መሕረዲ
ናጽላ ምስ ኣደኡ ኣብ ባሕሪ እናጠሓለ
‘ሃገር ጽቡቕ ኣላ ማዕቢላ’ ዝበለ
ብህዝቡን ሃገሩን ወትሩ እናሽካዕለለ
ኣብ *ሶፋ ኣራጢጡ ዝግህጽ ሓኸለ  *ምቹእ ሳሎን (ብእንግሊዝ)
ኤርትራዊ ኣይኮነን ካባና ይፈለ!
ብሽንሆት ንኽንነብር፡ ዕምሪ ምልኪ ነሕጽር!
ካብ ሓውኹም መሲናስ 05-03-2014

aseye.asena@gmail.com

Review overview
15 COMMENTS
  • thige March 10, 2014

    bihaki bial hilina dekime hamime keybele aderai asekaki hiwet hizbu kedhin laielin tahtin yibil alo kinsemamai tesamamiena zibiel dahay hizu ab kulu dekun ahwatun zirikebuwo dikamu keysebsebe yigayey alo bihaki kibri yigboo teawet Dr Tewolde tesfamarieyam bihki haben yismeenie kab alowu zibahalu muhuratna nizie natka abinet wesidom kiserhulu

  • Truly Truly i say to you March 11, 2014

    ሰዶ! ሰዶ! ሰዶ! ሃውና መሲናስ፣ ካብ ሺህ ሃጠው ቀጠው ዘረባ፣ ንሃደ ክቡር ሰብ ነቲ ዝግብኦ ክብሪ ብዘድንቕ ግጥሚ ተውህቦ መሲናስ በቲ ዘቕረብካዮ ቅኒት ኣዝዬ እዬ ተደኒቀ ኣጊበ።
    ነዚ ታሪካዊ ናይ ወዲ ቫካሮ መደረ፣ ንዘለኣለም ሕዝቢ ኤርትራ እናዘከሮ ከምዝነብር ፈጺመ ኣይጥራጠርን። ይዝከረኒ ነጻነት ኤርትራ ኣብ 91 ኣብ ቦሎኛ ኣብዝተኸበረሉ ናይመውዳእታን ፈላማይን ናይነጻነት በኣል ዕዋን ከም ክቡር ኣቦና ወልደኣብ ወልደማርያም ገሩ ኣብ ታሪክ ኤርትራ ፈጺሙ ብሕዝቢ ኤርትራ ከቢሩን ደሚቁን ዝተረአየ ሰብ አይነበረን። ይኹን እንበር ሕዝቢ ኤርትራ ነቲ ዘረኸቦ ነጻነት ከይስተማቐረ ብኮላፊ ተኾሊፉ ኣብ ዝከፈእ ባርነት ወዲቁ ስለዝርከብ፣ ኣይጠራጠርን ዳግማይ ሃርነቱ ብቅልጽሙ ኣብዝረጋገጸሉ ዕዋን፣ ይረኣየኒ ኣሎ ክቡር ዶክተር ተወልደ ተስፋማርያም ልክእ ከም ኣቦና ወልደኣብ ወልደማርያም ብኣቢ ክብርን ሞጎስን ብሕዝቢ ኤርትራ ደሚቁ ክራኣይ እንከሎ።። ኣነ ከም እምነተይ አግዚኣብሔር ንወዲ ቫካሮ ጥእና፣ ነዊህ ዕድመን ፀጋን ኣብዚህሉ መራሂ ሃገርና ኮይኑ እንተዝመረጽ፣ ብሃጺር ግዜ ሃገርና ከምትባረኽ፣ ከምትምእብልን ክብሪ ሕዝብና ከምዝምለስን ፈጺመ ኣይጠራጠርን። ምክንያቱ ቅኑእ ልቦነ ዘለው ሰብ ስልጣን ኣብዝህዘሉ ዕዋን፣ የግድን እዩ ሃገር ክትባረኽ፣ ሰላም ክኣስላን ሕዝባ ብፍትሕን ሃርነትን ብሰላም ክወጽእን ክኣትውን።

  • berie haqi March 11, 2014

    ዘገርም እዩ : ማፍያውያን’ሲ በሃር ተቓለስቲ ኮይኖም : ንድያብሎስ ኣምላኽ’ዩ እንተበልኩምናስ መን’ሞ ይገርሞ : እንታይ ደኣ ዓርኪ ሰባርሲ ናቕዕ’ዩ ዘይበልዎን ብቕድሙ :

  • Semhar March 11, 2014

    Thank you 
Dr. Tewolde Tesfamariam (Wedi Vacaro)
    “ንኽንሰማማዕ ተሰማሚዕና ኣለና!”
    Thank you for choosing our liberation flag! Semayawit banderana vs. Isayas, the dictator’s flag!
    Thank you for choosing a government with constitution and Highi Indaba the law of our land vs. Isayas, the dictator’s kangaroo law!
    Thank you for choosing a government of the people, by the people and for the people vs. Isayas’ dictatorship!
    Thank you for choosing our historical original provinces vs. Isayas’ Zobas!

POST A COMMENT