Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ንዝተሸመ ተኸተሎ። 4ይ ክፋል።

ንዝተሸመ ተኸተሎ።   4ይ ክፋል።                                09-12-13 ግዜ ኩሉ ነገር ኢዩ። ግዜ ይሽይም የማዕርግ፡ ግዜ የውርድ ይሓርድ ይጎምድ። ብግዜ ይፍጠር ይዕንደር፡ ኣብ ግዜ ይኹምተር ይሕረር። ግዜን ቦታን እቶም ፈጠርትን ቀየርትን ነገር ኢዮም። ቀዳሞት ለባማትና ንግዜ መዲሮሙሉ ኣዚሞሙሉ። ኣብ

ንዝተሸመ ተኸተሎ።   4ይ ክፋል።                                09-12-13

ግዜ ኩሉ ነገር ኢዩ። ግዜ ይሽይም የማዕርግ፡ ግዜ የውርድ ይሓርድ ይጎምድ። ብግዜ ይፍጠር ይዕንደር፡ ኣብ ግዜ ይኹምተር ይሕረር። ግዜን ቦታን እቶም ፈጠርትን ቀየርትን ነገር ኢዮም። ቀዳሞት ለባማትና ንግዜ መዲሮሙሉ ኣዚሞሙሉ። ኣብ ሃገር ና ከምእኒ ድምጻዊ ኣቶ ኣተወብርሃ ሰጊድ ተመሲጦም ገሊጸሞ። “ ለሁሉም ግዜውን ይጠብቅለታል፡ በማለት ሰለሞን ቀድሞ ተናግሮታል” ድማ ኢሎም ድምጻውያን ጎረባብትና። እንታይከ ክወጾ። ንሕና ኤርትራውያን ዘመነ-መግዛእቲ ኣሕሊፍና ኣብ እ ዋን ናጽነትና ከምሕሱም ዓንዲርና። እንተኾነስ ኣይመላእናዮን። መለሳኡ ከምዝተበየነልና ድማ ኣይሕሱብ ወዮ ዝኸፍአ ናይ ውሽጥና ገዛኢ ኣራጢጡ ዓትዒትና። እንተኾነስ ንጋላቢ ግዜ እንታይ ይሳኣኖ ኮይኑ። እንሆ ድማ ፈለግ ለውጢ ደበኽ ኢሉ።

ግን ሓንቲ ነገር ኣላ ንብሕተይ ትገርመኒ። ከምቲ ድምጻዊ ተወልደ ረዳ ዝበሎ ‘’እንተድኣ ኣብዛ ህያው ዓለም ዘይንነብር ኴንና ስለምንታይ ኢና ተታለልቲ ንኸውን’’?እብል። ብኣ ኣቢላ ንብሕተይ ሰለሎ መታን ከይትኣትወኒ ኢየ ድማ ኩላህና ክንመኽረ ላ ዝዕድመኩም። እስከ ርግእ’ሞ ንበል ብሓባር ድማ ንምከር። ንዘይተርፍ ነገር ክንድኡ ቆምጣዕጣዕሲ እንታይ ኣድለየ? ሃገር ከይትጠፍኣና ብሓባር ወፊርና ኣምጺእናያ ከነብቅዕ ሕጂ በበይንና ክንሓስብ፡ ንውልቅና ጥራይ ክንትምነስ ኣማስያኡኸ ናበይ? ንሱ ዘየዋጽኣና እንተኾይኑ እስከ ነብስና ንፍለጣ። ኣብ ቅድሜና ንምስልና ዝገልጽ መስትያትና ነዳሉ’ሞ ሽዑ ክልተ ሕቶታት  ክንቐርብ። እቲ ዝረኣየና ምስሊ ብሓቂ ንሕና ዲና? ነብስና እንተርዒምናያ፡ ምስልናኸ ከምሰባ ድያ?

ሽዑ ድማ ድንገት “ኣነ ወዲ’ዛ ሃገር ድየ? እዚ መንግስቲኸ ናተይ፡ ናትና ዲዩ”? ዝብሉ ሓደስቲ ሕቶታት ክቕልቀልኹም ግድን ኢዩ። ሽዑ’ውን ብዛዕባ ሃገራውነትኩም ብወገነይ ዘጠራጥር ኣይህሉን። ብፖለቲካዊ እምነትኩም ዝመጸ ግዳ እንተድኣ’ዚ ዘሎ መንግስቲ ኣዕጊብኩም ብሓቂ ህግደፋውያን ኢኹም’ሞ ፈተኹም ጸላእኩም ዕድመ መንግስትኹም ከተናውሑ ግዴታ ኣለኩ ም። ምናልባሽ ብዓንተቦኡ ግዴታዊ ህግደፋውነት ከምዘጓነፈኩም እንተገሊጽኩሙልና ድማ ንሕና’ውን ቀስብቀስ ግዴታዊ ኣባል ሃገራዊ ድሕነት ምዃን ከምዘሎ ክንገልጸልኩም ንፈቱ። ኣባል ሃገራዊ ድሕነት ከምሽሙ ተሓላቒ ሃገር ምዃን ከይመስ ለኩም። ንሳ ኢያ’ታ ሕመረት ኢሳይያስነት። እዛ ሕመረት ኣብ ውሽጢ’ቶም ብእኩብ ህግደፍ ዝበሃሉ ጃንዳ ኢያ ትቕበር። ኣ ብውሽጢ ተመሃሮ ሳዋ ከምኣብነት እቶም ንናይ ጽባሕ ህግደፋዊ ኣባልነት ዝተሓጸዩ ምሩጻት ኣባላት “ሕመረት” ይበሃሉ። ንሳቶም እቶም ብሓለፋ ዝተሓዙን ዝኩስኮሱን መንእሰያት ህግደፍ ምዃኑም ድሮ ፈሊጥኩሞም ኣለኹም።

ኣባል ሃገራዊ ድሕነት ምዃን መልእኽታ ብዘይተፈልጠት ሽጉጥ ዓጢቕካ ምስ ምስንዳው ንሓዋሩ ዘጣዕሳኻ ገለ ውሕሉላት መሰል ቃላት እንተሃበረ ንግዚኡስ ስምዒት ፍሉይ ፍጥረት ከስዕበልካ ይኸውን። ቀንዲ ዕማም ሃገር ተጎስዩ መናውሒ ዕድመ ብሕትውና ዝነድቕ መደብ ስራሕ ምቕራም ሓሶት ብምዃኑ ዝሽየጥ ሓሶትከ ኣበይ ከይሰኣን። ሰብ ኣመና ጸኒዑ እንተኣቕቢጹ’ ውን ባዕልኻ ዝህንደስ ሃሶት ድማ ኣሎ’ኮ። ሓንቲ ድኽምቲ ሓሶት ኣብ ውሽጢ ሃገር ብውሕዱ ሓምሳ ናቕፋ ከምተውጽእ ድ ሮ ተጋሊጹ ኢዩ። እሞ ኣብዛ ዝላሓስ ሓመድ’ውን ዝተሓረመት ሃገር ምእንቲ ሓምሳ ናቕፋ ፈቃር ሓላይ፡ ኣብ ፈቐዶ ኩርናዓ ት ዝተኾርመየ ለማኒ፡ ተሓላቒ ውጹዓት ተመሲልካ ምጽንጻን ዝኣመሰልዎ ጥበብ መሊኡ ኢዩ። ኣብ ናብራ ካብ ኢድ ናብ ኣ ፍ ቅጽበት ዝረኸብካያ ወይ ዝሰናዕካያ ሓሶት ብምሻጥ ሓንቲ ካቡቺኖን ባንን ተነሲዕካ ይሕለፍ መዋእል። ኣብ ወጻኢ ሃገራት ድማ ነናቱ ጥበባት ኣለዎ። እዚ ስርዓት ብገንዘብ’ዩ ዝነብር ዘሎ።እቲ ትካል ብጉልባብ ‘ሓበሬታ’ ዕዳጋ ሸማትን ሽያጥን ሓሶት ብምዃኑ’ዩ እምባአር ኣባልነት ሃገራዊ ድሕነት ነብስኻ ነቲ ዝዓሞቐ ትሕተ-ሃገራውነት ምግላጽ ማለት ምዃኑ ዝግለጽ።

ዝኾነ ኮይኑ ኣባላት ህግደፍ ይኹኑ እንኮላይ ኣባልነት ሃገራዊ ድሕነት ዘጣመሩ፡ በሊዖም፤ ወኒኖም፤ ታሪኽ ሰሪሖም ነዛ ዝኣ ምኑላ “ሓምላይ” ሃገሮምን ሰራሕቅያ መንግስቶምን እንተሓለፉሉን እንተተወፈዩሉን ምርጫኦም ኢዩ። ብህላወን መሰልን ሓ ፋሽ ኤርትራ ምቁማር ግና ኣይከኣልን’ዩ’ሞ ይኣክል ጥራይ።

ኣብዚ እዋን’ዚ ኩሉ ዝመረሮ ሓፋሽ ዝዛተየሎም ሓደስቲ ዛዕባታት የለዉን። ነገር ጀብሃ-ሻዕብያ ደጊም ታሪኽ ጥራይ ኢዩ። ሰ ውራ ምክያድ በቲ ሓደ ዓይኒ ገበን ብምዃኑ ኢሳይያስ ምስ ደቂ መዛሙርቱ ክተዓረቕ ንገድልን ተጋዳላይን ኣዳቒቑ ተመሲሓ ዘይትድረር ሃገር ገይሩ ንዘንተ-እለት ብድሆ ኤርትራውነት ከንበርክኽ ብዝኣተዎ ውዕል ንዕስራን-ሰለስተን ዓመታት ደምና ው ሒዙ። ሃብትና በኺኑን ህዝብና ተበቲኑን። እንተኾነስ እንሆ ኩልና ተንሲእና። ኣብ ኣእምሮ ኩልና ድማ’ዘን ሕቶታት’ዚአን’የ ን ክመላለሳ ጸኒሐን፡-

ሃገርና ለውጢ የድልያዶ ኣየድልያን? ዘድሊ እንተኾይኑ ናይ ለውጢ ግዜ ኣኺሉዶ ኣይፋል? እንታይ ዓይነት ለውጢ? መሰረ ታዊዶ ጽገና? ሰላማዊዶ ጎነጻዊ? እቶም ናይ ለውጢ ሓይልታት መን ኢዮም? ናይ ለውጢ ቦታ በየን ይጀመር፡ ብኢቲዮጲያዶ

ብሱዳን ንበገስ? መንከ ይምራሓና……..

ግዜ ኩሉ ኢዩ ኢልና። እንሆ ድማ ንሕቶታትና ግዜ መሊስዎ። ኣብ ሃገርና ለውጢ ከምዘድሊ ብዘይጥርጥር እቲ ነታ ስልጣን ዝቕበሎ ዝሰኣነ ፕረሲደንት ከይተረፈ ንዕስራን ሰለስተን ዓመታት ዝኣክል ፍሹል ጉዕዞ ከምዝተጓዕዘ፡ ሓንቲ ከምዘይገበረን ከ ምዘይገብርን ኣነጺሩ ገሊጽልና። እቲ ዝገርም ቀቀዲምና ንሕና ክንብሎ ዘለና ነገር እናበለ ንናህሪ ናይቲ ዘይተርፍ ስዕረቱ ዘና ውሕ ኩሉ ብልሓታቱ ተቓሊዑ ከምዝወግሖ ዝብኢ ንጸሓይ ተቓሊዑ ክንሱ ከምሓድሽ ጽውጽዋይ ኩዕታ ኣዋርቕ የዘንቱ።

ብዛዕባ እንታይ ዓይነት ለውጢ ዘካትዕ የብሉን። ብካልእ ኣዘራርባ ህግደፍ ከምፖለቲካዊ ስርዓት ይሃሉዶ ኣይሃሉ? ማለት ስ ለዝኾነ ማለተይ ኢየ። ህግደፍ ከምሰልፊ ክህሉ ዝከራኸሩ ከምዘለዉ ንሰምዕ ኢና። እዚኣ’ውን ንእዋኑስ ከተኺዶም ትኸውን ። ግናኸ ከነስተውዕለሉ ዘለና ነገር፡ ህግደፍ ማለት እቲ ከምሓደ በላዕተኛ ደም ህዝባዊ ግምባር እናመጸየ ተጎርቢቱ ዝኣተወ ተጻይ’ምበር ህ.ግምባር ማለት ኣይኮነን። ብምዃኑ ብዓንተቦኡ ካብ ጸሊም ዕዳጋታት ብዝሸማመቶ ሰልፋዊ ኮንትሮባንዳዊ ዓ ላማ እንተዘይኮይኑ ሃገራውን ንጹርን ኣጀንዳ ኣይነበሮን። “ስልጣን ዝሃበኒ የለን” ‘ኮ ኢዩ ኢሉ መራሕ ሰልፊ። እንተዝነብሮ ህዝባውነት ኣይምጠሓሰን። ንዘይተደላይ ሞትን ጥፍኣትን ኣይምዓጠቐኝ። ሰብናን ኣካላቱን ኣይምተሸጠን። ሃገርና ኤርትራ ድማ ትሕቲ ሃገራት ኣይምተረፈትን። እሞ ህግደፍን ፖለቲካዊ መስመሩን ብዘየማትእ ክድምሰስ ከምዘለዎ ዊንታ ሰባት ዘይኮ ነ ትእዛዝ ህዝባዊ መንግስቲ ኢዩ። ዳግማይ ከይንጋገ፡ ብፖለቲካዊ መስመር ህግደፍ ዝረብሐ ፖለቲካዊ ጉጅለ እንተ ኣልዩ፡ ን ሱ’ቲ ሰልፊ ጥራይ ኢዩ። ንሱ ብንሱ ኣብ ኣቃውማኡ ዝነበረ ፖለቲካውን ቁጠባውን ኣሽካዕላል ሎሚኸ ንምንታይ ክድገም ክ ደጋገም? እታ ብንጉሆኣ ዝተመነናያ ቅዋማዊት መንግስቲ እምበኣር ሎምስ ግዜኣ ኢዩ።

ሓራይ፡ ውድዓዊ ኩነታትሲ በሲሉ። ጠለብና ድማ ብዘየማትእ መሰረታዊ ለውጢ ምዃኑ ኣነጺርና ኣለና። ተሓተትቲ፡ ተሰከምቲ ሕድሪ፡ ተሰከምቲ ሓላፍነት ድማ ብዘየሻሙ መንእሰያት ምዃኖም ኣብሪህና። እቶም ናይ ለውጢ ሓይልታትከ ኣየኖት ኢዮም? ኢልና ንዘቕረብናዮ ሕቶ’ውን ኩሎም’ቶም መሰረታዊ ለውጢ ዝደልዩ ምዃኖም በሪሁ እንሆ።

ሕጂ ክልተ ባይታታት ተፈጢረን እነዋ።

1፡ መን ኢዩ ሓቀኛ ተረካቢ ሕድሪ? ብዝብል ሃገራዊ መትከል፡ ምፍጣጥ ናይ መንእሰያት ደገፍቲ ለውጥን ዓቀብቲ ህግደፍን።

2፡ በቲ ካልእ ድማ ከም መሸማገሊ፤ መሰጋገሪ መድረኽ፡ ሽምግልና ጎደፋን ጎዱፍን ደቂ ባካሮታትን ተገቲርና እንሀ።

ይቕጽል፡

ጎደፋ፡

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT